Catholic Asmara


About Catholic Asmara

Eritrean Catholic Archeparchy of Asmara







እምነት ብዘይግብሪ ምውቲ እያ! ርእሰ ዓመት፣ ዘመነ ማርቆስ ፩ መስከረም ፳፻፲፬፣ 11 መስከረም 2021 ክቡር ሕዝበ እግዚኣብሔር፣ ቅድሚ ኲሉ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ሓዋርያት ኮይነ፣“በቲ ቀዳሲ ዝኾነ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝኃረየኩም ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛኅ”(1ጴጥ 1:2) እናበልኩ ልባዊ ናይ ሓዲስ ዓመት ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ምንዮተይ እገልጸልኩም። እግዚኣብሔር ዝሃቦ […]

እምነት ብዘይግብሪ ምውቲ እያ!






ምስ ነቢይ ዮናስ ናብ ሰብ ነነዌ ተልእኮ ካህናት ኣብ ጒዕዞ ዓብይ ጾምን፣ ኣብ ጽንኩር ጊዜ ኮሮና ቫይሩስን ፳፻፲፫ ዓ.ም.ግ.- 2021 ዓ.ም.ፈ. ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ክቡራን ጓሶት ሕዝበ እግዚኣብሔር፣ ቅድሚ ኩሉ “ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን” (ፊል 4:23) ብምባል ንነፍስ ወከፍኩም ልባዊ ሰላምታይ ኣቕርበልኩም። ኩልና ከም […]

ምስ ነቢይ ዮናስ ናብ ሰብ ነነዌ



ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ፲፮ የካቲት ፳፻፲፫፣ 23 የካቲት 2021 ኃዘን ዝፈተነ/ዝጠዓመ እዩ፣ ኃዘን ዝርድኦ ክቡር ሕዝበ እግዚኣብሔር፣ ሰላም እግዚኣብሔርን፣ ጽላል ኣዴና ኪዳነ ምሕረትን ወትሩ ኣይፈለኹም እናበልኩ ልባዊ ሰላምታይ ኣቕርበልኩም። ዝሓለፈ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤል ርእሰ ኣድባራት ሕንጻ ቤተክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ፣ ከነብዕል ክንደይ ዓጀብን ዋዕዋዕታን ነቢሩ። ሎምዘመን ግን ከም […]

ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት 2021




11 መስከረም 2020 ፩ መስከረም ፳፻፲፫ “ናብ ፈተና ኣይተእትወና፣ ካብቲ ክፉእ ደኣ ኣድኅነና” ክቡራትን ክቡራንን ሕዝበ እግዚኣብሔር “ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ኅብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኲልኻትኩም ይኹን” (2ቆሮ 13:13)። ኣብዚ እንጅምሮ ዘሎና ግእዛዊ ሓዲሽ ዓመት ፳፻፲፫ ከም ኣርእስቲ መልእኽተይ ነቲ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ጸሎት ክምህሮም ከሎ […]

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመትን ሓንሰ መስቀለ ካብ ኣቡነ መንግሥተኣብ



መልእኽቲ በዓለ ፋሲካ 2020 ካብ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም እግዚኣብሔር ብርሃነይን ምድኃነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርሆ? ክቡር ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን እትርከብ ሕዝበ እግዚኣብሔር፣ ሰላምታን፣ ሓደጋ ለበዳ ኮሮናቫይሩስን ቅድሚ ኩሉ፣ ኣብዚ መላእ ዓለም ብተላጋቢ ሕማም ኮሮናቫይሩስ ተናዊጹሉ ዘሎ እዋን፣ “ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን ሰላምን […]

መልእኽቲ በዓለ ፋሲካ 2020 ካብ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም






ጸብጻብ ኣከባብራ ዝኽሪ ወርቃዊ ኢዮቤል ሕንጻ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራትንዓመታዊ ክብረ በዒል ኪዲነምሕረትንኣሥመራ 24 የካቲት 2020 ወይ ድማ ብግእዚዊ ኣቆጻጽራ 16 የካቲት 2012፡ ዒመታዊ ክብረ በዒል ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ኪዲነ-ምሕረት ኢዩ ነይሩ። ናይ ሎሚ ዒመት ክብረ በዒል ፍሉይ ዜገበሮ ግና፡ ዜኽሪ ወርቃዊ ኢዮቤል እታ ሕንጻ ቤተክርስትያን እውን ስለ ዜነበረ ኢዩ። እዚ […]

ዝኽሪ ወርቃዊ ኢዮቤል ሕንጻ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራትን ዓመታዊ ክብረ በዒል ...



ወርቃዊ ኢዮቢልዩ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነምሕረት 02/2020 ክቡራን ካህናት፡ ፍቁራት ኣብ ኣፍሪቃን፡ ኤውሮጳን ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕን ኣውስትራልያን ኒዩ ዘላንድን እትርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን፥  ኣቐዲመምኣብ ዘሎኹም ኣሊኹም ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኮይነ፣ “ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን” (ሮማ 1:2) ብምባል ልባዊ ሰላምታይ ኣቕርበልኩም። ብምቕጻል ከኣ ብዕለት 24 የካቲት […]

ወርቃዊ ኢዮቢልዩ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነምሕረት 02/2020



“ወዲ ሰብ ምስ መጸ፣ እምበርዶ ኣብ ምድሪ፣ እምነት ክረክብ እዩ?” በዓለ ልደት፡ ፳፰ ታኅሣሥ ፳፻፲፪  (7 ጥሪ 2020) ፍቁር ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ወትሩ ከድኅነና ዝመጽእ ኣምላኽ እዩ። ዝመጸና ከኣ በቲ ሥጋና ለቢሱ ሰብ ዝኾነ ካብ ድንግል ማርያም ዝተወልደ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እዩ። ኣብዚ እነብዕሎ ዘሎና በዓለ ልደት […]

መልእኽቲ በዓለ ልደት 2020 ካብ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም






Further Clarifications on the Recent Nationalization of the Catholic Clinics in Eritrea The Church, while carrying on her service to the Lord, cannot forsake the problems and difficulties of man (health, education…). In fact Jesus Christ has left her with an unambiguous commandment: it is not sufficient to love and […]

Clarifications on the Recent Nationalization of the Catholic Clinics ...





መግለጺ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ተጻይ ውጹእ ጸለመ በዚ ቕንያት’ዚ ብናይ መንግሥቲ ኤርትራ ውሳኔ፣ ኣብ መላእ ኤርትራ ዚሰርሓ ዝነበራ መጠን 22 ዝኾና (ናይ ዝሓለፈ ዓመት 8 ምስ ተወሰኻ ኣብ ኵሉኵሉ 30) ናይ ሕክምና ማእከላት ምዕጻወን ተኸቲሉ ብወገን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተቓውሞ ቐሪቡ ግን ዝተዋህቦ ግቡእን ብቑዕን መንግሥታዊ ምላሽ የልቦን። ብኻልኣ መዳይ […]

መግለጺ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ተጻይ ውጹእ ጸለመ





Catholic Bishops of Eritrea “Peace to those who are far off and peace to those who are near” (Eph 2:17) An appeal for Peace and National Reconciliation Pastoral Letter   Greetings Dear children in the Lord, our beloved people, all you seekers of peace: “Grace to you and peace from […]

An appeal for Peace and National Reconciliation Pastoral Letter



“🎷🥁ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር🥁” 🎷መልእኽቲ 🥁ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም❤️ 🙏 በዓለ ትንሣኤ🎷🥁፣ ❤️፳ ሚያዝያ ፳፻፲፩፣ 28 ሚያዝያ 2019🙏 ፍቁራትን ፍቁራንን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ኣይብኃይልናን ብኃይሊ እግዚኣብሔር፣ እንሆ ሎምዘመን እውን፡ ናብቲ ምሥጢር ድኅነትና ዝተፈጸመሉ ቅዱስ ሰሙን ሕማማትን በዓለ ትንሣኤን መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብድኃነ ሰላም በጺሕና። ነቲ ወትሩ ዝመርሓናን ዘሰንየናን ኣምላኽና ከኣ ምስጋና […]

ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር: መልእኽቲ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ በዓለ ...




