ንስሓ፤ ዘሐድስ ሓይሊ ኣብ ሕይወት ክርስትና


ንስሓ፤ ዘሐድስ ሓይሊ ኣብ ሕይወት ክርስትና
ብኣባ ዮናስ ዮሓንስ

“ነቶም ዝንስሑ ናብኡ ኪምለሱ ኪፈቕደሎ እዩ ነቶም ተስፋ ዝሰኣኑ ድማ ከተባብዖም እዩ... ኃጢኣትካ ንድሕሪት ደርቢኻ ናብ እግዚኣብሔር ተመለስ... ንሱ ካብ ጸልማት አውጺኡ ናብ ናይ ሕይወት ብርሃን ኪመርሓካ እዩ” (ጥበብ ሲራክ.17።24-28)፣
ኢየሱስ ስብከቱ ክጅምር እንከሎ ‘’መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ’ሞ ተነስሑ ብወንጌል እመኑ’’ ብምባል ኣብዚ ምድር’ዚ ተልእኮ ክፍጽም ዝመጻሉ ዕላማ ኅድገት ኃጢኣትን ድሕነት ከም ዝኾነ ኣበሰረ; ቅዱስ ዳዊት’’ ንዓኡ ዚደሊ ለባም ሰብ እንተሎ ኢሉ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ኣንቆልቊሉ ጠመተ ኩሎም ተጋግዮም ብዘለዉ ኩላቶም ረኺሶም እዮም ገለ ሰናይ ዚገብር ሰብ ሓደ እኳ የልቦን’’ (መዝ.53:2-3)(ሮሜ.3።23)፣
እዚ ዘመን’ዚ ገጽና ናብ ኣምላኽ መሊስና ንዓዑ ንብሕቱ እነምልኸሉን እንግዝኣሉን እዩ፣ ኃጢኣት ኣብ ሕዝብ ኣምላኽን ቤተክርስቲያንን እናኣተወ ሥጋውነት ኣብ ላዕሊ ሕዝቢ ኣምላኽ እነገዝአ ይኸይድ ብምህላዉ ንኣምላኽ ነቲ ፈጣሪና ረሲዕና ኣሎና; ሆሴእ ነቢይ ንሕዝቡ ‘’ንሱ ክሳዕ ዝመጽእ ጽድቂ ክሳዕ ዘዝንበልኩምሲ ንእግዚኣብሔር እትደልዩሉ ጊዜ ሕጂ እዩ’’(ሆሴእ10:12) ብምባል ምሕረት እግዚኣብሔር ክረኽቡ ወትሩ ከይሰልከዩ ገጽ ፈጣሪኦም ከናድዩን ብንስሓን ጣዕሳን ክመላለሱ ይምዕዶም ነበረ; ንሕና’ውን ብክርስቶስ ከምዝደሓና መጠን መገዲ ጽድቅን ቅድስናን ሓቀኛ ውሳጣዊ ሰላም ምእንቲ ከነስተማቕር ናብ ኣምላኽ እንምለሰሉ እዋን ሕጂ ኪኽውን ኣሎዎ; ነፍስኻን ሥጋኻን ሼጥካ ካብ ኣምላኽ ርሒቕካ ምንባር መወዳእታኡ ጥፋኣትን ኩነኔን የምጽእ፣ እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ተስፋ ክደግመልናን እንደገና ክሰርሓናን ከምዝኾነ ኣብ ቃሉ ርግጽነት ሂቡና ኣሎ፣ እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ ‘’ንኹራይ ካብ ሕዝበይ ከልግሶ። ናባይ ክመልሶም እየ ብልቢ ድማ ከፍቅሮም እየ’’ (ሆሴእ14:4)፣ ኩነታት መዓልታዊ ኣነባብራና ምእንቲ ክዕረ ብቕዱሳት ምሥጢራትን ብዘልዓለማዊ ቃል ኣምላኽ ክንስሰ ናብቲ ሓቀኛ ምጽንናዕ ዝርከቦ ዙፋን ኣምላኽ ክንቀርብ ጎይታ ባዕሉ ይዕድመና ኣሎ; ሓዋርያ ጳውሎስ ንኹልና ኣመንቲ ከምዚ ይብለና ‘’ብምችእቲ ሰዓት ሰማዕኩኻ ብመዓልቲ ምድሓን ረዳእኩኻ እታ ምችእቲ ሰዓት ሕጂ’ያ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ’’(2ቆሮ.6:2);
