ናይ ሕይወት ምናኔ ዝሓትት ጸዋዕታ


እንተክሃነ ኣገልገለ ዶ ተገልገለ?

ናይ ሕይወት ምናኔ ዝሓትት ጸዋዕታ ንባብ (ማቴ.16: 24 -ፍ)
ኣቦታትና ኪምስሉ “መን ምዃንካ ኪፈልጠካ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ይብሉ፣ ቅ.ጴጥሮስ ምስ ክርስቶስ ዝነብር ተግባራት ክርስቶስ ዝረአየን ክንሱ፣ ነቲ ንክርስቶስ ዘምጽኦ ምስጢረ ድሕነት ደቂ ኣዳም ኣይተረድኦን፣ ከም ማንም ሰብ። ከም ናይ ሰብ ርድኢትን ሓሳብን ድሌትን፣ ኣውሪዱ ካብ ጭንቅን መከራን ከናግፎን ከጸናንዖን ሠናይ ሓልዮቱ ይገልጸሉ፣ ከም ኣዘራርብኡ ከኣ ዝተጸውዓሉ ዕላማ ከይተረድኦ ንምድራዊ ክብርን ሽመትን ንምጉንጻፍ ንክርስቶስ ዝሰዕቦ ዝጸንሐ ይመስል፣ ክርስቶስ ከኣ ንቓላቱን ንሓሳባቱን ምስተረድአ፣ ኣትሪሩ ወይ ኪስዕቦ ወይ ኪምለስ ሓዲኡ ክመርጽ “ኪስዕበኒ ዝደሊ ሕይወቱ ይመንን መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ ከመይ እቲ ንሕይወቱ ከድሕና ዝደሊ ከጥፍኣ ኢዩ….” እናበለ ምርጫኦም ጽንኩርን መሪርን ምዃኑ የብርሃሎም፣ ንስኻ ‘ውን ንክርስቶስ ከተገልግል ንክርስቶስ ክትመስል መፍቀሬ ክርስቶስ ክትከውን ብገዛእ ናጽነትካን ፍቓድካን ድሌትካን ንክርስቶስ ዝወሰንካ ኢኻ፣ ካብ ናብራ ዓለም ተፈሊኻ ንርእስኻ ዝመነንካ ካብ ክርስቶስ እንታይ ክትረብሕ ስለ ዝደለኻ ኢኻ? እንታይ ዝብል ድምጺ ተስፋ ስለዝሰማዕካ ኢኻ? ምናልባት ካብ ዓለም ክትሃድም ስለ ዝደለኻ ዲኻ? ወይ ሓዳርን ናብራ ሓዳርን ስለዘፍርሃካ ዲኻ? እንድዒ ዘምጽኣካ ንስኻ ባዕልኻ ትፈልጦ፣ ምናልባት ግና ከም ቅ.ጴጥሮስ ገልቢጥካ ተረዲእካዮ ከይትህሉ ተመሊስካ ሕሰብን ኣስተንትንን፣ ንክርስቶስ ኪምልሰልካ ድማ ተወከሶ፣ ኪምልሰልካ ድማ ተጸበዮ፣ እንተኮነ ግን ድሮ ንክርስቶስ ምስዓብ “መስቀልካ ጼርካ ምኽታል” ምዃኑ ፈሊጥናዮ ኣሎና፣ ብርግጽ ከኣ ነዚ ቃል ሰሚዕካ መሪጽና ዝመጻና ክንከውን ተስፋ እገብር፣ በዚ እንነብሮ ዘሎና ሕይወት ብርግጽ ናብቲ እትደልዮን። ዝመረጽካዮን ኣኽሊል ዓወት ከብጽሓካ ዲዩ? ብርግጽ ‘ከ ኣብ ጐደና ዓወት ይምርሽ ኣለኹ ኢልካ’ዶ ትሓስብ? ብሓቂ በዛ ትመላለሰላን እትነብራን ዘሎኻ መንገዲ ኣብ ቅድስና ክትበጽሕ ዲኻ?ትማሊ ዝነበረ ሕይወት ሎሚ ድሕሪ ምርጫኻ ዘሎ ሕይወትካ (ናብራኻ) ፍልልይ ኣለው’ዶ? በል እስኪ ነዚ ምኽሪ ቅ.ጳውሎስ ጽን ኢልካ ስምዓዮ፣ “ነቲ ቀደም እትነብርሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ። ብኣተሓሳስባኹም’ውን ተሓደሱ። ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሔር ብጽድቅን ቅድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከኣ ልበስዎ፣” (ኤፌ. 4። 22-24)፣

