ሓዋርያዊ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ – ምሕረትን ውርደትን 2016


ናይር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሓዋርያዊ መልእኽቲ

“ምሕረትን ውርደትን” 2016

=======================================

Misericordia et Misera

Pope Francis

ኅዳር 2016

 

ትርጒም፡     ኣባ ግርማይ ኣብርሃ – ዘማኅበረ ሲታውያን

   

  • ናይር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሓዋርያዊ መልእኽቲ

“ምሕረትን ውርደትን” 2016

መግለጺ

ብ22 ኅዳር 2016 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ናይ ቅድስት መንበር ቤትጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን፣ እቶም ናይ ሓድሽ ስብከተ ወንጌል ሓላፊ ዝኾኑ ሊቀጳጳሳት ሪኖ ፊሲኬላ፡ ናይ’ቲ ፍሉይ ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ምዝዛሙ እንኪገልጹ፣ “ ምሕረትን ውርደትን” እትብልናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊት መልእኽቲውን ብወግዒ ምውጻኣ ዝአወጁሉ ፍጻሜ ነበረ። እዛ ናብ መላእ ቤተክርስትያን ዝተላእከት ሓዋርያዊት መልእኽቲ፣ ዕላማኣ ኣብ’ዚ ፍሉይ ዓመት ኢዮቤል  ቤተክርስትያን ንዘስተማቐረቶን ዘሕለፈቶን መንፈሳዊ ሃለዋት ንኽትቅጽሎ ምትብባዕ እዩ።

ቫቲካን  22 – ኅዳር- 2016

 

ንኹሎም’ቶም ነዛ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ዜንብቡምሕረትን ሰላምን ይኹን።

 

Misericordia et Misera“ምሕረትን ውርደትን” ዚብል ሓረግ ቅዱስ አጎስጢኖስ ንናይ ወንጌል ዛንታ፣ ማለት  ኢየሱስን እታ ዘማዊት ሰበይትን ንዝተራኸቡሉ (ዮሓ. 8፡1-11) ኣመልኪቱ ዚጥቀመሉ እዩ። ዓሚቝምሥጢር ፍቕሪ ኣምላኽ ነቲ ኃጢአተይና ውሽጡ አንጉዑ አትዩ ኪትንክፎ ከሎ “ክልቲኣቶም ጥራሕ፣ ማለት ምሕረትን ውርደትን” (ምሕረተይናን እታ ውርደተይናን) በይኖም ተረፉ” (1) ንዚብል፣ ካብ’ዚ ናይ ቅዱስ አጎስጢኖስ ሓረግ ሕልፊ አዕሚቑን ኣጸባቢቑን ዚገልጾ የልቦን። ኣብ’ዚ ወንጌላዊ ዛንታ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ምሕረትን መለኮታዊ ርትዕን እሞ ዘይተገልጸ!! ትምህርቱ ድማ ንምዝዛም’ዚ ፍሉይ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቲ ንሓዋሩ ክንክተሎ ዘሎና መንገዲ ዜብርሃልና እዩ።

 

መግለጺ ትርጒም ኣርእስቲ

Misericordia et Miseraዚብል ናይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣበሃህላ፣ ብቐጥታ ኪትርጐም ከሎ፣ “ምሕረትን እታ ውርደተይናን” (ምሕረት ኣምላኽን እታ ውርደተይና ሰበይትን) ዚብል ሓሳብ’ዩ  ዜንጸባርቕ፣ “ምሕረትን ውርደትን” ብዚብል ኣርእስቲ ዝተካእናዮ፣ ምእንቲ ኪሓጽርን፣ ቃላቱ ከኣ ምእንቲ ኪሰማማዕን ኢልና ኢና።

“ተርጓሚ”

“ኣቲ ሰበይቲ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ወላ ሓደ’ኳ ዝፈረደኪ የልቦን?  በሊ ኣነ’ውን አይፈርደክን እየ፣  ኪዲ’ሞ ደጊም አይትበድሊ”፣  (ዮሓ.8፡10-11)።

 

Misericordia et Misera

“ምሕረትን እታ ውርደተይናን”

(ምሕረት ኣምላኽን እታ ውርደተይና ሰበይትን)

 

  1. እዚናይ ወንጌል ዛንታ፡ ነቲ በዚ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ዘኽበርናዮን ዝዘከርናዮን፣ ኣብ ማኅበራት ክርስትናና ዝነበርናዮን ምሕረት ኣምላኽ ዝዓዘዞ እዋን፡ ምልክትን ትእምርትን ኮይኑ ከገልግል ዚኽእል እዩ። ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን፡ ሓደ መንም ተደራቢ ነገር ዘይኮነስ፡ ዝዓመቘን ዝረቐቐን ሓቅታት ወንጌል ዚግለጸሉን፡ ግሁድን ጭቡጥን ዝኾነሉ ነቲ ህላዌኣ ብቐንዱ ዚትንክፍ እዩ። ኵሉ ነገር ብምሕረት ይግለጽ፡ ኵሉ ኸኣ በቲ ምሕረት ዝዓዘዞ ፍቕሪ እግዚኣብሔር-ኣቦ ይረጋገጽ።

ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ሰበይትን ኢየሱስን ተራኺቦም። እዛ ሰበይቲ ፍልጥቲ ዘማዊት ብምዃና ብዓይኒ-ሕጊ (ሙሴ) ብዳርባ-እምኒ ክትቅተል ዘለዋ እያ። እቲ ኣብ ቅድሜኣ ዘሎ ኢየሱስ ድማ በቲ ስብከቱን፡ በቲ ክሳብ መስቀል ዘብጽሐ ኵለንተናዊ ወፈያ-ሕይወቱን አቢሉ፣ ንሕጊ ሙሴ ናብ’ቲ ቅኑዕን ግቡእን መሠረታዊ ዕላማኡ ዝመለሶ እዩ። ኣብ’ዚ እቲ ቐንዲ ኮይኑ ዚረአ ጉዳይ፣ እቲ ሕጊወይ ድማ ሕጋዊ ፍትሒዘይኮነስ፡ እቲ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ። እዚ ፍቕሪ ኣምላኽ ድማ’ዩ ናብ ውሽጢ መዓሙቕ ልቢ ነፍስወከፍ ሰብ ሰርሲሩ ብምእታው፡ ኣብ’ቲ መዓሙቕ ተሰዊሩ ወይስ ተሰቲሩ ንዘሎ ባህግታት ኪርኢ ዚኽእል። ልዕሊ ኵሉ ቀዳምነት ኪወሃቦ ዘለዎ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ። እዚ ናይ ወንጌል ዛንታ ድማ ኃጢኣትን ፍርድን ብሕቱ ዚራኸበሉ ዘይኮነስ፣ እታ ኃጢኣተይናን እቲ መድኃኒኣን ፊት ንፊት ዝተጋጠሙሉ እዩ። ኢየሱስ ነታ ሰበይቲ ዓይን-ዓይና ጠሚቱ፣ ነቲ ኣብ ልባ ዘሎ ዚርዳእን ዚምሕራን፣ ሓራ ዘውጸኣን ንምርካብ ዝነበራ ባህጊ ከንብቦ ዝኸኣለ እዩ። እቲ ናይ ኃጢኣት ውርደት በቲ ናይ ፍቕሪ ምሕረት ተጐልቢቡ ወይ ተኸዲኑ ንረኽቦ። ኣብ’ዚ እምበኣር እቲ ናይ ኢየሱስ ፍርዲ ወይ ውሳኔ ንሃለዋት’ታ ኃጢኣተይና ብዘርእዮ ምሕረትን ርኅራኄን ዝተመልአ ኮይኑ ይርከብ።

ነቶም ኪፈርድዋ ዝሓሰቡን፣ ንሞት ኪዅንንዋ ዝመደቡን ከኣ፡ ኢየሱስ በቲ ነዊሕ ስቕታኡ እዩ ዝመለሸሎም። ዕላማኡ ድማ ኣብ ሕሊና’ታ ሰበይቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሕሊና’ቶም ከሰስታ’ውን ከይተረፈ፡ ድምጺ ኣምላኽ ንኺስማዕ ዕድል ንምሃብ እዩ፣ እቶም ከሰስታ እምበኣር ኣእማኖም ብምድርባይ፣ ሓደ ብሓደ ካብ’ቲ ፍጻሜ ኪወጽኡ ተረኽቡ (ዮሓ. 8.9 ረአ)። ድሕር’ዚ ኢየሱስ፡ “ኣቲ ሰበይቲ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ወላ ሓደ’ኳ ዝፈረደኪ የልቦን? በሊ ኣነ’ውን አይፈርደክን እየ፣ ኪዲ’ሞ ደጊም አይትበድሊ”፣በላ(ዮሓ.8፡10-11)።እዛሰበይቲ ንመጻኢኣ ብተስፋ ክትጥምትን፣ ኣብ ሕይወት ከኣ ሓድሽ ምጅማር ንኽትገብርን ኢየሱስ ኪሕግዛ ይረአ። ካብ ሕጂ ንደሓር እንተደኣ ደልያ “ብፍቕሪ ክትነብር” (ኤፌ. 5፡2) ትኽእል እያ። ደጊም ልብሲ ምሕረት ስለዝተኸድነት፣ እቲ ዝንባሌ ኃጢኣት’ኳ ፈጺሙ እንተዘይለቐቐ፣ ደጊም በቲ ንቕድሚት ንኽትጥምትን፡ ብፍሉይ አገባብ ንኽትነብርን ዘኽእላ ፍቕሪ፣ ነቲ ዝንባሌ ኃጢኣት ከተሸንፎ ትኽእል እያ።

  1. 2. ነዚነገር’ዚ ኢየሱስ ኣብ ካልእ ኵነታት’ውን ኣነጺሩ አብሪህዎ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ’ቲ ቤት ሓደ ፈሪሳዊ ንድራር ኣብ ዝተዓደመሉ፣ (ሉቃ.7፡36-50) ብዅሉ ፍልጥቲ ዝነበረት ኃጢኣተይና ሰበይቲ ናብኡ ቐሪባ፡ ኣብ ዝተረኽበትሉ እዩ። ኣብ ኣእጋሩ ጥዑም ዝመኣዛኡ ሽታ እናፍሰሰት፣ ብንብዓታ ሓጸበቶ፣ብጸጕራ’ውንደረዘትሉ(ሉቃ.7፡37-38)።በዚኣገባብ’ዚ ንዝተዓንቀፈ ፈሪሳዊ ኢየሱስ ዝሃቦ ምላሽ፣ “ብዙሕ ስለዘፍቀረት ነኣኣ ብዙሕ ተሓዲጉላ፣ እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ግና ሒደት’ዩ ዜፍቅር”(ሉቃ. 7፡47) ዚብል እዩ።

ኢየሱስ በቲ መላእ ሕይወቱን ተግባራቱን ኪገልጾ ዝደለየ፣ ናይ እግዚኣብሔር-ኣቦ ፍቕሪ ርኡይ ምልክቱ፡ሕድገት-ኃጢኣት ምዃኑ እዩ። ነፍስወከፍ ናይ ወንጌል ገጽ’ውን፣ በዚ ክሳብ ሕድገት-ኃጢኣት ምግባር ብዜስገድድ ፍቕሪ ዝተመልአ እዩ። ኣብ’ቲ መወዳእታ ሰዓት ምድራዊ ሕይወቱ’ውን እንተኾነ፣ ኣብ መስቀል ኣብ ዝተሸንከረሉ ህሞት ከይተረፈ፣ ኢየሱስ ነተን “ኦ ! ኣቦይ ዚገብርዎ አይፈልጡን’ዮም’ሞ ሕደገሎም” (ሉቃ. 23፡34) ዚብላ ቃላት-ሕድገት’ዩ ከድምጽ ዝተሰምዐ።

ሓደ ምስኪን ተነሳሒ ኃጢኣተይና፣ናብ ቅድሚ ምሕረት ኣምላኽ ዘቕርቦ ካብ ዘበለ ዅሉ፣ ኣብ ምሕረቱን ሕድገቱን ዘይሕቈፍ ፈጺሙ የልቦን። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ንሕድገት ኃጢኣት ውዕሊ ወይ ቅድመ ኵነት ኪገብረሉ መሰል ዝተዋህቦ የለን። ምሕረት ወትሩ ናይ’ቲ ሰማያዊ ኣቦና ብኸምኡ ዚወሃብ ጸጋ እዩ፣ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ውዕሊ፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሞያ ዚወሃብ፡ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ተግባር (ውጽኢት) እዩ። ምእንት’ዚ ኸኣ ነቲ ብናይ ፍቕሪ ምሉእ ናጽነት፣ ናብ ሕይወት ነፍስወከፍ ሰብ ኪኣቱ ዝፈቐደ ክንቃወሞ ዓቕሚ የብልናን።