መዓርገ ዱቁና ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዲነ ምሕረት  ብዕሇት 7 ሚያዜያ 2019 መንእስይ ኣማኑኤሌ ገብረትንሳኤ ጳውልስ ካብ ገዲም ዓቢ ዘርኣ ክህነት፣ ብዘሓት ውለዯ ክህነትን ምእመናንን ተምሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ፈተውትን ወሇደን ኣብ ዜተረኽብለ፣ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዲነ ምሕረት ብኢድ ብፁዕ ሉቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥትኣብ ተስፋማርያም መዓርገ ዱቁና ተቀቢለ። ኣብቲ ብዕሇቱ ዜዓረገ መስዋዕቲ ቅዲሴ፣ […]

መዓርገ ዱቁና ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዲነ ምሕረት 


❤️ስብከት ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ❤️🥁🙏 ❤️ሊቀጳጳሳት ዘመንበረ ኣሥመራ❤️ 🥁🙏ኣብ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት 🙏 23/02/2019 #ዘሕገ #ልማዳ #ምሕረት፣ #ለኲሉ #ፍጥረት #(ሉቃ 1፡39-56) ፍቁራትን ፍቁራንን ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ዝነገድኩም መፍቀርቲ ኣዴና ኪዳነ ምሕረት፡ ቅድሚ ኲሉ እንቋዕ እግዚኣብሔር ናብዚ ዓመታዊ ክብረ በዓል እዛ ፍትውቲ ኣዴና ብድኃነ ሰላም ኣብጽሓና። ኣብቲ ሎሚ ዝሰማዕናዮ […]

ስብከት ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም – ኣብ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ...





“ኤፍታሕ!”፣ ተራኃው ብሂል” “ኤፋታ!”፣ ማለት “ተኸፈት!” ርእሰ ዓመት፡ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ፩ መስከረም ፳፻፲፩ ዓ.ም.ግ. 11 መስከረም 2018 ዓ.ም.ፈ. ክቡራትን ክቡራንን ስድራ እግዚኣብሔር፡ ኣብዚ ዘመነ ማርቆስ ወዲእና ናብ ዘመነ ሉቃስ እንሰጋገረሉ ዘሎና ወቕቲ ነቲ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ማርቆስ፡ ምዕራፍ 7፡ ንሓደ ጸማምን ዓባስን ሰብኣይ ከሕዊ ከሎ […]

ስብከት ኣቡነ መንግሥተኣብ – ርእሰ ዓመት፡ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ






ብተስፋ በርትዑ – ሓዋርያዊት መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ  ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዚርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን ደቂ-ሃገርን፤  ንዅሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይን ዝተጻሕፈ   ነሓሰ 2004   መባእታ 1. * ብፍቓድ እግዚኣብሔርን፣ ብሥምረት መንበረ-ጴጥሮስን፥     * ናይ’ታ ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጓሶት ካብ ዝኾኑ ጳጳሳት     * ካብ’ዛ ሃገር ተበጊሶም ኣብ ኵለን ሃገራት ናብ ዘለዉ ካቶሊካውያን […]

ብተስፋ በርትዑ – ሓዋርያዊት መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ






Prayer and supplication for peace “Respect for and development of human life require peace. Peace is not merely the absence of war, and it is not limited to maintaining a balance of powers between adversaries. Peace cannot be attained on earth without safeguarding the goods of persons, free communication among […]

Prayer and supplication for peace




ጸሎትን ምህለላን ምእንቲ ፍትሓዊ ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን “ሰብኣዊት ሕይወት ክብራ ንኪሕሎን፡ ንኽትምዕብልን ሰላም ኣድላዪ እዩ። ሰላም ኪበሃል ከሎ ውግእ ዘይብሉ ማላት ጥራሕ ኣይኮነን፣ ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ሚዛን ኃይሊ ኣብ ምሕላው ዚድረት እውን ኣይኮነን። ናይ ሰባት ረብሓ ከይሓሎኻ፣ ኣብ መንጎ ሰባት ናጻ ዝኾነ ርኽክብ ከየማዕበልካ፣ ናይ ሰባትን ሕዝብታትን ክብረ […]

ጸሎትን ምህለላን ምእንቲ ፍትሓዊ ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን



ኦ ማርያም! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ’ሞ፣ ኣይትፍርሒ! ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ኣባ ፍራንቸስኮስ መልእኽቲ ንመበል 33 ዕለት መንእሰያት ዓለም (11 የካቲት 2018) (ትርጒም፦ ኣባ ግርማይ ኣብርሃ፣ ዘማኅበረ ሲታውያን) ኦ ማርያም!! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ’ሞ፣ ኣይትፍርሒ! ፍቁራን መንእሰያት! እቲ ብ2018 ዓ.ም.ፈ. ዚኸብር ዕለት መንእሰያት ዓለም፣ ኣብ ፓናማ ብወርሒ ጥሪ […]

ኦ ማርያም! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ’ሞ፣ ኣይትፍርሒ -2018


ብማርያም ናብ ኢየሱስ + ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ሊቀጳጳሳት ዘበኣሥመራ   ፍቁራትን ፍቁራንን መንእሰያት፡ ሎም ዘመን ብሓቂ ዓመትኩም እያ! ኣብ ልዕሊ እዚ ብ24 መጋቢት ንደብረ ማርያም ፋጥማ እተገብርዎ ዘሎኹም ርእሰ ኤጳርቅናዊ ንግደት፡ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ፋሲካ እውን ብሃገር ደረጃ መዓልቲ መንእሰያት ተባሂላ ብጳጳሳትኩም ተመዲባትልኩም ኣላ። ከምኡ’ውን ራብዓይ ሰንበት ናይ ትንሣኤ ከኣ […]

ብማርያም ናብ ኢየሱስ


ኦ ማርያም ! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ’ሞ፥ ኣይትፍርሒ! ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ብበዓለ ቅዱስ ዮሓንስ (12 መስከረም 2015) ካብ ሃገረ ፖርቱጋል ደብረ ፋጥማ ዝጸሓፉልና መልእኽቲ   “ጥበበይናታት ምእንቲ ክንከውንሲ እቲ ዕድመ ሓጺር ምዃኑ ምሃረና” (መዝ.90፡12) ክቡራት ካህናት፡ ክቡራት ደናግል፡ ፍቁራን ምእመናን ክርስቶስ ሰላም እግዚኣብሔርን ጽላል ኣዴና ኪዳነ […]

ኦ ማርያም ! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ’ሞ ኣይትፍርሒ – 2015




“ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ አምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹዓን እዮም።” ማቴ.5:9 ብአባ ሓጎስ ተስፋጋቢር “ምስ ኩሉ ሰላም ግበር” ኣብ ሕይወትና ምስ ክሉ ብሰላም ንኽነብር ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ሓደ ጥዑይ ዝኾነ ርክብ ምስ ኣኅዋትናን ኣኅትናን ክንምስርት ይግበኣና። ኣብ ሕይወትና ሓደ ሰብ በዲሉኒ፡ ጎዲኡኒ ንብል እንታይ ማለትና ኢዩ፧ እዚ ነገር እዚ ምሕረት – […]

ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ አምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹዓን እዮም


መኑ ይመስለከ እምነ ኣማልክት እግዚኦ? በዓለ ትንሣኤ ፴ ሚያዝያ ፳፻፲ ፣ 8 ሚያዝያ 2018 ፍቁራትን ፍቁራንን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ሎምዘመን እውን እንሆ፣ ምሥጢረ ፋሲካ ኣብ እነብዕለሉ ጊዜ በጺሕና። ምሥጢረ ፋሲካ ክበሃል ከሎ ንሕማማትን ሞትን ትንሣኤን መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዘጠቓልል። ካብ ጸሎት ሓሙስ ጀሚርና ክሳዕ ቀዳም ስዑር ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን […]

ስብከት ኣቡነ መንግስተኣብ ፡ ፋሲካ 2018 ፡ መኑ ይመስለከ እምነ ...


