ብእምነት ምጽዳቕ


SAved by Faithኣስተምህሮ ብዛዕባ ብእምነት ምጽዳቕ

(ንባብ ሮሜ 3:21-31)

እናቴ ለተምሕረት ተስፋይ ( ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ሓና)

ጳውሎስ ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ክሳብታ ኣብ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝነበረላ ብሕጊ ንዝመጽአ ጽድቂ ኢንታ ዘይነበሮ ኢዩ ነይሩ።(ፊሊ.3:6) ካብ ኵሎም መሳትኡ ዚበልጽ ብዛዕባ ስርዓት ኣቦታቱ ኸኣ ቀናእ ምንባሩ ባዕሉ ይምስክሮ፣ ኣብ መንገዲ ደማስቆ ነቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ክርስቶስ ምስ ረኸበ ግን ሕይወቱ ክልውጥ ጀመረ - ነቲ ብሉጽ ገይሩ ዝኣምነሉ ዝነበረ ሕጊ ኣይሁድ ነቲ መዘና ዘይብሉ ፍልጠት ናይቲ ጐይታ ምስ ረኸበ ከም ጐሓፍ ቆጸሮ። (ፊሊ.3:8) በዚ ከኣ ጳውሎስ ካብቲ ብሕጊ ዝርከብ ጽድቂ በቲ ኣብ ክርስቶስ ዝተመስረተ እምነት ዝርከብ ጽድቂ ከም ዝበልጽ ይምስክር። ንክርስቶስ ከምቲ ኣብ ግራት ዝተሓብኤ ወርቂ ኩሉ ሸጥካ እተጥርዮ ምዃኑ ብሕይወት መስከረ። ጳውሎስ ምስ ክርስቶስ ዝነበሮ ርክብ ክምስክር እንከሎ፡ ክርስቶስ ሕይወቱ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ህልውናኡ ምኽንያት ምንባሩ ይገልጸልና። ምስኡ ክራከብ ንሞት ድማ ከም ረብሓ ይቆጽራን ይጽውዓን (ፊሊ.1:21) እዚ ኸኣ ንሕይወት ንዒቕዎ ዘይኮነስ - ክርስቶስ እቲ ክበጽሖ ዘለዎ እንኮ ዕላማ ምዃኑ ስለ ዝተረድኤን ዓስቢ እምነቱ ኣዚዩ ዓቢ ምኻኑ ስለዝኣመነን`ዩ። ከምቲ ሓደ ጐያያይ ኣብ ቅድድም ዘሎ ንቅድምኡ ጥራይ ዚጥምት ጳውሎስ ድማ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ጥራይ እዩ ዚጽዕርን ዚጎይን ዚነበረ፣ ምኽንያቱ ክርስቶስ - መበገስን ናይ መጨረሻን ዓላማኡን እዩ። ብሕይወት ክነብር እንተደለየ ምእንቲ ጠቕሚ ኣመንቲ ጥራይ ነበረ(2ቆሮ 11:28)። እቲ ጉያኡ ከኣ ምስቶም ኣመንቲ ሓቢሩ ምእንቲ ክጕዓዝ ቀስ ይብል ነበረ ኣብቲ ብሕጊ ሙሴ ክኸይድ እንከሎ ብዘይ ኢንታ ምንባሩ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዚምካሕ ዝነበረ ክርስቶስ ምስ ረኸበ ግን ንገዛእ ርእሱ ፍርዲ ክህብ ኣይከኣለን - እታ ሓንቲ ዘላቶ ምጕያይ ምዃና ጥራይ ኢዩ ዝፈልጥ። ነቱ ብኵልንትናኡ ናቱ ዝገበሮ ክርስቶስ፡ ጳውሎስ እውን ብወገኑ ናቱ ጥራይ ኪገብሮ ጽዓረ።(ፊሊ.3:12።

