ቅ.ጳውሎስ ቅድሚ ናብ ክርስትና ምእታዉ


The-Early-Life-of-St.-Paulኣብዚ ናይ ክልተ ሺሕ ልደት ጳውሎስ እነብዕለሉ ጊዜ፤ መን እዩ ጳውሎስ? እንታይከ ይብለኒ? ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ኢዩ፣፣ ንሱ ይብሉና ር.ሊ.ጳ.በነዲክቱስ 16 ሓዋርያን ሰራቒ ክርስቶስን መምህር ኣሕዛብን መምህርናን ኢዩ፣፣ ኣብ ስነ ሓሳብ ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ ኣብ ልቡ ዝተመኮሮ ፍቕሪ ክርስቶስ ዘንጸባርቕ ዓሙቕ እምነት፤ ንሰይፊ ቃል ኣምላኽ ኣልዒሉ ዚዋጋእ (1ጢሞ 2፣2.5) ምእንተኣ ዝስዋዕን ሰብ እዩ፣፣ ንሱ ይብሉና ቀጺሎም ብናይ ክርስቶስ ፍቅሪ ዓይኑ ንሓቅን ንመንገዲ ሕይወትን ዝከፈተ፤ ብመንገዲ ፍቅርን ሓቅን ዝጕዓዝ ኢዩ፣፣ ንወንገል ክርስቶስ ዝተቓለስን ዝተሳቀየን እዩ ይብሉና፣፣

ታሪኽ ጳውሎስ ካብ ግብሪ ሓዋርያትን መልእኽቱን ኢና ክንረኽቦ እንክእል፣፣ ንመጀመርያ ንእስጢፋኖስ ካብታ ከተማ ኣውጺኦም ብዳርባ እምኒ ክቀትልዎ እንከለዉ፣ እቶም ምሰኻክር ክዳውንቶም ኣብ ጥቃ ኣእጋር ሳውል ዝበሃል ጎቦዝ ኣንበሩ (ግ.ሓ.7፣58) ብምባል ኢዩ ዚጠቕሶ፣፣ ሳውል እምበኣር ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ሰሚሩ ከም ዝነበረ ይሕብር፣፣ ቀጺሉ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ብርቱዕ ስደት ከም ዝተላዕለ ይነግር፣፣ ብዘይካ ሓዋርያት ከኣ ኵሎም ኣመንቲ ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ፣፣ እግዚኣብሔር ዝፈርሑ ሰባት ድማ ንእስጢፋኖስ ቀበርዎ፣ ... ሳውል ግና ነታ ቤተ ክርስትያን ከጥፍኣ ተላዕለ፣፣ ገዛ ገዛ እናኸደ ከኣ፣ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ፣፣ (ግ.ሓዋርያት 8፣1-3) እናበለ ከመይ ጌይሩ እግዚኣብሔር ኣብ መደብ ድሕነቱ ከም ዝጸወዖ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ምዕራፍ 9 የዘንቱ፣፣

ሉቃስ ንጳውሎስ ካብ ዝውለድ ሮማዊ ዘጝነት ዘለዎ ሰብ ጌይሩ የቕርቦ፣፣ ''ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ፣ ''ንሓደ ሮማዊ ዜጋ ብዘይፍርዲ ክትገርፉዶ ተፈቂዲልኩም ኢዩ?'' በሎ እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዚ ምስ ሰምዐ፣ ከይዱ ንቲ ሓለቓ ሺሕ፣ እዚ እትገብሮ ዘሎኻ ፍለጥ፣ ምኽንያቱ እዚ ሰብኣይ ኢዚ ሮማዊ እየ ይብል ኣሎ፤ ኢሉ ነገሮ፣፣ እቲ ሓለቓ ሺሕ ከኣ መጺኡ፣፣ ሮማዊ ዲኻ እስከ ንገረኒ ኢሉ ሓተቶ፣፣ ጳውሎስ ከኣ እወ በሎ፣፣ እቲ ሓለቓ ሺሕ ከኣ ኣነ ነዚ ዜግነት እዚ ብዙሕ ኢየ ከፊለሉ በሎ፣ ጳውሎስ ከኣ ኣነስ እባ ተወሊደሉ ኢሉ መለሸ፣፣ (ግ.ሓ.22፣25-28)

ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መጀመርያ ዓመተ ምሕረት ክርስትና ካብ 5-10 ዓ.ም. ዘሎ ጊዜ፤ ኣብ ሓንቲ ናይ ሮማ ግዝኣት ዝነበረት ከተማ ዝተወልደ ክኸውን ኣለዎ ከመይ ጳውሎስ ዝብል ስም ናይ ሮማውያን ስም ስለ ዝኾነ ዝብሉ እውን ኣለዉ፣፣ መበቆሉ ግን ባዕሉ ከም ዝምስክሮ ኢስራኤላዊ ኢዩ፣፣ (ሮሜ 11፣1 ፊሊ 3፣5 2ቆሮንጦስ 11፣22 ወዘተ) ባዕሉ እውን ከም ዝምስክሮ ''ኣነስ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ብዓል ጤርሰስ ናይ ቂልቂያ ወዲ እታ ስምይቲ ከተማ ኢየ፣፣ (ግ.ሓ. 21፣39) እናበለ ብትምክሕቲ ይዛረብ፣፣
ኣብ ቂልቂያ እትርከብ ጤርሴስ እትበሃል ከተማ ዝተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ኢየ፣፣ ኣብዛ ከተማ እዚኣ ኢየ ዝዓበኹ እኳ እንተበለ፣ ኣስዒቡ፣ ብገማልያል ዝበሃል መምህር ብናይ ኣቦታት ባህልን ሕግን ኣጸቢቐ ከም ዝተመሃርኩ ከምዚ ኵሉኻትኩም ዘሎኹምዎ ከኣ፣ ብናይ ኣምላኽ ነገር ቀናእ ነበርኩ፣፣ (ግ.ሓዋርያት 22፣3) ይብሎም፣፣ ገማልያል እቲ ቀዳማይን ዓቢይን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ካብ 20-50 ዓ.ም. ዘሎ ጊዜ ውሩይ መምህር ከም ዝነበረ ይፍለጥ፣፣

