ሰላም, ተስፋ , እምነት , ፍቕሪ


The 4 Candlesሰላም

ኣነ ሰላም ኵሎም ዝምነዩኒ ብቐሊሉ ዘይርከብ፣ ነቶም ንጹሓን ልቢ ግን ዝግለጸሎም እየ፣፣ ምስ ካልኦት ከወዳድሩኒ እንከሎዉ ኣነ ዝበለጽኩ ምዃነይ ይዛረቡ፣፣ ንምሕረት ከም ሰብኣዊ ልቢ፤ ንርሕራሔ ከም ሰብኣዊ ገጽ፤ ንፍቕሪ ከም መሎኮታዊ መልክዕ ሰብ፤ ክብልወን ድሕሪ ጸኒሖም፣ ነዓይ ንሰላም ሰብኣዊት ክዳን ይብሉኒ፣ ንኳሉ ዘመልክዕ ዘገርም ዘጸብቕ ማለት ኢዩ፣፣ ኣነ እምበኣር ብደቂ ሰብ ዝለዓለ ክብሪ ኣሎኒ፣፣ ኣብ ዝኾነ ጊዜ፣ ሰላም ሕማቕ ኢያ ዝተባህለሉ ንውግእ ከኣ ወላ ቅዱስ እንተተባህለ ጽቡቕ ዝተባህለሉ ጉዜ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን።
ኣነ ሰላም እምበኣር ህያብ ኢየ ግን ሰብ ክቅበለኒ ክዓቕረኒ ብፍላይ ግን ከዕብየንን ክብስለንን ኣሎዎ፣ ካብዚ ኢዩ ከኣ ፍረ ክርከብ ዝከኣል። ኣነ ካብቲ ሰላም ብርእሱ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዝመጽእን ናቱ ህያብን ኢየ፣ ካብኡ እንተ ዘይኮይኑ ናይ ካልእ ምልኣት የብሉን፣፣ ስለዚ ንዓይ ካብ ኣምላኽ ድለዩኒ።

ተስፋ

ኣነ ተስፋ ከምዛ ዝርኣኽናኒ ኢየ፣፣ ኵለን ዓቕሊ ከይገብራ ንደቂ ሰብ ክመርሓ ዝነብረን ክቕህማ እንከሎዋ ኣነ ግን እጽበ፣ ተጸብየ ከኣ ንሰብ ኣብ ዕላማኡ የብጽሖ፣፣ ኣነ ነቲ ድኹም ናባይ ቁሊሕ ዝብል የታትዮ ኢየ፣፣ ዘመናዊ ዓለም ናይ ባዕሉ ምዕባሌ ኣጥርዩ፣ ጎደሎ ዘይብሉ ሕይወት ክነብርይጽዕር ኣሎ፣፣ በቲ ዓሙቕ ሳይንሳዊ ፍልጠት ከኣ ስልጡንን ሃብታምን ዓለም ዝመስረቱ ይመስሎም፣ ግን ብዘይካይ ስጉምቲ ኣይከዱን፣፣ ከምዛ ዝርኣክንኦም ንንሓድሕዶም ክጠላለሙን፤ ክከሓሓዱን ክበኣሱን ይረኣዩ፣፣ ነዚ ዝረኣያ ተስፋን ሰላምን ፍቕርን ከሃድማ ይርከባ፣፣ ኣነ ግን ከመይ ኣቢለ ንወዲ ሰብ ክገድፍ እንተዘይኮነ ክጠፍእ ኢዩ። ኣነ ተስፋ ናብቲ ሓቀይና ኣምላኽ ተስፋ ብርእሱ ዝኾነ እመርሖም፣ ንሱ ከኣ ነቲ ዝጎድሎም እናኣማልኤ ይመርሖም፣ ኣብ ርጉጽን ዕዉቱን ዓላም ከኣ የብጽሖም። ነዚ ኵሉ ዝመርሕ ግን ኣነ ተስፋ እየ። ሰብ ንዓቢይ ጉዳይ ከም ዝተጸወዐ ሕሹኽ እናበልኩ፣ ኣብቲ ተስፋ ዝቕርጹሉ ብርሃን እናሃብኩ ከም ዝጕዓዙ እገብር።
ኣነ ተስፋ ናይ እምነትን ፍቕርን ንእሽቶ ሓፍቲ ኢየ። ኣነ ኣብቲ ኢየሱስ ናብ ዓለም ዝመጻሉ እዋን ኣቢሉ ተወሊደ። ንእሽቶ ደኣ ይኹን እምበር በቲ ሕጉስ መንፈስ ጌይረ ነሕዋተይ ብኢደን ስሒበ ከምዝኸዳ እገብረን። ስለዚ ነዓኻትኩም ክብለኩም ዝደሊ፣ ከምቲ ብተስፋ ጸልዩ፣ ኵሉ ክትረኽቡ ኢኹም። ሓደ መዓልቲ ንዘለዓለም ክትሕጎሱ ኢኹም ጸገምን ስቓይን ክሓልፍ ኢዩ። ንሓጎስ ክትወርስዋ ኢኹም።

