ቡራኬ ሓዳስ ቤተክርስቲያን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ደቀምሓረ


ቡራኬ ሓዳስ ቤተክርስቲያን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ደቀምሓረ

ሰንበት 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም ክትሕነጽ ትሽዓተ ዓመት ዝወሰደት ሓዳስ፣ ገፋሕን ውቅብትን ቤተክርስርቲያን ደብረ ኪዳነምሕረት ደቀምሓረ፣ ብዙሓት ውሉደ ክህነት ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት ከተማ ደቀምሓረ፣ ደናግል፣ ካብ ከተማታትን ከባቢ ዓድታት ጽንዓደግለ፣ ሓደግትን እንጋነኣን ዝመጸ ብዙሕ ሕዝብን ኣመሓደርቲ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፣ ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ብብፁዓን ጳጳሳት ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራን ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይትን ሥርዓት ቡራኬ ሓዲስ ሕንጻ ተፈጺሙላን ብዓቢይን ድሙቕን በዓል ተጸንቢላን፣፣

ብድሮ እቲ ጽንብል፣ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ቤተክህነትን ሊቃውንቲ ያሬዳውያን መዘምራንን ‘‘ሓነጽዋ ወሳረርዋ ለቤተክርስትያን ከመ ትኩን ኣርዓያ ዘበሰማያት፡ ወከመ ትኩን ምሥትስራዬ ኃጢኣት፣ ዳዊትኒ ይቤ ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም። እናበሉ ነቲ ዕለትን ነቲ ሓዲስ ሕንጻን ዝምልከት ቅኔታት እናፍሰሱ፣ ናይ ምስጋና ድሙቕ ዋዜማ ኣምስዩ፣ ለይቲውን ብማኅሌት ዘሌሊት ምስጋናኦም ቀጺሎም፣፣ ንግሆ ብፁዓን ጳጳሳት፣ ብቤተክህነትን ምእመናንን ተሰንዮም፣ እቲ ምእመናን ምስጢራት ኪቕበልሉ፣ ሥርዓተ ኣምልኾ ክፍጽምሉ፣ ብሓብር ክጽልይሉ፣ ሕንጻ መንፈስ ቅዱስ ኪኸውን ብኸቢድ ጻዕርን ትግሃትን ዝተሓንጸ ሓዲስ ቤተክርስቲያን፣ መንበረ ታቦትን ሓዲስ ሕንጻ ብኹሉ መዓዝኑን ብደገን ብውሽጥን እናባረኹን ብቕብኣ ቅዱስ እናቐብኡን ጸሎትን ሥርዓተ ቡራኬን ፈጺሞምሉ፣፣ ሲዒቡ ከኣ ብፁዓን ጳጳሳት ምስ 20 ለባስያን ካህናት ዝመርሕዎ፣ እቲ ሓዲስ ቤተክርስቲያን ብሰብ ከተማን ገጠርን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዓለማውያን ምእመናንን መሊኡ መስዋዕተ ቅዳሴ ብኅባሬ እንኪዓርግ፣ ድሕሪ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ “ክቡራት ምእመናን እንሆ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ብስም እኖና ኪዳነምሕረት እተስምየ ቤት መቕደስ ኣምላኽ፣ ብውሕሉል ኣገባብ ተሃኒጻ፣ ከቢድ ወጻኢ ተጌሩላ፣ ብኃይሊ ኣምላኽ ኣብ ፍጻሜ በጺሐ፣ ትጽምበል ኣላ። እዚ ንምርኣይ ዘብቀዓና እግዚኣብሔር ምስጋና ይኩኖ። እዚ ክውን ንምግባር ዝጸዓርኩምን ዝደከምኩምን ኩልኹም፣ ሊቀጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፣ ቆሞሳት፣ ሽማግለታት፣ ቁምስና፣ ደብረ ኪዳነምሕረት ደቀምሓረ፣ ገበርቲ ሰናይ፣ ብገንዘብ፣ ሞያ፣ ብጉልበት ብሓሳብ፣ ጸሎት፣ ዘበርከትኩም መፍቀርቲ እኖና ኪዳነ ምሕረት ኩልኩም እንቛዕ ኣሞጎሰኩም” ቢሎም፣ ናይ ዕለቱ ቃለ እግዚኣብሔር ከስምዑ፣ ንብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ዓደሙ። ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ከኣ ነዚ ዚስዕብ ሰብከት ኣስምዑ “ኣይብኃይልናን ብኃይሊ ኣምላኽን ብኃይሊ እታ ኣደ ምሕረትን፣ እንሆ (ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት) ሓዲስ ሕንጻ ቤተክርስትያን ተዛዚሙስ ንጽምብል በቒዑ ይርከብ። ስለዚ ኃቢርና ነቲ ኣጀሚሩ ዘፈጸመና ልዑል ኣምላኽ ነመስግኖ።

