ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ


“እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ን ኣዳም ጸዊዒ “ኣበይ ኣሎኻ?” በሎ (ኦሪት ዘፍ. 3፡9)።

adam_and_eve_in_the_garden_edenብሕጽር ዝበለ መንገዲ ኣዳምን ሓልዮት ምድሓን እግዚኣብሔርን ንምርዳእ ነዛ ኣራእስቲ ኣብ ክልተ ክፍሊ (ብምምቃል) ብምኽፋል ክንሰርሓ ኢና። 1ይ ክፍሊ ኩነታት ኣዳም ቅድሚ ሓጢኣትን ድኅሪ ሓጢኣትን እትምልከት ኽትከውን እንከላ እታ 2ይቲ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን መደብ ድሕነቱን እትምልከት ክትከውን ኢያ።
ቀዳማይ ክፍሊ፡ ኵነታት ኣዳም

1.1. ቅድሚ ሓጢኣት

ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰብን ኣፈጣጥራ ካልኦት ፍጡራትን ክዛረብ እንከሎ ኣፈጣጥራ ሰብ ካብ ናይ ካልኦት ዝተፈልየ ምኳኑ ይገልጽ። እግዚኣብሔር ንኹሉ ፍጡር “ይኹን” ብማለት ሓንቲ ቃል እናተጠቀመ ድኅሪ ፈጢርዎም ንኩሉ ተመልከተ’ሞ ጽቡቕ ምኳኑ ረኣየ። ኣብዚ ዘብህግን ጥጡሕን ደስ ዘብል ኩሉ ዘማልኤ ቦታ ዘቐምጦም ሕሩያት ፍጥረት ብመልክዑን ብኣምሳሉን ሰብ ፈጠረ ተባዕታን ኣንስታይን ገቢሩ ከኣ ፈጠሮም። (ኦሪት አፍ. 1፡27) ብካልእ ወገን ከኣ ብ ክሳብ ክንደይ ዓዲ ምኳኑ ከረድእ፡ እግዚኣብሔር ብቃል ጥራይ ዘይኮነስ ብኢዱ ብኽብሪ ክርም ዝፈጠሮ ይዛረብ “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጭኡ ድማ ትንፋስ ሕይወት ኡፍ በለሉ’ሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍስ ኵነ። (ኦ.ዘፍ 2፡7) ይብል።

ሰብ ብመልክዕን ብኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ሕይወት ዘለዓለም ዝህብን ውሽጣዊ ሕይወት እግዚኣብሔር ዘሳትፍን እስትንፋስ ኣምላኽ ዝተቐበለ ኢዩ። በዚ ከኣ ሕይወቱ ብናይ ሥጋን ዓለምን ነገር ዓጊባ ክትነብር ዘይከኣል ኢዩ። እቲ ዝተቐበሎ ሀብቲ ጸጋ ናብቲ እግዚኣብሔር ዝመደበሉ መጻኢ ሕይወት ኣቢሉ ሃገር ከም ዝብልን ናብኡ ገጹ ከም ዘተኩርን ዝጓዓዝን ይገብሮ። ንመጻኢ ዕላማ ክዓትር ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ከኣ እግዚእብሔር ይርከብ። ብኻልእ ኣዘራርባ ነቲ እግዚኣብሔር ዝመደበሉ መደብ ዝገብር ሰብ እዚኣብሔር ይርከብ፡ እግዚኣብሔር ዝረኸባ ከኣ መጻኢ ሕይወቱ ረኺቡ ወይ ዕላማኡ ረጊጹ ማለት ኢዩ።

እቲ ካብ ኩሎም ፍጡራት ንመጻኢ ጠሚቱ ሕይወት ዘማዕዱ ሰብ ጥራይ ኢዩ፡ እግዚኣብሔር በቲ ዓቢይ ፍቕሩ ንዓለምን ኣቦኣ ንዘለዉ ኩሎም ፍጡራትን እዩ እንተ ፈጠረ እቲ ቀንዲ ናይ ምፍጣሩ ዓላም ግን ሰብ ንምፍጥር ኢዩ ዝነበረ። በዚ ከኣ ንሰብ ኣብ ርእሺ ኩሎም ሥልጣን ዝሀቦ። (ኦ ዘፍጥረት 1፡26) ወድ ሰብ እግዚኣብሔር ዝሀቦ ሓላፍነት ብምውሳድን ትእዛዛቱ እናሓለወ ምስ ኣምላኩን ምስ ኩሎም ፍጡራትን ብሰላም ይነብር አበሩ። ሕይወቶም ምልኣት ረኺቡ ብምልኣት ሰላምን፣ ቅሳነትን፣ ስምምዕን ይሰፍኖ ኮይንት አረኽበ፡ እዚ ከኣ ካብቲ ምስ ኣምላኾም ዝነበሮም ርክብ ዝመንጨወ ኢዩ ነይሩ።

