መዓልቲ ክርስቶስ ንጉሥ ኣብ ኣሥመራ


ኣብ ስርዓት ኣምልኾ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፡ ቅድሚ 91 ዓመት ማለት ብ1925 ዓመት ዓ.ም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ መበል 11 ዝተጀመረ፡ ኣብዚ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝኸብር “ክርስቶስ ንጉሥ” ዝብል በዓል ምህላዉን፡ ከም መዛዘሚ ሊጡርግያዊ ዓመት ከኣ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ከምዝበዓልን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ መሠረት ብካቶሊካዊ ምንቅስቓስ  ውህበታዊ ተሓድሶ ኣሥመራ፡ ብዝተሰናደወ፡ ናይ ሣልስቲ ጾምን ጸሎት መቁጸርያን ኣስተንትኖን፡ ስግደት ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ኣስተምህሮታትን ዘካተተ፡ መደብ “እግዚኣብሔር ካብ ሕጂ ንዘልዓለም ኪገዝእ ኢዩ” ብዝብል ካብ ትንቢት ኢሳያስ ዝተወስደ መሪሕ ሓሳብ፡ ብ22 ሕዳር 2015 ኣብ ደብረ ቅዱስ ዮሴፍ መካነ ገነት፡ ካብ መላእ ቁምስናታት ኣሥመራ ዝመጹ ምእመናንን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዝተሳተፍዎ፡ ብመስዋዕተ ቅዳሴን ውዕዉዕ ጸሎት ምስጋንን ውዳሴን ከቢሩ ዊዒሉ።

ኣብዚ ጸሎት ሣልስቲ ናይ መጀመርያ መዓልቲ “ኦ ኢዮርሳሌም ንጉሥኪ ይመጽእ ኣሎ”፡ብኣቶ ግርማይ ኣስፍሃ፡ ካልኣይ መዓልቲ “እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ ሕዝቡ ኣሎ” ብኣቶ ነጋ ኣየለ፡ ኣብ ሣልሳት መዓልቲ ከኣ “እግዚኣብሔር ካብ ሕጂ ንዘልዓለም ኪገዝእ ኢዩ” ብኣባ የማነ ኃይሉ ማኅበር ን.ኣ.ካፑቺኒ፡ ኣስተምህሮታት ተዋሂቡ። ቀዳም ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ከኣ ገዳማውያን ገዳማውያትን ምእመናንን በብዝተመደበሎም ሰዓታት እናመጹ ጸሎት ስግደት ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ኣስተንትኖን ምስ ኣብጽሑ፡ ድሕሪ ቀትሪ ከኣ ናይ ሓባር ጉባኤ ጸሎት ተኻይዱ።

