ክብረ በዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት – ስብከት ሊ.ጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም


ስብከት ሊ.ጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያምክብረ በዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት – ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት

ኣሥመራ ፲፮ ለካቲት ፳፻፰፣ 24 ለካቲት 2016

ካብ ርሑቕን ቀረባን ንእኖና ኪዳነ ምሕረት ከተኽብሩ ዝነገድኩም፣ ብፁዕ ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፡ ክቡራን ካህናት ክቡራት ደናግል፡ ፍቁራን ምእመናን ክርስቶስ፣ ጉዳያት፣ ዓብይቲ ዓድን ኩልኹም ኣጋይሽን፣ ቅድሚ ኲሉ እንቋዕ እግዚኣብሔር ናብዚ ክቡር መዓልቲ እዚ ብደኃነ ሰላም ኣብጽሓና።

ከም እንፈልጦ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ንኩልና ምንጪ ታሕጓስን ተስፋን እዩ። ዓመት መጸ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኩሉ ካልእ ሓጀትና ይጽንሓልና ኢልና፡ ናብ ኣዴና መጺእና ክንጽልን ክንምህለልን ክንውድሳን ኣማልድልና ክንብላን ንተኣኻኸብ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብቲ ድሮ ጀሚርናዮ ዘሎና ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ስለዝወዓለት ድማ ዝያዳ ትርጉም ኣለዋ። ኣዴታት “ኢየሱስ ዝወዳ ምሕረት ዝልማዳ ኣደየ ለምንልና ግዳ” እናበላ ክልምንኣ ሓዲረን። ያረዳውያን ሊቃውንቲ ከኣ “ኣንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለኣዳም ኣመ ይሰደድ እምገነት”፥ ኣዳም ካብ ገነት ክስጐጒ ከሎ ሓንቲ ተስፋ ዝኾንክዮ ንስኺ ኢኺ እናበሉ ክውድስዋ ሓዲሮም።

እግዚኣብሔር ኣቦና“መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፥ ንዂራ ደንጓዪ፡በዓል ዓብይ ፍቕርን ሓቅን” (ዘፀ 34፡6)፣ “ምሕረቱ ከኣ ንዘለዓለም እዩ” (መዝ 136)። “እቲ ብምሕረት ሀብታም ዝኾነ ኣምላኽ” (ኤፈ 2:4) ፥“ብምኽሪ ርጉም ተመን ትእዛዙ ምስ ኣፍረስና፡ ካብታ ናይ ደስታ ገነት ናብ ጥፍኣት ወጻእና። ካብ ሕይወት ናብ ሞት፡ ካብ ሓርነት ናብ ባርነት፡ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ኃጢኣት ተገዛእና፣ ንሱ ግና ንፍጥረቱ ኣይኅደገናን፡ ሸለልውን ኣይበለናን፣ ከምቲ ዝበደልናዮ ኣይተቐየመናን። ብኃጢኣትና ፈጺምና ክንጠፍእ ከኣ ኣይኃደገናን፣ እኳ ደኣ ኣፍቀረናን መሓረናን ራኅርኃልናን፣ ካብ ኢድ እቲ ዚገዝኣናውን ኣናገፈና፣ ነቦኡ መልኣኽ ምኽሩን የማናይ ኢዱን ኃይሉን ጥበቡን ተበጃውን መድኃንን ዝኾነ ወዱ ለኣኸልና” (ቅዳሴ ዮሓንስ ኣፈወርቅ)፣ “ኣነ እግዚኣብሔር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፣ ንኲራ ደንጓዪ፡ በዓል ዓብይ ፍቕርን ሓቅን፣ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ፍቕረይ ዝሕሉ፣ ዓመጽን ምፍራስ ሕግን ኃጢኣትን ይቕረ ዝብል” (ዘጸ 34፡6-7)። ብሓቂ ከኣ “እግዚኣብሔር ርኅሩኅን ቅኑዕን እዩ፣ ኣምላኽና መሓሪ እዩ። እንግዚኣብሔር ንገርህታት ይሕልዎም” (መዝ 116፡5-6) ዝብሉ ብዙኃት ጠቕስታት ኣብ መላእ ቅዱስ መጽሓፍን ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾናን ንረክብ ኢና።

ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ምሕረት ጭርሖና “መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ” ምዃኑ ኲልና ተገንዚብናዮ ክንከውን ተስፋ እገብር። ባዕሉ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ሉቃስ “ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ርኅሩኅ ዝኾነ ንስኻትኩም ከኣ ርኅሩኃት ኩኑ” (ሉቃ 6~36) ክትጽልዩ ከሎኹም ከኣ “ንሕና ንዝበደሉና ከምዝኃደግናሎም በድልና ኅደገልና” በሉ ከምዝበለና ብፍላይ ሎምዘመን መሓርቲ ርኅሩኃት፥ ከምቲ መሓርን ርኅሩኅን ፈጣሪናን መድኃኒናን ክንከውን ንዕደም ኣሎና። ከም ቃኤል ንኃውና ኣይንጨክነሉ ንኃውትና ኣይንጨክነላ። ቃኤል ንኣቤል ኃው ብቅንኢ ተደሪኹ ምስ ቀተሎ እግዚኣብሔር ኃውኻ ኣበይ ኣሎ? ዝብል ዕርፍቲ ኅሊና ዝኸልእ ሕቶ ሓተቶ። ቃኤል ከኣ ልቡ ተሪሩ ኅሊናኡ ዓዊሩ ስለዝነበረ “’ኣይፈልጥን፣ ኣነዶ ሓላው ኃወይ እየ’ ኢሉ መለሰ” (ዘፍ 4፡9) ። እዚ ሕቶ እዚ ንነፍስወከፍናውን ዕለት ዕለት እግዚኣብሔር ዘቕርበልና ሕቶ ምዃኑ ክንርስዕ የብልናን። መልስናኸ ከመይ ዝበለ ይኸውን? ከም ቃኤልዶ “ናይ ኃወይ እንታይ ገዲሹኒ” ኢልና ንምልስ፥ ወይስ መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ ኮይንና ነኅዋትና ንድንግጸሎምን ንርኅርኃሎምን?። ብፍላይ ሎምዘምን ነቶም 14 ናይ ምሕረት ስራሓት ናትና ኢልና ክንዕጠቐሎም ዕዱማት ኢና። ምእንቲ እግዚኣብሔር ንኃውና ከነኽብር፡ ክንምሕር፡ ይቕረ ክንብል፡ ከነፍቅር ክንሕግዝ፡ ከነተባብዕ፡ ክንመክር፡ ፍትሒ ከነውጽኣሉ ትሑዛት ኢና። በዚ ምኽንያት እዩ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን “መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም”(ማቴ 5፡7)ዝበለና።

ክቡራን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ኣብዚ ጊዜና ኃውኻ ኣበይ ኣሎ ኢልካ ጥራይ ምሕታት እኹል ኣይኮነን። ኣምላኽካ መን ይበሃል? ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ? ዝብሉ ሕቶታትውን ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። ኣምላኽና መን ምዃኑ ኣነጺርና እንተዘይፈለጥና፣ ነቲ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጸልና እውነተይናን መሓርን ርኅሩኅን ኣምልኽ እንተዘይረኺብናዮ፣ ንኃውና ንኃውትና ከምቲ ዝግባእ ክንረኽቦምን ከነኽብሮምን ክንርኅርኃሎም ከጸግመና እዩ። ኣብ ጸገሞም ክንድንግጸሎም እንተበደሉናውን ክንምሕሮም ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ኣቦ እንተዘይፈሊጥናዮ ነቲ “መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ” ዝብል መሪሕ መደብ ናይዚ ዓመት እዚውን ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ እዚ ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ከገርመና የብሉን፥ ኣዝዩ እዋናዊ ሕቶ እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ንሕዝቢ እስራኤል ብእግዚኣብሔር ዝተዋህቦም ትእዛዝን ብመራሕቶም ቀጻሊ ዝድገመሎም ዝነበረ መምርሕታት እውን ነዚ መሠረታዊ ሕቶዚ ዝምልሱ እዮም። “ብዘይካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣየሃልውኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለው ምስልን ስእልን ኣይተግበር፥ ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን”(ዘጸ 20፡2-5)። “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ ነኣኡ ድማ ኣምልኽ” (ዘዳ5፡6-9)። “ኦ እስራኤል ስማዕ! እግዚኣብሔር ኣምላኽና በይኑ ሓደ እግዚኣብሔር እዩ” (ዘዳ 6፡4) ።“ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብዂሉ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ኃይልኻን ኣፍቅሮ (ዘዳ 6፡5) ። ሓድሓደ ጊዜ ብዛዕባ ኣምላኾም እቶም ጐረባብቶም ዝሓትዎም ዝነበሩ ሕቶውን ከምዝነበረ ንርዳእ። መዝሙር ዳዊት ቊ 115 ከምዝብሎ፡ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ፍሉይ ጸገም ክርከቡ ከለው፡ወይ ከኣ ገለ ከቢድ ስዕረት ከጋጥሞም ከሎ፡ እቶም ጎረባብቶም ዓሌታት ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ኃያል ትብልዎ ኣምላኽ እናበሉ የላግጹሎም ስለዝ ነበሩ፣ ሕዝቢ እስራኤል ከኣ “ስለምንታይ እዮም ኣሕዛብ ‘ኣበይ ደኣ ኣሎ ኣምላኽኩም’ ዚብሎና? እናበሉ ንርእሶም ይሓቱ’ሞ፡ ተመሊሶም ከኣ “ኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት ኣሎ፥ ንሱ ንዝደለዮ ዂሉ ዚገብር ኣምላኽ እዩ” (መዝ 115፡2-3) እናበሉ እምነቶም የሓድሱ ነበሩ።

ሎሚውን ኣምላኽና ኣበይ ኣሎ? ከመይ ዝበለ ኣምላኽከ እዩ? ሓደ ኣምላኽ ጥራሕ ድዩ ዘሎና ወይ ዝተፈላለዩ ኣማልኽቲ ኣሎውና? ንዝብሉ ሕቶታት ምምላስ እምነትና ንምብርባር ክሕግዘና ይኽእል እዩ። እቲ “ብዘይካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣየሃልውኻ” ዝብል ትእዛዝ እግዚኣብሔር ሎምውን ዓብይ ትርጉምን ትምህርትን ኣለዎ። ኣምላኽ ማለት ሃምኻን ቀልብኻን ማሪኹ ንኣኡ ጥራሕ ከምእትሓስብን ከምእተቐድምን ዝገብረካ ኃይሊ ማለት እዩ። እዚ ንልብና ዝቆጻጸር ኣምላኽ ግን እቲ ሓቀይናን መሓርን ርኅሩኅን እግዚኣብሔር ወይ ከኣ ሓደ ካብቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ክኸውን ይኽእል። ገለስ ኣምላኽ ብጭራስ የልቦን ዝብሉውን ኣለው። ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ዓሻ ብልቡ ‘ኣምላኽ የልቦን’ ይብል፡ ኩላቶም ተበላሺዎም፡ ፍንፉን ግብሪ ይገብሩ፡ ሠናይ ዚገብር ሓደኳ የልቦን” (መዝ14፡1፥ 53፡1) ይብለና። ኢየሱስ መድኃኒና ግን “ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየበላሽዎ፡ ሰረቕቲ ኲዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኣክቡ። ከመይ ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ” (ማቴ 6፡20-21)። ሃብትና ኣብ ዘለዎ ልብናውን ኣብኡ ኣሎ። ኣብቲ እውነተይናይ መሓሪ ኣምላኽ ዘይኣምን ሰብ፥ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘይብሉ ሰብ፡ ንብጻዪ ከኽብር ወይ ከፍቅር ኣይኽእልን እዩ። ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ስምዒት እዩ መምርሒ ሕይወቱን ተግባራቱን። ሎሚውን ብዝተፈላለየ ኃላፊ ህርፋን ሀብትን ስልጣንን ፍትወት ሥጋን ወይ ብጊዚያዊ ስቓይን ጸገምን ተታሊልና እግዚኣብሔር ዘየሎ ወይ ዝጸመመ መሲሉና ናብ ካልኦት ሓሰውቲ ኣምልኽቲ ንጐዪ ከይንህሉ ንርእስና ንሕተት። እዚ ከኣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንስበ ገላትያ ዝብሎም ናይ ሎሚ ሓደስቲ ኣማልኽቲ፡ ጥንቆላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቊጥዓ፡ ገዛእ ርእስኻ ምፍታው፡ ብልሽውና፥ ምፍልላይ፡ መናፍቕነት፡ ቅንኣት ስኽራን፡ ጓይላ፥ (ገላ 5፡20ርአ) ወጻኢ ምኻድ፥ ፍቕሪ ገንዘብ ወዘተ– ክኾኑ ይኽእሉ። እዚኣቶም ከኣ ካብቲ ቅኑዕ ኣምልኾ የዘናብሉና፡ ነቲ ንፈልጦ ዝነበርና ሓቀይና ኣምላኽ ከምንርስዕ ይገብሩና። ንዓ ደኣ ኣብዚ ኢኻ ትሓዊ፣ ንዒ ደኣ ከምዚ እንተገበርኪ ኢኺ ዝሰልጠኪ፡ እናበሉ ዘታልሉና ሓሰውቲ ነቢያት እውን ከጋጥሙና ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ኣብ መጽሓፍ ነቢዪ ኤርሚያስ ባዕሉ ኣምላኽና “ኣነ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ኣምላኽ እስራኤል ኣሰምዓልኩም ኣሎኹ። በቶም ኣብ ማእከልኩም ዚነብሩ ነቢያትን ጠንቆልትን ኣይትታለሉ፣ ብሕልሞምውን ኣይትእመኑ። ንሳቶም ብስመይ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለው። ኣነ ከኣ ኣይለኣኽኩዎምን” (ኤር 29፡8-9) እናበለ ንጹር ስምዕታ የሰምዓልና ኣሎ። ሙሴውን ንሕዝቢ እስራኤል፣ “መውደቕ ዛዕጐል፣ ወይ ብደመናን ብተመንን ዚጥንቊል ወይ ኣስማተይና፣ ወይ ብድግምት ዚጐድእ፣ መናፍስቲ ዚጽውዕ፣ ወይ ጠንቋሊ፣ ወይ ንምውታት ዚሓትት፣ ኣብ ማእከልኩም ኣይሃሉ። እዚ ነገርዚ ዚገብር ኲሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ፍንፉን እዩ” (ዘዳ 18፡10-12) ክብል ኣቐዲሙ ንሕዝቢ እስራኤል ዝሃቦም መጠንቀቕታ ንኣናውን ጠቓሚ እዩ። ስራሕ ኢድ ደቅሰብ ዝኾኑ ናይ ወርቅን ብሩርን ጣዖታት ኪንጸጉ ከምዝግብኦም ብምሉኡ ቅዱስ መጽሓፍ ደጋጊሙ የዘኻኽረና። መዝሙር ዳዊት 115“ጣዖታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ሥርሓት ብሩርን ወርቅን እዮም። ኣፍ ኣለዎም ግና ኣይዛረቡን እዮም፣ ኣዕይንቲ ኣልዎም ግና ኣይርእዩን፣ እዝኒ ኣለዎም ኣይሰምዑን፣ ኣፍንጫ ኣለዎም ኣየሸትቱን፣ ኢድ ከለዎም ኣይድህስሱን፣ እግሪ ከለዎም ኣይከዱን፣ ብጐረሮኦምም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን፣ እቶም ዝገበርዎምን ኣብኦም ዝውከሉን ኲሎም ከምኣቶም ይኹኑ”: (መዝ 115፡4-5፣ ኢሳ 44፡9-20) እናበለ ዘየወላውል ትምህርቲ ይህበና። ንሕናውን ከይተፈለጠና ከይንዘናበል ንጠንቀቕ። መን እዩ ኣምላኸይ? ከመይ ኢለ እየ ዝረኽቦ? መልክዕ ኣምላኸይ ድምጺ ኣምላኸይ ከይጠፍኣኒ ከይርሕቀኒ እንታይ ክገብር ኣሎኒ? እናበልና ብፍርሃትን ብረዓድን ሕይወትና ንፈትሽ። “ኣቱም ኣምላኽ ኣማልኽቲ ንዝኾነ እግዚኣብሔር እተምልኹ ኲልኹም ኣመስግንዎ፥ ምሕረቱ ንዘለዓለም ይነብር እዩሞ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ ከምኡውን ኣመስግንዎ” (ዳን 3፡68)።

መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ ተኸተልቱ ሓዋርያት ዝመሃሩናን ዘመሓላለፉልናን ሓቂ እንተሎ፡ እግዚኣብሔር ከኣል ኲሉ፡ ፈጣር ኲሉ፡ ርኅሩኅ፡ መፍቀር ሰብ፡ ንምሕረት ቅልጡፍ ንቊጥዓ ግን ደንጓዪ ዝብል ኣዩ። ኣብቶም ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ቅዱስ ዩስጢኖስ ሰማዕት ንሓደ ትሪፎን ዝበሃል ኣይሁዳዊ ሊቅ ብዛዕባቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዝነበሮ ጽኑዕ ክርስትያናዊ እምነቱ ክምልሰሉ ከሎ ከምዚ ይብል፣ “ኦ ትሪፎን፣ ንሱ (እግዚኣብሔር) እቲ ንዓለም ዝፈጠረን ዝሠርዐን እንተዘይኮይኑ፣ ዓለም ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፣ ካልእ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይነበረን፣ ንዚመጽእውን ፈጺሙ ኣይክህሉን—እቲ ናትና ኣምላኽ ካብቲ ናትካ ዝተፈልየ እዩ ኢልና ኣይንሓስብን። ንሱ እቲ ነቦታትካ “ብኃያል ኢድን ብዝተዘርግሐ ቅልጽምን” ካብ ግብጺ ዘውጽእ ኣምላኽ እዩ። ካልእ ኣምላኽ ስለዘየልቦ፣ ኣብቲ ንስኻ እትኣምኖ፣ ኣብቲ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቕን ያዕቆብን እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ገለ ካልእ ኣምላኽ ተስፋና ኣይነንብርን ኢና” (ቅዱስ ዩስጢኖስ፡ ተዋስኦ ምስ ትሪፎነ ኣይሁዳዊ 11፡1 ኣበው ግሪኽ 6፡497)። ንሕናውን ኣብዚ ዓመትዚ ምስ ኤርሚያ ነቢይ ኮይንና “ኦ እግዚኣብሔር ከማኻ ሓደ እኳ የልቦን፣ ንስኻ ዓብይ ኢኻ፡ ስምካ ድማ ብሥልጣን ዓብይ እዩ። ኣታ ንጉሥ ሕዝብታት፡ መን እዩ ዘየኽብረካ፡ ክትከብር ይግባኣካ እዩ፣ ከመይ ካብ ኲሎም ጠቢባን ሕዝብታትን ካብ ኲሎም መንግሥታቶምን ሓደ እኳ ከማኻ የልቦን” (ኤር 10፡6-7) እናበልና እምነትና ነሓድስ። ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ጥራሕ ነምልኽ፥ ነኣኡ ንብሕቱ ጥራሕ ነገልግል። ኢየሱስ ባዕሉ “ንክልተ ጐይቶት ኪግዛእ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን፡ ከመይ ነቲ ሓደ ኪጸልእ ፡ ነቲ ሓደ ከፍቅር እዩ፣ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ከኽብር፡ ነቲ ሓደ ከሕስር እዩ። እምበኣር ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” (ማቴ 6፡24) ከምዝበለ፡ ብዘይተኸፋፈለ ልቢ፥ ብዘይምውልዋል፥ ብዘይ ምጥርጣር ኣብቲ ሓደ ኣምላኽናን ፈጣሪናን መድኃኒናን ዘሎና እምነት ነደልድል። ብምሥጢረ ጥምቀት ሓደ ጊዜ ናይ ክርስቶስ ድሕሪ ኮይና፡ ንድሕሪት ምባል ክንገድፎ ኣሎና። ዝኣቶናዮ መብጽዓ ክንጠልም የብልናን። ካብቲ ሓደን እውነተይናን ኣምላኽና ዘዘናብለና ነገር ኲሉ ክንሓድጎን ክንፍንፍኖን የድሊ። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ኤፈሶን “እምበኣርከስ ንስኻትኩም ድኅሪ ደጊም ከምቲ ኣሕዛብ በቲ ከንቱ ዝኾነ ሓሳባት ዚነብሩ ዝነበሩ ከይትነብሩ ብጐይታ እነግረኩምን ኣሰምዓልኩምን ኣሎኹ። ንሳቶም ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ እቲ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቊርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ሕይወት ኣምላኽ ርሒቖም እዮም። ንሳቶም ደንዚዞም እዮም፥ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለዝሰሰዑ ከኣ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦም እዮም” (ኤፈ 4፦19)ከምዝበሎም ንኣናውን ሎሚ ይደግመልና ኣሎ።

