ጸሎት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ


Bible and rosaryቅዱስ መጽሓፍ ብዙሕ ዓይነት ኣጸላልያ ዝምህረና ምጽሓፍ እዩ፣፣ ብዙሓት ዝጸልዩ ሰባት የቕርበልና ከመይ ጌርና ከም እንጽሊ ከኣ ይምህረና፣፣ ኣብ ኵሉ ሃይማኖታት ዝርከቡ መጻሕፍቲ ብወገኖም ጸሎት ይምህሩ እዮም፣ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ኣጸላልያ ከመይን ንምንታይን ኣብ ዝብል ግን ፍሉይ ኮይኑ ይርከብ፣፣ ምኽንያቱ ቅ. መጽሓፍ ካብ ጸሎት ኢያ ተወሊዳ እንተበልና ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን፣፣ ንሱ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝዛረብ ይኹን እምበር ንእግዚኣብሔር ዝዛረቦ እውን ብዙሕ ኣለዎ፣፣ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ እነንብቦ ዓንዲ፣ ገጽ እግዚኣብሔር ንረክብ" ይብለና ጎርጎርዮስ ዓቢይ፣፣

ኣብ ቅ.መጽሓፍ ብፍላይ ኣብ መዝሙረ ዳዊት እንተርኢና፣ "እግዚኣብሔር ዓቢይ ምኳኑ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ኣማልኽቲ ከኣ ጎይታ ምኳኑ እፈልጥ ኢየ::" (መዝሙረ ዳዊት135፣6) ይብል፣ እዚ ንብዙሓት እግዚኣብሔር ኵሉ ስለ ዝፈልጥ ናትና ምጽላይ እንታይ የድሊ፣ እቲ እንደልዮ ይፈልጦ ኢዩ፣ እቲ ዝፈልጦ ከኣ ድሮ ወሲንዎ ኣሎ፣ ናተይ ምጽላይ ወይ ዘይምጽላይ ንኹነታተይ ዝቕይሮ ኣይኮነን ዝብል ስምዒት ይሓድሮም፣፣ ብኣንጻሩ ክንርእዮ እንከሎና ግን እግዚኣብሔር ዓቢይን ጎይታ ኵሉ ፍጥረትን እንተዘይኸውን፤ ሓደ ነገር ክገብረልና ምጸለናዶ ምለመናዶ ኵሉ ዝኽእል እንተዘይኮይኑ ድኣ ዝለመናዮ ከመይ ገይሩ ክፍጽመልና፣ ንጸሎትና ክምልስ ክእለት የብሉን ማለት ኢዩ ክእለት ንዘይብሉ ከኣ ኣይንልምንን ምበልና ማለት እዩ፣፣
ሕዝቢ ኢስራኤል እንተረኣናዮ ግን እግዚኣብሔር ዝደለኻዮ ዝገብር ምኳኑ ኣሚኑ እዩ ክጽሊ ንርእዮ፣፣

ቅ.መጽሓፍ እንተገንጸልና፣ ንኣብነት ዳኒኤል ነቢይ፣ ንሱ ነቲ ናይ ኤርሚያስ ነቢይ ምዕራፍ 25፣11 12 ዘሎ ኣንቢቡ፣ ብዝገበሮ ናይ ጊዜ ፍቅዲ ከኣ 70 ዓመታት ኣቢሉ ምዃኑ ገምጊሙ፣ ክጽሊ ንረኽቦ፣፣ ንጸሎቱ ኣብ ሰለስተ ይኸፍሎ፣፣