ምሕረት ማለት’ምበኣር፡ እዚ ርኡይን ትሑዝን ናይ ፍቕሪ ተግባር (ስራሕ) ኮይኑ ብሕድገት (ኃጢኣት) ገቢሩ ንሕይወትና ዚልውጥን ዜሓድስን እዩ። በዚ ዓይነት’ዚ ከኣ መለኮታዊ ምሥጢረ ምሕረት ኪግለጽ ይርከብ። ኣምላኽ መሓሪ እዩ (ዘፀ. 34፡6 ረአ)፣ ምሕረቱ ከኣ ንዘለዓለም እዩ።(መዝ. 136 ረአ)። ነቶም ኣብኡ ዚእመኑን ዚጽግዑን ንውሉድ-ወለዶ ናብኡ ይጥርንፎም፣  ኣብ’ታ ሕይወቱ ብቐንዳ ኣሳቲፉ ድማ፣ ንሕይወቶም ብሡረ መሠረታ ኪልውጣ ይርከብ።

  1. ኣብልብ’ዘን ክልተ ኣንስቲ ከመይ ዝበለ ሐጐስ ኮን ጐስጒሱ ይኸውን ?  እቲ ዝረኸብኦ ሕድገት ኃጢኣት፣ ኣብ መወዳእታኡስ ሓራ ከምዝኾና ገቢሩ፣ ቅድሚኡ ብዘይተራእየ አገባብ፡ ብሓጐስ ኪመልአን ተረኺቡ። እቲ ናይ ውርደትን ሕፍረትን ንብዓትን ሥቓይን፡ ናብ ፍሽኽታ ይልወጥ፣ ከም ዝተፈቕረናይ ዚፈልጥን ዚስምዖን ሰብ ፍሽኽታ እዩ። ልባትና ንናይ’ታ ሓዳስ ሕይወት ተስፋ ርሑው ስለዝኾነ፣ ምሕረት ማለት ታሕጓስ ዘፈልፍል እዩ። እቲ ካብ ሕድገት-ኃጢኣት ዚርከብ ሓጐስ፡ ኪግለጽ ዘይከኣልእዩ። ግና ኸኣ ነዚ ሕድገት ኃጢኣት ከነስተማቕር ከሎና፣ ኣብ ዙርያና ዘንጸባርቕ ጕዳይ እዩ። መበቈሉድማ ኣምላኽ ነኣና ኪረክብ ኣብ ዚመጽኣሉ፣ኣብ’ቲ ፍቕሪ እዩ፣ ንሕና’ውን ብወገንና መጋበሪ ምሕረቱ ምእንቲ ኽንከውን፣ ነቲ ከቢቡና ዘሎ ናይ ኣንነትን፡ነኣይ ይጥዓመንን ዚብል መንደቕ ኣፍሪሱ ናባና ዚመጽእ ፍቕሪ እዩ።

በዚ ዝመጽአስ፡ እቲ ኣብ ሓደ ናይ ጥንቲ ክርስትያናዊ ጽሑፍ፣ ዚርከብ ናይ ምጽንናዕ ቃላት፣ ኣዝዩ ፍሉይ ትርጕም ዝሓዘ ኮይኑ ይርከብ። “ነቲ ወትሩ ምስ ኣምላኽ ዚኸይድን ዚሰማማዕን ሓጐስ ደኣ ልበሱ፣በኣኡ እውን ተሓጐሱ፡ ነቶም ዝተሓጐሱ ኵሎም ሠናይ ዘበለ ግበሩ፣ሠናይ ዘበለ ሕሰቡ፣ ንሓዘን ወግዱ፣ እቶም ሓዘን ዘልግሱን ታሕጓስ ዚለብሱን ኵሎም፣ ኣብ ኣምላኽ ሕያዋን ኪኾኑ እዮም”። ምሕረት ምስትምቓርን ኣብ ምሕረት ምንባርን ታሕጓስ’ዩ ዜምጽእ። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ሓጐስ’ምበኣር በቲ ፈተናን ሰሃሮን ዚኣክል፣ካባና ፈጺሙ ከምዘይውሰድ ንግበር። ኣብ ልባትና ንወትሩ ሡርሰዲዱከምዚነብር ብምግባር፣ንተግባራት ዕለታዊ ሕይወትና ብህድኣትን ቅሳነትን ንምፍጻም ዘኽእለና ይኹን።

ኣብ’ዚ ቴክኖሎጂ ዝዓብለለሉ መደብ ሓሳባትን ሥነ ሕይወትን፣ ጓህን ተነጽሎን ኣዝዩ ይገንን እዩ ዘሎ፣ ኣውራ ኸኣ ኣብ መንጎመንእሰያት ዘጋጥም ተርእዮ እዩ። እቲ መጻኢ እዋን ድማ ርግኣት ናይ ዘይብሉ፡ ናይ ዘይርግጽነት ግዳይ ዚኸውን ይመስል። እዚ ብወገኑ ጭንቀትን ጸቕጥን፣ ሓዘንን ምስልካይን ኣምጺኡ፣በብቝሩብ ናብ ቀቢጸ-ተስፋ ይወስድ። ነቲ ጸጸኒሑ ዚቀላቐለና፣ ብሰብ-ሰርሖ ምድራዊ ገነት ኣቢሉ ቀሊልን ቅልጡፍን ሓጐስ ዚመባጻዓልና ሓሳዊ ተስፋ፣ ካባና ከነወግድ እንተደኣ ደሊና፣ ናይ’ታ ሓቀይና ተስፋን ሓጐስን መሰኻኽር የድልዩና። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ዚነብርዎ ዘለዉ ዓሚቚ ስምዒት-ባዶነት(emptiness)ኪሰዓርን ኪስገርን ዚኽእል፣ በቲ ኣብ ልባትና ዝሓደረ ተስፋን፡ በቲ ንሱ ዚህቦ ሓጐስን እዩ። ብምሕረት-ኣምላኽ ካብ ዝተተንከፈ ልቢ ዚወጽእ ሐጐስ ከምዘሎ ክንፈልጥን ክንቅበልን የድሊ። እምበኣርከስ “ዅሉ ጊዜ ብጐይታ ተሓጐሱ!” (ፊልጵ.4፡4፣ 1ተሰ.5፡16) ንዚብል ቃላት ሓዋርያ ወትሩ ንዘክሮ።

  1. ጽዑቕንምዕሩግን ዝኾነ ዓመት ኢዮቤል ኣኽቢርና ዘኪርና፣ ጸጋ ምሕረቱ’ውን ብብዝሒ ተዓዲልና። ናይ ጐይታ ምሕረቱን ሕያውነቱን ድማ ከም ሓደ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ኣብ መላእ ዓለም ነፊሱልና። ነፍስወከፍና ድማ ነዚ ፍቕሪ ዝዓዘዞ ቈላሕታ-ኣምላኽ ብሰፊሑ ስለዘስተማቐርና፣ ንሕይወትና ዚልውጥብምዃኑ ከይተተንከፍና ክንተርፍ ዘይከኣል እዩ።

ልዕሊዅሉ ድማ ንጐይታ ከነመስግን “ኦ! እግዚኣብሔር ንምድርኻ ምሕረት ገበርካላ፣ ኣበሳ ሕዝብኻ ሓደግካ፣ንብዘሎ ኃጢኣቶም ከኣ ይቕረ በልካ” (መዝ.85፡1-2) እናበልና ክንውድሶ ግቡእ እዩ። ልክዕ ንሱ እዩ። ነቲ ዅሉ ኣበሳና፣ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ እግሩ ረጊጹ፣ኵሉ ኃጣውእና ናብ መዓሙቕ ባሕሪ ዝደርበየልና እዩ።(ሚክ.7፡19) ፈጺሙ’ውን ኣይዝክሮን፣ ከመይሲ ንድሕሪት ድርብይ አቢሉ ገዲፍዎ፣ ዝባኑ ሂብዎ እዩ። (ኢሳ.38፡17 ረአ) ልክዕ ከም’ቲ ምብራቕ ካብ ምዕራብ ዚርሕቆ፣ ከምኡ ከኣ ነቲ ኣበሳና ካባና ፈጺሙ ኣርሒቕዎ እዩ። (መዝ. 103፡12)

ኣብ’ዚቅዱስዓመትቤተክርስትያን ንናይእግዚኣብሔር-ኣቦ ቅርበትን ህላውነትን ብፍሉይ አገባብ ክትነብሮን ከተስተማቕሮን ተረኺባ እያ። በቲ ቅዱስ መንፈሱ ኣቢሉ ዝመጽአናይ ሕድገት-ኃጢኣት  ህያብ  ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ቤተክርስትያን ኣነጺራ ኽትጥምቶን ክትቅበሎን ዘኽኣላ እዩ።ጐይታ ኣብመንጎና ንዝገበሮ ነቲ ኡነተይናን ሓዲስን ምብጻሕ ዚመሳሰል እዩ። እቲ ወሃብ ሕይወት ዝኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያን ዝፈሰሰ መንፈሱ ብሓቂ ኪርደኣናን ኪስመዓናን ክኢሉ፣ ሕጅ’ውን እቲ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ!ኃጢኣት ንዝሓደግኩምሎም ኪሕደገሎም፡ ንዘይሓደግኩምሎም ግና ኣይኪሕደገሎምን እዩ”፣ (ዮሓ.20፡22-23) ዚብል ቃላቱ ነቲ ተልእኮና ዘነጽር እዩ።

  1. ሕጂድማ ኣብ ምዝዛም’ዚ ዓመት ኢዮቤል፣ ናብ’ቲ ዚመጽእ ገጽና እናጠመትና፣ ከመይ ቢልና ብሓጐስ በተኣማንነት ብህንጡይነት ንሃብቲ ምሕረት ኣምላኽ እናስተማቐርና፣ ብዝበለጸ ርድኢት ከምንቕጽል ክንሓስብ ኣሎና። ማኅበራት ክርስትናና ኣብ ስራሕ ሓዲስ ስብከተወንጌል ንጡፋትን ንቑሓትን ኮይነን ኪቕጽላ ዚኽእላ፣ብመጠን’ቲ ዝተጸዋዕናሉ “ግብራዊ  ዝኾነ ለውጢ ሕይወትን”፣በቲ ዜሓድስ ኃይሊ ምሕረትን፣ መጠኑ ብዝተደረኸ እዩ። ነቲ ስራሑ ኣይንደርቶ፣ ነቲ ወግሐጸብሐ ቀጺልና ክንከዶ ዘሎና፡ናብ ወንጌል ድሕነት ዘብጽሕ ሓዲስ መንገዲ፡ንዚሕብረልና መንፈስ ቅዱስ አይነጕህዮ።

ቅድሚ ዅሉ ነቲ ምሕረት(-ኣምላኽ) ከነኽብር ክንዝክር ኢና ተጸዊዕና። ቤተክርስትያን ድማ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከም መጠን ኣቦ ምሕረት ክትምህለሎ እንከላ፣ ኣብ’ቲ ጸሎታ መጠን ክንደይ ሃብትን በረኸትን’ሞ ዘየሎ!! ኣብ ሊጡርጊያ’ውን ምሕረት ኣምላኽ ደጋጊማ እትምህለሎ በይኑ ዘይኮነስ፣ብሓቅን ኣማናዊ ብዝኾነ አገባብን ክትቕበሎን ከተስተማቕሮን ትርከብ። ኣብ’ቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ (ቅዱስ ቍርባን) ካብ መፈለምታ ክሳብ መፈጸምታኡ ምሕረት ቀጺሉ ዚመላለስ፣ ኣብ መንጎ’ቲ ኣብ ጸሎት ዝተጸምደ ማኅበር ክርስትናን፣ ኣብ መንጎ ልቢ እግዚኣብሔር-ኣቦ ዚመላለስ መደብ’ዩ፡ እግዚኣብሔር-ኣቦ ነቲ መሓሪ ፍቕሩ ብምሃብ ዚሕጐስ እዩ። “ኦ ጐይታ መሓረና” ብምባል ንሕድገት ኃጢኣት ድሕሪ ተማህሊልና፡ “ከኣልኵሉ እግዚኣብሔር ይምሓረና!ኃጢኣትና ይሕደገልና! ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት’ውን መሪሑ የእትወና!! ” ብዚብል ቃል ርግጽነት ይወሃበና። በዚ ርግጽነትን እምነትን ተመሊኣ’ምበኣር እታ ማኅበር ክርስትና፣ ብፍላይ በታ ቅድስቲ ዕለት ትንሣኤ (ሰንበት)፣ ኣብ ዙርያ ህላዌ ጐይታ ትጋባእ።

