ዓውደ-መጽናዕቲ- ዕለተ ሰላም


Peaceሐደ ጥሪ፡ ካብ 1968 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሰላም ንመላእ ዓለም መልእኽቶም ዘመሓላልፉላ፡ ኣብ መላእ ዓለም ከኣ ብቤተክርስቲያን ዕለተ ሰላም ተባሂላ እትፍለጥ ዕለት ኢያ። በዚ መሠረት ከኣ ኣብ ኣሥመራ ካቶሊካዊ ተቅዋመ ፍልስፍናን ትምህርተ መለኮትን በብዓመቱ ባሕቲ ጥሪ ዕለተ ሰላም ምኽንያት ብምግባር ዘሰናድዎ ኣስተምህሮታት ናይ ምሃብ ጽቡቕ ልማድ ኣለዎ። ሎምዘመን’ውን ዓርቢ 1 ጥሪ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዳራሽ መካነ መንበር ደብረ ኪዳነምሕረት፡ ነቲ “ንዘይምግዳስ ምሽናፍን ንሰላም ምክሳብን” ዚብል መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ናይ ዕለተ ሰላምን ንምሕረት ኣምላኽ ዝርኢ ኣስተምህሮታት ዘሳትፍ መደብ ኣካይዱ።

እቲ መደብ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ቁምስናታት ኣሥመራን ዝተሳተፍዎ ብፁዕ ሊቀጳጳስ  ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ ብኣሕሉቕ ማሕበራትን ቆሞሳትን ተሰንዮም ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኢዩ ጀሚሩ።

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣብ ስብከቶም ሐደ ጥሪ በዓል እግዚእትነ ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ኣብ ርእሲ ምኳኑ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መዓልቲ ሰላም ተባሂላውን ትጽዋዕ። ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ 6ይ ኣብቲ ግዜ’ቲ ውግእን ብዙሕ ግጭትን ምስ ረኣዩ ፡ኩሉ ግዜ በዛ ዕለት’ዚኣ ምእንቲ ሰላም ክንጽሊ ኣድላይ ኢዩ ኢሎም ነዛ ዕለት ሰላም መዲቦምልና። ንሕና ውግእ ፡ሞት፡ ዕንወት እንታይ ምዃኑ ልዕሊ ካልእ ስለንፈልጦ፡ንሰላም ክንደልያን ክንምህለልን ይግባእ። ኣብ ዓለም ገና ሓቀይና ሰላም ኣይመጸን። ምእንቲ’ዚ ንኣምላኽ እቲ ዓለም ክህቦ ዘይኽእል ሰላም ሃበና እናበልና ንለምኖ። ብፍላይ ኣብዚ እዋን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሶርያ፡ኢራቕ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ንጸልየለን ኢሎም ።

ቀጺሎም ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ሎም ዘመን ናይ ዕለት ሰላም መልእኽቶም ንሓንቲ ኃጢኣት ማለት ግዲ የብለይን ንኣይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስን ከነጥፍእ ይሓቱና ኣለው። መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ ክንከውን እንተኾይንና ንሕድሕድና ክንግደስን ሸለልትነት ከነርሕቕን የድሊ ኢሎም።ኣብ መወዳእታ ከኣ ከምቲ ቅድስቲ ፋውስቲና “መሓርቲ ኣዕይንቲ፡ መሓርቲ ኣእዛን፡ መሓሪት መልሓስ፡ መሓርቲ ኣእዳው፡መሓርቲ ኣእጋር፡ መሓሪ ልቢ ሃበኒ፡ ብግብርን ብቃልን ክምሕር ሓግዘኒ፡” እናበልና ንለምኖ፡ ብምባል ቃለ እግዚኣብሔር ኣስሚዖም።

ሲዒቡ ኣብ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ከኣ ኣባ ግርማጽዮን ነጋሢ ኣብታ ኣብ ናይ ሎምዘመን ናይ ዕለተ ሰላም መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ዘለዋ ምኽንያት ተስፋና ምዕቃብ፡ዓይነታት ግዲ ኣልቦነት፡ ሰላም ብዓውለማ ግዲ ኣልቦነት ኣብ ሓደጋ እንኪትኣቱ፡ ካብ ግዲ ኣልቦነት ናብ ምሕረት፡ ናብ ናይ ልቢ ለውጢ፡ ንግዲ ኣልቦነት ንምስዓር ባህሊ ምትሕግጋዝን ምሕረትን ምሕናጽ፡ ሰላም ፍረ ባህሊ ምትሕግጋዝን ምሕረትን ርኅራሔን፡ ሰላም ከም ምልክት ኢዮቤል ምሕረት፡ንዚብላ ሾሞንተ ንኡሳን ኣርእስታት በብሓደ ብምግላጽ ንትሕዝቶ እታ መልእኽቲ ብሰፊሑ  ገሊጾም።

ተኸቲሎም “ምሕረት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘስተምሃሩ ኣባ ግርማይ ኣብርሃ ሲታዊ፡ ንምሕረት ኣምላኽ ኣብ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን እንኪገልጹ፡ ምሕረት ኣምላኽ ክልተ መስመር ማለት ትኣማንነት ውሉድን  ርሕራሐ ኣምላኽን ዝራኸብሉ ነጥቢ’ዩ ኢሎም። ቀጺሎም ኣባ ግርማይ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብፍቕሪ ወላዲትን ልቢ ኣቦን ከምዝምሰል ብሓያሎ ጥቕስታት ኣሰንዮም ድሕሪ ምግላጽ፣ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ጽጉም ኩነታት ንዝርከብ እትገብሮ ሓገዝ፣ ኃጥኣተይና ምሕረትን ድሕነትን ዝረኽበሉ መንገዲ፣ መሎኮታዊ ምሕረት ኣምላኽ ደረት ስለዘይብሉ ኣምላኽ ኃጢኣተና ክምለስ እምበር ክጠፍእ ስለዘይድሊ፡ ምስ ንስሓ ከም ዝተኣሳሰር፣ኣብ ሓዲስ ኪዳን ከኣ መሓሪ ኢየሱስ ኢና እንርኢ። ወንጌል ሉቃስ ኣብ ምሕረት ኣትኩሩ፡ ናይቲ መሓሪ ኣቦ ንወዱ ዝገበረሉ ኣቐባብላ፡ ናይታ ወዳ ዘተንስኣላ መበለት፡ ናይቶም ኢየሱስ ዝመሓሮም ኃጢኣተይናታትን ድኻታትን፡ ፍሉይ ምሕረት ኣምላኽ ዝተገለጸሉ ቅ.ጳውሎስ ኣብነታት ብምጥቃስ፡ ልቢ እግዚኣብሔር ናይ ምሕረት ምንጪ ምዃኑ፣ ንሕና ከኣ “ከም ኣቦ መሓርቲ ኩኑ” ስለዝተበሃልና መሓርቲ ኮይንና ክንርከብ ኣሎና ዝብል ኣስተምህሮኦም ኣቕረቡ። ንሕቶን መልስን ዕድል ተዋሂቡ፡ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታትውን ምላሽ ሂቦም።

ለቡ፡  ብፁዕ ሊቀጳጳስ  ኣቡነ መንግሥተኣብ መልእኽቲ ልደት  ኣሰናድዮም ኣለዉ።
ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ !!
(ግርማይ ኣስፍሃ)