ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ


ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ

“ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ?” (ዘፍ 3)

ብመሠረቱ እግዚኣብሔር፥ ንደቅሰብ ክቡራን ገቢሩ እዩ ብኣምሳሉን ኣርያኡን ዝፈጠሮም። “ኣምላኽ ከኣ ‘ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳ ዘቤትን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኲሉ ለመምታን ይግዝኡ’ በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፥ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገቢሩ ፈጠሮም”(ዘፍ 1:26-27)። እዚ ተግባር ኣፈጣጥራ ሰብ እዚ ንርእሱ ዓብይ ተኣምር እዩ። ዳዊት ነቢይ ውን እዚ ምስ ገረሞ እዩ፥ “እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፥ እቲ እትሓልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ? ካብ መላእኽቲ ቁሩብ ኣንኣስካዮ፥ ብኽብርን ግርማን ከኣ ከለልካዮ፥ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጡርካ ሾምካዮ፥ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ሥልጣኑ ገበርካዮ”(መዝ 8:4-6፥ መዝ144:3) እናበለ ንእግዚኣብሔር ደጋጊሙ ሕቶ ከቕርበሉ ዝርከብ።

ኣብ መጽሓፈ እዮብ እውን “ንሰብ ከም ቁምነገር እትርእዮ፣ ተጠንቂቕካ እትምልከቶ እንታይ እዩ? ኣብ ጸጽባሕ እትቋመቶ፥ ብቕጽበትውን እትዕዘቦስ ሰብ እንታይ እዩ?”(ኢዮብ 7፥17-18)