እግዚኣብሔር ንወድ ሰብ፣ ከምቲ ንሱንኹሉ ምስ ፈጠረ ነቶም ዝፈጠሮም ርእዩ ደስ ዝበሎ፡ ወድ ሰብ ብወገኑ ገቢረ እንድየ እዚ ናተ ኢዩ፡ ጽዒረ ረኺበየ ብዝብል ሓበን ሓጐሱ መታን ከዕቢ፡ ንመጻኢ ሕይወቱ ብነጻ ክመርጻ ዕድል ሃቦ። ናጽነትካ ተጠቒምካ ትእዛዛተይ ብላው ኢኻ፡ ኣብቲ ዝመደብኩልካ እትበጽሕ ብማለት ካብቲ ኣታኽልቲ ዝርከብ ፍረ ኩሉ ክበልዕ፡ ካብታ ኣብ ማእከል ዘላ ፍረ ኦም ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ግን ንኸይበልዕ ይኽልክሎ ብኻልእ መልክዕ ትእዛዝ የመሓላልፈሉ። (ኦ ዘፍጥረት 2፡16-17)

እንተኾነ ከምቲ ንሓደ ቆልዓ ከምዚ ኣይትግበር ወይ እዚ ኣይትሓዝ እንተ በልካዮ፡ ምኽንያት መኸልከሊኡ ንክፈልጥ ነታ ትእዛዝ ከፍርሳ ዝህንጠ፡ ናይ ኣዳም’ውን ተመሳሳሊ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብ ኅልና ሔዋን እዛ ዝተኸልከለት ፍረ ምብላዕስ ክንደይ ኮን ጥዑም ይኸውን ዝብል ሓሳባት ላዕልን ታሕትን ክብል ጀመረ። ንምርኣያ እተብህግን ንምብላዓ ምቅርትን ምኳና ድሮ ኣብ ሓሳባ ተቐቢላቶ ኣላ። እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ ዘወናውና ዕድል ተጽበየት። እነሆ ከኣ ከይደንጐየ ካብ’ዚ ፍረ ኦም እንተ በሊዕኩም ኣዕይንትኹም ክኽፈታ እየን ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ፈሊኹም ክትፈጡ ኢኹም፣ ልክዕ ከም እግዚኣብሔር ከኣ ክትኮኑ ኢኹም ዝብል ተወሳኺ ሕሹኽታ ተቐላቐላ። ሔዋን ነታ ኦም ተመሊሳ ጠመተታ’ሞ መሊሳ ኣወናወነታ፡ ቀንጢባ’ውን በልዔታ፡ ንኣዳም’ውን ሀበቶ ንሱ’ውን ብወገኑ ነቲ ሓሳባት ተቐበሎ’ሞ ክልቲኦም በልዑ። ብኡብኡ ከኣ ኣዒንቶም ተከፍታ። (ኦ ዘፍ 3፡4-7ርኤ) ምክፋትስ ብሓቂ ኣዕይንቶም ተከፍታ ግንከ እንታይ ርኣያ፧ ነዚ ዝስዕብ ንመልከት።

1.2. ኣዳም ድኅሪ ሓጢኣት

ሰብ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ብምጥሓስ ካብታ ዝተኸልከለት ፍረ ምስ በልዔ ብሓቂ ኣዒንቱ ተኸፊተን ኢየን። እንተኾነ እተን ቋሕ ዝበላ ኣዒንቲ እቲ ዝተጸበያኦ ፍልጠትን ማዕርነትን ክርእያ ኣይከኣላን። ብኣንጻሩ እቶም ክልተ ሰብ ዝበሀሉ ዕራቆም ከም ዝተረፉ ፈለጡ። ዝነበሮም ምልእተ ባህርያዊ ግርማን ጸጋን ከም ዝተቀንጠጡ ተፈለጦም። ብሓቂ ብዘይ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ፍጡራት፣ ድኹማት ሓጢኣተኛታት ኮይኖም ከም ዝተረፉ ተጋህደሎም። ፍረ ኦም ምብላዕ ብኻልእ ኣዘራርባ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምፍራስ፡ ካብኡ ምርሓቕ ስለ ዝኾነ ፍረ ኦም በሊዕካ ክንዲ ኣምላኽ ንምኳን ምምናይ ከም ፍጡር ንፈጣሪኻ እናምለካ ምንባር ዚበለጸ ምኾነ። ምኸነ ካብ ምባል፣ እዩ ምበልኩ፡ እንተኾነ ፍጡር ንፈጣሪ ክመስል ምድላይ ቀጻሊ እዩ።