ቀጺሉ ቅዱስ ዳዊት ’’ኃጢኣተይ ከይተነሳሕኩ ኣብ ልበይ እንተዝሕዞ እግዚኣብሔር ኣይምሰምዓንን ነይሩ’’ (መዝ.66:18) ይብል፣

ቅዱስ መጽሓፍ ንዳዊት ኃጢኣት ከምዝገበረን ንፁሕ ከምዝይኮነን ይጠቕሶ፣ እንተኾነ ዳዊት ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ተነሲሑ እንደገና ንሕይወቱ ብመገዲ እግዚኣብሔር ከምዝመርሓን ኣብ ቅኑዕ መገዲ ከምዝተመልሰን ፈጣሪ ድማ ንኹሉ ልመናኡን ንስሕኡን ከምዝተቐበሎ ይፍለጥ፣ ኣምላኽ ንኃጢኣተኛ ዘይምሕር እንተዝኸውን ኃጢኣተኛ ሰብ ናብኡ ክመጽእ ኣይምኸኣለን፣ እግዚኣብሔር ጸሎት ናይቶም ክድሕኑን ሕይወት ክረኽቡን ዝደልዩ ደቁ ክሰምዕ ቅሩብ ኮይኑ እዚ ግና ብንስሓ ተሰንዮምን በቲ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዝኣምኑ ጥራሕ እዩ፣ ኤርሚያስ ነቢይ ብዛዕባ’ዚ እንክናገር ‘’ ልቢ ወድ ሰብ ካብ ሕማሙ ኪሓዊ ዘይክእል ኣዝዩ ሕሱምን ተንኮለኛናዩ መንከ ኪረድኦ ይኽእል ኣነ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ ንነፍሲ ወከፍ ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኪህቦ ንልቢ ዝምርምር ንሓሳብ ወዲ ሰብ ከኣ ዝፈልጥ ኣምላኽ’የ’’ (ኤር.17:9-10) ይብል፣
ጐይታና ኢየሱስ ንሓዋርያቱ እውን ‘’ደው ኢልኩም ክትጽልዩ እንከሎኹም ሰማያዊ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ክሓድገልኩም ንብጻይኩም ዝሓዝኩሙሉ በደል እንተሎ ኅደጉሉ’’ ይብሎም (ማር.11:25)፣ ኢየሱስ ኣብዚ ሓሳብ እዚ ዝያዳ ከረድእን ክትግበርን ዝደልዮ ዘሎ ነገር ፍቕርን ሓድነትን ምስ እግዚኣብሔርን ቤተክርስቲያንን እዩ፣ ሓዋርያ ጳውሎስ እውን ብወገኑ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዝጠቐስናዮ ሓሳባት ደጊሙ ብኸምዚ ዝስዕብ የስተምህር “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ጌሩ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትትን ርኅሩኃትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ’’(ኤፌ.4:32)(ቆሎሴ3:12-15)፣ እቲ ባህ ዘብልን ውጺኢታዊ ጸሎት ዝበሃል ብፍቕሪ ተደሪኽካ ክጽለ እንከሎ እዩ፣ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና እንተደኣ ገዚኡ ክንጽሊ የተባብዓናን ይድርኸናን እዩ፣ እዚ ጸጋ’ዚ ምእንቲ ካባና ከይምንጠል ግና ወትሩ ክንሕልዎን ክንነብሮን ይግብኣና፣ እምነት ንኣምላኽና ዘፍልጠናን ጎደናታቱ ዝሕብረናን ስለዝኾነ ኣብ ቃሉ ተመርኲስና ንሱ ብሓቂ ንዓና ሃብተ በረኸት ንዘለዓለም ዘሰናደወልና ምዃኑ ክነስተውዕሎ ይደሊ እዩ፣