ጳውሎስ ናብ ሰብ ጋላትያ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ከም ዕብራውነቱ ክዛረብ እንከሎ፣ ከምዚ እናበለ ይጽሕፍ፤ ''ከምኡ እውን ቀደም ብእምነት ኣይሁድ ኣብ ዝነበርኩሉ፣ ንቤተ ክርስትያን ኣምላኽ ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዘሳደድኩዋን፣ ከዕንዋ ከም ዝፈተንኩን ሰሚዕኩም ኣሎኹም፣፣ ብእምነት ኣይሁድ እንካብ ኵሎም ደቂ ዓደይን መሳቶይን እበልጽ ነበርኩ፣፣ ብዛዕባ ሰርዓት ኣቦታተይ ድማ ቀናእ ነበርኩ፣፣ እቲ ኣብ ማሕጸን ኣደይ ከሎኹ ዝሐረየኒ፤ ብጸግኡ እውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ፤ ንወዱ ኣብ ኵሎም ኣሕዛብ ብዛዕባኡ ክሰብኽ፣ ኣባይ ክግለጽ ምስ ፈተወ ግና፣ ምስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይተማኸርኩን፣፣ ነቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሓዋርያት ክርኢ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ኣይደየብኩን፣፣ እኳ ደኣ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ፣ ከም ብሓዲሽ ከኣ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ፣፣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከኣ ንኬፋ ክርኢ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ፣፣ ምስኡ ከኣ ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ጸናሕኩ፣፣... ብድሕሪኡ ከኣ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቂያን ከድኩ፣፣ (ጋላ1፣13-18.21) ናብ ሰብ ፊሊጲስዩስ እንክጽሕፍ እውን ''ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ዝተገዝረ፣ ብዓሌት ኢስራኤላዊ፣ ካብ ነገደ ቢንያም፣፣ ዕብራዊ ካብ ዕብራውያን፣ ኣብ ኣፈጻጽማ ሕጊ ፈሪሳዊ ኢየ፣፣ ንቕንኢ ሃይማኖት ብዝርኢ ኣሳዳዲ ቤተ ክርስትያን፣ ንሕጊ ብምፍጻም ዚርክብ ጸድቂ ከኣ ኢንታ ዘይብለይ ኢየ'' ((ፊሊጲስዩስ 3፣5-6) ይብል፣፣

ጳውሎስን ፈሪሳውን ግሪኻውን ድሕሪ ባይታኡን

ወልኳ ጳውሎስ ኣብ ጽሕፉ ኣንጻር ሕጊ ሙሴ ዚዛረብ እንተመሰለን እንተተዛረበን፤ ፈሪሳውን ካብ ዓሌት ኢስራኤልን ምዃኑ ክምካሕ ኢና እንርእዮ፣፣ (ፊሊጵስዩስ 3፣5-6፤ ጋላ 1፣14፤ 2ቆሮንጥስ 11፣22) ''ዕብራውያን ድዮም? ኣነውን ዕብራዊ ኢየ፣፣ ኢስራኤላውያን ድዮም? ኣነውን ኢስራኤላዊ ኢየ፣፣ ደቂ ኣብርሃም ድዮም? ኣነውን ወዲ ኣብርሃም ኢየ፣፣'' ብናይ ጥንታዊ ኪዳን ኣተሓሳስባን ኣዘራርባን ከኣ ይዛረብ፣፣ ብዙሕ ጊዜ ጥቕሲ ክጠቅስ እንከሎ ኣብ ግሪኻዊ ባህሊ ዘሎዎ ዓዲ ምዕባዩ ዘነጽር ካብ መጽሓፍ ሰብዓ (ስፕትዋጂንት) እኳ እንተ ተጠቕመ፤ ኣገባብ ኣጠቓቕሳኡን ኣገላልጻ ሓሳባቱን ግን ካብ መምህራን ራቢኒክ ምድራሺም ኢዩ ዝኽተል፣፣ ከኣ ከምቲ ናይ ጊዜኡ ማለት ቀጥታዊ ዘይኮነስ ብትንተናዊ ዝኾነ ኣገባብ ይጥቀም፣፣

ብሓቂ ብጥንታዊ ኪዳን ኩሩዕ ምኳኑ ከርኢ ንኽልትኡ ኪዳን ኣብ ነንሓድሓዱ ከም ዝሰማማዕ ሓደ ነቲ ሓደ ዘንጼባርቕ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ናይ ክልተኡ ጎይታ ሓደ እግዚኣብሔር ምኳኑ ይነግር፣፣ ጥንታዊ ኪዳን ከም መቀራረቢ ናይ ወንጌል ገይሩ የቕርቦ፣፣ '' እዚ ወንገል እዚ፣ ኣቐዲሙ ብነብያት ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘተስፈዎ ኢዩ፣፣ (ሮሜ 1፣2) ወይ ብእምነት ናብ ክርስቶስ ዘብጽሓና ሕጊ ከም ሓላዊ ኮይኑ ከም ዘጽንሓና ይዛረብ (ጋላ3፣24)፣፣ ወላውን ክዛረብ እንከሎ ንጥንታዊ ኪዳን ከም ናይ ሕጊ ተሸካሚ ንሓዲሽ ኪዳን ከም ናይ መንፈስ ተሸካሚ ገይሩ እንተኣቕረቦ፣ ጥንታዊ ኪዳን ንድሕነትና ኢሉ እግዚኣብሔር ምስ ሰብ ዝተራኸበሉ መንገዲ ኢዩ ይብለና (2ቆሮ 3፣6፤ ሮሜ 2፣29፤ 7፣6)

ጳውሎስ ኣብ ጤርሰስ ናይ ቂልቂያ ምላዱን ሮማዊ ዜግነት ምህላዉን ቋንቋ ግሪኽ ብዘይ ሓደ ጸገም ናይ ምዝራብ ክእለትን ከም ዝነበሮ ይፍልጥ፣፣ ጤርሰስ ኣብ 9ይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ጸሑፍ እምኒ ከም ተርዛ ተሰምያ ትርከብ፣፣ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ቅ.ል.ክ. ውርይትን ሃብታምን ከተማ ከም ዝነበረት ተመዝጊቡ ይርከብ፣፣
ኣብ ጊዜ ኣንጥዮኩስ 4ይ (175-164) ከቢድን ሰፊሕን ናይ ግሪኽ ባህልን ትምህርትን ከም ዝተኣታተወላ ይንገር፣፣ ኣብቲ ጊዜ እቲ ሰፈራ ናይ ኣይሁዳውያን ተኣታተወ ብርክት ዝበሉ እውን ከም ዝነበሩ ይዝንቶ፣፣ ኣብ 66 ቅ.ል.ክ. ጤርሰስ ናይ ኣውራጃ ቂልቂያ ዋና ከተማ ኮነት፣፣ ብድሕሪ እዚ ኣጉስጦስ ቄሳር ንተቐማጦ ናይታ ዓዲ ናጽነትን ሮማዊ ዜግነትን ክወስዱ ፈቐደ እሞ ማርቆስ ኣንጦንዮስ ንተቐማጦኣ ናይ ናጽነትን ዜግነትን ናይ ምርካብ ዕድል ከፈተሎምን ሃቦምን፣፣ ብዘይካ እዚ ኣብ ጤርሰስ ኣዝዩ ስልጡን ዝኾነ ትምህርቲ ከም ዝነበረ፣ ኣይሁዳውያን እውን ምስ ደቂ ጊዜኦም ንኽወዳደሩ ነዚ ዕድል እዚ ይጥቀምሉ ከም ዝነበሩን ብዙሓት ምሁራን ከም ዝወጺን ይፍለጥ፣፣ ገሊኦም ከም ዝብሉ፣ ቂልቂያ ወይ ቺሊችያ ማለት ዕጣቕ ፎልቒ ምራን ማለት ስለ ዝኾነ ኣብዚ ዓዲ እዚ ምልፍዕ ቆርቦት ካብ ዝብል ስም ዝወጸ ጌሮም ይቅጽርዎ፣፣ በዚ መሰረት ከኣ ብዛዕባ ጳውሎስን ናይ ስራሕ ክእለቱን ክዛረቡ እንከለዉ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኢዩ ጳውሎስ ሓደሓደ ናይ ኢድ ስራሕ ሞያ ዘጥረየ፣ (ግብሪ ሓዋርያት 18፣3) ማለት ናይ ሰፋያይ ድንኳን ዝኾነ ይብሉ፣፣ ካልኦት ግን፣ ነቲ ኣብ ተልእኹኡ ንገዛእ ርእሱን ምስኡ ንዝጕዓዙ ዝነበሩን ኣመንትን ዚምግብ ዝነበረ፣ (1ተሳለንቌ 2፣9 1ቆሮንጦስ 9፣14-15 2ቆሮንጦስ 11፣9) ሰራሒ ድንኳን ምዃን ካብ ባህሊ ኢስራኤል ዝወረሶ ሞያ ስለ ዝነበሮ ኢዩ ይብሉ፣፣ ኣብ ባህሊ እስራኤል ናይ ስራሕ ሞያ ምጥራይ፣ ንኽትጥቀምን ገንዘብ ንምእካብ ዘይኮነስ ስራሕ ክሰርሑ ከም ዘሎዎም ናይ ኤትክስ ጉዳይ ኢዩ ይብሉ፣፣