እናበለ ደቅ ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክንደይ ዓበይትን ሕሩያትን ምዃኖም ይምስክር። ናይ እግዚኣብሔር መደብን ትምኒትን፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ፥ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ብኣንጻሩ ቀዳሞት ወለድና ንፈጣሪኦም ሞሳ ክመልሱ ኣይተረኽቡን። ንሱ ክንዲ ዘኽበሮም ኣሕሰርዎ፥ ንሱ ክንዲ ዝቐረቦም ረሓቑዎ፥ ንሱ ክንዲ ዝሓለየሎም ምስማዕ ኣበይዎ። ኣብ ክንዲ ፍቓድ ፈጣሪኦም ናይቲ ፈታንን መታለልን፥ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ዲያብሎስ ድሌት ክፍጽሙ መረጹ። ነቲ ኣብ ምድረ ገነት ብሓጐስ ብፍቕርን ክነብሩ ዝዓደሎም ክሓድግዎ ወሰኑ። ብሓጺሩ ብዘይ እግዚኣብሔር ክነብሩን ብርእሶም ክሓድሩን መረጹ። በዚ ሓላፍነት ዝጐደሎ ግብሮም ምኽንያት፥ እቲ ፈጣሪኦም ዝኸደኖም ናይ ፍቕርን ሓጐስን ሓልዮትን ሓለዋን ልብሰ ግርማ፥ ልብሰ ክብሪ፥ተቐንጠጠ።“ሽዑ ኣስተውዓሉ፥ ጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቈጽሊ በለስ ሰፍዮም ከኣ ተዓጥቁ”። ምድሪ ምስ ወልወለ ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ገነት ኪመላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣእዋም ተኃብኡ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ንኣዳም ጸዊዑ፥ ‘ኣበይ ኣሎኻ?’ በሎ። ንሱ ከኣ’ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰማዕኩ፡ ጥራየይ ስለዝኾንኩ ድማ ፈሪሀ ተኃባእኩ’ ኢሉ መለሰሉ።‘ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ?’ ‘ካብታ ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ’ ኢሉ ሓተቶ። (ዘፍ 3:7-11)። ካብ እግዚኣብሔር ዝተፈልየ ካብ ርእሱን ብጻዩን ከባቢኡን እውን ስለዝፍለን ዝርሕቕን፥ ኣዳም ኮነ ሔዋን፥ እታ ዝሃብካኒ ሰበይቲ እያ ኣስሒታትኒ፥ እቲ ተመን እዩ ኣጋግዩኒ፥ እናበሉ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጀመሩ። እዚ መልሲ ቆልዑ እዚ ግን፣ ብእግዚኣብሔር ቅቡል ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣምላኽ ንኣዳምንን ሔዋንን ብሓላፍነት ክገጥሞም ንርኢ። “ቃል ሰበይትኻ ስለዝሰማዕካን፥ ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለዝበላዕካን፥ ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። ኲሉ ዘመን ሕይወትካ እንጌራኻ ካብኣ ብጻዕሪ ብላዕ። እሾኽን ቶኾርባን ተብቁለልካ። ብቚሊ መሮር ድማ ብላዕ። ካብኣ ኢኻ ተፈጢርካ እሞ ናብታ ዝተፈጠርካላ ምድሪ ክሳዕ እትምለስ፥ እንጌራኻ ብርሃጽካ ብላዕ። ከመይ መሬት ኢኻ፥ ናብ መሬት ከኣ ክትምለስ ኢኻ” በሎ”(ዘፍ 3:17-19። እዚ ዝተዋህበ ብይን ኣዝዩ ከቢድ ይመስለና ይኸውን። ሓንቲ ንእሽቶ ፍረ ብምብላዖም ነዚ ከቢድ መቕጻዕቲ ክቕበሉ ከለው ዓበይቲ ሕቶታት ከለዓዕለልና ዝከኣል እዩ። ሎሚውን ስለምንታይ፥ ንሓንቲ ንእሽቶ ኃጢኣት ክንዲ እዚ ዝኣክል መቕጻዕቲ እንብል ኣይንሰኣንን። እግዚኣብሔር ንኣዳምን ሔዋንን “ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብልዑ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኹም ኦም ስለዝበላዕኩም፥ ዝብል ክሲ ኣዩ ኣቕሪቡሎም።ሳዕቤን ዘይተኣዝዞኡኸ እንታይ ነበረ? ድኻም፥ ጻዕሪ፥ ጥሜት፥ ዕራቖትካ ምውጻእ፥ ሕፍረት ጥራይ ዘይኮነ፥ ሞትውን ክትመውት ናብቲ ዝተሰራሕካሉ መሬትውን ክትምለስ ኢኻ ዝብል እዩ። ኃጢኣት ምስ ፈጣሪ፡ምስ ርእስኻ፡ ምስ ብጻይካ፡ ምስ ተፈጥሮን ከባብን፡ማለት ምስቶም ምእንቲ ክንጥቀመሎምን ክንግልገለሎምን ኢሉ እግዚኣብሔር ዝሃበና-እንስሳ ምድርን ሰማይን ባሕርን፥ ምስታ እንነብረላ ምድርን እንሓርሳ መሬትን፥ ክሊማን ኲነታት ኣየርን – ከይተረፈ ከምንበኣስ ይገብረና፡ እቲ ዝነበረና ጽቡቕ ዝምድናውን ይበላሾ ማለት እዩ።

ናይ ኣዳምን ሔዋንን ኃጢኣት ክልተ ገጽ ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ገጽ ካብ ንእግዚኣብሔር ንርእስኻ ወይ ንካልእ ዝኸማኻ ፍጡር ምስማዕ ማለት እዩ። ኣቦና ኣዳም ካብ ናይ ፈጣሪኡ ናይታ ብጸይቲ ክትኮኖ ባዕሉ ዝሃቦ ሔዋንን ናይቲ ፈታኒ ተመንን ድምጽን ድሌትን ክሰምዕ ክፍጽምን መረጸ። በንጻሩ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ከምእንረኽቦ ጴጥሮስን ዮሓንስን ብዛዕባ እቲ ካብ ሙታን ዝተንሥአ ክርስቶስ ከይዛረቡ ምስ ተኸልከሉ“ካብ ንኣምላኽ፥ ንኣኻትኩም ምስማዕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ደኣ ኾይኑስ እስከ ባዕላትኩም ፍረዱ” (ግሓ 4:19) እናበሉ ዝሃብዎ ተባዕ ምስክርነት ክንዕዘብ ከሎና ነቲ ናይ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን ድኽመት ክንርድኦ ኣየጸግመናን እዩ።

