መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ


This is the logo for the Holy Year of Mercy, which opens Dec. 8 and runs until Nov. 20, 2016. (CNS/courtesy of Pontifical Council for Promoting New Evangelization) See JUBILEE-MERCY May 5, 2015.“መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ”

ዓውደመጽናዕቲ ካቶሊካዊ ውህበታዊ ምንቕስቓስ ተሓድሶ

ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ውህበታዊ ተሓድሶ ኣብ ኣሥመራ፤ በብዓመቱ ሓደ ንቤተክርስቲያን ዘገድስ እዋናዊ ኣርእስቲ ብምውሳድ ዝገብሮ፤ ብመማህራን ቤተክርስቲያን ዝወሃብ መደብ ኣስተምህሮታትን ዓውደ መጽናዕትን ጸሎትን ሎምዘመን'ውን ዝሓለፈ ቀዳም በቲ ናይ ዓመተ ምሕረት መሪሕ ሓሳብ “መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብዙሓት ቤተክህነትን ምእመናንን ዝተሳተፍዎ፣ ሰለስተ ኣስተምህሮታት ብዝሓዘ መደብ፣ ኣብ ኣዳራሽ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ ኣቓኒዑ፣፣

ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ፤ ብጸሎት ምስ ከፈትዎ፣ መራሒ ካህን ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ውህበታዊ ተሓድሶ ክቡር ኣባ ተስፋማርያም ገብረክርስቶስ ንዕላማን ትሕዝቶን እቲ ዓውደመጽናዕቲ ብምግላጽ፤ ንመማህራንን ተሳተፍትን ብምምስጋን መኽፈቲ ቃል ኣስሚዖም፣፣

ኣስዒቦም ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ኣብታ “ገጽ ምሕረት ኣምላኽ” ዝተሰምየት ሓዋርያዊት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ኣቡነ ፍራንቸስኮስ  ናይ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ተመርኩሶም፡ ኣብ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ኣስተምህሮ፤ነቲ መልእኽቲ ቃል ብቓሉ ዘይኮነስ፡ ነቲ ቀንዲ እቲ  መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ሒዝዎ ዘሎ ዓሙቅ ትሕዝቶን መልእኽትን እንኪትንትኑ፥ ከም መበገሲ ነቲ “ገጽ” ዝብል ሓሳብ እንከብርሁ፡ ገጽ ንመንነትን ኩነታትን ሰብ ዚገልጽ ኢዩ። ንሰብ ገጹ ርኢና እዚስ ነቦኡ ይመስል፡ ነዲኡ ይመስል፡ ንሓዉ፡ ንሓውቱ ይመስል ንብል። ዝደኸመ፡ዝተሓጎሰ፡ዝሓዘነ ሰብ’ውን ብገጹ ርኢኻ ትፈልጦ። “ገጽ ምሕረት-ኣምላኽ” ማለት እምበኣር፡ እቲ ምእንታና ክብል፡ ንኽብሪ ሰማይ ሓዲጉ፡ሥጋና ለቢሱ፡ ኣብ ማእከልና ዝሓደረ፡ ወንጌል ድኅነት ዝሰበኸልና፡ ብዘይፍትሒ ብመራሕቲ ኣይሁድን ሮማውያንን ዝተዋረደን ብዙሕ ተሳቕዩ ዝሞተ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ግና ብዓብይ ኽብሪ ዝተንሥአ፡ ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ንሰማይ ዝዓረገ፡ ንዘለውን ንዝሞቱን ክፈርድ’ውን ብኽብሪ ዳግም ዝምለስ፤ መድኃኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብርእሱ ኢዩ፡፡ ገጽ እቲ መሓሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ዝርኤ ኢሎም።