እታ ቀዳመይቲ ክፍሊ፣ ሁልቂ 4 ኮይና ነቲ ክኸውን ዘለዎ ብምፍላጥ ንእግዚኣብሔር ክብሪ ክህብ ንረኽቦ፣፣ እግዚኣብሔር እቲ ኵሉ ከኣሊ ተዛሪቡ ስለ ዝኾነ ክኸውን እዩ ኢሉ ነቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይውድሶ፣፣ "ኦ እግዚኣብሔር ንስኻ ንዝፈትውኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን ኪዳንካ እተጽንዕ፣ ምሕረትካ እውን እትገልጽ ዓቢይን ክቡርን ኣምላኽ ኢኻ፣፣*
ካልኣይቲ ክፍሊ፣ ካብ ህልቂ 5-15 ብዛዕባ ጣዕሳን ንስሓ ሓጢኣትን ይዛረብ፣፣ እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ድሕሪ 70 ዓመት ካብ ባቢሎን ክምለሱ ኢዮም፣ ንኽምለሱ ግን ብሓጢኣቶም ክጠዓሱ ኣለዎም፣ በዚ ከኣ ዳኒኤል ብሓጢኣቱን ብሓጢኣት ሕዝቡን ክጠዓስን ክንሳሕን ንርኸቦ፣፣ *ንእግዚኣብሔር ከኣ ንሕና ሓጢኣት ገበርና፣ ኣበስና፣ ሓጣእናን፣ ዓለውትን ኮይንና...ኦ እግዚኣብሔር ንሕና እኳ እንተዓሎና ንስኻ መሓርን እቅረ በሃልን ኣምላኽ ኢኻ፣፣ ኦእግዚኣብሔር ኣምላኽና ንሕና ድሃይካ ኣይሰማዕናን በቲ ብባሮትካ ነቢያት ጌርካ ዝነገርካና ሕግታት እውን ኣይተመላለስናን፣፣...

ሳልሰይቲ ክፍሊ፣ ዳኒኤል ምስ ተጣዕሰ ንእግዚኣብሔር ዝኣተዎ ቃል ክፍጽም ይሓትት፣፣ "ኦኣምልኽና እምበኣርሲ ናይ ባርያኻ ጸሎትን ምህለላኡን ስማዕ፣ ስለ ስምካ ኢልካ እውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገጽካ ኣብርሃላ፣፣ እቲ ኣብ ቅድመኻ እንቅርቦ ዘሎና ምህለላስ ስለ ብዝሒ ምሕረትካ ኢና እምበር፣ ስለ ጽድቅና ኣይኮንናን እሞ፣ ኦ ኣምላኸይ ጽን ኢልካ ስማዕ ኣዒንትኻ ቋሕ ኣብል እሞ ምዕናውን ስቓይን እታ ብስምካ ዝተሰምየት ከተማ ጠምት፣፣ ጎይታየ ስምዓና ጎይታየ ይቅረ በለልና፣ እዛ ከተማ እዚኣን እዚ ሕዝቢ እዝን ናትካ እዩ፣፣ ስለዚ ኦ ኣምላኽይ ንስካ እግዚኣብሔር ምኳንካ ኵሉ ምእንቲ ልጥ ኣይትደንጕ፣ ጸሎትና ሰሚዕካ መልሰልና፣፣* (ዳኒኤል ነቢይ 9፣4 19) እናበለ ክጽሊ ንርእዮ፣፣

ኣብ ሓዲሽ ኪዳን እውን እንተርኣና ኢየሱስ ነብኡ *ኣኽብረኒ* እናበለ ክልምኖ ንርእዮ፣ እግዚኣብሔር ንወዱ ድሕሪ መስቀሉ ከም ዘኽብሮ፣ ድሮ ካብ ጥንቲ ዝመደቦ እዩ፣ እንተኾነ ኢየሱስ ክጽልን ክልምንን ንርእዮ፣፣

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ፣ እሞ ኵሉ ዝኽእልን ዝምድብን እንተኾይኑስ ኵሉ ባዕሉ ክፍጽሞ ነይርዎ ዝብል ሓሳብ ክመጸና ይኽእል ኢዩ፣፣ እንተኾነ ብፍቅሪ ተደሪኹ ኣብ ናይ ድሕነት ፍጻሜ ወይ ስራሕ ንኽፍጸም ወሲንዎ እዩ፣፣ ኣብ ኵሉ ስራሕ ድሕነቱ ክንሳተፍ ባህ ስለ ዝብሎ መሳርሕቱ ጌሩና እዩ፣፣ ስለዚ ብጸሎት ምስኡ ብምዝታይ ኣብ ግራቱ ክንኣቱ ፈቒድዎ እዩ፣፣

