ኑዛዜ ናይ እምነት ስጉምቲ


ኑዛዜ ናይ እምነት ስጉምቲኑዛዜ ናይ እምነት ስጉምቲ
“ኣብ’ዚ ጊዜና፣ ንሓደ ግዙፍ ‘ሱናሚ’ ዚመስል ‘መንፈሳዊ ሱናሚ’። ኣብ ውሽጢ ኣልባብ ደቂ ሰባት ተኸሲቱ ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ነውጺ’ዚ በቲ ሕሊና ደቂ ሰባት ትርጉም እናሰኣነ ዝኸይድ ዘሎ “ዝተፈላለየ ኃጢኣት” ዝኽሰት ዘሎ’ዩ፣ ሐደ ካብ ዓመተ እምነት ኣባና ገዲፍዎ ክሓልፍ ዝግብኦ ዘይሃስስ መልክት እምበኣር፡ ስንብራት ፍቕሪ ዝውታረ ‘ምስጢረ ንስሓ’ ክኸውን ይግባእ፣ ምስጢረ ንስሓ። 1ይ ጀረጃ ጉዕዞ እምነት ኩይኑ ነቲ በብእዋኑ። ብዝበልናዮ ‘መንፈሳዊ ሱናሚ`ዩ ካብ ኣልባብና ዝርሕቕ ጸጋ መቐረት ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ከም እንደገና ናብ’ቲ ግቡእ ቦታኡ ንመልሰሉ መጋበሪ’ዩ። ጥቕሚ ምስጢረ ንስሓ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ብጻይናን ይዓርቀና፣ ብሓጢኣትና ከም እንእመን ይገብረና፣ ንቅዱስ ቍርባን ብብቕዓት ክንቅበሎ የብቅዓና፣ ኣብ ሕይወትና ህላዌ እግዚኣብሔር ከምዝስምዓና ይገብር፣ ንፈተና ዝኾነ ኃጢኣት ተቢዕና ንቃወመሉ ጸጋ የውህበና፣ ሓጐስን ሰላምን ልቢ ከም ነስተማቕር ይገብረና፣ ኣብ ዝተፈላለየ ግብረ ጽድቂ ክንሳተፍ ወን የለዓዕለልና፣ ቅንኢ ሓዲሩና ክንሰብኽ ሓላፍነት የልብሰና”።
ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ሥላሴ