እግዚኣብሔር እቲ ኩሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ ብድኻምነት ሰብ ንዝተፈጸመ ሓጢኦት ነቲ ዘልዓለማዊ ፍቕሩን መደቡን ኣይቀየሮን። ከም ቀደሙ ምስ ሰብ ክራከብ ይመጽእ። ይመጽእ ምህላዉ ንኣዳምን ንሔዋንን ኣብ ዚተጋህደሎም ኣብ ቅድሚኡ ጠጠው ክብሉ ከምዘይክእሉ ኅልናኦም ትነግሮም’ሞ ኣብ ገረብ ኪሕብኡ ይግደዱ፡ እንተኾነ እቶም ብፍቕሪ ዝተፈጥሩ ከምዚ ኢሎም ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ተሓቢኦም ክነብሩ ዘይከኣል ኢዩ። እግዚኣብሔር ንኩሉ ናብ ብርሃን ከውጽኦ ስለ ዝደለየ “ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ” እናበለ ይድሀዮም። ንምንታይ ከም ዝተሓብኡ ከኣ ይሓቶም። ኣዳምን ሔዋንን እግዝኣብሔር መን ምኳኑ ዝተረድኦም ኣይመስሉን ንዝተሓተቶም ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ፡ ትእዛዛትካ ኣፍሪሰ ኣብ ክንድ ምባል በደል ሓደ ናብ ካልእ እና ኣጸጋግዑ ንእግዚኣብሔር ክጥብርዎ ይህቅኑ። እግዚኣብሔር ንኩሉ ድሕሪ ሰሚዑ ዝግብኦም መቕጻዕቲ ይውስነሎም። ምኽንያቱ ሔዋን ንኣዳም “እንካ ብላዕ” ቅድሚ ምባላ እግዚኣብሔር “ኣይትብላዕ” ኢልዎ ነይሩ ኢዩ ኣዳም ግን ካብ ንፈጣሪኡ ንሓንቲ ፍጥርቲ ክሰምዕ መረጸ፡ ዓላማኡ ከኣ ሰሓተ። ከምኡ’ውን ታሪኽ ሔዋን ምስ ተመን።

ዕብየቶምን ፍልጠቶምን ኣብቲ ምልኣት ሕይወት ዝህብ እግዚኣብሔር ክረኽቡ ኣብ ክንዲ ዝጽዕሩ ኣብ ገዛእ ርእሶም ክረኽብዋ ተመነዩ ኣናደይዋን። ዕብየቶም ግን ልክዕ ክንድታ ድኻ መንነቶም ኮይና ተረፈት። እንተኾነ ሰብ እዚ ብሰንኪ ሓጢኣት ዝመጸ ድኻምነት ነቲ ዝነበሮ ናይ መጽኢ ሃረርታኡን ዕላማኡ ናይ ምትኳር ዘለዎ ድልየት ኣየድከሞን። ግን እቲ ብሰንኪ ምፍራስ ሕጊ ዝተረኽበ ድኻም ነቲ ድልየትን ሃረርታን ጉዕዞ ብሰላም ከይፍጽሞ ከዳኽሞን ክዕንቅፎን ይርከብ። ነዚ ኣብ ሕይወቱ ዝተመኩረ ቅ.ጳውሎስ ክዛረብ እንከሎ፡ “ሠናይ ክገብር ኣብ ዝደለኩሉ ክፉእ እገብር። እዚ ሕጊ እዚ ድማ ባህርያዊ ኢዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ’ውን ዚማርኸኒ ካልእ ሕጊ እርኢ ኣሎኹ። ይዋእ ኣነ ሽጉር (ሞግዱር) ሰብ፡ ካብዚ ናብ ሞት ዝወስድ ሥጋስ መን ኮን ከድሕነኒ ኢዩ፧ (ሮሜ 7፡21-24) ይብል። ሰብ እምበኣር ካብቲ ኣብ ኣካላቱ ዝምከሮ ቀጻሊ ተጋራጫዊ ኩነት ንክወጽእ ሓደ መለኮታዊ ሓይሊ የድልዮ ኢዩ። ነዚ ዝተረድአን ዝፈለጠን ኣምላኽ ኣብቲ በኵሪ ውድቀት ሰብ፡ ኣዳምን ሔዋንን ብተስፋ ቁርጸት ከይነብሩ ናይ ድሕነት ተስፋ ይህቦም። (ኦ ዘፍ. 3፡15) ነዚ መደብ ድሕነቱ ከኣ ቀስ ኢሉ ንደቂ ኣዳም ክገልጸሎም ይርከብ።

