ካቶሊካዊ ትምህርቲ



ምስ ነቢይ ዮናስ ናብ ሰብ ነነዌ ተልእኮ ካህናት ኣብ ጒዕዞ ዓብይ ጾምን፣ ኣብ ጽንኩር ጊዜ ኮሮና ቫይሩስን ፳፻፲፫ ዓ.ም.ግ.- 2021 ዓ.ም.ፈ. ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ክቡራን ጓሶት ሕዝበ እግዚኣብሔር፣ ቅድሚ ኩሉ “ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን” (ፊል 4:23) ብምባል ንነፍስ ወከፍኩም ልባዊ ሰላምታይ ኣቕርበልኩም። ኩልና ከም […]

ምስ ነቢይ ዮናስ ናብ ሰብ ነነዌ







ጸሎትን ምህለላን ምእንቲ ፍትሓዊ ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን “ሰብኣዊት ሕይወት ክብራ ንኪሕሎን፡ ንኽትምዕብልን ሰላም ኣድላዪ እዩ። ሰላም ኪበሃል ከሎ ውግእ ዘይብሉ ማላት ጥራሕ ኣይኮነን፣ ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ሚዛን ኃይሊ ኣብ ምሕላው ዚድረት እውን ኣይኮነን። ናይ ሰባት ረብሓ ከይሓሎኻ፣ ኣብ መንጎ ሰባት ናጻ ዝኾነ ርኽክብ ከየማዕበልካ፣ ናይ ሰባትን ሕዝብታትን ክብረ […]

ጸሎትን ምህለላን ምእንቲ ፍትሓዊ ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን




  ማርቆስ ዝጸሓፎ ቅዱስ ወንጌል ምዕራፍ 1 ስብከት ዮሓንስ መጥመቕ፣ 1መጀመርታኡ ንወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሔር፣ 2ኣብ ኢሳይያስ ነቢይ “እንሆ “ጐደና እግዚኣብሔር ኣሰናድዉ፣ ንመንገድታቱ ኸኣ ኣቕንዑ!” እናበለ፣ 3ኣብ ምድረበዳ ዚጭርሕ ሓደ ድምጺ፣ ቀቅድሜኻ፣ መንገድኻ ዚገልጸልካ መልኣኸይ፣ እንሆ እሰደልካ ኣሎኹ” ዚብል ተጻሒፉ ኸምዘሎ፥ 4ዮሓንስ ንኅድገት ኃጢኣት ዚኸውን ናይ ንስሓ ጥምቀት እናሰበኸ፣ […]

Bible






ኣብ ርእሰ ሰበኻ ኣሥመራ ዝርከቡ ካህናት ሰበኻን ማሕበራትን ኣብቲ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ብዝተፈላለየ እዋን ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክካየድ ዝጸንሐ ንግደታት፡ ንሕዝቦም መሪሖም ክሳተፉ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ 05 ሕዳር 2016 ከኣ ንበይኖም ካህናት ናብቲ ቅርሲ ቅ.ያዕቆብ ተዓቍቢሉ ዘሎ ደብረ ማርያም ጽዮንን ቅ.ያዕቆብን ሔቦ ብብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ተመሪሖም ነጊዶም። […]

ንግደት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ንግደት ካህናት ንቅ.ያዕቆብ ሔቦ


ብፁዕ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝኣወጁልና ካብ 8 ታሕሳስ 2015 ክሳዕ 20 ኅዳር 2016 ዝጸንሐ ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ፡ ብመሠረት እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ “ገጽ ምሕረት ኣምላኽ” እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዝሃብዎ መምርሒ፡ ኣብቲ ዝተወሰነሉ ዕለት ማለት ዝሓለፈ ሰንበት 13 ኅዳር 2016 ዓ.ም ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ […]

ምዝዛም መደብ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ


ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፣ ነቲ ኣብ ጥሪ ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ፣ ኣብ ለካቲት ከኣ ኣብ ሰበኻ ከረን ዝገበርዎ ናይ ቀዳማይ ሊቀጳጳስ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምቕጻል፣ ዝሓለፈ ዓርቢ፣ ቀዳመ-ሰንበት ካብ 24 ክሳዕ 26 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ሰበኻ ባረንቱ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም። ብፁዕ ሊቀጳጳስ ናብ ሰበኻ ባረንቱ ኣብ ዝነቐልሉ ብክልተ ካህናት ማለት […]