ኣብዘ ክልተ ናይ ሕይወት ተመክሮ ተመስሪቱ`ዩ -ብዛዕባ ጽድቂ ብእምነትዶ ሕጊ ብምሕላው ዝብል ትምህርቲ ዘመሓላልፍ ዘሎ። “ንሕና ዓለትና ኣይሁድ ኢና። ካብቶም ሓጥኣን ኣሕዛብ ኣይኮናን። ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር ሕጊ ብምፍጻም ከምዘይጸድቕ ከኣ ንፈልጥ ኢና፣ ንሕና’ውን ሕጊ ብምፍጻም ዘይኮነስ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ክንጸድቕ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመና። ከመይ ሕጊ ብምፍጻም ዚጸድቕ ሰብ የልቦን(ገላ 2:15-16)። ከምኡ ናብ ሰብ ሮሜ እንክጽሕፍ ኣስዒቡ “ኵሎም ስለ ዝሓጥኡን ካብ ክብሪ ኣምላኽ ስለ ዝረሓቑን በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ድሕነት ብኸምኡ - ብጸጋኡ ይጸድቁ፣ (ሮሜ. 3:23-24) ከመይ ሰብ ሕጊ ብምፍጻም ዘይኮነስ ብእምነት እዩ ዝጸድቕ ቁ. 28።

ሉተር ብእምነት ጥራይ ኢና ንጸድቕ ክብል እከሎ እንታይ ማለት እዩ? ሕጊ ኸ እንታይ ማለት`ዩ? ስራሓት ግብርታት ሕጊ ኸ? - ካብኡ ነጻ ምዃን ማለትከ እንታይ ማለት እዩ? ንጳውሎስ ሕጊ ማለት እቲ ኩሉ ሕጊ ሙሴን ስርዓት ኣቦታትን ካብ ዝለዓል ክሳብ ዝተሓተ ምሕላው ማለት እዩ። እዚ ዝኾነ ምኽንያት ብግዜ ናይ ግሪኻውያን ግዝኣት፥ ባህልን ሃይማኖትን ዝነግሰሉ ኣብ ዝነበረ እዋን- እሞ ኸኣ ነጻ ዝኾነ ኣምልኾ - ንእስራኤላውያን ኣብ ጸቢብ ከም ዝኣትዉ ገቢርዎም እዩ። እስራኤል በዚ ተጸልዩ - እቲ ናይ ኣቦታቱ እምነትን ባህልን ከጥፍእ ይጅምር፣ በዚ እቶም ሃይማኖቶምን ባህሎም ቀጥ ኣቢሎም ክሕልዉ ዝደልዩ - ሓደ መፈላለዪ መንደቕ ክሃንጹ ተረኽቡ። እዚ ከኣ ሕጊ ምሕላውን ነቲ ሓደ ኣምላኽ ንምምላኽን ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ የመልክት። እዚ ከይትጠፍእን ከይትጐድልን እግዚኣብሔር ከም ዝሓጸሮምን ካብ ወጻኢ ወላ ሓደ ክኣቱ ከምዘይክእልን ንሳቶም ድማ ካብቲ ሓጹር ክወጹ ከምዘይክእሉን እምነት ነበሮም። ጳውሎስን፥ እቶም ቀዳሞት ክርስትና ዝሰብኩ ዝነበሩ ነጻ ዝኾነ እምነት ማለት ክርስቶስ ኢዩ ዘድሕን ዝብል፥ ነቲ እምነት ኣቦታቱ ( ነቲ ንሱ ዝምክሓሉ ዝነበረ እምነት) ዚጻረር ኮይኑ ምስ ረኸቦ ንክርስትና ከሳድድ ጀመረ። ኣብ ደማስቆ ምስቲ ዝተንስኤ ክርስቶስ ምስ ተራኸበ ግን፣ እቲ ድሕነት ንእስራኤል ጥራይ ዘይኮነስ ንኩሉ ከም ዝተዋህበ እግዚኣብሔር ከኣ ናይ ኩሉ ሕዝቢ ዓለም ኣምላኽ ምዃኑ ተረድኤን ኣመነን። በዚ ከኣ እቲ ዝፈሊ ዝነበረ መንደቕ ፈሪሱ እስራኤላዊ ኮነ ኣረማዊ ብክርስቶስ ሓደ ኮይኑ እዩ። ንጳውሎስ፡ ጽድቂ፡ ሕጊ ብምሕላው ዘይኮነስ በቲ ሓደ ዋሕስ ናይ ጽድቂ ዝኾነ ክርስቶስ(ንኩሉ ሕዝብን ባህልን ዘድሕን)ጥራይ ምኻኑ ተገልጸሉ። ጻድቕ ምዃን ማለት ከኣ ምስ ክርስቶስ ምዃን ማለት እዩ። ካልእ ክንእዘዞ ዘሎና ሕጊ የብልናን እናበለ ድማ ይምህረና።