ቅዱስ ጳውሎስ ‘’ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ እቲ ናይ ኃጢኣት ሥጋ ምእንቲ ክጠፍእ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስ ክርስቶስ ተሰቒሉ እዩ’’ (ሮሜ.6:7); እዚ ርድኢት እዚ ንሕና ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ ማሕደር ቅድስቲ ሥላሴ ከም ዝኾና ስለዘነጽር ልብና ኣንጺሕና ክንቀርብን ነቲ ናይ ለውጢ ምንጪ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዘመና ክንስዕቦ ከምዘሎናን እዩ; ከም ሰብ ብተራ ክርስትናዊ ጉዕዞ ስለእንጎዓዝ ሕይወት ክርስትና ኣሰልቻዊ ኮይኑ ክረኣየና ይኽእል ይኸውን; እንተኾነ እቲ ሓቂ ግና ብዘይ ክርስቶስ ሕይወት ከምዘይብልና እዩ፣ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣተኛታት ዕዙዝ ብምዃኑ ጌና ከድሕነናን ከፍቅረናን ኪነብር እዩ; ተበጃዊ ዝኾነ ኢየሱስና መስቀልና ተሸጊርና ከቢዱና ክንስከሞ ኣይሓድገናን እዩ;ኢየሱስ ወትሩ ዕረፍትን ህድኣትን ኪህበና ምስ ኣተስፈወና እዩ፣
ንስሓ (ምምላስ) ቅድሚ ኵሉ፤ ንልባትና ናብኡ ከምዚምለስ ዚገብር፤ ናይ ጸጋ-ኣምላኽ ስራሕ እዩ፣ “ኦ! ጐይታ ናባኻ ምለሰና፤

ንሕና’ውን ክንምለስ ኢና”! (ቅዱስ ቀለሜምጦስ)፣ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ ‘’ ንፍትወት ሥጋኹም ምእንቲ ክትእዘዙ ኢልኩም ብኽፉእ ሓሳባት ስለእትልምኑ ኣይትቕበሉን’’ (ያዕ.4:3) ይብል። ብዙሕ ጊዜ ኣብ ጸሎት ብስስዐ ተደሪኽና ዘይቅኑዕ ልመና ንኣምላኽ ነቕርብ ኢና፣ እዚ ንኻልኦት ብዘይምሕላይን ወይ ድማ ትልምኖ ኣነጺርካ ሰኣን ምፍላጥ ኪኸውን ይኽእል፣ ጳውሎስ ሓዋርያ ”ብኩሉ ወገን ንግፋዕ ግና ኣይንሰዓርን ኢና…ብግዳም እኳ እንተ ማህመንና ብውሽጥናስ ኣብ ጸጽባሕ ኢና ንሕደስ…”(2ቆሮ.47-18) ብምባሉ እግዚኣብሔር ናይ ኩሉ ጽቡቕ ነገር ምንጪ ምዃኑ ከረድእ ስለዝደለየ እዩ፣ ዘይቅኑዕ ልመና፦ ኣምላኽ ኣባና ንክሰርሕ ይዕንቅፎን ነቲ ዓቢ መደቡ ኣብ ሕይወትና ንከይፍጸም ይኽልክል፣ እዚ ጸገማት’ዚ ካብ ዘይነጽሐ ልቢ ዝመጽእ ልመና እዩ። ንኣምላኽ ኃጢኣትና ክምሕረና ምልማንን: ጥዕና ክህበና ምሕታትን ጌጋ ጸሎት ኣይኮነን፣ እቲ ጉድልነት ዝበሃል ዘሎ ኣብ ምንታይ ዕላማ ዝውዕል ልመና ምዃኑ ምንጻር እዩ፣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ስምኦን ንሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ክወሃቦ ለመኖም። እቲ ልመና ብባህሪኡ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ ዕላማኡ ግን ኣሉታዊ ከምዝነበረ ይፍለጥ፣ መጽሓፍ ግብሪ ሓዋርያት ከምዝገልጸልና ‘’ ሲሞን ድማ… እቲ ኢደይ ዘንብረሉ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክቕበልሲ ንኣይ እዚ ሥልጣን እዚ ሃቡኒ ብምባል ገንዘብ ኪህቦም ፈተነ’’ ይብል (ግ.