ንክርስቶስ ምስዓብ፤ ዓለም ምምናን፤ ንርእስኻ ምኽሓድ፤ ማለት ሕይወትካ ኣነባብራኻ ምልዋጥ፤ ርድኢትካን ሓሳባትካ መንገድኻ ምቕያር ማለት ኢዩ፣ ንክርስቶስ ምኽታል ማለት ከኣ ነቲ ኣረጊት ሰብነትካ ብሓጢኣት ዝተበላሸወ ምቕንጣጥ ማለት ኢዩ፣ ብሓጺሩ ነቲ ስጋ እትብህጎን እትምነዮን ናይ ምድሪ ነገራት ገዲፍካ ናይ ሰማይ ነገራት (ናይ ሰማይ ርስቲ) ክትወርስ ሃሰስ ምባል ማለት ኢዩ፣ እዚ ማለት ከኣ ከምቲ ቅ.ጳውሎስ ዝብሎ “ብዘሎ ምረትን ነድርን ቁጥዓን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኩሉ ክፍኣት ካባና ምርሓቕ” ማለት ኢዩ (ኤፌ. 4።31)፣ ናይ ክርስቶስ ክትከውን ነዚ ዝበለየ ሰብነትካ ክትቅንጥጥን ካብ መረጽካ። መሪጽካ ካብ ተበገስካ። ስለምንታይ ደኣ ሕጂ ነቲ ጉዕዞ ምስ ጀመርካ፣ ኣብ ማእከል ምስ በጻሕካ ግልብጥብጥ ክትብል እትጅምር? አረ ስለምንታይ ኢኻ ግብይብይ እትብል? “ዕርፊ ሒዙ ንድሕሪት ዝርኢ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን ኢዩ” (ሉቃ.9።62) ዝብል ቃል ክርስቶስ ዘንጊዕካዮ ዲኻ? አረ እንታይ ኢዩ ወሪዱካ ኣብ ሓደ ዘዘው ኢልካ፦ ኣይንቕድሚት ኣይንድሕሪት ተዓኒድካ? ተንስእ እንዶ ከምቲ ኣጀማምራኻ ንቕድሚት ሰጉም፣ ድሕሪት ተመሊስካ ነታ ናይ መጀመርታኻ ውሳኔን ጸዋዒትን እሞ ዘክራ፣ ኣብታ ግዜ እቲኣ ዝነበረካ ድሌትን ሃረርታን ተበግሶን ሕጂ ድኣ ናበይ በኒኑ፣ እንታይ ድኣ ብሓጐስ ጀሚርካ ሕጂ ግና ናብ ጓህን ሓዘንን ጣዕሳን ሸለልትነትን፣ ተስፋ ቁርጸትን እትበጽሕ? መስቀል ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ እዚ ናይ ድኻምን ጻዕርን፣ ናይ ውርደትን ሕስራንን ድኣ እምበር ናይ ዕረፍትን ምቾትን ኣይኮነን፣