ቀጺሎም ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ካብ ብሉይ ኪዳን ሰለስተ ጥቕስታት ማለት ካብ ዘጸኣት “ኣነ እግዚኣብሔር፡  መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንኩራ ደንጓዪ፡ በዓል ዓብይ ፍቕርን ሓቅን...”ዝብል፡ ካብ ትንቢት ሆሴእ፣ ምዕራፍ ዓሰርተ ሐደ ከኣ “ንእስራኤል ሕጻን ከሎ ኣፍቐርኩዎ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕኩዎ፡ ብመጠን እቲ ዝጸዋዕኩዎ ኻባይ ረሓቐ. . ንእስራኤል ዘታተኹዎም ኣነ ኢየ፡ ሓቖፍኩዎም፡ ግናኸ ኣነ ከም ዝተኸናከንኩዎም ኣይፈለጡን። ኣነ ብርሕራሔን ብፍቕርን ናባይ ሰሓብኩዎም። ነርዑት ካብ ክሳዶም ኣልዓልኩሎም፡ ደኒነ ድማ መገብኩዎም።...ኦ እስራኤል ከመይ ገይረ ኪሓድገኩም? ከመይ ገይረ ከምቲ ንኣድማን ንጸቦይምን ዝደምሰስኩወን ክድምስሰኩም? ኣባኹም ዘሎኒ ፍቕሪ ዓቢይ ስለዝኾነ፡ ነዚ ክገብሮ ኣይኽእልን ኢየ። ኣነስ ኣምላኽ ኢየ ሰብ ኣይኮንኩን፡ ኣብ ማእከልኩም ቅዱስ ኢየ እሞ ብነድሪ ቑጠዓይ ኣይመጽእን ኢየ፡ ሃና ነድረይ ኣባኻትኩም ኣየውጽእን ኢየ፡ ንእስራኤል ከጥፍኦ ኢለ ድማ ኣይምለስ ኢየ።” ዝብል፤ ከምኡ’ውን ነቲ “ምሕረቱ ንዘልዓለም ይነብር ኢዩ እሞ ኣመስግንዎ" ዝብል መዝሙር ምስጋና፡ ካብ መዝሙር ዳዊት 136 ጠቒሶም፣ ምሕረት እግዚኣብሔር ነቶም ኣምላኽ ምስ ቀረቦም ዝርሕቁ፡ ምስ ጸገሞም ከኣ ናብኡ ዘእውዩ ዝነበሩ ሕዝቢ እስራኤል፡ ምሕረቱ ስለዘይተፈለዮም፡ ነቲ ኩሉ ዝተገበረሎም እናዘከሩን እናስተንተኑን “እስመ ለዓለም ምሕረቱ” ክብሉ ከምዝተረኽቡ ብሰፊሑ ገሊጾም፤ ንሕና’ውን ታሪኽና ከምኡ ኢዩ፡ንሕይወትና እንተኣንቢብናዮ ዓቐበትን ቑልቁለትን፡ ዓወትን ስዕረትን፡ ጽቡቕን ክፉእን ዝተሓዋወሶ እኳ እንተኾነ ኣብ ጉዕዞና ግና እግዚኣብሔር ኣይሓድገናን ‘ዩ፡ ምሳና’ዩ ዝጐዓዝ። ምሕረት ግና ፍቕሪ፡ ተኣማንነት፡ ሓልዮት፡ ፍትሒ፡ ይቕረታ ምሃብ እምበር ምስ ጐደለካ ጥራሕ ከም ደቂ እስራኤል ምልማን ኣይኮነን ኢሎም።

