እምነት ኣብ ሕይወት ኣማኒ እትጻወቶ ተራ


Faithናይ ቤተክርስትያን ምሕዳስ ብሕይወት ምእምናን ዚወሃብ ምስክርነት እዩ። ምኽንያቱ ንሳቶም ጎይታና ኢየሱስ ንዝሓደገልና ቃል ሓቂ ከንጸባርቑ ዚተጸውዑ እያቶም። (ኣፍ ደገ እምነት)

ነዚ ዘይልወጥ ናይ ጥንቲ ሃብቲ ዚኾነ እምነት ሎሚ ብኸመይ ንንበሮን ንመስክሮን?

ጳውሎስ “ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ኲሉ ፍረ እናፍረኹም ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹም፥ ንእኡ ዚበቅዕ ሕይወት እናነበርኩም ንጎይታ ብኲሉ ኣሓጉስዎ ይብለና።

ነቲ ከም እንደገና ዓይኒ ልቦናና ኪኸፍተልና ንዚኽእል ብሓዲሽ ናይ ዚተነስሐ ልቢ ከጓዕዘና ዚኽእል ኢየሱስ ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ከም ብሓዲሽ ምርካብ። ንሱ ቅድመና ንሕይወቱ ኣብ ኢድ ኣቦኡ ሂቡ ነዓና ተስፋ ዚኸፈተ ኢዩ። ንሱ ዓለምን ናይ ዓለም ነገራትን ብዘይካ ፍረ ፍቕሪ ዚኾነ ሰናት ተግባራትን ካልእ ክትረብሓላ ዘይትኽእል ሓላፊት ምኳና ምሂሩና ኢዩ። እቲ ምእንቲ ካልኦት ብፍቕሪ ዝሰራሕናዮ፣ ብልግሲ ምእንቲ ፍቕሪ ዝሃብናዮ ጥራይ ሒዝና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከም እንቐውም ይነግረና። ምኽንያቱ እቲ ንሕይወቱ ዚህብ እዩ ዚረክብ እቲ ብልግሲ ዚህባ ከኣ ኣይደክን እዩ።

ሕይወት እታ ዚበለጸት ስለ ዚኾነት ምሕላዋ፣ ምክትታላ ምፍዋሳን ዚዓበየ ስራሕና ይኸውን። ሕይወትና ብመልክዕ ኣምላኽ ተፈጢራ ንኣምላኽ ኪትመስል እትጽዕር ምኳና እምነትና ትነግረና። ክገርመና ዘይብሉ እምበኣር ንኣምላኽ ምምሳል ቀሊል ከምዘይኮነ እዩ። ሕይወት ምስጢር እያ ሕይወት ትእምርቲ እያ። ናይ ባዕላትና/ ናይ ገዛእ ርእስና ትመስለና ንሳ ግን ነቲ ዝሃበና ከነረክባ ዘሎና ህያብ እያ። ስለዚ ጻዕሪ እትሓትት እያ። ክንጽዕር እንከለና ከኣ ኣምላኽ ምሳና ምኳኑ እምነትና ትነግረና። ነዛ ዚተዋበትና ሕይወት ብኣድናቖት ብፍቕሪ ክንነብራ ከኣ ንግደድ ማለት ንእዘዝ።

ኣምላኽ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታ ምስጢር ሞትን ትንሳኤን ገይሩ/ገቢሩ ነቲ ዘድሕን ፍቕሩ ብምልኣት ዚገለጸልና። ብሓዲሽ ሕይወት ምእንቲ ክንነብር ብጥምቀት ምስኡ ሞይትናን ተቐበርናን። ከም ቅዱስ ጳውሎስ “ደጊም ክርስቶስ ኢዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፣ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘሎኹ፡ እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፣ በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይ ከኣ ንርእሱ በጃ ዝሃበ ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘሎኹ።” (ጋላትያ 2፡20) ዚበሎ እዛ ሓድስ ሕይወት ብእምነት ገይራ ነቲ መላእ ሕይወት ብመሰጢር እቲ ወዲ ሰብ ሓዲሽ ናይ ትንሳኤ ህላዌ ትሰርዖን ተመልክዖን። ብነጻ ድላይ ምስ መደብ ኣምላኽ ብዚተወሃሃደ መጠን ኣተሓሳስባን ጠባይን ናይ ወዲ ሰብ እናተለወጠን እናተሓደሰን ይመጽእ። ብፍላይ “እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት (ጋላትያ 5፡6) ኣባና እንተኣስሪሕናያ ንመላእ  ሕይወትና ናይ ምልዋጥ ክእለት ኣለዋ። እዚ ክንገብር ከኣ “ እቲ ክርስቶስ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ የገድደና ኣሎ።(2ቆሮንጦስ 5፡14) ዚበሎ ጳውሎስ ሓቅነቱ የረጋግጽ።

እንታይ ክንገብር የገድደና?

