ዓውደ- መጽናዕቲ- ብዛዕባ ብመምርሒ መሰል ሕፃናት


ዓውደ- መጽናዕቲ- ብዛዕባ ብመምርሒ መሰል ሕፃናት
ሕፃናት ፍሉይ ክንክንን ሓልዮትን ዘድልዮም ኣካል ኅብረተሰብ ብምዃኖም፣ መሰል ሕፃናት ንምሕላው ብቤተክርስቲያንን መንግሥታትን ፍሉይ መምርሒታት ይወጽእ ኢዩ። ኣባና’ውን እዚ መምርሒ’ዚ ኣድላዩ ብምዃኑ፣ ብ11 ሕዳር 2017 ብቤት ጽሕፈት ዘበኣሥመራ ቤተ ሊቀጳጳሳት ዝተሰርዐ፣ ንሓለዋ መሰል ቆልዑ ዝምልከት፣ ቆሞሳት፣ ሓለፍቲ ስነ መዕበያ ማሕበራት፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ዝተሳተፍዎ፣ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዓወደ- መጽናዕቲ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ተኻይዱ።
ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ነቲ መደብ ብጸሎት ድሕሪ ምኽፋት፣ ካብ ቅዱስ ወንጌል “ኢዱ ኬንብረሎም ድማ ሕፃናት ናብኡ ኣምጽእዎም፣ ደቂ መዛሙርቱ ግና ነቶም ዘምጽእዎም ገሠጽዎም። ኢየሱስ ነዚ ምስ ረኣየ ተቖጢዑ ኸምዚ በሎም፣ “ሕፃናት ናባይ ይምጽኡ ኅደግዎም፣ መንግሥቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ኣይትኸልክልዎም። እቲ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ሕፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ፣ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ሓሓቑፉ ድማ ኢዱ ኣንቢሩ ባረኾም”። ዚብል ክፍሊ ጠቒሶም፣ እቲ ዓውደ- መጽናዕቲ ሕፃናት ፍሉይ ሓልዮትን ክንክንን ስለ ዘድልዮም፣ ስድራቤት፣ መንግሥቲ፣ ቤተክርስቲያ ከኣ መምርሒ ብምውጻእ መሰሎም ክሕሎ፣ ካብ ዘይግባእ መቕጻዕትን ጐዳኢ ባህልን ዝተፈላለየ፣ ኣእምራዊ፣ ባህላዊ፣ ኣካላዊ፣ ጾታዊ ዓመጽ ክኸላከላሎም ስለ ዝግባእ፣ ናይ ቤተክርስቲያን ብሃገር ደረጃ ሓደ መምርሒ ምውጻእ ሰለዝድሊ፣ ነቲ ሰነድ ንምስንዳው ንእኡ እትክእል ኮሚቴ ንምቛምን ነቲ ዓውደ- ዘተ ከምዝጸውዑ ገሊጾም።
ቀጺሎም ከኣ ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ዝወርድ በደላትን ንእኡ ንምክልኻል ክግበር ዝግባእ ተበግሶታትን ኣመልኪቶም ከኣ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝተገብረ መጽናዕታትን ዝወጸ ሰነዳትን እናጠቐሱ፣ ብዛዕባ ሓለዋ መሰል ቆልዑ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቦም። ሲዒቡ ከኣ ብዛዕባ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዝወጸ ሕግታት መሰል ቆልዑ ብኃው ነጋሢ ገብረኣብ ሓለቃ ማኅበር ኣኃው ላሳል ካልኣይ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ተሳተፍቲ ብጉጅለታት ብምዃን ኣብ መዛተዩ ዝቐረበ ሕቶታት ድሕሪ ዘትዮም ጽማቕ ትሕዝቶ ዘተኦም’ውን በብሓደ ኣቕሪቦም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ነዞም ናይ ጽባሕ ኅብረተሰብ ዝዃኑ ሕፃናት ብጽቡቕ ንምኩስዃሶምን መሰላቶም ንምሕላውን፣ ሓደ መምርሒ ንምስንዳው እትሰርሕ ንቤተክህነትን ምእመናንን እትሓቁፍ ሸውዓተ ዝኣባላታ ኮሚቴ ቆይማ። እዚ ብጽቡቕ ዝጀመረ ሰራሕ ኣብ ሓደ ቁምነገር ክሳዕ ዝበጽሕ ብቀጻሊ መጽናዕትን ዘተን ኪቕጽል ብምልባው ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ነቲ ናይ ዕለት መደብ ዛዚሞምዎ።

ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ!!

ግርማይ ኣስፍሃ