ኣስተንትኖ ጾመ ኣርብዓ 2018


ኣስተንትኖ ጾመ ኣርብዓ 2018
ብጥቀ ክቡር ኣብ ዮናስ ዮሓንስ

‘’ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ’ምበር ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣይትምሰልዋ’’

ቅዱስ ጉባኤ ’’ኣብ ጊዜ ጾመ ኣርብዓ ንስሓ ውሽጣ’ውን ብሕታውን ጥራይ ዘይኮነ ግዳማዊን ማሕበራ’ውን ኪኸውን ኣሎዎ፣ ቤተክርስቲያን በዚ ጾም’ዚ ጌራ ንምእመናና ቃለ እግዚኣብሔር እናሰምዑን ዝበዝሕ ጊዜ ንጸሎት እናወፈዩን ንበዓለ ምሥጢረ ፋሲካ ትቕርቦም’’ ( ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቅዱስ ጉባኤ 109-110) ይብል።

ኣብዚ ዘሎናዮ ቅዱስ እዋን ሕማማትን ሞትን ስቅያትን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍልይ ዝበለ መልክዕ እነስተንትነሉ እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ሕዝቢ እስራኤል ብነብያቱ እናተመርሐ ጾም ብምእዋጅ ናብ ኣምላኹ ይምህለል ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ኢዮኤል ነቢይ እንተወሰድና ብዛዕባ ጾም ካብ እግዚኣብሔር ዝተቐበሎ መምርሒ ንሕዝቡ እንክገልጸሎም:-

‘’ እምበኣር ሕጂ’ውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዘማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ …ክዳውንትኹም ዘይኮነ ልብኹም ቅደዱ… እግዚኣብሔር ንኹራ ደንጓዩ ብምሕረት ምሉእ’ዩ ካብ ክቐጽዕ ክርሕርሕን ክምሕርን እዩ ዝፈቱ’ሞ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ተመለሱ’’ ይብሎም፣ (ኢዮኤል. 2:12-13)። ጾም ውሳጣዊ ዓሚቑ ትርጉሙ ምስእንርኢ እንረኽቦ ሓሳብ ርእስኻ ክሒድካ ንፍቓድ ኣምላኽ ቀዳምነት ምሃብ ዝብል እዩ። ክርስትና ብሙማት እዩ ዝጅምር፣ እዚ ማለት ንዓለም፥ ሥጋ፥ ሰይጣን፥ሞይትካ(ክሒድካ) ንክርስቶስ እሙን ኮይንካ ምንባር እዩ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሎሴ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ከምእንርድኦ ’’ነቲ ኣረጊት ሰብነት ምስ ኩሉ ግብሩ ቀምጢጥኩም ነቲ ንዓዑ ምእንቲ ክፈልጥ እቲ ፈጣሪኡ በርኣያኡ ዚሕድሶ ዘሎ ሰብነት ዝለበስኩም ስለ ዝኾንኩም’’ ብምባል ሓድሽ ሰብነት ክርስቶስ ክለብሱ ከምዝግብኦም ይመኽሮም፣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጾም ነዘውትር ኢና ክንብል እንተደኣኮይንና ከም ዕላማ ክርስትና ወሲድና ክንፈልጦን ክንርድኦን ዘሎና ነጥቢ ‘’እቲ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣይትምሰልዋ’’ ዝብል ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ኣተሓሳስባ ኢዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ፍቓድ ኣቦኡ ምእንቲ ክፍጽምን ኣብነት ከርእየናን ጾመን ጸለየን ንፍሕሶ ሰይጣን ድማ ሰዓረ።

