ምዝዛም መደብ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ


ብፁዕ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝኣወጁልና ካብ 8 ታሕሳስ 2015 ክሳዕ 20 ኅዳር 2016 ዝጸንሐ ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ፡ ብመሠረት እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ “ገጽ ምሕረት ኣምላኽ” እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዝሃብዎ መምርሒ፡ ኣብቲ ዝተወሰነሉ ዕለት ማለት ዝሓለፈ ሰንበት 13 ኅዳር 2016 ዓ.ም ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ ብውዕውዕ መንፈስ ምስጋና ተዛዚሙ። ኮሚቴ ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስን ዓመተ ምሕረትን ብዘውጽኦ መደብ ጸሎት ሳብዕቲ መሠረት “እቲ ቀዳማይ ክፋል ጸሎት ሳልስቲ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኣብ ቁምስናኡ እንኪካየድ፡ ቀጺሉ ከኣ ካብ 10 ክሳዕ 12 ሕዳር ምእመናንን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ብብዝሒ ዝተሳተፍዎ “ካብ መስዋዕቲ ምሕረት እፈቱ”፡ ብኣባ ሰለሙን ወልዱ ማሕበረ ልኡካን፡ “ፍትሕን ምሕረትን” ብኣባ ፍስሓጽዮን ዓ/ማርያም ማሕበር ቅ.ዶንቦስኮ፡ “ማርያም እኖ ምሕረት” ብእናቴ ምሕረት ጸጋይ ደናግል ኮምቦኒ ንምሕረት ኣምላኽ ከነስተማቕር ብዝሕግዙ ኣስተምህሮታትን ብስግደት ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባንን መቑጸርያን ምህለላን ቡራኬን ኑዛዜን ዝተሰነየ ጸሎት ሳልስቲ ኪካየድ ቀንዩ። ኣብቲ ዛዛሚ ዕለት ሰንበት 13 ኅዳር ከኣ ምእመናን ቍምስናታት ኣሥመራን ካብ ኣሥመራ ወጻኢ ዘለዋ ቍምስናታት ዝመጹ ተወከልቲ ምእመናንን ኣብ ከባቢ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ተኣኻኪቦም፡ መዝሙርን መቍጸሩያን እናብጽሑ ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ድኅሪ ተኣኻኪቦም፡ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ሓጺር መግለጺ ናይቲ መደብ ተዋሂቡ፡ ብሊቀጳጳስን ካልኦት ካህናት ብማይ ጸሎት እናተበረኹ ንቤተክርስትያን ኣተው። ቤተክርስትያን ድማ ካብ ጻት ናብ ጻት ቅጽጽ በለት። ቀጺሉ ኣሽሓት ምእመናንን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዝተሳተፍዎ ብብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ምስ 25 ለባስያን ካህናት ዝተመርሐ መስዋዕቲ ቅዳሴ ብውዕውዕ መንፈስ ዓረገ። ኣብ እዋን ስብከት ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ንኹሎም ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ምእመናን ከምቲ ኣብዚ ርእሰ ኣድባራት ሓቢርና፡ ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ዝጀመርናዮ፡ ሓቢርና ክንዛዝሞ እንቋዕ ኣብቅዓና ድኅሪ ቢሎም፣ ምዝዛም ክንብል ከሎና ግን ነቲ ቤተክርስትያን ዝሃበትና ውሱን ግዜ ንምምልካት እምበር ዓመተ ምሕረት ኣይዕጾን ኢዩ። ካብቲ ኢየሱስ ዝተወለደሉ እዋን ጀሚሩ ‘’ዓመተ ምሕረት’’ ቢልና ኢና ንቆጽር ዘሎና፡ ስለዚ ዓመት መጸ፡ ዓመተ ምሕረት፡ ዕለት መጸ፡ ዕለተ ምሕረት፡ ሰዓት መጸ፡ ሰዓተ ምሕረት፡ ደቂቕ መጸ፡ ደቂቅ ምሕረት ኢዩ ኢሎም። ቀጺሎም ነቲ ዕለት ዝመረጽዎ ኣርባዕተ ንባባት ቅ.መጽሓፍ እናጠቐሱ፡ ካብ መልእኽቲ ቅ.ጳውሎስ ናብ ኤፌሶን ነቲ “ቀደም፡ ንሕና’ውን ኩልና ትምኒት ሥጋን እናፈጸምና ከም ድሌትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርና ከምቶም ካልኦት ቁጥዓ እምላኽ ዚግብኣና ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንኣና ብበደልና ምውታት እኳ እንተ ነበርና ምስ ክርስቶስ ሕያዋን ገበረና፥ ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም።” ዝብል ንዝተዋህበና ዕድል ምሕረት ክንጥቐመሉ ዘተሓሳስብ፡ ካብ መልእኽቲ ቅ.ያዕቆብ “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ”፣ ዚብል ከምኡ’ውን ካብ ግብረ ሓዋርያት ቅ.ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሓንስን ነቲ ዝለመሰ ሰብኣይ ብምሕዋይ እምነቶም ኣብ ግብሪ ከምዘውዓሉ ንነፍሲወከፍ ንባብ ሓጺር መግለጺ ሂቦም። ኣብ ንባብ ቅ.ወንጌል ኣተኩሮም ከኣ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ሉቃስ “ኣነ ግና ንኣኻትኩም ንትሰምዑኒ እብለኩም ኣሎኹ፥ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ንዝጸልእኹም ድማ ጽቡቕ ግበሩ። ንዝረግምኹም መርቁ፡ ምእንቲ እቶም ዝጸልእኹም ጸልዩ…ሠናይ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ከይተጸበኹም ኣለቅሑ፡ እግዚኣብሔር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርኅሩኅ እዩ እሞ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑል’ውን ክትኮኑ ኢኹም። ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ርኅሩኅ ዝኾነ ንስኻትኩም ከኣ ርኅሩኃት ኩኑ። ኣይትፍረዱ ኣይኽትፍረዱን ኢኹም ኣይትኾንኑ ኣይክትኹነኑን ኢኹም፡ ኅደጉ ኪሕደገልኩም እዩ” ይብለና። ኣብዚ ኢየሱስ ሰለስተ ነገራት ኣነጺሩ ይነግረና። ኣቲ ቀዳማይ ካብ ብኣሉታዊ ኣበሃህላ ‘’ኣይትስረቕ፣ ኣይትቅተል”፣ ምባል ብኣወንታዊ ኣበሃህላ ‘’ኣፍቅሩ’’፡ መርቁ’’፡ “ጸልዩ’’ እናበለ ካብ ክፉእ ካብ ምሕላው ጽቡቕ ምግባር ከምዝሓይሽ፥ ካልኣይ ከኣ ንዘፍቀረካ ምፍቃር፡ ንዘለቅሓካ ምምላስ ዘይኮነ፡ ኣነ ዝያዳ ኢየ ዝሓተኩም ንጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ጸልዩሎም፡ ኣይትፍረዱ ይብለና። ከምኡ’ውን ከም ሓደ ዓቢይ ወይ ፍሉጥ ሰብ ዘይኮነስ ‘’ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም መሓሪ ዝኾነ መሓርቲ ኩኑ’’ይብለና። ኣብዚ ዓመት ምሕረት’ውን ብቆሞሳትና፡ ብደናግል ብመማህራን ትምህርተ ክርስቶስ ተሓጊዝና ነዚ ኢና ከነስተንትን ኣሕሊፍናዮ፡ ሓቢርና ከኣ ብዙሕ መደባት ጸሎት፡ ንግደት ፡ ምህለላ ገይርና ንጽድቂ ይግበረልና። እንተኾነ እዚ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝተለማመድናዮ ኩሉ ጽቡቕ “መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ” ክንከውን ብዝበለጸ ናህሪ ኪንቅጽሎ ኢዩ ዘሎና ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሎምዘመን ንኢየሱስ “ገጽ ምሕረት ኣምላኽ’’ ቢሎም ፍሉይ ስም ሂቦምዎ። ምሕረት ኣምላኽ ክንርኢ ናብ ኢየሱስ ንጠምት። እግዚኣብሔር መን ምዃኑ ክንፈልጥ ናብ ኢየሱስ ንምጻእ። ንኢየሱስ ከኣ ኣብ ወንጌል ኢና ንረኽቦ። ቢሎም፡ ኪዳነ ምሕረት እኖ ምሕረት ብኣማልድነታ ትሓግዘና፡ ዚቕጽል ዓመት ከኣ ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ይግበረልና ቢሎም ስብከቶም ዛዚሞም። ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ከኣ ክቡር ኣባ ሰሎሞን ወልዱ ኣባል ኮሚቴ ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስን ዓመተ ኢዮቤል ምሕረትን ኣብ’ቲ ካብ 8 ታሕሣሥ 2015 ዓ.ም. ክሳዕ 13 ኅዳር 2016 ዓ.ም ዝጸንሐ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ካብ ዝተፈጸሙ ንሓዋሩ’ውን ኪቕጽሉ ዘለዎም መደባትን ንግደት ዓውደ መጽናዕትታትን ካልእ ዓበይቲ ንጥፈታትን ዝምልከት ጽማቕ ጸብጻብ ንሕዝቢ ኣስሚዖም። ቀጺሉ ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ነቲ ዕለት ዝደረሱዎ ጸሎት ምስጋና ምዝዛም ዓመት ኢዮቤል ምሕረትን ስርዓት ምዕጻው ኣፈቤት ማእከላይ ማዕጾ ቤተክርስቲያን ኪዳነ ምሕረትን ተገይሩ፡ ናይቲ ጸሎት ሳልስትን ናይ ዕለቱ መደባትን ፍጻሜ ኮነ። ኩሉ እቲ መደባት እዚ ዕለትን ናይ ምሉእ ዓመት ዝተገብረ መደባትን “ይዋእ ዘይተሳተፎ” ዘብል እዩ፣ ንእምነት ዘበራብርን ዜነቓቕሕን፡ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ ነይሩ። እቲ ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ይወዳእ’ምበር ብሓቂ እቲ ጽቡቕ ተመኩሮ እዚ ዓመት ኪቕጽል ዘለዎ ኢዩ። ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ ግርማይ ኣስፍሃ