ጸሎት ክንገብር ቅዱስ መጽሓፍ ባዕሉ ምምርሒ ክህበና ይርከብ እዩ፣፣

መጀመርታ፣ እግዚኣብሔር ዝገበሮም ዓበይቲ ነገራት ብምምስራት ውዳሴን ኣምልኾን ክንህቦ ከም ዘሎና፣፣ እዚ፣ ገጽካ ናብ እግዚኣብሔር እናጠመትካ ዚግበር ጸሎት እዩ፣፣ (መዝሙረ ዳዊት 145 150)

ካልኣይ፣ ቅኑዕ ኾንካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንገዛእ ርእስኻ ምምርማር፣፣ እዚ ኣብ ውሽጥኻ ኣቲኻ ብምእታው ዝግበር ጸሎት እዩ፣፣ (መዝ ዳዊት 32፣51፣130፣፣ ሮሜ 12፣9 12፣ 1ቆሮ 13፣ 4 7፣ ጋላትያ 5፣22)

ሳልሳይ፣ ስለቲ ሕያውነቱ ነዓና ዝህቦ ቡራኬ፣ ብእንበልዖ እንሰትዮ ብዝህበና መግቢ፣ ጥዕና ዕርክነት፣ ድሕነት ምስጋና ምቕራብ፣፣ (መዝሙረ ዳዊት 103)

ራብዓይ፣ እቲ ኵሉ ዘድሊ፣ ስኽፍታ፣ ውሳኔ ብፍላይ መንፋሳዊ ኣድላይነት ህያብ መንፈስ ቅዱስ ንኣምላኽ ምልማን፣፣ (ጋላትያ 5፣22)
ሓሙሻይ፣ ካባኻ ወጻኢ ንዝኾኑ ጸሎትካ ዘድልዮም ሰባት፣ ቤተክርስትያን፣ ሃገር፣ ከተማ ቤተሰብ ምጽላይን ምምላድን፣፣
እዚ ከኣ ነቶም ብልቢ ዝጽልዩ፣ ማለት ነቶም ብፍጹም ልቦም ንእግዚኣብሔር ዝደልዩዎ (ኤርሚያስ 29፣12-14) እቶም ንእግዚኣብሔር ዚጽበዩ (መዝሙረ ዳዊት 40፣2)
ንእምነት ዝጽልዩ (ማቴ 21፣22)፤ ብስም ኢየሱስ ዝምህለሉ ዮሓንስ 14፣13 14፤ ከምቲ ድላይ ኣምላኽ ዝጽልዩ (1ዮሓንስ 5፣14)፤ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ዝሕልዉ (ዮሓንስ 3፣22) ፤ ዝተጣዕሰ ልቢ ዘለዎም፣ (መዝሙረ ዳዊት 34፣18) ኣብ ክርስቶስ ዝነብሩ (ዮሓንስ 15፣7) ፤ ኣብ ቅድምኡ ዝትሕቱ (2ዜና መዋዕል) ጸሎቶም ኵሉ ጊዜ እግዚኣብሔር ይቅበሎ እዩ፣፣

ብኻልእ ወገን፣ ብቅኑዕ ምኽንያት ዘይጽልዩ ያዕቆብ 4፣3፤ ኣብ ልቦም ክፉእ ሓሳባት እናሓሰቡ ዚጽልዩ (መዛሙረ ዳዊት 66፣18)፤ ሓጢኣቶም ከይተሓደገሎም እንከሎ ናብ እግዚኣብሔር ዚቀርቡ (ኢሳያስ 59፣2) ብዛዕባ ዝተጸገሙ ዘይግደሱ (ምሳሌ21፣13) ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅኑዓት ኮይኖም ዚቐርቡ (ሉቃስ18፣ 11 14) ጸሎቶም ኣይስማዕን እዩ ይብለና ቅዱስ መጽሓፍ፣፣

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ሐደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዘሎዎ ርክብን ብኸመይ ክጽሊ ከም ዘለዎ ይሕብረና እዩ፣፣

ጸሎት ግላውን ምውሳእን ዚሓትትን ኢዩ፣፣ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብመሰረቱ ኣብ ትሕቲ ጽላል ግልጸት ስለ ዝርከብ፣ እግዚኣብሔር ይዛረብ ሰብ ከኣ ይሰምዕን ይምልስን እግዚኣብሔር ይሰርሕ ሰብ ብወገኑ ይትሓባበር፣፣ ሰብ መጠን ሰሚዑ ዝኸኣለሉ መጠኑ ንገዛእ ርእሱ ክሓትት፣ ክርኢ፣ ክርዳእ ይኽእል፣፣