እታ ብእምነት እትርከብ ጽድቂ ክንብል እንከለና እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እያ (ገላ.5:14። ጳውሎስ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን ንሕጊ ከምእንፍጽማ ይምህረና። ብእምነት ምስ ክርስቶስ ሓድነት ብምፍጣር ፍቕሪ ይፍጠር ሕጊ ከኣ ይፍጸም። ምስቲ ፍቕሪ ዝኾነ ክርስቶስ ምስተራኸብና(ሓድነት ምስ ፈጠርና)ኢዩ ጽድቂ ዝርከብ። እዛ እምነት እዚኣ ኢያ ሓድነት ምስ ክርስቶስ እትፈጥረልናን ሕይወት እትህበናን ንዓኡ ከም እንመስል እትገብረናን። እታ እምነት ቅንዕቲ እንተደኣ ኮይና - ፍቕሪ ሕውነት ትኸውን። ምኽንያቱ ፍቕርን ናይ ፍቕሪ ስራሕን ዘይትፍጽም እምነት እንተኾይና ግን ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ ዝብሎ ምውቲ እያ።
ንሕና እምበኣር ካብ ስራሕና ጥራይ ፡ ክርስቶስን ጸጋኡን ዘይተሓወሶ ስራሕ ብምስራሕ፡ ክንድሕን ኣይንኽእልን ኢና። “ኣብ ክርስቶስ እንተደኣ ኣሊና፣ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበኣር ግዝረት ኮነ ዘይግዝረት ጥቕሚ የብሉን (ገላ.5:6)።

ናይ ሥጋ ስራሓት ወይ ግብረ ሥጋ ኣለዉ ንሱ ኸኣ ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ዝርጋን፡ ኣምልኾ ጣዖት ፡ጥንቍልና፡ ጽልኢ ፡ ባእሲ፡ ስኽራን፡ ገዛእ ርእስኻ ምፍታው ወዘተ. ። እዚኦም ኣንጻር እምነት ኢዮም። ብእምነት ብዝርከብ ሓይሊ - መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘሎና ንሕይወት ክርስትና ዝምግቡ ፍቕሪ - ሓጐስ፡ ሰላም፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ትሕትና፡ ብዘተ ኣብ እምነት ዝዕንብቡ እዮም (ገላ.5:19-22)
ካብ ፍቕሪ ኣቦን ወልድን ጥራይ እዩ ካብ መዓሙቕ ወይ መሰረቱ ክልውጠና ዝኽእል፣ እቶም ኣመንቲ ኣብ ፍቕሪ ሓድሕድ ጥራይ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣቦን ወልድን ሥጋ ክለብስ ከም ዝኽእል ዚፈልጡ። እምበኣርከስ ፡ ጽድቂ፡ ኣብታ ኣብ ክርስቶስ ዘላትና እምነት ጥራይ እያ እትርከብ።

በዚ ነጻ ዝኾነ ህያብ እምነት ኢና ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ምእንቲ ኣሕዋትና እንስዋዕ፣ ኣብ መጨረሻ ፍርዲ ከኣ በዚ ኢና እንሕተት። “ጠምየ ነይረ ኣብሊዕኩምኒ፣ ጸሚኤ ነይረ ኣስቲኹምኒ ወዘተ” ምኽንያቱ ፍቕሪ ናይ ኩሉ ሰናይ ስራሕ ወይ ተግባራትና ፍጻሜ እያ። “ቋንቋታት መላእኽትን ሰብን እንተ ዝኽእል ፍቕሪ ግን እንተ ዘይብለይ - ከም ጭልጭል ዝብል ኣስራዚ ምኰንኩ። ፍቕሪ ዓቓል እያ - ዘይናታ ኣይትደልን፣ ኣይትቀንእን፣ ኣይትሕበንን፣ ኣይትዕበን፣ ፍቅሪ ስዲ ኣይኮነትን ንዓይ ይጥዓመኒ ብዝብል ኣይትምራሕን” (1ቆሮ 13:1) ክርስትያናዊ ፍቕሪ - ካብቲ ብኩሉ ሙሉእ ዝኾነ ፍቕሪ ክርስቶስ ስለ ዝምንጭን ዝብገስን ከቢድ ስራሕ ዝሓትት እዩ። ፍቕሪ ክርስቶስ፡ ይጽውዕ ይቕበል-ይሓቍፍ የበርዕ - ኵልንትናና ንዓና ዘይኮነስ ንክርስቶስን ንሰብን ከም እንሰርሕ እንነብርን ይገብረና።

