ቃል አምላኽ (ቃለ-እግዚኣብሔር)


ቃል አምላኽ (ቃለ-እግዚኣብሔር)

ቃል አምላኽ (ቃለእግዚኣብሔር)

“እግዚኣብሔር አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰብን፣ ከም ጠባይ ወድ-ሰብን እዩ ዝተዛረበ።”(Dei Verbum 12) “እዝንኹም ናባይ ጽለዉ’ሞ ንዑ ስምዑ፣ ብሕይወት ክትነብሩ ኢኹም።”(ኢሳ.55፣3)

‘ቃል’ ዝስማዕን፣ ዝረአን፣ ዝሕሰብን፣ ዘረባ ብምዃኑ፣ ብእዝንና፣ ብዓይንና፣ ብስምዒትና ሓሊፉ፣ ናብ ልቢ እዩ ዝሰግርን፣ ቀጺሉ ከኣ  ብድላይና አቢሉ ንውሳኔና ተቖጻጺሩ ንሕይወትና ሓደ (እወንታዊ ወይ ከኣ አሉታዊ) ጽልዋ ዘሕድር ኩነት እዩ። ቃል ከኣ ናይ እግዚኣብሔርን ናይ ሰብን ኢልና አብ ክልተ ንኸፍሎ። ናይ

ሰብ ይኹን ናይ አምላኽ ቃል አዝዩ ሓያል እዩ። “ብመጀመርያ ቃል ነበረ፣ እቲ ቃል ከኣ አብ አምላኽ ነበረ፣ እቲ

ቃል ከኣ አምላኽ ነበረ፣ ብአኡ ኩሉ ተፈጥረ፣ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ከኣ ብዘይካ ብኣኡ፣ ሓንቲ’ካ ዝተፈጥረ የልቦን፤ ሕይወት አብኡ ነበረት እታ ሕይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት፣ ብርሃን’ውን አብ ጸልማት የብርህ፣ ጸልማት ግን አይሠዓሮን”(ዮሓ.1፣1-5)።

ቃል ሰብ ከምቲ ናይ አምላኽ ቃል ሕይወት ከመሓላልፍ ምሉእ ‘ተኽእሎ’ አለዎ። ናብ ‘ተኽእሎ’ ዘዘምብለና ማለት ብምልኣት ‘ቃል ሰብ ቃል ሕይወት እዩ’ ክንብል ዘየኽእለና ምኽንያት እንታይ እዩ እንተበልና፣ ብኣሉታዊ ገጹ፣ ቃል ሰብ ቃል ምፍልላይን ሻቕሎትን፣ ቃል ተስፋ ቁርጸትን፣ ቃል ሞትን ከኸትልን ስለዝርከብ፣ ብተግባር’ውን ከምኡ ዝኸውንን  እዩ። ስለዚ ቃል ሰብ ቃል ሕይወት ወይ ከኣ ብኣንጻሩ ቃል ሞት ኮይኑ ክድመጽ ይከኣል ማለት እዩ። እሞ አነ ከም ሰብ መጠን ነየናይ ቃል እየ ዘድምጽ? ኢልና ክንሓትት፣ እዋናዊ አገዳስነት ዘለዎ እዩ።

እቲ ውሩይ ናይ ሥነ-ኣእምሮ ምሁር ሲግሙንድ ፍሮይድ ብዛዕባ ቃል እንክዛረብ፣ “Your words have a magic power. They can bring you either the greatest happiness or the greatest despier; they can transfer knowledge from teacher to student.” ማለት ቃላትካ ሓደ ዝማርኽ ሓይሊ አለዎም። ዝዓበየ

ታሕጓስ ወይ ከኣ ዝዓበየ ንያትካ ምዕራብ ከምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ቃላት ካብ መምህር ናብ ተመሃራይ ፍልጠት ክሰጋግሩ ይኽእሉ። ብእወንታዊ መግለጺኡ ከኣ ቃላት ናይ ሓድነትን ናይ ሕብረትን መሣርሒ ምዃኖም ይግለጹ። ንኣብነት፣- “Words are instruments for achieving union with others. They are the instruments of our relationship. ማለት ቃላት ምስ ካልኦት ሰባት ሓድነት እንዓትረሎም መሣርሒ እዮም።”(J.Maurus) ብኣንጻሩ ከኣ ብቃላትና ጌርና ንፈናጠርን አብ ዝኸፍአ ኩነት ናይ ፍልልይን ንበጽሕ ኢና።“ቃል ሕይወትን ቃል ሞትን አብ አፍኩምን አብ ልብኹምን አዝዩ ቀረባኹም እዩ ዘሎ፤ ስለዚ ብሕይወት ምእንቲ ክትነብሩ፣ ምእንቲ ክትነብሩ፣ ንሕይወት ምረጹ ኢኹም።”(ዘዳ.30፣11-19 ረአ።)

