Yearly Archives: 2015



ኢዮቤል ዝብል ቃል ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም እነንብቦ ብቋንቋ ግሪኽ ቀርኒ ከብቲ፡ ካብ ዝብል ቃል ዝመጸ ኢዩ። ትርጉሙ ድማ “መለኸት’’ ኢዩ። እዚ ከኣ እስራኤላውያን ኣብቲ ኣብ ሓሓሙሳ ዓመት ዘኽብርዎ በዓላት እቲ ዓመት ዓመት ታሕጓስ ዓመት ዕልልታ ምዃኑ ዘበስረሉ፡ኣዋጅ ዝንገረሉ መሳርሒ ኢዩ። ኢዮቤል ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ቤተክርስትያን ኣብ […]

ምኽፋት ዓመተ ቅዱስ ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ...



ሓጢኣተኛ ኣይንገርን ኢዩ፡ ሓጢኣት ወይ ከኣ ተመክሮ ናይ ሓደ ብስቱር ዝሰማዕካዮ’ሞ፡ ኣዚዩ ዝተንከፈካ ሰብ፡ መንነቱ ብዘይሕብር ኣገባብ ምክፋል ግን ንኹሉ መሃሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ፡ ናይ ሓንቲ ኣዚያ ዘደነቐትንን፡ ኣብነት ናይ ኩሉም እቶም ኣብ ከም’ቲ ናታ ኩነታት ዝነብሩ ዘለዉ መንእሰያትና ክትከውን እትኽእል ብምዃናን ኢየ ናብ ኣንበብቲ ከቕርባ […]

ምሕረት ኣምላኽ ንኽትረክብስ እንታይ ኢዩ ክግበር ዘለዎ ኣብዚ ዓመት’ዚ?








ብምኽንያት ዓመተ ውፉይ ሕይወት ብምትሕብባር ኣተግባሪት ኮሚቴ ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስን ኮሚተ ኣነቓቓሕቲ መምህራን ስነ-መዕበያን ዝተመደበ፣ ኣባላት ውፉይ ሕይወት፣ ኣባላት ማሕበራት ደቂ ተባዕትዮን ደቀኣንስትዮን ሰብ ዓቢይ መብጽዓ ዝተሳተፍዎ፣ “ውፉይ ሕይወት፡ ጥዑም መኣዛ ክርስቶስ” ብዝብል ኣርእስቲ ቀዳም 05 ታኅሣስ 2015 ዓ.ም.ኣብ ኣዳራሽ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ፣ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ […]

ዓውደ-መጽናዕቲ ንሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብ ዓቢይ መብጽዓ



ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ፡ ድሕሪ እቲ፡ ካብ 4 ክሳዕ 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም “ጸዋዕታን ተልእኮን ስድራቤት ኣብ ቤተክርስቲያንን ናይ ሎሚ ዓለምን” ብዝብል ርእሰ-ሓሳብ፡ ኣብ ቫቲካን፡ ብመሪሕነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ጉስነት ሥድራቤት ዝዘተየ፡ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካብ ሮማ ምምላሶም፥ ቀዳም 14 ሕዳር 2015 ዓ.ም ንውሉደ ክህነትን […]

ዓውደ መጽናዕቲ – ንሓደስቲ ሰብሓዳር


ጥዑም ብስራት - ኣምላኽ ምሳና እዩ1 . ደቂ ሰብ ሓጎስ ኣብ ምድሪ እንክደልዩነዚ ዜረድኡና ብዙሓት ኣብነታት ኬነምጽእ ንኽእል ኢና። ርሑቕ ከይከድና፡ ገለ ሰብ ጸጋ ወለዲ ንደቆም ብዙሕ ሃብቲ ገዲፎም ኪሓልፉ ከለዉ፡ ደቆም ኣብ ውርሻ ምክፋል ክበኣሱን፡ ኪባልዑን፡ ክጻልኡን፡ ክንደይ ዘይረኣና። ብኣንጻሩ ከኣ ክንደይ ድኻታት ኣብ ሓንቲ ጸባባ ገዛ ተጸፋጺፎም፡ ቆሎ ተደሪሮም […]