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ሰበኻ ባረንቱ





መዓልቲ ሕሙማት- ሰንበት ዘመጻጉዕ ካብ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዕለት 11 ንሕሙማት ፍሉይ ትኩረት ብምሃብ ብመልእኽቲ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ተሰንያ፡ እትዝከር “መዓልቲ ሕሙማት” ተባሂላ እትስመ ዕለት ምህላዋ ይፍለጥ። ብሥርዓተ ኣምልኾ ሃገርና ግን ኣብ ጾም ኣርባዓ  “ሰንበት ዘመጻጉዕ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕለት ስለዘሎ ምስቲ ሥርዓት ኣምልኾ ተዋሃሂዱ ምእንቲ ክግበር፡ […]

መዓልቲ ሕሙማት- ሰንበት ዘመጻጉዕ












ጸሎት ሳምንቲ ምእንቲ ኅብረት  ክርስትያን ካብ 1968 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ዕለታት 18 ክሳዕ 25 ጥሪ ኣብ መላእ ዓለም በብናይ ዓመቱ ዝተመረጸ ኣርእስታት፣ ካቶሊክ፡ ኦርቶዶክስን ፕሮተስታንትን ኣብያተክርስትያን ዝሰመራሉ፡ ዓመት መጸ ጸሎት ሳምንቲ፡ ምእንቲ ኅብረት ክርስትያን ከምዝግበር ዝፍለጥ ኢዩ። ሎም ዘመን ከኣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ መዓልታት፡ ብደረጃ ዓለምለኻዊት ቤተክርስትያን ዝተሰናደወ፡ ብንሾመንቲኡ መዓልታት ዘሰኒ […]

ጸሎት ሳምንቲ ምእንቲ ኅብረት ክርስትያን






1. ሓዋርያዊ  ምብጻሕ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም  ዘመንበረ ኣሥመራ፡ ብፁዕ  ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ  ብዝገበሩሎም ዕድመ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት 2ን 3ን ጥሪ 2016 ዓ.ም ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም።ብፁዕ ሊቀጳጳስ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ከተማ ሰገነይቲ ኣብ ዝኣተውሉ፡ ብፁዕ […]

ዕዉት መደባት ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ





ኢዮቤል ዝብል ቃል ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም እነንብቦ ብቋንቋ ግሪኽ ቀርኒ ከብቲ፡ ካብ ዝብል ቃል ዝመጸ ኢዩ። ትርጉሙ ድማ “መለኸት’’ ኢዩ። እዚ ከኣ እስራኤላውያን ኣብቲ ኣብ ሓሓሙሳ ዓመት ዘኽብርዎ በዓላት እቲ ዓመት ዓመት ታሕጓስ ዓመት ዕልልታ ምዃኑ ዘበስረሉ፡ኣዋጅ ዝንገረሉ መሳርሒ ኢዩ። ኢዮቤል ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ቤተክርስትያን ኣብ […]

ምኽፋት ዓመተ ቅዱስ ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ...



ሓጢኣተኛ ኣይንገርን ኢዩ፡ ሓጢኣት ወይ ከኣ ተመክሮ ናይ ሓደ ብስቱር ዝሰማዕካዮ’ሞ፡ ኣዚዩ ዝተንከፈካ ሰብ፡ መንነቱ ብዘይሕብር ኣገባብ ምክፋል ግን ንኹሉ መሃሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ፡ ናይ ሓንቲ ኣዚያ ዘደነቐትንን፡ ኣብነት ናይ ኩሉም እቶም ኣብ ከም’ቲ ናታ ኩነታት ዝነብሩ ዘለዉ መንእሰያትና ክትከውን እትኽእል ብምዃናን ኢየ ናብ ኣንበብቲ ከቕርባ […]

ምሕረት ኣምላኽ ንኽትረክብስ እንታይ ኢዩ ክግበር ዘለዎ ኣብዚ ዓመት’ዚ?