ናብ ሓድስ ኪዳን ተመሊሶም ድማ ብፁዕ ሊቀጳጳስ፤ ካብ ወንጌል ማቴዎስ “እንሆ ዮሓንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ብዛዕባ ግብርታት ክርስቶስ ምስ ሰምዐ፦ ካብ ደቂመዛሙርቱ ክልተ ልኢኹ፦ “እቲ ዚመጽእ ንስኻ ዲኻ፦ ወይ ድማ ንጽበዮ ኻልእ ኣሎ?”በሎ።ኢየሱስ ከኣ መሊሱ በሎም፦ “ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሓንስ ንገርዎ። ዕውራት ይርእዩ፦ሓንካሳት ይኸዱ፦ ለምጻማት ይነጽሑ፦ጸማማት ይሰምዑ፦ምውታት ይትንሥኡ፦ድኻታት ወንጌል ይብሠሩ ኣለዉ። ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብፁዕ ኢዩ። ”ዝበሎም ከምኡ’ውን “በቲ እዋን እቲ ኢየሱስ ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ተዛረበ፡” ኦ ኣቦይ ጎይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ካብ ብልሕታትን ኣስተውዓልትን ስለዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለዝገለጽካዮ ኣመስግነኻ ኣለኹ።.. ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ከኣ ከዕርፈኩም እየ፡ ኣነ ለዋህ ኢየ፡ልበይ’ውን ትሑት ኢዩ እሞ ኣርዑተይ ፁሩ፡ ካባይ’ውን ተምሃሩ። ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም። ከመይ ኣርዑተይ ልዙብ ጾረይ ከኣ ፈኵሽ እዩ።ዝበሎ ጠቂሶም፤ ኣብዚ’ውን እስራኤላውያን ኣብቲ መሲሕ ዝነበሮም ትጽቢት ግጉይ ትጽቢት ኢዩ ነይሩ፣ ፖለቲካዊ ትጽቢት ማለት ኢየሱስ መራሒ በዓል ስልጣን ኮይኑ ካብ ግዝኣት ሮማውያን ከውጽኦም ኢዮም ዝጽበዩ ነይሮም። ኢየሱስ ግና ክንዲ ብፈረስ ብኣድጊ፡ ክንዲ ብኩናት ብሰላም፡ ክንዲ ብትዕቢት ኣብ ልደቱ ከምዝረኣናዮ ብትሕትና፡ ገጽ ምሕረት ኣምላኽ ሒዙ ኢዩ መጺኡ፣፣ እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራት’ውን ሓይሉ ከርኢ ዘይኮነስ፣ ምሕረት ኣምላኽ ንምግላጽ ኢዩ ነይሩ፣፣ ቀጺሉ’ው ኢየሱስ ነቶም ብእኡ ዘይዕንቀፉን ትሑታትን ሕጻናትን እዚ ስለዝገለጽካሎም እናበለ ነቦኡ የመስግን፣፣ ካልእ ኣብነት ናይ ሓዲስ ኪዳን ናይ በርጠሌሜዎስ’ውን ወሲኾም፥ንገጽ ምሕረት ኣምላኽ ብሰፊሑ ገሊጾም።

ብፁዕ ሊቀጳጳስ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት፡ንሕና’ውን   ጽምኢ ምሕረት ኣሎና ምሕረት ንድሊ ኣለና፣፣ እንተኾነ ምሕረት ሕሱር ህያብ ኣይኮነን፣፣ ምርጫን ውሳነን ክንገብር ኣሎና፣፣ ምሕረት እንተደሊኩም መሓሩ ስለዝብለና፤ ማዕጾ ምሕረት ኣምላኽ ክልተ መፍትሕ ኢዩ ዘለዎ፡ ሓደ ጸጸት “በእከየ” ምባል፣ እቲ ካልኣይ ከኣ ንብጻይካ ምምሓር ኢዩ፣፣ ምእንቲ’ዚ እዚ ዓመት እዚ፣ ዓመት ለውጢ፣ ዓመት ጸጸት፣ እንተገይርናዮ ዝያዳ ምሕረት ኣምላኽ ከነስተማቕር ኢና፣፣ ር.ሊ.ጳ ኣብ ምስጢረ ንስሓ ብዙሕ ጸቂጦም ተዛሪቦም ስለዘለዉ ካህናት ነዚ መኣዲ ምሕረት ንሕዝብና ክንቕርበሉ ፍሉይ ትግሃት ክነርኢ፥ ኣብያተክርስትያን ንምስጢረ ንስሓ ክፉታት ኪኾኑ፥ መንግሥቲ ኣምላኽ ከሰፍሕ ናይ ምሕረት ስራሓትና ዝያዳ ከነዕብዮ፥ ብዓውደ መጽናዕቲ፡ ብጸሎት ሳልስቲ፡ ጸሎት ታስዕቲ ካልእ መደባትን እዚ ዓመት ኣብ ሕይወትና ዘይርሳዕ ዓመት ኪኾነልና ብምሉእ ልብና ንእተዎ፣ ብምባል ነቲ ሰፊሕን ሃናጽን ኣስተምህሮኦምኣበርከቱ፣፣

