ዝኽሪ ወርቃዊ ኢዮቤል ሕንጻ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራትን ዓመታዊ ክብረ በዒል ኪዲነምሕረትን ኣሥመራ


ጸብጻብ ኣከባብራ ዝኽሪ ወርቃዊ ኢዮቤል ሕንጻ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራትን
ዓመታዊ ክብረ በዒል ኪዲነምሕረትን
ኣሥመራ


24 የካቲት 2020 ወይ ድማ ብግእዚዊ ኣቆጻጽራ 16 የካቲት 2012፡ ዒመታዊ ክብረ በዒል ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ኪዲነ-ምሕረት ኢዩ ነይሩ። ናይ ሎሚ ዒመት ክብረ በዒል ፍሉይ ዜገበሮ ግና፡ ዜኽሪ ወርቃዊ ኢዮቤል እታ ሕንጻ ቤተክርስትያን እውን ስለ ዜነበረ ኢዩ። እዚ ሕጂ ዗ላ ቤተክርስትያን ኪዲነምሕረት ብበዒለ ሚካኤል ሚያዜያ ናይ 1969 ዒ.ም.ፈ. ናይ ር.ሊ.ጳ. ልኡኽ ኣቡነ ዮሴፍ ሞዮሊ (ኑንስዮ) ኣብ ዜተረኽቡሉ ወግዒዊ ቡራኬ ተገይሩላ። እዙ ድማ እዙ ኣብ ታሕቲ ዗ሎ ስእሊ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ተሰቒሉ ባዕሉ ዗዗ንትዎ ኢዩ። ስለዙ እምበኣር ናይዙ ፍጻሜ 50 ዒመቱ ዒሚ (ሚያዜያ 2019 ልክዕ) ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ብምኽንያት እዙ ወርቃዊ ኢዮቤል፡ እታ ኣዙያ ረሲሓ ዜነበረት ቤተክርስትያን ክትሕዯስ ብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት ብ዗ውጽእዎ መዯብ መሰረት፡ እቲ ናይ ምሕዲስ መስርሕ ቁሩብ ጊዛ ስለ ዜመጠጠ ናብ ሎሚ ዒመት ተሰጋጊሩ። ስለዙ እምበኣር፡ ናይ ሎሚ ዒመት ክብረ በዒል ዜተዯራረበ ምኽንያት ሓጎስ ሒዘ ኢዩ ተኸቢሩ። ኣቐዱሙ፡ ብዕለት 14/12/2019 ኣስከሬን ናይቶም ነዚ ሕንጻ እዙኣ ዗ሕነጹ ብጹዕ ኣቡነ ኣብርሃ፡ ካብቲ ዜነበሮ መካነ መቃብር ጸጸራት ብክብ ዜበለ ወግዕን ሥርዒትን ናብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን (ብሸነኽ የማን ቤተክርስትያን) ኣብ ዜተዲለወሉ ናይ ክብሪ ምዕሩግ ቦታኡ ግዑዘ ኢዩ። ብሕጽር ዜበለ እምበኣር፡ ብዘሕ ታሪኻዊ ፍጻመታት ዜሓ዗ለ ቅንያት ኢልና ክንጽውዖ ንኽእል።
እምበኣር ነዙ ዜተዯራረበ ምኽንያት ምስጋና ዜሓ዗ለ ክብረ በዒል ንምብዒል ብቕንያቱ ኢዩ ምድላው ቀንዩ። ከምቲ ልሙድ ካብ ዕለት 15/02/2020 ክሳብ 22/02/2020 ንሸሞንተ ተኸታተልቲ መዒልታት ካብ 5፡30 ድ.ቀ. ክሳብ 07፡30 ድ.ቀ. ብጸሎት፡ መዚሙርን፡ ኣስተምህሮታትን ዜተሰነየ መሰናድዊ ጸሎት ታስዕቲ ተኻይደ። ምእመናን መላእ ቁምስናታት ኣሥመራ ድማ ብዒቢይ ትግሃት ተሳቲፎም። ኣብ መበል ታሽዏይቲ መዒልቲ፡ ማለት ሰንበት 23/02/2020 ድማ ብጹዒን ጳጳሳት ዜርከብዎ ምዕሩግ፡ ውዕዉዕን፡ መፈሳውነቱ ዜምስጥን ዋዛማ ብያሬዲዊ ዛማ ካብ 2፡30ድ.ቀ. ክሳብ 6፡30ድ.ቀ. ተኻይደ። ትሕዜቶ ናይቲ ዋዛማ ‚ርግብየ ይቤላ በእንተ የዋሃታ፡ በሐኪ ማርያም ሐዲስዩ ጣዕዋ። እንዘ አመቱ እሞ ረሰያ፡ ታዕካ ሰማይ ኮነ ማኅዯራ፡ ዲዊት ይሴብሕ ወይዛምር ዕዜራ‛ ዜብል ነበረ።
