ናይ ሓባር መግለጺ : ናይ ኣባ  ፍራንቸስኮስን  ናይ ፖፕ ታዋድሮስ 


ናይ ሓባር መግለጺ

ናይ ሮማ ኣቡን  ኣባ  ፍራንቸስኮስ  ርእሰሊቃነጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን

 ናይ እስክንድርያ    ፖፕ ታዋድሮስ 2ይ  ፓትርያረክ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ

 ካይሮ 28 ሚያዝያ 2017

   

  • ናይ ሓባር መግለጺ

ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ፍራንቸስኮስ **  ፖፕ ታዋድሮስ 2

28 ሚያዝያ 2017

  • ናይ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ኣባ ፍራንቸስኮስ ቃል
  • ናይ ሓባር መግለጺ

ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ጳውሎስ 6 **  ፖፕ  ሸኑዳ  3

10 ግንቦት 1973

( ትርጕም፡ ኣባ ግርማይ ኣብርሃ ዘማኅበረ ሲታውያን)

 

ናይ ሓባር መግለጺ

ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ** ፖፕታዋድሮስ 2

  1. ንሕና ፍራንቸስኮስ ኣቡን ሮማን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን፡ ፖፕ ታዋድሮስ 2ዘእስክንድርያን ፓትርያርክ ዘመንበረ ቅዱስ ማርቆስን፣ ዳግማይ ንምርኻብ እዚ ዘሐጕስ ዕድል ስለዝሃበናን፣ብኅውነታዊ ሰላምታ ክንሰዓዓም ስለዘኽኣለናን፣ ከምበሓድሽ’’ውን ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት ስለዘወሃሃደና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ምስጋናና ነዕርገሉ ኣሎና። ኣብ መንጎ መንበረ ጴጥሮስን፡ መንበረ ማርቆስን ብዘሎ ናይ ኅውነትን ምሕዝነትን ርክብ ወይ ማእስር፣ ነቲ ከሃሌኩሉ ክብሪ ይኹኖ ንብል። ኣብ’ዚ ኣብ ግብፂ ብሓደ ምርኻብና፣ ርክብና ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናሓየለ፣ ኣብ ሓድሕዳዊ ምቅርራብን ብእምነትን ኣብ ክርስቶስ ጐይታና ብዘሎና ፍቕርን እናማዕበልናን እናደልደልናን ከምዝተረኸብና መርኣያ ወይ ምልክት እዩ። “ኣብ ውሽጢ ልብና እትነብር መበቈልናዝኾነት ምድርና” ኪብሉ ቅዱስነቶም ፖፕ ሸኑዳ 3ምእንቲ ዚገልጽዋ ፍቅርቲ ሃገር ግብፂ፣ ምእንት’ዚ “ብኣምላኽ ዝተባረኸ ሕዝባ”(ኢሳ.19፡25)፣ ምስ’ቲ ኹሉ ጥንታዊ ናይ ፈርዖናት ሥልጣኔኣን፡ ናይ ግሪኽን ሮማን ውርሻኣን፣ ናይ ቅብጢ ትውፊታን ናይ እስልምና ህልውናን፣ ምእንት’ዛ ፍቕርቲ መሬት ንኣምላኽ ምስጋና ነዕርግ። ግብጺ ማለት ቅድስቲ ስድራ ዝተዓቝበትላ ቦታ፣ ሃገር ሰማዕታትን ቅዱሳንን እያ።
  2. እዚ ዚኣሳስረና ዓሚቚ ምሕዝነትን ፍቕርን፣መሠረቱ ምንጩ ኣብተ’ን ቀዳሞት ምእተ ዓመታት፣ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርትያናትና ኣብ ዝማዕበለን ዝነበረን ምልኣት ሱታፌ እዩ። እዚ ምልኣት ሱታፌ ብዝተፈላለየ ኣገባብን መደብን ካብቲ ናይ 325 ዓ.ም. ጉባኤ ኒቅያ ኣትሒዝካ በተን ቀዳሞት ዓበይቲ ጉባኤታት ከምኡ’ውን ብናይ’ቲ “ሓላው ሃይማኖት” ዚብል መስመያ ዝተዋህቦ ተባዕ ኣቦ ቤተክርስትያን ብናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣበርክቶ ዚግለጽ እዩ። ብጸሎትን በቲ ተመሳሳሊ ሊጡርግያዊ ኣገባባትን ብሓባር ብእነኽብሮም ሰማዕታትን ቅዱሳንን፣ ኣቦ ኹሎም መነኮሳን ብዝተሰምየ ቅዱስ እንጦንዮስን፣ ኣብነቱን ኣሰሩን ሒዙ ብዝማዕበለን ዝሰፈሐን ምንኲስና፣በዚ ኹሉ እዚ ናትና ሱታፌ-ኅብረት ይግለጽን ይረጋገጽን። እዚ ናይ ዝሓለፈ ሱታፌ-ኅብረት ሓባራዊ ተመክሮና፣ ብፍላይ ኣብ’ቲ ግዜ ፍልልይና ነቲ ምልኣት ሱታፌ ዳግም ንምርካብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ይኸውን። እቲ ፍልልያት’ኳ እንተነበረ፣ እቲ ኣብ ቀዳሞት ምእተዓመታት ዝነበረ ርክባት መብዛሕትኡ፡ እቲ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያን ካቶሊኽን ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ቅብጥን ዝነበረ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ዝቐጸለን ዳግም ዝተለዓዓለን ከኣ ንሱ እዩ። እዚ ርክባት’ዚ እምበኣር ሓባራዊ ጻዕርናን ዓቕምናን ብምውህሃድ በብዓይነቱ መልክዕ ኣብ ዚግለጽ ርኡይ ሓድነት ንምብጻሕ፣ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ከምእንጸንዕን እንተግህን ዚገብረና እዩ።
