ቅድስቲ ስድራ ኣብነት ናይ ዘመንና ስድራቤት


ቅድስቲ ስድራ ኣብነት ናይ ዘመንና ስድራቤትቅድስቲ ስድራ ኣብነት ናይ ዘመንና ስድራቤት

ኣቦታት ክንምስሉ ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ፡ “ከመይ ኢልኪ ነዚ ሓዳር በተንክዮ፧ ኣዕበድቢደ። ከመይ ኢልኪ’ኸ ኣድሓንክዮ፧ ኣባቢደ።” ይብሉ። እወ፡ ስድራቤታት ወይ ኪዳን ብኸመይ ይዝረግ፡ ብኸመይ’ከ ይዕረ እንተበልና ዝኣባብድ – ልቢ ዘዕበየ፡ ኣርሒቑ ዝርኢ፡ ረብሐ ስድራቤት ዝፈልጥ። ከመይ ወንጌል “በትዕግሥትክሙ ታጠርይዋ ለነፍስክሙ” ኢዩ ዝብል። ስለዚ ከኒና ወይ መርፍእ ወይ መድኃኒት ናይታ ዕውቲ ሥድራቤት ንፈልጦ ኢና። እቲ ጸገምስ ነቲ መድኃኒት ኣብ ጊዜኡ ዘይምውሳድ ኢዩ። ነቲ ጠንቅታት ዘይምልጋስ ኢዩ። ካብቲ ፈተናታት ዘይምርሓቕ ኢዩ፡ ኢታብኣነ እግዚኦ ውስተ መንሱት ዘይምባል ኢዩ።

                                                                            ኣባ ሓጎስ ተወልደ