መብዝሕትኡ እቲ ኣብ መባእታ መሥዋዕተ ቅዳሴ(ሥርዓት ላቲን) ዚግበር ጸሎት’ውን(Collect) ነቲ ናይ ምሕረት ዝዓበየ ህያብ ዜዛኻኽር እዩ። ንኣብነት’ኳ እቲ ኣብ እዋን ጾም-፵እነዘውትሮ ከም’ዚ ዚስዕብ ይብል። “ ኦ!ወሃብ ኩሉ ምሕረትን፡ምንጪ ሕያውነትን ዝኾንካ ኣምላኽና!! ብጾምን ጸሎትን ምጽዋትን ፈውሲ ኃጢኣት ዝሓበርካና ንስኻ ኢኻ፣ ሕጂ ድማ ናብ’ዚ ብትሕትና እነቕርበልካ ተኣምኖት ብምሕረት ጠምት፣ነዞም ብኅሊናና ድፍእ ኢልና እንልምን ድማ፣ ብምሕረትካ ሓፍ ከም እንብል ግበረና”(4)። “ንዓለም ክሳብ ክንድ’ዚ ስለዘፍቀርካዮ፡ ነቲ ብዘይካ ኃጢኣት ብኹሉ ከማና ኮይኑ ኣብ መንጎና ኪነብር ዝደለኻዮመድኃኒት፡ ብምሕረትካ ሰደድካልና” (5)፣ እቲ ራብዓይ ጸሎት ኣኰቴተ ቍርባን’ውን ንምሕረት ኣምላኽ ዚውድስ መዝሙር እዩ፣ “እቶም ሃሰስ ኢሎም ዚደልዩኻ ምእንቲ ኪረኽቡኻ፣ ንረድኤት ኩሉ ክትብል ብምሕረትካ መጻእካ”። “ንዅልና መሓረና”፣(6) ዚብል ጸሎት ድማ ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ሱታፌ ንምርካብ ካህን ደጊሙ ከየቋረጸ ኣብ’ቲ ጸሎተ ኣኰቴት ዘብጸሖ ጸሎት እዩ። ጸሎት “ኣቡነ ዘበሰማያት” ድሕሪ ተደጊሙ፣ እቲ ካህን“ብረድኤት ምሕረትካ” እናበለ፣ ካብ ኃጢኣት ሓራ ንኺወጽእን፡ ሰላም ንኺጭብጥን ይምህለል። ከም መግለጺ ኅውነትን ሓድሕዳዊ ፍቕርን፡ ብመንጽር ዝተቐበልናዮ ምሕረት ተሰኒና፣ ነቲ ምልክት “ሰላም ምብህሃል” ቅድሚ ምፍጻምና፡ እቲ ካህን “ንእምነት ቤተክርስትያንካ ደኣ’ምበር ንኃጢኣትና ቍሊሕ ኣይትበል” (7) ዚብል ጸሎትይደግም። ብመንፈስ ትሕትና  ተኣማንነት ብዚገልጽ ቃላት፣ ኣብ ልዕሊ ቅድስት ቤተክርስትያን ኣዴና ህያብ ሓድነትን ሰላምን ንምህለል። እዚ መደብ መለኮታዊ ምሕረት፣ ኣብ’ቲ ናይ ክርስቶስ ዝኽሪ ፋሲካዊ ምሥጢር ዝኾነ፡ ንታሪኽ ኮነ ንመላእ ዓለም፡ ንነፍስወከፍ ሰብ ምንጪ ድሕነት ዝኾነ፡ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝለዓለ ጠርዙ ይበጽሕ።  ብሓጺሩ ናይ መሥዋዕተ ቅዳሴነፍስወከፍ ህሞት፣ ናብ ምሕረት ኣምላኽ ዘተኰረት እያ።

ኣብ’ቲ ናይ ምሥጢራት ሕይወት እንክንሳተፍ፣ ምሕረት ኣምላኽ ብብዝሒእዩ ዚዕደለና።ኣብ’ተንክልተ“ናይ ምፍዋስ(ምሕዋይ) ምሥጢራት” ማለት ኣብ ምሥጢረ ንስሓን ዕርቅን፡ ኣብ ምሥጢረ ቅብዓተ ሕሙማንን፡ ምሕረት ኣምላኽ ግልጺ ብግልጺ ከም ዚስመን ዚጽዋዕን ዝተገብረ (ብቤተክርስትያን) ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ እዩ። ኣብ’ቲ ቀዳማይ፡ እቲ ጸሎተ ፍትሓት ከም’ዚ ዚስዕብ ይብል፣“እቲ ኣቦ ዅሉ ምሕረት ዝኾነ ኣምላኽ፣ ብናይ ወዱ ሞትን ትንሣኤን ገቢሩ፣ ንዓለም ምስ ርእሱ ኣተዓሪቑ፣ ንሕድገት ኃጢኣት ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎና ኣውሪዱ፣ብኣገልግሎት ቤተክርስትያኑ ይቕረታን ሰላምን የሃብካ!”(8)።ኣብ’ቲ ካልኣይ ድማ፡ እቲ ሥርዓተ ቅብዓተ ሕሙማን ከምዚስዕብ ይንበብ፣ “በቲ ዝተቐደሰ ቅብኣት ገቢሩ ጐይታ ብፍቕሩን ብምሕረቱን ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ይርዳእካ” (9)። ኣብ’ዚ ጸሎት ቤተክርስትያን እምበኣር፣ እቲ ንምሕረት ኣምላኽ ዚምልከት ምኽርን ምዕዶን ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ገለ ነገር ብልዑል ኣገባብ ዚፍጸም፡ ብእምነት ተመሊእና ምሕረት ክንምህለል ከሎና ከምዚወሃበና፣ እዚ ምሕረቱ ሕያውን ህልውን ምዃኑ ክንእመን ከሎና ድማ፣ከምዚልውጠና ርግጽ እዩ። እዚ መሠረታዊ ኣንቀጽ እምነትና ብምዃኑ፣ ወትሩ ክንዝክሮ ክንነብሮ ዘሎና እዩ። ኃጢኣት ቅድሚ ምግላጹ፡ እቲ እግዚኣብሔር ንዓለምን ንደቂሰብን ዝፈጠረሉ ፍቕሩ ተገሊጹ እዩ። ኣምላኽ ርእሱ ዚገልጸሉን፡ ናባና ገጹ ዘብለሉን ቀዳማይ ተግባር እዚ ፍቕሩ እዩ። ስለ’ዚ ድማ ልባትና ብምርሓው፡ ኣብ ፍቕሪ-ኣምላኽ ዘሎና ተስፋን ርግጽነትን ንግለጽ። ኃጢኣት’ኳ እንተ’ሎና፣ እቲ ፍቕሩ ወትሩ ቀዲሙና፡ ኣሰንዩና ዚጐዓዝ፡ ምሳና ዚነብር እዩ።

  1. ኣብከም’ዚ ዝበለ ኵነታት’ምበኣር ንቓል-ኣምላኽ ጽን ምባል ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ይኸውን። እታ መዓልቲ ጐይታ በቲ ፋሲካዊ ምሥጢር ዝተወልዔት ምእንቲ ኽትከውን፣ ሰንበት-መጽአ ቃል-ኣምላኽ ነታ ማኅበር ክርስትና ኪእወጀላ ይርከብ። (10) ኣብ’ቲ መደብ መሥዋዕተ ቅዳሴ’ምበኣር፣ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሕዝቡን ሓቀይና ምውስሳእ(ዲያሎግ) ኪፍጸም ንርኢ። ኣብ’ቲ ንባባት ቃል-ኣምላኽ፡ በቲ ዚንገርን ዚእወጅን ዘይሕለል ስራሕ ምሕረት-ኣምላኽ ኣቢሉ፡ ታሪኽ ድሕነትና ይግለጸልና። ጐይታ ድማ መጠን ኣዕሩኹ ይዛረበና፣ ንኸሰንየና መንገዲ ሕይወት እውን ምእንቲ ከርእየና፡ ኣብ መንጎና የሓድር።(11) በዚ ኸኣ እቲ ናይ ስብከት ኣገዳስነት ይረአ። ኣብኡ ልቢ ኣማንያን ኣብ ቅድሚ ዕቤት ምሕረቱ ብታሕጓስ ምእንቲ ከምሰጥ፡ “እታ ሓቂ ምስ’ቲ ጽባቔን ሕያውነትን ብቐንዳ ዝኾነ ማዕረማዕረ”(12)ትኸይድ።ስብከትኣብ ምስንዳውብሓፈሻኡ’ውን ንስብከተ-ወንጌል ብዚርኢ፡ ፍሉይ ተገዳስነት ኪግበር ብጥብቂ ኣማሕጽን። ናይ ሓደ ካህን ቃል ስብከቱ ፍረ ዘለዎ ኪኸውን ዚኽእል፣ መጠን’ቲ ንሱ ነቲ ምሕረት ዝመልኦ ሕያውነት-ኣምላኽ ኣብ ሕይወቱ ዝነበሮን ዘስተማቐሮንእዩ። ኣምላኽ ከምዘፍቅረና ንዚገልጽ ሓቂ ንኻልኦት ምስታፍ፣ ናይ ክእለት ዘረባ ጕዳይ ዘይኮነስ፣ ንተኣማንነት ክህነትካ ብቐንዱ ዚትንክፍ እዩ። ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ሕይወትካ ክትነብሮን ከተስተማቕሮን ማለት፣ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትካ ሓቀይና መልእኽቲ ምጽንናዕን ንስሓን ንምግባሩ እቲ ዝበለጸ ዕድል እዩ። ክልቲኡ መደብ፣ ማለት ስብከት ቃል-ኣምላኽን መደብ ትምህርተ-ክርስትናዊ መዕበያን እምበኣር፡ በዚ ናይ ክርስትያናዊ ህርመት ልቢ ዝተደገፈ ኪኸውን የድሊ።
  2. ቅዱስመጽሓፍ ማለት ናይ’ቲ ዘደንቕ ምሕረት ኣምላኽ ዛንታ ዚነግር እዩ። ነፍስወከፍ ገጹ ድማ ብናይ እግዚኣብሔር-ኣቦ ፍቕሪ ዝተመልአ እዩ። ንሱ ካብ ጊዜ ፍጥረት ኣትሒዙ፡እዚ ምልክታት ፍቕሩ ኣብ’ዚ ምድረ-ዓለም ተሳኢሉ ኪተርፍ ደለየ።

እቲ ሕዝቢ እሙን ኮይኑ’ኳ እንተዘይተረኽበ፣ ብቓላት ነቢያትን ብናይ ጥበብ ጽሑፋትን ገቢሩ፡መንፈስ ቅዱስ ንታሪኽ ሕዝቢ እስራኤል ከም መጠን መርኣያ ቅርበቱንፍቕሩን ገቢሩ፡መልክዕን መሥርዕን ኪህቦ ይርከብ። ናይ ኢየሱስ ሕይወቱን ትምህርቱን ድማ ንታሪኽ’ታ ማኅበር ክርስትና መሠረታዊ መልክዕ የትሕዞ፣ ከመይሲ እዛ ማኅበር ክርስትና ነቲ ተልእኮኣ፣ ብመንጽር’ቲ ክርስቶስ ዝሃባ ትእዛዝ፣ ናይ ምሕረቱን ሕድገቱን ነባር መጋበሪ ንምዃን ብዝሃባ ትእዛዝ ዚረአ እዩ (ዮሓ. 20፡23 ረአ)። በቲ ብእምነት ቤተክርስትያን ሕያው ኮይኑ ዚነብር ቅዱስ መጽሓፍ ገቢሩ ጐይታ ነታ መርዓቱ ቀጺሉ ይዛረባ፣ ክትከዶ ዘለዋ መንገዲ ወንጌል-ድሕነት’ውን ናብ ኩሉ ዓሌት ሰብ ንምብጻሕ ዘኽእላ መንገዲ ኪሕብራ ይርከብ። ቃል ኣምላኽ ኣጸቢቑ ኪንገርን ኪኸብርን ኪፍለጥን ኪዝርጋሕን፣ እቲ ካብ’ዚ ምንጪ ምሕረት ዚፍልፍል ምሥጢር ፍቕሪ፡ኣጸቢቑ ምእንቲ ኪርዳእ፣ እዚ ቃል ኣምላኽ ኣጸቢቑ ኪንገርን ኪኸብርን ክርኢ ምደለኹ። ሓዋርያ ኣነጺሩ ከምዚነግረና፣“እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ንትምህርቲ ንተግሣጽ ንምእራም ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም እዩ” (2ጢሞ. 3፡16)