  3. ብሎሚ 44 ዓመት ንዝተፈጸመ ናይ ቀዳሞትና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ 6ን፡ ርእሰ ፖፕ ሽኑዳ 3ን ርክብ ብምስጋና ንዝክሮ። በቲ ኣብ መንጎና ዝተፈጥረ ምርሕሓቕ እቲ ሓድሕዳዊ ርክብን ናይ ፍቕሪ ማእሰርን ዚግለጸሉ ዕድል ስኢኑ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት ዝተረኽበ ናይ ሰላምን ሕውነት ምትሕቑቛፍ ነበረ። እቲ ብ10 ግንቦት 1973 ንሳቶም ዝኸተሙሉ ናይ ሓባር መግለጺ፣ ኣብቲ ሓድነታዊ ጉዕዞ ኣገዳሲ ምዕራፍ እንኪኸውን፣ ብወገኑ ነቲ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያን ካቶሊኽን ኦርቶዶክሳውያት ኣብያተ ክርስትያን ምሥራቕን ንዘካየድኦ ተዮሎጋዊ ሓባራዊ ዘተ (ዲያሎግ) ንዘካይድ ናይ ሓባር ኮሚሽን ንምቛም ሓጊዙ። ኣብ’ቲ መግለጺ ብንጹር ከምዝተመልከተ ድማ፡ ምስ’ቲ ሓዋርያዊ ትውፊት ብምስናይ ኣብያተክርስትያናትና “ኣብ’ቲ ብሓድነትን ሠለስትነትን ዚፍለጥ ኣምላኽ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መለኮት’ቲዝተሠገወ ሓደ ወዲ ኣምላኽ […]፣ ፍጹም ኣምላኽ ብመንጽር መለኮቱ፣ ፍጹም ሰብ ድማ ብወገን ሰብኣውነቱ” ዘላተን ሓንቲ እምነት ይገልጻ። “መለኮታዊ ሕይወት በተን ሾብዓተ ምሥጢራት ኣቢሉ ከምዝመጽኣናን ከምንምገቦን”፣ “ነታ ጸዋሪት መለኮት” ዝኾነት ድንግል ማርያም፡ ኣደ’ቲ ኡነተይና ብርሃን” ከምነኽብር ኣብ’ቲ ሰነድ ተመልኪቱ ኣሎ።
  4. እቲ ብ10 ግንቦት 2013 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሮማ ዝፈጸምናዮ ኅውነታዊ ርክብ፣ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ’ዘን ኣብያተ ክርስትያናትና ንዘሎ ምሕዝነትን ሕውነትን ዓመት-መጽአ እነዕምቘሉ ዕለት ኪኸውን፣ 10 ግንቦት ምሥራዕና ብዓሚቚ ሓጐስን ምስጋናን እንዝክሮ እዩ። እዚ ሓዲስ መንፈስ ምቅርራብ ድማ፣ እቲ ብዕለተ ጥምቀትና ካብ’ቲ ኡንኮ ጐይታ ዝተቐበልናዮ ዘወሃህደና፡ ሓደ ዚገብረና ማእሰር ከመይ ዝበለ ምዃኑ ንምርዳእ ዚሕግዘና እዩ። ከምሓቁ’ውን ንሕና ናይ’ታ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን (1ቆሮ. 12፡13 ረአ) ኣባላት እንኸውን፡ በዚ ጥምቀት ኣቢልና ኢና። እዚ ሓባራዊ ውርሻ እምበኣር ብፍቕርን መደብ ዕርቅን ምሕረትን እናዓበና፣ ናብ ምሉእ ሱታፌ-ኅብረት ገጽና ብሓባር ንእንገብሮ ንግደት ወይ ጉዕዞ መሠረቱ እዩ።
  5. ኣብ ከምዚ ዝበለ ንግደታዊ ጉዕዞ፣ ነዊሕ ስጉሚ ተሪፉና ከምዘሎ ብምግንዛብ፣ ነቲ ድሮ ዝተፈጸመ ወይ ዝተዓመ መደብ ክንዝክር ግቡእ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ፖፕሸኑዳ 3ን ኣብ መንጎ’ቶም ከም ነጋዲ ኮይኖም ብዓመት ኢዮቤል 2000 ንግብጺ ዝመጹ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ 2ን ዝተፈጸመ ርክብ ብፍሉይ ኣገባብ ንዝክር። ብናይ ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ ፍቕሪ ተደሪኽና ብሕብረት ብምጒዓዝ፣ ብሓድነት ከምነዓቢ ዓሚቚ ርድኢት ኣሕዲርና፣ ኣሰሮም (ፖፕ ሸኑዳ 3ን ቅዱስ ዮሓንስ  ጳውሎስ 2ን) ክንክተል ወሲንና ኣሎና።
  6. እዚ ፍቕር’ዚ (ናይ ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ) ኣብ’ቲ ናይ ሓባር ሥሙር ጸሎትና ዝለዓለ መግለጺኡ ይረክብ። ክርስትያን ብኅብረት እንኪጽልዩ፣ሽዑ ካብ’ቲ ዚፈላልዮም እቲ ዜኅብሮም ዜወሃህዶምን ኣዝዩ ዝዓበየ ምዃኑ ኣብ ምርዳእ ይብጽሑ። እዚ ናይ ሓድነት ውዕውዕ ሃረርታናን ባህግናን፣ “ኩሎም ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ” (ዮሓ.17፡21) ብዚብል ጸሎት ክርስቶስ ኃይልን ድርኺትን ይረክብ። ምእንት’ዚ ድማ ብሓባር ብምጽላይ ናይ ጸሎት ጐይታና ዘተሓባብር ትርጒሙ ብምርካብ፣ ከምኡ’ውን ንኣበዓዕላ ፋሲካ ብዚርኢ ሓደ ናይ ሓባር ዕለት ብምሥራዕ፣ ኣብ’ታ ሓዋርያዊት እምነት ንዘሎና ሰራውር ኣጸቢቑከምዚዓምቚ ክንገብር ኣሎና።
  7. ኣብ መወዳእታ ኣብቲ መጻኢ እዋን፣ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ብሓደ ናብ እንሳተፈሉ ቡሩኽ ዕለት ገጽና እናተጐዓዝና ከሎና፣ ኣብ ብዙሕ መደባት ክንተሓባበር ነቲ ዘሎና ዓቢይን ክቡርን ናይ ሓባር ሃብቲ ርኡይን ግሁድን ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ሕይወት ሰብ ዝተቐደሰን ክቡርን ምዃኑ፣ ናይ ኪዳንን ስድራቤት መንፈሳዊ ዕቤትን ክብረትን፣ ኣምላኽ ሕድሪ ንዝሃበና መላእ ተፈጥሮ ብዚርኢ ዚግባእ ኣኽብሮ፣በዚ ኹሉ መሠረታዊ ቁምነገራት ሓቢርና ምስክርነትና ከነዕዝዝ ንኽእል። ሎሚ ከም ሎሚ፣ ጸረ-መንፈስ ዝኾነ ዓለማውነት፣ ኣብ ኩሉ ዝዓብለለ ግዴለሽነት፣ ካልእን ከምዝን ዝበለ በዳሂ እዋናዊ ግድላት’ኳ እንተሎ፣ ንሕና ብወገንና ኣብ ወንጌልን ትምህርቱን፣ ኣብ’ቲ ሃብታም ትውፊታትና ተመርኲስና፣ ናይ ሓባርን ሥሙርን ምላሽ ክንህብ ዝተጸዋዕና ኢና። በዚ ዝመጽአስ ኣዝዩ ዓሚቚን ሰፊሕን ዝኾነ ናይ ምሥራቕን ምዕራብን (ላቲንን) ኣበው መጽናዕቲ፣ ብዚግባእ ከነካይድ ነተባብዕ። ስለዚ ከኣ ኣብ ሓዋርያዊ ጉስነታዊ ንጥፈት፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትምህርተ ክርስትናዊ ኲስኰሳ (ካተከዚስ)፣ ሃብታም ናይ ተመክሮን ልምድን ምልውዋጥ ኪግበር ኣብ መንጎ ናይ ምንኩስናን ውፉይን ሕይወት ማኅበራት’ውን ሓድሕዳዊ መንፈሳዊ ምምልላእን ምልውዋጥን ኪርከብ ይከኣል።