  • ነቲ ኣቦ ኢልና እንጽውዖ ኣምላኽ ብጥምቀት ዝረኸብናዮ ናይ ውሉድነት ጸጋ ብሓቂ ከነፍቅሮ ትእዛዛቱ ብፍቕርን ብልግስን ክንሕሉ፣ ኣብ ሃይማኖት ሸለልትነት ከነወግድ፣
  • ኣቦ፡ ኣቦ ዚኸውን ውሉድ እንተሃለዉ ጥራይ እዩ። ኣምላኽ ነቲ ብፍቕርን ሓጎስን ዚነብሮ ዚነበረ ሕይወት ከሳትፎ ደልዩ ንወዲ ሰብ ፈጠረ፡ ካብ ኣቦ ንላዕሊ ስለዚኾነን ኣብኡ ተመስሪቱ ከኣ ወዲ ሰብ ምስ ሐጥአ ካልኣይ ኣካል ዚኾነ ወዲ ሰዲዱ ስለ ዘድሓነና ኣቦ ኢልና ክንጽውዖ እኳ ደኣ ንኣባትነቱ ብፍቕሪ ከነድምጾ ንግደድ። ስለዚ ከኣ ከም ውሉድ ክንካየድ የድልየና።
  • ማርያም እግዚኣብሔር ብኣኣ ገይሩ ንወዲ ሰብ ዚገበረሉ ተመልኪታ “ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ኢላ ዘሚራትሉ እያ። ንሕና ከኣ በቲ ዚገበረልና ጸጋ ድሕነትን ምስጢራትን ንዕብየቱ ክንውድስን ንኻልኦት ምኽንያት ድሕነት ክንከውን ዝተጸዋዕና ስለ ዝኾና ብሕይወትናን ተግባራትናን ንኣምላኽ ክንውድስ ንግደድ።
  • ነዚ ኣቦ’ዚስ ኣበይ ክንረኽቦ ንኽእል? እግዚኣብሔር ኣብ ኲሉ ይርከብ እዩ። ብፍላይ ግን ኣብ ጎድንና ዚርከቡን ዚነብሩን ኣሕዋትን ኣሓትን ንረኽቦ።
  • ብስምምዕን ፍቕርን ኣምላኽ ኣብ መንጎና ከም ዚኸውን ብምግባር ፍቕርና ምስ እንገልጸሉ። ኣብ መጽሓፍ ሲራክ ምዕራፍ 25፡1 ከምዚ ዚስዕብ ነንብብ፣ “ ዜሓጉሰኒ ሰለስተ ነገራት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኮነ ኣብ ቅድሚ ሰብ ጽቡቓት እየን። ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘሎ ስምምዕ፣ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ዘሎ ዕርክነት ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ስኒት. . .” ከምኡ ኣብ ዕብራውያን 3፡12-14 “ኣሕዋተይ ካባኻትኩም ሓደ’ኳ ካብቲ ሕያው ዝኾነ እግዚኣብሔር ዘርሕቕ እኩይን ዘይኣምንን ልቢ ከይህልዎ ተጠንቀቑ። እኳ ደኣ ሎሚ ተባሂሉ ኪዝረበኩም እንከሎ፣ ብናይ ሓጢኣት ምትዕሽሻው ናይ ሓደ ሰብ ልቢ እኳ ምእንቲ ከይተርር፣ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሓድኩም ተመዓዓዱ። ነታ መጀመርታ እምንቶና ክሳብ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተደኣ ሓዝናያ መማቕልቲ ክርስቶስ ክንከውን ኢና” ይብሉና።

ስለዚ መንፈሳዊ ሰብ ምኳን ንኲሉ ቡራኬ እዩ። ስለ ዚኾነ ከኣ ኣምላኽ መንፈሳውያን ክንከውን ይዕድመና ኣሎ። “ሃይማኖት ክሳብ ሞት” ኣብ ዚብል ናይ ኣቦታትና ኩርዓት ተመስሪትና  ብሃይማኖትና ኮሪዕና ኣብ እምነትና ጸኒዕና ክንነብር ኣምላኽ ይዕድመና ኣሎ።

ከምኡ ይኹነልና። ኣሜን!

እናቴ  ለተምሕረት ተስፋይ