እቲ ናይ ሰንበት መደብ ድማ ኣብ ክልተ እብረ ዝተኸፍለ ናይ ምሉእ መዓልቲ መደብ ኮይኑ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል እዋን ጸሎትን ምስጋናን ኣምልኾን ኪኸውን እንከሎ፥ብዙሕ ሕዝቢ ዝተሳተፎ ብኣባ ምሕረተኣብ ሰሎሞን ሓለቓ ማኅበር ፓቮኒ ምስ ኣርባዕተ ካህናት ዝምራሕ መስዋዕተ ቅዳሴ እንኪዓርግ፥ ኣባ ምሕረተኣብ ኣብ ስብከቶም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወንጌል ብየማናይ ጎድኒ ኢየሱስ ተሰቂሉ ዝነበረ ፈያታዊ ተንቲኖም ብምግላጽ፡ ከምቲ ንሱ ብሓጥኣቱ ተነሲሑ፡ ብጎይትነት ክርስቶስ ተኣሚኑ “ኣብ መንሥትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” ቢሉ ዝለመነ፡ ኢየሱስ ከኣ ንልመናኡ “ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ኣሎኻ” ቢሉ ማሕተም ዝገበረሉ፡ ንሕና ከኣ ሎሚ ኣብ ጎድኒ መን፡ ምስ መን ክንኸውን ንደሊ እንውስነለኡ፡ ጎይትነት ኢየሱስ ኣብ ሕይወትና እንእውጀሉ ዕለት ኢዩ። ጎይታ ኣብ ልቢ እቶም ንመለኮታዊ ትእዛዙ ዝሕልዉ፡ ብቅንዕናን ብጽድቅን ዝነብሩ ሰባት ኢዩ ዝነብር። ስለዚ ጎይታ ኣባና ኪነግሥ እንተኮይኑ፥ ኣብዚ መዋቲ ስጋና ሓጢኣት ክነግስ ኣይነፍቅድ፡፡ ሎሚ ናይ መን ኢኻ ተባሂሉ ይሕተተና ኣሎ፡ ግቡእን ቅኑዕን ምላሽ ክንህብ ክሳብ መጨረሻ ሕይወትና ምጽባይ ዕሽነት ኢዩ። ኣብ ሕወትና  እንመርጾ ምርጫ  ንኣምላኽ ቀዳምነት ዝህብ፡ ንኣምላኽ ዘኽብር፡ንሕና ከኣ ጎይታ ዝኸብረሉ ሕይወት ክንነብር ዝሕግዘና ይኹን። እዚ ኢዩ ሰላምን ቅሳነትን ሕይወት ዝህበና እሞ፡ ኣብ ጽኑዕ  ምርጫኦምን ቁርጺ ፍቓዶምን ዝጸንዑ ሰባት ንኹን። ሎሚ ናይ መን ምኻንን ንመን ንመርጽን ንወስን። ብምባል ኣብነታት እናሰነዩ እዋናዊ ቃል ኣምላኽ ኣስሚዖም። ድሕሪ ቅዳሴ ከኣ ጸሎት ምእንቲ ሕሙማትን መልእኽቲ እግዚእትነ ማርያምን ነዚ እዋንናን ናቱ መግለጽን ብኣባ ኣሮን ወልደትንሳኤ ሲታዊ ተሰሚዑ።

ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ መደብ ከኣ ኣብ መንጎ እቲ ብመዛሙርን ጸሎታት ልመናታትን ምስጋናን፡ ምስክርነታትን ዝዓረገሉ እዋን፡ “እግዚኣብሔር ካብ ሕጂ ንዘልዓለም ኪገዝእ ኢዩ” ብዝብል ካብ ኢሳይያስ ነቢይ ዝተወሰደ፡ ኣርእስቲ፡ ንሕና ካብቶም ንእግዚኣብሔር ምስማዕ ዝኣበዩ፡  ውዱቕ ሕይወት  ሕዝቢ እስራኤል ተማሂርና፡ ካብ ትዕብትናን ትምክሕትናን እንተተነሲሕና፡ ክርስቶስ ብጽድቅን ብፍትሕን ኪገዝእ ቃል ተስፋ ሂቡና ኢዩ። ኪገብሮ ከኣ መዲቡ ኣሎ። ብምድራዊ ጣዕሚ ረሲኣን ከይቀናእና፡ ንክፉእ ተግባራትን ናይ ሰይጣን ግዝኣትን ኣርሒቅና፡ ንሕይወትና ብዘይ ነቓዕ እምነት ብምልኣት ክንነበሮ እንተኪእልና፡ እቲ ኩሉ ፍታሕ ዝሰኣናሉ፡ ሕልኽላኻትን ቁጽርጻራትን ኣብ ቤተመቕደስ ኣምላኽ ፈውሲ ክንረኽበሉን ክንሓውን ኢና ዝብል ኣስተምህሮ ብኣባ የማነ ኃይሉ ማኅበር ን.ኣ.ካፑቺኒ ቀሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ብቃለ ምስጋናን መዕጸዊ ጸሎትን ኣባ ተስፋማርያም ገብረክርስቶስ ተጸዋዒ ካህን ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ውህበታዊ ተሓድሶ፡ ብሓጎስን ተስፋን እቲ መደባት ናይ ሣልስቲ ጸሎትን ዕለተ በዓል ኢየሱስ ንጉሥን ተፈጸመ ።

ይትባረኽ ኢየሱስ ክርስቶስ!!
(ግርማይ ኣስፍሃ)