መንግስቲ ኣምላኽ



ኣብ ስርዓት ኣምልኾ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፡ ቅድሚ 91 ዓመት ማለት ብ1925 ዓመት ዓ.ም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ መበል 11 ዝተጀመረ፡ ኣብዚ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝኸብር “ክርስቶስ ንጉሥ” ዝብል በዓል ምህላዉን፡ ከም መዛዘሚ ሊጡርግያዊ ዓመት ከኣ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ከምዝበዓልን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ መሠረት ብካቶሊካዊ ምንቅስቓስ  ውህበታዊ ተሓድሶ ኣሥመራ፡ […]

መዓልቲ ክርስቶስ ንጉሥ ኣብ ኣሥመራ


"ጸዋዕታን ተልእኮን ስድራቤት ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም”ቤተክርስቲያን፣ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ስድራቤት ፍሉይ ትኩረት ብምግባር ከምዘስተንተነትን ከምዘጽነዐትን፣ ብፍላይ ከኣ ሎም ዘመን ካብ 4 ክሳዕ 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም “ጸዋዕታን ተልእኮን ስድራቤት ኣብ ቤተክርስቲያንን ናይ ሎሚ ዓለምን” ብዝብል ርእሰ-ሓሳብ፡ ኣብ ቫቲካን፡ ብመሪሕነት ቅዱስ ኣቦና ር. ሊ. ጳ. ኣቡነ ፍራንቸስኮስ […]

መግለጺ ሲኖዶስ ጳጳሳት


ንዓለም ዝስዕራኸ መን እዩ? እቲ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ዝኣምንዶ ኣይኮነን? (1ዮሓንስ 5፣5)ኣብ ጕዕዞ ሕይወትና ብዙሕ ጊዜ ዘይተዓወትናሉ ዘየሓጉስን እዋናት ምህላወም ነኣምን ብዙሕ ንዘርእ ውሑድ ከኣ ንሓፍስ። (ሃጌ 1፣6) ንሰብኽ፣ ንጽዕር ብዙሕ መንገዲ ነናዲ ዓለምና ግን ከንዲ ናብ ክርስቶስ ዝምለስ መሊሱ ይርሕቅ።  (Padre Canta Lamessa) ኣብ ከምዚ ኹነታት እንክንርከብ፤ […]

ንዓለም ዝስዕራኸ መን እዩ?


ናይ ቤተክርስትያን ምሕዳስ ብሕይወት ምእምናን ዚወሃብ ምስክርነት እዩ። ምኽንያቱ ንሳቶም ጎይታና ኢየሱስ ንዝሓደገልና ቃል ሓቂ ከንጸባርቑ ዚተጸውዑ እያቶም። (ኣፍ ደገ እምነት)ነዚ ዘይልወጥ ናይ ጥንቲ ሃብቲ ዚኾነ እምነት ሎሚ ብኸመይ ንንበሮን ንመስክሮን?ጳውሎስ “ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ኲሉ ፍረ እናፍረኹም ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹም፥ ንእኡ ዚበቅዕ ሕይወት እናነበርኩም ንጎይታ ብኲሉ ኣሓጉስዎ ይብለና።ነቲ ከም እንደገና […]

እምነት ኣብ ሕይወት ኣማኒ እትጻወቶ ተራ



ናይ እዚ ጽሑፍ  ትሕዝቶ ካብ ናይ ሃገርና ብራና ዝተወስደ ኮይኑ፡ ኣቦታትና ኣብ ቅዱሳን ዝነበሮም ኣኽብሮትን እምነትን ዚገልጽ እዩ። እቶም ኣብዛ ምድሪ ኣሚኖም ዚተጓዕዙ ኣቦታትናን ኣደታትናን፡ ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ከማልዱልና ንማሕጸኖም።ኦ ሓና “እታ እግዚኣብሔር እትፈርሕ ሰበይቲ እነሄት ኣኽሊል ደፊኣ ትንቀሳቐስ ኣላ“ ኢሎም መእመናን ዚምክሑልኪ ንስኺ ኢኺ። ካብ መዓርን መዓዛ ዕንበባትትን ዚጥዕም […]