ንሳቶም ንጊዚያውን ስምዒታውን ርውየት ቀዳምነት ሂቦም። ሓዋርያት ግን ንነባሪ ሓቅን ድኅነትን ኣቐዲሞም።እቲ ካልኣይ ገጽ ኣቦና ኣዳም ኣዴና ሔዋንን ኃጢኣት፡ንፈጣሪኦምን፡ ጐይትኦምን ዘይምትእዛዝ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ካብ እግዚኣብሔር ብዙኅ ክርሕቁ ኣይደለዩን። ነዚ ከይሓደግና ነቲ ከኣ ንወስኽ ዝበሉ ይመስሉ። እምቢ ከይበልና ድላይና ንግበር ዝተበሃሃሉ ይመስሉ። ክልተ ደሊኻ ከምዘይከውን ኣይተረድኦምን። በዚ ምኽንያት እዩ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን“ንክልተ ጐይቶት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን፥ ከመይ ነቲ ሓደ ኪጸልእ፥ ነቲ ሓደ ኬፍቅር እዩ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ኬኽብር ነቲ ሓደ ኬሕስር እዩ” (ማቴ 6:24) ክብል ዝተረኽበ። ኲሉ እቲ ኣብ ዘረባና ኮነ ኣብ ግብርና እንወስዶ ምርጫ፡ ሳዕቤን ከምዘለዎ ክንርስዕ ከምዘይብልና ከረድኣና እዩ ነዚ ዝበለ። ኣዳምን ሔዋንን እውን እቲ ክፉእ ግብርና እዩ ዕራቖትና ዘውጽኣና ክንዲ ዝብሉ እቲኣ እምበር ኣነ መዓስ ኮይነ እናበሉ ከማኻንዩ ንርእዮም። እዚ ዘይብሱልን ዘይሓላፍነታውን ኣቋም እዩ። እቲ ብምሕረት ሀብታም ዝኾነ ዘለዓለማዊ እግዚኣብሔር ግን፥ ጥበብን ሕያውነትን ብዝመልኦ ናጻን ምሥጢራውን መደቡ ንምሉእ ዓለም ከምዝፈጠረ፥ ንደቂ ሰብ እውን ኣብ መለኮታዊ ሕይወቱ ንኽካፈሉ ክብ ከብሎም ፈቐደ። ብሰንኪ ኃጢኣት ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን ደቂ ሰብ ምስ ወደቑን ካብ ፍቕሩ ምስ ረሓቑንውን፡ ጨሪሱ ኣይሓደጎምን። እረ እኳ ደኣ ከይቋረጸ ምሳኡ ክዕረቑሉን ኪድኅኑሉን ዚኽእሉሉ መጋበሪታት ካብ ምሃብ ዓዲ ከምዘይወዓለ (ብርሃን ኣሕዛብ 2 ረአ) ቅዱሳት መጻሕፍትን ቅዱስ ታሪኽን ደጋጊሞም የረድኡና እዮም። ኣብቲ ንኣዳምን ሔዋንን ካብ ገነት ክስጐጉ ከለው እግዚኣብሔር ዝሃቦም ብይን መቅድም ወንጌል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ተስፋ ጩራ እውን ኣርእዩዎም እዩ።“ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ ንስኻ ድማ ሸኾናኡ ክትነክስ ኢኻ” (ዘፍ 3:15)።

እታ ብትንቢት ዝተነግረላ ሰበይቲ ወላዲተ ኣምላኽ ማርያም፡ እኖና ኪዳነ ምሕረት እያ። እቲ ነቲ ከይሲ ዝጭፍልቕ ወዳ ድማ፡ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቀዳሞት ወለድና ድሕሪ ናብ ኃጢኣት ምውዳቖም፡ ጓሎም ብወዳ ኣብ ልዕሊ እቲ ተመን ዓወት ከምእትጐናጸፍ (ዘፍ 3:15) ብትንቢት ተመልኪታ ትርአ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ንሳ ነቲ ኣማኑኤል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጻን እትጸንስን እተወልድን ድንግል እያ (ኢሳ 7:14, ሚል 5:3, ማቴ 1:22-23)። ንሳ ካብቶም ብእምነትን ብተስፋን ንድኅነት ዝጽበዩን ካብኡ ዝቕበሉን ናይ ጐይታ ድኻታትን ትሑታትን ዝለዓለት እያ። ድሕሪ ነዊኅ ዘመነ ተስፋ፥ እቲ ትጽቢት ኣብኣ፡ ኣብ ልዕሊ ጓል ጽዮን ተፈጸመ። እቲ ሓዲሽ መደብ ድኅነት ድማ ብምሥጢረ ሥጋዌኡ ንወድ ሰብ ካብ ኃጢኣት ምእንቲ ከንጽሖ ወልደ እግዚኣብሔር ካብኣ ሰብኣዊ ባህሪ ምስ ወሰደ ተጀመረ” (ብርሃን ኣሕዛብ 55 ረአ)።