ቀጺሉ ድሕሪ ኣስተምህሮ ብፁዕ ሊቀጳጳስ “ተመክሮ ምሕረት ኣምላኽን ምሕረት ሓድሕድን ኣብ ካቶሊካውያን ምእመናን” ብዝብል ኣርእስቲ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ኣስተምህሮ ዘቕርረበ ኣቶ ግርማይ ኣስፍሃ፣ ዕላማ እቲ ንተመክሮ ምእመናንን ቤተክህነትን ኣብ ምሕረት ኣምላኽን ምሕረት ሓድሕድን ዝድህስስ መጽናዕቲ፦ ካብቲ  ቅዱስ ኣቦና ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንዕላማ  እዚ ቅዱስ ዓመት ኣመልኪቶም፣ “ኣምላኽ ኣብ ሕይወትና ናይ ዝፈጸሞ ግሁድ ምልክት ምእንቲ ኽንከውን ተጠንቂቕና ናብ ምሕረት ክንጥምት እንጽወዓሉ ግዜያት ኣሎ። በዚ ምኽንያት እምበኣር ንቤተክርስትያ ንፍሉይ ናይ ፀጋ እዋን ኪኾነላ፣ናይ ኣመንቲ ምስክርነት ድማ  ኣጸቢቑ  ምእንቲ ኪዓብን ብዙኅ ምእንቲ ኪፈርን ፍሉይ ኢዮቤል ዓመት ምሕረት  እእውጅ ኣሎኹ።” (ገጽ ምሕረት ኣምላኽ ቍ.3) ዝብል ዕላማ ናይዚ ድሮ ብወግዒ ተጀሚሩ ዘሎ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ዝተወስደ ኢዩ።
ብሓጺሩ ሓፈሻዊ ገምጋም ኣብ ርድኢትን ተግባርን ምእመናን ንናይ  መንፈሳውን ሥጋውን ምሕረት ስራሓት ንምርካብ፤ ኣብ ኣብዚ ናይ ምሕረት ስራሓትን ኣብቲ ምሥጢረ ምሕረት ዝኾነ- ምሥጢረ ኑዛዜ ዝሰርጽ ዘሎ ጊጉይ ኣተሓሳስባታትን ዝምባሌታን ንምፍላጥ፤ ተሳትፎን ብስለትን ምእመናን ኣብ ምሥጢረ ምሕረት- ምሥጢረ ኑዛዜ ብዓይኒ ተናዘዝትን ኣናዘዝትን (ካህናት) ንምግምጋምን ዝበለጸ ተሳትፎ ንምዕዛዝ፡ ጠቕምን ጽልዋን መንፈሳውነት መቁጸርያ መለኮታዊ ምሕረትን ንግደታት ንሥርየት ኃጢኣትን ንምፍላጥ፡ ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ቤተክርስቲታን እንታይ ትሓተና ኣላ ክንፈልጥን እንታይ ክንገብር ንኽእል ሓሳብ ቤተክህነትናን ምእመናንን ክንፈልጥ፡ ብእኡ ከኣ ተሳትፎ ዝሕንጸጽ መደባት ንምዕዛዝን፤ ብሓፈሻ ብዛዕባ’ዚ ዝተጠቕሰ ኣርእስታት ሓጋዚ ሓበሬታን ገምጋምን ክህብ ዝኽእል ኣፈናዊ መጽናዕቲ ብምክያድ፡ ሕይወት ምእመናን ዝበራበረሉ፡ ንቤተክርስቲያና፡ ጓሶትና ኣብ ስብከተ ወንጌል ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ኣንፈትን ለበዋን ዚህብ ኣበርክቶ ንምግባር ምኳኑ ኣብሪሁ፣ ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ኣተወ፣፣