ካብ ዓዶም ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን፣ ባህሎምን ሃይማኖቶምን ከይገደፉ፤ ብንጹር ንምፍላጡ ዘጸግም ደኣ ይኹን እምበር፣ ናይ ኣሕዛብ ባህልን ሃይማኖትን ናይ ዝተፈላለዩ ፍልስፍና ጨንፈር ናይ ምፍላጥ ዕድል ከም ዘጓነፎም ዘየጠራጥር ኣይኮነን፣፣ ጳውሎስ ኣብ ኣጸሓሕፍኡ፣ ዘዝውትሮ ኣሰኳኹዓ ቋንቛን ክእለት ዘራርባን ከምኡ እውን ኣብ መልእኽቱ ዝርኤ ግሪኻዊ ጽልዋን ብዙሕ ትምህርቲ ከም ዝቐሰመ ይርኤ፣፣ ጳውሎስ ብኣንነቱ፤ ስራሑን ኣተሓሳስባኡን፣ ዓለም ለኻዊ ሰብ ኢዩ እናበለ ኢ. ፒ. ደይስማን ይጽውዖ፣፣ ኣብኡ ሰለስተ ዓለም ሰለስተ ባህሊ ይርኤ፡፤ ብትውልድን ሃይማኖትን ዕብራዊ ካብ ጤርሴስ ናይ ቂልቂያ፣፣ ብቋንቋን ብትምህርትን ግሪኽዊ፤ ብዜግነት ሮማዊ ኢዩ፣፣ ''ብትውልደይ ዕብራዊ እግዚኣብሔር ግን ነሕዛብ ድሕነት ከበስር ጸዊዑኒ (ሮሜ 9፣3-5) እናበለ ብትምክሕቲ ክዛረብ እውን ንረኽቦ፣፣ ጳውሎስ ፈሪሳዊን ኣብ ባህሊ ኣቦታቱ ጥቡቕን ምኳኑ ዘርኢ፤ ኣብ ጽሑፋቱ ኣብ ልዕሊ ናይ ሮማን ግሪኽን እምነትን ስልጣኔን ጽልኢ ከንጽባርቕ ይርከብ፣፣

ጳውሎስ ወላኳ ብሞያ ኣዘራርባ ክእለት /ረቶሪክ/ ዝተማህረ ሰብ እንተዘይኮነ፣ ከም ከኣሊ ኣዘራርባ /ረቶር/ ክዛረብ ንርእዮ፤ ከምኡ ግኖስቲክ ኮነ ስቶይክ ትምህርቲ ዘሎዎ ሰብ ወይ ዓይነት ኣዘራርባ ይጥቀም፣ ከምኡ ብስድራቤታዊ መልክዕ /ዲኣርቲበ/ ብሕቶን መልስን ምሳሌን እናምጽኤ ብተምሳል ይዛረብ፣፣ (ሮሜ 2፣1-20፤ 3፣1-9፤ 9፣19፤ 1ቆርንጦስ 9)፣፣ ብተወሳኺ ጎይታ፤ ወዲ እግዚኣብሔር ስጋን መንፈስን፤ ምስጢር፤ ኣዳም ሰብ እናበለ ክዛረብ እንከሎ ኣዘራርባ ግኖስቲክ ይጥቀም፣፣ ነዚ ግን ኵሎም ኣይቕበልዎን፣ ምኽንያቱ ኣብቲ ጊዜ እቲ ናይ ግሪኽ ዓለምን ኣተሓሳስባን ትምህርትን ኣብ ኵሉ ከባቢ ተዘርጊሑ ስለ ዝነበረ ኣብ ባህልን ኣዘራርባ ኣይሁዳውያን ናይቲ ጊዜ እውን ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ፣፣ ስለዚ ጳውሎስ ካብ ግኖስቲክ ኣይኮነን ቀዲሕዎ ይብሉ፣፣

ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ኣብ ሕርሻን ማልን መሰረት ብምግባር ክዛረብን ክምስልን እንከሎ ጳውሎስ ግን ናይ ከተማ ኣዘርርባን ምሳሌን የምጽእ፣፣ ምሳሌ ናይ ፖሊቲካ (ፊሊ1፣17፤ 3፣20) ናይ ንግዲ (ፊሊሞን 18) ሕግን ሕጋውነትን (1ቆሮ 7፣22) ነጋውስ እንክትቅበል ዝጥቀምሉ ናይ ቅበላኣግባብ (1ተሳሎንቌ 2፣19) ብዛዕባ ሕልናን ናጽነትን፣ ይኣኽለኒ ምባል (2ቆሮ 9፣8) ባህሪ (ሮሜ 2፣14) ሞራላዊ ጽባቄ ወይ ባህጊ (1ቆሮ 15፣33) ክዛረብ ክርኤ እንከሎ ናይ ምሁር ባህሊ ኣብ መንጎ ዚርድእዎ ሰባትን ከም ዘሎ ይርድእ፣፣

ብዛዕባ ስሙን ኣመጻጽእኡን፤ ኣብ መልእኽትታት ጳውሎስ፣ ሰሙ ኣብ ክንዲ ከምቲ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት እንረኽቦ ሳኡል (ግ.ሓዋርያት7፣58፤ 8፣1-3፤ 9፣1) ዝብል ስም ጳውሎስ ብዝብል ተተኪኡ ንረኽቦ፣፣ ሳውል እቲ ቀዳማይ ንጉስ ኢስራኤል ካብ ዓሌት ቢንያም ዝነበረ ኢዩ፣፣ እዚ ሮማዊ ሰም ከመይ ገይሩ ረኺብዎ ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ይመጾም ኢዩ፣፣ ገሊኦም ናብ ክርስትና ምስ ኣተወ፣ ካብ ሰርጅዩስ ጳውሎስ ዝበሃል ውሩይ ሮማዊ በዓል ሲፕሩስ ዝወሰዶ ስም ኢዩ ይብሉ፣፣ ካልኦት ግን ክውለድ እንከሎ ዝነበሮ ስድርኡ ዝሃብዎ ስም ኮይኑ ተደራቢ ከም ካልኣት ሰም ከኣ ሳውል ዝብል ተዋሂብዎ ከምይሲ ኣብቲ ጊዜ እቲ ብዙሓት ኣይሁድ ክልተ ኣስማት ምሓዝ ንቡር እዩ ነይሩ ይበሃል፣፣ ብሳልሳይ ደረጃ እቲ ሳውል ብግሪኽ ኣጸዋውዓ ሳውሎስ ስለ ዝኾነ ብቐሊሉ ናብ ጳውሎስ ክቕየር ከም ዝከኣልን ከምኡ ክኸውን ከም ዝኽእልን ይገልጹ፣፣

