ብሩራዊ ኢዮቤል ክህነት – ኣባ ከሰተ ገ/ዮሓንስ


ብሩራዊ ኢዮቤል ክህነት
ህየንተ ጳጳስን ቆሞስ ርእሰ ኣድባራት፣ ኪዳነ ምሕረትን ክቡር ኣባ ከሰተ ገ/ዮሓንስ ብዕለት 29 ሓምለ 2017 ዓ.ም ናይ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤል ብብፁዕ ሊቀጳጳትን ብዙሓት ካህናት ምእመናንን ቤተሰብን ተሰንዮም ብመስዋዕተ ምስጋና፣ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነምሕረት ኣብዒሎም።

ኣብዚ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ድሕሪ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ሎሚ ክቡር ኣባ ከሰተ ምስ ሓምሻይ ርእሶም (ብጾቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዘሎዉ) ክህነት ዝተቐበልሉ መበል 25 ዓመት ክዝክሩን ከመስግኑን ከለዉ ምሳይ ሓቢርኩም ንኣምላኽ ኣመስግኑ ስለዝበሉና ኢና ኣብዚ እንርከብ ዘሎና’ሞ በቲ ኩሉ ኣምላኽ ዝገበረሎም ምስኦም ኮይና “ተዓብዮ ነፍስየ” ቢልና እናመስገና ንክህነቶም ባሪኹ፣ ኣብ ኩሉ ተልእኮም ከሰንዮም ኃይልን ክእለትን ክህቦም ንጸልየሎም ኢሎም።

ቀጺሎም ከኣ በዓለ ቅ.ገብርኤል ብምንባሩ፣ እቲ ሰላምታ ቅ.ገብርኤል ናብ እግዚእትነ ማርያምን ምብጻሕ እግዚእንትነ ማርያም ናብ ቅ.ኤልሳቤጥን ጠቒሶም፣ እግዚእትነ ማርያም መድኃኔ ዓለም ኣብ ከርሳ ምስ ሓደረ ክትዕድሎ ጀመረት፣ ከተበሢር ጀመረት፣ ካህን ከኣ ከም እግዚእትነ ማርያም “ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” ምስ በለ ናቱ ኣይኮነን። ናይ ወንጌል፣ ናይ ቤተክርስቲያን፣ ናይ ሕዝቢ ኢዩ። ካህን ነቲ ኢየሱስ “ክስዕበኒ ዝደሊ ነፍሱ ይመንን፣ መስቀሉ ኣልዓሉ ድማ ይስዓበኒ” ዝበሎ ምስ ተቐበለ ካብታ ክህነት ዝተቐበለላ ጀሚሩ ንክርስቶስ ከፍልጥ፣ ምስ ሰባት ክራክብ፣ ምስጢራት ክዕድል፣ ነቶም ዝረሓቁ ከቕርብ፣ ቃል ሕይወት፣ ቃል ድኅነት ክዕድል ዝተጸውዐ ኢዩ፣ ኢሎም። ንኣባ ከሰተ እንቛዕ ኣብዚ ኣብቅዓኩም ንወርቃዊ ኢዮቤል ከኣ የብቅዕኩም ብምባል ሰብከቶም ዛዘሙ።

ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ከኣ ክቡር ኣባ ከሰተ ነቶም ብ12 ሓምለ 1992 ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ ክህነት ዝተቐበሉ ብጾቶም ኣባ በይን ገብሩ (ካህን ሰበኻ) ኣባ ተኽለማርያም ገ/ሚካኤል፣ ኣባ ዘርኣያቆብ ዑ/ሚካኤል ኣባ ሃይለሥላሴ በየነን(ማ.ን.ኣ ካፑቺኒ) ንዝሐለፈ ጉዕዞ 25 ዓመተን ዘኺሮም፣ ካብ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ጀሚሮም ምስኦም ሓቢሮም ንኣምላኽ ዘመስገኑ ካህናትን ደናግልን ምእመናናን ኣመስጊኖም።
ክቡር ኣባ ከሰተ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብቲ ቤተክርስቲያን ዝመዘዘቶም ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ማለት፣ ቆሞስ፣ ጸሓፊ ጳጳስ፣ ሓለቓ ዓበይ ዘርኣክህነት፣ ዋና ጸሓፊ ካ.ቤ.ር.ኤ.ኣ፣ መምህር ሕገ-ቆኖና ወዘተ… ኮይኖም ዘገልግሉ ወፉይን ምቕሉልን ካህን ኢዮም።
ይትባረክኢየሱስክርስቶስ!!
ግርማይኣስፍሃ