ትሕዝቶኡ ከኣ ንርድኢትን ተግባርን ምእመናን ኣብቶም ሸውዓተ ስጋዊ ናይ ምሕረትን ሸውዓተ መንፈሳዊ ናይ ምሕረት ስራሓትን፡ ከምኡ’ውን ምሥጢረ ምሕረት - ምሥጢረ ኑዛዜን መቁጸርያ መለኮታዊ ምሕረትን ንግደት ንሥርየት ኃጢኣትን ዝድህስስ ኮይኑ፥ ኣብቲ ናብ ኩለን ሰበኻታት ዝተዘርግሐ፡ ኣብ “ገጽ ምሕረት ኣምላኽ” መልእኽቲ ር,ሊ.ጳ. ተመርኩሱ ዝተዋጽአ 130 ሕቶታት ዝሓዘ 1000 መሕትት ዝተኣከበ ናይ 500 ሰባት ምላሽ ተመሥሪቱ፡ኣብ መንፈሳውን ስጋውን ናይ ምሕረት ስራሕ ከመይ ኣሎና? ኣብ ምስጢረ ኑዛዜ እንታይ ድኽመታት ኣለው፣ ብከመይከ ይፍወሱ? ኣብዚ ዓመት እንታይ እዩ ክግበር ዘሎዎ? ንዝብሉ ሕቶታት ምላሽ ብመጠኑ ክህብ ዝፍትን ብስታስቲካዊ ሓበሬታ ዝተሰነየ መጽናዕቲ ነበረ። ብፍላይ ኣብቲ ንብስለት፡ ንርዲኢትን ተሳትፎን ምእመናን ኣብ ኑዛዜ ብካህናት (ኣናዘዝቲ) ዝተዋህበ ገምጋምን፡ ብምእመናን (ተናዘዝቲ) ዝተዋህበ ዝርዝራዊ ሓሳባትን፡ ነቲ ዝርኤ ዘሎ ድኽመታትን ንምፍትሑ ኪግበር ዘለዎ ስራሕን ኣብቲ መጽናዕቲ ሰፊሕ ቦታ ዝተዋህቦ ክፋል ኢዩ።

ኣቕራቢ ድሕሪ’ ንውጽኢት እቲ መጽናዕቲ በብሐደ ምግላጽ፥ ኣብቲ መጽናዕቲ ተመርኹሱ፣ንጽጉማት፡ ንሕሙማትን ዓዲ ውዒልን ዝግበር ሓገዝን ኣገልግሎትን ብወገን ሰብውፉይ ሕይወት እኳ ዝግበር እንተኾነ፡ ብወገን ምእመናን ግና ብቊምስና ደረጃ ብዝተወሃሃደን ዝተወደበን መንገዲ ክግበር፤ ንዝበደለካ ይቕረ ኣብ ምባል ምምሓር፡ ኣብ ገሊኡ ካብ ወንጌል ንላዕሊ ባህላዊ ኣተሓሳስባ ስለዝዕብልል“ንሰብ በደሎም እንተዘይሓደኩምሎም ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሓድገልኩምን ኢዩ” ዝብል ቃል ወንጌል ኣቓልቦ ክንገብረሉ፤ኣበየ ቁምስናታቱ ብገዳማትን ብኮምሽን ፍትሕን ሰላምን ዝግበር ናይ ዕርቅን ምሕረትን ተልእኾ እንደገና ክበራበር፤ብሓፈሻ ነቲ “ጠምየ ኣብሊዕኩምኒ፡ ጸሚኤ ኣስቲኩምኒ፡ ጋሻ ኾይነ መጺኤ ተቐቢልኩምኒ፡ ዓሪቐ ከዲንኩምኒ፡ ሓሚመ በጺሕኩምኒ፡ ተኣሲረ ኣጸናኒዕኩምኒ ”ዝብል ለበዋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንፍጽም፡ ንስጋውን መንፈሳውን ናይ ምሕረት ስርሓት ብውልቅን ብሓባርን ክንቀሳቐሰሉ፣ ኣብ ምስጢረ ኑዛዜ ዝርኤ ውሽጣዊ ጣዕሳን ጸጸትን ዘይብሉ ግቡእ ምስንዳው ዝጐደሎ፡ ከምዘልማድ ዝግበር ኑዛዜ፡ ትርጉምን ኃጢኣትን ‘ሓጢኣ’ ዝብል ስምዒትን ምጥፋእ፣ ብቁዕ ኣገባብ ምስጢረ ኑዛዜ ዘይምፍላጥ፣ ምስ መባእስትካ ከይተዓረቕካ ክትቆርብ ምድላይ ፣ ምስ ዓብይ ሓጢኣትካ ከሎኻ ክትቆርብ ዘይምፍራሕ ፣ደንጒይኻን ላህመታዊ ወይ ኃጢኣተይ ኣይዝከረንን ዝብል ድንዙዝ ሕልና ሕዝኻ ምንዛዝን፡ ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ድኽመታት ንምፍዋሱ ብቤተክርስትያን ብፍላይ ኣብዚ ዓመት ምሕረት ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ለበዋኡ ብምቕራብ ኣስተምህሮኡ ዛዘመ።