ነፍስወከፍማኅበር ክርስትና፡ሓንቲ ሰንበት መሪጻ፣ ቅዱስ መጽሓፍ ሕልፊ ዚፍለጠሉን ዚዝርገሓሉን መደብን ኣገባብን ክትሰርዕ እንከላ ክንደይ ረብሓ ምተረኽቦ። እዛ ሰንበት’ዚኣ ንቓል-ኣምላኽ ዝተወፈየት ኮይና፣ ነቲ ኣብ መንጎ (ኣምላኽን) ጐይታን ሕዝቡን፡ ኣብ ዚግበር ርክብ ዘሎ ዘይውዳእ ሃብቲ በረኸት ንምርዳእ እተኽእል ምኾነት። በዚ መዳይ’ዚ ዚግበር ሓድሽ ተበግሶታት ምእመናን፣ ኣብ ምትሕልላፍ ቃል-ኣምላኽ ሕይወት ዘለዎ መጋበሪ (መዕቘሪ) ንምዃን ዘኽእሎም እዩ። ከም’ዚ ዝበለ ተበግሶታት ነቲ ኣገባብ“መለኮታዊ ንባብ”(Lectio Divina)ዚሓቍፍ እዩ። እዚ “መለኮታዊ ንባብ” ዝተሰምየ ጸሎት ዝዓዘዞ ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ፣ ነቲ መንፈሳዊ ሕይወት ዚጸውርን ዘደልድልን እዩ።ከም’ዚ ዝበለ ኣብ’ቲ ንምሕረት ኣምላኽ ዚርኢ ቀንዲ ሓሳባት ዝተመርኰሰ ንባብ፣ንናይ ቅዱስ ጽሑፍ ዓቢይ ፈርያምነት በብውልቂ ከምተስተማቕሮን ከምትነብሮን ዚገብር እዩ። እዚ ብናይ ቤተክርስትያን መንፈሳዊ ትውፊት በሪህካን ተመሪሕካን ዚግበር ንባብ ቅዱስ ጽሑፍ፣ ርኡይን ግሁድን ንዝኾነ መደባት ግብረ-ሠናይ እውን ከይተረፈ ዘበጋግስ እዩ።(13)

  1. ምሕረት ኣምላኽ ዚኸብረሉን ግቡእ ቦታኡ ዚረኽበሉን፣ ኣብ’ቲ ምሥጢር ንስሓን ዕርቅን ዚፍጸመሉ እዩ። ኣብ’ዚ እምበኣር ነቲ ንቕድሚት መጺኡ ዚራኸበናንዚሓቝፈናን፡ውሉዱን ኣዋልዱን ምዃንና ዘረጋግጸልና ጸጋ ዚዕድለናን ኣቦ ከም ዘሎና ንርዳእ። ንሕና ኃጢኣተይናታት ብምዃንና ኣብ መንጎ’ቲ ክንገብሮ እንደልዮን፣ ብጭቡጥ እንፍጽሞን ተወጢርናን፡ ጾር ኮይኑናን እንነብር (ሮሜ 7፡14-21) ዘሎና ኢና።

እንተኾነ ግን ጸጋ-ኣምላኽ ቀዲሙና ስለዚጐዓዝ፣ ኣባና ዕርቅን ይቕረታን ዘፍሪ ናይ’ቲ ምሕረት-ኣምላኽ ገጽ ሒዙ ይጸንሓና። ንሕና ኃጢኣተይናታት ምዃንና ምስተኣመንና፣ ብርግጽ ሽዑ ኣምላኽ ነታ ኣባና ዘላቶ ዓባይ ፍቕሩ ከም እንርዳእ ይገብረና። ጸጋ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣት ሓያል ኮይኑ ይርከብ፣ ፍቕሪ ንኹሉ ስለዚመልኽ (1ቆሮ. 13፡7)፣ ጸጋ ነቲ ተቓውሞ ኪስዕሮ ይርከብ።

በቲምሥጢር ሕድገት ኃጢኣት ገቢሩ ኣምላኽ፣ ናብኡ እንምለሰሉ መንገዲ ይሕብረና፣ ነቲ ምሳና ዘለዎ ቅርበቱ ድማ ከም በሓድሽ ንኽንነብሮ ንኸነስተማቕሮን ይዕድመና። እዚ  ምሕረት’ዚ ኽንቅበሎ እንኽእል ቅድሚ ኩሉ ብመንገዲ ፍቕርን ግብረ ሠናይን ምንባር እንተጀመርና እዩ። ሓዋርያ ጴጥሮስ ድማ ብዛዕባ’ዚ እንኪዛረብ “ፍቕሪ ብዙሕ ኃጢኣት ትኸድን እያ” (1ጴጥ. 4፡8) ኪብል ይጽሕፍ። ኣምላኽ ጥራሕ’ዩ ኃጢኣት ዚሓድግ፣ ንሕና ኃጢኣትና ኪሕደገልና እንተኾይኑ፣ ከም’ቲ ንሱ ዚሓድገልና ንሕና’ውን ንኻልእንኽንሓድገሎም ስንድዋት ክንከውን እዩ ዚሓተና። “ንሕና ንዝበደሉና ከም ንሓድገሎም ኃጢኣትና ሕደገልና” (ማቴ. 6፡12)። ልባትና ልኵት ኢሉ ተዓጽዩ፡ ምምሓር ኪሰኣኖ ከሎ፡ ክንደይ’ሞ ዜሕዝን እዩ!! ቅርሕንቲ ቍጥዓ በቐል ዝለዓለ ኢድ ይሕዝ።ንሕይወትና ከኣ ኣዝዩ ዝተወጽዐ ብምግባር፣መደብ ምሕረት ብሕጉስ ተወፋይነትን ቈራጽነትን ንኸይንጭብጥ የዓጽወና።

  1. ኣብ’ዚዓመት ኢዮቤል ቤተክርስትያን ዝተቐበለቶን ዝነበረቶን ሃለዋት ጸጋ፣ብፍሉይን ብቑዕን ኣገባብ ዘስተማቐረቶ እቲ ናይ ልኡኻት ምሕረት ኣገልግሎት እዩ። እቲ ናታቶም ሓዋርያዊ (ጕስነታዊ) ንጥፈታት ከነጽሮ ዝፈተነ፣ ነቶም ጥዑስ ልቢ ሒዞም ሃስስ ዚብልዎ ኩሎም፣ ኣብ መንገዶም ዝኾነ ዕንቅፋት ኣይገብረሎምን እዩ፣ ከመይሲ ንሱ ከም’ቲ ኣቦ፡ ንነፍስወከፍና ንምቕባል እዩ ዚወጽእ። ኣብ ምሥጢረ ኑዛዜ (ንስሓ) ንጐይታ ካብ ዝረኸብዎ ወገናት ዝሰማዕክዎ ምስክርነት ሓጐስ ኣሎ፣ ንእምነትና ከም ናይ ዕርቅን ንስሓን ሃለዋት ክንነብሮ ዘሎና ወይ ዝተዋህበና ዕድል ኪሓልፈና ስቕ ኢልና  ኣይንርአ። ሎሚ’ውን እንተኾነ እቶም ዚኣምኑ ዘበሉ፣ “ሓዲስ ፍጥረት” ንዚገብረና፡ኣብ ፍቕሪ ዘሎና ኃይሊ ምእንቲ ኪረኽብዎ(2ቆሮ. 5፡17) ሓዋርያ ጳውሎስ “ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ” (2 ቆሮ. 5፡20) እናበለ የተባብዕ።

ጸጋ ሕድገትን ምሕረትን ውጽኢታዊ ኮይኑ ምእንቲ ኺርከብ፣በቲ ዘወፈይዎ ኣገልግሎቶምንነፍስወከፍ ልኡኽ ምሕረት ኣመስግን ኣሎኹ። እዚ ፍሉይን ምርኡይን ዝኾነ ኣገልግሎት፣ በዚ ናይ ቅዱስ ኣፈቤት ኢዮቤል ምዕጻዉኣይዛዘምን እዩ። እቲ ጸጋ ኢዮቤል ኣብ ኹሉ ዓለም ሕያውን ውጽኢታውን ከም ዝኾነ ግሁድ መርአያ ምእንቲ ኪኸውን፣ ከምኡ ኢሉ ኪቕጽል ምደለኹ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ’ቶም ልኡኻን ምሕረት ዘሎኒ ተገዳስነትን ሓልዮትን ዝዓዘዞ ቅርበትን መግለጺ ንኪኸውን፣ እቲ ንሓዲሽ ስብከተ ወንጌል ዚከታተል ጳጳሳዊ ቤትጽሕፈት ኪከታተሎም እዩ፣ እዚ ኣገዳስን ብሉጽን ኣገልግሎት ብኸመይ ከምዚቕጽል ገለ መንገዲ ኪመሃዘሉ እዩ።

  1. ክህነታዊ ተልእኮ ብምዃኑ፣ ካህናት ንኣገልግሎት ኑዛዜ ብዓቢይ ጥንቃቐን ተገዳስነትን ኪሰናደዉሉ ሓደራ እብል። ንኵልኹም ድማ በቲ እትፍጽምዎ ኣገልግሎት፣ ብልቢ ኣመስግነኩም፣ ምስ’ዚ ኣተሓሒዘ ድማ ንኹሎም ብጽቡቕ ክትቅበልዎም፣ ናይ ዝፈጸምዎ ኃጢኣት ክብደት ብዘየገድስ ናይ’ቲ ኣባታዊ ፍቕሪ ምስክር ክትኮኑዎም፣ በቲ ዝፈጸምዎ ክፍኣት ንተነሳሕቲ ንኺጠዓሱ ንምሕጋዞም ክትተግሁ፡ መምርሒ ሞራል ብንጹር ምቕራብ፣ኣብ’ቲናይ ንስሓ ጉዕዞኦም ንምእመናን ብትዕግሥቲ ከተሰንዮም ምድላይ፣ ውልቃዊ ጉዳያት ኣብ ምግምጋም ኣርሒቕካ ኣስፊሕካ ምሕሳብ፣ናይ ኣምላኽምሕረትን ሕድገትን ኣብ ምዕዳል ድማ ለጋስ ርኅሩኅ ምዃን የድሊ። ልክዕ ከም’ቲ ኢየሱስ ብዝሙት ንዝተታሕዘት ሰበይቲ፣ ካብ ሞት ከድሕና ኢሉ ስቕታ ዝመረጸ፣ ከምኡ ከኣ ነፍስወከፍ ኣብ መንበረ ኑዛዜ ዚርከብ ካህን፣ ርሑውን ሰፊሕን ልቢ ዝሓዘ ኮይኑ፣ነፍስወከፍ ተነሳሒ ኪቐርቦ ከሎ፣ ንሱ ንርእሱ’ውን ኃጢኣተይና ምዃኑ፣ ግና ኸኣ ልኡኽ ምሕረት ኣምላኽ ምዃኑ ከዘኻኽሮ ይግባእ።
  2. “በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ እየ፡ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ” (1ጢሞ.1፡16) ኪብል ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ምዝዛም ሕይወቱ፣ ንሱ ንርእሱ እቲ ዝገደደ ኃጢኣተይና ምንባሩ ንጢሞቴዎስ እንኪእመነሉ፣ ንዝጻሓፈን ቃላት ከነስተንትን ምደለኹ። እዚ ቃላት ጳውሎስ በሓቂ ሓይሊ ዝለበሰ ኾይኑ፣ ንሕይወትና ተኲርና ንምጥማት ምሕረት ኣምላኽ ንልባትና ከመይ ገቢሩ ከምዚልውጥን ከምዚመልስን ከምዘሓድሶን ከርእየና እዩ። “ናቱ እሙን ስለዝገበረንን ንመልእኽቱ ኣብ ፍጻሜ ንምውዓሉ ሓይሊ ስለዝሃበንን፣ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣመስግኖ ኣሎኹ ኣነ’ኳ ብቕድሙ ናቱ ጸራፍን ናይ ኣመንቱ መሳደድን ጸላእን ዝነበረኩ እየ፡ እንተኾነ እግዚኣብሔር መሓረኒ” (1ጢሞ. 1፡12-13)።