  8. እዚ ናትና ሕቡርን ሥሙርን ክርስትያናዊ ምስክርነት፣ ኣብ ኅብረተሰብ ግብጽን ኩሉ ተቅዋማቱን ከም ሓደ ፍረ-ፍትሕን ሰላምን ኪህብ ዝተዘርአ ዘርኢ፣ ካብ ሓልዮት ኣምላኽ ዝመጽአ ጸጋ ዝመልኦ ናይ ዕርቅን ተስፋን ምልክት እዩ። ኩሎም ሰባት ብኣምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ምዃኖም ስለእነኣምን፣ በቲ ናይ ክርስትያንን እስላምን ሰላማዊ ጉርብትናን ህልውናን፣ ናብ ቅሳነትን ስኒትን ክንበጽሕ ንጽዕር። በዚ ኸኣ ነቲ መደብ ኣምላኽ ዝኾነ ናይ መላእ ዘመደ-ኣዳም ሓድነትን ስኒትን፣ ናይ ነፍስወከፍ ሰብ ማዕርነትን ክብረትን ምስክርነትና ክንህብ ንኽእል። ንናይ ግብጺ ብልጽግናን መጻኢ ትዕድልትን ዘሎና ሓባራዊ ትምኒት ንገልጽ። ኩሎም ኣባላትን ወገናትን ኅብረተሰብ፣ ኣብ ሕይወትን ሃለዋትን ሃገሮም ብምልኣት ኪሳተፉ መሰልን ግዴታን ኣለዎም። ሃገሮም ኣብ ምሕናጽ ኪተሓባበሩን ምሉእን ምዕሩይን መሰል ዜግነት ኪረኽቡን መሰሎም እዩ። ናጽነት ሃይማኖት ወይ እምነት፣ ናይ ሕሊና ናጽነት’ውን ከይተረፈ፣ ኣብ’ቲ ክብሪ ወድሰብ ዝተሠረተ ስለዝኾነ ናይ  ኩሉ’ቲካልእ ናጽነት ኣሳሪ ወይ መሠረት እዩ። ዝተቐደሰ ዘይገሃስ መሰል እዩ።
  9. ምእንቲ ኩሎም ኣብ ግብጺ ኮነ ኣብ መላእ ዓለም፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምእንቲ ዘለዉ ክርስትያን ጸሎትና ከነዕዝዝ ይግባእ።ክርስትያን ብምዃኖም ጥራሕ ዚስደዱን ዚቕተሉን ዘለዉ ምእመናን ከምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ሃለዋትን፣ ምፍሳስ ደምን ዘወርዶም ዘለዉ ክርስትያን ዘዘኻኽሩና ነገር ኣለዎ። ናይ’ዚኣቶም ናይ ሰማዕትነት ሓድነትን ውህደትን ነኣና’ውን ሓደ ዚገብረና ናብ መንገዲ ሰላምን ዕርቅን ዚመርሓና (ዘተባብዓና) እዩ። “ሓደ ኣካል እንተተሣቐየ ኩሉ’ቲ ኣካላት ምስኡ ይሣቐ” (1ቆሮ 12፡26) ይብል ቅዱስ ጳውሎስ።
  10. ናይ’ቲ ንፍቕሪ ኺብል ዝሞተን ዝተንሠአን ኢየሱስ ምሥጢሩን ኩሉ ነገሩን ኣብ’ቲ ናብ ሓድነት እንገብሮ ጉዕዞ ኣብኡ ምሳና ኣሎ። ሕጅ’ውን እንተኾነ እዞም ሰማዕታት መራሕትና እዮም። ኣብ’ታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን እቲ ደም ሰማዕታት ዘርኢ ሓደስቲ ክርስትያን ምዃኑ ተራእዩ እዩ። ኣብ ግዜና’ውን ከምኡ እቲ ደም ብዙሓት ሰማዕታት ኣብ መንጎ’ቶም ተኸተልቲ ክርስቶስ ዘርኢ ሓድነት፣ ንዓለም ከኣ ናይ ሱታፌ-ኅብረትን ሰላምን ምልክትን መጋበርን ዚኸውን ይግበሮ።
  11. ነቲ ንቤተክርስትያን ዚቕድስ ንዘመናት’ውን ዚሕልዋን፣ ናብ’ታ ኢየሱስ ምእንታኣ ዝጸለየ ምሉእ ሓድነት ገጹ ዚመርሓን መንፈስ ቅዱስ፣ በኣኡን ብስራሓቱን እናተኣዘዝና፣ በዚ ዕለት’ዚ ንሕና ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ፖፕታዋድሮስ 2ን፣ ንልቢ ኢየሱስ ከምኡ’ውን ናይቶም ብእምነት ደቅና ዝኾኑ ልባቶም ምእንቲ ብሓጐስ ኪምላእ፣ ብሓደ ኮይንና ነዚ ዚስዕብ ኣዋጅ ነውጽእ ኣሎና፤ ኣብ ሓዲአን ካብ ኣብያተ ክርስትያናትና ዝተፈጸመ ጥምቀት፣ ዝኾነ ይኹን ሰብ ናብ’ታ ሓንቲ ቤተክርትያን ኪሓልፍ እንከሎ ንኸይድገም፣ ብሓደ ሓሳብን ልብን ኮይንና ብቅንዕና ክንሰርሕ፣ ንተኣምኖት’ተን ኣብ ኒቅያ ቁስጥንጥንያን ኤፌሶንን ዝተጋብኣሠለስተ ዓበይቲ ጉባኤታት ተኣዚዝና፣ ነዚ እምነት ንገልጽን ንእመንን ኣሎና።በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝመደቦ (ዝመረጾ) ጊዜን ኣገባብን ገቢሩ፣ ናብናይ ምስጢራዊ ኣካል ክርስቶስ ምልኣት-ሓድነት ንኺመርሓና ንእግዚኣብሔር-ኣቦ ንልምኖ።
  12. ንሕና’ምበኣር ብትምህርትን ኣብነትን ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ንምራሕ፣ ንሱ ከም’ዚ ዚስዕብ ይጽሕፍ፣ “ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኸብኩምዎ ኅብረት ብማእሰር ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልዉዎ ተጋደሉ። ከም’ዚ ንሓንቲ ተስፋ ዝተጸዋዕኩም ሓደ ሰብነት ሓደ መንፈስ ኣሎ። ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት ኣሎ። ከምኡ’ውን እቲ ልዕሊ ኹሉን ብኹሉን ኣብ ኹሉን ዝኾነ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ኹሉን ኣሎ” (ኤፌ. 4፡3-6)።

