ቅዱስ ኢያቀምን ቅድስቲ ሓና ወለዲ ማርያም


ናይ እዚ ጽሑፍ  ትሕዝቶ ካብ ናይ ሃገርና ብራና ዝተወስደ ኮይኑ፡ ኣቦታትና ኣብ ቅዱሳን ዝነበሮም ኣኽብሮትን እምነትን ዚገልጽ እዩ። እቶም ኣብዛ ምድሪ ኣሚኖም ዚተጓዕዙ ኣቦታትናን ኣደታትናን፡ ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ከማልዱልና ንማሕጸኖም።

ኦ ሓና “እታ እግዚኣብሔር እትፈርሕ ሰበይቲ እነሄት ኣኽሊል ደፊኣ ትንቀሳቐስ ኣላ“ ኢሎም መእመናን ዚምክሑልኪ ንስኺ ኢኺ። ካብ መዓርን መዓዛ ዕንበባትትን ዚጥዕም ስም ኣሎኪ። ተስፋ ቅዱሳን ኣቦታትኪ ኣብ ጓልኪ ተፈጺሙ እዩ’ሞ ዝኽርኺ ኣብ ኣፍ ኩሎም ኣመንቲ ጥዑም እዩ። ኦ ሓና! ንስኺ ሰማያዊትን ምድራዊትን ስለ ዝኾንኪ ኩሎም እቶም ብኣኺ ዚምኽሑ ጸሎቶም ናባኺ የዕርጉ። ንሕና ደቅኺ ከኣ ነቲ ጥዑም ስምኪ እናዘከርና ኣብነትኪ ተኸቲልና ብመንፈሳውነትኪ ንኽንዓቢ ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣቕርብና።

ኦ ሓና! መኻን ኮይንኪ ውላድ ንኽህበኪ ከይተሓለልኪ ናብ እግዚኣብሔር ተመባጻዕክን ጸለኽን ተማህለልክን።
እግዚኣብሔር ንልመናኺ ሰሚዑዎ ንጸሎትኪ ከኣ ተቐቢልዎ፡ እነሆ ክትጸንሲ ክትወልዲ እውን ኢኺ እናበለ፡ ሓጎስን ደስታን ንዘበስረኪ ገብርኤል መልኣኽ፡ እግዚኣብሔር ንዝህበኪ ውሉድ ንቤተ-መቕደስ ከምተወፍይዮ መብጽዓ ኣተኺ። ጎይታ ከኣ ልመናኺ ሰሚዑ ነዛ ብርኽትን ክብርትን፡ ሰናይትን ግርምትን ዝኾነት ጓል ሃበኪ። ድንግል ማርያም ጓልኪ ድማ ንዓኽን ንመላእ ዓለም ፍስሓን ታሕጓስን ኮነት። ኢያቄም ብወገኑ እዚ ምስ ተበሰረ ንድኻታትን ጽጉማትን በዓል ገበረሎም።

ኦ ቅድስቲ ሓና ኣደና ስለ ዝጸለኽን ዝጾምክን እነሆ ንማርያም ወለድኪ፡፡ ንሕና እውን ድላይ እግዚኣብሔር ክንገብር ሐገዙ ኣብ እንደልየሉ እዋን ኣብ ጾምን ጸሎትን ከም እንጽመድ ግበርና።

ክልቴኹም ኣረገውቲ ኢያቄምን ሓናን ኣምሪርኩም ምስ በኸኹም፡ lጢኣት እተስተሰሪ ጓል ረኸብኩም፡ ንደቂ ወንጌል ዅሉና ከኣ ጸግዕን መዕቆብን ኮነትና፡ ንስካትኩም ሰማይ ኢኹም ወሊድኩም፡ እዛ ሰማይኩም ከኣ âሓይ ኣብረቐት።

“ንስኻ ንጉስናን ቅቡእናን ፈጣሪናን ስለ ዘኽበርካና እነሆና ከቢርና¹ ንዓኻ ስለ ዝወለድና ከኣ ልዕል ኢልና“ እናበልኩም ንስኻትኩም ቅዱሳን ወለዲ ንኣምላኽ ኣመስገንኩምን ወደስኩምን¹ እግዚኣብሔር ከኣ ንጸሎትኩም ባህ ኢልዎ ተቐበሎ።

ኦ ሓና ኣደና! ንማርያም ምስ ወለድኪ ኣብ ክንድ ንብዓትን ጓህን ሓጎስ፡ ኣብ ክንድ ሰቖቕታን ብኽያትን ደስታ፡ ኣብ ክንድ ሓሳርን ውርደትን ልዕልናን ክብርን ረኸብኪ። ማርያም ብወዳ ከም ዝተሓጎሰት¹ ንስኺ ብማርያም ተሓጎስኪ፡፡ ነቲ ከሃሌ ኩሉ ብናይ ቅዱሳኑ ምስጋና ወደስክዮ፡ ቅዱስ ምዃኑ መስከርክሉ¹ ክብ ኣበልክዮ ኣዕበኽዮ ኣፍቀርክዮ¹ መስዋዕቲ ምስጋና ኣቕረብክሉ። ንወላዲት ኣምላኽ ክትወልዲ ዝበቓዕኪ ኦ ቅድስቲ