ቅዱስ ኢያቀምን ቅድስቲ ሓና ወለዲ ማርያም


ሰላምኣነ ሰላም ኵሎም ዝምነዩኒ ብቐሊሉ ዘይርከብ፣ ነቶም ንጹሓን ልቢ ግን ዝግለጸሎም እየ፣፣ ምስ ካልኦት ከወዳድሩኒ እንከሎዉ ኣነ ዝበለጽኩ ምዃነይ ይዛረቡ፣፣ ንምሕረት ከም ሰብኣዊ ልቢ፤ ንርሕራሔ ከም ሰብኣዊ ገጽ፤ ንፍቕሪ ከም መሎኮታዊ መልክዕ ሰብ፤ ክብልወን ድሕሪ ጸኒሖም፣ ነዓይ ንሰላም ሰብኣዊት ክዳን ይብሉኒ፣ ንኳሉ ዘመልክዕ ዘገርም ዘጸብቕ ማለት ኢዩ፣፣ ኣነ እምበኣር ብደቂ […]

ሰላም, ተስፋ , እምነት , ፍቕሪ


The dignity of the human beingThe dignity of the human being is rooted in his creation. In the book of Genesis we read: “Then God said: Let us make human beings in our image after our likeness…. God created mankind in his Image; in the image of God he created […]

The dignity of the human being


ንስሓ፤ ዘሐድስ ሓይሊ ኣብ ሕይወት ክርስትና ብኣባ ዮናስ ዮሓንስ“ነቶም ዝንስሑ ናብኡ ኪምለሱ ኪፈቕደሎ እዩ ነቶም ተስፋ ዝሰኣኑ ድማ ከተባብዖም እዩ... ኃጢኣትካ ንድሕሪት ደርቢኻ ናብ እግዚኣብሔር ተመለስ... ንሱ ካብ ጸልማት አውጺኡ ናብ ናይ ሕይወት ብርሃን ኪመርሓካ እዩ” (ጥበብ ሲራክ.17።24-28)፣ ኢየሱስ ስብከቱ ክጅምር እንከሎ ‘’መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ’ሞ ተነስሑ ብወንጌል እመኑ’’ ብምባል […]

ንስሓ፤ ዘሐድስ ሓይሊ ኣብ ሕይወት ክርስትና



Orthodoxy vs Catholicism: A Comparison The Basic Differences SummarizedAN APPRECIATION OF ORTHODOX SPIRITUALITYOrthodox Christianity possesses the seven sacraments, valid ordination, the Real Presence, a reverential understanding of Sacred Tradition, apostolic succession, a profound piety, a great history of contemplative and monastic spirituality, a robust veneration of Mary and the saints, […]

Orthodoxy vs Catholicism


መንፈስ ቅዱስ መሪሕ ሕይወትናምስትውዓል (Prudence)“ናይ ሥጋ ነገር ጥራሕ ምሕሳብ ሞት የምጽእ፤ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና ሕይወትን ሰላምን የምጽእ፤ምኽንያቱ እቱ ሓሳብ ሥጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን፦ኪግዝኦ’ውን ኣይክእልን እዩ...እቶም ብሥጋ ዝምርሑ’ውን ንኣምላኽ ከሐጉስዎ ኣይከኣሎምን እዩ’’ (ሮሜ.8:6-8);ምስትውዓል ሞራላውን መሎኮታውን ህያብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ኮይኑ ኣእምሮና ነቲ ዝጸበቐን ዝበለጸን […]

መንፈስ ቅዱስ መሪሕ ሕይወትና


እንተክሃነ ኣገልገለ ዶ ተገልገለ?ናይ ሕይወት ምናኔ ዝሓትት ጸዋዕታ ንባብ (ማቴ.16: 24 -ፍ) ኣቦታትና ኪምስሉ “መን ምዃንካ ኪፈልጠካ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ይብሉ፣ ቅ.ጴጥሮስ ምስ ክርስቶስ ዝነብር ተግባራት ክርስቶስ ዝረአየን ክንሱ፣ ነቲ ንክርስቶስ ዘምጽኦ ምስጢረ ድሕነት ደቂ ኣዳም ኣይተረድኦን፣ ከም ማንም ሰብ። ከም ናይ ሰብ ርድኢትን ሓሳብን ድሌትን፣ ኣውሪዱ ካብ […]

