መልእኽቲ በዓለ ልደት 2020 ካብ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም


“ወዲ ሰብ ምስ መጸ፣ እምበርዶ ኣብ ምድሪ፣ እምነት ክረክብ እዩ?”
በዓለ ልደት፡ ፳፰ ታኅሣሥ ፳፻፲፪  (7 ጥሪ 2020)

ፍቁር ሕዝበ እግዚኣብሔር፡
እግዚኣብሔር ኣምላኽና ወትሩ ከድኅነና ዝመጽእ ኣምላኽ እዩ። ዝመጸና ከኣ በቲ ሥጋና ለቢሱ ሰብ ዝኾነ ካብ ድንግል ማርያም ዝተወልደ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እዩ። ኣብዚ እነብዕሎ ዘሎና በዓለ ልደት ድማ ፍጻሜ ምሥጢረ ሥጋዌ ኢና እነስተንትንን እነኽብርን ዘሎና። እቲ ዘይርአ ዝነበረ ረቂቕ ቃል፣ ስውር ወልደ እግዚኣብሔር፣ ከማና ሰብ ብምዃኑ ዝርአን፡ ዝትንከፍን ዝስማዕን ኮነ። በዚ እዩ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ “ብዛዕባቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ፣ ንሕና ዝሰማዕናዮ፣ በዕይንቲና ዝረኣናዮ፣ ዝጠመትናዮ፣ በእዳውና ዘረምሰስናዮ ቃል ሕይወት ንነግረኩም ኣሎና። ሕይወት ተገሊጻ እያ፣ ንሕና ኸኣ ርኢናያ ኢና፣ ንምስክርውን ኣሎና” (ዮሓ 1፡1-2)ዝብለና። ኣብ ወንጌሉውን ዮሓንስ “እቲ ቃል ሥጋ (ሰብ) ኮነ፣ ጸጋን ሓቅን መሊኡዎ ከኣ ምስና ነበረ”(ዮሓ 1:14)፣ ድሕሪ ምባሉ፣ “ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፣ እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦ ዘሎ፣ እቲ በይኑ ዉሉድ ዝኾነ ኣምላኽ ገለጾ”(ዮሓ 1:18)እናበለ ነቲ ናይ ምሥጢረ ሥጋዌ ርጉጽነት የመርግዶ። ቅዱስ በርናርዶስ ኣበምኔት ኣብቲ ብዘመነ ምጽኣት ጐይታ ዝሃቦ 5ይ ስብከቱ፣ ብዛዕባ ሠለስተ ምጽኣት መድኃኔ ዓለም ይዛረብ። ስለዚ ኢየሱስ “ኣብታ ቀዳመይቲ ምጽኣት ብድኻምነት እዩ ተገሊጹ። ኣብታ ማእከለይቲ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ ተገሊጹ። ኣብታ መወዳእታ ከኣ ብግርማዊ ክብሩ እዩ ዚግለጽ”)። ሎሚ እታ ማእከለይቲ ምጽኣቱ እያ ዝያዳ ተገድሰና። ባዕሉ መድኃኒና ከምዝበለና “እቲ ዘፍቅረኒ ቃለይ ይሕሉ፣ ኣቦይ ከኣ ከፍቅሮ እዩ፣ ናብኡ መጺእና ከኣ ኣብኡ ማኅደር ክንገብር ኢና”(ዮሓ 14:23)ነፍስወከፍና ማኅደር ቅዱስ ሥሉስ ክንከውን ዕድል ከምዘሎና እዩ ዘረጋግጸና። ኢሳያስ ነቢይ “ነቶም ተሓጒሶም ጽድቂ ዚገብሩን ከም ፍቓድካ ዚነብሩ ትቀባበሎም”(ኢሳ 64:5) ከምዝበለ፣ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ከም ሓደ ክቡርን፣ ፍቱውን፣ ኃያልን ጋሻ፣ ወትሩ ምስ በጽሓና እዩ። ዘድሊ ምድላዋት ገይርና ክንቅበሎ ከይንቕበሎ ግን ንኣና ይምልከት። በዚ ምኽንያት እዩ ኢየሱስ “ወዲ ሰብ ምስ መጸ እምበርዶ ኣብ ምድሪ እምነት ክረክብ እዩ”? ኢሉ ዝሓተተን ዝሓትት ዘሎን። እዚ ሕቶ እዚ ኣብ ወንጌል ሉቃስ 18:8፣ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣድላይነት ቀጻሊ ጸሎት ኣተሓሒዙ ምስቲ ምስላ ሓንቲ መበለትን ዓመጸይና ፈራድን እዩ ዘቕረቦ። እቲ ብዘይምቊራጽ ዝጽሊ ኣማኒ እዩ፣ እቲ ብሓቂ ዝኣምን ከኣ ወትሩ ጸሎተይና እዩ። ቅዱ ኣጐስጢኖስ እውን ኣብ መበል 115 ስብከቱ፣ “ንምጽላይ፣ ንእመን፣ እምነትና ከይትደክሞ ከኣ ጸሎት ንግበር። እምነት ንጸሎትና ከምዝዓቢ ይገብሮ፣ ጸሎት ምስ ዓበየ ከኣ እምነትና ትድልድል” (ስብከት ቊ 115) ብምባል ሓቀይና እምነትን ጸሎትን ዘይፈላለዩን ወትሩ መኻይድን ከምዝኾኑ ይገልጸልና። እምነት መሠረት ኲሉ እውነተይና ክርስትያናዊ ሕይወት እያ። ንሳ እንተላ ኲሉ ይቐንዕ ንሳ እትነዘየላ ግን ኲሉ ይዝንብል። እምነት ንጸሎት ትምግባ ጸሎት ከኣ ንእምነት ትድግፋ። “እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፣ እቲ ዝስማዕውን ቃል ክርስቶስ እዩ” (ሮማ 10:17)
በዚ ዘሎናዮ ጊዜ ከኣ እምነትና ስለዝተዳኸመት፣ ጸሎትውን ብቀሊሉ የሰልክየና፣ ሰዓትና ምጥማት ነብዝኅ፣ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ስብከት ነዊሒና እናበልና ነማርር። ጸሎት ምግባር ጊዜ ከም ምጥፋእ ኮይኑ ይስምዓና፣ ልብና ናብ ጐይታ ከነልዕ ይኸብደና። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፋ ቀዳመይቲ መልእኽቱ “በቲ ዳኅራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ኪሒዶም ንመናፍስቲ ስሕተትን ንትምህርቲ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ መንፈስ ቅዱስ ብጋህዲ ይብል ኣሎ” እናበለ ከጠንቅቖ ንሰምዖ፣ ሎሚውን ኣብ ክንዲ ኣብ እግዚኣብሔር ኣብ ኃይልናን ካልኦት ኃይልታትን ንጽጋዕ ኣሎና። እግዚኣብሔር ንሙሴ ኣገልጋሊኡ ከምዝበሎ፣ ሎሚውን “እዚ ሕዝቢ እዚ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዚንዕቀኒ፧ ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ኲሎ ኣብ ማእከሎም ዝገበርኵዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ፧”(ዘኁ 14:11) እናበለ ይወቕሰና ከይህሉ ኅሊናና ክንሓክኽ ጽቡቕ እዩ። መልእኽቲ ዕብራውያን “ኣኅዋተይ! ካባኻትኩም ሓደ እኳ ካብቲ ሕያው ዝኾነ እግዚኣብሔር ዘርሕቖ እኩይን ዘይኣምንን ልቢ ከይህልዎ ተጠንቀቑ” (ዕብ 3:12) ዝብሎ እውን ሎሚ ንኣና ዝምልከተና እዩ ዝመስል። በቲ ሓደ ወገን ከኣ እምነትና ብጭራስ ከይትዳኸም፣ ነቲ ሲራክ “እቲ ልቡ ዝመልቆ ፈራህ ወይልኡ፣ እምነት ስለዘይብሉ ሓለዋ ኣይረክብን እዩ። ኣቱም ተስፋ ዝቖረጽኩም ወይለኹም፣ እግዚኣብሔር ኪፈርደኩም ኪመጽእ ከሎ ደኣ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧” (ሲራ 2:13-14)ዝብሎ እውን ንስማዕ። “ናብቲ ዘዳሎኹሎም ስፍራ ዕረፍቲ ኣይኪኣትውን እዮም ኢሉ ዝመሓለሎምከ ንእንመን ድዩ፧ ነቶም ዘይተኣዘዝዎዶ ኣይኮነን፧ ብሰሪ ዘይምእማን ኪኣትው ከምዘይከኣሉውን ንርኢ ኣሎና”(ዕብ 3:18-19)።“እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዘረጋግጽ፡ ነቲ ዘይርአ ነገር ከኣ ከምዝርአ ዘረድእ እዩ” (ዕብ 11:1-2) ። እምነት እምበኣር፥ ህያብ ኣምላኽ እያ፣ በቲ ካልእ ድማ ንኲሉ ተስፋኻን፣ ርግጽነትካን፣ ድኅነትካን፣ ኣብ ኢድ እቲ ዘይጠልም ኣምላኽ ምንባር ማለት እዩ።