ናይ ጳውሎስ ኣብ ክርስትና ምምላስ
ታሪኽ ጉዕዞኡ ካብ ናብ ክርስትና ዝተመልሰሉ ክሳብ ካብዚ ዓለም ንሰማይ ዝኸደሉ ትኽ ኣቢልካ ከተምጽኦ የሸግረካ እዩ፣፣ ታሪኹ ብቐረባ ኣከታቲሉ ዝጽሓፈ ዳልፉ ዝተበህለ ጽሓፋይ ኢዩ፣፣ ንሱ ከም ዝብሎ እንተደኣ ኮይኑ፣ ጳውሎስ ፕረኮንሶለ ጋልዩስ 50/51 ወይ 51/52 ኣብ ቆሮንጦስ ከም ዝነበረ ይነግረና፣፣ ኣብ (ግብሪ ሓዋርያት 18፣12ይ) ጋልዩስ ዝተባህለ ምስ ጳውሎስ ከም ዝተራአበ ይናገር፣፣ በዚ ኣብ 50ታት ጳውሎስ ኣብ ቆሮንጦስ ምንባሩ ነረጋግጽ፣፣ ብሓጺሩ ከቕርብዎ እንከለዉ ድሕሪ ቀዳማይ ጕዕዞኡ፣ ጉባኤ ኢየሩሳሌም ከም ዝተሳተፈ 49/50፤ ኣብ ቂሳርያ ከም ዝተኣስረን 58/60፤ እንደገና ኣብ ሮማ ይእሰር 60/62፤ ኣብ 64 ወይ 67 ከኣ ካልኣይ ማእሰርትን ሞቱን ከም ዝገጠሞ፣፣ ብካልእ ኣረኣእያ ጉባኤ ኢየሩሳሌም 50/51 ድሕሪ ካልኣይ ጉዕዞኡ ከም ዝተሳተፎን ጳውሎስ ኣብ ግሪኽን ኤፈሶንን ካብ 52/55 ከም ዝተቐመጠን፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ተታሒዙ ኣብ ቂሳርያ ካብ 56/58 ከም ዝተኣስረን፤ ንሳልሳይ ጊዜኡ ኣብ ሮማ ካብ 58/60 ተኣሲሩ፤ ብ60 ዓመት ምሕረት ብነሮን ከም ዝተቐትለ የዘንቱ፣፣
- -
ጳውሎስ ናብ ክርስትና ዝኣተወሉ ኣብ 30ታት ኣቢሉ ኮይኑ ናብ ኢየሩሳሌም ብምኻድ ብዙሕ ጊዜ ምስ ጴጥሮስን ሰዓብቲ ጎይታን ከም ዝተራኸበ ይሕብር፣፣ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ተልእኾ ኣብ ዙርያ ማእከላይ ባሕሪ ብዙሕ ጊዜ ክመላለስ ንረኽቦ፣፣

ጳውሎስ ንኢየሱስ ኣብ ምድራዊ ጕዕዞ ሕይወቱ ኮነ ኣብ ስቕለቱን ሞቱን ከምዘይፈልጦ ስለ ዝዛረብ፣ ኣብ 26 ክሳብ 30/33 ዘሎ ጊዜ ኣዘውቲሩ ንኢየሩሳሌም ይመላለስ ከም ዘይነበረ ይግመት፣፣ ምኽንያቱ ኣብዚ ጊዜ እዚ ዝመላለስ ነይሩ እንተዝኸውን ምፈለጦ ወይ ስሙ ምሰምዔ ነይሩ ይብሉ፣፣ ናብ ክርስትና ክምለስ እንከሎ ወዲ ክንደይ ዓመት ምንባሩ እንክግምቱ፤ ነዚ ኵሉ ርኢኻ ክተጠቓልሎ እንከሎኻ ጳውሎስ ብሓቂ ኣብ መጀመርያ ናይ 30ታት ቅድሚ ሞት እስጢፋኖስ ወዲ 20 ዓመት ምንባሩን ኣብዚ ጊዜ እዚ ከኣ ንኢየሩሳሌም ብምኻድ ናይ ኣቦታት ባህልን ሕግን ከም ዝተማህረ፤ በዚ ክልቲኡ ዓለም ብደንቢ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ይፍለጥ፣፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ኢዩ ከኣ ኣገልጋሊ ወይ ባርያ ናይ ክርስቶስ ጎይታ ክኸውን ዝተጸወዔ፣፣

ገሊኦም ሰብ ሞያ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝብልዎ፣ ጳውሎስ ኣብ ክርስትና ክኣቱ እንከሎ ተማሃራይ /ታልሚድ ሓኻም/ ዘይኮነስ ክውስን ብሕጊ ዝተፈቕደሉ ብዓል ስልጣን ምምህር ኢዩ ነይሩ፣፣ በዚ ኢዩ ከኣ ንደማስቆስ ክኸይድ ዝተፈቕደሉ፣፣ (ግ.ሓ.9፣1-2፤ 22፣4-5፤ 26፣12) ንክርስትያን ከሳድድ እውን ምስኣቶም ኣብ ባይቶ ድምጺ ብምሃብ ክውስን ዝኸኣለ ይብሉ፣፣ (ግ.ሓ.26፣10) እዚ ዝበሉ ኣብ ባህሊ ኣይሁዳውያን ብምምስራት ኢዩ፣፣ ንሳቶም ከም ዝብልዎ፣ ኣብ ኣይሁድ ሓደ መምህር ክበሃል ወዲ 40 ዓመት ክመልእ ከም ዘለዎን ቅድሚ መምህር ምኳኑ እውን ክምርዖ ከም ዝነበሮ ይዛረቡ፣፣ ስለዚ ክርስትና ክኣቱ እንከሎ ዓብይ ከም ዝነበረ ይግምትዎ፣፣ ብግሪኽ ኒኣኒያስ ክበሃል ካብ 20 ክሳብ 40 ዓመት የመልክት ብምባል እውን ሓቂ ምኳኑ የመሳኽርዎ (ጅሮም ቢብሊካል ኮመንታሪ) ኣብ ጽሑፍ ናይ ግብሪ ሓዋርያት ከም ዝመስልን ኣብኡ ኣቲኻ ክትርእዮ እንከሎካ ግን እስጢፋኖስ ኪቕተል እንከሎ ብመንእሰይ ከም ዝፈልጥዎን ዝሰምዩዎን እሞ ከኣ ምስኦም ሓቢሩ ብዳርባ እምኒ ክቐትል ዘይምኻሉን ምኽንያት ኣብ ደረጃ ሙሉእ ስልጣን ዘይበጽሓሉ ጊዜ ምንባሩ የረድእን የፍለጥን፣፣ ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢዩ ከኣ፣ ንክርስትያን ከሳድድ ፍቓድ ሃቡኒ ኢሉ ከሓትት ዝርከብ፣፣ እንተዘይከውን ከም ብዓል ስልጣንን ወሳንን ነይሩ እንተ ዝኸውን ጉዳዩ ኣፍሊጡ ምኸደ ይብል፣፣