ናይ ደስታን ባህታን ከምዘይኮነ ኣይተረዳእካዮን ኢኻ ነይርካ? እስኪ ነዚ ቅ.ጳውሎስ ንክርስቶስ ኣብ ምስዓብ ዝገጠሞ መሰንኽል ሕይወት ኣስተንትን። “ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንህረምን ኣሎና። ምሕዳሪ’ውን ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና’ውን ንግዛእ ኣሎና፣ ንዝጸርፈና ንምርቕ። ንዘሳድዱና ንዕገስ። ስምና ንዘኽፍኡ ብጥዑም ቃል ንምልስ ኣሎና፣ ክሳዕ ሕጂ ከም ናይ ዓለም ጐሓፍን። ከም ናይ ኩሉ ነገር ጐድፍን ኮይና ኣሎና፣” (1ቆሮ. 4። 11-13)፣ ዘገርም ኢዩ ሎሚ ከም ሎሚ ነዚ ንቅ. ጳውሎስ ዘጓነፎ መከራ ንዓኻ ንዓይ እንተዘጓንፈና እንታይ ምገበርና? ብእምነት’ዶ ኣብዚ ሒዝካዮ ዘሎኻ ዕላማ ምጸናዕካ? ብተስፋ’ዶ መስቀልካ ጼርካ ንቅድሚት ምሰጐምካ? ብፍቕሪ’ዶ ነቶም ዘዋርዱኻ ምሕረት ምገበርካ? ሕይወትካ ከምዚ ናይዚ ዓለምን ጓሓፍን ናይ ኩሉ ነገር ጐድፍን ክሳዕ ዘይገመትካ። ገና ንዝመረጽካዮ ሕይወት ክርስቶስ ኣይለበስካን ማለት ኢዩ፣ ነቲ ዝመረጽካዮ ሕይወት ክርስቶስ ኣዕሚቍካ ኣስተንትን ነቲ ክርስቶስ መስቀሎ ጸይሩ ዝተጓዕዘሉ ካብ ጌተሰማኒ ክሳብ ቀራንዮ ዘሎ ጉዕዞ ሕይወት ዘክሮ። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝወረደ ግፍዒ ብተመሳሳሊ ኣብ ጉዕዞኻ ተጸበዮ፣ ንክርስቶስ ክትስዕብ ካብ መረጽካ ዕጫ ክርስቶስ ዕጫኻ ከም ምዃኑ ኣይትረስዕ፣ እስኪ ነዚ ንቅ.ጳውሎስ ዝበጽሖ ዕጫ ንርአ። “ብመከራ። ብጥንቂ። ብጸበባ። በመግረፍቲ። ብማእሰርቲ ብእምባጋሮ። ብጻዕሪ። ብድቃስ ምስኣን ብጥሜት….” (2ቆሮ. 6። 3-10)፣ ንዓና ውን እዚ ኢዩ ዕጫና፣ ኣብዛ ምድሪ ስደትካ ዕረፍትን ሓጐስን የብልካን፣ ዝመረጽካዮ ጉዕዞ መከራን ስቓይን እንተዘይህልዎ ኩሉ ሰብ ምመረጾ ነይሩ፣

ከምዚ እንተዘይከውን ከኣ ክርስቶስ “እቲ ኪስዕበኒ ዝደሊ ዕለት ዕለት መስቀሉ ጸይሩ ይከተለኒ” ኣይምበለን ነይሩ፣ ነዚ ከስምዕ ከኣ ኢዮብ ጻድቕ “ሕይወት ዓለም ውግእ ኢዩ፣” በለ (ኢዮብ.7።7)፣ ነቲ ብሰንኪ ዝመረጽካዮ ሕይወት ዝመጸካ ስቓይን ውርደትን ንኹሉ (ስለ ክርስቶስ) ስለ ድሕነትካ ኢልካ ብትዕግስቲ ተቐበሎ፣ ምስ ቅ.ጳውሎስ ኮይንካ ከኣ ከምዚ እናበልካ ምስክርነትካ ሃብ፣ “ኣነ ግና ኣገልግሎተይ ክሳዕ ዝፍጽምን እቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝሃበኒ ዕዮ ክሳዕ ዝውድእን… ኣገልግሎተይ ከኣ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምስባኽ ኢዩ፣” (ግሓ.20። 24) በለ፣ ነዚ ናይ ቅ.ጳውሎስ ከም ናትካ እናደገምካ፣ ዕላማኻን ምርጫኻን ምሕዳስ፣ ብእምነትን ፍቕርን ተስፋን ብሓጐስ ጐይታኻን ጸኒዕካ ምግዳል ወሳኒ እዩ፣ ኣብ ጸዋዕታኻ ጸኒዕካ ከኣ። ብትብዓት ጉዕዞኻ ቀጽል፣ “ንምንታይከ… ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢዮርሳሌም ንማእሰርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ንምማት እውን ስንድው ኢየ፣” በል፣(ግ.ሓ.21።13) ዕላማ ኣይሁድ ሞት ንክርስቶስ፤ እሞ ከኣ፦ ናይ መስቀል ሞት፦ ብዙሕ ፍረ ሞት፦ ሞይቱን ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ገጽ ምዳሪ ዝኽሩን ትምህርቱን ሕይወቱን ኪጠፍእ ኪድምሰስ ኪርሳዕ ኢዩ፣ ንሶም ድማ ቀሲኖም ብዘይ ስክፍታ ብዘይ ወቐሳ ብዘይ ዘለፋ ኣብ ሕጊ ቀደሞም ጸኒዖም ኪነብሩ ኢዩ ክፍኣቶም። እንተኮነ ግና ከም ሓሳባቶም ድሌቶም ኪሰምረሎም ኣይከኣለን። ኣይተዓወቱን ውርደትን ሕፍረትን ተሰኪሞም ተሪፎም፣ ንዓና ንደቂ ሓድሽ ኪዳን ግና ክርስቶስ በዚ መስቀል ተሳቕዩ ደሙ ኣፍሲሱ ሕይወቱ ኣሕሊፉ ስለዘድሓነና። ንዓና ንኣመንቱ ናይ ዓወት ምልክት ናይ “ድሕነት ኣርማ” ኮይኑና ኣሎ፣ እምበኣር ሎሚ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኮይና ንመስቀል ክንጥምትን፣ ከነብዕልን እንከሎና፣ ነቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዘሕለፎ ስቓይን፣ ውርደትን፣ ስቓይ ሞትን ኣብ ርእሲ ሞት ዝፈጸሞ ዓወትን፣ ኣኽሊል ድሕነትን የዘኻኽረና፣፣ መስቀል ዝብል ቃል ኣልዒልና ክንዛረብ እንከሎና፣ ከምፍልጠትን ቃልን ጥራሕ ክንዛረበሉ ዘይኮናስ ናብ ዕላማኡን ምንጪ ምስጢሩን ተመሊስና ከነስተንትን ኢዩ ዝዕድመና፣

