Archives

RSS Vatican News – Tigrinya

  • ር. ሊ. ጳ.፡ ንማሕበራዊ ጥቕሚ ጸወታ ሰሌዳ ዳማ April 26, 2024
    ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ኢጣልያውያን ተጻወቲ ሰሌሳ ዳማ ተራኺቦም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ማዕዳን፣ እዚ ህቡብ ጸወታ እዚ አብዚ ብውልቃውነትን ዝልለን ኤለክትሮኒካዊ ዝኾነ ሕብረተሰባት ጽሩይ ባህርያዊ ኣየር ከም እተስተንፍስ ኢዩ ዝገብረካ ክብሉ ገለጹ ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ር. ሊ. ጳ. ንመንፈሳውያን ነገዶ ሃገረ ሃንጋሪ፦ 'ውህበት ሰላም ኣብ ልብና እዩ ዚጅምር' April 26, 2024
    ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸራንቸስኮ ምስቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን መንፈሳዊ ንግደት ዘካየዱ ሃንጋሪውያን ብምርኻብ፣ ሰብኡትን ኣንስትን ንሰላም ክዀኑን ንክርስትያናዊ መንነቶም ከኣ ክሕልዉ ኣተባብዕዎም፣ ንቤተ-ክርስትያን ሃንጋሪ ድማ ነቶም ካብ ውግእ ዝሃደሙ ዩክረይናውያን ስደተይናታት ሓንጐፋይ ኢሎም ስለ እተቐበልዎም አመስግንዎም። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንርእሰ ብሔር ሃገረ ሃንጋሪ ተቐቢሎም April 26, 2024
    ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንርእሰ ብሔር ሃገረ ሃንጋሪ ታማያስ ሱልዮክ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብብሕቲ ተቐቢሎም ኣዘራረብዎ ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመነ ጵጵስናኦም ንድሕሪት ዘይምለስ ሕዳሰ April 26, 2024
    ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ “ንቤተክርስትያን ዘነቓቕሑ ሓሙሽተ ሕቶታት” ዘርኣስታ ብስነ ቫቲካን ሊቅ ጋዜጠይና ኢግናዚዮ ኢንግራው ዝተደርሰት መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንቤተ-ክርስትያን ዘነቓቕሓ ቐንዲ ጕዳያት የመላኽቱ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንምድጋፍ ክንሰርሕ ኣለና ይብሉ April 26, 2024
    ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ ኣብ ሓፈሻዊ መድረኽ ዘተ ዛዕባ ቁጠባን ልምዓት (FfD) ናይ ቁጠባውን ማሕበራውን ቤት ምኽሪ ሕቡራት ሃገራት (ECOSOC) ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት ንምትኽኻልን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንምሕጋዝን ብጭቡጥ ንምትሕግጋዝ ምስራሕ ክህሉ ዝጠልብ እዩ ይብሉ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • መበገሲ ክርስትያናዊ ኢዮቤል April 26, 2024
    ክርስትያናዊ ኢዮቤል ኣብ 1300 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ቦኖፋዚዮስ ሻምናይ ንፈለማ ግዜ ከም ዝኣወጁን እዚ ድማ ነቲ ብቐጻሊ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንእትእውጆ ኢዮቤል መሰረት ምዃኑ ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ኣንትረያ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ካፎድ፡ ውጥን ስደተይናታት ናብ ሩዋንዳ ምስጓግ ዝብል ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ መፍትሒ ኣይኮነን ይብል April 25, 2024
    ብሪጣንያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዑቕባ ሓተትቲ ስደተይናታት ናብ ሩዋንዳ ንምስጓግ ዘፍቅድ ሕጊ ከተጽድቕ ዝወሰደቶ ስጒምቲ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ብኣህጽሮተ ቃል CAFOD እተሰምየ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ረድኤት ዝርከብዎም ብዙሓት ትካላት ረድኤትን ማሕበራት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዘይቅቡል ውሳኔ እንክብሉ ቅረታኦም የስምዑ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ካቶሊካዊ ተግባ፥ ንሓድሕድ ምትሕቑቓፍ ውግእ ከይህሉ ይሕግዝ April 25, 2024
    ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንናይ ኢጣሊያ ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባር ኣባላት ተቐቢሎም፥ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዕሽሽ ዝበሃል፡ ምድሓንን ህይወት ዝቕይርን ሕቑፊ ብዝምልከት ሰፊሕ ኣስተንትኖ ብምቕራብ ንኻልኦት ምሕቋፍ ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሑ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ካብ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእ ዘተ ንሰላም ይበልጽ' April 25, 2024
    ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሲቢኤስ እተሰምየ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መደብር ራዲዮ - ተለቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ዩክሬን፡ ቓዛን ኣብ መላእ ዓለምን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፥ ሓደ ናይ ሰበኻ ካህን ተቐባሊ ክኸውን እንተደኣ ዘይከኣለ ካልእ ቦታ ክጥምት ከም ዝኽእል ኣመለኺቶም፥ “ኩሉ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ቦታ ኣሎ” ዝብል ሓሳብ […]
  • ር. ሊ. ጳ. ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ሰላም ምእንቲ ክሰፍንን ጸልዮም April 24, 2024
    ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ውግእ ዜምጽኦ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ብምጕላሕን፣ ንከም ዩክረይንን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ምያንማርን ዝኣመሰላ ብውግእ ዝዓንዋ ዘለዋ ሃገራት ጸሎት ክግበር ብምምጻን፣ ናይ ሰላም ዘተታትን ውሳነታትን ዕርቅን ክግበር ብምትብባዕን ዓለምለኻዊ ሰላም ኪህሉ ጻውዒት ኣቕረቡ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ር. ሊ. ጳ.፦ ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ክትወርስ ብእምነትን ተስፋን ፍቕርን ንበር April 24, 2024
    ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ንክርስቶስ ንኽንስዕቦ ኸም ዝሕግዘናን፣ ብሓባር ናብ ቅድስና ንኽንጐዓዝ ከም ዝድግፈናን፣ ከምኡ ውን ኣብ ዝወደቕናሉ ግዜ ከም ዘተንስኣናን ብምግላጽ ካብቶም ከስተምህርዎም ዝጸንሑ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላት ብምስጋር፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ውን ብዛዕባ እቶም መለኮታውያን ሓይላት ኣስተምሃሩ ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ጋና ተራኺቦም April 24, 2024
    ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንምክትል ርእሰ ብሔር ሃገረ ጋና ዶ/ር ማሃሙዱ ባውሚያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀቐቢሎ ኣዛራሪቦም። ንኩሉ ኣንብብ  
  • መልክዕን ጽልዋን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣብ እስያ April 24, 2024
    እስያ ብኣከባብያዊ ሓደጋታት ዝያዳ ዝተሃስየ ዞባ ዓለም ብደረጃ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ካብ ዘስዕቡ ኣዝዮም መዓታውያን ናይ ተፈጥሮ ዋጋታት ዝረኣየሉን ምዃኑ ዓመታዊ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምለኸ ትካል ስነ ኲናታት ኣየር ክሕብር እንከሎ፡ ልዑል ተነቃፍነት ናይዚ ከባቢ፡ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ሚዛን እንነብረላ መሬት ብኸመይ ይጸልው ከምዘሎን፡ ከቢድ ቁጠባውን ማሕበራውን ሳዕቤናት የስዕብ ምህላውን መረጋገጺ […]
  • ቤተ ክርስቲያንን ደሞክራስን April 24, 2024
    ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፖርቱጋል ድሕሪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዕደት ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገር ፖርቱጋል ልኡከ መንግስትን ልኡላዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ማልታን ብሓባር ኣብ ፖርቱጋል ደሞክራሲያዊ ስርዓት ካብ ዝቐውም ኣብ ዝርኽሪ መበል 50 ዓመት ዘዳለውዎ ፍሉይ ጉባኤ ኣብ ሮማ ዕለት 22 ሚያዝያ ምክያዱ ዜና ቫቲካን የመላኽት። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ጸብጻብ ሲፕሪ፡ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣብ ዓለም ዓቢ ወሰኽ የርእይ April 23, 2024
    SIPRI - ናጻ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም - ዛዕባ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣማእኪሉ ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ መጽናዕቲ፥ ኣብ ዓለም ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣብ 2023 ዓ.ም. ናብ 2.443 ትሪልዮን ዶላር ልብ ከም ዝበለ የመላኽት። ንኩሉ ኣንብብ  

Abune Mengisteab

ኣቡነ መንግሥተኣብ ሊቀ-ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