ጸሎት እምበኣርከስ ምስ እግዚኣብሔር ገጽ ንገጽ ዘራኽበካ፤ ንሱ ህያው ኮይኑ ኣብ ኵሉ ኩነታት ሕይወት ደቂ ሰብ፣ ማለት ኣብ ፍቅሪ፤ ኣብ ቁጠዓ፤ ኣብ ምሕረት፤ ኣብ ምእራም ዚዋሳእ፣ እሞ ኸኣ ዘይልወጥን እሙኑን እዩ፣፣ ጸሎት ግላዊ ደኣ ይኹን እምበር ካብ መዓሙቕ ልብኻ ነቒሉ ናብ እግዚኣብሔር ከም እትኽፈት ዚገብር እዩ፣፣ ኣብ እግዚኣብሔር ኣቢሉ ከልዕለካ እንከሎ ኸኣ ናብ ኵሉን ንኵሉን ክፉት ይገብረካ፣፣ እዚ ክውንነት ክህልዎ፣ እቲ ጸሎት ኣፍኣውን ግዳማውን ዘይኮነ ካብ ልቢ፣ ካብ መዓሙቕ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ዝውንጨፍ እንተኾነ እዩ፣፣ ጸሎት ንገለ ክፍሊ ሕይወትካ ጥራይ ዝዕግብ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ንኵሉ ሕይወትካ ዝሓቁፍ ዘሓድስን እዩ፣፣

ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ጸሎት ናብቶም ኵሉ ጊዜ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝዋስኡ ናይ ቅድስቲ ስላሴ ሕይወት ዘእትወካ እዩ፣፣ እቲ መጨረሻ ዓላማ ጸሎት ናብ ኣቦ ኮይኑ ብክርስቶት ኣብ መንፈስ ቅዱስ ይዓርግ፣፣ ጸሎት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ግላዊ እዩ ድኣ ንበሎ እምበር ሓባራውን ቤተክርስትያናውን እዩ፣፣ እቶም ጸለይቲ ካብ ግላዊ ናብ ሓባራዊ፤ ካብ ሓባራዊ ናብ ግላዊ ብዘይ ሓደ ስኽፍታ ክገላበጡ ክለዋወጡ ኢና እንረኽቦም፣፣ ምኽንያቲ ናይ ቅ.መጽሓፍ ሰብ ንገዛእ ርእሱን ዓለም ብምልኡን ሒዙ ኢዩ ናብ እግዚኣብሔር ዝቐርብ፣፣

ጸሎት ኣብ ቅ.ማጸሓፍ ኣብ ጕዕዞ ታሪኽ ሕይወት ወዲ ሰብ ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ፣ ዝተፈላለየ ትሕዝቶን ኣቀራርባን ድምጽን ሒዙ ይርከብ፣፣ ንኣብነት ናይ ኣበው ጸሎት ብዛዕባ ምድረ ተስፋን ውሉድን ዚርኢ ክኸውን እንከሎ፣ ናይ ጽኣትን ጕዕዞ ምድረ በዳን ሃረርታኦም ነታ ምድሪ ንምውራስ እዩ፣፣ ኣብ ጊዜ ምርኮ ባቢሎን ጸሎቶም ምእንቲ መጻኢ ሕይወቶምን ቤተ መቕደሶምን ዓዶምን ዚርኢ ኢዩ ነይሩ፣፣