ኣስተንትኖና ከኣ ነቲ ኣብ መስቀል ኣንጠልጢሉ ደሙ ኣፍሲሱ ሕይወቱ ኣሕሊፉ ዘድሕነና ስቑል ክርስቶስ ብዓይኒ እምነት ኢና ክንጥምት ዘሎና፣ ነቲ ኣብ መስቀል ዘንጠልጠለ ክርስቶስ ብዓይኒ እምነት ዝጥምት ሰብ ክንደይ ምንጭታት ፍቕርን ጸጋ ንጽሕናን፣ ኣኽሊል ዓወትን ከም ዝጓናጸፍ ዘየማትእ ሓቂ ኢዩ፣ መስቀል እኮ ነቲ ኣምላኽ ኣባና ዘለዊ ፍቕሪ ዝገልጽ ገና ዘይተገንጸለ ናይ ፍቕሪ መጽሓፍ ኢዩ። “ኣምላኽ ፍቕሪ ኢዩ” “ፍቕሩ ከኣ ኣብ መስቀል ሕይወቱ በጃ ብምሕላፍ ገሊጹልና” መስቀል ከኣ ናይ ፍቕርና መግለጺ ኢዩ። “መዝገብ ቛንቋ ፍቕርና ከኣ መስቀል ኢዩ፣ ንሕና ከኣ ንመስቀል ብዓይኒ እምነት ብምጥማት። ነቲ ብፍቕርና ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንረኽቦ፣ ንክርስቶስ ኣብ መስቀል ብምጥማት ነቲ ብፍቕርና ዝተቓጸል ልቢ ክርስቶስ ነፍቅሮ፣ ኣብ መስቀል ንክርስቶስ ብምጥማት ከኣ ካብ ሓጢኣት ትነጽሕ፣ ንክርስቶስ ኣብ መስቀል ብምጥማት ካብ ፍቕሪ ርእስኻ ሓራ ትወጽእ፣ መስቀል ክርስቶስ ንዓና እኳ ኩሉ ኢዩ፣ ወንጌል ብምልኡ ከኣ ኣብ መስቀል ተጻሒፉ ኣሎ፣ እቲ ኣብ መስቀል ዘሎ ማዕከን ፍቕሪ ብምንታይ ክንበጽሖ ንኽእል፣ መስቀል እኮ ናይ ሕይወትና ምስጢር ኢዩ፣ ኣስተንቲንካ ዘይብጻሕ። ጠሚትካ ዘይጽገብ። ኣስተማቒርካ ዘይውዳእ ምንጪ ጸጋታትና እኳ ኢዩ፣ ብዝኮነ ኮይኑ መስቀል ክርስቶስ ንዓና፦ ዋልታና፦ ዕርድና፦ ተስፋና፦ መጸናኒዕና፦ ናይ ድሕነት ኣርማና፦ ዕላማና፦ ትምክሕትና፦ መንገድና፦ መሳልል ጽድቅና….ወዘተ ኢዩ፣ ስለዚ ንመስቀል ነፍቅሮ። ኣፍቂርና ብፍቕሪ ነስተማቕሮ። ንመርምሮ። ጉዕዞ መስቀል ከኣ ካብ ጌተሰማኒ ክሳብ ቀራንዮ ኢዩ፣ እዚ ከኣ ናይ ስቓይ ጉዕዞ ኢዩ፣ “ኣቦ ዝኸኣል እንተድኣ ኮይኑ እዛ ጽዋዕ እዚኣ ካባይ ትሕለፍ ነፍሰይ ከኣ ክሳብ ሞት ተጨኒቓ ኣላ” እናበለ ክርስቶስ ንምረት መስቀል ገሊጽዎ ኢዩ፣ እዛ መስቀል ንክርስቶስ ማዕረ ክንድዚ ኢያ ኣጨኒቓቶ፣