ካልኣይ ክፋል፡እግዚኣብሔርን ግልጸቱን
2. 1 እግዚኣብሔር ንሰብ መን ምኳኑ ይገልጽ

ሰብ ድኅሪ ውድቀት ዋላኳ ብቕኑዕ ኅልና ተበጊሱ ነቲ ዝፈጠሮ ከምቲ ግቡኡ ኪፈልጦን ከኽብሮን እንተደለየ ክኾነሉ ኣይከኣለን። ንፈጣሪ ክደልዮ ክብል ካብኡ ዝበርቱዑን ዝጸበቑን ኢሉ ዝገመቶም ፍጡራት ኪሰግድን ከምልኽን ተረኽበ። ብኻልእ ወገን’ውን ሰብ ብእግዚኣብሔር ዝውሃቦ ናይ ምምርማር ክእለትን ተጠቂሙ ብምፍልሳፍ እንታይነት ኣምላኽ ክርኢ ጽዒሩ ኢዩ። እንተኾነ ነቲ እንኮን ፍሉይን ኣምላኽ ብጻዕሮም ክረኽብዎን ክርድእዎን ኣይከኣሉን። እግዚኣብሔር ብኣእምሮ ወዲ ሰብ ክብጻሕ ዘይክእል ኢዩ። ስለ ዝኮነ ከኣ ባዕሉ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ንሰብ ክገልጽ ደስ በሎ። ክግለጽ ከሎ ግን ንኩሉ ሕዝቢ ኣብ ውሱን ጊዜ ክገብሮ መደቡ ስለ ዘይኮነ፡ ንፍሉይ ሕዝቢ መሣርሒ ድሕነቱ ክኾኖ መሪጹ ጸውዖ።

እግዚኣብሔር ኣብርሃም ዝተባህለ ኣብ ናይ ከለዳውያን ዝነበረ ጸውዑ፡ “ካብ ዓድኻን ኣዝማድካን ዓደቦኻን ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድር ኪድ (ኦ.ዘፍ. 12፡2-3) በሎ። ኣብርሃም ተኣዘዘ። ዝፈልጦ ባህሉን ስርዓቱን፣ ተረጋጊጹ ዝረግጸሉን ዝገብረሉን ዝነበረ ዓዲ ሓዲጉ ናብቲ ቃል እዚኣብሔር ዝለኣኸ የምርሕ። ኣምላኽ ክግለጽ እንከሎ እቲ ዝነበረካ ኣተሓሳስባ ንኽትልውጥን ብሓድሽ ኣነኣብራ ክትነብርን ኢዩ ዝገብረካ። እዚ ካልእ ዘይኮነ ተገልጸ እቲ ዋና ዕላማኻ ስለ ዘረድኣካ ኢዩ። ኣብርሃም ጻዋዒት ኣግዚኣብሔር ስለ ዝተረድኦ ንጸዋዕታኡ ክምልስ ዓዲ ሓደረ። እዚ ከም ዓስቢ ተቆጽረሉ’ሞ እግዚኣብሔር ውሉድን ምድረ ተስፋን ንህቦ ቃል ኣተወሉ። (ኦ.ዘፍጥ. 17፡5-8) መደብ ድኅነቱ ክቕጽል ስለ ዝነበሮ ካብ ኣብርሃም ሓሊፉ ምስ ደቁ’ውን ኪዳን ኣተወ። (ኦ.ዘፍጥ 26፡23-24፣ 28፡13-15)
እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ክግለጸሉ ከሎ መን ምኳኑ ኣንነቱ ኣይገለጸን። ንመጀመሪያ ጊዜ መን ምኳኑ ዝገለጸሉ ንሙሴ ኢዩ። ሕዝቢ እስራኤል ንግብጺ ምስ ወረደ፡ብግብጻውያን ተዋረደን ተገፍዔን፡ ስቓይ ስለ ዝመረሮ ኸኣ ናብ ኣምላኽ ኣቦታቱ ኣእወየን ጸሎቱ ከኣ ዝሰምዓ ኣእዛን ርኸባ። ሙሴ ኣባጊዕ የትሮ ሓውኡ ኣብ መዲያን ዝተባህለ ዓዲ ክጓሲ እንከሎ እግዚኣብሔር ተራእዮ’ሞ ከምዚ በሎ ጸበባ ሕዝበይ ሰሚዐ ከድኅኖ ወሪደ ኣለኹ’ሞ እንሆ ናብ ደቂ ኢስራኤል ክሰደካ እየ ተለኣኸኒ በሎ። (ኦ.ዘጽኣት 3፡4-10 ርኤ) ሙሴ ድማ፡ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኡኡኒ ምስ በልክዎም ስሙ መን ኢዩ እንተበሉንስ እንታይ ክብሎም ኢየ፧ በሎ። ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ “ኣነ እየ እቲ ዘለኹ” (ኤህየህ ኣሽር ኣሀህ) ኢየ’ሞ ንደቂ ኢስራኤል እቲ “እየ” ወይ”ዘለኹ። ናባኻትኩም ልኢኹኒ በሎም በሎ። (ኦ ዘጽኣት 3፡13-14) መብዛሕትኦም ሊቃውንቲ ነዝስም ክትርጉሙ ከለዉ (ኣህየህ) ካብ ክውንነት (ontological) ናይ ምንባርን (existential) ናይ ህልውናን (presence) ዝገልጽ ኢዩ ይብሉ። ህልውንኡ ከኣ “ምስ” “ን” የስምዕ። እግዚኣብሔር እቲ “ዘሎ” ኮይኑ ምስ ሕዝቢ እስራኤል ዝነብርን ንጠቕሚ ሕዝቢ ዝሰርሕን ኢዩ ዘስምዕ። እግዚኣብሒሔ ገዛእ ርእሱ ክገልጽ ከሎ ኣነ እዘይን ከምዝን ኢየ ኢሉ ዝርዝር መንነቱ ዝገልጽ ኣዮነን። ንሕዝቢ ኢስራኤል በቲ ምስኦምን ንዓኦምን ዝገበሮ ከፍልጦም ኢዩ ዝደሊ። ኣምላኽ ኢስራኤል ከም ናይቶም ፍላስፋታት ተመራሚርካ ዝፍለጥ ኣይኮነን፣ ንሱ ብተመክሮ ዝፍለጥ ኣምላኽ ኢዩ።