ቃል ናይ ሰብ ከምዚ እንካብ ኮነ፣ አብ ናይ አምላኽ ከ ደኣ? ቅድሚ ኩሉ፣ ቅዱስ መጽሓፍ ከምቶም ካልኦት ተራ መጻሕፍቲ ዘይኮነስ፣ ፍሉይ አኽብሮት ዝወሃቦ ከምዝኾነ ምፍላጥ ይግባእ። ቅድስቲ “ቤተ-ክርስቲያን ከምቲ ንሥጋ ክርስቶስ እተኽብሮ፣ ከምኡ’ውን ንመለኮታዊ ጽሑፋት ኩሉ ግዜ አኽቢራቶ እያ። ብዘይ ምቁራጽ ከኣ ብፍላይ አብ ሥርዓተ- ሊጡርጊያ፣ ካብቲ ናይ ቃል እግዚአብሔርን ሥጋ ክርስቶስን ዝኾነ መኣዲ ሕይወት ዝህብ እንጌራ ንርእሳ እናተመገበትን ምእመናና’ውን ምእንቲ ክምገቡ ተቕርበሎም እያ።”(Dei Verbum 21)

ቃል አምላኽ ኩሉ ግዜ፣ ቃል ብርሃን፣ ቃል መንገዲ፣ ቃል ምጽንናዕ፣ ቃል ሓቂ፣ ቃል ሰላም፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ቃል ሕይወትን ምንባርን እዩ። “ቃልካ ንስጉምተይ መብራህቲ፣ ንመንገደይ ብርሃን እዩ።” (መዝ.119፣105) በዚ ከኣ ብሓቂ ክበሃግ ይግብኦ።

“ቃልካ ኩሉ ግዜ ቅኑዕ እዩ። አእምሮ ሃበኒ’ሞ ብሕይወት ክነብር  እየ።” (መዝ.119፣144) አብ ዘፍጥረት ከም እነንብቦ፣ እግዚኣብሔር ብቃሉ ንሰማይን ትሕዝቶ ሰማይን፣ ንምድርን ትሕዝቶ ምድርን ብምሉኡ ብመለኮታዊ ሓይሊ ቃሉ፣ ናብ ህላዌ ዝጸውዔ ምዃኑ ንግንዘብ። “ብርሃን ይኹን በለ፣ ጠፈር ይኹን በለ፣ ማያት ይተኣከብ በለ፣….. ኩሉ ከኣ ከምቲ ዝተባህሎ ኮነ።”(ዘፍ.1፣1-) ናብ ህላዌ ምምጻእ እቲ ዝዓበየ አብ ታሕጓስ እንሳተፈሉ ብርእሱ ምንባር እዩ። እዚ ከአ ፍረ ዘረባ ናይ አምላኽ እዩ። እቲ ዝበሃግ ዘሎ ባህጊ፣ ምስዚ ወሃቢ ሕይወት ዝኾነ ቃል ናይ አምላኽ ጥቡቕ ዝኾነ ዕርክነት ምፍጣር እዩ። እዚ ከኣ፣ ንቃል አምላኽ ብምንባብ፣ ዝያዳ

ከኣ ፍቕሪ ንባብ ቃል አምላኽ ብምጥራይ እዩ።

ብንጹር ንምዝራብ፣ አብ ንባብ ቃል አምላኽ ሕመቕ አሎና። ብዘይ ምኽንያት አይኮንኩን ነዚ ዝብሎ ዘለኹ። ከመይሲ ስለምንታይ ደኣ ካልኦት ዝያዳና ይነፍዑ? ብሕይወት ይንበሩዎ አይንበሩዎ ብዘየገድስ፣ ስለምንታይ ተቐላጢፎም ናእሽቱ ከይተረፉ አብ ንባብ ቃል አምላኽን ንካልኦት አብ ምስባኽን ይነጥፉ? ስለምንታይ ምዕራፋት ንምጥቃስን ብርእሶም ዝሕዝዎን? በቲ ናትና ወገን እንተረኣናዮ ከኣ፣ ብቀንዱስ ስለምንታይ ኢና ንቅዱስ መጽሓፍ ከምቲ ካባና ክፍለ ዘይብሉ አቕሓ ጌርና ዘይንወስዶ? ር.ሊ,ጳ. አቦና አባ ፍራንቸስኮ “ንቅ.መጽሓፍ ኩሉ ግዜ ምሳና ክንማልእ ይግበኣና።” ክብሉ የገንዝቡና። ቅ.ሓዋ.ጳው. እውን “ነቲ ሰላም ዝህብ ወንጌል አብ አእጋርኩም ከም አሳእን ብምእታው ተዳሊኹም ደው በሉ።…..ናይ መንፈስ ቅዱስ ሰይፊ’ውን፣ ማለት ቃል አምላኽ ሓዙ”(ኤፈ.6፣15-17)።