ኣብ ጽሑፋት ቤተክርስቲያን ሃገርና ከምእንረኽቦ ኣቦታትና ብዛዕባ ጾም ኣስተንቲኖም ካብ ዝገደፉልና ተመኩሮ ቅድስና ነዚ ዝስዕብ ንረክብ ‘’ ጾም ንጹም ብጾትና ነፍቅር ንሓድሕድና ንፋቐር…ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ ስሙ ጸውዑ ንኹሎም ኣሕዛብ ከኣ ሠናይ ተግባራቱ ኣዘንትዉ ሰንበት ኣኽብሩ ጽድቂ ድማ ፍተዉ መዝገብኩም ኣብ ሰማያት ጻጸን ቁንቁኔን(ባልዕ) ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ ኣንብሩ ኩሉ ጊዜ ድልዋት ኩኑ ናይ ላዕሊ(ሰማይ) ኣብቲ ክርስቶስ ዘሎዎ ሕሰቡ’’ ። ጊዜ ጾም ፍቕሪ ብጻይን ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ዝግለጸሉ ጊዜ እዩ። ጾም ብርሃን እግዚኣብሔር፤ ምሕረት እግዚኣብሔር፤ ረድኤት እግዚኣብሔር፤ ንኽንረክብ ከማኡ’ውን ጣዕሳናን፤ ንስሓናን ንክንገልጽ ዝግበር ቅዱስ ተግባር እዩ፣ ስቅያት ክርስቶስ ንዓና ተኸተልቱ ዘመሓላልፈልና መልእኽቲ ርእስኻ ምቁጽጻር፤ ዘይእሩም ልሳን ምውጋድ፤ ሥጋዊ ባህግታትን ስምዒታትን ድኹም ኣመላትን ምሽናፍ፤ ብቃልን ግብርን ናይ ሰላም መሳርሒ ምስክርን ምዃን’ዩ። እግዚኣብሔር ብኣፍ ሕዝቅኤል ነብይ እንክናገር ’’ሓደ እንተዘይገፍዐን እንተዘይዓመጸን ንጥሙይ እንተብልዐ ንዕሩቕ እንተኸደነ… ክፉእ ምግባር እንተሓደገ ሕገይ’ውን እንተፈጸመ ጽድቕ’ዩ ብሕይወት ድማ ኪነብር’ዩ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ’’ (ሕዝ.18:7-9)፣ ከም ኣመንቲ መጠን ካልእ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ከነዘውትሮ ዘድልየና ዓቢ ነገር ጸሎት እዩ።

ጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኮይንካ ናይ ውልድነትካ ሓቀኛ ኣምልኾን ናይ ህልው ኩነታትና ብግልጺ ምዝራብ እንክኸውን ኣብ እዋን ጾም ግና ጸሎት እንክንብል ብፍሉይ ሓሳብ እነስምዖ ትርጉም ‘’ንሕልናኻን ልብኻን ምስ ኣምላኽ ኮይንካ ብምፍታሽ ንኸንጽሓካ ድልው ምዃን’’ እዩ። ብፍላይ ንስሓ ቀንዲ ተግባር ናይ ጾም ኪኸውን ይግባእ፣ እቲ ከም ልቢ እግዚኣብሔር እናተባህለ ዝጽዋዕ ዳዊት ብንስሓ ናብ ኣምላኹ ብምቕራብ ካብ እግዚኣብሔር ዝረኸቦ ምሕረት ብምስትምቓር ‘’ ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ’’ እናበለ ኣምላኽ ንኹሎም ብንስሓ ዝቐርብዎ ኣቦ ምዃኑ ርሕሩሕ በዓል ብዙሕ ምሕረት ምዃኑ ይምስክር። ጊዜ ወሲድና ቃል እግዚኣብሔር ከነንብብ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ብስግደት ኣምልኾ ኣስተንትኖ ተመስጦ ብጸሎት ክንቀርብ የድልየና። ስለዚ ኣረጊት ሰብነትና ክንድርብዮ ሓዲሽ ሰብነት ክንለብስ ብኹሉ ተዓጢቕና ክንትንስእ የድልየና; ኩሉ ኣተሓሳስባና ኣነባብራና ኣብ ክርስቶስ ክልወጥ የድልዮ: ኣዳማዊ ኣረኣእያና ንኣምላኽ ከፍልጠና ኣይክእልን’ዩ። ምንባርናን ምህላውናን ብክርስቶስን ኣብ ክርስቶስን ምስ ክርስቶስን ጥራሕ ኪኸውን ክንለማመድ የድልየና፣ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ’ዚ ‘’ እቶም ብሕይወት ዚነብሩ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንሰአን እምበር ንገዛእ ርእሶም ምእንቲ ከይነብሩ ክርስቶስ ኣብ ክንዲ ኩላቶም ሞተ… ስለዚ ሓደ እኳ ኣብ ክርስቶስ እንተደኣሃልዩ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ’’ (2ቆሮ.5:16-17) ።