ክበድ መስቀል ከኣ ክበድ ሓጢኣትና ኢዩ፣ ክርስቶስ ከኣ ሓጢኣትና ከቢድዎ ወዲቑ ኢዩ። ይኹን እንበር ወዲቑ ኣይተረፈን፣ ፍቕርና ዳግም ኣጽዋር ኢዩ፣ መስቀል ክርስቶስ ከኣ ንሕና ሓጥኣን ኢና ነይርና፦ ክርስቶስ ከኣ ንዓና ንሓጥኣን ኢዩ ዝጾረ፣ ብሓጢኣትና ኢዩ ከኣ ዝተሳቐየ፣ ንዓና ከኣ ዝተፈላለዩ ክንጾሮም ዝግብኣና መሳቅል ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ተገቲሮም ይጽበዩና ከምዘለዉ ክንዝንግዕ የብልናን፣ ምኽንያቱ ዕጫና ዕጫ ክርስቶስ ስለ ዝኮነ፣ ክርስቶስ ከኣ መምህር ትዕግስትን ስቓይ መስቀልናን ኢዩ፣ ስለዚ ከም መምህርካ ምዃን ኢዩ፣ይኹን እንበር ሕይወትና ብዓለምን ብፈተና ዝተሓጽረትን፣ ብፍቕሪ ርእስና ዝቘመትን ኢያ፣ እሞ ዓለም ከምዚ ካብ ኮነት ኢድና ሂብናዶ ከም ፍቓድ ዓለም ንንበር፣ ያእ ኣይፋልናን፣ እቲ ጸዋዒት ከኣ ከምዚ ኢዩ።- “እቲ ኪስዕበኒ ዝደሊ ዕለት ዕለት መስቀሉ ጸይሩ ይስዓበኒ” ዝብል ቃል ኢዩ፣ መስቀልካ ምጻር ከኣ ሰናይ ፍቓድን። ሃረርታን ጥራሕ ኣኻሊ ኣይኮነን፣ ቈራጽ ትብዓትን ቃልሲ ምስ ሓጢኣትን ምስ ገዛእ ርእስኻን ዕላማ ይድሊ፣ ሕይወት’ከ እንታይ ኢዩ- ሕይወት ዝዓቢ፦ ዝኣርግ፦ ዝልወጥ፦ ዝቕየር” ኣብ መጨረሽታ ከኣ ዝመውት… ኢዩ፣ ሕይወት ዘለዎን ሕይወት ዝህብን ከኣ ሓደ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ፣ ወድሰብ ከኣ ነዛ ዝተዋህበቶ ሕይወት ክፈልጥ ከጽንዕን ኪመራመርን ክመሓላለፍን፣ንሕይወቱ ኪፍትሽን ዝነብር ፍጡር ኢዩ፣

ምስጢር ናይ ሕይወቱ ግና ወትሩ ግዜ ምስጢር ናይ ምስጢር ኮይንዎ ኢዩ ዝነብር ዘሎ፣ እምበኣር ክርስቶስ እዚ “ምሥጢር ናይ ሕይወት ኣነ ኢየ” እናበለ የረጋግጸልካ ኣሎ፣ “ኣነ ሕይወት ኢየ” ኣብ ሕይወትካ ከኣ ምስጢር ናይ ሕይወትካ ከም እትወልድን እትዓብን እትልወጥን እትመውትን። ንዘለዓለም ከም እትሰጋገር ዝገብረካ ኣነ እየ ሕይወትካ፣ ኢየሱስ መምህር ሕይወት ኣነ ኢየ እስትንፋስካ። ኣነ ኢየ ምንጪ ሓሳባትካ። ኣነ ኢየ ነባሪት ዝገብራ ሕይወትካ። ኣነ ኢየ ናይ ዘለዓለም ሕይወት፣ ነቲ ድሕሪ ሞት ሃረር እትብሎ ሕይወት ኣነ ኢየ። እቲ ክትቅደስ ሃረር እትብሎ ሕይወት ኣነ ኢየ። ኣነ ነቲ ንሕይወትካ ዘድሊ ናይ ሕይወት ሕይወት ኣነ ኢየ፣

 

ኣባ ዮናስ ዮሓንስ
ጳጳሳዊ ኮሌጅ
ቫቲካን