“እቲ ቃል ሰብ ኮነ፣ጸጋን ሓቅን መሊኡዎ ከኣ ምሳና ተቐመጠ።”(ዮሓ.1፣14)‘ቃል ሥጋ ኮነ፣ ወኃደረ ላዕሌነ’፣-

ምስ ተጠመቕና፣ ስምናን ስም እምነትናን ካባና አይፍለያን እየን። ከመይ አባና ምስ መንነትና ሰለዝተወሃሃደ፣ እዩ። ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ቃል ከኣ፣ አባና እንተ አሕዲርናዮ፣ ብሓቂ ከምቲ ዝግብኦ ብባህግን ብአስተንትኖን አብ ሓሳብና፣ አብ ልብናን ነቲ ሥጋ ዝኾነ ቃሉ ከኣ ብሱታፌኡ አብ ሕይወትና ክነወሃህዶ ምስ እንረከብ እዩ እቲ ‘ወኃደረ ላዕሌነ’ ክኾነልና ዝከኣል። ከምቲ ንሓደ ዘሕጉስ ናይ ሰብ ወይ’ውን ዘየደቅስ ወይ ዘሕዝን ቃል ምስ ሰማዕናዮ ካባና ዘይንፈልዮ፣ ነቲ ሕይወትን ሰላምን ዝህብ ቃል አምላኽ ከኣ፣ ብዝዛየደ መልክዑ አባና፣ አብ ልብናን አብ ዓጽመ-ደምናን ክነሕድሮ ይግበኣና።

ቃል እንተ አሎ ኮይኑ፣ ምስማዕ ክህሉ ከኣ ግድነት እዩ። “አነ ነቲ እግዚኣብሔር አምላኽ ዝብሎ እሰምዕ አለኹ። ንሕና ናብ መንገዲ ዕሽነት እንተ ዘይተመሊስና፣ ንሱ ንኣና ንሕዝቡ ሰላም አተስፍዩና አሎ።”(መዝ.85.8) “ንቃልካ ከስተንትንሲ ምሉእ ለይቲ ነቒሐ እኃድር፣ ኦ እግዚኣብሔር መሓሪ ኢኻ’ሞ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ከም ቃልካ ከኣ ብሕይወት አንብረኒ።” (መዝ.119፣148-149) ንቃሉ ምስ ሰማዕካ ነቲ ቃል ምስ ሕይወትካ ምውህሃዱ፣ ማለት ናብቲ ንእግዚኣብሔር ዘሕጉስ ዝተለወጠ ሕይወት ንምብቃዕ እዩ ዝሕግዝ።

ረብሓ ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ፣

ንቃል አምላኽ /ቅዱስ መጽሓፍ/ ምስ አንበብና ወይ ምስ ሰማዕናዮ፣ ንሕይወትና ከይተንከፈ አይሓልፍን። ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ አነጺሩዎ አሎ። “ብመንፈስ አምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ፣ ንትምህርቲ፣ ንተግሣጽ፣ ንምእራም፣ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም።” ይብለና። (2ጢሞ.3፣16-17) ምስዚ ከኣ፣-

ሠናይ ልምዲ እዩ።

አብ መለኮታዊ ግልጸት ጸጋ ናይ አምላኽ የሳትፈና።

አብ መንፈስ ሓቂ የእትወና።

እቲ ቃል ብዝእዝዞ ኩነት ምስ እንጎዓዝ፣ ናይ ድኅነት ረብሓ ንረኽበሉ።

አብቲ ዝጽልምተና ግዜ ብርሃን ይኾነና። “እቲ አብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ብርሃን ረኣየ።”(ኢሳ.9.2) “ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም መጽአ።…ነቶም ዝተቐበሉዎ ዘበሉ ብስሙ ንዝኣመኑ ኩሎም ግና፣ ውሉድ አምላኽ ክኾኑ ሥልጣን ሃቦም።”(ዮሓ.1፣9-12)