ኣቦታትና ኪምስሉ “መን ምዃንካ ኪፈልጠካ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ይብሉ፣ ቅ.ጴጥሮስ ምስ ክርስቶስ ዝነብር ተግባራት ክርስቶስ ዝረአየን ክንሱ፣ ነቲ ንክርስቶስ ዘምጽኦ ምስጢረ ድሕነት ደቂ ኣዳም ኣይተረድኦን፣ ከም ማንም ሰብ። ከም ናይ ሰብ ርድኢትን ሓሳብን ድሌትን፣ ኣውሪዱ ካብ ጭንቅን መከራን ከናግፎን ከጸናንዖን ሠናይ ሓልዮቱ ይገልጸሉ፣ ከም ኣዘራርብኡ ከኣ ዝተጸውዓሉ ዕላማ ከይተረድኦ ንምድራዊ ክብርን ሽመትን ንምጉንጻፍ ንክርስቶስ ዝሰዕቦ ዝጸንሐ ይመስል፣ ክርስቶስ ከኣ ንቓላቱን ንሓሳባቱን ምስተረድአ፣ ኣትሪሩ ወይ ኪስዕቦ ወይ ኪምለስ ሓዲኡ ክመርጽ “ኪስዕበኒ ዝደሊ ሕይወቱ ይመንን መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ ከመይ እቲ ንሕይወቱ ከድሕና ዝደሊ ከጥፍኣ ኢዩ….” እናበለ ምርጫኦም ጽንኩርን መሪርን ምዃኑ የብርሃሎም። ንስኻ ‘ውን ንክርስቶስ ከተገልግል ንክርስቶስ ክትመስል መፍቀሬ ክርስቶስ ክትከውን ብገዛእ ናጽነትካን ፍቓድካን ድሌትካን ንክርስቶስ ዝወሰንካ ኢኻ፣ ካብ ናብራ ዓለም ተፈሊኻ ንርእስኻ ዝመነንካ ካብ ክርስቶስ እንታይ ክትረብሕ ስለ ዝደለኻ ኢኻ? እንታይ ዝብል ድምጺ ተስፋ ስለዝሰማዕካ ኢኻ? ምናልባት ካብ ዓለም ክትሃድም ስለ ዝደለኻ ዲኻ? ወይ ሓዳርን ናብራ ሓዳርን ስለዘፍርሃካ ዲኻ? እንድዒ ዘምጽኣካ ንስኻ ባዕልኻ ትፈልጦ፣ ምናልባት ግና ከም ቅ.ጴጥሮስ ገልቢጥካ ተረዲእካዮ ከይትህሉ ተመሊስካ ሕሰብን ኣስተንትንን፣ ንክርስቶስ ኪምልሰልካ ድማ ተወከሶ፣ ኪምልሰልካ ድማ ተጸበዮ።