ድሕሪ ዋዛማ፡ ኩሎም ኣብ ዋዛማ ዗ምሰዩ ሰባት ንዯገ ወጺኦም፡ ነታ ብዜተፈላለዩ ድምቀትን ግርማን ዗ለዎም መብራህታት ዜተኾለዏት ቤተክርስትያን ተዒዙቦም፡ ናይ ድራር እንግዶት ድሕሪ ተኻፊሎም ፍጻመ ናይቲ ናይ ድሮ መዯብ ኮይኑ።

ሰኑይ 24/02/2020 ልክዕ 12፡00 ቅ.ቀ. (ፍርቂ ለይቲ) ዜጀመረ ማኅሌት ዗ሌሊት፡ ክሳብ ሰዒት 6፡30 ቅ.ቀ. ብውዕዉዕ መንፈስ ድሕሪ ቀጺሉ፡ ልክዕ ሰዒት 6፡30 ቅ.ቀ. ብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ዜመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዲሴ ንኽጅመር፡ ብጹዒን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡ ኣቡነ ቶማስ፡ ኣቡነ ኪዲነ፡ ኣቡነ ፍቕረማርያም፡ ከምኡ’ውን ናይ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኤርትራን ሱዲንን (ኑንሲዮ) ጸሓፊ ክቡር ኣባ ኣንተ ቪዶቪች ዘለውዎም ልዕሊ 50 ካህናት ብዐዯት ናብ ቤተክርስትያን ኣተዉ’ሞ፡ ምዕሩግን መንፈስካ ዜሰልብን መሥዋዕተ ቅዲሴ ዒሪጉ። ብኣሽሓት ዜቑጸሩ ምእመናንን፡
ገዲማውያንን ገዲማውያትን፡ መንእሰያት ተማሃርቲ ገዲማትን ቁምስናታትን ድማ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያንን፡ ኣብ ደገ ተሰሪሑ ኣብ ዜነበረ ዓቢይ ዳስን ኮይኖም ተሳቲፎም።
ድሕሪ ወንጌል፡ ብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሰናይ ምንዮት ዜገልጽ መልእኽቲ፡ ከምኡ’ውን ናይቶም ኣብዙ በዒል ንኽሳተፉ ምስ ብጹዕ ኣቡነ ሙሴ (ናይ እምድብር ኤጳርቃ)፡ ክቡር ኣባ ተሾመ (ናይ ካቶሊካዊ ቤት ጽሕፈት ኢዮጵያ ዋና ጸሓፊ)፡ ብ22/02/2020 ሰዒት 5፡30 ድ.ቀ. ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ በጺሖም ከብቅዐ፡ ክኣትዉ ስለ ዘይተፈቕዯሎም ብ23/02/2020 ድሕሪ 16 ሰዒታት ኣብኡ ምጽናሕ ናብ ኣዱስ ኣበባ ዜተመልሱ ልዐል ካርዱናል ብርሃነኢየሱስ ሱራፌል (ናይ ኣዱስ ኣበባ ካቶሊካውያን መጥሮጳሊሳዊ ሊቀ ጳጳሳት) መልእኽቲ ክንበብ ምዃኑ ሓቢሮም። ‚እዝም ኣጋይሽ ኣብዙ ፍጻመ ክሳተፉ ዗ይምኽኣሎም የሕዜነና፡ ብገሊኡ እውን ሓፊርና፡ እንተኾነ ናይ ኪዲነ ምሕረት የዒቢ‛ ድማ ኢሎም። ስለዙ ክቡር ኣባ ኣንተ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ብቋንቋ እንግሊዜ ድሕሪ ኣንቢቦም፡ ክቡር ኣባ ግርማይ ኣብርሃ ድማ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኮነ ናይ ካርዱናል ብርሃነኢየሱስ መልእኽቲ ብትግርይና ኣንቢቦምዎ፡ ኩሉ ሰብ ድማ ብዕልልታ ተቐቢልዎ።