ካልእ ነዚ ዚርኢ ናይ’ቲ ሓዋርያ ኣበሃህላ’ውን ብዝተሓደሰ ሓዋርያዊ ቅንኣት ክንዝክር “ነኣና ምስኡ ብኽርስቶስ ኣተዓረቐና፣ ንኻልኦት ናይ ምትዕራቕ ኣገልግሎት ከኣ ነኣና ሃበና” (2ቆሮ. 5:18) ብመንጽር’ዚ ተልእኮት ንሕና እቶም ብቐዳምነት ሕድገት ኃጢኣት ዝረኸብና ኢና፡ በዚ ኸኣ ነቲ ኣምላኽ ንኹሉ ዓለም ሕድገት ዝሃበሉኵነት ብቐዳምነት መሰኻኽር ንምዃን ዝበቓዕና ኢና። ከምዝኣበሰ ተኣሚኑ ሕይወቱ ከም በሓዲስ ኪፍልም ሓሊኑ ናብኡ ኣቦኡ ንዚምለስ ውሉድ፣ ዳግም እንካብ ምቕባልን ምሕቋፍን ንእግዚኣብሔር ዚዓግቶ ሕጊ ወይ ድንጋገ የልቦን። ኣብ’ቲ መደብ ሕጊ ጥራሕ ተሓሊኽኻ ምትራፍ ማለት ንእምነት ኮነ ንመለኮታዊ ምሕረት ዋጋ ምኽላእ ማለት እዩ። ከም ሓቁ እንተደኣኮይኑ ሕጊ ንናይ ግዜያውነትን ሞግዚትነትን መደብ’ዩ ዘለዋ ኮይና፡ (ገላ. 3፡24ረአ) ናብ ፍቕሪ ንምብጻሕ (1ጢሞ. 1፡5) እትሕግዝ እያ። ክርስትያን ነቲ ናይ ወንጌል ሓዲስ ሕይወት ነቲ “ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበት ሕይወት እትህብ ሕጊ መንፈስ” (ሮሜ. 8፡2) ኪነብሩ ዝተጸውዑ እዮም። ካብ ሕግን መምርሕታትን ንዚመጽእ ፍትሒ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቀጻሊ ፈተና ኣብ ዚቀላቐለሉ፣ ኣዝዩ ዝተሓ-ላለኸ ኵነታት’ውን እንተኾነ፣ ኣብ’ቲ ካብ ጸጋ ኣምላኽ ዚፍልፍል ኃይልን ክእለትን ክንኣምን ኣሎና።

ንሕና ናዘዝቲ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብርእዮ ዝተፈጸመ ናይ ብዙሓት ምምላስ ወይ ንስሓ ኣስተውዒልና ኣሎና። ምእንት’ዚ ከኣ ንልቢ ተነሳሕቲ ተንኪፉ፣ ናይ’ቲ ሕድገት ኃጢአት ዝሃቦም እግዚኣብሔር ኣቦ ቅርበትን ምሕረትን ንምርዳእ ዘኽእሎም ተግባራትን ቃላትን ኣብ ሓላፍነትናን መዝነትናን እዩ ዘሎ። እምበኣርከስ ተነሳሒ ሃረር ንዚብሎ ዘሎ ሃለዋት ምሕረት፡ ዚጻረር ተግባራት ብምፍጻም እቲ ዘሎ ዕድል ከየምልጠና ንጠንቀቕ። የግዳ እኳ ደኣ ነቲ ናይ ውልቃዊ ሕሊና ኲነታትን ሃለዋትን፣ብናይ ኣምላኽ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ከነብርሆ ንጽዓር (ዮሓ.3፡20 ረአ)።

ምሥጢረ ንስሓን ዕርቅን፣ ኣብ ሕይወት ክርስትና ማእከላይ ቦታ ኪሕዝ ዚግብኦ እዩ። ነዚ ድማ ንሕይወቶም ኣብ “ኣገልግሎት ዕርቅን ንስሓን” (2ቆሮ.5፡18) ዘውዕሉ ካህናት የድልዩ። በዚ ከኣ ዝኾነ ይኹን ብቕንዕና ዝተበገሰ ተነሳሒ ናብቲ ንስሓኡ ዚጽበ ፍቕሪ እግዚኣብሔር-ኣቦ ንኪቐርብ ዘጸገሞ ነገር አይኪህሉን እዩ። ነፍስወከፍ ሰብ ድማ ነቲ ናይ ሕድገት ኃጢኣት ሓራ ዜውጽእ ኃይሉ ኪነብሮን ከስተማቕሮን ይኽእል።

ነዚ ኹሉ ምቹእን ጥዑምን ዝኾነ ኣጋጣሚ እቲ ኣብ ራብዓይ ሰንበት ዘመነ ጾም ዚኽበርን ዚዝከርን፣24 ሰዓት ንጐይታ ዚብል መደብ እዩ። እዚ ኣብ ብዙሓት ሰበኻታት ተኣታትዩ ዘሎ ተበግሶ ምስጢረ ንስሓ (ኑዛዜ) ብዝዋዕውዐ መንፈስ ኣብ ምፍጻም ዓቢይ ሓዋርያዊ (ጉስነታዊ) ግምት ዚህብ እዩ።

  1. እዚ ግድነት’ዚ ኣብ ቦታኡ ከሎ ኣብ መንጎ’ቲ ንዕርቅን ንስሓን ዚቐርብ ልመናን ምሕረት ኣምላኽን ዝኾነ ዓይነት ዚዕንቅጽ ነገር ምእንቲ ከይርከብ፣ካብ ሕጂ ንደሓር ንኹሎም ካህናት በቲ ዘለዎም ስልጣን ተልእኮት፣ ነቶም ኮነ ኢሎም ናይ ምስዳድ ወይ ምቁራጽ ጽንሲ ኃጢኣት ዝፈጸሙ’ውን ፍትሓትን ሕድገትን ኪህቡ ኣፍቅደሎም ኣሎኹ።እቲ ነዚ ዚርኢ ኣብ’ዚ ፍሉይ ቅዱስ ዓመት ጥራሕ ተደሪቱ (14) ዝነበረ ኣገባብ፣ ተጻዩ ዝኾነ ይኹን መደብ’ውን የሃሉ፡ በዚ ናይ ሕጂ መምርሒ ተናዊሑ ኣሎ። ንሓደ ንጹሕ ሕይወት ዚቐትል ብምዃኑ፣ ሕጂ’ውን ምስዳድ ወይ ምቍራጽ ጽንሲ ዓቢይ ሓጢኣት ምዃኑ ደጊመ ከረጋግጽ እደሊ። ምስ’ዚ ማዕረ ማዕረ ድማ ጥዑስ ልብን፡ ምስ ኣቦ ኪዕረቕ ዚደልን ተነሳሒ ኣብ ዘለዎ፣ ምሕረት ኣምላኽ ዘይበጽሖን ዘየንጽሖን ዝኾነ ይኹን ኃጢኣት ከምዘየልቦ ደጊመ ከረጋግጽ ይግበኣኒ። ኣብ’ዚ ናይ ፍሉይ ዕርቂ ጉዕዞ’ምበኣር ነፍስወከፍ ካህን ንኹሎም ተነሳሕቲ መሪሕን ደገፍን ጽንዓትን ዚኸውን ይግበሮ!!

ከምኡ’ውን በዚ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ብናይ ቅዱስ ፕዮስ 10ማኅበር ካህናት ኣብ ዚግልገላ ኣብያተ ክርስትያን ዚመላለሱ ምእመናን’ውን ብብቑዕን ግቡእን ኣገባብ ናይ ኃጢኣቶም ሕድገትን ምሥጢረ ፍትሓትን ኪረኽቡ ፍቓድ ሂበ ኣሎኹ። (15) እዞም ምእመናን’ዚኣቶም ጉስነታዊ ረብሓ ምእንቲ ኪረኽቡ፣ ከምኡ’ውን ካህናቶም ብሓገዝ ኣምላኽ ናብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምልኣት ሱታፌ ኣብ ዚገብርዎ ሠናይ ድልየት ብምትእምማን፣ ነዚ ፍቓድን ክእለትን’ዚ ክንየው ዓመት ኢዮቤል ሓሊፉ ኪኸይድ ባዕለይ እውስን ኣሎኹ። ካልእ መደባትን ኣገባባትን ክሳብ ዚወሃብ፣ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብናይ ቤተክርስትያን ምሕረት ኣቢሉ ነቲ ምሥጢረ ንስሓን ዕርቅን ኪስእኖ ኣይግባእን።

  1. እቲ ካልእ ገጹ ንምሕረት ድማ ምጽንናዕ እዩ። “ንሕዝበይ ኣጸንናዑ! ኣጸናንዕዎ!” (ኢሳ. 40፡1) ዚብል ልባዊ ምሕጽንታ ሎሚ’ውን ከይተረፈ እቲ ነቢይ ከቕርቦ ከሎ፣ ናብ’ቶም ኩሎም መከራን ሥቓይን ዚጾሩ ዘለዉ ገለ ቃል ተስፋ እንተመጽኦም ብዚብል እዩ። ኣብ’ቲ ዝተንሠአ ጐይታ ካብ እትውለድ እምነት ንዝተረኽበት ተስፋ፣ ካብ ሕይወትና ከምዘይትስወር ንግበር። ርግጽ’ዩ በብግዜኡ ንፍተን ኢና፣ እንተኾነ ግን ፍቕሪ ጐይታ ኣባና ከምዘሎ ዘረድእ ርግጽነትና ከነጥፍእ የብልናን። ብግዜ ሓዘንናን መከራናን ካብ ብዙሓትኣኅዋትንኣኃትንዚመጽኣና ምልክት ቅርበት ዝኾነ፣ ናይ ፍቕርን ደገፍን ኣገባብ ናይ’ቲ ምሕረት ኣምላኽ መግለጺ እዩ።ከም መጻወድያ ኣሲሩና ካብ ዚርከብ፣ ናይ ጽምዋን ተነጽሎን ሰንሰለት ሰቢርና ንምውጻእ ዚሕግዘና፣ እቲ ናይ ንብዓት ምድራቕን ምድራዝን እዩ።

ካብ ዝኾነ ይኹን ሥቓይን መከራን ፈተናን ዝተበየነ ሰብ ስለዘይብልና ኩልና ምጽንናዕ ንደሊ። ካብ ቅንእን ቅርሕንትን ቁጥዓን ካብ ዚውለድ ነግራም ኣዘራርባ፣ ከመይ ዝበለ ሥቓይ ዘየስዕብ!! ክትጥለምን ክትዕመጽን ብዘይኣገባብ ክትንጸልን ከሎኻኸ፡ ከመይ ዝበለ ዓሚቚ ሥቓይ ዘይወርደካ!! እትፈትዎ  ወገንካ ብሞት እንኪፍለየካኸ፡ ከመይ ዝበለ ሓዘን ዘይወርሰካ!! እንተኾነ ኣብ’ዚ ኹሉ ጊዜ ጸበባ፣ ኣምላኽ ካባና ፈጺሙ ኣይርሕቕን እዩ። ርግጽነት ዚህብ ቃላት፣ ዚርደኣና ሰብ ከም ዝረኸብናዘረጋግጽ ተቕባል፣ከም ዝተፈቐርና ዘመልክት ፍሉይን ፍሕሽውን ኣገባብ፣ዘበራትዓና ጸሎት…. እዚ ኹሉ ብናይ ኣኅዋትን ኣኃትን ምጽንናዕ ኣቢሉ ዚመጸና፣ ኣምላኽ ቀረባና ምዃኑ ዚገልጽ ኣገባባት እዩ።

ሓድሓድ ጊዜ ብፍላይ ድማ እቶም ዚሣቐዩ ወገናት ንዘቕርቡልና ሕቶ ዚበቅዕ ምላሽን ቃላትን ኣብ ዘይንረኽበሉ ህሞት፣ ስቕታ ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእለሉ ግዜ ኣሎ። እንተኾነ እዚ ዋሕዲ ቓላት፡ ብናይ’ቲ ኣብ ጐድንና ደው ዚብል ሰብ ርኅራኄን ስምዒትን ብናይ’ቲ ዘፍቅረናን፡ ብኢድና ሒዙ ኣጆኻ ዚብለናን፡ በዚ ኣገባባት’ዚ ኪትካእ ዚኽእል’ዩ። ስቕታ ናይ ዓቕሚ ምስኣንን ኢድካ ናይ ምሃብን ተግባር ኮይኑ ኪግመት ሓቂ ኣይኮነን። ብተጻዩ’ኳ ደኣ ናይ ብርታዐን ፍቕርን ሃለዋት ዚገልጽ እዩ። ኣብ ናይ ሓውካ ኮነ ሓፍትኻ ሥቓይ ብግህዶ ምስታፍ ስለዝኾነ፣ ስቕታናይ’ቲ ቛንቋ ምጽንናዕ ሓደ ክፋል እዩ።

  1. እዚ ዘሎናሉ እዋን ብብዙሕ ፈተናን ጸገምን ብናይ ስድራቤት ጸገማት ዝተሓመሰ እዋን እዩ። ከም’ዚ ንዝበለ ስድራቤታት ዚበቅዕ ናይ ምጽንናዕን ምብርታዕን ቃላት ምሃብ ኣገዳሲ እዩ።  ናይ ኪዳን ውህበት ዓቢይ መጸዋዕታ እዩ፣ ብጸጋ ክርስቶስ ተደሪኾም ለጋስን ዕጉስን እሙንን ብዝኾነ ፍቕሪ ኪምለሹሉ ዘለዎም ጸዋዕታ እዩ። ሓያሎ ግድላትን ተማራጺ ሓሳባትን’ኳ ዚመጽእ እንተኾነ፣ ናይ ስድራቤት ጽባቔን ቁምነገርን ወትሩ ከይተለወጠ  ይነብር። “እቲ ስድራቤታት ዘስተማቕርኦ ሓጐስ ፍቕሪ ናይ ቤተክርስትያን ሓጐስ’ውን እዩ”። (16) ንሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ሓድሕድ ንኪራኸቡ ንሓድሕዶም ንኪፋቐሩ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቦም’ውን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ንኺመባጽዑ ዘኽእሎም ጉዕዞ ሕይወት፣ ሓድሓድ ጊዜ ብገለ ሥቓይን ጥልመትን ተነጽሎንዘቋርጸሉ ጊዜ ኣሎ። እቲ ውሉድ ምስ ምርካብ ዚመጽእሓጐስ’ውን እንተኾነ፡በቲ ንመዕበያኦም መምሃሪኦምእተርእዮ ሓልዮትን ሓሳባትን፣ በቲ ንሓጐሶምን ምልኣት ሕይወቶምን ዚርኢ ኵሉ ሓሳባት ዝተሰነየ እዩ።

ጸጋምሥጢረ ተኽሊል ንስድራቤት ምሕረት-ኣምላኽ ንኸተዘው ትር ዘበራትዓ ብሕቱ ዘይኮነስ፡ ንመላእ ማኅበር ክርስትና ንኹሉ’ቲ ሓዋርያዊ ንጥፈታተን’ውን ነቲ ናይ ስድራቤት ኣወንታዊ ቁምነገርን ክብርን ንምዕቃብ ዚሕግዝ እዩ። እዚ ዓመት ኢዮቤል’ምበኣር ነቲ ህልውን ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ኵነታት ስድራቤታዊ ሕይወት ሸለል ኪብሎ ኣይክእልን እዩ። እቲ ዘስተማቐርናዮ ምሕረት ኣምላኽ፣ ነቲ ኹሉ ሰብኣዊ ግድላት ብመንጽር ፍቕሪ ኣምላኽ ክንጥምት ዘኽእለና፣ እዚ ፍቕሪ ኣምላኽ ድማ ነቶም ናብኡ ዚመጽኡ ንምቕባል ኮነ፡ ኣሰኒኻዮም ንምኻድ ዘይሰልኪ እዩ (17)።

ነፍስወከፍና ነቲ ናይ ውልቁ ናይ ታሪኽ ሃብትን ክብደትን ኪጸውር ዝተገደደ እዩ። እዚ’ዩ ከኣ ንሓደ ካብ’ቲ ካልእ ዝተፈልየ ዚገብሮ። ሕይወትና ምስ’ቲ ከሉ ሓጐስን ሓዘንን፣ ፍልይትን ዘይትድገምን ወትሩ ከኣ ኣብ ትሕት’ቲ ምሕረት ዝዓዘዞ ጠመተ-ኣምላኽዘላ እንክትከውን፡ ብወገን ካህናት ፍሉይ ክንክን፣ ኣማዕዲኻ ምጥማትን ሜማን እተሓትት እያ። ነፍስወከፍ ሰብ ሓደ’ኳ ከይተረፈ፣ ብአምላኽ ተቐባልነት ከምዝረኸበ ምእንቲ ኪስመዖ፡ ኣብ ሕይወት’ታ ማኅበረ ክርስትና ድማ ብንጥፈት ተሳቲፉ ኣባል ሕዝቢ እግዚኣብሔር ንምዃን ይበቅዕ፣ እዚ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ከይሰልከየ ናብ’ቲ ምልኣት መንግሥቱ ማለት ናብ መንግሥቲ ፍትሕን ፍቕርን ናብ መንግሥቲ ሕድገትን ምሕረትን ዚጐዓዝ እዩ።

  1. ኣብ’ዚ’ውን እንተኾነ ነቲ ናይ ሰዓት ሞት ፍሉይ ኣገዳስነት ንርኢ። ነዚ ፍሉይ ዝኾነ ምስግጋር፡ ቤተክርስትያን ብመንጽርን ብብርሃንን ትንሣኤ ክርስቶስ ምስ ጠመተቶ እያ፣ ከመይሲ ናብ’ቲ ናይ ዚመጽእ ሕይወት ርግጽነት መንገዲ ዚኸፍት እዩ። ኣብዚ ሓዲሽ ኣተሓሳስባን ሕንጸተሰብን ብሓቂ በዳሂ ኩነታት’ዩ ዘጋጥመና፡ ንሞት ኣነኣኢስካ ምርኣይ ወይ ካብኡ ክትሃድም ወይ ካባኻ ከምዚኽወል ምግባር እዩ። እንተኾነ ግን ሞት ከም ሓደ ሥቓይ ዝመልኦ ከነምልጠሉ ዘይንኽእል መሰጋገሪ መጠን፣ ክንቀራረበሉ ገጽ ንገጽ’ውን ክንገጥመሉ ዘሎና እንኪኸውን፣ ግን ከኣ ሰፊሕን ዓሚቝን ትርጉም ዘለዎ፡ ብመንጽር’ቶም ንድሕሬና እንሓድጎም ብመንጽር’ቲ ክንራኸቦ እንኸይድ ዘሎና ኣምላኽን ኪረአ ከሎ፣ ሞት እቲ ናይ መወዳእታ ፍቕሪ ዚግለጸሉ እዩ። ኣብ ኵሉ እምነታት(ሃይማኖት) እዛ ሰዓት ሞት፡ ልክዕ ከም’ታ ሰዓት ልደት፣ ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖታዊ መንፈሳዊ ሃለዋት ዝዓዘዛ እያ። ከም መጠን ክርስትያን ድማ ነቲ ናይ ሥርዓተ ቐብሪ ኣገባብ ጸሎት ክንፍጽም ከሎና፣ ነታ ነፍሲ መዋቲ ከምኡ’ውን ነቶም ብሞት ፈታዊኦም ዚሣቐዩ ስድራቤት፣ ተስፋ ዝዓዘዞ ጸሎት ነዕርገሎም ከምዘሎና ይርደአና። እቲ እምነት ዝመልኦ ጉስነታዊ ንጥፈታትና ኩሉ፣ ናብ’ቲ ሊጡርግያዊ ምልክታትን ጸሎታትን ብቐጥታ መሪሑ ዜእትወና ምዃኑ ርግጸይና እየ። ካብ’ቲ ፍቕሩ ኪፈልየና ዚኽእል ወላ ሓደ’ኳ ስለዘየልቦ ነቲ ቃል ተስፋ ዜሕድረለና ጐይታ ባዕሉ እዩ (ሮሜ. 8:35)። ኣብ’ቲ ጸገምን ድኻምን ጊዜ ተነጽሎን ሓዘንን ዘይርግጽነትን እታ ማኅበር ክርስትና ቀረባ ምዃና ዚግለጸሉ ብምዃኑ፣ ኣብ ከም’ዚዝበለ ሰዓት ናይ’ቲ ካህን ሱታፌ አገዳሲ ጉስነታዊ ሓገዝ እዩ።
  2. እንሆ እቲ ዓመት ኢዮቤል ይዛዘም፣ እቲ ቅዱስ መእተዊ (ማዕጾ)እውን ይዕጾ ኣሎ። እንተኾነ ናይ ልባትና ኣፈቤት-ምሕረት ግን ብርሑዉ ዚነብር ዚቕጽልን እዩ። ንሕና’ውን ብመንጽር ኣኅዋትን ኣኃትን ከምኡ ዝበለ ኣገባብ ምእንቲ ኪህልወና፣ ኣምላኽ ናባና ገጹ ድንን ኪብል ርኢና(ሆሴ. 11፡4 ረአ)። ብዙሓት ሰባት ናብ’ቲ ዚጽበዮም ቤት ኣቦኦም ገጾም ኪምልሱ ባህጊ ከምዘለዎም ይገልጹ፣ እዚ’ውን ብወገኑ በቲ ልባውን ለጋስን ዝኾነ ምስክርነት ፍቕሪ ኣምላኽ ዚነቓቓሕ እዩ። እቲ በዚ ዓመት ኢዮቤል ዝሰገርናዮ ድርኵኺት ቅዱስ ኣፈቤት፡ ኣብ መንገዲ ፍቕርን ግብረ ሠናይን ከም እንጽመድ ገይሩና እዩ። ነዚ መንገዲ ፍቕርን ግብረ ሠናይን መዓልታዊ ብተኣማንነትን ብታሕጓስን ክንጐዓዞ ዘሎና እዩ። እዚ መንገዲ’ዚ መንገዲ ምሕረት እዩ፣ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ካብ ኣኅዋትናን ኣኃትናን ክንረክብ ኢና፣ ንሳቶም’ምበኣር ብኢዶም ሒዙ ዘታትዮምን፡ ኣብ መንገዶም  ዘሰንዮምን ገለ ወገን ወይ ኣካል ደልዮም፣ ሃሰስ ዚብሉ ዘለዉ እዮም።

ናብ ክርስቶስ ገጽና ክንቀርብ ዘሎና ባህጊ፣ ናብ ኣኅዋትናን ኣኃትናን ገጽና ንምቕራብ ዚድርኸና እዩ። ከመሲ ንእግዚኣብሔር-ኣቦ ከም’ቲ ሓቀይና ምልክት ምሕረት ገቢሩ ዘሓጒሶ ካልእ ፈጺሙ የልቦን። ምሕረት ኣምላኽ ብባሕሪኡ፡ ኣብ ፍሉይ ተግባራትን ኩነታትን ርኡይን ጭቡጥን ዚኸውን እዩ። ምሕረት ኣምላኽ ሓደ ግዜ ብሓቂ ምስ ኣስተማቐርካዮ፡ ንድሕሪት ኪምለስ ዘይከአል እዩ። ቀጺሉ ዚዓብን ንሕይወትና’ውን ዚልውጦ እዩ። ኡነተይናን ምርእይትን ሓዳስ ፍጥረት፣ ሕቡእን ስቱርን ንዚርኢ ኣዕይንትና ዜነጽርን ሓድሽ ልቢ ዚፈጥረልና እዩ። ኣብ ናይ ፋሲካ ሥርዓት ዋዜማ፣ ብዛዕባ ፍጥረት ምስተነበበ፣ ቤተክርስትያን እትጽልዮ ጸሎት፣ቃላቱመጠን ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ምርኣይ ይከአል፣ “ ኦ!! ኣምላኽ ንባሕርይ ሰብ ብዘደንቕ ኣገባብ ፈጠርካዮ፣ ብዘስደምም መንገዲ’ውን ዘድሓንካዮ ንስኻ ኢኻ”። (18)

ንኽልተ ልብታት ማለት ነቲ ኪራኸበና ዚመጽእ ልቢ-ኣምላኽን፡ ነቲ ሰብኣዊ ልብን ዘራኽብ ብምዃኑ፡ ምሕረት ኣምላኽ ዘሓድስን ዜድሕንን እዩ።እቲ ዳሕራይ በቲ ቐዳማይ ይመውቕን ይፍወስን።ኃጢኣትና ብዘየገድስ እቲ ናይ እምኒ ኣልባብና ከፍቅር ናብ ዚኽእል ናይ ሥጋ ኣልባብ ኪልወጥ እዩ(ሕዝቅ.36፡26 ረአ)። በሓቂ “ሓድሽ ፍጥረት” (ገላ. 6፡15) ከምዝኾንኹ ይርደአኒ ኣሎ፣ተፈቒረ ስለዝኾንኩ ኣብ ህላዌ ኣሎኹ፣ ሕድገት ኃጢኣት ስለዝረኸብኩ ዳግም ተወሊደ ማለት እዩ፣ምሕረት ተቐቢለ፡ ስለ’ዚ ኸኣ መዕቈሪ ምሕረት ኮይነ ማለት እዩ።

