ዕውት ወፍሪ ስብከተ ወንጌል ኣብ ቁምስናታት ኣሥመራ


ዕውት ወፍሪ ስብከተ ወንጌል ኣብ ቁምስናታት ኣሥመራ

ኮሚቴ  ዓመት  ኢዮቤል  ምሕረት  ምስ  ኣሕሉቅ  ገዳማት  ብምውህሃድ  ዝሰርዖ፡  ብምኽንያት  ዓመት ኢዮቤል ምሕረት፡ ካብ ኩለን ገዳማትን ማሕበራትን ዝተላእኩ ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ካብ 23 መጋቢት ክሳዕ 13  ሚያዝያ 2016  ዓ.ም ኣብ ቁምስናታት መንበረ ሊቀ ካህናት ኣሥመራ፡  እምነትን ሃለዋትን  ምእመናን  ዝድህስስ፡  ኣባይቲ  ብምብጻሕ  ብቂምን  በቀልን  ዝቀሓረ  ብምሕረትን  ይቅሬታን ዝፍውስ፡ ካብ ኣምላኽ፡ ቤተክርስትያንን ምስጢራትን ንዝረሓቁ ዘቕርብ፡ ጉዳያት ሰብ ኪዳን ዘተዓራሪ፡ ንሕሙማትን  ሕዙናትን  ዘጸናንዕ፡  ብሓፈሻ  መንፈሳውነት  ምእመናን  ዘበራብር  ዕውት  ወፍሪ  ስብከተ ወንጌል ተኻይዱ።

እዞም  ብ23   መጋቢት  ካብ  መንበረ  ጵጵስና  ዘድሊ  መምርሕን  ሓበሬታን  ሰኒቆም፡  ቡራኬ  ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ተቀቢሎም፡ ዝወፈሩ ካህናትን ደናግልን ኣኃውን ነናብ ዝተመደብዎ  ቁምስና ወፊሮም  ድሕሪ ምጽናሕ፡  ብሮቡዕ  13  ሚያዝያ  2016  ዓ.ም  ከኣ  ኣብ  ኣዳራሽ ብፁዕ  ገብረሚካኤል፡  ርእሰ  ኣድባራት  ኪዳነ  ምሕረት  መደብ  ጸብጻብን  ገምጋምን  ተገይሩ።  ኣብቲ መደብ   ብቆሞሳት   ናይቲ  ዝተኻየደ   ዕማማት   ጸብጻብ   ምስ   ቀረበ፡   ተሳተፍቲ’ውን   ካብቲ   ወፍሪ ዝረኸብዎ  ተመኩሮ  ኣካፊሎም፡ ንዚመጽእ  ብዛዕባ  ክግበር  ዘሎዎ  ስራሕ’ውን    ዝተፈላለየ  ሓሳባትን ለበዋታትን ሂቦም።

ኣብ   መወዳእታ’ቲ   መደብ   ብፁዕ   ሊቀጳጳስ   በቲ   ዝተገብረ   ኣገልግሎት  ንቆሞሳትን   ወፈርትን ኣመስጊኖም፡ ንዚመጽእ ከኣ ሓደ ዓይነትን መልእኽትን ትሕዝቶን ዝሓዘ ውህደት ናይ ቤት ጽሕፈትን ኣሕሉቅ  ማሕበራትን    ወፈርትን  ዘለዎ፡  ኣብ  ናይ  ምሕረት  ስራሓት’ውን  ዘድሃበ  መደብ  ከነሳናዱ፡ ካብዚ ወፍሪ’ዚ ተመኩሮ ቀሲምና ክንቅጽሎ ይግባእ ኢሎም፡፡  ንወፈርቲ ንምትብባዕ ዝተሰናደወ ናይ ምስጋና ምስክር ወረቀት’ውን  ዓዲሎም።

ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ ግርማይ ኣስፍሃ