ካይሮ 28 ሚያዝያ 2017

ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ኣባ ፍራንቸስኮስ ዘስምዕዎ ቃል።

 

ጐይታ ተንሲኡ እዩ፡ በሓቂ ተንሲኡ!

ቅዱስነትኩም! ፍቁር ሓው!

ብሓቂ ተዓዲልናን ተባሪኽናን፣ በዚ ዓመት’ዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዘኽበርናዮ ናይ ሕይወት ክርስትና ቀንዲ ዝኾነ ዓቢይ በዓል ፋሲካ ካብ ዚሓልፍ እነሆ ሓጺር ግዜ ጥራሕ እዩ። በዚ መልእኽቲ በዓል ትንሳኤ ኣብ ምብሳር ሰሚርና በቲ ዕለት’ዚ “ንጐይታ ብምርአዮም ዝተሓጐሱ” (ዮሓ. 20፡20) ናይ’ቶም ቀዳሞት ተኸተልቲ ሃለዋት ኢና ዳግም ከነስተማቕር ዝተረኸብና። እዚ ሓጐስ ትንሳኤ ሎሚ ብርቅን ድንቅን ዚኸውን ዘሎ፡ ነቲ ዝተንስኤ ብጸሎት ከነምልኽን ብስሙ ከኣ ብዝተሓደሰ ሰላምታ ክንለዋወጥን ክንሰዓዓምን ዘኽእለና ርክብ ስለዝተዓደለና ኢና። በዚ ኣነ ምስጋናይ ወሰን የብሉን። ማለት ናብ’ዚ ከም ነጋዲ ኮይነ እንክመጽእ ናይ’ቲ ዚጽበየኒ ሓው ቡራኬ ከምዝቕበል ርግጸይና ብምዃን እዩ። ቁሩብ ግዜ ድሕሪ ኅሬተይ ብ10 ግንቦት 2013 ቅድስነትኩም ናብ ሮማ ናይ ዝገበርኩምዎ ምብጻሕ ውዑይ ዝኽሪ ስለዘሎኒ ነዚ ሓድሽ ርክብ’ዚ ክርኢ ብልቢ ተሃንጥየ እየ። እታ ዕለት’ቲኣ ከኣ “ናይ  ኦርቶዶክስ ቅብጥን ካቶሊኽን ዕለት ምሕዝነት” ተባሂላ፣ ዓመት-መጽአ ክትከብርን ክትዝከርን ምኽኣላ ዘሓጒስ እዩ።

ኣብ’ዚ ሓድነታዊ ጉዕዞና ብሓጐስ እንክንስጉም፣ነቲ ኣብ ርክባት መናብረ ጴጥሮስን ማርቆስን ኣገዳሲ ምዕራፍ ዝኾነ፡ ቅድሚ 40 ዓመት ኣቢሉ ብ10 ግንቦት 1973 ቀዳሞትና ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኸተሙሉ ናይ ሓባር መግለጺ ክዝክር ደስ ይብለኒ። ድሕር’ቲ ቀጺሉ ብዘጋጠመ “ተዮሎጋዊ ብዘይኮነ ረቛሒታት ዝተሳወረን ዝተጐሃሃረን ተዮሎጋዊ ፍልልያት” ዝተሰነየ “ናይ ዘመናት ጽንኩር ታሪኽ”፣ ድሕር’ቲ ኹሉ ዚቕጽል ዝነበረ ዘይምትእምማን፣ብረድኤት-ኣምላኽ በታ ዕለት’ቲኣ ብዝተገብረ ርክብ፣ንኽርስቶስ “ንመለኮቱ ብዚርኢ ፍጹም ኣምላኽ፡ ብሰብኣውነቱ ብዚርኢ ከኣ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ብሓባር ክንእመን ከኣልና። (ሓባራዊ መግለጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ 6ን ፖፕሸኑዳ 3ይ 10 ግንቦት 1973) እቲነዚ ቓላት’ዚ ስዒቡ ዚመጽእ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ “ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ንጉሥናን” ምዃኑ እንእመነሉን እንገልጸሉን ቃላት’ውን ኣገዳስን እዋናውን እዩ። በዘን ቃላት’ዚኣተን ገቢረን መንበረ ማርቆስን መንበረ ጴጥሮስን፡ ኢየሱስ ጐይታ ምዃኑ ነገራን ኣበሠራን፣ ብሓባር ኮይንና ንሕና ናይ ኢየሱስ ምዃንና፣ ንሱ ድማ ናትና “ኩሉ” ምዃኑ ተኣሚንና።

ካብኡ ንላዕሊ ድማ ንሕና ናቱ ስለዝኾንና ነፍስወከፍ በብመንገዱ ምኻድ ከም ዘየርብሕ ክንርዳእ ክኢልና፤ ከመይሲ እዚ ነቲ “ዓለም ምእንቲ ኪኣምን ኩሎም ሓደ ኪኾኑ” (ዮሓ. 17፡21) ዚብል፣ ተኸተልቱ ንኺኃብሩ ንዘለዎ ባህጊ ዚጠልም ምኾነ። እቲ “ብሓድነት ፍጹማን” (ዮሓ. 17፡23) ኽንከውን ዚደልየና ኣምላኽ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኮይንና በቲ ዝተፈላለየ ኣተረጓጉማን ኣበሃህላን ተመኻኒና ወይ ተጐላቢብና፣ ከምኡ’ውን ካብ ሓድሕድ ኣብ ዝፈላልየና ናይ ዘመናት ታሪኽን ልማዳትን ተሓቢእና፣ ካብ ዓይኒ ኣምላኽ ተኸዊልና ክንተርፍ ዘይከኣል እዩ። ከም ኣበሃህላ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ዮሓንስ-ጳውሎስ 2ኪሓልፈና ዚግባእ ጊዜ የለን፥ ኣብ’ቲ ኡንኮ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ኡንኮ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብታ ሓንቲ ጥምቀት ዘሎና ሱታፌ-ኅብረትን፣ ነቲ ዓሚቚን መሠረታውን ኩነት ዚገልጽን ዘረጋግጽን እዩ”።(ኣብቲ ሓድነታዊ ርክብ ዘስምዕዎ ቃል 25 የኣቲት 2000) በዚ ዓይነት’ዚ ድማ ብኣቀራርባ ቓላትን ውሳኔን ጥራሕ ዚግለጽ ሓድነታዊ ጉዕዞ ዘይኮነ ዚድለ፣ በቲ መዓልቲ-መጽአ ምስ ጐይታ ኢየሱስ ብዚግበር ሕያውን መሕየውን ርክብ ዚዓቢ ኣብ’ቲ እንገልጾ እምነት ዝተሠረተ፣ ኣብ ልዕሊ መሠረት ጥምቀትና፡ ኣብ ልዕል’ቲ በኣኡ ሓዲስ ፍጥረት” ምዃንና ዝተሓንጸ(2ቆሮ. 5፡17 ረአ)፣ በብዕለቱ ዚዓቢ ውጽኢታዊ ሱታፌ-ኅብረት ኪኸውን ኣለዎ። ብሓጺሩ “ሓደ ጐይታ ሓንቲ እምነት ሓንቲ ጥምቀት” (ኤፌ.4፡5)ኣሎ። ምእንት’ዚ ድማ ኣብ ዙርያ’ቲ መሠውዒ (መንበረ ታቦት) ጐይታ ከቢብና፣ምሉእን ርኡይን ሱታፌ ንኽንጭብጥ ብሃረርታ እንጽበያ ዕለት ንኸነቀላጥፍ፣ ወትሩ ብዝተሓደሰ ትግሃት ክንበጋገስ የድሊ።