  1. በቲ ቅዱስ ዓመት ብፍላይ ድማ በቲ “ናይ ምሕረት ዓርብታት”ዝተሰምየ፣ ኣብ’ዚ ዓለምና ንዘሎ ሠናይ ኩሉ ብርኡይን ጭቡጥን ኣገባብ ከስተማቕሮን ክነብሮን ዝኸኣልኩሉ ነይሩ። ብዚበዝሕ  ሕቡእ ስቱርን ኮይኑ’ዩ ዚተርፍ፣ ከመይሲ በብዕለቱ ብምጡንን ንስቱርን ምልክታት እዩ ዚግለጽ። ኣጸቢቑ’ኳ እንተ ዘይተወዓወዐ፡ ነቶም ድኹማትን ውጹዓትን፡ ነቶም ዝተነጸሉንዝተገለሉን ብዙሕ ናይ ሕያውነትን ሠናይነትን ርኅራኄን ርኡይ ነገራት ይገሃደሎም እዩ። ምስ’ቶም ድኻታትን ዘይሕጉሳትን ቀጻሊ ሕብረቶም ዜርእዩ ብዙሓት ናይ ግብረ-ሠናይ ሓቀይናታት ጀጋኑ ኣለዉ። ናብ’ቲ ሰብኣዊ ድኻምነትን ሥቓያትን ዝያዳ ኽንቀርብን፣ ኣብኡ ሓጐስ ንኽንረኽብ ብዚዕድመና ብሉጽ ህያቡ ንጐይታ ከነመስግን ይግባእ። ነቶም በብዕለቱ ምእንቲ ናይ ኣምላኽ ቅርበትን ህላዌን ግዜኦም ጉልበቶምን ዘወፍዩ ኩሎም፣ ብምስጋና እሓስቦም ኣሎኹ። እቲ ዚህብዎ ኣገልግሎት ናይ ምሕረት ንጹሕ ተግባር፣ ንብዙሓት ሰባት ናብ ቤተክርስትያን ንኺቐርቡ ዚሕግዝ ስራሕ እዩ።
  2. ናይ ምሕረት ሓዲሽ መደባት ጐስጕሱዚወጽኣሉ ሕጂ እዩ፣ ፍረ ጸጋ ዝኾነ ሓዲስ ተበግሶታት ዚግበረሉ’ውን እዩ። ሎሚ ዘላ ቤተክርስትያን ድማ ነቲ ኢየሱስዝፈጸሞ ግና“ዘይተጻሕፈ”(ዮሓ.20፡30)“ካልእ ትእምርታት” ክትነግረሉን ከተበሥሮን ኣለዋ። እዚ’ውን ብወገኑ ናይ’ቲ ፍቕሪ ኽርስቶስ ፈርያምነትን፡ ካብኡ ሕይወት ናይ እትረክብ ማኅበር ምእመናን ህላውነትን፡ ብሉጽ መግለጺ ምዃኑ ዘይተርፎ እዩ። ክልተ ሽሕ ዓመት ሓሊፉ ክነሱ፡ እቲ ናይ ምሕረት ስራሕ ግን መርኣያ ሠናይነት ኣምላኽ ኮይኑ ጋና ይቕጽል ኣሎ።

በዚ እዋንና ብጥሜትን ጽምእን ዚሳቐዩ ሕዝብታት ኣለዉ ዝበልዕዎ ዘይብሎም ሕጻናት ምህላዎም ዜርኢ ኣሳእል’ውን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይመጸና። ምግብን ስራሕን መንበሪ ቤትን ሰላምን ደልዮም ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዚግዕዙ ሕዝብታት’ውን ይቕጽሉ ኣለዉ፣ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዚመጽእ ሕማማት እውን ምንጭን ምኽንያትን ሥቓይ ኮይኑ፡ ንረድኤት ምጽንናዕን ደገፍን ዜእዊ እዩ። ኣብያተ ማእሰርቲ’ውን እንተኾነ፡ ኢሰብአዊ ዝኾነ ኣነባብራን ከቢድ ፈተናን ዘሰንዮ አገባብ ማሕቡስ ኣለዎ። ንሕፃናት ካብ ምምዕባል ዚዓግቶም ንሓዲስ ዓይነት ባርነት ዜወፍዮም፣ ንባብን ጽሕፈትን ዘይምፍላጥ ኣብ ኹሉ ተዘርጊሑ ኣሎ። እቲ ብፍላይ ኣብ ወገን ምዕራብ ዝሣዕረረ ደረት ኣልቦ ውልቃውነት(extreme individualism) ምስ ካልኦት ሓድነትን ሕብረትን ከምዘይህልወካ፣ ብመንጽር ካልኦት ንዚህልወካ ኃላፍነት ዜጥፍእ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሽጦም ስምዒትን ርድኢትን ናይ ህላዌ ኣምላኽ ካብ ዜጥፍኡ ግዜ ሓሊፉ፣ እዚ ኸኣ ናይ’ቲ ዝዓበየ ድኽነትን ወጽዓን ምልክቱ፣ ነቲ ዘይገሃስ ክብሪ-ግርማ ሰብኣዊት ሕይወት ንምቕባልን ንምምዕባላን ከኣ ዓቢይ ዕንቅፋት ይኸውን።

ንምዝዛም ድማ እቲ ሥጋዊ ኮነ መንፈሳዊ ግብረ ምሕረት፣ ኣብ’ዚ ግዜና’ውን ከይተረፈ፣ ምሕረት ኣምላኽ ከም ማኅበራዊ ቁምነገርን ክብርን ዓቢይ ጽልዋ ከምዚህልዎ መረጋገጺ እዩ። እጅገና ሰብሲብና ነቶም ሚልዮናት ዘጥፍእዎ ክብረ-ግርማ ንኽንመልሰሎም ምሕረት (ኣምላኽ) የገድደና እዩ፣ እቶም ሰባት’ቲኣቶም ኣኅዋትና ኣኃትና እዮም፣ ምሳና ሓቢሮም ነታ “እተተኣማምን ከተማ” (19) ኪሓንጹ ዝተጸውዑ እዮም።

  1. በዚ ቅዱስ ዓመት ብዙሕ ምልክታት ምሕረት ዜርኢ ጭቡጥ ተግባራት ተፈጺሙ እዩ። ማኅበራት ክርስትናን፡ ስድራቤታትን ውልቀሰባትን ከኣ ናይ ሱታፌ ሕብረት ሓጐስን ናይ ሓድነት ጽባቔን ከስተማቕሩ ክኢሎም። እዚ ግን ኣኻሊ ኣይኮነን። እዚ ዓለምና ንሰብኣዊ ክብረ-ግርማ ዚሃሲ መንፈሳዊ ይኹን ግዙፍ ዓይነት ሓዲስ ድኽነት ኣብ ምፍልፋል፣ ጋና ይቕጽል’ዩ ዘሎ። በዚ ምኽንያት’ዚ ቤተክርስትያን ወትሩ ስንድውትን ንቕሕትን ብምዃን፣ ሓዲስ ዓይነት ግብረ ምሕረት ኣብ ምልላይን ምፍላይን፡ ብልግስን መንፈሳዊ ባህግን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ክትዕጠቕ ኣለዋ።  ግቡእን ብቑዕን ግብረ ሠናይን ግብረ ምሕረትን ንምፍጻም ዜኽእለና ፍሉይን ምርኡይን ጻዕሪታት ከነወሃህድ የድልየና።ምሕረትኣምላኽ ንዂሉ ዜጠቓልል፡ ከምኡ’ውን ደረት ሰጊሩ ዚዝርጋሕን ዚሰፍሕን ዓቕሚ ኣለዎ። ምእንት’ዚ ከኣ ነቲ ልሙድ ዝኾነ ግብረ ምሕረት፡ሓዲሽ መግለጺ ክንህቦን ክንምህዘሉን ተጸዊዕና ኢና። ከመይሲ ምሕረት መሊኡ ዚፈስስ፣ ቀጺሉ ዚግስግስ፣ ሃብታም ፍርያት ዚሓፍስ እዩ። ልክዕ ከም’ቲ ንብሑቕ ዘብኵዕመባዅዕቲ(ማቴ.13፡33 ረአ) ወይ ከኣ ዓቢ ኦም ዚኸውን ፍረ-ኣድሪ እዩ፣ (ሉቃ.13፡19 ረአ)።

እስኪ ኣብ’ቲ ሓደ ግብረ ምሕረት ነተኵር፣ “ንዕሩቕ ምልባስ” (ማቴ. 25፡36.38.43. 44 ረአ) እዚ ንርእሱ ናብ ጥንቲ ናብ’ቲ ኣብ ኣታኽልቲ ገነት እዩ ዚወስደና። ኣብኡ ኣዳምን ሔዋንን ናብኦም ገጹዚቐርብ ናይ ዝነበረ ጐይታ ድምጹ ብምስማዖም፣ዕራቖም ከምዘለዉ ተፈሊጡዎም ሓፊሮም ኪሕብኡ ፈተኑ (ዘፍጥ. 3፡7-8)። ኣምላኽ ከም ዝቐጽዖም ንፈልጥ ኢና። ግና ኸኣ “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣዳምን ንሰበይቱን ዲኖ ገይሩ ኸዲንዎም” እዩ (ዘፍጥ. 3፡21)። በዚ ዓይነት’ዚ ሕፍረቶም ኣልጊሱ፡ ነኣኦም ኣልቢሱ ነቲ ዝጠፈአ ክብሮም መሊሱ።

ሕጂ ከኣ ነቲ ኣብ ጐልጐታ ዚርአ ኢየሱስ ንሕሰብ። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዕራቑ ኮይኑ፡ ኣብ መስቀል ተንጠልጢሉ ንርእዮ ኣሎና። ከመይ እቶም ወተሃደራት ክዳውንቱ ገፊፎምዎ፡ ዕጫ’ውንኣውዲቖምሉ እዮም (ዮሓ. 19፡23-24 ረአ)። ዝተረፎ ነገር ኣይነበረን። መስቀል እምበኣር ኢየሱስ ኣብ ናይ’ቶም ክብሮም ዝተገፈፉን፡ ንሕይወት ካብ ዜድሊ ኩሉ ዝተነፍጎምን ኣብ ሕይወቶምን ዕድላቶምን ምስታፉን ዜርኢ እዩ። ቤተክርስትያን “ክዳን / ቀሚሽ ክርስቶስ” (20) ተባሂላ፣ በዚ ገቢራ’ውን ንጐይታኣ ክትከድኖ ከም ዝተጸወዐት መጠን፣ ምስ’ቶም ናይ’ዚ ዓለም’ዚ ዕሩቓት ሓድነት ክትገልጽ፣ ዝተገፈፈ ክብሮም ዳግማይ ንኪረጋገጽ ብተወፋይነት ትሰርሕ። “ዓሪቐ ነይረ ኣልቢስኩምኒ”(ማቴ.25፡36) ዚብል ቃል ኢየሱስ ነቲ ብሓዲስ መልክዕ ድኽነትን ተነጽሎን ዚመጽእ ዘሎ፣ ንሰባት ብኽብረት ምንባር ዚኸልኦም ዘሎ ሸለል ንኸይንብሎ፡ ዘገድደና ቃላት እዩ።

ስራሕ ዘይብልካ ምዃን፣ ወይ ከኣዚበቅዕ ደሞዝ ዘይምርካብ መዕቈቢ ገዛ ወይ እትነብረላ ምድሪ ዘይብልካ ምዃን፡ ብምኽንያት እምነትካ ዓሌትካ ማኅበራዊ ኩነትካ ምግላልን ምንጻልን እንከጓንፈካ፣ እዚታት ካብቲ ንክብረ-ግርማ ዚሃሲ ኣብነታት ገሊኡ እዩ።  ኣብ ቅድሚ ከም’ዚ ዝበለ ሃሳዪ ተግባራት፣ ክርስትናዊ ግብረ ምሕረት ነቒሑ፡ ብመንፈስ ሕብረትን ሓድነትን ኪምልሽ ግቡኡ እዩ። በዚ ሎሚ እዋን ንሰባት ክብረ ግርማኦም ከምዚምለስ ብምግባር፣ ኡነተይና ሰብኣዊት ሕይወት ንኺነብሩ ክንሕግዘሉ ዘሎና ክንደይ ጉዳያት ዘየሎ!! ናይ ሕይወት ሕጉስ ኩነታት ዚንፈጎም፣ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዓመጽ ዚሣቐዩ ክንደይ ሕፃናት ከምዘለዉ’ውን ክንሓስብ የድሊ። እቲ ብሓዘን ዝተዳህለን፡ ስንባድ ዝዓሰሎን ገጾም ሕጂ’ውን ይረኣየኒ ኣሎ። ካብ ናይ’ዚዓለም’ዚ ባርነት ኪላቐቑሓገዝና ደልዮም የእውዩ’ዮም ዘለዉ። እዞም ሕፃናት’ዚኣቶም እቶም ናይ ጽባሕ ኣባጽሕ እዮም፣ ነቲ ዚመጽእ መደባቶም ብኽብረትን ብኃላፍነትን ንኺነብርዎስ፡ ብኸመይ ዝበለ ተስፋ ተመሊኦም እዮም፡ ነዚ ህልውን መጻእን ዕድሎም ዚገጥምዎ?

