ኣብ ክርስቶስ ዝተስረተ ሕይወት


ኣብ ክርስቶስ ዝተስረተ ሕይወትኣብ ክርስቶስ ዝተስረተ ሕይወት

ኣብ ክርስቶስ ዝተሰረተ ሕይወት ዝነብርን ምስኡ ዝጎዓዝን ኣብኡ ዝተሓንጸን ኣመስጋኒ እዩ ዝኸውን። ምስ ዘመስግኑ ምህልው ክንደይ ጽቡቕ እዩ። እንተወዲቖም ተስፋ ኣይቆርጹን እዮም፣ እንተተዓዊቶም ድማ ትዕቢት ዘይኮነስ ምስጋና እዩ ዝስዕሮም፣ ከመይ ሕይወት ህያብ ምዃና ስለ ዝርድኡ። ሕይወት ህያብ ምዃና ምቕባል ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘይተማርር ትኸውን፣ ከመይ ሕይወት መሰል ዘይኮነት ህያብ ምዃና ስለ እትኣምን። ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከኣ እቲ ዝተረኽበ ዘይግባእ ሓለፋ ከም ዝኾነ ትርኢ እሞ ፈንጠዝያ ኣይትገብርን።

ኣማኑኤል ኪዳነ