ሕንጻ ቤተክርስትያን፡ ከምስሙ፡ ናይ ምእመናን፡ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ቤት ማለት እዩ። ኣብዚ ቤት እዚ ዝእክቦምን ዝረኽቦምን ግን ባዕሉ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ብቅንዕናን ብትሕትናን ንቤተክርስትያን እንተ ተጋሲሶም ብቃሉን ብሥጋኡን ደሙን እንዳመገበ ምሕረትን ድኅነትን ከምዝረኽቡ ይገብር። “ንስኻትኩም ግና ዕብየት ናይቲ ካብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ክትነግሩ ኅሩይ ወለዶ፡ ናይ ንጉሥ ካህናት፡ ቅዱስ ሕዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝኾነ ሕዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ሕዝቢ ኣይነበርኩምን፣ ሕጂ ግና ሕዝቢ ኣምላኽ ኢኹም። ቀደም ምሕረት ኣይረኸብኩምን ነበርኩም፣ ሕጂ ግና ተማሒርኩም ኢኹም” (1ጴጥ 2፡9-10)። መዝሙር ዘሕንጼሃ ከምዝብሎ ንቤተክርስትያን “ሣረራ ኣብ፣ ሓነጻ ወልድ፣ ወፈጸማ መንፈስ ቅዱስ”፣ ንቤተክርስትያን እግዚኣብሔር ኣቦ ይሰርሓ፡ እግዚኣብሔር ወልድ ይሓንጻ፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ይፍጽማ። ስለዚ ነቲ እንነብረሉ ቤትን ከባብን ሓዲግና ናብ ቤት እግዚኣብሔርን ቤትናን ክንከይድ ከሎና ዓብይ ናይ እምነት ስራሕ ኢና እንገብር። ከምቲ መጽሓፈ ቅዳሴና ዝብሎ፣ “ኦ ጐይታ መዘከርታ ሕማማትካ ክንገብርን፡ ኣብ ትንሣኤኻውን ክንካፈልን ዝተኣኻኸብና፣ ንሕናውን ኦ ጐይታ ኣምላኽና ንልምነካ ኣሎና። እዛ ኅብስቲ እዚኣ ኣብ ማእከል እምባን ኲርባን ኣብ በረኻን ቆላን ዝተበተነት ክነሳ ተኣኪባ ሓንቲ ፍጽምቲ ኅብስቲ ከም ዝኾነት፣ ከምኡ ከኣ ንኣና ካብ ኲሉ ኃጢኣትን እኲይ ኅሊናን ኣንጺሕካ ናብ ፍጹም እምነትካ ብመለኮትካ ኣክበና” (ቅዳሴ ዮሓንስ ወልደ ነጐድጓድ) እናበልና ነቲ ፍልልይና ዘይኮነ ነቲ ብክርስቶስ እንረኽቦ ሓድነት ነደልድልን ንቤት እግዚኣብሔር ንሓንጽን ኣሎና ማለት እዩ።
ከምቲ ኣብ ሥርዓት ቡራኬ ሓዲስ ሕንጻ ቤተክርስትያን ዝብሎ፡ እቲ ዝባረኽ መንበረ ታቦት “ንዝተጨነቓ ነፍሳት ጸግዒ፡ ንዂሉ ሓሳብን ግብርን ዝመርሕ፡ ካብቲ ብፍቓድናን ብዘይፍቓድናን እንገብሮ ኃጢኣት ዘንጽሕ፡ ካብ ጽልመት ኅሊና ነጻ ዝውጽእ፡ ንኲሉ ሰብ ዝሓሊ፡ ንኲሎም ጻድቃን ምልኣት ዝህብ፡ ታቦት እዩ” (ቡራኬ ሓዲስ መንበረ ታቦት)። እምበኣር ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ነቢይ “ቤተይሲ ንኲሎም ኣሕዛብ ቤት ጸሎት ተባሂሉ ኪስመ እዩ” (ኢሳ 56፡7) ንዝበሎ ቃል ዘኪርና ነዛ ሓዳስ ሕንጻ ቤተክርስትያንና፣ ቤት ጸሎትን ቤት ምህልላን፣ ቤት ዕርቅን ቤት