ዕዉት መደባት ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ


St. Michael1. ሓዋርያዊ  ምብጻሕ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ
ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም  ዘመንበረ ኣሥመራ፡ ብፁዕ  ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ  ብዝገበሩሎም ዕድመ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት 2ን 3ን ጥሪ 2016 ዓ.ም ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም።

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ከተማ ሰገነይቲ ኣብ ዝኣተውሉ፡ ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ምስ ቆሞስ ርእሰኣድባራት ኣባ በርሀ ሩፋኤልን ምእመናን ርእሰ ኣድባራት ቅዱስ ሚካኤልን ከባቢ ዓድታትን፡ ካብ መንበረ ሊቃነ ካህናት ዝመጹ፡ ወከልቲ ቤተክህነትን ምእመናንን ድሙቕ ኣቐባብላ ገይሮምሎም። ኣቦታት እናደበሉ፡ ኣደታት እናዓለላ ብባህላዊ ደርፊ እናተሓጎሳ፡ መዘምራን እናዘመሩ፡ ብዓጀብ ንቤተክርስቲያን እንከብጽሕዎም  ምልክት ሰላምን ሕውነትን ዝኾና ክልተ ጸዓዱ ረጋቢትውን ኣበርኪቶምሎም። ብመዛሙር ተሰንዮም ብመልክዕ ዑደት ቤተክርስቲያን ምስ ኣተዉ ከኣ ጸሎት ኪዳን ዘሰርክ ብሓባር ኣብጽሑ።

ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ናይ እንቓዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ምስ ኣስምዑ ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳስውን ንሕዝቢ ሰላምታ ምስ ኣቕረቡ እቲ ናይ ተቕባል መደብ ተፈጺሙ።
ሰንበት ብብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስን ሓያሎ ለባስያን ካህናትን ተሰንዮም፡ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረግሉ ከኣ ኣብ ስብከቶም ኣብቲ ናይ ሮማ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ስድራቤት ዝተዋህበ ለበዋታት ተመርኩሶም ንኣገዳስነት ስድራቤትን ክግበረላ ዝግባእ ሓልዮት፡ ጉስነትን ኩስኮሳን ኣመልኪቶም መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። ድሕሪ ቁርሲ ኣብ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ከኣ ብዛዕባ እቲ ሲኖዶስ ንኣገባቡ፡ ትሕዝቶኡን ውጽኢቱን ዝምልከት ንተሳተፍቲ እቲ መደብ ሰፊሕ መግለጺ ሂቦም።
ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ቀጺሎም ከኣ ንኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ብዛዕባ ኣበርክቶን ግደ ሰብውፉይ ሕይወትን ተሓባቢርካ ምስራሕን ኣስተምህሮ ሂቦም። በዚ ከኣ መደቦም ፈጺሞም ድሕሪ ምሳሕ ናብ መንበሮም ተመሊሶም።

2.ዕዉት  ወፍራ  ስብከተ  ወንጌል ኣብ ሰገነይቲ

ብምኽንያት  ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ዝተበገሰ ፡ ኣሕሉቕ  ብውሳኔ ዝሰመርሉ፡ ማሕበር ልኡካን ዝመርሕዎ፡ ካህናትን ደናግልን ኮምቦኒ ዝተጸንበርዎ፡ ደናግል ደቂ ፍቕሪ፡ ደናግል ካፑቺነ፡ ደናግል ቅድስቲ ሓና ዝተሳተፎኦ፡ ከምኡ’ውን ውፉያት ኣባላት ቤት ምኽሪ ምእመናን ብድምር 30 ዓቕሚ ሰብ ዝተዋፈርሉ፡ መሰናደዊ በዓል ልደት ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ዕዉት ናይ ጸሎትን ዕርቅን ወፈራ ስብከተ ወንጌል ተኻይዱ።