ኦ ቡሩኻትን ቅዱሳንን ኢያቄምን ሓናን፡ ኦ ክቡራት ሽማግለታት፡ ንስኻትኩም ካብ ሰማይ ንላዕሊ ዝኸበርኩም¹ ከም ምድሪ ቀጥ ዝበልኩም¹ ከም ሉል እተንጸባርቑ፡ ከም ዝጸረየ ወርቂ እትመስሉ፡ እግዚኣብሔር ንስጋኹም ኪለብሶ መረጸ። ኦ ቡሩኽ ቅዱስ ኢያቄም ዝኽርኻ ካብ ናይዚ ዓለም ክብሪ ይዓቢ· ካብ ብሉጻት ኣእማን ከኣ ይምረጽ። ዝኽርኻ ክሳብ መጨረሻ ዓለም ኪኸብር እዩ። ... ኦ ግርማ ዝዓሰሎ ኦ ልዑል ንስኻ ክትከብር ዚግበኣካ ኢኻ¹ ንስኻ ቅኑዕን ምሩጽን፡ ካብ ኩሉ ዝወቀብካ ኢኻ። ሓናን ኢያቄምን መንፈስ ቅዱስ ዝዓሰሎ ስለዝኾነ ኪዳንኩም ንጹሑን ቅዱስን ኢዩ ቅድመኹም ካብ ዝነበሩ ኩሎም ድማ ይበልጽ። ንስኻትኩም ኣብ ሽምግልናኹም ነታ ኣደ ድሙቅ ብርሃን ዝኾነት መቅረዝ፡ ንማርያም ወሊድኩም። ንስኻትኩም ሰማይ ወለድኩም፡ ሰማይኩም ከኣ âሓይ ኣብረቐት። ነዛ ብርሃን እተንጸባርቕ ጽሓይ ጓልኩም ክንክተላ ጸጋ ኣማልዱልና።

ኦ ክቡራን ወለዲ! ቅዱስ ኢያቄምን ቅ.ሓናን ንስኻትኩም ሓበን ደቂ ሰባት ኢኻትኩም ምኽንያቱ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ ካብ ጓልኩም ስጋ ለቢሱ ስለ ዚተገልጸ። ቅድስናኹም ካብ ናይ ዅሎም ምሩጻት ሰባት ዝለዓለ እዩ።
ከምቶም ተስፋኦም ኣብ ኣምላኽ ዘንበሩ መሳኺን ብጸሎትን ብጾምን ንምጽኣት መሲሕ ዝተጸበኹም ኢኹም እሞ ተሓጎሱ።

“ኦ ሓና ብርኽቲ ጓል ምሕረት¹ ኦ ሓና ብርኽቲ ጓል ርሕራሔ ኦ ሓና ብርኽቲ ጓል ልዑላን¹ ኦ ሓና ብርኽቲ ጓል ጻድቃን፡ ኦ ሓና ብርኽቲ ጓል ኣዳምን ሔዋንን“ እናበልና ንውድሰኪ።
ንስኺ ካብ ዝውሕጥ ማዕበል ባሕሪ ንነፍስና እተድሕንያ መርከብ ኢኺ። እቲ ዘይጠፍእ ቡራኬኺ ከም ዝናብ ኣብ ልዕሌና ኣፍስሲ። ጸሎትኪ ንጸልማት ሓጢኣት የርሕቐልና· ንጸላኢና ኣብ ትሕቴ እግርና ከም ዚርገጽ ግበርዮ።

ንዓኻትኩም ቡሩኻት ወለዲ ማርያም ኢያቄምን ሓናን ምኽባርን፡ ምዕባይን ምፍታውን ግቡእ እዩ። ምኽንያቱ ነታ ጸዋሪት መሎኮት ዝኾነት ማርያም ንዓለም ዘወፈኹም ኢኹም፡፡ “ብርጭቆ ማይ ብስመይ ዚህብ ዓስቡ ከም ዚረክብ“ ክርስቶስ ከም ዘረጋገጸልና¹ ንዝኽርኹም ዝገበረ፡ ኣብ ጊዜ ፍርዲ ከም እትጣበቕሉን ከም እተማልዱልን ነኣምን። ንዓኻትኩም ከም ቅዱሳን ዘኽበረ እግዚኣብሔር ከኽብሮ፡ ንዘፍቀረኩም እውን ከፍቅሮ እዩ።
ኦ! ሓና ተሓጎሲ! ባህ እውን ይበልኪ፡ ንስኺ ናይቲ ሕዙን ኣዳም መድlኒት ኢኺ· ንስኺ ናይቲ ከም መስዋ—ቲ ዝተሓርደ ኣቤል መሰረት ኢኺ።
ፍጥረታት ሰማይን ምድርን በኣኺ ይምክሑ¹ ኣባኺ የጽልሉ። ንሕና ደቅኺ እውን ብኣኺ ንሕበንን ኣባኺ ነጽልልን ኣሎና እሞ ጣዕሚ ፍቕርኺ ኣብ ልብና mተምልና።