ጸሎት ኣብ ሓዲሽ ኪዳን፣ ብኽርስቶስ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ናብ ኣቦ ዝዓርግ...እዩ፣፣ እግዚኣብሔር ብዘይምቑራጽ ኣብ ታሪኽ ዚሰርሕ፤ ዚዛረብ፤ እዩ፣፣ ጸሎትና ከኣ ኣብ ታርኽናን ታሪኽ ሕዝቢ ዓለምን ሒዙ ንየማንን ጸጋምን እናሓቆፈ ንሰማይ ይዓርግ፣፣ *ጎይታይ ንገጽካ ክርኢ እደሊ ኣሎኹ፣ መኣስኮን ትመጽእ፣ እናበለት ነፍሲ ናብ ኣምላኽ ከተንቃዕርር እንከላ፣ ኣምልኽ ብወገኑ ንዓለምን ንታሪኹን የቕርበልና፣ ኣብኡ ከም ዘሎ እውን ይሕብረና፣፣ ኣብ ጸሎት ኹነታት ታርኽ እናልዓልካ እናተመሓሳሰብካ ናብ ኣምላኽ ተዕርግ እሞ ምስኡ ምስ ተራኸብካ፣ ተመሊስካ ንሕይወትካ ኮነ ነቲ ታርክ ዓለምካ ብሓዲሽ ኣመለኻኽታን ርድኢትን ትርእዮ ትቕበሎን፣፣
ጸሎት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ጠጠው ብምባል ዚድገም ድኣ እምበር ኣፍኣውን ግዳማውን ክኸውን የብሉን፣፣ ከምዚ ዘኣምሰለ ጸሎት ኣምላኽ ኪጾሮ ኣይኽእልን እዩ፣፣ (ኢሳያስ 1፣1ይ፤ ኣሞጽ 5፣1ይ ኤርሚያስ 7፣1ይ)

ናይ ጸሎት ቦታ ቤተክርስትያን ደኣ ይኹን እምበር ዋና ናይ ጸሎት ቦታስ ሕይወትና ኢያ፣፣ ጸሎት ብመንፈስን ብሓቅን ዚግበር ኢዩ፣፣ ጸሎት ካብ መዓልታዊ ሕይወትካን ተመኩረካን እትብገስ፣ ድኹምን ስልክዩን ምኳንካ ተኣሚንካ ናብ ዝለዓለ ቛሕ ከም እትብል ትገብረካ፣፣

ጸሎት ሓደ ነገር ክትልምንን ክትረክብ ጥራይ ዝድገም ኣይኮነን እንታይ ደኣ፣ ምስቲ ፈጣሪኻ ክትዋሳእ፤ ክትራኸብ፤ ክትውድስን ዚግበር እዩ፣፣ “La vena segreta di ogni preghiera Biblica è il desiderio di Dio” ጸሎት ነቲ ንበይኑን ዘይዓገበ ሰብን፣ ናብቲ ኣጸቢቁ ዘይተገለጸሉ፤ ዘይተረድኦን ዘይፈሎጦን ግን ከዕግቦ ዚኽእል ኣምላኽ ኣቢሉ ይስጉም፣፣ እዚ ሰብ ብመሰረቱ ንእግዚኣብሔር ኢሉ ዝተፈጥረ ብዘይ በኣኡ ክነብር ዘይኽል ምኳኑ የረድእ፣፣

ጸሎት እዚ እንተ ደኣ ኮይኑ ንምንታይ እግዚኣብሔር ንጸሎትና ዘይሰምዖ ስቅ ኢሉ ዝርኢ ዝብል ሓሳብ ክመጸና ይኽእል እዩ፣፣ ኣብ ቅ.መጸሓፍ እውን እንተርኤና "ኣምላኽ ረሲዑኒ፣ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓዲግካኒ" ዝብሉ ንረክብ፣፣ ነዚ ክርስቶስ እውን ኣብ መስቀሉ ደጊምዎ እዩ፣፣ እዚ ዓይነት ጸሎት እዚ ኣብ እግዚኣብሔር እምነት ዝገበረ ሰብ ብሰባዊ ኹነታቱን ደኻሙን ምስ ተሳዕረ ዚጽለ ጸሎት እዩ፣፣