መስዋዕተ ቅዲሴ ተዚዙሙ ምዕሩግን ስሩዕን ዐዯት ድሕሪ ተኻይደ፡ መንእሰያት መዘምራን ቁምስና ርእሰ ኣድባራት‚ገስግሲ ቤተክርስትያን ገስግሲ‛ እትብል ሓዲስ መዜሙር እና዗መሩ፡ እዚ ቤተክርስትያን ክትባረኽ እንከላ ከም ዝተፈጸመ ባዕሎም ዜሓበርዎ ድማ፡ ምልክት ናይ ኢዮቤል ጻዕዲን ሰማያውን ዜሕብርታቱ ፍሕኛታት (ፓላንችና) ንሰማይ ገጾም ሰዱዶም ኩሉ ሰብ ድማ ብዕልልታን ጨብጨባን ኣሰኒይዎም።
ካብዙ ቀጺሉ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ብብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግስተኣብ ቀሪቡ። ‚ናይ ሎሚ ኣስተንትኖና ብዚዕባ ቤተክርስትያን ክኸውን ኢዩ‛፡ ድሕሪ ምባል፡ ‚እቲ ዕለት መጸ ኣብ ምጅማር ቅዲሴ እነዙሞ ‘እምነ በሐ ቅድስት ቤተክርስያን. . .’ ዜብል ጸሎት ትርጉሙ እንተተረዲእናዮ፡ ንቤተክርስትያን ዜቐርብ ኣድናቖት ዜመልኦ ሰላምታ ኢዩ፡ ስለዙ መን ኢያ እዚ ቤተክርስትያን፧ ‚ቤተክርስትያን‛ ዜብል ቃል ሰለስተ ትርጉም ኣለዎ።‛
መጀመርያ መራኸቢ እግዙኣብሔርን ሕዜቡን ኢያ። ብፍላይ ኣብ ብሉይ ኪዲን ‚ክብሪ እግዙኣብሔር ድማ ኣብቲ ንሱ ዜርከበሉ ድንኳን ንኹሎም ዯቂ እስራኤል ተራእየ‛ (዗ኁ 14፡10) ከም ዜብሎ፡ እግዙኣብሔር ንሕዜቡ ክራኸቦም ዜወርዯሉ ንሶም ድማ ነኣኡ ክረኽቡ ዜጋሰስዎ ቅደስ ቦታ ኢዩ። ኣብ ሓዱስ ኪዲን ድማ ሕንጻ ቤተክርስትያን መበሰሪ ቃል እግዙኣብሔርን፡ መስውዑ እቲ ገንሸል እግዙኣብሔር ዜኾነ መድኃኒና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢያ።
ካልኣይ ትርጉም ድማ ‚ቤተክርስትያን‛ ማሕበር ኣመንቲ ተኸተልቲ ክርስቶስ ኢያ። ማለት ንሕና ኢና ቤተክርስትያን። ‚ቤትመቕዯስ ኣምላኽ ምዃንኩምን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዱሩ ምህላዉን’ዶ ኣይፈልጡን ኢኹም፧‛ (1ቆሮ3፡
16)። ‚እምበኣር ኩልና ኣመንቲ ቤተክስትያን ኢና። ካህናትን ውፉያትን ጥራይ ቤተክርስትያን ጌርካ ምግማት ጎዯሎ ርድኢት ኢዩ‛ ድማ ኢሎም።
ሳልሳይ ትርጉም ናይ ቤተክርስትያን ድማ ‚እዚ እንርእያ ዗ሎና ግዜፍቲ ሕንጻ ኢያ።‛ ኩሎም እቶም ኣብኣ ዜጋብኡ ድማ፡ ከምቲ ቅዲሴ ናይ ዮሓንስ ወልዯ ነጏድጓድ ዜብሎ ‚ብብዜኂ ጸጋኡ ምእንቲ ክባረኹ፡ ድኹማት ኪጸንዐ፡ ኃጥኣት ክጸድቁ፡ እቶም ዜንስሑ ኪነጽሑ፡ ጻድቃን ክሕለዉ፡ ኣብ ጸበባ ዗ለዉ ኪድኅኑ፡ ጭኑቓት ከዕርፉ፡ ዜጏሃዩ ኪጸናንዐ፡ ዜኃ዗ኑ ኪሕጎሱ፡ ተስፋ ዜቐበጹ ክተባብዐ፡ ሕሙማት ክሓውዩ፡ ጊጉያት ክምለሱ፡ ጥፉኣት ክርከቡ፡ ዜረሓቑ ክቐርቡ፡ ዜቐረቡ ክሕለዉ።‛ ኢዮም።