እግዚኣብሔር ብምሕረቱ “ነቲ ብልቡ ኃዚኑን ተኪዙን ዝነበረ ኣዳም፥ እግዚኣብሔር ናብቲ ናይ ቀደም ክብሩ ኪመልሶ ፍቓዱ ኮነ” (ውዳሴ ማርያም ዘዕለተ ሰኑይ)። ነታ ከይሲ ዘስሓታ ሔዋን እግዚኣብሔር ፍትሒ ኣውጽኣላ። ‘ንሕማምክን ንጻዕሪ ሕርስኽን ብዙኅ ከበርትዖ እየ እናበለ ልቡ

ናብ ፍቕሪ ሰብ ኣቕለበ እሞ ናጻ ኣውጽኣ። ትማሊ ኣብ ዋዜማ ከምዝተዘመረ፥ “ኪዳንኪ ውእቱ ማርያም ለኃጥኣን ተስፋነ” (ዋዜማ ዘኪዳነ ምሕረት)። ኦ ማርያም ኣደና፥ እቲ ምእንታኽን ምሳኽን ዝኣተዎ ናይ ምሕረት ኪዳን፥ ንኣና ንኃጥኣን ተስፋና እዩ። ኩሉ ንኣኺ ዘፍቅር እሞ ብስምኪ ጽቡቕ ዝገብር ሰብ፥ ብወድኺ ምሕረትን ፍቕሪ ዝመልኦ ተቐባልነትን ከምዝረክብ ኣረጋጊጽክልና ኢኺ። በዚ ምኽንያት ናባኺ ዝምሕጸንን፥ ንስኺ እተማልድሉን ኲሉ ምስ ፈጣሪኡን መድኃኒኡን ተዓሪቑ ኣብዚ ምድሪዚ ምሉእ ምሕረትን ሰላምን፥ ኣብ ሰማይ ከኣ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክረክብ እዩ። ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ክንደይ ዝነብዕ፡ ክንደይ ዝቑዝም፡ ክንደይ ዘእዊ ኣሎ። ኪዳነ ምሕረት ትስምዓዮም። መስተርሆት ውን ተምጽኣሎም። ጊዜ ስቓዮም ተሕጽረሎም እናበልና ክንጽሊ ይግባእ። “ኣንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለኣዳም ኣመ ይሰደድ እምገነት” (ማኅሌት ዘሌሊት) ክንብል ከሎና፥ ቀዳሞት ወለድና ዕራቖም ወጺኦም ምስ ፈጣሪኦምን ምስ ኲሉ ፍጡርን ተባኢሶም ካብ ገነት ክስጐጉ ከለው ሓንቲ እምንቲ ተስፋ ዝኾንክዮም ንስኺ ኢኺ እሞ፥ ሕጂውን ንኣና ነዞም ኣብ ናይ ንብዓት ቆላ እንጐዓዝ ደቅኺ ኣይትጋደፍና።

ምስ ኣምላኽናን ምስ ኣኅዋትናን ተዓሪቕና ብሰላም ክንነብር ካብቲ ፍቁር ወድኺ ሓገዝ ለምንልና። “ኪዳንኪ ኢየኃልቅ” ኪዳንኪ ኣይውዳእን እዩ። “ኪዳንኪ ኮነ ለኃጥኣን ተስፋነ”፡ ኪዳንኪ ንኣና ንኃጥኣን ተስፋና እዩ እናበልና ክንውድሳን ክንልምናን ከሎና ንሳ ሰማዒትን ርኅርኅትን ኣደና ስለዝኾነት ንወዳ ከተስምዓልና ትኽእል እያ።“ተዝካረኪ ለእመ ገብረ በተኣምኖ ጽኑዕ፥ በመንግሥተ ሰማይ ምስሌኪ ይነግሥ ኃጥእ” ብጽኑዕ እምነት ዝዝክረኪ፡ ዘኽበረኪ ኃጢኣተይና ኣብ መንግሥተ ስማይ ምሳኺ ክነግሥ እዩ።