ብማርያም ናብ ኢየሱስ + ኣባ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ ፍቁራትን ፍቁራንን መንእሰያት፡ ሎምዘመን ብሓቂ ዓመትኩም እያ! ኣብ ልዕሊ እዚ ብ24 መጋቢት ንደብረ ማርያም ፋጥማ እተገብርዎ ዘሎኹም ርእሰ ኤጳርቅናዊ ንግደት፡ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ፋሲካ እውን ብሃገር ደረጃ መዓልቲ መንእሰያት ተባሂላ ብጳጳሳትኩም ተመዲባትልኩም ኣላ። ዓመት መጸ ራብዓይቲ ሰንበት ድሕሪ ፋሲካ ከኣ […]

ብማርያም ናብ ኢየሱስ


ኣስተንትኖ ጾመ ኣርብዓ 2018 ብኣባ ዮናስ ዮሓንስ ‘’ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ’ምበር ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣይትምሰልዋ’’ ቅዱስ ጉባኤ ’’ኣብ ጊዜ ጾመ ኣርብዓ ንስሓ ውሽጣ’ውን ብሕታውን ጥራይ ዘይኮነ ግዳማዊን ማሕበራ’ውን ኪኸውን ኣሎዎ፣ ቤተክርስቲያን በዚ ጾም’ዚ ጌራ ንምእመናና ቃለ እግዚኣብሔር እናሰምዑን ዝበዝሕ ጊዜ ንጸሎት እናወፈዩን ንበዓለ ምሥጢረ ፋሲካ ትቕርቦም’’ ( ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቅዱስ ጉባኤ […]

ኣስተንትኖ ጾመ ኣርብዓ 2018



መልእኽቲ ር/ሊ/ጳጳሳት:ንጾመ ኣርባዓ: ንፍቅሪ ካብ ዘጥፍኡ ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቁ! ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ን2018 ዓምፈ ጾመ ኣርባዓ ዝኸውን መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ እንክምልከት ‘ልብና በተን ኣብ ባርነት ግዝያዊ ደስታ ዝዳርጉና ናይ ሓሶት መናውራታት ከይብረዝ ክንህልዎ ከምዝደሊ እዘን ግዝያዊ ደስታ ብምቅራብ ናብ ባርነት ዝመርሑ ከኣ ገንዘብ ሓሺሽ ተጠቂምካ ደርቢ ዝብል ርክብ ከምኡ እውን ዘመና ዝፈጠሮ […]

መልእኽቲ ር/ሊ/ጳጳሳት:ንጾመ ኣርባዓ: ንፍቅሪ ካብ ዘጥፍኡ ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቁ


ኪዳንኪ ኮነ ቤዛነ፡ መድኃኒተ ነፍስነ ክብረ በዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት ርእሰ ኣድባራት ኣሥመራ፡ ፲፮ ለካቲት ፳፻፲፣ 23 ለካቲት 2018 ክቡራትን ክቡራንን፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝነገድኩም ፈተውቲ ኣዴና ኪዳነ ምሕረት፡ ቅድሚ ኲሉ፡ ሎምዘመን እውን ነዚ ክብረ በዓላ፡ ከነብዕል ንእግዚኣብሔር ብዝሃበና ዕድል ብልቢ ነመስግኖ። እንቋዕ ነዚ ኣብቅዓና፡ ንግደትና ከኣ ንግደት ኢየሩሳሌም ይግበረልና። […]

ክብረ በዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት



ኣስተንትኖ ጾመ ኣርብዓ 2018 ብጥቀ ክቡር ኣብ ዮናስ ዮሓንስ ‘’ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ’ምበር ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣይትምሰልዋ’’ ቅዱስ ጉባኤ ’’ኣብ ጊዜ ጾመ ኣርብዓ ንስሓ ውሽጣ’ውን ብሕታውን ጥራይ ዘይኮነ ግዳማዊን ማሕበራ’ውን ኪኸውን ኣሎዎ፣ ቤተክርስቲያን በዚ ጾም’ዚ ጌራ ንምእመናና ቃለ እግዚኣብሔር እናሰምዑን ዝበዝሕ ጊዜ ንጸሎት እናወፈዩን ንበዓለ ምሥጢረ ፋሲካ ትቕርቦም’’ ( ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን […]

ኣስተንትኖ ጾመ ኣርብዓ 2018



  ማርቆስ ዝጸሓፎ ቅዱስ ወንጌል ምዕራፍ 1 ስብከት ዮሓንስ መጥመቕ፣ 1መጀመርታኡ ንወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሔር፣ 2ኣብ ኢሳይያስ ነቢይ “እንሆ “ጐደና እግዚኣብሔር ኣሰናድዉ፣ ንመንገድታቱ ኸኣ ኣቕንዑ!” እናበለ፣ 3ኣብ ምድረበዳ ዚጭርሕ ሓደ ድምጺ፣ ቀቅድሜኻ፣ መንገድኻ ዚገልጸልካ መልኣኸይ፣ እንሆ እሰደልካ ኣሎኹ” ዚብል ተጻሒፉ ኸምዘሎ፥ 4ዮሓንስ ንኅድገት ኃጢኣት ዚኸውን ናይ ንስሓ ጥምቀት እናሰበኸ፣ […]

Bible


ተፈጸመ ተስፋ ኣበው፡ በማርያም ድንግል በዓለ ልደት፡ ፳፱ታሕሣሥ፡ ፳፻፲፣ 07 ጥሪ 2018 ፍቁራትን ፍቁራንን ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ኣባላት ስድራ እግዚኣብሔር፡ ኣቐዲመ “ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን፡ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን”(1ቆሮ 1፡3)ብምባል ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኮይነ ልባዊ ሰላምታ ኣቕርበልኩም ። “ተፈጸመ ተስፋ ኣበው በማርያም ድንግል” ተስፋ ናይ ኣቦታት […]

ተፈጸመ ተስፋ ኣበው፡ በማርያም ድንግል


“ንሱ ዝብለኩም ኲሉ ግበሩ” ክቡራትን ክቡራንን ፈተውቲ ኣዴና ድንግል ማርያም፡ እዚ፡ “ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ~” (ዮሓ 2፡5) ዝብል፡ እኖና እግዝእትነ ማርያም ኣብ ቃና ዘገሊላ ነቶም ኣጋፈርቲ ዳስ መርዓ ዝሃበቶም ምኽሪ ንኣናውን ኣዝዩ ኣገዳስን ጽቡቕን እዩ። ብሓቂ ከኣ እዛ ከምኡ ዝበለት ኣደ ኣዝያ ፍልይቲ ፍጥረት እያ። ኣብ ቅድሚ ወዳ እተማልደልና ናይ […]

ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ


ዓውደ- መጽናዕቲ- ብዛዕባ ብመምርሒ መሰል ሕፃናት ሕፃናት ፍሉይ ክንክንን ሓልዮትን ዘድልዮም ኣካል ኅብረተሰብ ብምዃኖም፣ መሰል ሕፃናት ንምሕላው ብቤተክርስቲያንን መንግሥታትን ፍሉይ መምርሒታት ይወጽእ ኢዩ። ኣባና’ውን እዚ መምርሒ’ዚ ኣድላዩ ብምዃኑ፣ ብ11 ሕዳር 2017 ብቤት ጽሕፈት ዘበኣሥመራ ቤተ ሊቀጳጳሳት ዝተሰርዐ፣ ንሓለዋ መሰል ቆልዑ ዝምልከት፣ ቆሞሳት፣ ሓለፍቲ ስነ መዕበያ ማሕበራት፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ […]

ዓውደ- መጽናዕቲ- ብዛዕባ ብመምርሒ መሰል ሕፃናት



ቡራኬ ሓዳስ ቤተክርስቲያን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ደቀምሓረ ሰንበት 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም ክትሕነጽ ትሽዓተ ዓመት ዝወሰደት ሓዳስ፣ ገፋሕን ውቅብትን ቤተክርስርቲያን ደብረ ኪዳነምሕረት ደቀምሓረ፣ ብዙሓት ውሉደ ክህነት ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት ከተማ ደቀምሓረ፣ ደናግል፣ ካብ ከተማታትን ከባቢ ዓድታት ጽንዓደግለ፣ ሓደግትን እንጋነኣን ዝመጸ ብዙሕ ሕዝብን ኣመሓደርቲ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፣ ኣብ ዝተረኽብሉ፣ […]

ቡራኬ ሓዳስ ቤተክርስቲያን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ደቀምሓረ




ምስላ ዓሻን ዕሽነትን “ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ: ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍል”  (ምሳሌ 15:2). 1. ዓሻ ለባም እንተወለደ ተቐልተ፡ ለባም ዓሻ እንተወለደ ተዘምተ። 2. ዓሻ ሓውካ መጉሃይኻ፡ ዓሻ ጓናኻ መስሓቒኻ። 3. ዓሻ ሓውካ እንተ ሞተልካ፡ ዳርጋ ሓዳሩ ዝወጸልካ። 4. ዓሻ መሲልካ፡ ድራሮም ወድኣሎም። 5. ዓሻ መርዓዊስ ኣዕርኽቱ እንተ ተኸተሉዎ፡ ጊላውቲ […]

ምስላ ዓሻን ዕሽነትን





ብሩራዊ ኢዮቤል ክህነት ህየንተ ጳጳስን ቆሞስ ርእሰ ኣድባራት፣ ኪዳነ ምሕረትን ክቡር ኣባ ከሰተ ገ/ዮሓንስ ብዕለት 29 ሓምለ 2017 ዓ.ም ናይ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤል ብብፁዕ ሊቀጳጳትን ብዙሓት ካህናት ምእመናንን ቤተሰብን ተሰንዮም ብመስዋዕተ ምስጋና፣ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነምሕረት ኣብዒሎም። ኣብዚ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ […]

ብሩራዊ ኢዮቤል ክህነት – ኣባ ከሰተ ገ/ዮሓንስ


ዓቢይ መብጽዓ ኣብ ደናግል ኦርሰሊነ  ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ቤት. . .ኣሓት ወይ ወለዲ . . .ዝሓደገ፡ ኣብዚ ዓለም እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዘይረክብ የልቦን” (ሉቃ.18፡ 29-30) ቢሉ ከም ዘተስፈወና፣ ነዚ ጸዋዕታ’ዚ ብምቕባል በብጊዚኡ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዝውፈዩ ዉፉያት ኣምላኽ ይህበና ኣሎ። […]

ዓቢይ መብጽዓ ኣብ ደናግል ኦርሰሊነ





Eparch or Bishop? A brief explanation of the Oriental Hierarchical Terminology    Applicable to the Catholic Metropolitan Church sui iuris in Eritrea According to the beautiful expression of the late Pope St. John Paul II the Catholic Church breathes with two lungs, namely with the Oriental and the Latin traditions. We […]

Eparch or Bishop? A brief explanation of the Oriental ...




