ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣብ ዓመተ ምሕረት 2016


Feast of Kidane Meheretክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣብ ዓመተ ምሕረት

፲፮ ለካቲት ፳፻፰ ዓ.ም ግዕዝ (24 ለካቲት 2016) ዓመታዊ ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ: ከምቲ ዝሓለፈ እዋናት ሎም ዓመት እውን ካብ ከተማታትን ገጠራትን ዝመጸ ብኣሽሓት ዝቁጸር ሕዝብን:ብፁዓን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ:ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ: ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፣ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ኣባ ዑቕባጋብር ወልደጊዮርጊስ፣ ህየንተ ጳጳስ ዘመንበረ ባረንቱ ኣባ ሉቃስ ባርዛኖን ካልኦት ካብ ኩለን ሰበኻታትና ዝመጹ ብዙሓት ውሉደ ክህነትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብዓቢይ ዓጀብን ድምቀትን ከቢሩ ዊዒሉ። ኣብዚ ክብረ በዓል ፕረሲደንት ወንጌላዊት-ሉተራዊት ቤተክርስቲያ፣ቀሺ ዮሴፍ ኣርኣያ፣ሓለፍቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት’ውን ተረኪቦም ነይሮም።

ንምስንዳው በዓል ኪዳነ ምሕረት፣ ንታስዕቲ ጸሎት ምህለላን ኣስተምህሮታትን ኪወሃብ ከምዝቐነየ ክምልከት ከሎ፡ ነተን ሾመንተ መዓልታት ኣብ ልዕሊእተን ኣብ ቅድስቲ መንበር ብምኽንያት ዓመተ ምሕረት ተሓቲመን ዘለዋ ንምሕረት ኣምላኽ ዝርእያ መጻሕፍቲ ዝተኮረ ኣስተምህሮታት ማለት ዕቤት ምሕረት ኣምላኽ ምስትምቓር ብብጹዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ፡ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ መዝሙር ዳዊት- ብኣባ ግርማይ ኣብርሃ (ሲታዊ)፡ ምሕረት ኣምላኽ ምስሌታት ወንጌል ብኣባ እስቲፋኖስ ሕላፉ (ኮምቦኒ) መንፈሳውን ስጋውን ናይ ምሕረት ስራሕ ብኣባ ግርማጽዮን ነጋሢ (ልኡካን) ምስጢረ ኑዛዜን ምሕረት ኣምላኽን ብኣባ ክፍለየሱስ ገ/ሥላሴ (ካፑቺኒ)፡ እኖና ኪዳነ ምሕረት

ኣደ ምሕረት ብኣባ ሰሎሞን መሓረና ካህን ሰበኻ፡ ኣርእስተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ብኣባ ወልደማርያም ዘርኣዮሓንስ (ልኡካን)፡ ቅዱሳንን ምሕረት ኣምላኽን ብኣባ ተስፋት ተስፋማርያም (ካፑቺኒ) ሃናጺ ኣስተምህሮታት ተዋሂቡ። ብድሮ በዓል ከኣ ከካብ ቦታኡ ዝተኣኻኸቡ ሊቃውንት ያሬዳውያን መዘምራንን፣ ገዳማውያንን፣ ዘደንቕን ንኪዳነ ምሕረት ዝበቅዕን ውዳሴን ከወፍዩላ ኣምሰዩ፣፣ ገለ ካብቲ ዝቐረበ ቅኔታት፦

ማርያም ንግሥተ ዓለም እለ እም ህሩያን ሕዝብ ወእመ ህጻን ታኦስ፡

ኣስተርእየ ዓመተ ምሕረት በደብራ ዘርእስ፡

ዘምስለ ምሕረት ብዙሕ ምሕረተ ሥሉስ ቅዱስ፡

ወድንግልሂ ታንስሱ በምሕረት ሓሲስ፡

እምመርሕባ መርሕባ መቅደስ።

( መርጌታ ጥቀኄር)

ማርያም ርግበ ገሊላ ዘቀራንብትኪ ነጻሬ ኣዕይንት ውቃቤ፡

ሥዩማን ህየንተ እማንቱ ምስዋር ጉልባቤ፡

ለዘወልድኪ በልዮ ዘእንበለ ዘርኣ ሩኳቤ

እስመ ኣይቴ ሀሎ ቃልከ እምሕር ዘይቤ፡

ዘጸውዑ ስመኪ ነባቤ።

( መርጌታ ዘወንጌል)

ተባህለ በሃበ ኩሉ እንዘ እንዘ ማይ ይኅዪ ወከመ ይቀትል እም ዝንቱ፡

ለስሞዖን ኣምጣነ ሕይወቱ፡ ወለፎርዖን ሞቱ፡

ብሂለ ሙሴ ዓደወ ኤዎስታቴዎስ ውእቱ፡

ለየማነ ብርሃን ተልሚድ እመስጥመቱ፡

ወዓደወ መልክዓም ባሕቲቱ።

(መሪጌታ ዘወንጌል)