አብ ተስፋ ቁርጸትና እንደኽመሉን እንሕለለሉን የተባብዓና። “ምዉታት ሕዝብና ሕያዋን ክኽዕኑ፣ ሬሳታቶም ከኣ ክትንሥኡ እዮም።..…እግዚኣብሔር ነቶም ቀድም ዝሞቱ ሕያዋን ክገብሮም እዩ።”(ኢሳ.26፣19)፤ “እግዚኣብሔር ንድኹም ኃይሊ ይውስኾ፣ ንዝተሓለለ ከኣ ብርታዐ ይህቦ። አጓብዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፣ አባጽሕ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ። እቶም ንእግዚኣብሔር ዝጽበዩ ግና ኃይሎም ይሕደስ፣ ከም ንሥሪ ብኣኽናፍ ይድይቡ፣ ይጎዩ፣ ይኸዱ’ሞ አይደኽሙን።”(ኢሳ.40፣30-31) ።

አብ ሓዝናን የጸናንዓና። “ንሕዝበይ አጸናንዑ ይብል አምላኽና። እወ ንሕዝበይ አጸናንዑ፣ ጸበባኦም ከምዝተወድአ አበሳኦም ከም ዝተኃድገ ንገሩዎም።”(ኢሳ.40፣1-2፣ “እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል አሎ፣ አነ እየ ዘጸናንዓኩም።”(51፣12) “አብ ራማ ድምጺ ዋይዋይታ፣ እወ ድምጺ መሪር ብኽያት ተሰምዐ። ደቃ ስለዝተወድኡ ራሄል ትበኪ አላ። ምድባስ’ውን አበየት። ይኣኽለኪ አይትብከዪ፣ ንብዓትኪ ድረዚ።…ደቅኺ ንዓድኺ ክምለሱ እዮም። አነ ኣግዚኣብሔር ተዛሪበ አለኹ።”(ኤርም.31፣15-17) ።

አብ ምፍልላይና ናብ ዕርቅን ሰላምን ይጽውዓና። “ኪድ ምስ ኃውኻ ተዓረቕ።”(ማቴ.5.24)፣ “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅር። ነንሓድሓድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና ነንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።”(ገላ.5፣1415)፣ “ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፣ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ አኅዋት ነፍስኹም ስለ ዘጽርየልኹም ብንጹሕ ልቢ ነንሓድሓድኩም ተፋቐሩ።”(1ጴጥ.1፣22) ።

ንበይንና ኮይንና አብ ዝስመዓና ሰዓት “ምሳኻትኩም እየ’ሞ፣ አይትፍርሑ፣ አነ አምላኽኩም እየ’ሞ አይትሸበሩ፣ ከበርትዓኩም ፣ ክረድኣኩም በታ ኃያል የማነይቲ ኢደይ’ውን ክድግፈኩም እየ።”(ኢሳ.41፣10) ።

ቅንኣት ነፍሳትን መንፈስ ሓዋርያውነትን የሕድረልና። ንልዑል ስሙ ናብ ካልኦት ከም ዝባጻሕ ምግባር እዩ። “ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ፤ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ።”(ማር.16፣15) ።

ምስ ኃጣእና ብኅልናና ከም እንውቀስን እንጽጸትን፣ ብምሥጢረንሥሓ ከም እንልወጥን ይገብረና። “ካባኻትኩም እቲ ኃጢኣት ዘይብሉ ቅድም እምኒ ይደርብየላ።…ንሳቶም ግን ነዚ ምስ ሰምዑ፣ ብኅልናኦም ተረትዑ።”(ዮሓ.8፣7-9) “ሽዑ እቲ ኃጥእ ናብ ልቡ ተመሊሱ፣ እንጌራ ዝተፎም አገልገልቲ ናይ አቦይ ክንደይ እዮም፣ አነ ግና አብዚ ብጥሜት እመውት አለኹ። ተንሢኤ ደኣ ናብ አቦይ ክኸይድ’ሞ፣ አቦ አብ ቅድሚ ሰማይን፣ አብ ቅድሜኻን ኃጢኣት ገበርኩ፣ ደጊም ወድኻ/ጓልካ/ ክበሃል አይበቅዕን እየ። ከም ሓደ ከም ገላውኻ ግበረኒ።….”(ሉቃ.15፣17-24) ናብ ምባል የብጽሓና። እዚ ምሥጢረ-ኑዛዜ እንድዩ፣ በዚ አቢልና ፍትሓት ተቐቢልና ከኣ፣ ብሓቂ ኢና ንመሓር። ብሓጺሩ ናብ ጽኑዕ ርክብ ምስ አምላኽን ሰብን ናብ ሓቀይና አምልኾን ስግደትን፣ ሱታፌ ቅዱስ መኣዱን ይመርሓና። (ዮሓ.6፣25-59)በዚ ከኣ ንሕይወት  ንክንውንና ንበቅዕ።

                                                                                                                                                                                      ይቅጽል……….

አባ ሃይለ ተስፋማርያም (ውመ)

ዘማኅበረ-ልኡካን (ላዛሪስት)