ናይ ሓባር መግለጺ ናይ ሮማ ኣቡን  ኣባ  ፍራንቸስኮስ  ርእሰሊቃነጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን  ናይ እስክንድርያ    ፖፕ ታዋድሮስ 2ይ  ፓትርያረክ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ  ካይሮ 28 ሚያዝያ 2017     ናይ ሓባር መግለጺ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ፍራንቸስኮስ **  ፖፕ ታዋድሮስ 2ይ 28 ሚያዝያ 2017 ናይ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ኣባ ፍራንቸስኮስ ቃል ናይ ሓባር መግለጺ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት […]

ናይ ሓባር መግለጺ : ናይ ኣባ  ፍራንቸስኮስን  ናይ ፖፕ ...




ናይር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሓዋርያዊ መልእኽቲ “ምሕረትን ውርደትን” 2016 ======================================= Misericordia et Misera Pope Francis ኅዳር 2016   ትርጒም፡     ኣባ ግርማይ ኣብርሃ – ዘማኅበረ ሲታውያን     ናይር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሓዋርያዊ መልእኽቲ “ምሕረትን ውርደትን” 2016 መግለጺ ብ22 ኅዳር 2016 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ናይ ቅድስት መንበር ቤትጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን፣ እቶም ናይ ሓድሽ ስብከተ ወንጌል ሓላፊ ዝኾኑ ሊቀጳጳሳት […]

ሓዋርያዊ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ – ምሕረትን ውርደትን 2016



መንፈስ ቅዱስ ከም ወሃብን ውህበት እየሱስ ክርስቶስ (መንፈስ ቅ. ኣብ ሓዲሽ ኪዳን) ብእናቴ ለተምህረት ተስፋይ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ከም ኣብ ክርስቶስ ዝወረደን፡ ክርስቶስ’ውን ድሕሪ ትንሳኤኡ ከም ዓዳሊ ኮይኑ ኣብ ዝተራእየሉ ዝፈጸመሉን ብሕጽር ዝበለ ኣብ ሽድሽተ ብምኽፋል ክንርእዮ ኢና። ብቀዳማይ ደረጃ እምበኣር ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምላድ እየሱስ ዝርኢ ኢዩ። ምልኣት […]

መንፈስ ቅዱስ ከም ወሃብን ውህበት እየሱስ ክርስቶስ




ኣብ ርእሰ ሰበኻ ኣሥመራ ዝርከቡ ካህናት ሰበኻን ማሕበራትን ኣብቲ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ብዝተፈላለየ እዋን ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክካየድ ዝጸንሐ ንግደታት፡ ንሕዝቦም መሪሖም ክሳተፉ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ 05 ሕዳር 2016 ከኣ ንበይኖም ካህናት ናብቲ ቅርሲ ቅ.ያዕቆብ ተዓቍቢሉ ዘሎ ደብረ ማርያም ጽዮንን ቅ.ያዕቆብን ሔቦ ብብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ተመሪሖም ነጊዶም። […]

ንግደት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ንግደት ካህናት ንቅ.ያዕቆብ ሔቦ



ብፁዕ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝኣወጁልና ካብ 8 ታሕሳስ 2015 ክሳዕ 20 ኅዳር 2016 ዝጸንሐ ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ፡ ብመሠረት እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ “ገጽ ምሕረት ኣምላኽ” እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዝሃብዎ መምርሒ፡ ኣብቲ ዝተወሰነሉ ዕለት ማለት ዝሓለፈ ሰንበት 13 ኅዳር 2016 ዓ.ም ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ […]

ምዝዛም መደብ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ


ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፣ ነቲ ኣብ ጥሪ ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ፣ ኣብ ለካቲት ከኣ ኣብ ሰበኻ ከረን ዝገበርዎ ናይ ቀዳማይ ሊቀጳጳስ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምቕጻል፣ ዝሓለፈ ዓርቢ፣ ቀዳመ-ሰንበት ካብ 24 ክሳዕ 26 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ሰበኻ ባረንቱ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም። ብፁዕ ሊቀጳጳስ ናብ ሰበኻ ባረንቱ ኣብ ዝነቐልሉ ብክልተ ካህናት ማለት […]

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ሰበኻ ባረንቱ


ዓመታዊ ክብረ በዓል መድኃኔ ዓለም ገጀረት ዓመታዊ ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ገጀረት ኣሥመራ፣ ብዕለት 27 ግንቦት 2008 ዓ.ም.ግ(4 ሰነ 2016) ብድሙቕ መንፈሳውነትን ምዕሩግ ኣገባብን ከቢሩ ዊዒሉ፣፣ ዓመታዊ ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ገጀረት ኣሥመራ ብክቡር ኣባ ኣማኑኤል ምስጉን ሓለቓ ማሕበር ንኡሳንን ኣኃው ንኡሳን ካፑቺኒ ዝምርሑ ምስ ትሽዓተ ለባስያን ካህናት፣ ያሬዳውያን ሊቃውንቲ፣ ሰብ ውፉይ […]

ዓመታዊ ክብረ በዓል መድኃኔ ዓለም ገጀረት


ጸሎት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ኦ! ኢየሱስ ጎይታ! ከምቲ ሰመያዊ ኣቦና መሓርቲ ክንከውን መሃርካና ፤ ከምኡ’ውን ንኣካ ዝረኣየ ንኣቦ ከምዝረኣየ ነጊርካና፤ ገጽካ ኣርእየና፡ ክንድኅን ከኣ ኢና። ፈቃር ጠመተኽ፣ ንዘኬዎስን ንማቴዎስን ካብ ባርነት ገንዘብ፤ ነታ ዘማዊት ሰበይትን ማርያም መግደላዊትን ብምድራዊ ፍትወት ጥራሕ ካብ ምንባር ናጻ ኣውጺኡዎም፤ ንጴጥሮስ ምስ ከሓደ ተጸጺቱ ከምዝነብዕ ገበሮ፤ […]

ጸሎት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት



ኑዛዜ ናይ እምነት ስጉምቲ “ኣብ’ዚ ጊዜና፣ ንሓደ ግዙፍ ‘ሱናሚ’ ዚመስል ‘መንፈሳዊ ሱናሚ’። ኣብ ውሽጢ ኣልባብ ደቂ ሰባት ተኸሲቱ ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ነውጺ’ዚ በቲ ሕሊና ደቂ ሰባት ትርጉም እናሰኣነ ዝኸይድ ዘሎ “ዝተፈላለየ ኃጢኣት” ዝኽሰት ዘሎ’ዩ፣ ሐደ ካብ ዓመተ እምነት ኣባና ገዲፍዎ ክሓልፍ ዝግብኦ ዘይሃስስ መልክት እምበኣር፡ ስንብራት ፍቕሪ ዝውታረ ‘ምስጢረ ንስሓ’ […]

ኑዛዜ ናይ እምነት ስጉምቲ


ታቦት ንሕና እምበኣር ደድሕሪ ኢየሱስ ንኽተል ጥራይ ዘይኮናሲ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና መጺኡ ማዕጾ ልብና ዝኹኩሓና ኢና። እንተ ከፊትናዮ ከኣ ብዘይ ጥርጥር ታቦት ኢና። ቤት መቕደሱ`ውን ኢና። “ቤተመቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላውን` ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፥ ሓደ`ኳ ነቲ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንተፍረሶ፡ ኣምላኽ ኬፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ […]