እንተኮነ ግን ድሮ ንክርስቶስ ምስዓብ “መስቀልካ ጼርካ ምኽታል” ምዃኑ ፈሊጥናዮ ኣሎና፣ ብርግጽ ከኣ ነዚ ቃል ሰሚዕካ መሪጽና ዝመጻና ክንከውን ተስፋ እገብር፣ በዚ እንነብሮ ዘሎና ሕይወት ብርግጽ ናብቲ እትደልዮን። ዝመረጽካዮን ኣኽሊል ዓወት ከብጽሓካ ዲዩ? ብርግጽ ‘ከ ኣብ ጐደና ዓወት ይምርሽ ኣለኹ ኢልካ’ዶ ትሓስብ? ብሓቂ በዛ ትመላለሰላን እትነብራን ዘሎኻ መንገዲ ኣብ ቅድስና ክትበጽሕ ዲኻ?ትማሊ ዝነበረ ሕይወት ሎሚ ድሕሪ ምርጫኻ ዘሎ ሕይወትካ (ናብራኻ) ፍልልይ ኣለው’ዶ? በል እስኪ ነዚ ምኽሪ ቅ.ጳውሎስ ጽን ኢልካ ስምዓዮ፣ “ነቲ ቀደም እትነብርሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ። ብኣተሓሳስባኹም’ውን ተሓደሱ። ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሔር ብጽድቅን ቅድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከኣ ልበስዎ፣” (ኤፌ. 4። 22-24)።