ሕዝቢ ኢስራኤል ካብ ግብጺ ዝወጹላ ዕለት፡ መሰረት ግልጸት እግዚኣብሔር ኮይና በቲ ዝገበሮ ተኣምር ነገራት ንሱ ቅዱስ፣ ከኣሊ ኩሉ ካብ ኩሎም ኣማልኽቲ ልዕል ዝበለ ምኳኑ ዝተገልጽሉ ኩነታት ኢዩ። ንሕዝቢ እስራኤል ከም ሓደ ወላዲ ተኸላኻለሎምን አኸናኮኖምን። “ውርሻ እግዚኣብሔር ህዝቡ፡ ያዕቆብ ከኣ ክፍሊ ርስቱ ኢዩ። ካብ ብሑት ጽምዋ በረኻ፡ ኣራዊት ኣብ ዘድህየሉ፡ ኣብ ምድረ በዳ ረኸቦ፡ ከበቦን ተኸናኸኖን ከም መርዓት ዓይኑ ሓለዎ። ንስረ ጨጫውቱ ከም ዘንፍር ኣብ ልዕሊኦም’ውን ከም ዝዝንቢ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፡ ኣብ ክንፉ ከኣ ጸሮ እግዚኣብሔር በይኑ መርሖ፡ ምስኡ ጓና ኣምላኽ ኣይነበረን (ዘዳግም 32፡10-12)
ብሓቂ እግዚኣብሔር ምስ ሕዝቢ ኢስራኤል ተጓዓዙን ንኩሉ ዝወረዶም ጥንቅን መከራን ብቃሎምን ክፈትሓሎምን ተረኺቡ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ መንጐኦም ከም ዘሎ ፈሊጦም ኣመኑ። “ማኅደረይ ድማ ኣብ ማእከልኩም ክገብር ኢየ፡ ኣይክነጽገኩምን ድማ ኢየ። ኣብ ማእከልኩም ድማ እኸይድ ኣምላኽኩም ከኣ ክኸውን ኢየ። ንስኻትኩም ከኣ ሕዝበይ ክትኮኑ ኢኹም ካብ ባርነት ኣርዑት ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ኢየ። (ኦ.ዘለዋውያን 26፡11-13) እናበለ እቲ ነቦታትቶም ዝገበሮ ተኣምርን ትእምርትን ሎሚ’ውን ኣብ ማእከሎም ብምስፋር ክሕግዞምን ክረድኦምን ከም ዝኾነ ይዛረቦም። እዚ ንሕዝቢ ኢስራኤል ናብ ኣምላኹ ኣጸቢቁ ከኣምንን ክኽተሎን ኣተባብዖን።

እግዚኣሔር ንሕዝቡ ፍቅሩን ርኅራሔኡን ክገልጸሎም እንከሎ ካብ ናይ ኣደ ፍቕሪ’ውን ከም ዝዓዝዝ ይዛረቦም። “ጽዮን እግዚኣብሔር ሓዲጉኒ ጐይታ ረሲዑኒ በለት። ኣደዶ ንዕሸላ ትርስዕ ኢያ፡ ሰበይቲዶ ንፍረ ከርሳ ትጭክነሉን፡ ነቲ ዕሸላ ክሳብ ትርስዕ ትኸውን ኢያ ወላኳ ንሳተን እንተረስዓ ኣነ ግን ኣይርስዓክን ኢየ። (ኢሳ 49፡14-15) “ንሓጺር ጊዜ ሓደግኩኺ ብዓቢይ ምሕረት ግና ክእክበኪ ኢየ። ኣብ ግዜ ቁጥዓ ንቕጽበት ገጸይ ከወልኩልኪ ብዘልዓለማዊ ድሕነት ግን ክርሕርሓልኪ ኢየ ይብል እቲ ዘድሓነኪ ኣምላኽ። (ኢሳ 54፡7-9)
ሕዝቢ ኢስራኤል እምበኣር እግዚኣብሔር ምን ምኳኑ በቲ ዝገብረሎም ፈሊጦምዎ ኢዮም። ንሱ እቲ ሓደ ፈጣሪ ንኩሉ ዝፈጠረን ኩሉ ዝኽእል፡ ናይ ኩሉ ፍጥረት ጐይታ፣ ንኩሉ ዝሓሊ፡ ብኅልፊ ንድኻን ንጭኑቕን ዝረድእ፣ ንክፉኣትን ክጥዓሱ ዘይደልዩን ዝድግፍ፣ ቅንዕናን ርትዕን ዝፈቱ፡ ምሕረቱን ኪዳኑን ንዘልዓለም ዘጽንዕ ሰለስተ ጊዜ ቅዱስ ምኳኑ ካብ ኣብ ሕይወቶም ተመኩሮምዎ ኢዮም። ፈጣሪ ኩሉ ስለ ዝኮነ ከኣ ሕዝቢ እስራኤል ናይ ካልኦት ሕዝብታት እምላኽ ምኳኑ’ውን ቀስ ኢሎም ኣሚኖም ኢዮም።

