ንዓለም ዝስዕራኸ መን እዩ?


ንዓለም ዝስዕራኸ መን እዩ? እቲ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ዝኣምንዶ ኣይኮነን? (1ዮሓንስ 5፣5)

ኣብ ጕዕዞ ሕይወትና ብዙሕ ጊዜ ዘይተዓወትናሉ ዘየሓጉስን እዋናት ምህላወም ነኣምን ብዙሕ ንዘርእ ውሑድ ከኣ ንሓፍስ። (ሃጌ 1፣6) ንሰብኽ፣ ንጽዕር ብዙሕ መንገዲ ነናዲ ዓለምና ግን ከንዲ ናብ ክርስቶስ ዝምለስ መሊሱ ይርሕቅ።  (Padre Canta Lamessa) ኣብ ከምዚ ኹነታት እንክንርከብ፤ ምኽንያቱ እንታይ እዩ ኢልና ክንሓትት ንግደድ። ምናልባትዶ እቲ ብኽርስቶስ ዝረኸብናዮን ዝኾናዮን ከምኡ እውን ክንኮኖ ዘሎናን ዘይፈለጥናዮ ደኾን ኮይንና ኢና ዝብል ሕቶ ናባና ተመሊስና ክንሓስብ ኣብ ገዛእ ርእስና ከም እንምለስን ይገብረና።

ጽቡቕ ድላይ ዘለዎ ሰብ ኮፍ ኢሉ እንክሓስብ ብሓቂ ጉዕዞ ሕይወቱ   ኣብይ በጺሑ ዘሎ ኪፈልጥ ኣይጽገሞን ኢዩ። ሽዑ እቲ ሓቂ ይግለጽ ኢዩ።  እንተኾነ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዚብሎ እዩ። ምናልባት ትኽስ ንብል ከይንህሉስ  ̎ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር ካብ ሙታትውን ተንስእ ክርስቶስ ከኣ ከብርሃልካ እዩ ̎።

ሕይወት ክርስትና ኣብ ሓደ ናይ ሓባርን ነባርን ዝኾነ መሰረት ዝተሃንጸ ሕይወት ምኳኑ እሞ፣ ዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ፣ ወርቂ፤ ብሩር፤ክቡር እምኒ፤ ዕንጸይቲ፤ ሳዕሪ ወይ ሓሰር እንተሰርሐ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስራሕ ኪግሃድ ምኳኑ። ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከመይ ከም ዝኾነ ኸኣ እቲ ሓዊ ክፍትኖ እዩ። (1ቆርንጦስ 3፣12 13) ይብለና ቅዱስ ጳውሎስ። ሓሰር ኮይኑ እንተ ተረኺቡ ብሓቂ ወላ ብዙሕ እንተሰራሕና እውን ዋጋ ከምዘይብሉ ኮይኑ ይተርፍ ማለት እዩ።  (ርኤ ብተስፋ ኢና ደሒንና)

ጽሑፋት ቅዱስ ጳውሎስ ተመስሪትና እንክንርኢ፤

እንታይነትና ዘርኢ እንታይ ክንገብር ንዕደም
ደጊም ንሓጢኣት ከንግዛእ፣ እቲ ሓጥእ ሰውነትና ምእንቲ ኪጠፍእ እቲ ኣረጊት ሰውነትና ምስኡ ከም ዝተሰቅለ  ንፈልጥ ኢና። እቲ ናይ ሓጢኣት ሰውነት ተሳዒሩ ኢዩ።( ርኤ ሮሜ 6፣6 2ቆሮንጦስ 5፣14 17) ነቲ ኣረጊት ሰውነትኩም ምስ ኵሉ ክፉእ ግብሩ ቀንጢጥኩም ደርብይዎ። (ርኤ ቆላሴ 3፣9፤ ኤፈሶን 4፣22)
ኵሎም እቶም ዝተጠመቑ ንክርስቶስ ለቢሰምዎ እዮም። (ጋላ 3፣27) ንጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ድኣ ልበስዎ እምበር ንዊንታ ስጋኹም ከተርውዩ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። (ሮሜ 13፣14)

ክርስቶስ ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ፣፣ (ርኤ

ሮሜ 8፣10  ጋላ 2፣20 ፊሊጲ 1፣21 ቆለሴ 1፣27)

ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ

ኪሓድር (ኤፈሶን 3፣17) ብፍቕሪ ሓቂ እናተዛረብና ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ።  (ኤፈሶን 4፣15)

 ንሕንና  ኵሉና ናብ ምስሊ ኣርኣያ ክርስቶስ እናተለወጥና፤ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ንሓልፍ፣፣ (2ቆሮንጦስ 3፣18) ብጽድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓዲሽ ሰብ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ልበስዎ፣፣ (ርኤ ኤፈሶን 4፣24፤ ሮሜ 12፣2)

 

ነዚ ብኽርስቶስ ዝረኸብናዮ  ሓዲሽ ሕይወት እናመስገንና ነዓኡ ዝምስክር ክርስትያናዊ ውፉይን ሕይወት ክህበና፣ መንፈስ ቅዱስ ሰዲዱ ከኣ ከበራብረና፣ ፈተውቲ ጸሎትን ብስብከተ ወንጌል ቀናኣትን ንምኳን ከብቅዓናን ንለምኖ።

 

ንሕና ነቲ ኣምላኽ ኣቀዲሙ ዘዳለወልና ሰናይ እናፈጸምና

ምእንቲ ክንነብር ብኽርስቶስ ኢየሱስ ዝተፈጠርና ፍጡራት

ኣምላኽ ኢና፣፣ (ኤፈሶን 2፣10) ነፍስና ኸኣ ነቲ ዝፈጠረና ክተሓጉስ

ኣዚያ ሃረር ትብል፣፣

እናቴ ለተምሕረት ተስፋይ