ንክርስቶስ ምስዓብ፣ ዓለም ምምናን፣ ንርእስኻ ምኽሓድ፣ ማለት ሕይወትካ ኣነባብራኻ ምልዋጥ፣ ርድኢትካ፣ ሓሳባትካ መንገድኻ ምቕያር ማለት ኢዩ፣፣ ንክርስቶስ ምስዓብ ማለት ሓድሽ ፍጥረት ምዃን ማለት ኢዩ። ንክርስቶስ ምኽታል ማለት ከኣ ነቲ ኣረጊት ሰብነትካ ብሓጢኣት ዝተበላሸወ ምቕንጣጥ ማለት ኢዩ። ብሓጺሩ ነቲ ስጋ እትብህጎን እትምነዮን ናይ ምድሪ ነገራት ገዲፍካ ናይ ሰማይ ነገራት (ናይ ሰማይ ርስቲ) ክትወርስ ሃሰስ ምባል ማለት ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ከምቲ ቅ.ጳውሎስ ዝብሎ “ብዘሎ ምረትን ነድርን ቁጥዓን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኩሉ ክፍኣት ካባና ምርሓቕ” ማለት ኢዩ (ኤፌ. 4።31)፣ ናይ ክርስቶስ ክትከውን ነዚ ዝበለየ ሰብነትካ ክትቅንጥጥን ካብ መረጽካ። መሪጽካ ካብ ተበገስካ። ስለምንታይ ደኣ ሕጂ ነቲ ጉዕዞ ምስ ጀመርካ፣ ኣብ ማእከል ምስ በጻሕካ ግልብጥብጥ ክትብል እትጅምር? አረ ስለምንታይ ኢኻ ግብይብይ እትብል? “ዕርፊ ሒዙ ንድሕሪት ዝርኢ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን ኢዩ” (ሉቃ. 9።62) ዝብል ቃል ክርስቶስ ዘንጊዕካዮ ዲኻ? አረ እንታይ ኢዩ ወሪዱካ ኣብ ሓደ ዘዘው ኢልካ፦ ኣይንቕድሚት ኣይንድሕሪት ተዓኒድካ? ተንስእ እንዶ ከምቲ ኣጀማምራኻ ንቕድሚት ሰጉም፣ ድሕሪት ተመሊስካ ነታ ናይ መጀመርታኻ ውሳኔን ጸዋዒትን እሞ ዘክራ፣ ኣብታ ግዜ እቲኣ ዝነበረካ ድሌትን ሃረርታን ተበግሶን ሕጂ ድኣ ናበይ በኒኑ፣ እንታይ ድኣ ብሓጐስ ጀሚርካ ሕጂ ግና ናብ ጓህን ሓዘንን ጣዕሳን ሸለልትነትን፣ ተስፋ ቁርጸትን እትበጽሕ? መስቀል ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ እዚ ናይ ድኻምን ጻዕርን፣ ናይ ውርደትን ሕስራንን ድኣ እምበር ናይ ዕረፍትን ምቾትን ኣይኮነን፣ ናይ ደስታን ባህታን ከምዘይኮነ ኣይተረዳእካዮን ኢኻ ነይርካ? እስኪ ነዚ ቅ.ጳውሎስ ንክርስቶስ ኣብ ምስዓብ ዝገጠሞ መሰንኽል ሕይወት ኣስተንትን “ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንህረምን ኣሎና። ምሕዳሪ’ውን ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና’ውን ንግዛእ ኣሎና፣ ንዝጸርፈና ንምርቕ። ንዘሳድዱና ንዕገስ። ስምና ንዘኽፍኡ ብጥዑም ቃል ንምልስ ኣሎና፣ ክሳዕ ሕጂ ከም ናይ ዓለም ጐሓፍን። ከም ናይ ኩሉ ነገር ጐድፍን ኮይና ኣሎና፣” (1ቆሮ. 4: 11-13)፣ ዘገርም ኢዩ ሎሚ ከም ሎሚ ነዚ ንቅ. ጳውሎስ ዘጓነፎ መከራ ንዓኻ ንዓይ እንተዘጓንፈና እንታይ ምገበርና? ብእምነት’ዶ ኣብዚ ሒዝካዮ ዘሎኻ ዕላማ ምጸናዕካ? ብተስፋ’ዶ መስቀልካ ጼርካ ንቅድሚት ምሰጐምካ? ብፍቕሪ’ዶ ነቶም ዘዋርዱኻ ምሕረት ምገበርካ? ሕይወትካ ከምዚ ናይዚ ዓለምን ጓሓፍን ናይ ኩሉ ነገር ጐድፍን ክሳዕ ዘይገመትካ ገና ንዝመረጽካዮ ሕይወት ክርስቶስ ኣይለበስካን ማለት ኢዩ፣ ነቲ ዝመረጽካዮ ሕይወት ክርስቶስ ኣዕሚቍካ ኣስተንትን ነቲ ክርስቶስ መስቀሎ ጸይሩ ዝተጓዕዘሉ ካብ ጌተሰማኒ ክሳብ ቀራንዮ ዘሎ ጉዕዞ ሕይወት ዘክሮ። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝወረደ ግፍዒ ብተመሳሳሊ ኣብ ጉዕዞኻ ተጸበዮ፣ ንክርስቶስ ክትስዕብ ካብ መረጽካ ዕጫ ክርስቶስ ዕጫኻ ከም ምዃኑ ኣይትረስዕ፣ እስኪ ነዚ ንቅ.ጳውሎስ ዝበጽሖ ዕጫ ንርአ “ ብመከራ ብጥንቂ ብጸበባ በመግረፍቲ ብማእሰርቲ ብእምባጋሮ ብጻዕሪ ብድቃስ ምስኣን ብጥሜት….” (2ቆሮ. 6። 3-10)፣ ንዓና ውን እዚ ኢዩ ዕጫና፣ ኣብዛ ምድሪ ስደትካ ዕረፍትን ሓጐስን የብልካን፣ ዝመረጽካዮ ጉዕዞ መከራን ስቓይን እንተዘይህልዎ ኩሉ ሰብ ምመረጾ ነይሩ፣ ከምዚ እንተዘይከውን ከኣ ክርስቶስ “እቲ ኪስዕበኒ ዝደሊ ዕለት ዕለት መስቀሉ ጸይሩ ይከተለኒ” ኣይምበለን ነይሩ፣ ነዚ ከስምዕ ከኣ ኢዮብ ጻድቕ “ሕይወት ዓለም ውግእ ኢዩ፣” በለ (ኢዮብ.7:7) ።