ጳውሎስ ናብ ክርስትና ምእታዉ ኣብ ጋላትያ 1፣16 ይዛረበሉ፣፣ ''እግዚኣብሔር ንወዱ ኣብ ኵሎም ኣሕዛብ ብዛዕባኡ ክሰብኽ ኣባይ ኪግለጽ ምስ ፈተወ'' እሞ ምስ ተገልጸሉ ንዓዲ ዓረብ ክኸይድ ይርኤ፣፣ ተመሊሱ ከኣ ኣብታ ግልጸት ዝረኸበላ ዓዲ ክምለስ ንረኽቦ፣፣ ነዚ ከም ሓደ ዓብይን ዘየዳግምን ጸዋዒት ኣምላክ ገይሩ ይወስዶ፣፣ እዚ ናብ ሓዲሽ ሕይወት የምርሖ፣፣ እታ ዕለት እቲኣ ምስቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ክርስቶስ ጎይታ ዘራኸበቶ ዘይትርሳዕ ዕለት ገይሩ ይኣምነላ፣፣ እዚኣ ንዓኡ ኣገልጋሊ/ባርያ ክርስቶስ ዝገበረቶ (ጋላ 1፣10) ንወንጌል ክሰብኽ ስልጣን ዘልበሰቶ (1ቆሮ 9፣16) ብዙሓት ንኽረብሕ ኵሉ ንኵሉ ዝገበረቶ (1ቆሮ 9፣22) ብልጽቲ ዕለት ኢያ፣፣

ግብሪ ሓዋርያት ንጳውሎስ እቲ ዝዓበየ ሰባኺ ወንጌል ጌይሩ የቕርቦ፣፣ ሰብከተ ወንጌል ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ እዩ ዘካየዶ፣፣ ኣብ ደማስቆስ፤ ጤርሴስ፤ ኣንጽዮክያ ናይ ሶርያ፤ ቄጵሮስ፣ ኣናቶሊያ፤ ካብኡ ንደቡባዊ ምስራቕ ከምዝተጕዕዘ ፊሊጲ ተሳሎኒቅያ፣ ቦረያ፣ ኣተንስ ቆሮንጦስ ኤፈሶን፣ ካብኡ ዋና ከተማ ናይ ዝነበረት ሮማ ክኸይድ ይርኤ፣፣ ነዚ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት እንረኽቦ ጕዕዞ ወንጌላዊ ተልእኾ፣ ወላኳ ተር ኣቢለን እንተዘየቕረብኦ መልእኽትታቱ እውን ይድግፍኦ የደልድልኦን እየን፣፣

ጳውሎስ ክሰብኽ እንከሎ ናብተን ዝዓበያ ከተማታት ክምርሕ ኢዩ ዝመርጽን ዝርኤን፣፣ ነዚ ዝመርጽ ንብዙሓት ክሰብኽ እሞ ክረብሕ ኢሉ እዩ፣፣ ኣብኡ መባኵዕቲ ዝኾኑ ውሑዳት እናሸመን ክኸይድ ንርእዮ፣፣ ''ሕጂ ከኣ ኣንቱም ኣሕዋተይ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዝጽዕሩን ብጎይታ እውን ዝመርሕኹምን ዚምዕድኹምን ከተኽብርዎም ንልምነኩም፣፣ ስለቲ ዕየኦም ብፍቕሪ ኣዕዚዝኩም ኣኽብርዎም ኣብ ነንሓድሓድኩም ከኣ ብሰላም ንበሩ፣፣ (1ተስ 5፣12-13፤ ቆሮንጦስ 16፣15-16) እናበለ ይምዕዶም፣፣

ወንጌል ክሰብኽ እንከሎ ብቓልን ብኣብነትን ብፍቕርን ይሰብኽ፤ ቃሉ ብመንፈስ ቅዱስን ሓይሊ ኣምላኽን ሒዙ ናብቶም ተጸዋዕቲ ይኸይድ፤ እግዚኣብሔር ብኣና ጌሩ ይምዕድ ኣሎ፣፣ (2ቆሮንጦስ 5፣20 ርኤ) እናበለ ከኣ ሙሉእ ብሙሉእ ንእግዚኣብሔር ቦታ ሂቡ ይሰርሕ ከም ዝነበረ የረድእ፣፣ (1ተሳሎኒቄ 5፣12-13) 'ብወንጌል ኣይሓፍርን ኢየ ከመይ ወንጌል፣ ንዝኣምን ዘበለ ኵሉ...ዘድሕን ሓይሊ ኣምላኽ ኢዩ፣፣ (ሮሜ 1፣16) ስለዚ ነዓይ ምሰሉ እናበልኩ እምዕደኩም ኣሎኹ፣፣ (1ቆሮንጦስ 4፣16) ቃል ካብ ፍቕሪ ነቒላ ትሃንጽ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብመንፈስ ሓቅን እምነትን ከም እትጕዓዝ ከኣ ትገብር፣፣ (1ተሳ 2፣1-12፤ 2ቆሮንጦስ 3፣12፤ 5፣14)

ትሕዝቶ ስብከቱ
ብሓዋርያት ዝመጸ ናይ እምነት ሓቂ የመሓላልፍ፣፣ ዋና ትሕዝቶ ናይ ስብከቱ ከኣ ኢየሱስ ናዝራዊ ምእንቲ ድሕነት ደቂ ሰባት ሞይቱ ዝተንስኤ 1ቆሮ 15፣1-5) ነቲ ናቱ ንሕና ዘመሓላለፍናልኩም እንተ ዘይኮኑ ክውሰኾ ወይ ክንከዮ ከም ዘይክእልን ካልእ ወንጌል ከም ዘየለን፣፣ (ጋላ1፣6-8፤ 2፣5.14) እዚ ወንጌል እዚ ኣብ ጕዕዞ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ሓዲሽ ሕይወት ክፈጥር ዘለዎ ኢዩ፣፣ እቶን ኣብ ክርስቶስ ዘሎዉ ኵሎም ንሳቶም ሓደስቲ ፍጥረት ኢዮም፣፣ (2ቆር 5፣17) ነቲ ኵሉ ጽቡቅ ዘበለ ምግባር፣፣ (ፊሊ 4፣8) ንኵሉ መርሚርካ ነቲ ሰናይ ምሓዝ ኣድላዪ ምኳኑ (1ተሳ 5፣21) ምኽንያቱ ኵሉ ናትኩም እዩ ንስካትኩም ከኣ ናይ ክርስቶስ ኢኻትኩም (1ቆሮ 3፣22-23)፣፣