ሓ.8:18-23)፣ ንሱ ነዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ ንኽብሪ ኣምላኽ ዘይኮነ ንኽብሪ ገዛእ ርእሱን መሳርሒ ሰይጣናዊ ተግባራቱን ኪገብሮ ስለዝሓተተ ልመናኡ ብሓዋርያት ተነጽገ፣ ኣብዚ እግዚኣብሔር ከረዳኣና ደልዩ ዘሎ ኩሉ መደባትና እንተላይ ልብና ምስኡ ክወሃሃድን ክጣመርን ከምዘሎዎ እዩ፣ ልብና ንመንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይተቐየደ ንኣምላኽ ከምቲ ዝድለ ክግዛእን ክጽልን ክንሳሕን ኣይክእልን እዩ፣
ከም ሓዲሽ ንምጅማር ኣምላኽ ኃይሊ ይህበና እዩ፣ ልብና ብናይ ኃጢኣት ክብደትን፤ ዘንቀጥቅጥ ሃለዋትን ተናዊጹ፤ንኣምላኽ ብኃጢኣት እንካብ ምሕዛኑን፤ ካብኡ እንካብ ምፍላይን ኪጥንቀቕ ዚጅምር፤ ናይ ፍቕሪ-ኣምላኽ ዕቤት ከስተማቕር ምስተረኽበ ጥራሕ እዩ፣ ቀዳምነት ኣብ ሕይወት እምበኣር እምነት ከነጥርን ምጥርጣር ኣብ ጉዕዞና ከነወግድን የድሊ፣ ኣብ ምጥርጣር ኣምላኽ የሎን፣ ኣብ እግዚኣብሔርን ኣብቲ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ናይ ግዲ’ዩ ንወዲ ክርስትና፣ ኣብዚ ሓቂ እዚ ክንህሉ ዘገድደና እንተሎ እምበኣር ኣምላኽ ምልኣት ዘሎዎ ኩሉ ዝኽእል ብምዱብ ጊዜ ዝምልስ ጸሎት እቶም እምነት ተዓጢቖም ዝልምንዎ ዝሰምዕ ስለዝኾነ እዩ፣ እግዚኣብሔር ካብ ምጥርጣር።
ተነሲሕና ንእምነት ክንጽሊ ስለዝደሊ ኣተሓሳስባና ክንልውጥ ኣገዳሲ’ዩ፣ እቲ ካልእ ጸገም ጸሎትና ከምቲ ዝድለ ንኸይስማዕ ዝገብር ዘሎ ብሥጋ ምንባር’ዩ፣ ሥጋና ኣብ መስቀል ከምዝተሰቕለ ፈሊጥና ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሕና ክንነብር‘ዩ ዝድለ ዘሎ፣ ክርስትና ነቲ ሓዲስ ሰብነት ክርስቶስ ምልባስ ስለዝኾነ ኣዳማዊ ኣነባብራና ኩሉ ኣብ መስቀል ከምዝተሰቕለ ክንፈልጥ የድሊ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ንጹር ኣተሓሳስባ ኣሎዎ ‘’ ሥጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ሥጋ እዮም ዝሓስቡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ ሓሳብ እዮም ዝሓስቡ ናይ ሥጋ ነገር ምሕሳብ ሞት የምጽእ፣ ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና ሕይወትን ሰላም