እዚ ስምዒት ዘለዓዕል ጉዕዞ ከም’ቲ ጉዕዞ-ሕይወት፣ ወትሩ ቀሊልን ትኽ ዝበለን ኣይኮነን፤ እንተኾነ ጸኒዕና ንኽንቅጽል ጐይታ የተባብዓና፣ ስለ’ዚ በይንንና ኣይኮናን። ድሮ ፍጹም  ሓድነት ለቢሱስ ነኣና’ውን ኣብ’ዚ ምድር’ዚ ናይ’ታ “ሰማያዊት ኢየሩሳሌም”፣(ገላ. 4፡26) ሕያው ሥእሊ ኽንከውን ብዚጽውዓና፣ በቲ ዓቢይ ጭፍራ ቅዱሳንን ሰማዕታትን ዝተሰነና ኢና። ካብ መንጎኦም ብፍላይ ጴጥሮስን ማርቆስን ሎሚ በዚ ርክብና ብፍሉይ ከምዚሕጐሱ ርግጽ እዩ። ንኽልቲኣቶም ዜጣምሮም ማእሰር ዓቢይ እዩ። ቅዱስ ማርቆስ ከም ናይ ወንጌሉ ማእከላይ ነጥቢ ገቢሩ ንዘቕርቦ ናይ ጴጥሮስ ተኣምኖት “ንስኻ እቲ ኽርስቶስ ኢኻ” ዚብል ምጥቃስ የኣክል። እዚ ድማ ነቲ “ንስኻትኹምከ መን’ዩ ትብሉኒ?”(ማር.8፡29) ኪብል ኢየሱስ ዘቕርቦ ኣገዳሲ ሕቶ፡ዝተዋህበ ምላሽ እዩ። ሎሚ’ውን እንተኾነ ነዚ ሕቶ’ዚ ኪምልሽዎ ዘይከኣሉ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ፣ ገለ’ሞ ኸኣ ነቲ ሕቶ’ውን ዘየልዕልዎ ኣይሰኣኑን፣ ልዕሊ ኩሉ ግን ነዚ ሕቶ’ዚ በቲ ንኢየሱስ ካብ ምፍላጥ ዚርከብ ሓጐስ ኪምልሹሉ ዚኽእሉ ውሑዳት እዮም። ንሕና ብሓባር ኮይንና በዛ ሓጐስ’ዚኣ ተመሊእና ነኣኡ ንኽንእመን ጸጋ ንረክብ።

ብሓባርሠሚርና’ምበኣር  ነኣኡ ክንምስክር፣ ንእምነትና ናብ ዓለም ከነባጽሕ፡ ብፍላይ በቲ ከቢጽሖ ዚግበኦ ኣገባብ ከነብጽሖ ኢና ተጸዊዕና፤ ማለት ህላዌ ኢየሱስ ሕያው ብዝኾነ ኣገባብ ምእንቲ ኪመሓላለፍ፣ ነቲ ብኸምኡ ዚወሃብ ፍቕሪ፣ነኣኡ ዚበቅዕ ቋንቋ ምእንቲ ኪዛረብን፣ እቲ ምትሕልላፍ ብግብራዊ ሕይወት ኪኸውንኣለዎ፣ ከም ኦርቶዶክስ ቅብጥን፡ ከም ካቶሊኽን መጠን፡ ነዚ ናይ ሓባር ቋንቋ ፍቕሪ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ዝኾነ ይኹን መደብ ግብረ-ሠናይ ቅድሚ ምክያድና፣ ምስ’ቶም ብእምነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዚሓብሩና ኣኅዋትን ኣኃትን ብሓደ ክንገብሮ  ንኽእል እንተኾይንና ምውካስ ጽቡቕ ምኾነ። ምእንት’ዚ ኣብቲ ልሙድ ዕለታዊ ሕይወት ኣብ ዚንበር ሕይወት ምስክርነት ሱታፌ-ኅብረት ብምሕናጽ ናብ ሓድነት ዜብጽሕ ዘይተሓስበ መንገድታት መንፈስ ቅዱስ ብሓልዮቱ ከምዚኸፍተልና ርግጽ እዩ።

በዚ ሓናጺ ዝኾነ ሓዋርያዊ መንፈስ ተመሪሕኩም ቅዱስነትኩም፡ ብመንጽር ቕብጣዊት ካቶሊኽቤተክርስትያን ብእተርእይዎ ንጹሕ ኅውነታዊ ኣቀራርባ ምስጋናይ ደረት ኣልቦ እዩ። እዚ ቕርበት ዝመልኦ ኣገባብ ኣብ’ቲ ንስኹም ባዕልኹም ዝተኸልኩምዎ፣ ኣብ ኢየሱስ ዚኣምኑ ኩሎም ምእንቲ መላእ ኅብረተሰብ ግብጺ ተቐራሪቦም ንኺሰርሑ ቢልኩም ኣብ ዝመሥረትኩምዎ “ሃገራዊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስትያን”ይግለጽ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብናትኩም ዕድመ ኣብ’ዚ ብዝተኻየደ መበል 13 ኣኼባ ዓለምለኸ ሓባራዊ ኮሚሽን ተዮሎጋዊ ዘተ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ናይ ምሥራቕ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያንን” ብዚግባእ ተቐቢልኩም ስለዘኣንገድኩም ብልቢ ዘድንቖ እዩ። እቲ ዚቕጽል ኣኼባ በዚ ዓመት’ዚ ኣብ ሮማ ምክያዱ፣ ነቲ ኣብ መንጎ’ዘን  መናብር ማርቆስን ጴጥሮስን ዚህሉ ርክብ ዚቕጽል ብምዃኑ ተስፋ ዚህብ ምልክት እዩ።