ነቲ “ምሥጢረ ኑዛዜ ምሥጢረ ምሕረት” ዚብል ሳልሳይ ኣስተምህሮ ዘቕረቡ ኣባ ክፍለየሱስ ገብረሥላሴ ዘማኅበር ንኡሳን ኣኅው ካፑቺኒ ኣብ መእተዊ ሓሳቦም፡ መሪሕ ሓሳብ ዓመተ ምሕረት “ከም እግዚኣብሔር ኣቦኹም መሓርቲ ኵኑ” ዚብል ኢዩ። “መሓርቲ ኵኑ” ትብል ሓረግ ልብኻ ትሃርም ሓረግ ኢያ። ር.ሊ.ጳ. ነዚ ዓመተ ምሕረት’ዚ ዘኤወጆም ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ንሶም ንባዕሎም ዘስተማቀርዎ፣ ንሕና’ውን ምእንቲ ክነስተማቕሮ ኢሎም እዮም፣ ከመይ ምሕረት፡ ብባህርዩ፣ ንኣኻ ኣስተማቒርካስ ካልኦት’ውን ከስተማቕርዎ፣ ዝከኣለካ ክትገብር ዚደፋፍኣካ ደኣ እምበር ንኣኻ ጥራይ ትብሕቶ ባህሪ የብሉን።ሓደ ሰብ ንምሕረት እግዚኣብሔር ኣቦ ንኸስተማቕር፣ ድሕሪኡ’ውን ካልኦት’ውን ምእንቲ ከስተማቕርዎ ክጽውዕ፣ካብ ዝሕግዝዎ መጋበሪ ሐደ ከኣ “ምሥጢረ ንስሓ” ኢዩ። እዚ ምሥጢር’ዚ ብሓፈሻ ኵሉሳዕ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ’ዚ ተኣዊጁልና ዘሎ ዓመተ ምሕረት’ዚ  ክነዘውትሮ ንዕደም ኣሎና ድሕሪ ቢሎም። በብሓደ ናብ ትንተና እተን፡ ትርጉም ምሥጢረ ንስሓን ኣተገባብራኡን፡ ፍረ ምሥጢረ ንስሓ፡ ሠራዒ ምሥጢረ ንስሓ፡ጽቡቕ ኑዛዜ ንምግባር ዝሕግዙ ነገራት፡ ምሥጢረ ኑዛዜን ዓመተ ኢዮቤል ምሕረትን ዝብላ ንኡሳን ኣርእስታት ኣተዉ።
ኣብቲ ቀዳማይ ትርጉም ምሥጢረ ንስሓን ኣተገባብራኡን ዚብል ሓሳብ፡ ምሥጢረ’ዚ ሕልናና ኣጽርዩን ሚዛን ኣትሒዙን፣ ዝሓለፈ ሰብኣውን መንፈሳውን ጸብጻብ ሕይወትና ክንገብር፡ ምስ ኣምላኽን ብጻይናን ዘሎና ርክብ ክንምርምር፡ምስ ብጻይና ፍትሓውያን ፍቕራውያንን ክንከውን፡ ንኵነታትና ብምስጋና ክንቅበል ዝሕግዘና ምሥጢር’ዩ፡ ብምባል ኣብነት እቲ ጥፉእ ወድን ካልእ ጥቕስታትን ኣሰንዮም፡ ትርጉን ኣገባብን ምስጢረ ንስሓ ካብ ቀዳሞት ክርስቲያን ጀሚሮም ምስጢረ ንስሓ፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተሰረተ እምበር ምህዞ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ከምዘይኾነ፥ተራ ካህን ከኣ ንምሥጢራውነት ምሥጢራት ክንርዳእ ዝሕግዘና፡ ብቐሊሉ ናብ ሓቅታት መለኮታውነት ዘጸግዓና። “ኃጢኣትካ ተማሒርካ ኢኻ ብሰላም ኪድ” ኢሉ ብስራት ሕድገት ኃጢኣትና ዘስምዓና፡ ንሰባት ምስ እግዚአብሔርን ምስ ዝኸምኦም ዘተዓርቕ፡ናብ እግዚአብሔር ዚቐርብ መስዋዕቲ ዘወፊ፡ንሥጋን ደምን ክርስቶስ ዚሠርዕ፡ቃል አምላኽ ዜበሥር፡ ንሕዝበ እግዚአብሔር ዚባርኽን ዚመርሕን ሰብ ምዃኑ ብሰፊሑ ገሊጾም።