ገሊኦም ትሕዝቶ ትምህርቱ፣ ታርኽ ድሕነት ምስባኽ ኢዩ ይብሉ፣፣ ካልኦት ግን ነቲ ዝተሰቕለን ዝተንሰኤን ኢየሱስ ዝማእከሉ ወንገል ድሕነት ምስባኽ ኢዩ ይብሉ፣፣
ብዛዕባ ናይ ጳውሎስ ወንጌል፣ ኢ ፒ. ሳንድረስ ኣጣቓላሊ ሓሳብ ከቕርበልና ይርከብ፣፣ ''ኣብቲ ዝዓበየ መደብ ድሕነት፣ እግዚኣብሔር ንኣይሁዳውያን ኮነ ኣሕዛብ ብሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ድሕነት ሂቡ ኢዩ፣፣ ብእምነት ምስ ክርስቶስ ሓድነት ብምፍጣርን ምስኡ ንሓጢኣት ብምማትን፣ ካብ ትንሳኤ ዝርከብ ሓይሊ ለቢስካ ምንባርን ኣብ ድሕነት ኣምላኽ ተሳተፍቲ ንምኳን ብምብቃዕ ክሳብ ካልኣይ ምጽኣቱ ንድሕነት ዝስረሓሉ ጊዜ ኢዩ፣፣ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ግን ድሮ ካብ ሓጢኣትን ሕግን ነጻ ኮይኑ ኢዩ፣፣ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ሓዲሽ ሰብ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣከያይዳ ሕይወቱ ነቲ ብመሎኮታዊ ባህጊ ዝተጸዋዓሉ ናይ ሕይወት ኩነት ዚሰማማዕ ክኸውን ይጽዋዕ፣፣ እዚ ናይ ኵሉ መሰረት ወይ ሱር ዝኾነ ብዘላዓለማዊ ፍቕሪ ዝተነግረ ንኵሉ ፍጡር ዝተዋህበ ናይ ኣቦ መደብ ድሕነት እዩ፣፣ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብዛዕባ ጸዋዕታ ድሕነት ክዛረቦም እንከሎ ካብ ጥንቲ እግዚኣብሔር ዝጸወዓኩም ብጸጋ ዝድሓንኩምን ኢኹም ይብሎም፣፣ ድሕነት ንዅሉ ብነጻ ዝተዋህበት ሓቂ ኢያ፣፣ ብጸጋ ምድሓን ማለት ከኣ ብሓይሊ ኣምላኽ፣ ኣብ ክርስቶስ ብምእማንን ድሕነታዊ ስራሕ ምፍጻምን ዝርከብ ሕይወት የስምዕ፣፣ ብናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ኣብ ክርስቶስ ብከምኡ ዝተረኽበ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎና ርክብ፣፣ (The relationship of human beings to God effected by God-s gracious unmerited action in Christ.) ከኣ የስምዕ፣፣

ጳውሎስ ንምንታይ ኢዩ ወይ ከመይ ጌይሩ ኢዩ እዚ ኵሉ ክኸውን ዝኸኣለ ንዝብል ሕቶ እንክንምልስ፤
ንሱ ብኽርስቶስ ዝተማረከ ''ክርስቶስ ኢየሱስ ናቱ ስለ ዝገበረኒ፣ ኣነ ድማ ነዚ ኵሉ ናተይ ክገብሮ እጽዕር ኣሎኹ፣፣'' (ፊሊጵ 3፣12) እናበለ ብኣድናቖት እግዚኣብሔር ክንደይ ከም ዘፍቐሮ ይዝክር፣፣ ''ደጊም ክርስቶስ ኢዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘሎኹ፣፣ እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፣ በቲ ዘፍቀረኒ፣ ምእንታይ ከኣ ንርእሱ በጃ ዝሃበ ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘሎኹ፣፣ (ጋላ 2፣20) ነዚ ከንድዚ ዘፍቀረኒ፣ ካብኡ መን ክፈልየኒ ይኽእል ''ኣምላኽ ምሳና እንካብ ኮነስ መን ኢዩ ዝቓወመና... ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጎይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ክፈልየና ዝኽእል ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጸ ኣሎኹ፣፣ (ሮሜ 8፣31.39) ነዚ ፍቕሪ ክርስቶስ መን ይፍልጦ? (ሮሜ 10፣14-15) ዝለኣኽ ሰብ ክህሉ ኣለዎ፣፣ እግዚኣብሔር ዝሃበካ ተልእኾ ንምትግባር ከኣ ኣብ ጕዕዞ ሕይወት ፈተናታት ይጓነፍ እንተኾነ ኣብ ፈተና ኢኻ በሊጽካ እትርከብን እትብርትዕን፣፣ እቲ ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ብምሃብ መሊኡ ዝፈስስ ፍቕሪ ዘጥረየ፤ ብወገን ኣማኒ ንገዛእ ርእሱ ከምኡ ብምኳን እንተ ዘይኮይኑ፣ ''ኣዚና እነፍቅረኩም እውን ስለ ዝኾና ገዛእ ሕይወትና ድኣ እምበር ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኮናን ክነካፍለኩም እንምነ ዝነበርና'' (1ተስ 2፣8) ስለዚ ኣብ ሰውነቱ ሞት ክርስቶስ ይሽከም፣፣ (2ቆሮንጦስ 4፣10) ንሕጊ ዝሞተ (ጋላ 2፣19-20) ብሕይወት ምንባር ኮነ ሞት (ፊሊ 1፣21) ብዘይካ እቲ ስቑል ካልእ ዘይፈልጥ (1ቆሮ2፣2) ክምካሕ እንተኾይኑ ብክርስቶስ ጥራይ ዝምካሕ፣ ''ኣነ ግና በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኮይኑ ኣይምካሕን ኢየ፣፣ ከመይ በዚ መስቀል እዚ ዓለም ኣብ ቅድመይ ምውቲ ኢያ፣፣''(ጋላ 6፣14)

ጳውሎስ ከም ክርስትያን ተመሊሱ ታሪኹ ከንብብ እንከሎ ንኹሉ እቲ ቅድም ዝነብሮ ዝነበረ ሕይወት ብዓይኒ ሓዲሽ ጕዕዞ ክጥምቶ ይርኤ፣ ነቲ ቁም ነገር እንደገና ብዓይኒ ወንጌል ኪመዝኖን ኪገልጾን ይርከብ፣፣ ሉቃስ ብዛዕባ ናይ ጳውሎስ ንስሓ ክዛረብ እንከሎ ምስ ስደት ናይ ቤተ ክርስትያን ኢየሩሳሌም ኣተሓሒዙ ይዛረብ፣፣ ብድሕሪ ናይ እስጢፋኖስ ሞት ሄለናውያን ኣይሁድ ንይሁዳን ሳማርያን ከም ዝተበታተኑ (ግ.ሓ. 8፣1-3) ካብኡ ዝረሓቐ ቦታ እውን ከም ዝኸዱ ይናገር፣፣