ቅኔ ሥላሴ

ለስምዖን ሓዳፌ ነፍስ እንተ ዮሓንስ ወኤልያስ፡

ኣስተዓጸቡ መቕድመ ጉርዔሁ ድምጸ ማኅሌቱ ጥዑም፡

ይዜምር እንዘ እንዘ ይብል ማርያም ተቅዋም፡

ሰኣሊተ ምሕረት ይእቲ ይእዜ ለሓጥኣነዝዓለም

ወለኩልነ ባርኪዮም

ግዜ በዓልኪ ንብል ማርያም ሰላም

እስመ ኣንቲ ለኩልነ እም። (መሪጌታ ዘወንጌል)

ክብር ይእቲ

መሃፒል ታኦስ ወረደ ሀበ ቀራንዮ ቀላይ፡

ነሲኣ ቀሱተ መሓለ ኣደም ነዳይ፡

ኣምጣነ ዝንቱ ሓጺብ በተሰቅሎ መስቀል ማይ፡

ጌጋየ ኣዳም ወሄዋን ሎግዮ እኑመ ይሁዳ ቅኑይ። ዝብል ምጥቃስ ይከኣል።

ብዘይካ’ዚ ጽባሒቱ’ውን ማህሌትን ቅኔን ከፍስሱ ሓዲሮም፣፣ ኣብቲ ሰፊሕ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ስፍሕ ብዝበለ ዙርያ ከቢቦም “ኪዳንኪ ኮነ ለሓጥኣን ቤዛነ”እናበሉ ክዝምሩን ክውድሱን ክትርኢ ከኣ ክንደይ መሳጢ ከምዝነበረ ኪግመት ይከኣል፣፣ ቀጺሉ እቲ ዓንዲ ሕቖ ስርዓተ ኣምልኾ ቤተክርስቲያን ዝኾነ መስዋዕተ ቅዳሴ ክጅመር ብብጹዓን ጳጳሳት ዝተመርሑ 50 ለባስያን ካህናት ኣብ ቦታ መስዋዕቲ፣ መንበረ ታቦት ምስኮኑ መስዋዕተ ቅዳሴ ጀመረ፣፣ እቲ ከቐድስ ዝመጸ ሕዝቢ ነቲ ርሒብ ምድርቤት ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ጻት ንጻት መሊኡ ፍርቁ ከኣ ኣብ ደገ ዝተሰርሐ ዳስ ኮይኑ፡ ብትሑት መንፈስ ተሳተፎ፣፣ ድሕሪ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ነቶም ካብ ኩለን ሰበኻታትን ማሕበራትን ነዚ ዓመት ምሕረት ብምስጢረ ንስሓን ዕርቅን ኣስተምህሮታን ከገልግሉ፡ በቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተዋህቦም ሓላፍነትን ተልእኮን መሰረት ምስቶም ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ቅድሚ ክልተ ቅነ፡ ብቅዱስ ኣቦና ዝተላእኩ 1142 ካህናት ብምኻን ኣብ ሃገርና ብፍሉይ ዝተላእኩ ልኡካን ምሕረት 18 ካህናት ንተልእኮምን ኣገልግሎቶምን ብምግላጽ ምስ ሕዝቢ በበሓድ ድሕሪ ኣላዮምዎም፡ ንነፍሲወከፎም ከኣ ሓደ ምልክት ተዋሂቡዎም።

ቅዳሴ ሰዓት 9፣00 ብዘብቅዐ ሕዝቢ በብደረጅኡን መዓርጉን ዕቤቱን ተሰሪዑ ብመቁጸርያን እግዚኦታን መዛሙርን ንክብሪ ኪዳነ ምሕረት ሰፊሕ ዑደት ዓወደ፣፣ ተሳታፊ ሕዝብ መእለውያ ኣይነበሮን፣ ኣገባብ ስርዓተ-ዑደት ድሕሪ ተዛዚሙ፡ ያሬዳዊ ዜማን ምሉእ ዓመት ምሕረት ምስ እኖና ኪዳነ ምሕረት ዝብል ሓዲስ መዝሙር መንእሰያትን ምስ ቀረበ፡ እቲ ቃል ሊቀጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ክሰምዕ ተጻቢቡ ዝነበረ ብዙሕ ሕዝቢ ንኣምልኾ ሓቀይና ኣምላኽን ንዓመት ምሕረትን ዝምልከት ጥዑም ስብከት ሰኒቁ፡ ጸሎቱን መብጽዓኡን ፈጺሙ ነናብ ቦትኡ ተመልሰ፣፡

ይትባረኽ ኢየሱስ ክርስቶስ!!

ግርማይ ኣስፍሃ