ጥዑም ብስራት - ኣምላኽ ምሳና እዩ1 . ደቂ ሰብ ሓጎስ ኣብ ምድሪ እንክደልዩነዚ ዜረድኡና ብዙሓት ኣብነታት ኬነምጽእ ንኽእል ኢና። ርሑቕ ከይከድና፡ ገለ ሰብ ጸጋ ወለዲ ንደቆም ብዙሕ ሃብቲ ገዲፎም ኪሓልፉ ከለዉ፡ ደቆም ኣብ ውርሻ ምክፋል ክበኣሱን፡ ኪባልዑን፡ ክጻልኡን፡ ክንደይ ዘይረኣና። ብኣንጻሩ ከኣ ክንደይ ድኻታት ኣብ ሓንቲ ጸባባ ገዛ ተጸፋጺፎም፡ ቆሎ ተደሪሮም […]

መንግስቲ ኣምላኽ



ኣብ ስርዓት ኣምልኾ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፡ ቅድሚ 91 ዓመት ማለት ብ1925 ዓመት ዓ.ም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ መበል 11 ዝተጀመረ፡ ኣብዚ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝኸብር “ክርስቶስ ንጉሥ” ዝብል በዓል ምህላዉን፡ ከም መዛዘሚ ሊጡርግያዊ ዓመት ከኣ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ከምዝበዓልን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ መሠረት ብካቶሊካዊ ምንቅስቓስ  ውህበታዊ ተሓድሶ ኣሥመራ፡ […]

መዓልቲ ክርስቶስ ንጉሥ ኣብ ኣሥመራ


ናይ እዚ ጽሑፍ  ትሕዝቶ ካብ ናይ ሃገርና ብራና ዝተወስደ ኮይኑ፡ ኣቦታትና ኣብ ቅዱሳን ዝነበሮም ኣኽብሮትን እምነትን ዚገልጽ እዩ። እቶም ኣብዛ ምድሪ ኣሚኖም ዚተጓዕዙ ኣቦታትናን ኣደታትናን፡ ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ከማልዱልና ንማሕጸኖም።ኦ ሓና “እታ እግዚኣብሔር እትፈርሕ ሰበይቲ እነሄት ኣኽሊል ደፊኣ ትንቀሳቐስ ኣላ“ ኢሎም መእመናን ዚምክሑልኪ ንስኺ ኢኺ። ካብ መዓርን መዓዛ ዕንበባትትን ዚጥዕም […]

ቅዱስ ኢያቀምን ቅድስቲ ሓና ወለዲ ማርያም


ሰላምኣነ ሰላም ኵሎም ዝምነዩኒ ብቐሊሉ ዘይርከብ፣ ነቶም ንጹሓን ልቢ ግን ዝግለጸሎም እየ፣፣ ምስ ካልኦት ከወዳድሩኒ እንከሎዉ ኣነ ዝበለጽኩ ምዃነይ ይዛረቡ፣፣ ንምሕረት ከም ሰብኣዊ ልቢ፤ ንርሕራሔ ከም ሰብኣዊ ገጽ፤ ንፍቕሪ ከም መሎኮታዊ መልክዕ ሰብ፤ ክብልወን ድሕሪ ጸኒሖም፣ ነዓይ ንሰላም ሰብኣዊት ክዳን ይብሉኒ፣ ንኳሉ ዘመልክዕ ዘገርም ዘጸብቕ ማለት ኢዩ፣፣ ኣነ እምበኣር ብደቂ […]

ሰላም, ተስፋ , እምነት , ፍቕሪ


ንስሓ፤ ዘሐድስ ሓይሊ ኣብ ሕይወት ክርስትና ብኣባ ዮናስ ዮሓንስ“ነቶም ዝንስሑ ናብኡ ኪምለሱ ኪፈቕደሎ እዩ ነቶም ተስፋ ዝሰኣኑ ድማ ከተባብዖም እዩ... ኃጢኣትካ ንድሕሪት ደርቢኻ ናብ እግዚኣብሔር ተመለስ... ንሱ ካብ ጸልማት አውጺኡ ናብ ናይ ሕይወት ብርሃን ኪመርሓካ እዩ” (ጥበብ ሲራክ.17።24-28)፣ ኢየሱስ ስብከቱ ክጅምር እንከሎ ‘’መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ’ሞ ተነስሑ ብወንጌል እመኑ’’ ብምባል […]

ንስሓ፤ ዘሐድስ ሓይሊ ኣብ ሕይወት ክርስትና