ቀጺሎም ከኣ ኣባ ክፍለኢየሱስ ንፍረ/ጠቕሚ ምሥጢረ ንስሓ ኣመልኪቶም፡ ንቓል ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መ.16 ዘኪሮም “ምሥጢረ ንስሓ ሐደ በዘልማድ ጥራይ ዚዝውተር ዘይኮነስ፣ ብዝግባእ ተሰናዲኻ ዝግበር፡ንክርስቶስ ብትአማንነት ንኽንስዕብን መንፈሳዊ መግቢ ንኽንሰንቅን ዝሕግዘና ምሥጢር’ዩ።” አመንቲ ወላ እኳ ንክርስቶስ ኪስዕቡ ድላይ እንተ አሎዎም በብጊዜኡ ግን ምሥጢረ ንስሓ ዜየዘውትሩ እንተኾይኖም ናብ ሓደ በብቝሩብ መንፈሳውነቶም ዜዛሕትልሉ ቀጺሎም ከአ ፈጺሞም አብ እግዚአብሔር እምነቶም ዜጥፍእሉ ድንገት እዮም ዚወድቁ። ተወሳኺ’ውን እዚ ምሥጢር’ዚ ንሰብ ኅሊናኡ አጽርዩ፣ ንቅ.ቍርባን ብብቕዓት ኪቕበል የኽእሎ፡ንዓቢይ ኃጢአት ክቃወመሉን ከሸንፈሉን ዝኽእል ጸጋ የውህቦ፡ ብንጹር ብርሃን ሕጊ ሥነ ምግባር ተመሪሑ ኪመላለስ ይድግፎ፡ ብርታዔ ሃልሃልታ እምነቱ እናመስከረ ኪመላለስ ይሕግዞ፡አብ ዝተፈላለየ ግብረ ጽድቂ፣ ቃላት ፍርዲ ጐ.ኢ.ክ.ዝዋስአሉ ሓይልን ወንን ይዕድሎ፡ዝተማሕረ ሰብ ነቲ ዝመሓሮ እሙንን ትሑትን ይኸውን። ብሓፈሻ ዋና ፍረ ምሥጢረ ንስሓ “ምሕረት ኣምላኽ ምርካብ” ኢዩ። ቢሎም ምሕረት እንታይ ማለት’ዩ? ንዚብል ሕቶ’ውን ኣብቲ “ገጽ ምሕረት ኣምላኽ” ዝብል ሓዋርያዊ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ተመርኩሶም ብሰፊሑ ኣረድኡ።