እዚ ናይ ምሕረት (ኣምላኽ) ማኅበራዊ  ጠባይ ንርእሱ ጠጠው ኢልና ክንርኢ፣ ገለ’ኳ ከይገበርና ስቕ ክንብል  ዘፍቅድ ኣይኮነን። እቲ መደባትናን ውጥናትናን ምዉት ፊደል ኮይኑ ከይተርፍ እንተደሊና፣ ነቲ ግብዝናን ዘይተገዳስነትን ግዴለሽነትና ወጊድ ክንብሎ የድሊ። መደብ ፍትሕን ክብረትን ዘሎዎ ሕይወት፣ ከም ሓደ መንም እትደጋግሞ ነገር ዘይኮነስ፣ ንህላዌ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ናይ ዚምስክሩ ርኡይ ቈራጽነትን ተወፋይነትን ዚረኣየሉ፣ ብንጥፈትን ብዘይ ዝኮነ ይኹን ረብሓን ነቲ መደብ ፍትሕን ክብረትን ንምውፋይ መንፈስ ቅዱስ የሓግዘና።

  1. ናይ ምሕረት ሓሳብን ኣገባብን ዝዓብለሎ ኣተሓሳስባን ኣነባብራን ከነማዕብል ተጸዊዕና ኣሎና። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ምሕረት ስነሕንጸትን ኣገባብ ሕይወትን መሠረቱ ምስ ካልኦት ርክብ ምምዕባል፣ ሓደ ነቲ ካልእ ብሸለልትነት ወይ ብግዴለሽነት ዘይጥምተሉ፣ ወይ ከኣንሥቓይ ኣኅዋትን ኣኃትን ዝባኑ ዘይህበሉ ኩነት እዩ። እቲ ተግባራት ምሕረት “ብኢድ” ዝተገብረ እዩ፣ ማለት ነፍስወከፍ ነናቱ መልክዕን መሥርዕን ዘለዎ፡ ዘይመሳሰል ንምባል እዩ። ኣእዳውና ብዝተፈላለየ ብዙሕ ዓይነት ኣገባብ ኪሰርሖ ይኽእል እዩ፣ እቲ ነዚ ዘስተንፍሶ ምንጩ ሓደ ኣምላኽ’ኳ እንተኾነ ኩሉ’ውን ካብ ሓደ ዓይነት“ንጥረ-ነገር”ዝተገብረ’ኳ እንተኾነ እቲ “ምሕረት” ንርእሱ ነፍስወከፍ ነናቱ መልክዕን መስርዕን ምትሓዙ ዘይተርፎ እዩ።

ተግባራት ምሕረት ንሕይወት ሓደ ውልቀሰብ ብምሉኡ ዚትንክፍ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኸኣ፣ በቲ ንሥጋን መንፈስን ማለት ንሕይወት ሰባት ብቐንዱ ዚትንክፍ ተራ ምልክታትን ተግባራትን ጀሚርና፣ ሓደ ናይ በሓቂ ናይ ኣተሓሳስባን ኣነባብራን ኣገባብ ዘሓድስ መደብ ለውጢ ከነካይድ ንኽእል ኢና። እዚ እታ ማኅበር ክርስትና ክትፍጽሞ ዘለዋኃላፍነት እዩ። ንሸለልትነትን ውልቃውነትን ንፈታኒ ኩነታትን ንድሕሬና ሓዲግና፣ ግድላት ዘይብሉ ምቹእ ሕይወት ንምንባር ንዚጽውዓና ቃል-ኣምላኽ ኣብ ግምት ነእቱ። ኢየሱስ ንተመሃርቱ “ድኻታትሲ  ወትሩ ምሳኻትኩም ኣለዉ” (ዮሓ. 12፡8) ይብሎም። ኢየሱስ ምስ’ዞም ድኻታት ዘለዎ ዕጫን ሓድነትን እናገለጸ ከሎ፣ ንሕና ብወገንና ንመደብ ድኻታት ንኸይንውፈ እንፈጥሮ መመኽነይታ ቦታ የብሉን።

ነዚ ናይ ምሕረት ኣተሓሳስባን ኣገባብን ኩሉ መሥርዑን መልክዑን ዚህቦ እቲ ቀጻሊ ጸሎት እዩ። እዚ ድማ ንስራሕ መንፈስ ቅዱስ ልኡም ንምዃን ንሕይወት ቅዱሳን ንምፍላጥን፡ ናብ’ቶም ድኻታት ሕልፊ ብምቕራብን ዚፍጸም እዩ። ክንኣትዎን ክንውፈየሉን ካብ ዚግበኣና ኩነታት ሰተት ከይንብል ይድርኸና። ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ብመደብ ስነሓሳብ ጥራሕ ምግዳስ፣ ከም ፈተና ኮይኑ ኪመጻና ዚኽእል እዩ፣ እዚ ግን በቲ ዕለታዊ እንነብሮ ሱታፌን ኅብረትን ዚስገር እዩ። እቲ ሓዋርያ (ጳውሎስ) ድሕሪ ናብ እምነት ምእታዉ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስን ምርኻቡ ዚብለና ኩሉ ዘይርሳዕ እዩ። እቲ ቓላቱ ናይ’ቲ ተልእኮኡ ኮነ ናይ ክርስትያናዊ ሕይወት ብሓፈሻ ቀንዲ መዳያትን ሃለዋትን ዜብርህ እዩ፣ “ ንድኻታት ክንዝክሮም ሓደራ በሉና፣ እዚ ከኣ ኣነ ባዕለይ ዝግደሰሉ ዝነበርኩ ነገር እዩ” (ገላ.2፡10)። ንድኻታት ክንርስዖም ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ከም’ቲ ካልእ ግዜ፣ ሎሚ’ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ፈውሲ፣ በቲ ወንጌላዊ ብቕዓቱ ዚግድደና ጉዳይ እዩ።

  1. እዚ ኢዮቤል’ዚነቲ ቃላት ጴጥሮስ ሓዋርያ ኣባና የስርጸልና “ቅድም ምሕረት አይረኸብኩምንነበርኩም፡ሕጂ ግና ተማሒርኩም ኢኹም”(1ጴጥ.2፡10)። ነቲ ዝተቐበልናዮ ብቕንእን ብሕግብግብን ኣይነሓዞ፣ ምስ ካልኦት ኣኅዋትን ኣኃትን (ዜድልዮም) ክንሳተፎ፣ ንሳቶም’ውን ብኃይሊ ምሕረት ኣምላኽ ኪጸንዑን ኪብርትዑን ዚኽእልሉ ገለ ኪመሃዝ ኣለዎ። ብምስክርነት ምእመናን ኣቢሉ ናይ ኣምላኽ ፍቕርን ምሕረትን ናብ ነፍስወከፍ እቶም ኣብ መንጎኦም ዚርከቡ ምእንቲ ኪበጽሕ፣ እዘን ማኅበራት ምእመናን ንኹሎም ዚብጽሕኦም ይግበረን።

እዚ እዋን’ዚ ናይ ምሕረት እዋን’ዩ። ነፍስወከፍ ዕለት ናይ’ዚ ጉዕዞና ህላዌ ኣምላኽ ዝዓዘዛ እያ። ንሱ ነቲ ስጉምትና በቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልባትና ዜፍስሶ ሓይሊ ጸጋኡ ገቢሩ ይመርሖን፡ ከምዘፍቅር ይገብሮን። ንነፍስወከፍን ንኹሉን ሰብ፡ እዚ ግዜ’ዚ ናይ ምሕረት እዋን እዩ፣ ምኽንያቱ ኸኣ ካብ ናይ ኣምላኽ ቅርበትን ኃይሊ ኣፍቅሮቱን ዚግለል የልቦን። እቶም ድኹማትን ጽጉማትን፣ እቶም ዝረሓቑን ዝተነጸሉን ኩሎም ናይ’ቶም ኣብ ጸገማት ዚሕግዝዎም ኣኅዋትን ኣኃትን ህላዌ ስለዚስመዖም፣ እቲ እዋን ግዜ ምሕረት እዩ። እቶም ድኻታት ካብ ካልኦት ንዚመጽእ ሸለልትነት ሰጊሮም፣ ክብረትን ሓልዮትን ተገዳስነትን ከምዝረኸቡ ኪስመዖም ከሎ፣ እቲ እዋኑ ብርግጽ እዋን ምሕረት እዩ። ዝኾነ ይኹን ኃጢኣተይና ሕድገት ንምልማን ዘይስልክየሉ፣ ኩሎም’ውን እግዚኣብሔር-ኣቦ ከምዚቕበሎም ዚርድኡሉ በሓቂ እዋን  ምሕረት እዩ።

ናይ’ቶም “ማኅበራዊ ተነጽሎ ዘጓንፎም” ኢዮቤል ኣብ ዚኽበረሉ፣ እቲ ቅዱስ አፈቤት ምሕረት ኣብ ኩለን’ተን ናይ ዓለም ካተድራላትን መካነ ንግደትን ኪዕጾ እንከሎ፣ ካልእ ናይ’ዚ ፍሉይ ቅዱስ ዓመት ርኡይ ምልክት ገቢራ፣ መላእ ቤተክርስትያን ከተኽብሮ እትኽእል በቲ መበል 33 ሰንበት ዚዝከር ዕለተ ድኻታት ዓለም ኣብ ሓሳበይ ይመጽኣኒ። ምስ’ቶም ዝነኣሱን ምስ ድኻታትን ዕጫኡ ሓደ ንዝገበረ፡ ኣብ መወዳእታ’ውን ብመንጽር ግብረ ምሕረት ኪፈርደና (ማቴ.25፡31-46) ንዘለዎ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉሥ መላእ ዓለም በዓሉ ንምብዓል ዜብቅዓና ዝበለጸ ኣገባብ እዩ። እቲ ዕለት’ቲ ድማ ናይ’ቶም ዝተጠምቁ ማኅበር እተስተንትነሉን፣ ድኽነት ኣብ ኵሉ ገጻት ወንጌል ከመይ’ሉ ተገሊጹ ከምዘሎ እትመዝነሉ፣ ኣልኣዛር ኣብ አፍደጌታትና ክሳብ ዘሎ ከኣ(ሉቃ.16፡19-20) ፍትሒ ኮነ ማኅበራዊ ሰላም ኪህሉ ኣይኽእልን። እዚ ዕለት’ዚ ነቲ ሓዲስ  ስብከተወንጌል እውን ዚውክል (ማቴ.11፡5) ኮይኑ፣ ንገጽ ቤተክርስትያን ዜሓድስ ኣብ’ቲ ቀጻሊ ንጥፈታት ሓዋርያዊ ሕይወት ንስሓን ናይ ምሕረት ምስክርነትን ከአ ኃይሊ ይህባ።

  1. እታ ቅድስት ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ ወትሩ በቲ ዓይኒ ምሕረት ምስ ጠመተትና እያ። ንፈለማ ነቲ መንገዲ ዝሓበረትልና፣ ኣብ’ቲ ምስክርነት ፍቕሪ እተሰንየና’ውን ንሳ እያ። ኣብ ኩሉ’ቲ ስራሓት ስነጥበብ ወትሩ ከም እትረአ፣ እዛ ኣደ ምሕረት ኣብ ትሕቲ ጽላል ባርኖሳ እያ እተዕቍበና። ንሕና’ውን ኣብ ትሕት’ዚ እናታዊ ረድኤታ ንማሕጸን፣ ከም’ቲ ምኽራ ድማ፡ ናይ ምሕረት ኣምላኽ ዘንጸባርቕ ገጹ ንዝኾነ ኢየሱስ ቀጺልና ንጠምቶ።

ኣብ ሮማ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ብበዓል ክርስቶስ ንጉሥ20 ኅዳር2016፡ኣብ 4 ዓመት ጵጵስና ተዋህበ።

ፍራንቸስኮስ ር.ሊ.ጳ.

References

  1. On the Gospel of John, XXXIII, 5
  2. Shepherd of HermasXLII, 1-4
  3. Apostolic Exhortation  Evangelium  Gaudium27
  4. Roman Missal,opening prayer 3rd Sunday of Lent
  5. , Preface for Sundays in Ordinary Time VII
  6. , Eucharistic Prayer II
  7. , communion Rite
  8. Rite of Penance,46
  9. Sacrament of anointing… no.76
  10. , Sacrosanctum concilium106.
  11. Dei Verbum2
  12. Evangelii Gaudium142
  13. Verbum Domini86-87
  14. Letter on Indulgences…. 1 Sep. 2015
  15. , ibid.
  16. Apostolic Exhortation Amoris Laetitiae  1
  17. , ibid. 291-300
  18. Roman Missal,Easter Vigil, prayer after first reading
  19. Lumen Fidei 50
  20. , CYPRIAN, On the unity of the  Catholic Church,7

© libreria editrice vaticana 2016