“ሎሚ ዝተረፈኒ የልቦን ክብል ወዲ ሰብ ዓንዲ ጸዎዕታ ቤቱ ዝኾነ ፍቅሪ ሕድሕድ ምሕየ እንተዘይደርበኩ ይብል ኣሎ፣ የማነ ጸጋም እንተ ተመልከትና ከዓ እቶም ክርስትያን ተባሂሎም ብስም ክርስቶስ ዝጽዉዑን ኣብ ክርስቶስ ንኣምንን ዝብሉ። ምልላይ ተሳኢኖም ከም ሰብ ደም ክተሃዳደኑ ንርኢ ኣሎና። እዚ ኮይኑ ከዓ ሕዝቢ መፍቶ ፀረ ኣምላኽ ኮይኑ ኣሎ። ንዓለም ብርሃኑን ድኅነቱን ኪከውን ዝተበሃለ። ሎሚ ዘራጊቶ ከምዝኣተወቶ ዐውዲ ኮይኑ መስሓቅ ዓለም ኮይኑ ኣሎ፣ ክርስቶስ ደሊና ቢሎም ንዝቀርቡዎ እንከ ክሳብ ኣይከደን እንድዩ ክርስቶስ ቢሎም ከም ዚበሩ ይገብሮም ኣሎ፣ ዝገደደ ከዓ እቲ ምንጪ ፍቅርን ኅውነትን ዝኾነ ክርስቶስ ብሰንኪ ወድቀት ሕዝቢ ክርስትያን ምኽንያት ኣከሐሐድን ጽልእን ኮይኑ ኣሎ፤ እዚ ስለ ዝፈለይጠ እዩ መድኃኒና ድሮ ሞቱ ኣቦ ዝልምነካ፦ እዞም ተኸተልተይ ሓደ ከም’ዚ ኮይኖም ከሞቲ ንሕና ሓደ ዝኾና ቢሉ ዝለመነ (ዮሓ.17) ። መሓሪ ኣምላኽ ኣኻኺብካ ኣብ ኡነትን ፍቅርን ኣወሓሒድና ቢልና ንለምን፣ ከም’ዚ ቢልና ለሚና ክንብቅዕ ከዓ ብኩሉ ሥራሕናን መንገድናን ኣከብቲ እምበር በተንቲ ኰና ከይንርከብ ንስከፍ፣ ሓደ ልቢ ግበረለይ ንተከተልተይ ቢሉ ክልምን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸሎቱ ከይተፈጸመ ዝተረፈ ምኽንያት። ናይ ነፍሲ ወከፍ ጽገም እንካባና እዩ፣ ንኃውና ፊንጫሕ ጐድንና እሞ ከማና ብስም ሥላሴ ዝተጠመቀን መስቀል ክርስቶስ ዝተዓተበን ኃውና ኣይበልናዮን ዘይወዲ ሃይማኖትና ቢልና ኣጓኒናዮ። ወዲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ልቡ ሰፊሕ ክከውን ኣለዎ፤ ካልእ’ስ ይትረፍ ዘይወዲ ሃይማኖቱ ጨኪኑ ኅውነት ምሳኻስ ይትረፈኒ እንተበሎ’ኳ ስዒቡ ክሓቁፎ ኣለዎ። ከመይ ኅውነት ሓደሻዕ እግዚኣብሔር ምስ ተኸሎ ዚነቅሎ የልቦን ኃወይ እንካብ ጨከነለይ ክጭክነሉ ማለት ከዓ ገዛኻ ሓቢርካ ምፍራስ እዩ” (ኣቡነ ኣብርሀ ፍራንስዋ)።