ናይ ሕይወት ምናኔ ዝሓትት ጸዋዕታ


“እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ን ኣዳም ጸዊዒ “ኣበይ ኣሎኻ?” በሎ (ኦሪት ዘፍ. 3፡9)።ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ኣዳምን ሓልዮት ምድሓን እግዚኣብሔርን ንምርዳእ ነዛ ኣራእስቲ ኣብ ክልተ ክፍሊ (ብምምቃል) ብምኽፋል ክንሰርሓ ኢና። 1ይ ክፍሊ ኩነታት ኣዳም ቅድሚ ሓጢኣትን ድኅሪ ሓጢኣትን እትምልከት ኽትከውን እንከላ እታ 2ይቲ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን መደብ ድሕነቱን እትምልከት ክትከውን ኢያ። ቀዳማይ ክፍሊ፡ […]

ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ



ኣስተምህሮ ብዛዕባ ብእምነት ምጽዳቕ(ንባብ ሮሜ 3:21-31)እናቴ ለተምሕረት ተስፋይ ( ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ሓና)ጳውሎስ ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ክሳብታ ኣብ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝነበረላ ብሕጊ ንዝመጽአ ጽድቂ ኢንታ ዘይነበሮ ኢዩ ነይሩ።(ፊሊ.3:6) ካብ ኵሎም መሳትኡ ዚበልጽ ብዛዕባ ስርዓት ኣቦታቱ ኸኣ ቀናእ ምንባሩ ባዕሉ ይምስክሮ፣ ኣብ መንገዲ ደማስቆ ነቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ክርስቶስ ምስ ረኸበ […]

ብእምነት ምጽዳቕ


ቅዱስ መጽሓፍ ብዙሕ ዓይነት ኣጸላልያ ዝምህረና ምጽሓፍ እዩ፣፣ ብዙሓት ዝጸልዩ ሰባት የቕርበልና ከመይ ጌርና ከም እንጽሊ ከኣ ይምህረና፣፣ ኣብ ኵሉ ሃይማኖታት ዝርከቡ መጻሕፍቲ ብወገኖም ጸሎት ይምህሩ እዮም፣ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ኣጸላልያ ከመይን ንምንታይን ኣብ ዝብል ግን ፍሉይ ኮይኑ ይርከብ፣፣ ምኽንያቱ ቅ. መጽሓፍ ካብ ጸሎት ኢያ ተወሊዳ እንተበልና ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን፣፣ […]

ጸሎት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ


ኣብዚ ናይ ክልተ ሺሕ ልደት ጳውሎስ እነብዕለሉ ጊዜ፤ መን እዩ ጳውሎስ? እንታይከ ይብለኒ? ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ኢዩ፣፣ ንሱ ይብሉና ር.ሊ.ጳ.በነዲክቱስ 16 ሓዋርያን ሰራቒ ክርስቶስን መምህር ኣሕዛብን መምህርናን ኢዩ፣፣ ኣብ ስነ ሓሳብ ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ ኣብ ልቡ ዝተመኮሮ ፍቕሪ ክርስቶስ ዘንጸባርቕ ዓሙቕ እምነት፤ ንሰይፊ ቃል ኣምላኽ ኣልዒሉ ዚዋጋእ (1ጢሞ 2፣2.5) ምእንተኣ ዝስዋዕን […]

ቅ.ጳውሎስ ቅድሚ ናብ ክርስትና ምእታዉ


ኣስተምህሮ ብዛዕባ ክህነትኣብ ከውሒ ዝተመስረትኩም ምኳንኩም ፍለጡ።ብ እ. ለተምሕረት ተስፋይ 10/01/2012“እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣንቱም ንጽድቂ እትስዕቡ ክረድኣኩም ከኣ ናባይ እትመጹ ጽን በሉኒ። ካበየናይ ከውሒ ተጸሪብኩም ከም ዝመጻእኩምን ካበየናይ ጉድጓድ ከም ዝተፈንቀልኩም ኣስተብህሉ። (ኢሰያስ ነቢይ 51.1)ኢየሱስ ብኸውሒ ይምሰል ከምኡ ነቲ ምስሌነኡ ገይሩ ዝሸሞ ጴጥሮስ ብኽውሒ ክምስሎ ኢና እንረኽቦ። ኢየሱስ ንጴጥሮስ […]

ኣስተምህሮ ብዛዕባ ክህነት