እምነት

ኣነ እምነት ኣብ ግልጸት ቃል ኣምላኽ ዝተመስረትኩ ኢየ። ነቲ ሰብ ብተስፋ ዝጽበዮ ከም ዝረኽቦ ኤረጋግጽ ነቲ ዘይረኤ ከም ዘሎ ዘረድእ ኢየ። ወዲ ሰብ ንኵልንትናኡን ብድልየቱ ናብ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ብምሃብ ናይ ኣእምሮን ድላይን ክእለት ናብኡ ከም ዚቐርብ ዝገብር ኣነ ኢየ። ከምኡ ንልቢ ደቂ ሰባት ኣንቀሳቒሰ ንቖላሕተኦም ናብ ኣምላኽ ከም ዝምለስ ዝገብር ዓይኒ ልቦና ዝኸፍትን ኢየ። ብዘይካይ ንኣምላኽ ክረክብ ዝኽእል የልቦን። ኣምላኽ ከም ዘሎ ነቶም ዘናድይዎ ከኣ ዓስቢ ከም ዝህቦም ዚኣምን ብሓገዘይ ኢዩ። ኣብ ወንጌል እሞ ኣንብቡ፣ እቶም ሓንካሳት፤ ጸማማት፡ ብሃማት ኣነ ምስኦም ሰለ ዝነበርኩ ኢዩም፣ ኢየሱስ እምነትካኪ ኣድሒናትካ/ኪ ዝብሎም ዝነበረ። ኣነ እምነት ኢየ ኣብቲ ድሕነትካ ዝኾነ ክርስቶስ ንገዛእ ርእስኽን ከም እተወፍዩ ገይረ፣ ድኻ ልቢ ከም ዚህልወኩም ዝገብር። ኣብዚ ብሓቂ መንፈስኩም ኣደልዲልኩም ናብኡ ምጽጋዕ የዋጽኣኩም ኢዩ። ከመይ ቃል ኣምላኽ ወትሩ ሓቅን ዘየደናግርን ኢዩ። ብዘየሰሓሕት መንገዲ ከኣ ናብቲ እትጽበይዎ ሓጎስ ከብጽሓኩም ኢዩ እናበልኩ መንገዲ ሕይወት ዝመርሓኩም ባዕለይ ኢየ። ቃል ስጋ ምስ ኮነ፣ ኵሉ ተሓደሰ፣ ብፍሉይ መንገዲ ግን ኣነ ኢየ ተሓዲሰ። ምክንያቱ እግዚኣብሔር ኣብ ቃሉ እሙን ኢዩ ዝተባህለ፣ ሽዑ እቲ ናይ ድሕነት ፈጻሜ ምስ ተረኽበ ኢዩ። ብጽዕቲ ሮዛ "ዝፈልጦ የብለይ ዝርይዮ የብለይ ኵሉ መንገድታት ተዓጽዩኒ ናብ ጸድፊ ጥራይ ዝጎትት ነገራት ከበበኒ። እቲ ካብኡ ዝብርትዕ መሎኮታዊ ሕይሊ ቀጥ ኣቢሉ እንተ ዘይሕዘንስ ምጸደፍኩ፤ ስለዚ ሓንቲ ከይፈራሕኩ ኣብ ናይ እምነት መተርኣስ እጽጋዕ። " ዝበለቶ ንኵሉ ጕዕዞኹም ብእምነት ተልምዎን ተጓዓዝዎን።