ፍቁራን ሕዝበ እግዚኣብሔር፥ ኣብዚ እንኣትዎ ዘሎና ዘመነ ዓብይ ጾም፡ ምስ እኖና እግዝእትነ ማርያም ኮይንና ነቲ “እቲ እዋን በጺሑ እዩ፥ መንግሥቲ ኣምላኽ ከኣ ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ” (ማር 1፡14-15) ዚብል ጸዋዒት መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቀበል። ድሕሪ እቲ ናብ ኲላትና ዝተመሓላለፈ ኃጢኣትን ስደትን ቀዳሞት ወለድና፡ ክፍኣት

ደቂ ሰብ እናበዝሐ እምበር እናወሓደ ኣይከደን። መጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት፡ ኣብ ምዕራፍ ሽዱሽተ ከምዝብሎ፡“እግዚኣብሔር ከኣ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ከምዝበዝኀ፥ ሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወትሩ ክፉእ ጥራይ ከምዝኾነ ረኣየ። እግዚኣብሔር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምፍጣሩ ተጣዕሰ፥ ብልቡ ድማ ጐሃየ” (ዘፍ 6፡ 5-6)።

በዚ ምኽንያት ከኣ ብዘይካ ንስድራ ኖህን ንቊሩባት ካብ ዓሌት ነፍስወከፍ እንስሳን ማይ ኣይሂ ሰዲዱ ኣጥፍኦም። ኢዮኤል ነቢይ ከኣ፡ ንሕዝቢ እስራኤል ክዛረብ ከሎ፡ እቲ ብኽፍኣት ደቂ ሰብ ዝኃዘነ ኣምላኽ ብኸመይ ካብ ቊጥዓኡ ከምዝዝሕል፡ ዓይኒ ምሕረቱ ናባና ኣቢሉ ከምዝመልስ

ይሕብረና።“እምበኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቊዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ። ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቅደዱ” ይብል ኣሎ። ንሱ ንዂራ ደንጓዪ ብምሕረት ከኣ ምሉእ፥ ካብ ኪቐጽዕ ኪርኅርኅን ኪምሕርን እዩ ዚፈቱ እሞ፥ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ተመለሱ። ምናልባሽ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ተጣዒሱ ይምለስ ይኸውን፡ በረኸት ይኃድገልኩምን ዘራእትኹም የብዝኃልኩምን ይኸውን፥ ሽዑ መሥዋዕቲ እኽልን መስዋዕቲ መስተን ከተቕርብሉ ክትክእሉ ኢኹም” (ኢዮኤል 2:12-14) ከምዝበሎም፥ ነዚ ክቡር ጊዜ ንጠቀመሉ። ኣብ መጽሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ውን እግዚኣብሔር፡“እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ እዚ ዝስዕብ እዩ፥ ንመእሰር እከይ ምፍታሕ፡ ነርዑት ባርነት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ሓራ ምውጻእ፡ ኣርዑት ባርነት ዘበለ ኲሉ ምስባር፡ እንጌራኹም ንጥሙይ ምምቃል፡ ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት ኣብ ቤትኩም ምቕባል፡ ዕሩቕ እንተረኣኹም ምኽዳን፡ ንዘመድኩም ካብ ምሕጋዝ ዘይምኅባእ እዩ” (ኢሳ 58፡6-7) እናበለ፣ ጾም ቅድሚ ኩሉ ናይ ልቢ ለውጢ እምበር ግዳማዊ ተግባር ጥራይ ከምዘይኮነ የዘኻኽረና።

