ብርሃን እምነት


ብርሃን እምነትብርሃን ምነት

“ንሕይወትና ዝጸልዋ ክልተ ሓያላት ቃላት ኣለዋ፣ ድሙቕ ብርሃንን ድቕድቕ ጸልማትን እየን፣ ኣበይ ኣሎና? እቲ ብርሃን እምነት ዘብሎ ዘሎ ምኽንያት እቲ ዝእመን ዘሎ ብርሃን ስለዝኾነ እዩ፣ ጸሓይ ካብ ላዕሊ በሪቑ ክበጽሓና እዩ፣ (ሉቃ።1።67) ግዜ ልደት ግዜ ጸሓይ ብራቕ እዩ። ወላ’ካ ሎሚ ምሸት ምድረ-ሰማይ እንተጸልመተ። ጽባሕ ንጋሆ ምውጋሑ ኣይተርፎን እዩ፣ እተን ዝኸፍኣ ክፍሊ ናይ ጉዕዞ ሕይወትና ከኣ እዘን ዝስዕባ እየን፣ ጸልማት ካባና ምኻድ ክኣብየና እንከሎ ሞት ክትድንጉየና እንከላ በይንኻ ክትተርፍ ከሎኻ ካብ እግዚኣብሔር ተፈሊኻ ብዘይ እምነት ኣምላኽ ብሸለልትነት ክትነብር ከሎኻ እየን፣ እምነት እንተላትና ከኣ ንበይና ከይነትርፋ ምጥንቃቕ፣ ናይ እምነትና ካልኣይ ገጻ ተግባር እዩ፣ (ያዕ. 1፡22, 2፡14-ፍ)።

እዛ  እምነትና እንታይ ኢያ  ትሓተና? ክንኣምን፡ ክነፍቅር፡ ክንምሕር፡ ፈሪሓ እግዚኣብሔር ክነሕድር፡ እግዚኣብሔር ንዝብሎ  ጽን  ኢልና  ክንሰምዕን  ክንትግብሮን ክንእዘዝን፡ ቅዱሳት ምሥጢራት ክንሳተፍን፡ ንዝጸልመቶ ክነብርህን ነታ ዝተቐበልናያ ብርሃን ናብ  ካልእ ክነባጽሕን (ስብከተ ወንጌል ምፍጻም) እዩ”።

ኣባ ኃይለ ተስፋማርያም