2.2 እግዚኣብሔር መደብ ድኅነቱ ይገልጽ

ኣዳም ትእዛዝ ኣምላኽ ድኅሪ ኣፍሪሱ ገጽ ኣምላኽ ቀኒዑ ክጥምት ኅልናኡ ኣብዩዎ ምስ ገዛእ ርእሱ ተመሓሳሲቡ ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ክሕባእ እንከሎ፡ እግዚኣብሔር ግን “ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ” እናበላ ይከታተሎ። ነቲ ዝበደሎ’ውን ድኅሪ ኰኒንዎ ኣብ ተስፋ ቁርጸት ንኸይገብር ብኡብኡ ድኅነት ኣተስፊዎ። ንኣዳምን ንሔዋንን ንዝበደልዎ ገበን ክኽሕሱ መቅጻዕቲ ይህቦም’ሞ ኣብ ተመን ምስ በጽሔ “ኣብ መንጐኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፣ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ጽልኢ ክተክል ኢየ። ንሱ ርእጽኻ ክጭፍልቕ ኢዩ ንስኻ ድማ ሸኾናኡ ክትነክስ ኢኻ። (ኦ.ዘፍጥረት 3፡15) እናበለ ካብ ዓሌት ሰብ ዝወጽእ ኣብ ርእሲ ሓጢኣትን ክፍኣትን ስዕረት ከም ዝጓናጸፍ ይዛረብ።

ታሪኽ ድሕነት ታተ (ሰለይ) እናበለ ግልጸቱ ክጓዓዝ ድኅሪ ጸኒሑ ግልጺ ብዝኾነ መንገዲ፡ ሓደ ዘልዓለማዊ መንግስት ዝጭመጥ መድሓን ካብ ዓሌት ዳዊት ከተንስእ ምኳኑ፡ እግዚኣብሔር ብናታን ነቢይ ገቢሩ ንዳዊት ይገልጸሉ። “ብድኅሬኻ ድማ ነቲ ካብ ከርስኻ ዚወጽእ ዘርእኻ ልዕል ከብሎ ኢየ….ዝፋን መንግስት ከኣ ንዘልዓለም ከጽንዐሉ ኢዩ። ኣነ ኣቦ ክኾኖ ንሱ ድማ ወዲ ክኾነኒ እዩ።…. ቤትካን መንግስትኻን ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ንዘልዓለም ኪጸንዕ ኢየን፡ ዝፋንካ’ውን ንዘልዓለም ኪጸንዕ ኢዩ። (2ሳሙኤል 7፡12-14.16) እናበለ ተስፋ ዝመልኦ ቃል የስምዖ።

እዚ ኪዳን ካብቲ ብነጻ ምድሓን ዝህብ ኣምላኽ ዝተበገሰ ምኳኑ ኢስራኤላውያን ይኣምንሉ ኢዮም። እግዚኣብሔር ብጸጋን ብእምነትን ሀብታም (ኦ ዘጽኣት 34፡6) ሥራሑ ፍጹም መንገድታቱ ከኣ ርትዒ ኢዩ። (ኦሪት ዘዳ 32፡4) ስለ ዝኾነ ከኣ በቲ ክሕደትን ኣጸያፊ ሥራሕ ኢስራኤላውያን ከይተዓናቐፈ ነቲ ካብ ዘልዓለም ዝመደቦ መደብ ድኅነት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ከም ዝኾነ ኣብ ብዙሕ ጥቕስታት ይርከብ።