ክቡር ሕዝበ እግዚኣብሔር፥ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፥ ኣብቲ ዓመት ምሕረት ንምእዋጅ ዝጸሓፍዎ ገጽ ምሕረት ኣምላኽ ዝኣርእስታ ዓዋዲት ሰነዶም፥ እኖና ማርያም ኣደ ወዲ ኣምላኽ ክትከውን ስለዝተሓርየት ካብ መጀመርያ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ታቦት ኪዳን ክትከውን ፍቕሪ ኣምላኽ ዘሰናደዋ ሕርይቲ ፍጥረት እያ። ልባ ምስ ኢየሱስ ወዳ ፍጹም ሓድነት ዘለዎ መለኮታዊ ምሕረት ዝመልኦ እዩ። እቲ ኣብ ኣፍደገ እንዳ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ኮይና ዝዘመረቶ መዝሙር ምስጋና ነቲ “ንውሉድ ወለዶ” (ሉቃ 1፡50)ዚመሓላለፍ ምሕረት ኣምላኽ ዝተወፈየ እዩ። ንሕናውን ኣብዚ ናይ ድንግል ማርያም ትንቢታዊ ቃላት እቱዋት ኢና። እዚ ነቲ ናይ መለኮታዊ ምሕረት ፍረ ከነስተማቕር ነቲ ናይ ቅዱስ ዓመት ድርኲኺት ማዕጾ ምሕረት ክንሰግር ከሎና ምንጪ ምጽንናዕን ኃይልን ክኾነና እዩ (ገጽ ምሕረት ኣምላኽ ቊ24 ርአ) ይብሉና። ነዚ ተዋሂቡና ዘሎ ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት ምስ ኣዲና ኪዳነ ምሕረት ኮይንና እንተ ተጓዒዝናዮ ብዙኅ ጸጋን በረኸትን ከምእንረክብ ብጊዴና ከኣ መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ ክንከውን ምእንቲ ክንክእል ካብቲ ፍቁር ወዳ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ለሚና ከምእተስልጠልና ርጉጻት ኢና። ንኣኣ እንተሒዝና ኣምላኽና መን ምዃኑ፡ መድኃኒና መን ምዃኑ ንምፍላጥ ኣይክጽግመናን እዩ። ንኣኣ እንተተኸቲልና ኪዳና ዘይውዳእ ስለዝኾነ ክንዕወት ኢና። ኣምላኽና መን ምዃኑ፥ ኣበይ ከምእንረኽቦውን ኣጸቢቕና ክንፈልጥ ኢና። ኣብ ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላውን ነቶም ኣጋፈርቲ “ንሱ ዚብለኩም ግበሩሞ” ክሰልጠኩም እዩ ብምባል እያ ክብሪ ክርስቶስ ወዳ ከምዝርእዩ ዝገበረት። ንኣናውን ነቲ ሓደ እውነተይና ኣምላኽና ብዘይ ምጥርጣር ከነምልኽን፡ ነቲ ሓደ ወዱ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ ክንፈልጥን፡ ከነፍቅርን፡ ክንክተልን፡ ንሱ ዝኣዘዘና ኲሉ ክንፍጽምን ዘድልየና ጸጋ ከተማልደልና እያ። ምሉእ ዓመተ ምሕረት ምስ ኣዴና ኪዳነ ምሕረት! ንኲልና እዚ ኢዮቤል እዚ ዓመት ንስሓ፡ ዓመት ምሕረት፡ ዓመት ዕርቂ፡ ዓመት ፍትሒ ዓመት ፍቕርን ሰላምን ይግበረልና። ጸሎትናን ምህልላናን፡ ጾምናን ንግደትናን ምጽዋትናን ድኻምናን ተቐቢሉ ዘድልየና ጸጋታት የፍስሰልና። ነቶም ነዚ በዓል እዚ ዕውት ክኸውን ዝጸዓርኩምን ዝተለኣኽኩምን፡ ክቡር ቆሞስ ምስ ሓገዝትኹም ካህናትን ደናግልን ምእመናን፥ ከምኡውን ኣኽበርቲ ጸጥታ፥ ብልቢ እናመስገንኩ፥ ኪዳነ ምሕረት ባዕላ ጻማኦም ትርኣየሎም። ቡሩኽ ኣውደ ዓመት ንዂልና።
ኣባ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም
ሊቀ ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