ተዮሎጋዊ ትሕዝቶ ትምህርቱ ኣብ ናይ ደማስቆ ተመክሮ ዝተመርኮሰ ወይ ብኣኡ ዝተጸልወ ኢዩ ዝብል እምነትን ኣተሓሳስባን ኣብ ቀዳሞት ኣቦው ግኑን ኢዩ ነይሩ ኣብ ናይ ጊዜና ግን ነቲ ናይ ደማስቆስ ተመክሮ ናይ ስነ ኣእምሮ ምምላስ (ሳይኮሎጂካል ኮንቨርሽን) ይብልዎ፣፣ ጳውሎስ ባዕሉ ነዛ ናይ ደማስቆ ተመክሮ ከም ፈላሚትን እንኮን ግልጸት ገይሩ የቕርባ (ጋላ1፣16)፣፣ ብድሕሪኡ ዝረኸቦ ግልጽት ማለት ናይ ዝተንስኤ ክርስቶስ ምግላጽ ምስቶም ሓዋርያት ማዕረ ከም ዝኾውን ዝገበሮ ግልጸት ምዃኑ ይዛረበሉን ይሕበነሉን፣፣ ኣብኣ (1ቆሮ 9፣1) ግልጸት ናይቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ናይ ክብሪ ጎይታ ይርኤ (1ቆሮ 2፣8)፣፣ ወላኳ ከምቶም ሰዓብቱ ንክርስቶስ ብስጋ እንተዘይረኣዮ እዚ ግልጸት እዚ ኣሰሮም ንምስዓብን ማዕረኦም ንምቑጻርን ዘኽኣሎ ግልጸት ኢዩ፣፣ በዚ ከኣ ብክርስቶስ ተማረኸላ መዓልቲ (ፊሊ3፣12) ጌይሩ ይቆጽራ፣፣ ነዛ ዕለት እዚኣ ከኣ ምስታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ፍጥረት የነጻጽራ ከምኣ ጌይሩ ይቆጽራን (2ቆሮ 4፣6) ኣብ ኣገልግሎት ክርስቶስ ንኽጽመድ ጸጋ እግዚኣብሔር ደሪኽዎ ኢዩ፣፣ ነታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ሕያው ብዝኾነ እምነት ወንጌል ኣወጀላ (1ቆሮ 12፣3)

መልእኽትታት ጳውሎስ
ጳውሎስ መልእኽቲ ክጽሕፍ እንከሎ ከም ግሊ ዘይኮነ ከም ሰባኺ ወንጌል ከም ልኡኽ ኣምላኽ ኢዩ ዝጽሕፎ፣፣ በዚ እተን ዝጽሕፈን መልእኽትታት ሓዋራውያን መልእክትታት እየን፣፣ ክጽሕፍ እንከሎ ተዮሎጊያ ትሕዝቶ፤ ዝቕይድ ሕገ ቆኖና ዝሓዛ ዘይኮናስ ወንጌላዊ ትሕዝቶ ብመልክዕ መልእኽቲ ዝመሓላለፍ ትምህርቲ ዝሓዛ እየን፣፣
እቶም መጀመርያ ክቀላቐሉ ተጠርነፎም ኪቐረቡን ዝጀመሩ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ጽሑፋት ከኣ ናቱ ማለት ናይ ጳውሎስ እዮም፣፣ ንምንታይ ንዝብል ሕቶ፣ ንሱ ወላኳ ትምህርቱ ብርቱዕን ንምርዳኡ ጽንኩርን እንተነበረ ውሩይን ፍትውን ሰለ ዝነበረ ከይኮነ ኣይተርፍን፣፣
ምኽንያት ምጽሓፊኡ፤ ንኣመንቲ ከተባብዕ፤ ክምህር፤ ኣብ ፍሉያት ኣብያተክርስትያን ዝርከቡ ሽግራት ንምፍታሕ ትምህርተ መሎኮትን ማዕዳን ሰላምታን ዝሕዘ፣ ንኣድላይነት ስብከተ ወንጌል ዝብገስን ንማሕበረ ክርስትያን ዝሃንጽን ትሕዝቶ ዘሎዎም ኮይኖም እዮም፣፣
ዝተጻሕፈሉ ዕለት፣ እተን ዘየጠራጥራ ዝበሃላ ካብ 50 ክሳብ 63 ኣቢለን ከም ዝተጻሕፉ፣ እተን ካልኦት ግን ኢድ ካልኦት ጽሓፍቲ ዝተወሰኾ ወይ ከኣ ብሙሉኡ ብሰዓብቲ ዝተጻሓፉ ኢዮም፣፣

እቶም ዘየጠራጥሩ ጽሑፋቱ ተባሂሎም ዝእመኑ እዞም ዝኽተሉ ይኾኑ፣ 1ይቲ ተሳለንቄ፣ ሮሜ፤ ጋላትያ፤ 1ይን 2ይን ቆሮንጦስ ፊሊሞን ፍሊጲስዩስ ኢዮም፣፣ ኣብ ድሕሪ ቅ.ጳውሎስ ዘሎ ጊዜያት ንዝተፈጥረ ሽግር ንምፍታሕ ንጳውሎስ ዝፈልጡን ዘድንቑን ሰባት ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ብስሙ መልእኽትታት ክጽሕፉ ብምጅማር ከም ዝጽሓፍዎ ይንገረሎም፣፣ እዚኣቶም፣ 2ይ ተሳሎኒቄ፤ ቆላስያ፤ ኤፈሶን ከምኡ ኖላውያን መልእኽቲ ተባሂሎም ዝፍለጡ 1ይን 2ይን ጢሞቴዎስ ቲቶስን እዮም፣፣
ናይዞም ዳሕረዎት ትሕዝቶ እንተረኤና ብዛዕባ ምጽኣት ኢየሱስ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዘይኽሰት ስለዚ ክመጸና ኢልካ ጊዜ ዘይምጥፋእ ዘይሰርሕ ኣይብላዕ (2ተሳሎኒቄ 3፣12) እናበለ ነታ 1ይቲ ተሳሎኒቄ ክእርማ ይርከብ፣፣ ኖላውያን መልእኽቲ፣ ቤተክርስትያን ብመዋቅር ተመሪሓ ስርዓትን ኣገባብን ሒዛ ክትከይድ ከም ዘለዋን፣ ካብቲ ናይ ቦታዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ወጻኢ ናይ ኵሉ ምኳና የንጸባርቕ፣፣