እቲ ክመጽእ ዘለዎ ከም ዝመጽእ፡ እግዚኣብሔር ነብያቱ ብምልኣኽ ንሕዝቢ ኢስራኤል ተዛሪቡ ኢዩ። ከምኡ እቲ ክመጽእ ዘለዎ ካብ ጸሎቶም ካብ ሓንቲ ድንግል ከም ዝውለድ ተነቢይሎም። “እነሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ ኢያ ስሙ ድማ ኣማኑኤል ክትሰምዮ ኢያ። (ኢሳ 7፡14) እዚ ዚውለድ መሲሕ ሓዲሽ ዳዊት (ሕዝቅ 34፡23-24)፣ ትሑት ንጉሥ ድላይ ኣምላኽ ዝፍጽም ንስቓይ ሰብ ዝሽከምን (ዘካሪያስ 9፡9-10፣ ኢሳ 53፡1-12) ኢዩ። መንግሥቱ ርትዕን ፍትሕን ዝሰፈኖ ኮይኑ መወዳእታ ዘይብሉ ኢዩ። ንሱ ኣብ ደመናታት ዝውጣሕ መልክዕ ዘለዎ ኢዩ እናበለ ዳንኤል ነቢይ 7ይ ምዕራፍ ይዛረብ። ብሓቂ’ውን ነቲ ዝሓጥኤ ኣዳም ካብቲ ዝወደቖ ከተንስእን ነጻ ከውጽእን ዝኽእል እቲ ካብ ድንግል ክውለድ ዝደሊ ወድ ሰብ ኢዩ። ንሱ ካብ ሓጢኣት ነጻ ኮይኑ ነቲ ድኹም ሰብ መሲሉ ባህሩን፣ ቋንቋኡን፣ ባህሉን ብምውሳድን ንዓኡ ብምምሳል ኣብ መንጐኡ ብምግባርን’ዩ ናብቲ ናይ ቀደም ኵነታቱ ክመልሶ ዝኽእል።

ኢስራኤል ነዚ ጊዜ እዚ በሃረርታ ይጽበይዎን ይምነይዎን ነይሮም ኢዮም። ሰብ ንጉሥ ኮነ ነቢይ ምሉእ ውሽጣውን ደጋውን ድኅነት ከምጽኣሎም ከምዘይኽእል ተበኵሮም ኢዮም። ሓደ ብቕኑዕ መንገዲ ዝመርሖም ክሰደሎም ወይ ባዕሉ መጺኡ ከድኅኖም ይልምኑ። “ኣታ ጐይታ ንምንታይ ካብ መንገድታትካ ርሒቅና ክንዕንድር (ክንህውትት) ትሓድገና፧ (ኢሳ 63፡17) ኣቤት ንሰማያት ተርቲርካ እንተ ትወርድ፣” (ኢሳ. 63፡19) እናበሉ መለኮታዊ ድሕነት (drvine intervension) ይሓቱ።

