ጉዕዞ እምነት


ጉዕዞ እምነትጉዕዞ እምነት
መንፈሳዊ ጉዕዞ: ሕጻናት ብመን ፈጠረና ይጅመሩ። ቀጺሎም ቅ. ቁርባን ፡ ሜሮን ይቕበሉ። ትምህርቲ ክርስቶስን መዝሙርን ከኣ ይቅጽል። ኣብዚ ጉዕዞ`ዚ ግና ፍልጠት ጥራሕ ዘኮነ እቲ እምነት ውን ክዓቢ ኣለዎ። እቲ ኣብ ጥምቀትና ዝተዘርአ እምነት ምስ ዓበና ናትና ክንገብሮ፡ ነቲ ወለድና ኣቦ/እኖ ልገ (ብልግነት) ዝበልዎ ነቲ ክፋእ “እኽሕድ” ንኣምላኽ “እኣምን” ባዕልና ክንብል ኣሎና። ጥርጥር ኣወጊድና ከም ቶማስ ሓዋርያ “ጎይታይን ኣምላኸይን” ክንብል ምስ ቅ.ጳውሎስ ኮይና ከኣ “እምነተይ ኣብ መን ኣውዲቐዮ ከምዘለኹ ስለዝፈልጥ ኣይሓፍርን`የ” (2 ጢሞ 1፡ 12) ክንብል ይግባእ።

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም