ዓውደ መጽናዕቲ – ንሓደስቲ ሰብሓዳር


ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ፡ ድሕሪ እቲ፡ ካብ 4 ክሳዕ 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም “ጸዋዕታን ተልእኮን ስድራቤት ኣብ ቤተክርስቲያንን ናይ ሎሚ ዓለምን” ብዝብል ርእሰ-ሓሳብ፡ ኣብ ቫቲካን፡ ብመሪሕነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ጉስነት ሥድራቤት ዝዘተየ፡ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካብ ሮማ ምምላሶም፥ ቀዳም 14 ሕዳር 2015 ዓ.ም ንውሉደ ክህነትን ምእምናንን ብዛዕባ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ ሲኖዶስን ኣገባቡን ውጽኢቱን መግለጺ ከምዝሃቡ ዝዝከር ኢዩ።

ከም መቐጸልታ እዚ መደብ ከኣ ብመሰረት እቲ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንሓደስቲ መርዑት ምስናይ ከም መሠረታዊ ጉስነታዊ ሓልዮት ገቢሩ ዘሕለፎ ለበዋ፡ ዝሐፈፈ ቀዳም 28 ሕዳር 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዳራሽ ርእሰ ኣድባራት፡ መካነ መንበር ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ፡ ኣብዘን ዝሐለፋ ቤተክርስቲያን ብዛዕባ ሥድራቤት ፍሉይ ትኩረት ዝገበረትለን ዓመታት 2014-2015 ዝተመርዓዉ፡ ካብ መላእ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ዝመጹ፡ ሓደሽቲ ሰበኪዳን ናይ ፍርቂ መዓልቲ፡ ብሓባዊ ዘተን ምውሳእን ዝተሰነየ ኣብቲ ሲኖዶስን ለበዋታቱን ዝተመርኮሰ፡ ንትምህርቲ ቤተክርስቲያን ብዛባዕ ሥድራቤት ዝምልከት ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቦም።

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ፡ ንኣርእስትን ዝነበረ ኩሉ መደባትን ኣገባባትን ትሕዝቶን ውጽኢትን ሲኖዶስ ብጥርንፍ ዝበለ ኣገባብ ምስ ኣብርሁ፡ ከም መበገሲ ሓሳብ ነቲ “ስድራቤትን ህሉው ኩነታታን ኣብ ቤተክርስቲያንን ዓለምን”፡ “ጸዋዕታ ስድራቤ”፡ “ተልእኮ ስድራቤት” ዝብል ሰለስተ ዓበይቲ ኣርእስታት ሲኖዶስ በበሓደ እንኪገልጹ፡ ስድራቤት ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘላቶ ጽንኩር ኩነታት ማለት ወራር ዝተፈላለየ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባታት ብዛዕባ ስድራቤት፡ መርዓ ሐደ ዓይነት ጾታ፡ ብዘይ ቃል ኪዳን ተጠራኒፍካ ምንባር፡ ዘቤታዊ ዓመጽ፡ ሓደ ሰብኣይ  ብዙሓት ኣንስቲ ምእታው፡ ቁጠባዊ ጸገማት፡ ጥዕናዊ ጸገማት ስደት፡ ተንቲኖም ኣረድኡ።

ቀጺሎም ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ  ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ቃል ኪዳን ቅኑዕ ርድኢት ዝህብ ማለት ካብ ዘፍጥረት፡  እግዚኣብሔር  ንኣዳም  ካብ መሰንገልኡ ንሔዋን ምስ ፈጠረሉ፡ ብፍቕሪ ክነብሩ ከም ዝፈጠሮም፡ ንሕና’ውን ፍረ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኮይና፡ ከነፍቕር ከምዝተፈጠርና፡ ናይ ፍቕርና ፍረ ከኣ ውሉድ ምኻኖም፥ ካልኣይ ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ኤፌሶን፡ ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስቲያን ዘፍቐራን ቤተክርስቲያን ከኣ እትእዘዞን “ኣቱም ሰብኡት ነንስትኹም ኣፍቕርወን፡ ኣትን ኣንስቲ ከኣ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም”፡ዝብል፡ ከምኡ’ውን ካብ ወንጌል ማቴዎስ ቃልኪዳን ከም ዘይፍታሕ ዝገልጽ ሰለስተ ንባባት መሪጾም ትርጉሙን ዕምቆቱን ኣገንዚቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቦና ፍራንቸስኮስ፡ ዓሚ ኣብ ሮማ፡ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ንዝተኣከቡ ሰበኪዳን፡ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ገለ ክትሓትት ከሎኻ “በጃኻ/በጃኺ” ምባል፣ ገለ ነገር ምስ ተወሃብካ ወይ ምስተሓገዝካ “የቐንየለይ” ምባል፣ እንተበደልካ ድማ “ኣይትሓዘለይ” “ኣይትሓዝለይ” ምባል፡ ብቅንዕና ክንጥቐመሎም እንተተረኺብና ንስድራቤታዊ ሕይወትና ኣዝዮም ሓነጽቲ ኢዮም ንዝበልዎም ዘኺሮም ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ፡ ኣብ ደቅሰብ ድኽመትን ጌጋን ስለዘይሰኣን፡ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ስድራቤት’ውን፡ ምግርጫው፡ ቁጠዓ ኣይሰኣንን እዩ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ኤፈሶን “ክትቊጥዑ ከሎኹም ኣብ ኃጢኣት ከይትበጽሑ ተጠንቀቑ። ኣብ ቊጥዓኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንዲያብሎስ ከኣ መንገዲ ኣይትሃብዎ” እናበለ ዝመዓዶም፣ ሰብኪዳን ነዘን  ቃላት እንተተጠቂምኩምለን ሃነጽቲ፡ ስለዝኾና ኣብ ዕለታዊ ሕይወትኩም ክትለማመድወን ይግባእ። እንተዘይኾነ ሰበይቲ ማሕዘለይ ትበተኽ፡ ሰብኣይ ከኣ ስረይ ኣይዓጠቕኩዋን እንተበለ ሓዳር ኣይግበርን ኢዩ። ምእንቲ‘ዚ ኣብ ሓዳር ብዙሕ ጸገማት እኳ ዘጋጥም እንተኾነ፡ ብጸሎት፡ ብእምነት፡ ብምስጢራት ንሓድሕድና ብመንፈሳዊ ማሕበር ብምትሕግጋዝ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ክንነብሮ ይግባእ ክብሉ ኣባታዊ ምኽሮም ኣበርኪቶምሎም።

ካብ ሕቶታት ተሳተፍቲ ተበጊሶም’ውን ተፋቲሖም ንዝተመርዓዉ ቅዱስ ቁርባን ምሃብ ከምዘይከኣል፡ ቅድምን ድሕርን ቃል ኪዳን ንጾታን ጾታውነትን ዝምልከት ትምህርቲ ምሃብ ኣድላዩ ምኳኑ፡ ቤተክርስቲያን ዘይባህርያዊ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ይኹን ምንጻል ጥንሲ ከምዘይተፍቕድ፡ ዘይሓላፍነታዊ ምውላድ’ውን ከምዘይተተባብዕ፡ ውሉድ ንምርሕሓቕ ባህርያዊ ኣገባብ ክጥቐሙ ከምዘለዎም፡ ኣተዓባብያ ቆልዑ፡ ጉዳይ ሰይቲ ወድን ሓማትን፡ ነዚ ኩሉ ቅድሚ መርዓ ሕጹያት ክመሃርዎን ከዘራረብሉን ክሰማምዑሉን ከም ዘድሊ፥ ድሕሪ ቃል ኪዳን ከኣ ናይ ካህናት ምስናይ፡ ከምኡ’ውን ናይ ሰበኪዳን ትዕግስትን ምጽውዋርን ዘለዎ፡መንፈሳውነት ዝዓሰሎ ኪዳን ንምንባር ብሓባር ምጽላይን ቅዱስ መጽሓፍ ምንባብን ምስትንታንን ከምዝግባእ ንሓደሰቲ ውጻእ ሓዳር ኣስተምሂሮምዎም።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ በቲ ዝተገብረሎም ሓልዮት ኣመስጊኖም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መደብ ቀጻሊ ክግበሎም ብምልባው፥ ንቀጻሊ ዘራኽብዎም ኣወሃሃድቲ ብምምዛዝ፡ ከምቲ ኣብ መኣዲ ቃል እግዚኣብሔር ብሓባር ዝተሳተፉ፡ ኣብ ምሳሕ’ውን ብሓባር ተሳቲፎም ነናብ ቦታኦም ተመልሱ።

------------------
ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ !!

(ግርማይ ኣስፍሃ)