ሓዯ ካብቲ ሰነዲት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዜኾነ ብርሃን ሕዜብታት ቊ.53 ከም ዜብሎ ‚እታ ብብሥራት ገብርኤል  መልኣኽ ንቃል እግዙኣብሔር ኣብ ልባን ኣብ ማሕጸናን ዜተቐበለቶን፡ ንዒለም ሕይወት ዗ምጽአትን ድንግል ማርያም፡ ከም ሓቀይና ኣዯ ኣምላኽን ኣዯ መድኃኒናን ትፍለጥን ትኸብርን። ብልዐል ኣገባብ ብሳላ ትሩፋት ወዲ ስለ ዜዯኃነትን ብጽኑዕን ክብጠስ ብ዗ይከኣልን መእሰር ስለ ዜተወሃሃዯትን እቲ ልዐል መዜነትን ክብርን ናይ ኣዯ ኣምላኽ ተቐቢላ ኢያ፡
ምእንቲ’ዙ እውን ንሳ ንእግዙኣብሔር ኣቦ ፍቅርቲ ጓሉ፡ ንመንፈስ ቅደስ ታቦቱ ኢያ።‛ እናበለ ማርያም ምስ ቤተክርስርትያን ዗ለዋ ርክብ ይገልጸልና። ‚እምበኣር እታ ኣብ ቀራንዮ ብመንገዱ ዮሓንስ ‚እንሀት ኣዯኻ‛ እናተባህለት ዜተዋህበትና ኣዯና ቅ.ድንግል ማርያም፡ ‚ንሱ ዜበለኩም ግበሩ‛ እናበለት፡ ብሕጉ እናተመላለስና ዗ድልየና ጸጋ ካብኡ ከተማልዯልና ምዃና ፈሊጥና ናብኣ ንጸጋዕ‛ ኢሎም። ኣብ መወዲእታ ድማ “‚በሐ በልዋ፣ ተሳለምዋ፣ ዕግትዋ ለጽዮን ወሕቀፍዋ
ዯዩ ልበክሙ ውስተ ኃይላ፣ እንተ ተሓንጸት በስሙ
ወተቀዯሰት በዯሙ፣ ወተዏትበት በዕፀ መስቀሉ፣
ጊሡ ኃቤሃ እስመ ኃይለ እግዙኣብሔር ላዕሌሃ።”
(ዚቅ፡ ዘሕንጼሃ ለቤተክርስትያን)

ትርጉሙ ‚ሰላም በልዋ፣ ተሳለምዋ፡ ንጽዮን ክበብዋን ሕቖፍዋን፣ ኣብ ኃይላ ልብኹም ኣንብሩ፣ ብስሙ ዜተሓንጸት ብዯሙ ዜተቀዯሰት፣ ብዕንጸይቲ መስቀሉ ዜተዒትበት፣ ኃይሊ እግዙኣብሔር ኣብኣ እዩ ዘሎ እሞ ናብኣ ተጏዒዘ‛ ዜብል ጸሎት ናይ ሕንጸተ ቤታ፡ በዙ ሎሚ ዕለት በዙ ንቤተክርስትያንን ንኖና ኪዲነ ምሕረትን ዘስምዕ መዜሙር፡ ሕይወትና ከነሓድስ ይዕድመና‛ ብምባል ስብከቶም ዚዙሞም። ቀጺሎም ድማ ብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት፡ ንኹሎም ኣብቲ ናይ ምሕዲስ መስርሕ ዜተሳተፉ ኣመስጊኖም።
ድሕሪ’ዙ ክቡር ቆሞስ ኣባ ከሰተ ገብረዮሓንስ፡ ንኹሎም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዜርከቡ፡ ንመስርሕ ምሕዲስ ዘበርከቱ ኣመስጊኖም። ክምኡ እውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ንዜተሳተፉ ዕደማት ኣጋይሽ ቤተክርስትያንን መንግስትን ኣመስጊኖም። ቀጺሎም ብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት ‚ሰአሊ ለነ ማርያም፡ ምሕረተ ወልድኪ የሐውጸነ እምአርያም‛ ዜብል ጽሑፍ ዘለዎ ዒቢይ ስእሊ ናይ ኪዲነ ምሕረት (ኣብ ፍሉይ ማይ ዘየበላሽዎ ወረቐት ዜተኃትመ)፡ ንብጹዒን ጳጳሳትን፡ ንክቡር ኣባ ኣንተን ከም መዘከርታ ኣወፊዮምሎም። ኣብ ጊዛ ምሳሕ፡ መዘከርታ ናይ ኢዮቤል ምቁር ኅብስቲ ብጹዒን ጳጳሳት ብሓባር ቆሪሶም።

ኩሉ ክብሪ ንቅ.ሥላሴ ይኹን!