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ከምንረኽቦ፣ ጴጥሮስ ንማርቆስ ዘለዎ ፍቕሪ ዚገልጸሉ እቲ “ወደይ” (1ጴጥ. 5፡13) ዚብል ቃል እዩ። እንተኾነ እዚ ወንጌል (ማርቆስ) ኮነ፡ እቲ ሓዋርያዊ ንጥፈታቱ ኩሉ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብኅውነታዊ ኣገባብ ዝተኣሳሰረ እዩ፤ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮማ ብሰማዕትነት ቅድሚ ምምዋቱ፣ ማርቆስ ኣብ ኣገልግሎቱ ንዝነበሮ ኣገዳስነት ይጠቅስ (2 ጢሞ. 4፡11)፣ ከምኡ’ውን ጸጸኒሑ በኣኡ ይዛረብ እዩ፥(ፊልሞ 24. ቆላስ 4፡10)። እቲ ቃል ኣምላኽ ኮነ፡ እቲ መሰረትና ብቐንዱ ሕድሪ ዘሰክመና መልእኽቲ ሕውነታዊ ፍቕርን፡ ኣብ ተልእኮት ሱታፌ-ኅብረትን ዚብላ ቃላት እየን። እዚኣተን ወንጌላዊ ዘርኢ ኮይነን፣ ንሕና’ውን ብሓጐስ ማይ ኣስቲና ብረድኤት ኣምላኽ ከምዚዓቢያ እንገብረን እየን (1ቆሮ.3፡6-7)።

እቲ ሓድነታዊ ጉዕዞና እናዓመቘ ዚኸይድ ምዕባሌ ዚህልዎ፣ በቲ ምሥጢራዊ ኣገባብ በቲ ንጹሕ ናይ ደም ሓድነት እዩ። ኢየሱስ “ብደምን ብማይን”(1ዮሓ.5፡6) ከምዝመጽአ ቅዱስ ዮሓንስ ይነግር፣ ኣብኡ ዚኣምን ዘበለ ከኣ “ንዓለም ይስዕራ እዩ” (1ዮሓ.5፡5)ብማይን ደምን በቲ ናይ ሓባር ጥምቀት ኣቢልና ንኹሉን ንወትሩን ዝኾነ ሕይወት ፍቕሪ ክንነብር ሕይወትካ ክሳብ ምውፋይ’ውን ብምብጻሕ ሓዲሽ ሕይወት ምንባር ማለት እዩ። ካብተን ቀዳሞት ዘመናት  ክርስትና ኣትሒዙ፣ ኣብዛ መሬት’ዚኣ ክንደይ ሰማዕታት ምእንቲ እምነቶም ክሳብ መወዳእታ ብምጽናዕ፣ ንጐይታ ካብ ዚኽሕዱን ብሓይሊ ክፍኣት ካብ  ዚስንገሉን፣ንኽፉእ ብኽፉእ ካብ ምፍዳይን፣ደሞም ምፍሳስ መሪጾም ብጅግንነት ዘይሓለፉ!! እቲ ናይ ቤተክርስትያን ቅብጢ ክቡር ገደለ ሰማዕታት፡ በዚ ዝመጽአ ዕዙዝ ምስክርነቱ ይህብ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናትን መዓልታት’ውን ከይተረፈ፣ ዚከላኸለሎም ናይ ዘይብሎም ክርስትያን ንጹሕ ደም ብዘሰቅቕ ኣገባብ ብጭካነ ፈሲሱ። እዚ ንጹሕ ደሞም ነኣና ሓደ ዚገብረና እዩ። ፍቁር ኃው! እታ ናይ ላዕሊ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ሓንቲ ከምዝኾነት፣ እቲ ናትና ገድለ-ሰማዕታት’ውን ሓደ እዩ፣ሥቓያትኩም ናትና ሥቓያት’ውን እዩ።በዚ ምስክርነት’ዚ ተበራቲዕና ሕያውነትእናሰበኽናን ሠናይነትን እናዘራእናን፣ ስኒትን ስምምዕን እናበጋገስና መደብ ሓድነት እናንቀሳቐስና፣ እዚ ኹሉ መሥዋዕትነት’ውን ኣብ መንጎና ኣብ መጻኢ ናብ ዚፍጸም ምሉእ ሱታፌ-ኅብረትን ሰላምን ንኹሉ ከፍርየልና እናጸለና፣ ንግብረ ሽበራን ናዕብን ዘበለ ኲሉ ንምቅዋሙ ክንጽዕር ኣሎና። ኣብ’ዛ መሬት ግብፂ ዝተራእየ ዜደንቕ ታሪኽ ቅድስና፣ በቲ ናይ ሰማዕታት መሥዋዕትነት ጥራሕ ኣይኮነን። እቲ ጥንታዊ ስደት-ክርስትና ምስ ኣቋረጸ፣ ብኡብኡ ርእሰ-ምናኔ ዝዓዘዞሓዲሽ መደብ ሕይወት ከም መጠን ህያብ ጐይታ ኮይኑ ተቐልቀለ።ምንኲስና ኣብ’ቲ ምድረበዳ (ግብፂ) በቘለ። ስለ’ዚ ከኣ እቲ ሓደ እዋን ኣምላኽ ኣብ መሬት ግብፅን ኣብ ቀይሕ ባሕርን ዝፈጸሞ(መዝ. 106፡21-22) ዓቢይ ትእምርት፣ እቲ ናይ ሓድሽ ሕይወት ተኣምር ዘስዓቦ ኮይኑ፣ ነቲ ምድረበዳ ከኣ ብቅድስና ከም ዚዕንብብ ገበሮ። ነዚ ናይ ሓባር ውርሻ ብዘሎኒ ኣኽበሮት ተመሊአ፣ ናብ’ዛ ጐይታ ብቐንዱ ኪበጽሓ ዝፈተወ ሃገር (መሬት) ንምብጻሕ ከም ነጋዲ ኮይነ መጺአ ኣሎኹ። በቲ ኹሉ ክብሩ ናብ ደብረሲና (እምባ ሲና) ወሪዱ (ዘፀ.24፡16)፣ ከምኡ’ውን ብትሕትናኡ ኣብ’ዚ ኣብ መሬት ግብፂ ከም መጠን ሕፃን ተዓቚበ(ማቴ.2፡14)።