ዕላማ እዚ  ወፍሪ ስብከተ ወንጌል ሃለዋት እምነትን መንፈሳውነትን ምእመናንን ብምድህሳስ ፡ ኣባይቲ ብምብጻሕ፡ ብቂምን በቀልን ዝቀሓረ ብምሕረትን ኅድገትን ንምፍዋስ፡ካብ ምሥጢራትን ቤተክርስትያንን ዝረሓቁ ንምቕራብ፡ ዝተባኣሱ ንምዕራቕ፡ ጉዳያት ቃል ኪዳን ንምዕራይ፡ ሕሙማትን ሕዙናትን ንምጽንናዕ ፡ ብሓፈሻ መንፈሳውነት ምእመናን ብምብርባር፡ ምስ እግዚኣብሔር ብፃዮምን ንዘለዎም ርክብ ብዕርቅን ንሰሓን ኣሓድሶም፡ ኣብ እምነቶም ክጸንዑን ናይ ፍቕርን ምሕረትን ፍትሕን መሳርሒ ኪኾኑ ንምንቕቓሕ እዩ።
እዚ ኣብ ዓሰርተ ነቑጣ፡ ዕለታዊ መቁጸርያን ካልእ ጸሎታትን ኣብ ዓሰርተ ትእዛዛት ዘድሃበ ኣስተምህሮታትን እናተዋህበ፡ ኣብ 1150 ስድራቤታት ምብጻሕ ዝተገብረሉ፡ ዕዉት ወፍሪ ስብከተወንጌል ብሓቂ ከምቲ ዕላማኡን መደቡን እቲ ወፍሪ ንብዙሓት ኣብ ዕርቅን ይቕረታን ዘብጽሐ፡ ዝተረሓሓቀ ዘቀራረበ፡ ንእምነትን ምስክርነትን ምእመናን ዘነቓቕሐ፡ ንንስሓ፡ ለውጢ ሕይወትን ተግባራዊ ክርስትያናዊ ሕይወትን ዘተባበዐ፡ ፍርያም ኣገልግሎት ምንባሩ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ እቲ መደብ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከኣ ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም በቲ ዝተገብረ ዕዉት ስብከተ ወንጌል ንኩሎም እቶም ኣብ ዝተሳተፉ ቃለ ምስጋናኦም ኣቕሪቦምሎም።

3.ንግደት ንሥየት ኃጢኣት

ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንችስኮስ ዝተኣወጀ ኢዮቤል፡ ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ብመሰረት እቲ ብካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝወጸ ኣገባብ ኣከፋፍታ ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት፡ ብናይ ጸሎት ራብዕቲ ምስንዳው፡ቆሞሳትን ምእመናን ወከልቲ ቁምስናታትን ኣብ ዝተሳተፍዎ፡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅ.ሚካኤል ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ ተመሪሑ፡ ከምቲ ናይ ካልኦት ሰበኻታት ብተመሳሳሊ መንገዲ ብምህለላን ዑደትን መስዋዕተ ቅዳሴን ስርዓት ምኽፋት ማዕጾ ምሕረት ከምዝተኻየደ ዝፍለጥ ኢዩ።
ከም መቀጸልታ እዚ መደብ መኽፈቲ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ብሰበኻ ሰገነይቲ ንዓመተ ኢዮቤል ብዝምልከት ዝተፈላለየ መደባት ወጺኡ ኣሎ። ሓደ ካብዚ መደባት፡ ንግደት ንስርየተ ሓጢኣት ቁምስናታት ሰበኻ ናብ ርእሰ ኣድባራት ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ ኮይኑ፥ ቀዳመይቲ ነዚ ንግደት ዝፈጸመት ቁምስና ደብረ ኣስተርእዮ ማይሓራሳት እንክትከውን፣ ብዝሓለፈ ቅንያት፡ ምእመናን ደብረ ኣስተርእዮ ማይሓራሳት ምእመናን ማይሓራሳት ዓቢኦም ንኡሶም፡ ብቆሞሶም ኣባ ሰሎሙን ሓይለየስ ተመርሖም፡ ናይ ሰለስተ  ሰዓት ጉዕዞ ብእግሪ ተጓዒዞም፣ ኣብ መንገዲ ጸሎት ምህለላን፡ ንባብ ቅዱስ ወንጌልን ኣስተንትኖን እናገበሩ ናብ ርእሰ ኣድባራት ቅ.ሚካኤል ሰገነይቲ በጺሖም። ጥዋፎም ኣብርሆም እናተማህለሉ፣ ብፍላይ ኣደታት በቲ ጥዑም ድምጸን “መጻእና፡ መጻእና፡ ምሕረት ደሊና” እናበላ ሰለስተ ጊዜ ንቤተክርስትያን ዓዊዶም፡ ማይ ጸሎት እናተነጸገሎም ንቤተክርስትያን ኣትዮም።
ኣብ ቤተክርስትያን ቆሞስ ርእሰ ኣድባራት ኣባ በርሀ ሩፋኤል እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባሎም፡ሓቀይና ንግደት ዝብል ኣስተምህሮ እንከቅርቡሎም፡ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ከኣ ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም፡ ንነጋድያን ንጸዋዕታ ምሕረት፡ዝምልከት ቃለማዕዳን ቡራኬን ሂቦምምዎም።

ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ !!
(ግርማይ ኣስፍሃ)