ንክርስቶስ ኣብ መስቀል ብምጥማት ነቲ ብፍቕርና ዝተቓጸል ልቢ ክርስቶስ ነፍቅሮ፣ ኣብ መስቀል ንክርስቶስ ብምጥማት ከኣ ካብ ሓጢኣት ትነጽሕ፣ ንክርስቶስ ኣብ መስቀል ብምጥማት ካብ ፍቕሪ ርእስኻ ሓራ ትወጽእ፣ መስቀል ክርስቶስ ንዓና እኳ ኩሉ ኢዩ፣ ወንጌል ብምልኡ ከኣ ኣብ መስቀል ተጻሒፉ ኣሎ፣ እቲ ኣብ መስቀል ዘሎ ማዕከን ፍቕሪ ብምንታይ ክንበጽሖ ንኽእል፣ መስቀል እኮ ናይ ሕይወትና ምስጢር ኢዩ፣ ኣስተንቲንካ ዘይብጻሕ። ጠሚትካ ዘይጽገብ። ኣስተማቒርካ ዘይውዳእ ምንጪ ጸጋታትና እኳ ኢዩ፣ ብዝኮነ ኮይኑ መስቀል ክርስቶስ ንዓና፦ ዋልታና፦ ዕርድና፦ ተስፋና፦ መጸናኒዕና፦ ናይ ድሕነት ኣርማና፦ ዕላማና፦ ትምክሕትና፦ መንገድና፦ መሳልል ጽድቅና….ወዘተ ኢዩ፣ ስለዚ ንመስቀል ነፍቅሮ። ኣፍቂርና ብፍቕሪ ነስተማቕሮ። ንመርምሮ። ጉዕዞ መስቀል ከኣ ካብ ጌተሰማኒ ክሳብ ቀራንዮ ኢዩ፣ እዚ ከኣ ናይ ስቓይ ጉዕዞ ኢዩ፣ “ኣቦ ዝኸኣል እንተድኣ ኮይኑ እዛ ጽዋዕ እዚኣ ካባይ ትሕለፍ ነፍሰይ ከኣ ክሳብ ሞት ተጨኒቓ ኣላ” እናበለ ክርስቶስ ንምረት መስቀል ገሊጽዎ ኢዩ፣ እዛ መስቀል ንክርስቶስ ማዕረ ክንድዚ ኢያ ኣጨኒቓቶ፣ ክበድ መስቀል ከኣ ክበድ ሓጢኣትና ኢዩ፣ ክርስቶስ ከኣ ሓጢኣትና ከቢድዎ ወዲቑ ኢዩ። ይኹን እንበር ወዲቑ ኣይተረፈን፣ ፍቕርና ዳግም ኣጽዋር ኢዩ፣ መስቀል ክርስቶስ ከኣ ንሕና ሓጥኣን ኢና ነይርና፦ ክርስቶስ ከኣ ንዓና ንሓጥኣን ኢዩ ዝጾረ፣ ብሓጢኣትና ኢዩ ከኣ ዝተሳቐየ፣ ንዓና ከኣ ዝተፈላለዩ ክንጾሮም ዝግብኣና መሳቅል ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ተገቲሮም ይጽበዩና ከምዘለዉ ክንዝንግዕ የብልናን፣ ምኽንያቱ ዕጫና ዕጫ ክርስቶስ ስለ ዝኮነ፣ ክርስቶስ ከኣ መምህር ትዕግስትን ስቓይ መስቀልናን ኢዩ፣ መስቀልካ ምጻር ከኣ ሰናይ ፍቓድን። ሃረርታን ጥራሕ ኣኻሊ ኣይኮነን፣ ቈራጽ ትብዓትን ቃልሲ ምስ ሓጢኣትን ምስ ገዛእ ርእስኻን ዕላማ ይድሊ፣፣ ሕይወት’ከ እንታይ ኢዩ- ሕይወት ዝዓቢ፦ ዝኣርግ፦ ዝልወጥ፦ ዝቕየር” ኣብ መጨረሽታ ከኣ ዝመውት… ኢዩ፣ ሕይወት ዘለዎን ሕይወት ዝህብን ከኣ ሓደ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ፣ ወድሰብ ከኣ ነዛ ዝተዋህበቶ ሕይወት ክፈልጥ ከጽንዕን ኪመራመርን ክመሓላለፍን፣ ንሕይወቱ ኪፍትሽን ዝነብር ፍጡር ኢዩ፣ ምስጢር ናይ ሕይወቱ ግና ወትሩ ግዜ ምስጢር ናይ ምስጢር ኮይንዎ ኢዩ ዝነብር ዘሎ፣ እምበኣር ክርስቶስ እዚ “ምስጢር ናይ ሕይወት ኣነ ኢየ” እናበለ የረጋግጸልካ ኣሎ፣ “ኣነ ሕይወት ኢየ” ኣብ ሕይወትካ ከኣ ምስጢር ናይ ሕይወትካ ከም እትወልድን እትዓብን እትልወጥን እትመውትን ንዘለዓለም ከም እትሰጋገር ዝገብረካ ኣነ እየ ሕይወትካ። እቲ ብመንፈስ ውላድ ቅ.