ኣስዒቦም ነቲ ‘ጽቡቕ ኑዛዜ ንምግባር ዘድልዩ ነገራት’ ዝብል ክፋል እንከብርሁ፡ጽቡቕ ኑዛዜ ንምግባር፣ ቅድሚ ኵሉ ዘድሊ ነገር ብ“ኃጢኣትካ ምእማን” ኢዩ። ጸሎት ምእንቲ ጽቡቕ ንስሓ፡ንባብ ቅ.መጽሓፍ፡ናይ ኅሊና መርመራ፡ጸሎት ምእንቲ ዜናዝዙኻ ካህን፡ኃጢአትካ ንኻህን ምዝርዛር፡ዝወሃበካ ቀኖና ወይ ካሕሳ ኃጢአት ክትፍጽም ስንዱው ምኻን፡ኣብ መጨረሽታ ከኣ ንአምላኽ ምምስጋን ኢዩ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ኣባ ክፍለኢየሱስ ምሥጢረ ንስሓን ዓመተ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣቦን ብዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ሓሳቦም እንከጠቓልሉ፡ ንታሪኽ ምኽፋት ማዕጾ ምሕረትን  ትርጉሙን ገሊጾም፤ዋና ኣንጉዕ መልእኽቲ ተኣዊጁ ዘሎ “ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት እግዚኣብሔር ኣቦ” ምሕረት ኢዩ። ካብ ሰብ ምሕረት ዘየድልዮ ወላ ሓደ የልቦን። ቤተክርስትያን እምበኣር በዚ ዕድመ’ዚ ኣቢላ፣ እቲ ብፍቕርና ዝዓበደ ኢየሱስ፣ ኣብ ማዕጾ’ቲ ብዓመጽ፤ ኃጢኣት፤ ቂም በቐል፤ ጉቦ፤ ብልሽውናን ካልእን ከይክፈት ዝጸንዔ ማዕጾ ልብና ኮይኑ ይዅሕኵሕ ኣሎ ስምዕዎ እያ ትብለና ዘላ። ነዚ ንምግባር ዝሕግዘና ከኣ ምሥጢረ ኑዛዜ’ዩ። ሎሚ’ውን እንተኾነ፣ ንምሥጢረ ኑዛዜ ጎሲኻ፣ ክጭበጥ ዝከኣል መንፈሳዊ ዕብየትን ዓወትን የሎን።

እምበኣር ሃየ ኵላትና ናብ መኣዲ ምሕረት ዚቕርበልና “ምሥጢረ ኑዛዜ” ንቕረብ”። ወለዲ ንርእስናን ነቶም ናብ ትሕቲ ሓልዮትና ተዋሂቦምና ዘሎዉ ደቅናን፣ ንነፍሶምን ሥጋኦምን ዘድሊ ንሕለየሎም። ንደቅና ብዛዕባ ሕሊና እንታይ ምኳኑ፣ ምምርማር ሕሊናን፣ ድሕሪኡ ከኣ ናብ ኑዛዜ ምቕራብ ከምዘድሊ ደጋጊምናን ኣጸቢቕናን ንምሃሮም። ነዚ ብዘይ ምግባርና ኣምላኽ ክሓተና ኢዩ። እግዚኣብሔር መሓሪ ኢዩ ምባል ንህላዌ ኃጢኣት ኣይጥፍኦን’ዩ። ብዛዕባ እቶም 4 ናይ መወዳእታ ፍጻሜታት ኵነት ወድሰብ (ሞት፤ ፍርዲ፤ መንግሰተሰማይ ወይ ገሃነም እሳት) ኣነጸርና ንግለጸሎም። ክብሉ ኣገዳስን እዋናውን ኣስተምህሮኦም ኣካፈሉ።
ድሕሪ እቲ ሰለስተ ኣስተምህሮታት ካብ ተሳተፍቲ ጉባኤ ሓያሎ ሕቶታት ቀሪቦምን ተመሊሶምን፣፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ሓገዝቲ ዝተፈላለዩ ርእይቶታን ለበዋታትን ተዋሂቦም፣፣ በዚ ከኣ እቲ መደብ ዓውደመጽናዕቲ ተፈጸመ።
-------------------
ይትባረኽ ኢየሱስ ክርስቶስ!!
ግርማይ ኣስፍሃ
ካ.ቤ.ር.ኤ.ኣ.