ይምጽእ፣ ምኽንያቱ እቲ ሓሳብ ሥጋ ምስ ኣምላክ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኪግዝኦ’ውን ኣይክእልን’ዩ፣ እቶም ብሥጋ ዚምርሑ ንኣምላኽ ከሓጉስዎ ኣይከኣሎምን’ዩ፦ ንስኻትኩም ግና መንፈስ ኣምላኽ ኃዲሪኩም እንተኣልዩስ ብመንፈስ እምበር ብሥጋ ኣይኮንኩምን ዘሎኹም እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን’’ (ሮሜ.8:5-9) ፣ ከመይ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ‘’ከይሕሱ ሰብ ኣይኮነን ከይጠዓስ ከኣ ወዲ ሰብ ኣይኮነን ንሱ ነቲ ዝበሎ ይገብሮ ነቲ ዘተስፈዎ ድማ ይፍጽሞ እዩ’’(ዘኁልቊ.23:19) ፣
ውሽጣዊ ንስሓ

ኢየሱስ ዜቕርቦ ናይ ንስሓ መጸዋዕታ ልክዕ ከም ናይ’ቶም ዝቐደሙ ነቢያት፤ ናብ’ቲ ግዳማዊ ተግባር፣ ማለት “ወጮ ምኽዳንን፤ ሓመዅሽቲ ምንስናስን”፤ ጾምን ተጋድሎን ምፍጻም ብሕቱ ዘይኮነስ፣ ቅድሚ ኹሉ ናብ’ቲ ናይ ልቢ ንስሓ፤ ናብ ውሽጣዊ ንስሓን ምምላስን ዘተኰረ እዩ፣ ብዘይካ’ዚ እቲ ዅሉ ግብረ-ንስሓን ፍረ-ኣልቦን ሓሳውን ኮይኑ ይተርፍ፥ ብዝኾነ ግን ካብ ውሽጢ ዝተበገሰ ቅኑዕ መንፈስ ንስሓ፣ መግለጺኡ ኪኸውን ንዚኽእል፣ ርኡይ ምልክታትን ሥርዓታትን፣ ናይ ግብረ-ንስሓ መደባትን የንቀሳቕስ እዩ፣ ውሽጣዊ ንስሓ ኪበሃል ከሎ፤ መሠረታዊ ንዝኾነ ናይ መላእ ሕይወት ለውጢ፤ ብምሉእ ልብኻ ናብ ኣምላኽ ምምላስን ኣብኡ ምእማንን፤ ግብረ ኃጢኣት ዜብቀዓሉ፤ ነቲ ዝፈጸምካዮ ክፉእ ተግባራት ብምጽያፍ ካብ ክፍኣት ገጽካ ምግልባጥ የስምዕ። ምስኡ ድማ፤ ኣብ ምሕረት-ኣምላኽ ብምትስፋው፤ ብሓገዝ ጸጋኡ ሕይወትካ ንምልዋጥ (ንምሕዳስ) ድልየትን ቈራጽነትን ዚሓትት እዩ፣ እዚ ናይ ልቢ ንስሓ በቲ ፈዋሲ ዝኾነ ሥቓይን ሓዘንን ዝተሰነየ እዩ። ነዚ ከኣ ኣበው፤ ናይ መንፈስ ሥቓይን፤ ናይ ልቢ ጸጸትን ኪብሉ ይሰምዩዎ። ልቢ ወድሰብ ጽኑዕን ዝተረረን እዩ። ስለ’ዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ንሰብ ሓዲሽ ልቢ ኪህቦ ኣለዎ፣ ንስሓ (ምምላስ) ቅድሚ ኵሉ፤ ንልባትና ናብኡ ከምዚምለስ ዚገብር፤ ናይ ጸጋ-ኣምላኽ ስራሕ እዩ፣ “ኦ! ጐይታ ናባኻ ምለሰና፤ ንሕና’ውን ክንምለስ ኢና”! ከም ሓዲሽ ንምጅማር ኣምላኽ ኃይሊ ይህበና እዩ፣ልብና ብናይ ኃጢኣት ክብደትን፤ ዘንቀጥቅጥ ሃለዋትን ተናዊጹ፤ ንኣምላኽ ብኃጢኣት እንካብ ምሕዛኑን፤ ካብኡ እንካብ ምፍላይን ኪጥንቀቕ ዚጅምር፤ ናይ ፍቕሪ-ኣምላኽ ዕቤት ከስተማቕር ምስተረኽበ እዩ፣ እዚ ሰብኣዊ ልብና ድማ ነቲ ኃጢኣትና ዝወግኦ ብምጥማት’ዩ ኪንሳሕ ዚርከብ ንድኅነትና ዝተኻዕወ ኮይኑ፤ ናብ መላእ ዓለም ጸጋ-ንስሓ ዜምጽእ ስለዝኾነ፤ ኣብ ዓይኒ (እግዚኣብሔር) ኣቦኡ ከመይ ዝበለ ክቡር ነገር ምዃኑ ንምርዳእ፤ ኣዕይንትና ተኺልና ነቲ ደም-ክርስቶስ ክንጥምቶ ይግበኣና፣