ጳውሎስ ዝኾነ ጢሞቴዎስ መምህሩ ክመኽሮ እንከሎ ከምዚ ይብሎ ‘’ ካብ መንፈስ እግዚኣብሔር ዘይብሉ ዕላል ኣረገውቲ ኣንስቲ ዝመስል ተረት ረሓቕ…ንርእስኻ ግና ብመንፈሳዊ ሕይወት ክትነብር ኣምልኾ ተለማመድ’’ (1ጢሞ.4:7)፣ንሕና’ውን እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝቕበሎ ጾም ክንጸውም እንተደኣኾይንና ብስግደትን ኣምልኾን ጸሎትን ንባብ ቃል ኣምላኽን ብጸሎት መቑጸርያን መደባትና ሰሪዕና ጽምዋ መሪጽና ብመንፈሳዊ ሕይወት እናነበርና ክንልወጥ ንጽዓር።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ሓሳብ ብትግሃት ክንፍጽም ምስ እንርከብ ካብ ኣምላኽ ብሓቂ ዘጸናንዕ ቃል ድሕነት ክምሰምዕ ኢና፣ ‘’ብርሃነይ ከም ፀሓይ ንግሆ ከብርሃልኩም ምሕዋይኩም ቀልጢፉ ኪመጽእ ጽድቀይ ቀቅድሜኹም ኪኸይድ… ሽዑ ክትጽውዑኒ ክምልሰልኩም ክተእውዩ ኣነ ድማ እኔኹ ክብለኩም እየ’’ (ኢሳ.58:8-9) ። እምበኣርከስ ‘’ነቲ ግዜ ፍለጥዎ ካብ ድቃስ እትበራበርሉ እዋን በጺሑ እዩ’’ (ሮሜ.13:11) ከምዝተባህለ ብሓቅን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኽና ነቲ ምእንቲ ድሕነትና ሰብ ኮይኑ ምእንቲ ሓጢኣትና ኣብ መስቀል ዝወዓለ ኢየሱስ መምህርና በዚ ምሩጽ ጊዜ ንስዓቦ፣ ‘’ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ንሥጋኦም ምስናይ ትምኒቱ ኣብ መስቀል ሰቒሎሞ ኢዮም’’ (ገላ.5:24)፣ ምስ መሎኮታዊ መምህርና ተሰቒልና ኣብ ትንሳኤ ብዓወት ሓደስቲ ፍጥረት ኮይንና ክንትንስእ መደብ ናይቲ ኣብ ጸዋዕታና ዘፍቀርናዮ ኢየሱስና እዩ።

‘’እምበኣርሲ ኣሕዋተይ ሰብነትኩም ሕያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መሥዋዕቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ ብምሕረት ኣምላኽ እልምነኩም ኣሎኹ
እዚ ማለት እቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ እቲ ሠናይን ባህ ዘብልን
ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ
ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣይትምሰልዋ’’
(ሮሜ.12:1-2)፣

ኢየሱስ መምህር ሕይወት ኣነ ኢየ እስትንፋስካ ኣነ ኢየ ምንጪ ሓሳባትካ ኣነ ኢየ ነባሪት ዝገብራ ሕይወትካ ኣነ ኢየ ናይ ዘለዓለም ሕይወት፣ ነቲ ድሕሪ ሞት ሃረር እትብሎ ሕይወት ኣነ ኢየ እቲ ክትቅደስ ሃረር እትብሎ ሕይወት ኣነ ኢየ ኣነ ነቲ ንሕይወትካ ዘድሊ ናይ ሕይወት ሕይወት ኣነ ኢየ ይብል ኣሎ።

Abba Yonas Yohanes

Rome Italy