ንስሓን፣ ቤት ንጽሕናን ቤት በረኸትን፣ ምእንቲ ክትኮነልና ነፍስ ወከፍና ብትግሃት ብእምነት ብኅብረት ንጠቐመላ ንከናኸና ንሸልማ። በዚ ከኣ ብኣማላድነት ኣዴና ኪዳነ ምሕረት እግዚኣብሔር ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ከፍስሰልና እዩ። ንሕንጻ ቤተክርስትያን ዘገርሞ ሕዝበ እግዚኣብሔር ክመልኦን ከምልኸሉን ክምህለለሉን ከሎ እዩ እሞ ኩልኹም “ተፈሳሕኩ እስመ ይቤሉኒ ቤተ እግዚኣብሔር ንሓውር” ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንከይድ ኣሎና ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ፥ ኦኢየሩሳሌም እንሆ መጺእና ኣብ ደገታትኪ ደው ኢልና ኣሎና”(መዝ 122፡1-2) እናበልኩም ናብኣ ተቐዳደሙ። እታ ኣደ ምሕረት ከኣ ወትሩ ኢዳ ዘርጊሓ ክትቅበለኩም እያ” ኢሎም ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንኩሎም ብጉልበት ብንዋትን ብሞያን ዘበርከቱ በብሓደ ኣመስጊኖም። ቅዳሴ ቀጺሉ።
በዚ እቲ ናይ ቤተክርስቲያን መደብ ኣብቂዑ፣ ተሳታፊ ጽንብል ኩሉ ንኣጋይሹ ዓጂቡ፣ እናዘመረን እናተሐጎሰን ናብቲ ነቲ በዓል ዝተሰናደወ ስሉም ኣዳራሽ ኣምርሐ፣፣ ኣብኡ ከኣ ኩሉ ተሳታፊ በዓል ብሓልዮት ቁምስና ዝተሰናደወ ብምዕሩግን ሓናጽን ኣገባብ ኩሉ ዘድሊ ዝተቀረበሉ ጥዑም ሺሻይ ተሳሰየ፣፣ ኣብቲ ኣዝዩ ሕጉስ ሓዋህው ኣባላት ክልቲኡ ሃይማኖታት ክርስትናን ምስልምናን እንኪሳተፉ፣ ዕዱማት በቲ ኩሉ ኣገባብ ሓጎሶም ገሊጾም፣ ብሓድነትን ብፍቕርን ብምክብባርን ክንነብር ብምልባው ቃል ሓጎሶም ገሊጾምን ህያቦም ኣወፍዮምን፣፣ ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ከም መዛዘሚ ኣብ ዝሃብዎ ለበዋ እዚ ሕንጻ’ዚ ብእምንን ሸመንቶን ዝተሃንጸ ቤት ኣምላኽ ኢዩ።እቲ ቀንዲ ኣምላኽ ዝሃነጾ ሕንጻ ግን ንሕና ኢና’ሞ፣ ነዚ ሕንጻ ናይ ኣምላኽ ዝኾነ ሕይወትና ብንጽሕና ንሓልዎ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ቆሞስ ክቡር ኣባ መብራህቱ የማነ ንኩሎም ተሳተፍቲ ኣመስጊኖም፤ ንኩሎም እቶም ኣብ ምሕናጽ እዚ ደብሪ ዝተዋስኡን ዘበርክቱን ብፍላይ ንናይ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ተበግሶን ጻዕርን ኣሞጉሶም፣ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብንዋት ብጉልበት፣ ብገንዘብ፣ ብጸሎት ዝሓገዙ ንኩሎም በብሐደ ኣመስጊኖም፣፣ በዚ ከኣ እቲ ምዕሩዕ ጽንብል ብሓጎስ ተፈጺሙ፣ ተሳታፊ ብሰላም ነናብ ቦታኡ ተመልሰ፣፣
ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ!!
ግርማይ ኣስፍሃ