ናይ ኃጢኣት| ኑዛዜ

ብሰብኣዊ ኣጠማምታ’ውን እንተኾነ ኃጢኣትና ገሊጽና ክንነግር ክንናዘዝ ከሎና፤ ሓራ ንወጽእ፤ ምስ ካልኦት ንንፍጽሞ መደብ ዕርቂ ድማ ኣጸቢቑ የጠጥሓልና፣ ብኸም’ዚ ዓይነት ተኣምኖት እምበኣር ሰብ ነቲ በደለይና ዝኾነሉ ኃጢኣቱ ብዅሉ መዳያቱ ይጥምቶ፤ ኃላፍነቱ ይሽከም(ይለብስ) ድሕር’ዚ ሓዲስ መጻኢኡ ንኸጣጥሕ ንኣምላኹ ኮነ ንሱታፌ-ቤተክርስትያን ልቡ ዳግማይ ከርሑ ይርከብ፣ ኣብ እግሪ ካህን ዚፍጸም መደብ ኑዛዜ፤ ናይ ምሥጢረ ንስሓ ቀንድን ኣገዳስን ወገን እዩ፥ ድሕር’ቲ ጽፉፍ ዝኾነ መርመራ-ኅሊና፤ እቲ ተነሳሒ ዝተረድኦ ዓቢይ ኃጢኣት ኵሉ፤ፈጺሙ ኅቡእን ስቱርን ኮይኑ፤ ነተን መወዳእታ ክልተ ትእዛዛት ዚጥምት’ውን ከይተረፈ፤ኣብ ኑዛዜ ዘርዚሩ ኪነግሮ ትሑዝ እዩ፣ ምኽንያቱ ኸኣ ሓድሓደ ግዜ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኃጢኣት ካብ’ቲ ገሊኡ ብግልጺ ዝተፈጸመ ኃጢኣት ሕልፊ ኣዝዩ ዚኸፍእን ነታ ነፍሲ’ውን ሓደገይና ኮይኑ ዚጐድእን ኪኸውን ዚኽእል እዩ”፣ እቶም ናይ ክርስቶስ ምእመናን ነቲ ዚዝክርዎ ዘበለ ኃጢኣቶም ኪናዘዝሉ ኢሎም እንኪተግሁ፤ ብዘይጥርጥር ንዅሉ ኃጢኣቶም ዚኸውን ይቕሬታ ንምርካብ ኣብ እግሪ መለኮታዊት ምሕረት እዮም ዜቐምጥዎ ዘለዉ። እቶም ከምዚ ዘይገብሩ፤ ንገሊኡ ኃጢኣቶም ከይተናዘዝሉ ፈሊጦም ዘትርፍዎ፤ ብመንጎይንነት ካህን ምሕረት ንምርካብ ኣብ ቅድሚ ሕያውነት-ኣምላኽ ናብ ዚግበር ገለ’ኳ ከምዘየምጽኡ እዩ፥ ምኽንያቱ ኸኣ ሓደ ሕሙም ሰብ ናብ ሓኪም ቀሪቡ ከብቅዕ፤ ቍስሉ ንሓኪም ምንጋርን ምርኣይን ዜሕፍሮ እንተደኣኮይኑ፤ እቲ ሓኪም ነቲ ዘይፈልጦ ኪሕክምን ከሕውን ኣይከኣሎን እዩ”፣
ናይ ኩሎም እቶም ንክርስቶስ ክስዕቡ ዝወሰኑ ኣመንቲ ናይ ወትሩ ጭርሖ ‘’ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ንሥጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎሞ’’ (ገላ.5:24) ዝብል እዩ’ሞ ናይ ክርስቶስ ክንከውን ንጽዓር፣ ኣምላኽ ነቶም ዝተበጀዎም ሰባት ኣዕይቶም፥ኣእዛኖም፥ ልሳኖም፥ኣካላቶም ኩሉ፥ ብናይ ዓለም ሥጋ ሠይጣን ዝመጸ ዕጹው ጌሩዎ እዩ; ሰላም ቅሳነትን ዘሎዎ እግዚኣብሔር ዝፈትዎ ናብራ ክንነብር ካብ ዝጽግመና ነገር እንተረኣና የርክበሉ ጊዜ ኣሎኒ ዝብል ጊጉይ መንፈስ እዩ; እቲ ምእንቲ ጽድቕና መውቃዕትን በሰላን መግረፍትን ዝተቐበለ ጎይታ ግን ናይ ጸሎት ሕይወት፦ ናይ ኣምልኾ ሕይወት፦ ናይ ቃሉ ምንባብ ሕይወት፧ ናይ ምሥጢራት ሕይወት፧ ግብራዊ ዝኾነ እምነት ክህልወና’ዩ ዝደሊ; ዮሓንስ ወንጌላዊ ደቂ ኣምላኽ ከመይ ከም ዝመስሉ ክምስክር እንከሎ ’’ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ንዓለም ይስዕራ እታ ንዓለም ንስዕረላ ዓወት ከኣ እምነትና እያ…እቲ ንዓለም ዝስዕር እቲ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዝኣምን እዩ’’(1ዮሃ.5:4-5) ይብል;