ኣብ ብሉይ ኪዳን ጥራይ ዘይኮነ፣ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን፣ ኣብ ወንጌሉ፣ ደጋጊሙ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ክንደይ ውሑድ እምነት ከምዝነበሮም ይገልጽ እዩ። ነቲ ጋኔን ዝሓደሮ መንእሰይ ክሕግዝዎ ዘይከኣሉ ንምንታይ ምዃኑ ክገልጽ “ብጉድለት እምነትኩም እዩ። ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፣ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም ነዚ እምባ እዚ ‘ካብ ዚ ናብቲ ግዓዝ’ እንተበልኩምዎ ይግዕዝ፣ ዘይከኣለኩም ነገር የልቦን” (ማቴ 17:20)ይብሎም። ኢየሱስ ንሰዓብቱ ደጋጊሙ፣“ስለምንታይ ትፈርሁ፧ ክሳብ ክንዲዚዶ እምነት የብልኩምን ኢኹም፧ በሎም”(ማር 4:40 )።“ኣበይ ኣላ ደኣ እታ እምነትኩም፧ በሎም” (ሉቃ 8:25)“ኣቱም ሰብ ጎደሎ እምነት፣ ንምንታይከ ትፈርሁ፧” (ማቴ 8:26) እናበለ ብዋሕዲ እምነቶም ክወቕሶም ንርኢ። ኣቦ እቲ ርዂስ መንፈስ ዝኃደሮ መንእሰይ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ደቂ መዛሙርትኻ ምውጻኡ ሲኢኖም እሞ በጃኻንዶ ወደይ ኣኅውየለይ ምስ በሎ ኢየሱስ፣ “ኣታ ዘይኣምን ወለዶ፣ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝከ ክዕገሠኩም እየ፧ ናብዚ ኣምጽእዎ ኢሉ መለሰ” (ማር 9:19)። ኣብዚ ጊዜና, ገለ ሰባት፣ “ርኹሳን መናፍስቲ ነለሊ ኢና፣ ብጸሎት ከነውጽኦም ንኽእል፣ ንዝሓመሙ ኢድና ኣምቢርና ከነሕውዮም ንኽእል” ዝብሉ ይረኣዩ ኣለው። እዚ ግን ዘይካቶሊካዊ ባህልን ሓደገይና ተርእዮን እዩ። ዝኾነ ሰብ፣ ኣምላኽ ብቤተክርስትያኑ ገቢሩ ወግዓዊ ኃላፍነት ዘየልበሶ፣ ካህን ይኹን ምእመን ብዘየገድስ፣ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ብኢደ ዋኒኑ ክግብቶ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ። ቅድሚ ኲሉ ኣብ ዝኸድካዮ መናፍስቲ ኣለልየ ምባል፣ ዋሕዲ እምነት እምበር ብዝኂ እምነት ኣየመልክትን እዩ። ክርስቶስ ከኣ፣ ነተን ብሕማማቱን ሞቱን ትንሥኤኡን፣ ዝተበጀወን ነፍሳት ብቀሊሉ ባሮት ሰይጣንን ርኹሳት መናፍስትን ክኾና ኣይፈቅድን እዩ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ ንሰይጣን፣ ዘይብሉን ዘይግብኦን፣ ሥልጣን ወይ ክእለት ምሃብ ኣይግባእን እዩ። ንምእመናንናውን ፣ ዘለዎም ጸገማት ከይኣኽሎም፣ ተወሳኺ ራዕድን ምድንጋርን ይፈጥረሎም ኣሎ። ባህልና “ንሰይጣን ኣይትሃቦ ሥልጣን” ክብል ከሎ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣይንተሓባበሮ ማለት እዩ። ምናልባት እንተ ኣጋጠመ ከኣ፣ ባዕሉ ኢየሱስ “እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ግና ብጸሎትን ብጾምን እንተዘይኮይኑ ኣይወጽእን እዩ”(ማቴ 1:21) ከምዝበለ ዘኪርና፣ ብትሕትናን፣ ብእምነትን፣ ብመንፈስ ተጋድሎን፣ ብጸሎትን ደኣ ንቃወሞ፣ ነርሕቆ፣ ነሸንፎ፣ እምበር ከነዛንዮ የብልናን። እቲ ብእምነት