ዓመታዊ ክብረ በዓል መድኃኔ ዓለም ገጀረት


ዓመታዊ ክብረ በዓል መድኃኔ ዓለም ገጀረት

ዓመታዊ ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ገጀረት ኣሥመራ፣ ብዕለት 27 ግንቦት 2008 ዓ.ም.ግ(4 ሰነ 2016) ብድሙቕ መንፈሳውነትን ምዕሩግ ኣገባብን ከቢሩ ዊዒሉ፣፣ ዓመታዊ ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ገጀረት ኣሥመራ ብክቡር ኣባ ኣማኑኤል ምስጉን ሓለቓ ማሕበር ንኡሳንን ኣኃው ንኡሳን ካፑቺኒ ዝምርሑ ምስ ትሽዓተ ለባስያን ካህናት፣ ያሬዳውያን ሊቃውንቲ፣ ሰብ ውፉይ ሕይወትን፣ ካብ ቁምስናታት ኣሥመራ ዝመጹ ብዙሓት ነጋድያን ምእመናንን ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ተባዒሉ፣፣ ኣቐድም ኣቢሉ፣ ሕዝቢ ብምዉቕ መንፈሳውነት ዝተሳተፎ፣ ናብቲ ዕለቱ ዘቐራርብን መንፈሳዊ ስንቂ ዘስንቕን ዝተወሃሃደ፣ ብካህናት፣ ደናግል፣ ምእመናን ናይ ታስዕቲ መደብ ኣስተምህሮታትን ምህለላን ጸሎትን ተገብረ፣፣ ብድሮ ያሬዳውያን ሊቃውንቲ፣ ካህናት፣ ተመሃሮ ዘርኣክህነትን ዘርኣ ምንኩስናን ካብ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ውዕዉዕ ዋዜማ ኣምስዩ፣፣ ንጽባሒቱ ያሬዳውያን መዘምራን ማኅሌት ዘለሊት ካብ ሰዓት 3፣00 ለይቲ ጀሚሩ ክሳዕ ሰዓት 6፣00 ንመድኃኔ ዓለም ብጣዕመ ዜማዊ ቅኔታት ክውድስዎን ከመስግንዎን ሓዲሮም፣፣ ድሕሪ እዚ ብሓለቃ ማሕበር ምስ ትሽዓተ ለባስያን ካህናት ዝምራሕ መስዋዕተ ቅዳሴ ብኁባሬ ዓሪጉ፣፣ ድሕሪ ቅዳሴ፣ ብጸሎት መቍጸርያ፣ እግዚኦታ፣ መዛሙር፣ ዝተሰነየ ህዱእን ምዕሩግን ዑደት ተዓወደ፣፣ ዑደት ብጽቡቕ ተፈጺሙ ሕዝቢ ናብ ቤተክርስትያን ምስ ተመልሰ፣መዝሙር ያሬዳውያንን መንእሰያትን በብተራ ቀሪቡ፣፣ ኣኸቲሎም ክቡር ኣባ ሃብተማርያም ኣብርሃ ዘማኅበረ ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ናይ ሎሚ ዘመን ክብረ በዓል መድኃኔ ዓለም ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ ፍሉይ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ይዝከር ብምህላዉ ኢዩ። መድኃኔ ዓለም ኣብዚ ዓመት’ዚ ፍሉይ ናይ ምሕረቱ ጸጋ ከነስተማቕር ምስ ብጻይና ከኣ ምሕረት ክንገብር ይጽዉዓና’ሎ። ሎሚ ኣብ መንገዲ ምሕረት ዘይመላለስ ኣማኒ እንተሎና እምነቱ ጐደሎ ኢዩ። ክምሕር ዘየደሊ ኣማኒ ከኣ ልቡ ዕጹው ኢዩ ኢሎም። ቀጺሎም ሎሚ ነፍሲወከፍና ክንሓቶ ዘሎና ሕቶ መድኃኔ ዓለም መን’ዩ? ንኣይ ንብሕተይ እንታይ ትርጉም ይህበኒ ዚብል ኢዩ። ኣብ ክብረ በዓል መድኃኔ ዓለም፣ መድኃኔ ዓለም ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ፣ ሥጋና ለቢሱ፣ ኣብ ማእከልና ዝሓደረ ብዘይ ኃጢኣት ብኩሉ ንኣና መሲሉ፣ ብሕማማቱን ስቅለቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝጨበጥናሉ፣ ብመለኮታዊ ምሕረቱ ትንሣኤ ሕይወት ዝረኸብናሉ ዕለት ኢና ንዝክር። ከመይ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ “ብደም እቲ ኣበርን ርክሰትን ዘይብሉ ገንሸል፣ ማለት ብክቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝደኃንኩም እምበር ብጠፋኢ ነገር ብብሩር ወይ ብወርቂ ከም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም” ዝብለና ብሞቱ ስለ ዝተጠመቕና፣ መድኃኔ ዓለም ካብ ኃጢኣት ሓራ ኣውጺኡና ኢዩ፣ ንኃጢኣት ሰብ ዕዳኡ ኣይኮናን ኢሎም። ኣተሓሒዞም ከኣ ኃጢኣት እንታይ ኢዩ ንዚብል ሓሳብ እንኪገልጹ፣ ኃጢኣት ተጻይ ኣእምሮን ሕልናን ዝፍጸም በደል፣ ምፍራስ ሕጊ፣ ካብ ገጽ ኣምላኽ ምርሓቕ፣ ክንዲ ንኣምላኽ ንምድራዊ ነገራት ምፍቓር ምኻኑ፣ ብሰፊሑ ብቅዱሳን ጽሑፋት መዝገብ ሃይማኖትን ኣሰንዮም ድሕሪ ተንቲኖም፤ ኣብ መወዳእታ ነቶም ናብ ሰማይ ዘእወዩ ዝበሃሉ ሓሙሽተ ዓበይቲ ኃጢኣት ማለት፣ ብቅንኢ ንሓውኻ ምቅታል፣ ግብረሰዶማዊ ጽዩፍ ተግባራት፣ ብሃይማኖት ኣብ ማሕዩር ምንባር፣ ናይ መበለትን ድኻን ብኽያት ዘይምስማዕ፣ ንሰራሕተይናኻ ደሞዙ ምኽላእ ዚብሉ ኣርእስተ ኃጢኣት ኣብ ገዛውትና ኣብ ሕይወትና ከይህልዉ ምምርማር ከነስተንትን ይግባእ፣፣ ተጻይ ሓቕን ፍትሕን ንዝኾነ ኃጢኣት ብክቡር ደም ክርስቶስ ነጺሕና ናብ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ክንምለስ፣ ጸጋኡ ክንለብስ፣ እምነትና ክነደልድል ኣተሓሳሲቦም ሰላምን ራህዋን ተመንዮም ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ዛዚሞም።ቢሎም ስብከቶም ዛዚሞም፣፣ብእግዚኦታን ቡራኬን ቃለ ምስጋና ቆሞስ ኣባ ተስፋት ተስፋማርያም መደብ በዓል ተፈጸመ።

ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ!

ግርማይ ኣስፍሃ