ታቦት


ኣብ ክርስቶስ ዝተስረተ ሕይወት ኣብ ክርስቶስ ዝተሰረተ ሕይወት ዝነብርን ምስኡ ዝጎዓዝን ኣብኡ ዝተሓንጸን ኣመስጋኒ እዩ ዝኸውን። ምስ ዘመስግኑ ምህልው ክንደይ ጽቡቕ እዩ። እንተወዲቖም ተስፋ ኣይቆርጹን እዮም፣ እንተተዓዊቶም ድማ ትዕቢት ዘይኮነስ ምስጋና እዩ ዝስዕሮም፣ ከመይ ሕይወት ህያብ ምዃና ስለ ዝርድኡ። ሕይወት ህያብ ምዃና ምቕባል ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘይተማርር ትኸውን፣ ከመይ ሕይወት […]

ኣብ ክርስቶስ ዝተስረተ ሕይወት


ቅድስቲ ስድራ ኣብነት ናይ ዘመንና ስድራቤት ኣቦታት ክንምስሉ ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ፡ “ከመይ ኢልኪ ነዚ ሓዳር በተንክዮ፧ ኣዕበድቢደ። ከመይ ኢልኪ’ኸ ኣድሓንክዮ፧ ኣባቢደ።” ይብሉ። እወ፡ ስድራቤታት ወይ ኪዳን ብኸመይ ይዝረግ፡ ብኸመይ’ከ ይዕረ እንተበልና ዝኣባብድ – ልቢ ዘዕበየ፡ ኣርሒቑ ዝርኢ፡ ረብሐ ስድራቤት ዝፈልጥ። ከመይ ወንጌል “በትዕግሥትክሙ ታጠርይዋ ለነፍስክሙ” ኢዩ ዝብል። ስለዚ ከኒና ወይ […]

ቅድስቲ ስድራ ኣብነት ናይ ዘመንና ስድራቤት



ጉዕዞ እምነት መንፈሳዊ ጉዕዞ: ሕጻናት ብመን ፈጠረና ይጅመሩ። ቀጺሎም ቅ. ቁርባን ፡ ሜሮን ይቕበሉ። ትምህርቲ ክርስቶስን መዝሙርን ከኣ ይቅጽል። ኣብዚ ጉዕዞ`ዚ ግና ፍልጠት ጥራሕ ዘኮነ እቲ እምነት ውን ክዓቢ ኣለዎ። እቲ ኣብ ጥምቀትና ዝተዘርአ እምነት ምስ ዓበና ናትና ክንገብሮ፡ ነቲ ወለድና ኣቦ/እኖ ልገ (ብልግነት) ዝበልዎ ነቲ ክፋእ “እኽሕድ” ንኣምላኽ “እኣምን” […]

ጉዕዞ እምነት


እምነት እግዚእትነ ማርያም “ናይ ማርያም እምነት ካብ ናይ ኩሎም ቅዱሳንን መላእኽትን ዝዓበየ ኢዩ፣ ኢየሱስ ሕጻን ኰይኑ ክውለድ እናረኣየት ዘለዓለማዊ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ምዃኑ ኣመነት። ኢየሱስ ሕጻን ኣብ መብልዕማል ኣብ መንጎ እንስሳ ኰይኑ እናረኣየት ፈጣሪ ዓለም ምዃኑ ኣመነት። ድኻ ኰይኑ ዝተወልደ ሕጻን እናረኣየት ንጉሥ ምዃኑ ኣመነት። ስደተይና ኰይኑ ንግብጺ ክሃድም እናረኣየት […]

እምነት እግዚእትነ ማርያም


ብርሃን እምነት “ንሕይወትና ዝጸልዋ ክልተ ሓያላት ቃላት ኣለዋ፣ ድሙቕ ብርሃንን ድቕድቕ ጸልማትን እየን፣ ኣበይ ኣሎና? እቲ ብርሃን እምነት ዘብሎ ዘሎ ምኽንያት እቲ ዝእመን ዘሎ ብርሃን ስለዝኾነ እዩ፣ ጸሓይ ካብ ላዕሊ በሪቑ ክበጽሓና እዩ፣ (ሉቃ።1።67) ግዜ ልደት ግዜ ጸሓይ ብራቕ እዩ። ወላ’ካ ሎሚ ምሸት ምድረ-ሰማይ እንተጸልመተ። ጽባሕ ንጋሆ ምውጋሑ ኣይተርፎን እዩ፣ […]

ብርሃን እምነት


  ማርያም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ወንጌል ግብሪ ሓዋርያት፣ መልእኽቲ ጳውሎስ እንተረኤና፣ ማርያም ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ቦታን ግዜን ዝነበረት ምዃና የረጋግጸልና፣ ንሳ ካብ ድኻ ዓዲ ተወሊዳ ከም ሃገራን ምስ ሃገራን ታሪኽን ኵነታትን ብዘምጽኦም ኩነታት እትሕጎስን እትሓዝንን ዝነበረት ድንግል ጓል ናዝሬት እያ። ንሳ ንቤተሰብ እተገልግል ኣደ፣ ንኢየሩሳሌም ከም ሃገራ እትነግድ፣ ኣብ […]

ማርያም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ



ምውህሃድ እምነትን ግብርን ኣብ’ዚ  ዓመተ  እምነት  ንምንታይ   እዩ ‘ምውህሃድ  እምነትን  ግብርን’ ብዚብል ኣርእስቲ  ከነስተንትን ዝተዓደምና ቢልና  ምስ እንሓትት፣   እምነትን ግብርን ተራሓሒቑ ብምርካቡ፣ ኣብ’ዛ ሃገርና ብርሃን ወንጌል ጽልግልግ ምእንቲ ከይብል፣ ዓመተ እምነት  ምኽንያት ብምግባር፣ ግብሪ ዜሰነዮ  ጉዕዞ እምነት ምእንቲ ክንገብር ብዚብል ኣተና ኢዩ። እዚ ከኣ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት ኣብ’ታ ኣፍ ደገ እምነት […]

ምውህሃድ እምነትን ግብርን


እምነት እግዚእትነ ማርያም “ናይ ማርያም እምነት ካብ ናይ ኩሎም ቅዱሳንን መላእኽትን ዝዓበየ ኢዩ፣ ኢየሱስ ሕጻን ኰይኑ ክውለድ እናረኣየት ዘለዓለማዊ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ምዃኑ ኣመነት። ኢየሱስ ሕጻን ኣብ መብልዕማል ኣብ መንጎ እንስሳ ኰይኑ እናረኣየት ፈጣሪ ዓለም ምዃኑ ኣመነት። ድኻ ኰይኑ ዝተወልደ ሕጻን እናረኣየት ንጉሥ ምዃኑ ኣመነት። ስደተይና ኰይኑ ንግብጺ ክሃድም እናረኣየት […]

ሓጸርቲ ኣስተምህሮታት


ቃል አምላኽ (ቃለ–እግዚኣብሔር) “እግዚኣብሔር አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰብን፣ ከም ጠባይ ወድ-ሰብን እዩ ዝተዛረበ።”(Dei Verbum 12) “እዝንኹም ናባይ ጽለዉ’ሞ ንዑ ስምዑ፣ ብሕይወት ክትነብሩ ኢኹም።”(ኢሳ.55፣3) ‘ቃል’ ዝስማዕን፣ ዝረአን፣ ዝሕሰብን፣ ዘረባ ብምዃኑ፣ ብእዝንና፣ ብዓይንና፣ ብስምዒትና ሓሊፉ፣ ናብ ልቢ እዩ ዝሰግርን፣ ቀጺሉ ከኣ  ብድላይና አቢሉ ንውሳኔና ተቖጻጺሩ ንሕይወትና ሓደ (እወንታዊ ወይ ከኣ አሉታዊ) ጽልዋ […]

ቃል አምላኽ (ቃለ-እግዚኣብሔር)




“ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ?” (ዘፍ 3) ብመሠረቱ እግዚኣብሔር፥ ንደቅሰብ ክቡራን ገቢሩ እዩ ብኣምሳሉን ኣርያኡን ዝፈጠሮም። “ኣምላኽ ከኣ ‘ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳ ዘቤትን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኲሉ ለመምታን ይግዝኡ’ በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፥ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገቢሩ […]

ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ


ዓመታዊ ክብረ በዓል ልደታ ለማርያም ዓዲዜኑ ወርሒ ግንቦት ብምልኡ ንእግዚእትነ ማርያም ዝተወፈየ ወርሒ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ ብባሕቲ ግንቦት ብበዓል ልደታ ለማርያም ከኣ ይጅመር። በዚ መሠረት ብ1 ግንቦት 2008 ዓ.ም.ግ (ዕለት 09 ግንቦት 2016 ዓ.ም.ፈ) ናይታ ብያሬዳውያን ሊቃውንቲ ሃገርና፣ “ጸሓይ ብዘብረቀ ሰማይ” እትምሰል ድንግል ማርያም ዝኽሪ ልደታ ኣብ ሓያሎ ኣድባራት ሃገርና […]

ዓመታዊ ክብረ በዓል ልደታ ለማርያም ዓዲዜኑ



ተሰቕለ – ተቐብረ – ተንሥአ በዓለ ትንሣኤ ፳፫ ሚያዝያ ፳፻፰፥ 1 ግንቦት 2016 ፍቁራን ሕዝበ እግዚኣብሔር ጸጋ እቲ ምእንታና በጃ ኮይኑ ዝተሰቕለ፡ ዝተቐብረ፡ ዝተንሥአ፡ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ምሳኻትኩም ይኹን (1ተሰሎ 5፡28 ርአ)፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ዝውዕል በዓለ ትንሣኤ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ፣ ነቲ ኣብ ዓርቢ ስቕለትን ቀዳም ስዑርን ሰንበት ትንሣኤን እነብዕሎን እንዝክሮን ናይ […]

መልእኽቲ ኣቡነ መንግስተኣብ ፡ ፋሲካ 2016 ፡ ተሰቕለ – ተቐብረ ...