ምስቲ ጽንብል ኣተሓሒዞም ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ኣስምዑ፣፣ ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም፣ ቤትእግዚኣብሔር ደብረ ኪዳነምሕረት ንምህናጽ ኣጀሚሩ ንዘፈጸመ ንኹልኹም ኣብ ምህናጽ ዝተዋሳእኩምን ዝጸዓርኩምን ዝደኸምኩምን ሓይልን ክእለትን ዝሃበ ልዑል እግዚኣብሔር ምስጋና ይኹኖ፣ቢሎም ድሕሪ ኣመስጊኖም፣፣ ብስም ኪዳነምሕረት ዝተሰምየ ህንጻ ቤት መቕደስ ናይታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ተምሳሌት ኮይና፡ ሰማይን ምድርን ዘተዓርቕ መስዋእቲ ድኅነት ዝዓርገላ፡ ምእመናን ኩሉ ግዜ ካብ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጸጋ እንቕበለላ፡ ኅድገት ኃጢኣት እንረኽበላ ማለት እንንስሓላ፡ ቃል እግዚኣብሔር እንሰምዓላ፡ ምግቢ ሕይወት ሥጋን ደምን ክርስቶስ እንምገበላ፡ ምእመናን ሓቢርና ናብ ኣምላኽና እነምልኸላን እንጽልየላን፡ምሥጢራት እንዕደለላ፡ናይ ፍቕርን ሰላምን ህንጻ እያ።ብምባል ካብ ቅዱስ መጽሓፍ እናጠቐሱ ንዕላማን ክብርን ቤተመቅደስ ገለጹ፣፣