እንዓትቦ ትእምርተ መስቀል እዩ ንሰይጣን ዘሰምብዶ። ቃል ኣምላኽ፡ ምሥጢራት፣ ብፍላይ ምሥጢረ ንስሓን ቅዱስ ቊርባንን ብዝግባእ ንቀበል። ፈዋሲ ሕሙማንን፣ ሰጓጒ ርኹሳን መናፍስትን፣ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። “ኢየሱስ፣ እቶም ሰብ ናብኡ ኪጐዩ ምስ ረኣየ፣ ነቲ ርዂስ መንፈስ፥ ‘ኣታ ዓባስን ጸማምን መንፈስ፣ እእዝዘካ ኣሎኹ፣ ካብኡ ውጻእ! ድኅሪ ደጊም ናብኡ ኣይትእቶ!’ እናበለ ገሰጾ” (ማር 9:25)። ብፍላይ ካህናት፣ ንዝኾነ ሕሙም ወይ ጸገም ዘለዎ ሰብ ናብ ክርስቶስ እምበር ናባና ክንስሕቦም የብልናን፣ ንሕና ኣይኮንናን ነሕዊ።
ናብ ጢሞቴዎስ ተመሃራዩ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ቅዱስ ጳውሎስ በቲ ዘገርም ቅንዕናኡ፣ “ሽሕ እኳ ቀደም ስም ጐይታ ዝጸርፍን ዘሳድድን ዝገፍዕን እንተ ነበርኩ፣ ብዘይ ፍልጠትን ብዘይ እምነትን ፍቕርን ስለዝገበርኵዎ ምሕረት ረኸብኩ። ኣብ ርእሲ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን ጸጋ ጐይታና ኣባይ ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ”(1ጢሞ 1:13-14)ይብል። ቀጺሉ እውን “ንሕና እሙናት እንተዘይኮንና፣ ንሱ ንርእሱ ኪኽሕድ ስለዘይክእል፣ እሙን ኮይኑ እዩ ዚነብር”(2ጢሞ 2:13) ብምባል ናይ ኣምላኽ እሙንነት ንዋሕዲ እምነትና ከምዝጽግኖ ይገልጸልና። ኣብዚ ምድሪ መጺኡ እምነት እንተሰኣነውን ንሱ እዩ እቲ ወትሩ እሙንን፣ ጸጋ እምነት ዝዕድለናን። ከምቶም ሓዋርያት ዝበልዎ ከኣ ደጋጊምና “እምነትና ድኽምቲ እያ እሞ እምነት ወስኸና” ንበሎ። ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ መድኃኔ ዓለም፣ “ናብቶም ናቱ መጸ፣ እቶም ናቱ ግን ኣይተቐበልዎን። ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዚኣምኑ ኲሎም ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኑ ሥልጣን (ክእለት) ሃቦም”(ዮሓ 1:11-12) ክብል ከሎ ንመን እዩ ዘስምዕ፧ ዝብል ሕቶ ክመጸና ናይ ግድን እዩ። ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ነቶም ኣይሁድ የስምዕ ነቢሩ። ሕጂ ግን ንኣና፣ ነቶም ብጸጋ ጥምቀት፣ ውሉድ ኣምላኽ፣ ኣኅዋት ክርስቶስ፣ ኣባላት ቤተክርስትያን፣ ወረስቲ መንግሥተ ሰማይ፣ ዝኾንና እዩ ዘስምዕ። እቶም ናቱ ንሕና ስለዝኾንና ከኣ ንሱ ወትሩ ይመጽኣና፣ ይበጽሓና ኣሎ። ብእምነትን ብተስፋን ብፍቕርን ክንቅበሎ ድልዋት ዲና፧ ሎሚ “እቶም ናቱ ግን ኣይተቐበልዎን” ዝብል ኃያል ወቐሳ ንኣና ከየስምዕ ይሰውረና። ከምቲ ነቢይ ኢሳያስ “በታ መዓልቲ እቲኣ ነፍስ ወከፍ ‘እንሆ ኣምላኽና እዚ እዩ፣ እምነትና ኣብኡ ገበርና፣ ንሱ ከኣ ኣድኃነና። ንሱ እግዚኣብሔር እዩ፣ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፣ ንሱ ስለዘድኃነና ከኣ ንሕጐስ ኣሎና፣ ባህውን ይብለና ኣሎ’ ኪብል እዩ” (ኢሳ 25:9) ዝበሎ ንሕና ከኣ ኣብዚ በዓላት ልደተ ጥምቀት ብሓጐስ ክንቅበሎ የኽእለና። እቲ ኣማኑኤል ዝስሙ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ “ኣብ መንጎቲ ብጽሒት ኣምላኽ ዝኾነ፣ እግዚኣብሔር ዝርስቱ ክቡር ሕዝቢ ሱር ሰደድኩ” (ሲራ 24:12) እናበለ ብታሕጓስ ክነብርን ክሰርሕን እዩ። ነፍስ ወከፍና ምስ ኣዴና ማርያም ኮይኑ/ና “ተዐብዮ ነፍስየ ለእግዚኣብሔር” (ሉቃ 1:45) እናበለ/ት፡ ት/ይዘምር።