እግዚኣብሔር ልመናኦም ከምዚሰምዖም የፍልጦም እንተኾነ ንሳቶም ብወገኖም መሲሕ ንምቕባል ናይ ልቢ ምቅርራብ ከምዘድልዮም ይገልጸሎም። ድኅነት ኣምላኽ’ውን ንኩሉ ሕዝቢ ዓለም ከም ዝኾነ ይገልጸሎም። ብሓቂ ቅንኣት ኣምላኽ ዘለዎም ኣይሁድ ኣብ ምምጻእ መሲሕ ከምዚ ብምለት ይጽልዩ “ጐይታ ኵሉ ዝኾንካ ኣምላኽ ይቕረ በለልና’ሞ ጠምተና፡ ፍርሓትካ ኣብ ኩሎም ኣሕዛብ ኣሕድርን ንኽርእዩኻን ንኽፈልጡኻን ቅልጽምካ ኣብ ልዕሊ ኣሕዛብ ኣልዕል፡ ከምቲ ንሕና ዝፈለጥናካ ንሳቶም’ውን ብዘይካኻ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየሎ ይፍለጡ። (ሲራክ 36፡1-2፡4) እዚ ማለት ሰብ ንእግዚኣብሔር ክፈልጥዎ ከለዉ እሞ ከኣ ኩላቶም እንተ ደኣ ኮይኖም ብሓቂ እቲ ሰብ ዝምነዮ ውሽጣውን ግዳማውን ሰላም ከም ዝረክቡ የረድእ። ብሓባር’ውን ገጽ እግዚኣብሔር ንምርኣይ ይግስግሱ። “ኣብተን መወዳእታ መዓልታት፡ ከረን እግዚኣብሔር ኣብ ርእሺ ኣኽራን ኪቐውም ኣብ ልዕሊ ኩርባታት ከኣ ልዕል ክብል ኢዩ፡ ኵሎም ኣሕዛብ ናብኡ ክውሕዙ ኢዮም። ሕጊ ካብ ጽዮን ቃል እግዚኣብሔር ከኣ ካብ ኢየሩሳሌም ክወጽእ ኢዩ ኣብ ብዙሓት ኣሕዛብ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሔር ናብ ቤት ኣምላኽ ያዕቆብ ንደይብ ንሱ ጐደናታቱ ኪምህረና ብመንገድታቱ’ውን ክንመላለስ ኢና ድማ ክብሉ ኢዮም። (እሳ 2፡2-3)
ሕዝቢ እስራኤል ንመደብ እግዚኣብሔር ቀስ እናበለ ኢዩ ተረዲኢዎ። ድሕሪ ክንደይ ምዳቕን ምትንሳእን እሞ ከኣ ካብኣቶም ውሑዳት ኢዮም ነቲ እግዚኣብሔር ክፍጽም ዝደሊ ነገራት ከም መሳርሕቲ ኮይኖም ዝተሓባበርዎ። በዚኣቶም ገቢሩ ከኣ ንኪዳኑ ክሕድሶ ይርከብ ንሳቶም ብወገኖም ንእግዚኣብሔር ንኩዳኑን ከም ጸግዖምን መዐቀቢኦምን ስለ ዝርእይዎ እቲ ኩሉ ሠናይ ዘበለ ነገራት ንምግባር ዕጡቓት ነበሩ። ንሳቶም ብእግዚኣብሔር ፍሉይ ጸጋታት ዝግበረሎም ዝገበሩ ሰባት’ውን ይመስሉ። “ኣብ ማእከልኪ ትሑትን ድኻን ሕዝቢ ክሓድግ ኢየ ንሳቶም’ውን ብስም እግዚኣብሔር ኪኣምኑ ኢዮም… ኪጓስዩን ኪድቅሱን ኢዮም ዘሰንብዶም ድማ የልቦን እሞ እቶም ተረፍ ኢስራኤል ኣይክብድሉን ኣይክሕስዉን ኢዮም። ኣብ ኣፎም ጠላሚት ልሳን ኣይክትርከቦምን ኢያ።” (ጸፎንያስ 3፡12-13) ነዞም ከምዚኣቶም ብእግዚኣብሔር ዝተሰሰዩን ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሔር ኅሉፍ ጸጋ ዝረኸቡ ሰባት ኢዮም ንምምጻእ መሲሕ ብሃረርታ ዝተጸበዩ። ንሳቶም ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ልቦም ጽሒፎምዎ ኢዮም። ኣብ እግዚኣብሔር ሓዳሽ ልቢ ተዋሂቦም ሓዲሽ መንፈስ ከኣ ሓዲርዎም ኢዩ ንሳቶም ከኣ ብመንገዲ እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዮም ዝመላለሱ። ሕዝቅ.36፡25-27 ርኤ)
መሲሕ እምበኣር ካብ ዓሌት ዳዊት ከም ዝመጽእ ኣብ ቤትልሔም ከም ዝውለድን ድኅሩ ተፈሊጡ። ንሱ መንፈስ ኣምላኽ ለቢሱ ስለ ዝመጽእ ዓለም ቅሳነትን ሰላምን ክትረክብ ከም እትኽእል፣ ቅንዕናን ርትዕን ከኣ ኣብ መንግሥቱ ከም ዝሰፍና ይዛረብ። “ካብ ጉንዲ እሰይ ሓደ ጠጥዒ ኪጭብጭብ ካብ ኣደ ጨንፈር’ውን ካብ ሥሩ ክፈሪ ኢዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሔር መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን፣ መንፈስ ምኽርን ሓይልን መንፈስ እግዚኣብሔርን ፍልጠት እግዚኣብሔር ፍርሃቱን ክዓርፍ ኢዩ።” (ኢባ 11፡1-3) ንሱ ካብ ላዕሊ ዝመጸ ኮይኑ “ግዝኣቱ ኣብ መንኮቡ ኢዩ ስሙ’ውን ግሩም መካር ብርቱዕ ኣምላኽ ኣቦ ዘልዓለም፡ መስፍን ሰላም ክስመ ኢዩ። ብፍድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ክሳብ ዘልዓለም፡ ምእንቲ ከጽንዓን ከቁማን ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግሥቱን ዕብየት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት እዚ ክገብር ኢዩ። (ኢሳ 9፡5-6)
እንሆ እምበኣር መፈጸምታ መደብ ኣምላኽ እናተጋህደ ኣብ ዝመጸሉ እቲ ሕዝቢ’ውን ነዚ መዓልቲ ምድሓን ብሃንቀውታ ይጽበዮ፡ ጐይታ ተቀላጢፍካ ርድኣና ብማለት’ውን ይልምኖ። ነቲ ዝመጽእ መሲሕ ከም መሳርሒ ኣምላኽ ኮይኑ ኣብ ዓለም እተቅርቦ ከኣ ሓንቲ ሰበይቲ ተሓርየት። ንሳ ማርያም እታ ብልጽቲ ዕንበባ ናይ ፍጥረት ነቲ እታ ቀዳመይቲ ሰበይቲ እተብህግ ፍረ ኦም ንምብላዕ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ብመፍረስ ኣብ ሓጢኣት ዘውደቀትና ተኪኣ እቲ ኣዕዚዙ ካብ ፍረ ኦም ዝበልጽ ክርስቶስ ጎይታ እተምጽእ ኮይነ ተረኽበት።
ሎሚ እግዚኣብሔር እገለ/እገሊት ኣበይ ኣሎኻ/ኣሎኺ? ኢሉ እንተዝሓተና፡ እንታይ ኢልና ምመለስናሉ?
መልሲ ካብ ኩልና ንገዝእ ርእስና።

ብ እናቴ ለተምሕረት ተስፋይ