ናብ ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ተመሊሶም ብፁዕ ጳጳስ እቲ “ሰላም ንኣካትኩም ይኹን ዝብል ናይ ትንሣኤ ክርስቶስ ብሥራት ጠቒሶም፣ ከምቲ ቤተክርስትያና ከምብሓድሽ ዝተሃንጸት፡ ንሕና እውን ብኹሉንትናና ክንሕደስን ክንልወጥን የድልየና። እግዚኣብሔር ዝሃነጻ ህንጻ ቤት መቕደሱ ንሕና ስለዝኾንና፣ እዚ ቅዱስ ቤት መቕደስ ከይረስሕ ክንጥንቀቐሉ ሕድሪ ኣሎና። ምእንቲ እዚ ቂመ በቀል ኣወጊድና፣ ጽልኢ ኣርሒቅና ብፍቕርን ብዕርቅን ብስኒትን ንንበር፣ ክብሉ ኖላዊ ቃሎም ኣስሚዖም፣፣

ኣብ መወዳእታ ከኣ ነዛ ቤት እግዚኣብሔር ንምህናጽ ዝሓለኑን ንኽትፍጸም ዝጸዓሩን ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ምስኦም ዝደኸሙን ንኹሎም ገበርቲ ሰናይ ብገንዘብ ዝሓገዙን ቆሞስ ኣባ መብራህቱ የማነ ምስ ሽማግለታትን ኩሉኹም ምእመናን እንቋዕ ኣሞገሰኩም ነቲ ዝገበርኩምዎ ኩሉ እግዚኣብሔር ይጻሙኹም፡ እኖና ኪዳነ ምሕረት ትርዳእኩም። ቢሎም ስብከቶም ዛዘሙ፣፣

ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ከኣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ እንቋዕ ነቲ ካብ ነዊኅ ዓመታት ሃረር ክትብልዎ ዝጸናሕኩም ጽንብል ሓዳስ ቤተ ክርስትያን ኣርኣየኩም ድሕሪ ቢሎም ሓንቲ ቤተክርስትያን፡ ከምቲ ስማ፡ቤት ክርስቶሳውያን ኣመንቲ፡ ቤት ኣምልኾ፡ ቤት ጸሎት፡ ቤት ምስጋና፡
ቤት ንስሓን ዕርቅን፡ ቤት ፍቕርን ኅውነትን እያ።
እቲ ጸሎታት ቡራኬ ሓዳስ ቤተ ክርስትያንውን ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዘንጸባርቕ እሞ ብዓብይ እምነትን መንፈሳውነትን ክንሳተፎ ይግባእ፡ ንቤተ ክርስትያንና ብክብርን መንፈሳዊ ቅንኣትን ክንሕልዋን ክንከናኸናን የድሊ። እዛ ውቅብቲ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ፍረ ናይ ውሁድ ጻዕርን ኣብነታዊ ምትሕብባርን እያ ክበሃል ይከኣል፡ ምእመናን ብወገንኩም እትኽእልዎ ከምእትገብሩ ምስ ኣረጋገጽኩምኒ ኣነ ከኣ ብወገነይ ዝከኣለኒ ከምዝገብር ቃል ኣቲወልኩም። ሽሕኳ ኣብ ስራሕ ዝተፈላለየ ጸገማትን ምድንጓይን እንተጋጠመና ኣብ መጨረስትኡ ግና፡ ኣይብኃይልናን ብኃይሊ ኣምላኽ፡ ከምቲ ዝበልናዮ ኣብ ቃልና ጸኒዕና ኣብ መፈጸምታ ክንበጽሕ ምኽኣልና ንእግዚኣብሔርን ንእኖና ኪዳነ ምሕረትን ብልቢ ከነመስግን ግቡእ እዩ። ኣብዚ፡ ብፍሉይ ክምስገኑ ዘለዎም ሰባትውን ኣለው፡ ብወገን ቊምስና ካብ መጀመርያ ክሳዕ መፈጸምታ፡ ምስ መንበረ ጵጵስና ዘበኣሥመራን፡ ምስ ኣብ ዓድን

ኣብ ከተማን ኣብ ወጻእን ዝርከቡ ምእመናን ኣብ ምትሕብባር ዝተግሁን ብፍሉይ ትግሃትን ተወፋይነትን ዝጸዓሩ፣ ክቡር ቆሞስ ኣባ መብራህቱ የማነ ዘማኅበረ ልኡካን ምስ ክቡራን ኣባላት ቤት ምኽሪ ቊምስና ኪዳነ ምሕረት ዓላ እዮም፣፣ ኣብ መጨረሽታ፡ ደጊመ ደጋጊመ፡ ንብፁዕ ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስን፡ ንመላእ ሰበኻ ዘመንበረ ሰገነይትን እውን እንቋዕ ነዚ ኣርኣየና ክብል እፈቱ። ነፍሳት ብቑዕ ጒስነት ዝረኽባሉን ዝቕደሳሉን ቤተ መቕደስ ይግበሮ። ክብርን ምስጋናን ንልዑል እግዚኣብሔር ይኹን፡ ኣሜን፡ ብምባል ንኹሎም ተሓባበርቲ’ውን ቃለ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።