ቅዱስነትኩም! ፍቁር ሓውና! ከም መጠን ነጋዲያን ሱታፌ-ኅብረትን ከም መልእ-ኽተይናታት ሰላምን ሎሚ ክንብገስን ክንንቀሳቐስን ጐይታ ኃይሉ የሃበና። እታ ንኢየሱስ ናብ’ዚ ሒዛቶ ዝመጽአት፡ እቲ ዓቢይን ክቡርን ግብጻዊ ተዮሎጋዊ ትውፊት ካብ ጥንቲ ከም ጸዋሪተ-መለኮት፡ ወላዲት-ኣምላኽ ዚቘጽራ ድንግል ማርያም፣ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ብኢዳ ሒዛ ተታትየና፣ ኣብ’ዚ መጸውዕ’ዚ  ሰብኣውነትን መለኮትን ብሓንሳብ ይራኸብ፣ ምኽንያቱ ኸኣ ኣብ’ዛ ኣዲኡ ኣምላኽ ንወትሩ ሰብ ኮይኑ እዩ። እዛ ወትሩ ናብ ኢየሱስ፣ ማለት ናብ’ቲ መለኮትን ትስብእትን ብፍጹም ዝተወሃሃደሉ እትመርሓና ብፅዕቲ ድንግል፣ ሕጂ’ውን ንገለ ወገን ሰማይ ናብ’ዚ ምድርና እተምጽእ ይግበራ።


ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ጳውሎስ 6 – ፖፕ  ሽኑዳ 3

ናይ ሓባር መግለጺ፣10 ግንቦት 1973

ጳውሎስ 6 ኣቡን ሮማ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን፣ናይ እስክንድርያ  ፖፕ ሸኑዳ 3ፓትርያርክ መንበረ ቅዱስ ማርቆስን፣  ቅርያት ቅዱስ ማርቆስ ንግብፂ ብዝተመልሰ ብድሕር’ዚ ዓቢይ ፍጻሜ፡ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስትያን ሮማን እስክንድርያን ርክባት ብምምሕያሹ ፣ ሕጂ ብኣካል ኪራኸቡ ብምኽኣሎም ብመንፈስ ቅዱስ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ምስጋና የቕርቡ። ርክቦምን ዝርርቦምን ኣብ ምዝዛም ድማ እዚ ዚስዕብ መግለጺ ከውጽኡ ፍቓዶም ኮይኑ።

ኣብ መንጎ ኣብያተክርትያንና ዘሎ ርክባት ንኽነዕምቚ፣ ንዓለም ምስኡ ንኸተዓርቖ (2ቆሮ. 5፡18-20) ተልእኮ ዕርቂ ዝሃበና፣ኣብ ኣገልግሎት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ እንገብሮ ምትሕብባር ንዚዕንቅጸና ዘበለ ኹሉ ንምስጋር ዘኽእለና ጭቡጥ ኣገባባት ንምርካብ ብዚብል ድልየት ኢና ነዚ ርክብ’ዚ ኣካይድና።

ነቲ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትና ዝተመሓለለፈን ኣብኣተን ዝተዓቀበን ሓዋርያዊ ትውፊት ብምኽታል፣ ከምኡ’ውን ኣሰር’ተን ቀዳሞት ሠለስተ ዓበይቲ ጉባኤታት ተኸቲልና፣ ኣብቲ ሓደን ሠለስተን ዝኾነ ሓደ ኣምላኽ፣ ኣብ ኣምላኽነት’ቲሥጋ ዝለበሰ ኡንኮ ወዲ ኣምላኽ፡ ካልኣይ ኣካል ቅድስት ሥላሴ፡ ነጸብራቕ ክብሩ ዝኾነ ቃል-ኣምላኽ፣ ከምኡ’ውን ናይ ህላዌኡ መግለጺ ኮይኑ ምእንታና ሥጋ ብምልባስ ነባቢት ነፍስ ዝተቐበለ፣ ብዘይካ ብኃጢኣት ብኹሉ ከማና ኮይኑ፡ ኣብ ሰብኣውነትና ዝተሳተፈ ነኣምን። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ናይ ኩልና ንጉሥናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ብመለኮቱ ዝመጽአፍጹም ኣምላኽ፣ ብሰብኣውነቱ ዝመጽአ ከኣ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ንእመን። ኣብኡ መለኮቱን ትስብእቱን ብዘይምድብላቕ ብዘይ ምሕዋስ ብዘይ ምትሕንፋጽን ብዘይለውጥን ብዘይ ምምቕቓልን ምፍልላይን ብኣማናውን ፍጹምን ሓድነት ተወሃሂዱ ኣሎ። መለኮቱ ካብ ትስብእቱ ንሓንቲ ቅጽበት ዓይኒ’ኳ ኣይተፈልየን። ንሱ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ዘይረአ  ክነሱ ብሥጋ ዚረኣ ኮይኑ መልክዕ ባርያ ለበሰ። ኣብኡ ኩሉ ናይ መለኮት ነገራት፣ ኩሉ ናይ ትስብእት ነገራት ብሓባር ኣማናውን ፍጹምን ብዘይፈላለን ብዘይከፋፈልን ሓድነት ተወሃሂዱ ኣሎ። መለኮታዊ ሕይወት ዚወሃበናን እንምገቦን ድማ፣ በተን ኣብ ቤተክርስትያን ዚርከባ ሾብዓተ ምሥጢራት ክርስቶስ፣ ጥምቀት ሜሮን ቅዱስ ቊርባን ንስሓ ቀንዲል ኪዳንን ክህነትን፣በዚኣተን እዩ።

ኣደ’ቲ ኡነተይና ብርሃን ንዝኾነት ድንግል ማርያም ነኽብር፤ ንሳ ወትሩ ድንግል ጸዋሪተ-መለኮት ምዃና ንእመን። ምእንታና ተማልድ ከም መጠን ጸዋሪተ-መለኮት ድማ ብኽብሪ ልዕሊ ጭፍራ መላእኽቲ እያ።

ብዓባያ በታ ኣብ ልዕሊ መሠረት ሓዋርያት ዝተሓንጸት ቤተክርስትያን ኮነ፡በቲ ዓበይትን ዞባውን ጉባኤታት  ዘሎና ርድኢት ብዓቢኡ ተመሳሳሊ እዩ። መንፈሳውነትና’ውን እንተኾነ በቲ እንፍጽሞ መንፈሳዊ ሥርዓታትን፣ ናይ ሕዝባዊ ጸሎትና ዝለዓለ መግለጽን፣ ብቤተክርስትያን ምስ ክርስቶስ ናይ ዚህልወና ሓድነት መረጋገጽን ዝኾነ መሥዋዕተ ቅዳሴ እዩ። ነቲ ናይ ሃይማኖትና ኣጽዋማትን በዓላትን ንሕሉ ነኽብር። ቅርያትን ትሩፋትን ቅዱሳን ነኽብር፣ ናይ መላእኽትን ናይ ዘለዉን ዝሞቱን ቅዱሳን ኣማላድነት’ውን ንልምን። እዚኣቶም ኩሎም እቶም ኣብ ቤተክርስትያን ዘለዉ ደመና ምስክርነት እዮም። ንሳቶም ኮነ ንሕና ድማ ጐይታና ሕያዋንን ሙታንን ንምፍራድ ብኽብሪ ንዚግለጸሉ ዳግማይ ምጽኣቱ ብተስፋ ነማዕዱ።