ቅዱስ ጳውሎስ “ኲሉ ከኣ ኣማኒ ኣይኮነን እሞ፣ ካብ ዓመጸይናታትን ክፉኣት ሰባትን ምእንቲ ክንድኅን ጸልዩልና። ጐይታ ግና እሙን እዩ፣ ኬጽንዓኩም እዩ። ካብ ሰይጣን ከኣ ኪሕልወኩም እዩ”(2ተሰ 3:2-3) እናበለ ንርእሱን ነቶም ካልኦትን ከምዘጸናንዐ ንሕናውን ብድኻምነትና ተስፋ ከይቆረጽና፣ ብዋሕዲ እምነትና ከይተደሃልና፣ ነቲ ባዕሉ ኢየሱስ “ልብኹምም ኣይሸበር፣ ብኣምላኽ እመኑ፣ ብኣይውን እመኑ”(ዮሓ 14:1) ዝበለና ዘኪርና እምነትና ነሓድስ። እግዚኣብሔር፣ ዋላ እኳ ብዙኅ ጊዜ፡ “እዚ ሕዝቢ እዚ ብኣፉ የምልኸኒ፣ ብከናፍሩ የኽብረኒ፣ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ንኣይ ከኣ በቲ ዝተማህሩዎ ባህሊ ሰብ ገይሮም እዮም ዘኽብሩኒ ዘለው”(ኢሳ 29:13) ክብለና ምኽንያት ረኺቡ እንተኾነ፣ ንሕናስ ከምቲ ሓደ ኣቦ፣ ርዂስ መንፈስ ንዝሓዞ ወዱ ሒዙሉ ምስ መጽአ፣ ንኢየሱስ፣ “ገለ ትኽእል እንተኮይንካ ግና ርድኣና፣ ራኅርኃልና” ኢሉ ምስ ለመኖ። ኢየሱስ መሊሱ“ትኽእል እንተ ዄንካ’ ዲኻ ትብል ዘሎኻ፧ ንዝኣምን ኲሉ ይከኣል እዩ”፣ ዝበሎ እሞ፣ እቲ ኣቦ ቆልዓ ከኣ ብዓብይ ትሕትናን እምነትን፣ “እኣምን እየ፣ ግና ጒድለት እምነተይ ኪርሕቀለይ ደግፈኒ” እናበለ ዝጨርሐ(ማር 9:22-24)፣ ንሕና እውን ከምኡ ዝበለ እምነት ዝመልኦ ጸሎት ክንደግም ንዕደም ኣሎና። ከምቲ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ “ሓዋርያት ድማ ንጐይታ ‘እምነት ወስኸና’ በልዎ”(ሉቃ 17:5) ዝብለና ንሕና ከኣ ድኻምነትና፣ ዋሕዲ እምነትና፣ ተረዲእናን ተቐቢልናን፣ ናብቲ ከድኅነናን ዝመጽእ ዘሎ ሕያዋይ ጋሻና ነእዊ። ብርግጽ ከኣ ክሰምዓናን ሓራ ከውጽኣናን እዩ። በዓለ ልደት “ወነዋ ተወልደ መድኃኔ ዓለም፣ ፍስሓ ለኲሉ ዘየኣምን” ንኲሉ ዝኣምን ሓጐስ ዘምጽእ እንሆ መድኃኔ ዓለም ተወሊዱ (መዝሙር ዘልደት)እዩ ዝብለና ዘሎ። እምበኣር ነቲ “ወዲ ሰብ ምስ መጽአ እምበርዶ ኣብ ምድሪ እምነት ክረክብ እዩ፧” ንዝብል ሕቶ ኢየሱስ፣ ኃቢርና “እወ፣ ኦ ጐይታና! ኣይብኃይልናን ብጸጋኻ፣ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ነፍስወከፍና እምነት ክትረክብ ኢኻ”። ምስቶም ጓሶት ኮይንና ከኣ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፣ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዚሕጐሰሎም”(ሉቃ 2:14)እናበልና ብመዝሙርን ብዕልልታን ንቕበለካ ኣሎና ንበሎ። እምነት፣ ብፍቓድካ እትገብሮ ምርጫን ውሳኔን እምበር ስምዒት ኣይኮነን። ቡሩኽ በዓላት ልደትን ጥምቀትን ይግበረልና ኣሜን።

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም
ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