ዕውት ወፍሪ ስብከተ ወንጌል ኣብ ቁምስናታት ኣሥመራ ኮሚቴ  ዓመት  ኢዮቤል  ምሕረት  ምስ  ኣሕሉቅ  ገዳማት  ብምውህሃድ  ዝሰርዖ፡  ብምኽንያት  ዓመት ኢዮቤል ምሕረት፡ ካብ ኩለን ገዳማትን ማሕበራትን ብዝተላእኩ ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ካብ 23 መጋቢት ክሳዕ 13  ሚያዝያ 2016  ዓ.ም ኣብ ቁምስናታት መንበረ ሊቀ ካህናት ኣሥመራ፡  እምነትን ሃለዋትን  ምእመናን  ዝድህስስ፡  ኣባይቲ  ብምብጻሕ  ብቂምን […]

ዕውት ወፍሪ ስብከተ ወንጌል ኣብ ቁምስናታት ኣሥመራ




መዓልቲ ሕሙማት- ሰንበት ዘመጻጉዕ ካብ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዕለት 11 ንሕሙማት ፍሉይ ትኩረት ብምሃብ ብመልእኽቲ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ተሰንያ፡ እትዝከር “መዓልቲ ሕሙማት” ተባሂላ እትስመ ዕለት ምህላዋ ይፍለጥ። ብሥርዓተ ኣምልኾ ሃገርና ግን ኣብ ጾም ኣርባዓ  “ሰንበት ዘመጻጉዕ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕለት ስለዘሎ ምስቲ ሥርዓት ኣምልኾ ተዋሃሂዱ ምእንቲ ክግበር፡ […]

መዓልቲ ሕሙማት- ሰንበት ዘመጻጉዕ






“ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ’ምበር ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣይትምሰልዋ” ቅዱስ ጉባኤ ’’ኣብ ጊዜ ጾመ ኣርብዓ ንስሓ ውሽጣ’ውን ብሕታውን ጥራይ ዘይኮነ ግዳማዊን ማሕበራ’ውን ኪኸውን ኣሎዎ፣ ቤተክርስቲያን በዚ ጾም’ዚ ጌራ ንምእመናና ቃለ እግዚኣብሔር እናሰምዑን ዝበዝሕ ጊዜ ንጸሎት እናወፈዩን ንበዓለ ምሥጢረ ፋሲካ ትቕርቦም’’ ( ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቅዱስ ጉባኤ 109-110) ይብል። ኣብዚ ዘሎናዮ ቅዱስ እዋን ሕማማትን […]

ኣስተንትኖ ጾመ ኣርብዓ 2016






ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣብ ዓመተ ምሕረት ፲፮ ለካቲት ፳፻፰ ዓ.ም ግዕዝ (24 ለካቲት 2016) ዓመታዊ ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ: ከምቲ ዝሓለፈ እዋናት ሎም ዓመት እውን ካብ ከተማታትን ገጠራትን ዝመጸ ብኣሽሓት ዝቁጸር ሕዝብን:ብፁዓን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ:ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ […]

ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣብ ዓመተ ምሕረት 2016


ክብረ በዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት – ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ ፲፮ ለካቲት ፳፻፰፣ 24 ለካቲት 2016 ካብ ርሑቕን ቀረባን ንእኖና ኪዳነ ምሕረት ከተኽብሩ ዝነገድኩም፣ ብፁዕ ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፡ ክቡራን ካህናት ክቡራት ደናግል፡ ፍቁራን ምእመናን ክርስቶስ፣ ጉዳያት፣ ዓብይቲ ዓድን ኩልኹም ኣጋይሽን፣ ቅድሚ ኲሉ እንቋዕ እግዚኣብሔር ናብዚ ክቡር […]

ክብረ በዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት – ስብከት ሊ.ጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ...





MESSAGE OF HIS HOLINESS POPE FRANCIS FOR LENT 2016 “I desire mercy, and not sacrifice” (Mt 9:13). The works of mercy on the road of the Jubilee 1. Mary, the image of a Church which evangelizes because she is evangelized In the Bull of Indiction of the Extraordinary Jubilee of […]

Message of His Holiness Pope Francis for Lent 2016




ጸሎት ሳምንቲ ምእንቲ ኅብረት  ክርስትያን ካብ 1968 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ዕለታት 18 ክሳዕ 25 ጥሪ ኣብ መላእ ዓለም በብናይ ዓመቱ ዝተመረጸ ኣርእስታት፣ ካቶሊክ፡ ኦርቶዶክስን ፕሮተስታንትን ኣብያተክርስትያን ዝሰመራሉ፡ ዓመት መጸ ጸሎት ሳምንቲ፡ ምእንቲ ኅብረት ክርስትያን ከምዝግበር ዝፍለጥ ኢዩ። ሎም ዘመን ከኣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ መዓልታት፡ ብደረጃ ዓለምለኻዊት ቤተክርስትያን ዝተሰናደወ፡ ብንሾመንቲኡ መዓልታት ዘሰኒ […]

ጸሎት ሳምንቲ ምእንቲ ኅብረት ክርስትያን






1. ሓዋርያዊ  ምብጻሕ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም  ዘመንበረ ኣሥመራ፡ ብፁዕ  ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ  ብዝገበሩሎም ዕድመ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት 2ን 3ን ጥሪ 2016 ዓ.ም ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም።ብፁዕ ሊቀጳጳስ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ከተማ ሰገነይቲ ኣብ ዝኣተውሉ፡ ብፁዕ […]

ዕዉት መደባት ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ



ሐደ ጥሪ፡ ካብ 1968 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሰላም ንመላእ ዓለም መልእኽቶም ዘመሓላልፉላ፡ ኣብ መላእ ዓለም ከኣ ብቤተክርስቲያን ዕለተ ሰላም ተባሂላ እትፍለጥ ዕለት ኢያ። በዚ መሠረት ከኣ ኣብ ኣሥመራ ካቶሊካዊ ተቅዋመ ፍልስፍናን ትምህርተ መለኮትን በብዓመቱ ባሕቲ ጥሪ ዕለተ ሰላም ምኽንያት ብምግባር ዘሰናድዎ ኣስተምህሮታት ናይ ምሃብ ጽቡቕ ልማድ ኣለዎ። […]

ዓውደ-መጽናዕቲ- ዕለተ ሰላም


“ኣቱም ጽሙኣት ኲልኻትኩም ናብ ማያት ንዑ”፴፱ ታኅሣሥ ፴፻፱ ዓ ም ግ፥ 7 ጥሪ 2016 ዓ ም ፈ ፍቁር ሕዝበ እግዚኣብሔርጒዕዞ ዓመት ምሕረት ካብ እንጅምር ድሮ ወርኂ ሓሊፉ፣ ብዕለት 12 ታሕሣሥ፡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት፡ ማዕጾ ምሕረት ከፊትና መስዋዕተ ምስጋና (ቅዳሴ) ኣብ ዘዕረግናሉ ንግሆ ዝተራእየ ብዝኂ ሕዝብን ዕዙዝ ተሳትፎን ናይቲ ኣብ […]