ብምኽንያት’ዚ ብናይ ዘመናት ጽንኩር ታሪኽ ዚረአ ህልው ፍልልያት፣ ኣብያተ ክርስትያናትና ናይ’ዚ ሓዲሽ ሕይወት ብኽርስቶስ ፍጹም ምስክርነተን ኪህባ ከምዘይከኣላ ብትሕትና እንእመነሉ እዩ። ብርግጽ’ውን ካብ 451 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዙ ተዮሎጋዊ ብዘይኮነ ረቛሒታት ዝተሣወረን ዝተጐሃሃረን ተዮሎጋዊ ፍልልያት ኪቀላቐል ተረኺቡ። እዚ ፍልልያት’ዚ ሸለል ኪበሃል ኣይከኣልን። እዚ ኣብ ቦታኡ ከሎ ግን ናይ ሓባር ውርሻ ዘለወን ኣብያተ ክርትያን ምዃንና መርሚርና ክንፈልጦ፣ ካብኡ ሕልፍ ኢልና’ውን ኣብ ጐይታ ተኣማሚንና ነቲ ህያቡ ዝኾነ ፍጹምን ምሉእን ሓድነት ንኽንጭብጦ፣ ብቘራጽነት ክንሰርሕ ንርከብ ኣሎና። ነዚ ዕማም’ዚ ንምፍጻም ምእንቲ ኪሕግዝንኣብያተ-ክርስትያንና ዚውክል ናይ ሓባር ኮሚሽን ነቕውም ኣሎና። ናይ’ዚ ኮሚሽን ተግባር ድማ ኣብ መዳያት ትውፊት ቤተክርስትያን መጽናዕቲ ኣበው ሊጡርግያ ትምህርተ-መለኮት ታሪኽን፣ንግብራዊ ግድላትን ምላሽ ንምርካብ ንዚግበር ናይ ሓባር መጽናዕትን ምርምርን መሪሕ ምዃን እዩ።በዚ ሥሙር ምትሕብባር’ምበአር ብሓድሕዳዊ ምክብባር ነቲ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያናትና ዚረአ ህልው ፍልልያትን ግድላትን ክንፈትሖን ምስቲ ንጹሕን ቕኑዕን መልእኽቲ ጐይታ ብዚሰማማዕን፣ ንናይ ሎሚ ዓለምን ግድነታትን ተስፋታትን ብዚምልሽ ኣገባብ፣ ወንጌል ብሓባር ከነበሥርን ንኽእል። ምስ’ዚ ድማ ጻዕርታቶምን ናይ ሓባር ንጥፈታቶምን፡ ኣብዝን ካልእን ንዘወፍዩ ኻልኦት ካቶሊኽን ኦርቶዶክስን ምሁራት ወገናትን ጓሶት ነፍሳትን ምስጋናን እናገለጽና ኪቕጽልዎ ነተባብዖም።

ኣብ’ቲ ኡንኮ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዚህሉ ምትእምማን ዝተመርኰሰ ሓቀይና ፍቕሪ፣ ከምኡ’ውን ንናይ ነፍስወከፍ ትውፊት ዚህልወና  ሓድሕዳዊ ምክብባር፣ ፍጹም ሱታፌ-ኅብረት ንምጭባጥ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ፣ ኣገዳሲ ነጥቢ ምዃኑ ብቕኑዕ መንፈስ ደጊምና ነዛኻኽር።

ሓደስቲ ኣባላት ወይ  ሰዓብቲ ንምርካብ፣ ገለ ሰባት ዚፍጽምዎ ንኽርስትያናዊ ፍቕሪ ዚጻባእ ኣገባብን ብልሓትን፡ ናይ ኣእምሮ ኩነትን ኣብ መጎ’ተን ኣብያተ ክርስትያን ዚረአ ሃለዋትን፡ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ነቲ ካልእ ናባኻ ንምሕሳብ፣ ንኻልእ ማኅበራት ክርስትና ምህዋኽን ምርባሽን ዜስዕብ ኣገባብ ሃይማኖታዊ ምስዳዕ(proselytism)ኲሉ ብስም’ዛ ፍቕሪ’ዚኣ ነጺግናዮ ኣሎና፤ ከምኡዝበለ እንተ’ልዩ ካብ ሕጂ የቋርጽ።ካቶሊኽን ኦርቶዶክስን እምበኣር ፍቕሪ ከዕዝዙ፣ ኣብ ወገን ማኅበረሰባውን ትምህርታውን መዳያት፣ ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ትምሕብባርን ከማዕብሉን ከደልድሉን ይግባእ። ኣብ ቅድሚኡ ትሕት ኢሎም ከኣ፡ ነዚ ስራሕ’ዚ ባዕሉ ኣባና ንዝጀመረ ኣምላኽ ብምልማን፣ነዚ ሠናይ ተግባር ናብ ፍረ ከብጽሖ ኪምህለልዎ የድሊ።

በዚፍጻሜ’ዚ ገቢሩ ዘራኸበና ጐይታ፣ በኣኡ እናተሓጐስና ሓሳባትና ናብ ሥቓይ’ቶም ቤት ዘይብሎም ሲስደዱ ኣሽሓት ፍልስጥኤማውያን ይውንጨፍ። ኣብ’ዚ ኸባቢ’ዚ ንዚፍጸም ዝኾነ ይኹን ንፖለቲካዊ ዕላማ ዚውዕል ሃይማኖታዊ ኣገባብ ንቃወም። ኡነተይና ሰላም ምስ ፍትሒ ምእንቲ ኪነግሥ፣ እዚ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ግድላት ዚፍተሓሉ መንገዲ ኪርከብ፣ ብፍላይ እታ ብስብከትን ሞትን ትንሣኤን ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ከምኡ’ውን ብሕይወት’ታ ከም ጸዋሪተ-መለኮት እነኽብራ ብፅዕቲ ድንግል ማርያም ዝተባረኸት ምድሪ፣ ኡነተይና ሰላም ክትረክብ ንብህግን ነማዕዱን፣ ወሃብ ኲሉ ሠናያት ዝኾነ ኣምላኽ፣ ጸሎትና ይስመዓና፣ ጻዕርታትና ይባርኸልና።

ቫቲካን 10 ግንቦት 1973

(እዚ ዳሕረዋይ ናይ 1973 ሰነድ ካብ Enchiridion Vatcanum  

Documenti ufficiali 1971-1973  ዝተተርጐመ እዩ።)

 

 

ናይ መንበር ሮሜ  ፍራንቸስኮስ  || ናይ  መንበር እስክንድርያ  ታዋድሮስ   2ይ ||  ናይ መንበር ቊስጥንጥንያ  በርተሎሜዎስ 1ይ

 

ናይተን ዓበይቲ ኣብያተክርስትያናት  መናብር