ፍቕሪ

ኣነ ፍቕሪ ፍልይቲ ናይ ክርስትና መለለዪ፣ ኤረ ክርስቶስ ብርእሱ ኢየ። ነቶም እምነትን ተስፋን ዝሓተኦም ኣነ ብግብሪ ይትርጉሞም። ንዅሉ እኣምን ኣብ ኵሉ ድማ ተስፋ እገብር። ስረሔይ ንኵሉን ኣብ ኵሉን የቕንዕ። እዚ ኪመርጽ እቲ ክገድፍ ኣይብልን ኢየ። ንምርጫን ወገንነትን እነጽግ። ከምቲ እግዚኣብሐር ንብርሃን ጽሓይ ናይ ፍቕሩ ነጸበርቕ ገይሩ ንኵሉ ዝዕድል፣ ኣነ እውን ብባህረይ ኵላዊት ኢየ። ሰባዊ ባህሪ ብመሰረቱ ስሱዕ ድሩት ነዓይ ይጥዓመኒ ብሃላይ ኢዩ። ኢየሱስ ግን ነዚ ድሩት ናይ ወዲ ሰብ ፍቕሪ በቲ ወሰን ዘይብሉ ፍቕሩ ገይሩ ንዘለዓለም ለወጦ። ተግባራተይ ኣብ መንፈሳውነትን መንፈሳዊ ገድልን ዝውሰን ጥራይ ኣይኮነን፣ ብግብሪ ብስራሕ ኢዩ ዚግለጽ። ስለዚ ግብረ ሰናይ ምግባር ብፍላይ ምሕረት ምዝውታር ኣንነተይ እገልጽ። ነቶም ዝስዕቡኒ ብኣፍ ዮሓንስ ገይረ "ኣንቱም ደቀየ ብግብርን ብሓቅን እምበር ብኣፍን ብልሳንን ኣይተፍቅሩኒ" እብሎም። ግብረ ሰናይ ኵሉ ሰናይ ኢዩ፣ ኵሉ እውን ናይ ፍቕሪ ተግባር ዝገልጽ እዃ እንተኾነ መበገሲኡ፣ ኣነ ፍቕሪ ኢየ። ኵሉ ሰብነትኩም ንምንዳድ ኣሕሊፍኩም እንተትህቡ ግን ኣነ እንተ ዘየለኹ፣ ሓንቲ እኳ ኣይጠቅምን። ከምቲብጽዕቲ ሮዛ ብዛዕባይ ክትዛረብ እንከላ፤ "ንእግዚኣብሔር ባህ ዘብሎ ፍቕሪ ጥራይ ኢያ፣ እዛ ቃል እዚኣ ንክደግማ ጥራይ ልበይ ይሕጎስ። ንስኻትክን ብወገንክን ነዚ ቃል እዚ ድገማ። ስለ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ኢልክን ከኣ ስርሓ ድኸማ " እንበለት ንደቃ እትምዕድ ዚነበረት ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ትደግመልና ኣላ`ሞ ንፍቕሪ ንሰዓባ፣ ዓስቢ ፍቕሪ ዘለዓለማዊ ሕይወት እዩ።

ኣሜን
እናቴ ለተምሕረት ተስፋይ