መልእኽቲ ልደት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም



“መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ”ዓውደመጽናዕቲ ካቶሊካዊ ውህበታዊ ምንቕስቓስ ተሓድሶካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ውህበታዊ ተሓድሶ ኣብ ኣሥመራ፤ በብዓመቱ ሓደ ንቤተክርስቲያን ዘገድስ እዋናዊ ኣርእስቲ ብምውሳድ ዝገብሮ፤ ብመማህራን ቤተክርስቲያን ዝወሃብ መደብ ኣስተምህሮታትን ዓውደ መጽናዕትን ጸሎትን ሎምዘመን'ውን ዝሓለፈ ቀዳም በቲ ናይ ዓመተ ምሕረት መሪሕ ሓሳብ “መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብዙሓት ቤተክህነትን ምእመናንን ዝተሳተፍዎ፣ ሰለስተ ኣስተምህሮታት […]

መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ




ኢዮቤል ዝብል ቃል ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም እነንብቦ ብቋንቋ ግሪኽ ቀርኒ ከብቲ፡ ካብ ዝብል ቃል ዝመጸ ኢዩ። ትርጉሙ ድማ “መለኸት’’ ኢዩ። እዚ ከኣ እስራኤላውያን ኣብቲ ኣብ ሓሓሙሳ ዓመት ዘኽብርዎ በዓላት እቲ ዓመት ዓመት ታሕጓስ ዓመት ዕልልታ ምዃኑ ዘበስረሉ፡ኣዋጅ ዝንገረሉ መሳርሒ ኢዩ። ኢዮቤል ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ቤተክርስትያን ኣብ […]

ምኽፋት ዓመተ ቅዱስ ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ...



ሓጢኣተኛ ኣይንገርን ኢዩ፡ ሓጢኣት ወይ ከኣ ተመክሮ ናይ ሓደ ብስቱር ዝሰማዕካዮ’ሞ፡ ኣዚዩ ዝተንከፈካ ሰብ፡ መንነቱ ብዘይሕብር ኣገባብ ምክፋል ግን ንኹሉ መሃሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ፡ ናይ ሓንቲ ኣዚያ ዘደነቐትንን፡ ኣብነት ናይ ኩሉም እቶም ኣብ ከም’ቲ ናታ ኩነታት ዝነብሩ ዘለዉ መንእሰያትና ክትከውን እትኽእል ብምዃናን ኢየ ናብ ኣንበብቲ ከቕርባ […]

ምሕረት ኣምላኽ ንኽትረክብስ እንታይ ኢዩ ክግበር ዘለዎ ኣብዚ ዓመት’ዚ?








ብምኽንያት ዓመተ ውፉይ ሕይወት ብምትሕብባር ኣተግባሪት ኮሚቴ ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስን ኮሚተ ኣነቓቓሕቲ መምህራን ስነ-መዕበያን ዝተመደበ፣ ኣባላት ውፉይ ሕይወት፣ ኣባላት ማሕበራት ደቂ ተባዕትዮን ደቀኣንስትዮን ሰብ ዓቢይ መብጽዓ ዝተሳተፍዎ፣ “ውፉይ ሕይወት፡ ጥዑም መኣዛ ክርስቶስ” ብዝብል ኣርእስቲ ቀዳም 05 ታኅሣስ 2015 ዓ.ም.ኣብ ኣዳራሽ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ፣ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ […]

ዓውደ-መጽናዕቲ ንሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብ ዓቢይ መብጽዓ



ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ፡ ድሕሪ እቲ፡ ካብ 4 ክሳዕ 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም “ጸዋዕታን ተልእኮን ስድራቤት ኣብ ቤተክርስቲያንን ናይ ሎሚ ዓለምን” ብዝብል ርእሰ-ሓሳብ፡ ኣብ ቫቲካን፡ ብመሪሕነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ጉስነት ሥድራቤት ዝዘተየ፡ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካብ ሮማ ምምላሶም፥ ቀዳም 14 ሕዳር 2015 ዓ.ም ንውሉደ ክህነትን […]

ዓውደ መጽናዕቲ – ንሓደስቲ ሰብሓዳር


ጥዑም ብስራት - ኣምላኽ ምሳና እዩ1 . ደቂ ሰብ ሓጎስ ኣብ ምድሪ እንክደልዩነዚ ዜረድኡና ብዙሓት ኣብነታት ኬነምጽእ ንኽእል ኢና። ርሑቕ ከይከድና፡ ገለ ሰብ ጸጋ ወለዲ ንደቆም ብዙሕ ሃብቲ ገዲፎም ኪሓልፉ ከለዉ፡ ደቆም ኣብ ውርሻ ምክፋል ክበኣሱን፡ ኪባልዑን፡ ክጻልኡን፡ ክንደይ ዘይረኣና። ብኣንጻሩ ከኣ ክንደይ ድኻታት ኣብ ሓንቲ ጸባባ ገዛ ተጸፋጺፎም፡ ቆሎ ተደሪሮም […]

መንግስቲ ኣምላኽ



ኣብ ስርዓት ኣምልኾ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፡ ቅድሚ 91 ዓመት ማለት ብ1925 ዓመት ዓ.ም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ መበል 11 ዝተጀመረ፡ ኣብዚ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝኸብር “ክርስቶስ ንጉሥ” ዝብል በዓል ምህላዉን፡ ከም መዛዘሚ ሊጡርግያዊ ዓመት ከኣ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ከምዝበዓልን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ መሠረት ብካቶሊካዊ ምንቅስቓስ  ውህበታዊ ተሓድሶ ኣሥመራ፡ […]

መዓልቲ ክርስቶስ ንጉሥ ኣብ ኣሥመራ


"ጸዋዕታን ተልእኮን ስድራቤት ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም”ቤተክርስቲያን፣ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ስድራቤት ፍሉይ ትኩረት ብምግባር ከምዘስተንተነትን ከምዘጽነዐትን፣ ብፍላይ ከኣ ሎም ዘመን ካብ 4 ክሳዕ 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም “ጸዋዕታን ተልእኮን ስድራቤት ኣብ ቤተክርስቲያንን ናይ ሎሚ ዓለምን” ብዝብል ርእሰ-ሓሳብ፡ ኣብ ቫቲካን፡ ብመሪሕነት ቅዱስ ኣቦና ር. ሊ. ጳ. ኣቡነ ፍራንቸስኮስ […]

መግለጺ ሲኖዶስ ጳጳሳት


ንዓለም ዝስዕራኸ መን እዩ? እቲ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ዝኣምንዶ ኣይኮነን? (1ዮሓንስ 5፣5)ኣብ ጕዕዞ ሕይወትና ብዙሕ ጊዜ ዘይተዓወትናሉ ዘየሓጉስን እዋናት ምህላወም ነኣምን ብዙሕ ንዘርእ ውሑድ ከኣ ንሓፍስ። (ሃጌ 1፣6) ንሰብኽ፣ ንጽዕር ብዙሕ መንገዲ ነናዲ ዓለምና ግን ከንዲ ናብ ክርስቶስ ዝምለስ መሊሱ ይርሕቅ።  (Padre Canta Lamessa) ኣብ ከምዚ ኹነታት እንክንርከብ፤ […]

ንዓለም ዝስዕራኸ መን እዩ?


ናይ ቤተክርስትያን ምሕዳስ ብሕይወት ምእምናን ዚወሃብ ምስክርነት እዩ። ምኽንያቱ ንሳቶም ጎይታና ኢየሱስ ንዝሓደገልና ቃል ሓቂ ከንጸባርቑ ዚተጸውዑ እያቶም። (ኣፍ ደገ እምነት)ነዚ ዘይልወጥ ናይ ጥንቲ ሃብቲ ዚኾነ እምነት ሎሚ ብኸመይ ንንበሮን ንመስክሮን?ጳውሎስ “ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ኲሉ ፍረ እናፍረኹም ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹም፥ ንእኡ ዚበቅዕ ሕይወት እናነበርኩም ንጎይታ ብኲሉ ኣሓጉስዎ ይብለና።ነቲ ከም እንደገና […]

እምነት ኣብ ሕይወት ኣማኒ እትጻወቶ ተራ



ናይ እዚ ጽሑፍ  ትሕዝቶ ካብ ናይ ሃገርና ብራና ዝተወስደ ኮይኑ፡ ኣቦታትና ኣብ ቅዱሳን ዝነበሮም ኣኽብሮትን እምነትን ዚገልጽ እዩ። እቶም ኣብዛ ምድሪ ኣሚኖም ዚተጓዕዙ ኣቦታትናን ኣደታትናን፡ ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ከማልዱልና ንማሕጸኖም።ኦ ሓና “እታ እግዚኣብሔር እትፈርሕ ሰበይቲ እነሄት ኣኽሊል ደፊኣ ትንቀሳቐስ ኣላ“ ኢሎም መእመናን ዚምክሑልኪ ንስኺ ኢኺ። ካብ መዓርን መዓዛ ዕንበባትትን ዚጥዕም […]