ብመሠረቱ ክንፈልጦ ዘገድሰና ሓቂ እምበኣር ‘’ ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተደኣልዩ ግና በቲ ሓደ ወገን እቲ ሥጋኹም ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ…በቲ ሓደ ወገን ከኣ እግዚኣብሔር ስለዘጽደቐኩም እቲ መንፈስኩም ሕያው እዩ’’ (ሮሜ.8:10)፣ ስለዚ ተሓዲስና ጉድለትና ተኣሪምና ብዝስማዕ መገዲ ጸሎትና ልመናናን ናብ ኣምላኽ ነቕርብ፣ ሥጋና ንቆጻጸሮ ምጥርጣር ከኣ ካብ ሕይወትና ከርሕቐልና ንኣምላኽና ኣበርቲዕና ክንልምኖ እምነት ወስኸና ክንብሎ እውን ኣብ ጸሎት ክንጽውዖ ኣሎና፣ ቅዱስ ዳዊት እውን ኣብ መዝሙሩ ‘’ንእግዚኣብሔር ብመዓልቲ ጸበባይ ጸዋዕክዎ ንሱ ድማ መለሰለይ’’ (መዝ.77:2) ብምባል ሕይወቱ ኣብ እግዚኣብሔር ጥራሕ ምስተጸገዐት ሰላም ከም ዝረኸበት ይናገር; ንስሓ ነቲ ብሓጢኣት ዝተበላሸወ ሕይወትና ሓቀኛ መልክዕ ክንለብስ የኽእለና; ንስሓ ሕይወትናን ስምዒትናን ምስ ኣምላኽን ዓለምን ሰባትን ብምስራዕ ስለዝርከብ ምስ ተነሳሕና ምስ ፈጣሪ ሓድሽ ርክብ ንጅምር; እግዚኣብሔር ካብ ጥንቲ ፈጣሪ፦ ጓሳ፦ መሓሪ፦ ርሕሩሕ፦ ኣፍቃሪ፦ ደምሳሲ በደል፦ መፍቀሪ ንስሓ እዩ; ኣምላኽና ባዕሉ ክምሕረናን ከጥዕየናን ክባርኸናን ጸጋታቱ ብልግሲ ክህበናን ስንድው እዩ፣ ተስፋ ድሕነት ረኺብና ስለዘሎና ምስ ቅዱስ ዳዊት ኮይንና ‘’ሽዑ ኃጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ በደለይውን ኣይሰወርኩልካን ኣበሳይ ክናዘዘልካ መደብኩ ንስኻ’ውን እከይ ኃጢኣተይ ይቕረ በልካለይ’’ (መዝ.32:5)(1ዮሃ.1:9) እናበልና ነቲ ክብሪ ክህበና ድኻምነትና ዝተሰከመ ኢየሱስ መድሓኒና ብንስሓ ንቕረቦ፣ ኣምላኽ ዝንሳሕ ልብን ኣእምሮን ከምዘይንዕቕ ተረዲእና ቀጻሊ ንስሓን ዕርቅን ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና እናፈጸምና ኣብ ስቅያትን ሕማማትን ወዱ ክንሓብር ንዕደም ኣሎና; መጽሓፍ ምሳሌ ‘’እቲ ዝሰምዓኒ ብደሓን ክነብር ንኽፉእ ከይፈርሐ ክሃድእ እዩ’’ (ምሳሌ1:33) ብዝበሎ እግዚኣብሔር ዘመነ ምሕረት ዕርቅን ፈውስን ልኢኹ ምስቲ ምእንቲ ድሕነትና ኣብ መስቀል ዝወዓለ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ንኾነሉ ቅብኣት ዝመልኦ ናይ እምነት ጉዕዞ ክርስትና ኪህበና ቀረባና ይኹን; አሜን!!!