ኣብዚ ቅድሚ ፋሲካ ዘሎ ዘመነ ጾም ካብ ጥልላት እንተተኸልከልና፡ እቲ ዝተረረ ልብና ምእንቲ ክልስልስ፡ ተጣዒስናን ተነሲሕናን ድማ ምስ ኣምላኽናን ምስ ብጻይናን ምእንቲ ክንዕረቕ ኢና ጾም፡ ጸሎት፡ ምጽዋት፡ ከነዘውትር ዝግብኣና። ጾምና ዝያዳ ፍርያም ዝኸውን ግን፡ ካብ ክፉእ ሓሳብን ክፉእ ዘረባን ክፉእ ግብርን እንተተቖጠብና እዩ። በዚ ሎሚ ጊዜ ዋጋ ኲሉ ንብረት ክብሪ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፥ እቲ ብሓቂ ሓሲሩ፡ ዋጋ ስኢኑ ዘሎስ ሕይወትን ክብርን ወዲ ሰብ እዩ።ኃው ንኃው ይጭክነሉ፥ ምእንቲ ገንዘብ ንኃው ይሸጦን ይልውጦን፥ ምእንቲ ጥቕሙ ከም ቃኤል፡ ሕይወት ኃው ክሳዕ ምሕላፍ ይበጽሕ። እዚ እዩ እቲ ዕራቖትካ ምውጻእ፥ እዚ እዩ ክብርኻ ምጥፋእ። “ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ?” ዝብል ሕቶ እግዚኣብሔር ነዚ እዩ ዘስምዕ። ሕጊ እግዚኣብሔር ክንጥሕስ ከሎና፡ ፍቕሪ ፈጣሪና ክንነጽግ ከሎና ዕራቖትና ንወጽእ። ቆጽሊ ሕፍረት ዝኸድነና ይመስለና ይኸውን። ካብቲ ኩሉ ዝርኢ ዓይኒ ፈጥሪና ግን ክኽውለና ኣይክእልን እዩ። ዘመነ ጾም፡ ጊዜ ንስሓን፡ ተሓድሶን ድኅነትን እዩ። በዚ ጊዜ እዚ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፎ ካልኣይ መልእኽቱ፥“ብምሽእቲ ሰዓት ሰማዕኩኻ፥ ብመዓልቲ ምድኃን ረዳእኩኻ፣ ከምዚብሎ፥ እንሆ እታ ምሽእቲ ሰዓት ሕጂ እያ፥ እንሆ እታ መዓልቲ ምድኃን ሕጂ እያ”(2ቆሮ 6፡2) ብምባል፡ ነዚ ክቡር ጊዜ ዝሰማማዕ ዕድመ የቕርበልና ምስ ኣምላኽና ክንዕረቕውን የተባብዓና። ብርሃን ፋሲካ ምእንቲ ክንርኢ ጒዕዞ ጾመርብዓና ክቐንዕ የድሊ።

ኣብ መጨረስታ፡ እቲ በጃና ዝተሳቐየን ዝሞተን፡ንሞት ኣሸኒፉ ክብርና ዝመለሰልና መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ራእይ ዮሓንስ ንነፍስወከፍና ዝህቦ ተግሳጽን ምኽርን እዝኒ ልብና ከፊትና ንስማዕ፥“ግብርኻ ኲሉ እፈልጦ እየ፡—-ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ እኳ ዚጐድለኒ ነገር የብለይን ብምባልካ፥ ሕሱርን ዜደንግጽን፡ ድኻን ዕውርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ምእንቲ ክትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፥ ኅፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ከይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ክዳውንቲ ክህበካ፥ ምእንቲ ክትርኢ ነዕይንትኻ ክትኰሓለሉ ውን ኲሕሊ ካባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣሎኹ። ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም እገንሖምን እቐጽዖምን እየ ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳሕ። እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ ማዕጾ ኳሕኳሕ ኣብል ኣሎኹ። ሓደኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተከፈተለይ፥ ናብኡ ክኣቱ ምሳኡ ኣብ መኣዲ ክቕመጥ እየ” (ራእ 3፡15

-20)። እኖና ኪዳነ ምሕረት ከኣ ከም ልማዳ “ንሱ ዝብለኩም ኩሉ ግበሩ”(ዮሓ 2፡5) እያ እትብለና እሞ ዝሰምዕ እዝንን ዝርኢ ዓይንን ዘስተውዕል ልብን ይሃበና።

ኣሜን።

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