ቅዱስ ኢያቀምን ቅድስቲ ሓና ወለዲ ማርያም


ሰላምኣነ ሰላም ኵሎም ዝምነዩኒ ብቐሊሉ ዘይርከብ፣ ነቶም ንጹሓን ልቢ ግን ዝግለጸሎም እየ፣፣ ምስ ካልኦት ከወዳድሩኒ እንከሎዉ ኣነ ዝበለጽኩ ምዃነይ ይዛረቡ፣፣ ንምሕረት ከም ሰብኣዊ ልቢ፤ ንርሕራሔ ከም ሰብኣዊ ገጽ፤ ንፍቕሪ ከም መሎኮታዊ መልክዕ ሰብ፤ ክብልወን ድሕሪ ጸኒሖም፣ ነዓይ ንሰላም ሰብኣዊት ክዳን ይብሉኒ፣ ንኳሉ ዘመልክዕ ዘገርም ዘጸብቕ ማለት ኢዩ፣፣ ኣነ እምበኣር ብደቂ […]

ሰላም, ተስፋ , እምነት , ፍቕሪ


The dignity of the human beingThe dignity of the human being is rooted in his creation. In the book of Genesis we read: “Then God said: Let us make human beings in our image after our likeness…. God created mankind in his Image; in the image of God he created […]

The dignity of the human being


ንስሓ፤ ዘሐድስ ሓይሊ ኣብ ሕይወት ክርስትና ብኣባ ዮናስ ዮሓንስ“ነቶም ዝንስሑ ናብኡ ኪምለሱ ኪፈቕደሎ እዩ ነቶም ተስፋ ዝሰኣኑ ድማ ከተባብዖም እዩ... ኃጢኣትካ ንድሕሪት ደርቢኻ ናብ እግዚኣብሔር ተመለስ... ንሱ ካብ ጸልማት አውጺኡ ናብ ናይ ሕይወት ብርሃን ኪመርሓካ እዩ” (ጥበብ ሲራክ.17።24-28)፣ ኢየሱስ ስብከቱ ክጅምር እንከሎ ‘’መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ’ሞ ተነስሑ ብወንጌል እመኑ’’ ብምባል […]

ንስሓ፤ ዘሐድስ ሓይሊ ኣብ ሕይወት ክርስትና



Orthodoxy vs Catholicism: A Comparison The Basic Differences SummarizedAN APPRECIATION OF ORTHODOX SPIRITUALITYOrthodox Christianity possesses the seven sacraments, valid ordination, the Real Presence, a reverential understanding of Sacred Tradition, apostolic succession, a profound piety, a great history of contemplative and monastic spirituality, a robust veneration of Mary and the saints, […]

Orthodoxy vs Catholicism


መንፈስ ቅዱስ መሪሕ ሕይወትናምስትውዓል (Prudence)“ናይ ሥጋ ነገር ጥራሕ ምሕሳብ ሞት የምጽእ፤ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና ሕይወትን ሰላምን የምጽእ፤ምኽንያቱ እቱ ሓሳብ ሥጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን፦ኪግዝኦ’ውን ኣይክእልን እዩ...እቶም ብሥጋ ዝምርሑ’ውን ንኣምላኽ ከሐጉስዎ ኣይከኣሎምን እዩ’’ (ሮሜ.8:6-8);ምስትውዓል ሞራላውን መሎኮታውን ህያብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ኮይኑ ኣእምሮና ነቲ ዝጸበቐን ዝበለጸን […]

መንፈስ ቅዱስ መሪሕ ሕይወትና


እንተክሃነ ኣገልገለ ዶ ተገልገለ?ናይ ሕይወት ምናኔ ዝሓትት ጸዋዕታ ንባብ (ማቴ.16: 24 -ፍ) ኣቦታትና ኪምስሉ “መን ምዃንካ ኪፈልጠካ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ይብሉ፣ ቅ.ጴጥሮስ ምስ ክርስቶስ ዝነብር ተግባራት ክርስቶስ ዝረአየን ክንሱ፣ ነቲ ንክርስቶስ ዘምጽኦ ምስጢረ ድሕነት ደቂ ኣዳም ኣይተረድኦን፣ ከም ማንም ሰብ። ከም ናይ ሰብ ርድኢትን ሓሳብን ድሌትን፣ ኣውሪዱ ካብ […]

ናይ ሕይወት ምናኔ ዝሓትት ጸዋዕታ


“እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ን ኣዳም ጸዊዒ “ኣበይ ኣሎኻ?” በሎ (ኦሪት ዘፍ. 3፡9)።ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ኣዳምን ሓልዮት ምድሓን እግዚኣብሔርን ንምርዳእ ነዛ ኣራእስቲ ኣብ ክልተ ክፍሊ (ብምምቃል) ብምኽፋል ክንሰርሓ ኢና። 1ይ ክፍሊ ኩነታት ኣዳም ቅድሚ ሓጢኣትን ድኅሪ ሓጢኣትን እትምልከት ኽትከውን እንከላ እታ 2ይቲ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን መደብ ድሕነቱን እትምልከት ክትከውን ኢያ። ቀዳማይ ክፍሊ፡ […]

ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ



ኣስተምህሮ ብዛዕባ ብእምነት ምጽዳቕ(ንባብ ሮሜ 3:21-31)እናቴ ለተምሕረት ተስፋይ ( ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ሓና)ጳውሎስ ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ክሳብታ ኣብ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝነበረላ ብሕጊ ንዝመጽአ ጽድቂ ኢንታ ዘይነበሮ ኢዩ ነይሩ።(ፊሊ.3:6) ካብ ኵሎም መሳትኡ ዚበልጽ ብዛዕባ ስርዓት ኣቦታቱ ኸኣ ቀናእ ምንባሩ ባዕሉ ይምስክሮ፣ ኣብ መንገዲ ደማስቆ ነቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ክርስቶስ ምስ ረኸበ […]

ብእምነት ምጽዳቕ


ቅዱስ መጽሓፍ ብዙሕ ዓይነት ኣጸላልያ ዝምህረና ምጽሓፍ እዩ፣፣ ብዙሓት ዝጸልዩ ሰባት የቕርበልና ከመይ ጌርና ከም እንጽሊ ከኣ ይምህረና፣፣ ኣብ ኵሉ ሃይማኖታት ዝርከቡ መጻሕፍቲ ብወገኖም ጸሎት ይምህሩ እዮም፣ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ኣጸላልያ ከመይን ንምንታይን ኣብ ዝብል ግን ፍሉይ ኮይኑ ይርከብ፣፣ ምኽንያቱ ቅ. መጽሓፍ ካብ ጸሎት ኢያ ተወሊዳ እንተበልና ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን፣፣ […]

ጸሎት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ


ኣብዚ ናይ ክልተ ሺሕ ልደት ጳውሎስ እነብዕለሉ ጊዜ፤ መን እዩ ጳውሎስ? እንታይከ ይብለኒ? ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ኢዩ፣፣ ንሱ ይብሉና ር.ሊ.ጳ.በነዲክቱስ 16 ሓዋርያን ሰራቒ ክርስቶስን መምህር ኣሕዛብን መምህርናን ኢዩ፣፣ ኣብ ስነ ሓሳብ ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ ኣብ ልቡ ዝተመኮሮ ፍቕሪ ክርስቶስ ዘንጸባርቕ ዓሙቕ እምነት፤ ንሰይፊ ቃል ኣምላኽ ኣልዒሉ ዚዋጋእ (1ጢሞ 2፣2.5) ምእንተኣ ዝስዋዕን […]

ቅ.ጳውሎስ ቅድሚ ናብ ክርስትና ምእታዉ


ኣስተምህሮ ብዛዕባ ክህነትኣብ ከውሒ ዝተመስረትኩም ምኳንኩም ፍለጡ።ብ እ. ለተምሕረት ተስፋይ 10/01/2012“እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣንቱም ንጽድቂ እትስዕቡ ክረድኣኩም ከኣ ናባይ እትመጹ ጽን በሉኒ። ካበየናይ ከውሒ ተጸሪብኩም ከም ዝመጻእኩምን ካበየናይ ጉድጓድ ከም ዝተፈንቀልኩም ኣስተብህሉ። (ኢሰያስ ነቢይ 51.1)ኢየሱስ ብኸውሒ ይምሰል ከምኡ ነቲ ምስሌነኡ ገይሩ ዝሸሞ ጴጥሮስ ብኽውሒ ክምስሎ ኢና እንረኽቦ። ኢየሱስ ንጴጥሮስ […]

ኣስተምህሮ ብዛዕባ ክህነት