ኦ ሓና ኣዴና! ንስኺ ከምታ ኣብ ጉንዲ ዘንጠልጠለት ዘለላ ወይኒ ንጸሎት ጻድቃን እተዕርጊ መሳልል ኢኺ’ሞ ሰላም ንብለኪ። “ኦ ኣምላኽ እስራኤል፡ ንስኻ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሓቅ፡ ኣምላኽ ያዕቆብ ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ ዝነበርካን ንዘለዓለም እትነብርን፡ ስምካ ንኹሉ ጥዑም እዩ። ንስኻ ኣልቦ ዘይስኣነካ፡ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ህላወኻን መንግስትኻን፡ ኩሉ ናትካ ግሉጽ እዩ፡ ሕቡእ ዚበሃል የልቦን¹ ንስኻ ንሕይወት ትወስዳን ትህባን¹ እትዓጹን እትኸፍትን እውን ንስኻ ኢኻ’ሞ ከርሰይ ክፈተለይ፡ ነዓኻ ደስ ዘብልን ንዓኻ ዝኸውንን ውሉድ ሃበኒ“ እናበልኪ ጸለኽን ተማህለልክን። ስለዚ ኸኣ ካብ ደቂ ሰባት ዝመሳሰላ ዘይርከብ፡ ንኣምላኽ ኣጸቢቓ ክትፈልጦ ነፍሳ ምስ ነፍሱ ዝተወሃሃደን ካብ ወርቅን ብሩርን ንላዕሊ ዝሓለዋን ዘሃብተማን ማርያም ወለድኪ። ነዓና ደቅኺ ብትሩፋት ብጽዕቲ ጓልኪ¹ ብጸጋ ኣምላኽ ከም እንሽለም ግበርና።

ኦ ቅድስቲ ሓና ንስኺ ኣደ ሕይወት ኢኺ፡ እታ ሕይወት ከኣ ማርያም ኢያ። ኣምላኽ ኣብኣ ስጋ ስለ ዝለበሰ ብኣኣ ሰማይን ምድርን ተሓጎሰ፡፡ ንስኺ ሓና ነታ ኣብ መንጎ ሰማያውያንን ምድራውያንን እተማልድ ዝወለድኪ ኢኺ’ሞ ባህ ይበልኪ። ንስኺ ልዕሊ ኵለን ንኣበው ዝወለዳ ኢኺ።

ስለዚ ከኣ “ነታ እግዚኣብሔር ዘኽበራ ሓና ንዑ ነኽብራ ከምቲ እግዚኣብሔር ዘዕበያ ነዕብያ“ ዚብል ዕድመ ሰሚዕና፡ ነዓኺ ነኽብረክን ንውድሰክን፡፡ እቲ ምኽንያት መኽበሪኺ፡ ኣብ ከርሲ ጓልኪ ሓዲሩ ስጋና ዝለበሰ ብርሃን ዓለምን መድሕናን ዝኾነ ኢየሱስ ኣብ ልባትና ቦታ ኪረክብ ጸጋ ኪህበና ጸልይልና እናበልና ንሕና ደቅኺ ንምሕጸነኪ ኣሎና።

ኦ ቅድስቲ ሓና ንስኺ ብናይ መለኮት ጨው ዝመቀረ ጥዑም ዝኽርን ስምን ዘሎኪ ኢኺ እሞ ሰላም ንብለኪ¹ ንስኺ ወጋሕታ ጽባሕ ·ንእሾኽ ሓጢኣት ዘቃጽል፡ ክርስቶስ ጽሓይ ንዝወለደት ማርያም ዝወለድኪ ሰላም ንብለኪ። ኦሃና ንስኺ እታ የዋህ መንፈሳዊት ርግቢ ኢኺ።
ቡሩኻት ወለዲ ማርያም ቅዱስ ኢያቄምን ቅ.ሓናን ኣብ ቅድሚ ዙፋን እግዚኣብሔር ኮይንኩም፡ ገጹ እናረኣኹም እትውድሱን እትዝምሩን ዘሎኹም፡ እቲ ዘስተንክር ጸሎትኩም ንዓናን ንዅሎም ደቂ ቤተክርስትያንን ካብ ዅሉ ክፉእ የሓልወና። ኣሜን!

እናቴ ለምሕረት ተስፋይ