ጸሎት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት


Prayer for Jubilee Year of Mercy Mercyጸሎት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት

ኦ! ኢየሱስ ጎይታ!

ከምቲ ሰመያዊ ኣቦና መሓርቲ ክንከውን

መሃርካና ፤

ከምኡ’ውን ንኣካ ዝረኣየ ንኣቦ ከምዝረኣየ

ነጊርካና፤

ገጽካ ኣርእየና፡ ክንድኅን ከኣ ኢና።

ፈቃር ጠመተኽ፣ ንዘኬዎስን ንማቴዎስን

ካብ ባርነት ገንዘብ፤ ነታ ዘማዊት ሰበይትን

ማርያም መግደላዊትን ብምድራዊ ፍትወት

ጥራሕ ካብ ምንባር ናጻ ኣውጺኡዎም፤

ንጴጥሮስ ምስ ከሓደ ተጸጺቱ ከምዝነብዕ ገበሮ፤

ብየማንካ ንዝነበረ ዝተነስሐ ዓመጸይና

ገነት ከምዝኣቱ ኣረጋገጸሉ።

እቲ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ “ህያብ

ኣምላኽ እንተ ትፈልጥስ!” ዝበልካያ

ቃል ንነፍሲወከፍና ከምዝተባህለ ገይርና

ከምንሰምዖ ግበረና።

ይቕረ ብምባልን ብምምሓርን ኣብ ልዕሊ

ኩሉ ኃይሉ ዝገልጽ፡ ናይ’ቲ ዘይርአ

 

እግዚኣብሔር ኣቦ ዝርአ ገጽ ንስካ ኢኻ።

ቤተክርስቲያን ከኣ ኣብዛ ዓለም ናይ`ቲ

ዝተንሥአን ዝኸበረን ጎይታኣ ዝርአ

ገጽካ ትኹን።

ነቶም ኣብ ድንቁርናን ስሕተትን ዘሎው

ምእንቲ ክርሕርሓሎም ኣገልገልትኻ

ድኻምነት ዝለበሱ ክኾኑ ፈቕድካ።

ኢዮቤል ምሕረት ዓመት ጸጋ ምእንቲ

ክኾነልና፡ ቤተክርስቲያን ከኣ ብዝተሓደሰ

መንፈስ ንድኻታት ወንጌል ከተበስር

ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንምሩኻትን ግፉዓትን

ሓርነት ክትእውጅ ቅዱስ መንፈስካ

ስደደልና፡ ንነፍሲ ወከፍና ከኣ በዚ ቅብኣት

እዚ ክትቕድሰና፣ ብኣማልድነት እታ

እኖ ምሕረት ዝኾነት ማርያም ንልምነካ

ኣሎና።

ምስ ኣብን  መንፈስ ቅዱስን

ንዘለዓለም እትነብርን እትነግስን ጎይታ።

ኣሜን።

( ኣቦና ኣብ ሰማይ ……..ሰላም ንዓኺ……

ስብሓት ንኣብን …….)

 

# እዚ ጸሎት እዚ ናብ ኩሎም ካቶሊካውያን መታን ክበጽሕ Like, Share, Comment ንግበር ። መዓልታዊ ነዚ ጸሎት`ዚ መታን ክንደግሞን ከነስተንትኖን Print ጌርና ኣብ ልዕሊ ዓራትና ንግበሮ። እግዚኣብሔር ይባርኩም ።