ናይ ኣምላክ ስቕታ ምልክት ናይ ፍቕሩን እምነቱን እዩ ይብሉና እቶም ብእምነት ዝበሰሉ ቅዱሳን ዝኾኑ ሰባት፣፣ እዚ ጸሎትና ከዓሙቕ እሞ እምነትና እናሓደስና ደጋጊምና ክንጽሊ፣ ንሱ እውን ክሰምዖ ምኳኑ ዘረድእ ምስጢር እዩ፣፣ ሰብ ክዝክሮ ዘሎዎ ሐደ ነገር ኣሎ ኣብ ጸሎት ሰብ እዩ ክንሳሕ ዘለዎ እምበር እግዚኣብሔር ኣይኮነን ክንሳሕ ዘሎዎ፣፣ ጸሎት ንኣምላኽ ኣብ መደብ ሰብ ከተኢቱ ዝግበር ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ሰብ ናብቲ መደብ ኣምላኽ ንምእታውን ንምፍጻሙ ቅሩብ ንምኳንን ኢዩ ዝግበር፣፣ ንኣብነት ሙሴ እንተርኤ ኣብ (ዘጽኣት 17፣8 13) ኢዱ ዘርጊሑ ምእንቲ ሕዝቡ ጸለየ ይብለና፣፣ ኣብ ምድረበዳ ግን ምእንቲ ሓጢኣት ሕዝቡ ጸለየ (ዘጽኣት 32፣11 14 30 34) ኣን 32፣14ይ እግዚኣብሔር ከም ዝተሳዕረ ጌይሩ ኢዩ ዘቕርቦ ወይ

ዝርኤ፣ እንተኾነ ሙሴ እዩ ሓሳባቱ ዝቐየረ፣ ምኽንያቱ ሓጢኣት ሕዝቡ ስለ ዝተረድኤ ምእንትኡ ስለ ዝጸለየን፣፣

ኣብ ቅ.መጸሓፍ ተደጋገምቲ ጸሎታት፣ ጸሎተ ውዳሴን ልመናን ኢየን፣፣ እዘን ጸሎት እዚኤን ብዙሕ ሓይልን ሓዲሽ ነገራትን ከም እትረክብ ይገብራኻ፣፣ “La preghiera di supplica apre nuovo possibilità di coraggio, di slancio, sprigiona energie nuove e conducie spesso attraverso un esame di conoscenza a scoprire le ragioni profonde del male e quindi, si impegna a convertirsi. La supplica è una preghiera vera, utile, in un certo senso la più sincera capace di sostenere il credente di fronte allo scarto tra progetto di Dio e la sue smentite storiche. Ma è una preghiera che fa ancora parte del tempo irredento, nasce nell’uomo non ancora compiuto.”

ጸሎት፣ ኣምላኽ ድላይካ ክህበካ ወይ ክምልሰልካ እንከሎ ጥራይ ዚግበር ኣይኮነን፣ ከምዚ እንተኾይኑ ናብ ገዛእ ርእስኻ ምምላስ የስምዕ፣፣ እዚ ንሰማያዊ ነገራት ኣይከፍትን፣፣ ሐቀኛ ጽሎት ግን ንኣድላይነት ኵሉ ኢያ እትኸፍት፣ ንጸጋ ንሰላም ንምሕረት... ናብቲ ገጽ ኢየሱስ ጥራይ ከም እተማዕዱ ትገብረካ፣፣

ቃል ኣምላኽ ሒዝካ ሕይወትካ ምምራሕ ዓቢይ ረብሓ ኣለዎ፣፣ "ዓይነይ እሞ ክፈተለይ መንክራት ተግባራትካ ክርኢ" "ንቓላት ኣምላኽ እንተሓሊኻ ካብ ሓጢኣት ነጻ ይገብራኻ" (መዝሙረ ዳዊት 119፣11) "ካብ ጊጉይ ትምህርቲ ነጻ ይገብራኻ" (ግ.ሓዋርያት 20፣29 32፤ 2ጢመ 3፣13 15 ብሓጎስ ልብኻ ይመላኻ፣፣ (ኤርሚያስ 15፣16) ሰላም ይህበካ (መዝ ዳዊት 85፣8) ኣብ ርእሺ ሓጢኣት ዓወት ይህበካ፣፣ (1ዮሓንስ 2፣14)

ቃል ኣምላኽ ናይ ሕይወትና መሪሕ ኢዩ፣፣ ንውሽጣዊ ሕይወት ኣምላኽ ከም እንፈልጥን ብመደቡ ከም እትኸይድ ይገብረና፣፣ እወ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንዓ ኣብ ልባትና ንበር፣፣ ኣሜን! ኣሜን! ኣሜን!

ለቡ፣ ካብ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ዝተወስደ ኢዩ፣፣

ብ እ. ለተምሕረት ተስፋይ