ሓደስቲ ፍጥረት ገይሩ ኣባል ናይታ ምስጢራዊት ኣካሉ ዝኾነት ቤተክርስትያን ከኣ ይገብረና። ጳውሎስ እምበኣር ብዛዕባቲ ጽድቂ ብእምነት ክብል እንከሎ፡ ካብ ሓደ ዘይጭቡጥ ስነሓሳብ ነቂሉ ዘይኮነስ ካብታ ናይ ክርስቶስ ሕይወት ኣብ ሕይወት ኣማናይ ከም ዝድገም እትገብር እምነት እያ። ኣብ ዝሓለፈ ኮነ ኣብ ዘለናዮ ዘመን፡ መልእኽቲታት ጳውሎስን ያዕቆብን ከም ተጻረርቲ እየን ዝርኣያ ዝነበራ። ቅዱስ ያዕቆብ “ከምቲ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ዝኾነ ከምኡ እምነት ብዘይግብሪ ምውቲ እያ (ያዕ.2:26) ክብል እንከሎ ጳውሎስ ብወገኑ እታ ብፍቕሪ እትዓዪ እምነት ኢዩ ዝብል። ስለዚ እታ እምነት እትዓዪ እምነትን ህያብ እግዚኣብሔር ኮይና ከኣ እተድሕንን እያ። ድሕነት ከኣ ካብ ክርስቶስ ኢና ተቐቢልናዮ -
“ብፍርሓትን ራዕድን ምእንቲ ናይ ገዛእ ርእስኹም ድሕነት ስርሑ። ከመይ ነቲ ኣምላኽ ብፍቕሩ ዝመደቦ ምእንቲ ክትደልዩን ክትገብሩን ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ኣባኻትኩም ዝዓዪ (ፊሊ.2:12-13) ኣብ ፍቕሪ ዘይተመስረቱ እምነት ጐዳኢ እዩ። ኣሚንካ ነቲ ኣባል ቤተክርስትያን ዝኾነ ዘይተማዕዱ ዘይትግደስ እንተደኣ ኮንካ - ኣብ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዘድሃበ ብሰብኣዊ ዝኾነ እምነት ጥራይ ኢኻ እትነብር ዘሎኻ ማለት እዩ። ኣመንቲ ግን ብክርስቶስ ዝተረኽበ ጽድቂ ለቢሶም ክኸዱ እንከለዉ - ንገዛእ ርእሶም ኣይኮኑን ዝነብሩ እንታይ ድኣ ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስ ብምዃን - ናብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝመርሖም ነገራት እናፈጸሙ ንእግዚኣብሔር ክብሪ እዮም ዚነብሩ። ኣብ ሥጋና ንእግዚኣብሔር ክብሪ እንተደኣ ዘይሂብና ነቲ ሥጋና ብምልባስ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ኮንቱ ምገበርናዮ ነይርና። “እምበኣር ኣሕዋተይ ሰብነትኩም ሕያውን ቅዱስን ባህ ዘብልን መስዋዕቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፣ ብምሕረት ኣምላኽ እልምነኩም ኣሎኹ (ሮሜ.12:1)
ንእግዚኣብሔር ጥራይ ዘተኮረ መስዋዕቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣሕዋት ዘይውዕል እንተ ኮይኑ ንምንታይ ይጠቅም? እምነት ብናይ ፍቕሪ ግብርታት/ስራሓት ክትግለጽ ኣለዋ። እቲ ንሕና ከም ኣመንቲ ክንፍጽሞ ዘሎና ካብ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ፍልጠትን ፍቕርን ዕርክነትን ዝመጸ ክኸውን ኣለዎ። ካብዚ ከምዚ ዝበለ ሕይወት ክፈልየና ዝኽእል ወላ ሓደ የለን። ኣብዚ ሓቂ ተመስሪትና ንንበርን ንስራሕን እግዚኣብሔር ከኣ ኪጓስየና እዩ።