መልእኽትታት ጳውሎስ ንዝተፈላለያ ኣብያተክርስትያን ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ቅ.ጳውሎስ፣ መን ጠርኒፍዎም? ዓወድቲ ዲዮም ነይሮም፣ ወይስ እናተለዋወጡ ዝንበቡ ዚነበሩ ኢዮም? (ቆላስያስ 4፣16)፣፣ ንዝብል ሕቶ ገሊኦም እዞም መጻሕፍቲ እናተቐድሑ ይንበቡ ዝነበሩ ኢዮም ይብሉ፣፣ ብኻልእ ከኣ ግብሪ ሓዋርያት ተጻሒፉ ምስ ተዘርገሔ ናይ ጳውሎስ ስም እናተፈልጠን እናገነነን ስለ ዝኸደ ማዕረ ማዕረኡ መልእኽቱ እውን እናተፈልጡን እናተፈትውን ከዱ ይብሉ፣፣ ንጠርነፍቱ ዚርኢ ከኣ ገሊኦም ኦነሲሙስ፤ ጢሞቴዎስ ወይ ከኣ ካብቶም ሰዓብቱ ይብሉ፣፣ ብንጹር ጥርንፍነቲ ዝርኣየሉ ግን ኣብ ጊዜ ፖሊካርፖስን ማርስዮን ኢዩ፣፣ ማርስዮን ሓደ ንፉዕ ተዮሎጋዊ ግን መናፍቕ ዝነበረ ኢዩ፣፣ ብወገኑ ሓንቲ ወንጌል ንሳ ከኣ ወንጌል ሉቃስ ካብ መልእኽትታት ከኣ 10 መልእክቲ ጳውሎስን ግብሪ ሓዋርያት ከም መጻሕፍቲ ሓዲሽ ኪዳን ተቐቢልወን ይርከብ፣፣ ጽንሕ ኢሉ ኣብ መወዳእታ 2ይ ክፍለ ዘመን ድሮ 13 መልእኽቲ ብሓደ ተጠርኒፉ ንረኽቦ፣፣ ነዚ ዝምስክሩ ሙራቶርያን ፍራግመንት ወይ ፍርስራስ መንድቅ ኣብ ዝብል ኣብ ሮማ ዝተረኽበ ጽሑፍ ማለት ዝርዝር ኣስማት ናይ መጻሕፍቲ ይምስክሮ፣፣ ብዘይካ መልእኽቲ ናብ ሰብ ዕብራውያን ብሙሉኡ ኣብቲ ዝርዝር መጻሕፍቲ ሓዲሽ ኪዳን ከኣ ንረኽቦም፣፣ ኢረኔዎስ ብወገኑ ብዘይካ መልእኽቲ ፊልሞን ኩለን ዘርዚርዎን ይርከብ፣፣ ኣብ መጨረሻ ናይ 3ይ ክፍለ ዘመንን መጀመርያ ናይ 4ይን ግን መልእኽቲ ናብ ሰብ ዕብራውያን እውን ከም ናይ ጳውሎስ ተወሲዳ ንረኽባ፣፣

ጳውሎስ ዝገደፎ ርስቲ እዞም ዝኽተሉ ይኾኑ፣፣ ናብ ክርስቶስ ዝመለሶምን ኣመንቲ፣ ምልእኽትታቱ፤ ሰዓብቱ ኮይኖም መልእኽትታት ዝጽሓፉ ሰባትን እዮም፣፣
እቶም ናብ ክርስቶስ ዝመለሶም ኣመንቲ፣ ንሳቶም ንዓኡ ሓንቲ ዘይጎድሎም (1ቆሮ 1፣7) ንሳቶም ተስፋኡ፣ ሓጎሱ ኣኽሊሉ ከዋኽብቲ ኣብ ሰማዩ (1ተስ 2፣19-20፤ ፊሊጲ 2፣15) ንሱ ብእምነቶም ተጸናኒዑ ከምዚ ዝስዕብ ይብል ''ንስኻትኩም ኣብ ጎይታ ስለ ዝጸናዕኩም ንሕና ብሕይወት ንነብር ኣሎና፣፣ (1ተሰ 3፣8) ብወገነይ ብፍቕሪ ክርስቶስ ኢየሱስ ንዅሉኻትኩም ከመይ ጌረ ከም ዝናፍቐኩም ኣምላክ ምስክረይ ኢዩ፣፣ (ፊሊ1፣8) ንሱ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓላፍነት ኣቦኦም እዩ፣፣ (1ቆሮ 4፣15፤ 1ተስ 2፣11) ክርስቶስ ኣብኣቶም ክሳብ ዝሰኣል ከም ብሓዲሽ ከም ብሕማም ሕርሲ ዝጽዕረሎምን (ጋላ 4፣19 ከም ንነኣሽቱ ደቃ እትከናኸን ኣደ ብርሕራሔ ዝከታተሎም (1ተስ 2፣7) ኣብ ግራት ንወንጌል መተዓይይቱ (ፊሊ 1፣7) ጌይሩ ይወስዶም፣፣
ካብቶም ተኸተልቲ ክርስቶስ ወላ ሓደ ንጳውሎስ ዝወዳደር ሓድጊ ጽሑፋት ዝገደፈ የሎን፣፣ ወላዃ ናይ ሉቃስን ግብሪ ሓዋርያትን ብቃላት ካብቲ ናቱ ዝበዝሕ እንተኾነ፣ ብዛዕባ ርግጽነቱ የጠራጥር ኢዩ፣፣
ጳውሎስ ብዛዕባ ኣጸሓሕፍኡ ክዛረብ እንከሎ ''ቃለይን ስብከተይን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብዚህቦ ምርዳእ እምበር ብዜስድዕ ዘረባ ፍልስፍና ኣይነብረን'' 1ቆሮ 2፣4) ክእለት ዘረባ እኳ እንተዘይብለይ ፍልጠትሲ ኣይጎደለንን፣፣ (2ቆሮ 11፣6) ብምባል ግሪኻዊ ኣዘራርባ ክእለት ይጥቀም፣፣ ንክርስቶስ ዘሎዎ ፍቕሪ ክገልጽ እንከሎ ዚወዳደሮ የለን፣፣ ጣዕሚ ጽሑፋቱ ካብ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ጽሑፋት ዝመሳሰሎ ኣይርከብን፣፣ ''ንኣምላኽ ሕያው ኮይነ ምእንቲ ክነብር ካብ ሕጊ ሙሴ ነጻ ወጺኤ ኢየ፤... ክርስቶስ ተሰቒሉ ኢዩ ኣነ እውን ምስኡ ተሰቒለ ኢየ፣፣ ደጊም ክርስቶስ ኢዩ ኣባይ ዝነብር እምበር ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘሎኹ፣፣ እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፣ በቲ ዘፍቕረኒ ምእንታይ ከኣ ርእሱ በጃ ዝሃበ ወዲ ኣምላኽ ብምእማን ኢየ ዝነብሮ ዘሎኩ፣፣''(ጋላ 2፣19-20)
ንናይ ወንጌል ሓቂ ንምምስካር መስዋዕቲ ዝሓትት ኢዩ፣፣ ንስቓይን መስዋዕቲ ዝነጽግ ንሕይወት ኢዩ ዝነጽግ ኣገልጋሊ ሓቅን ኣሕዋትን ክኸውን ከኣ የጸግም፣፣ ሰቓይ ዘይብሉ ንስሓን ለውጢ ሕይወትን እውን የለን፣፣ ምልኣት ሕይወትና ኣብ መስዋዕቲ ክርስቶስ ይምስረት፣፣ እዚ ከም ናይ ክርስቶስ ዝመስል ሕይወት ንምንባር የኽእለና፣፣
እግዚኣብሔር ከም ቅዱስ ጳውሎስ ብርሃን ኣሕዛብ ክንከውን ከኽእለና ፍቕሩ ኣብ ልብና ክዓቕረልና ንለምን፣፣

ብ እ. ለተምሕረት ተስፋይ