ምውህሃድ እምነትን ግብርን


Faith without works is deadምውህሃድ እምነትን ግብርን

ኣብ’ዚ  ዓመተ  እምነት  ንምንታይ   እዩ ‘ምውህሃድ  እምነትን  ግብርን’ ብዚብል ኣርእስቲ  ከነስተንትን ዝተዓደምና ቢልና  ምስ እንሓትት፣   እምነትን ግብርን ተራሓሒቑ ብምርካቡ፣ ኣብ’ዛ ሃገርና ብርሃን ወንጌል ጽልግልግ ምእንቲ ከይብል፣ ዓመተ እምነት  ምኽንያት ብምግባር፣ ግብሪ ዜሰነዮ  ጉዕዞ እምነት ምእንቲ ክንገብር ብዚብል ኣተና ኢዩ። እዚ ከኣ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት ኣብ’ታ ኣፍ ደገ እምነት እትብል መልእኽቶም “ሎሚ ንዓለም ዜድልዮ  ዘሎ ፍሉይ  ነገር እንተ’ልዩ፣  ብቓል-ጐይታ  ብርሃን  ኣእምሮን  ልቦናን  ዝተዓደሉ ምርኡያትን  ቅቡላትን መሰኻኽር  ኮይኖም ኣብ ናይ ካልኦት ዝኸምኦም ልቦናን ኣእምሮን ሃረርታ-ኣምላኽ ዘሕድሩ፣ ናይ’ታ መወዳእታ ዘይብላ ሓቀይና ሕይወት ባህጊ ከም ዚሓድሮም ንምግባር ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት” (ቍ.15) ኮንና ንኽንርከብ  ብዚብል  ዕላማ እዩ። እምነቱን  ግብሩን ዜወሃሃደ  ሰብ ርእይ ንዘብሎ ህላዌ ኣምላኽ  ዘዜኻኽር  ቅሉዕ መልእኽቲ   እዩ። ሎሚ  ዓለም  ካብ ጐደናታታ   ንኣምላኽ   ክትሰጕግ   ህርዲግ  ኣብ እትብለሉ  እዋን  ከኣ እቲ እምነቱን   ግብሩን  ዜዋሃሃደ  ሰብ  ዓቢይ  ብድሆ  እዩ ዝኾና።  እቲ ክርስቶስ “ሰባት ንጽቡቕ  ግብርኹም ርእዮም  ንሰማያዊ ኣቦኹም  ምእንቲ  ኬመስግኑ ብርሃንኩም  ኣብ ቅድሚ  ሰብ  ይብራህ” (ማቴ. 5፣16) ዝበሎ ኣውራ ኣብ’ዚ ዘመነ ዓለማውነትን ግድየለሽነትን ሕያው ክንገብሮ ንዕደም ኣለና። ከነስተንትኖ ተቐሪቡልና ዘሎ ኣርእስቲ  “ምውህሃድ እምነትን ግብርን” ዚብል እዩ። እምነት  ዚበሃል  ነቲ  እግዚኣብሔር   ብትውፊት  ኮነ  ብቕ.መጽሓፍ ብሕያውነቱ ዝገለጾ ሓቂ ከይተጠራጠርካ ንምቕባሉ እተኽእለካ  መለኮታዊት ኃይሊ እያ። ነዚ መለኮታዊ ሓቂ ብእምነት ምስ ተቐበልካ፣ ኣምላኽ ኵሉ ከም ዚኽእል  ትኣምን። ንኣኡ ኣሚንካ ዋላ በቲ ዝጸንከረ  ኵነታት  እንተሓለፍካ፣ ከሃሌ ኵሉ ዝኾነ ኣምላኽ ከም ዘሎካ ኣሚንካ ከይተሓለልካ ትቃለስ።

ወድሰብ ኪዕወት፣ ኪጥዒ፣ ኪሕጐስ፣  ኪቐስን፣ ሓቦ ኪብል …. እንተኾይኑ ኣብ ኣምላኹ ድልዱል እምነት ኪህልዎ ይግባእ። ሽዑ እቲ ሕይወቱ ብብርሃን እምነቱ ዝዀልዔ ሰብ፣ ምስ ቅ. ጳውሎስ ሓቢሩ “ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ’ምበር፣ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፣ በቲ ዘፍቀረኒ፣ ምእንታይ ከኣ  በጃ ዝሃበ ወዲ ኣምላኽ ብምእማን  እየ ዝነብሮ ዘሎኹ” (ገላ.2፣ 20) ቢሉ ይዝምር። እወ እቲ ንእምነቱ ዝነብሮ ሰብ “ኣነ ግና በቲ ጐ.ኢ.ክ. ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ” (ገላ.6፣14) ንምባል ይበቅዕ። ሽዑ እምነቱ  ብተግባር ኪገልጾ  ይርከብ።  ሓደ ጸሓፊ “ሃይማኖት  ንኽበድ  ስራሕ ተቃልል፣ ዝበለጸ ርግጽነት ሕይወት ከኣ  ትህብ።  ብዘይካ  ሃይማኖት፣ ብዘይካ ሰማያዊ ተስፋ፣ ሰብ ሓጐስ የብሉን” ይብል። ከም’ዚ ንኺኸውን  ግን እምነት ብግብሪ ክትስነ ኣሎዋ።

ያዕቆብ 2፣13-24 ንጽርቲ  መስቲያት  ምውህሃድ እምነትን  ግብርን እያ። “እምነት  ናይ  ኵሉ  ድኅነትን  ቅድስናን መሠረት  እዩ። እንተኾነ  መሠረት ንብሕቱ ገዛ ኣይከውንን እዩ።  ኣብ ልዕሊ መሠረት ዚህነጽ እዩ ገዛ ዚበሃል። ከምኡ  ኣብ  ልዕሊ እምነትና  ዚፍጸም ጽቡቕ ግብሪ፣ ስራሕ ቅድስና ንሱ እዩ ሕንጻ ክርስትና” (ኣባ ማቴዎስ ሓጐስ፣  ናይ ሓቂ ክርስትና ገጽ 530)። እምነትን  ግብርን ፈጺሙ  ኪነጻጸል  ዘይብሉ፣ እቲ ሓደ ብዘይካ  እቲ ካልእ ኪህሉ ዘይክእል እዩ። ንኦም፣ ሕይወት ዚህቦ እቲ ፍረ ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግን ዘይትፈሪ ኦም  ከኣ ሕይወት  ዘይብላ  እያ። ዘይትፈሪ ኦም  ከም  እትቝረጽ ወንጌል’ውን ይነግረና (ማር.11፣12-14)። ካብ’ዚ ተላዒሉ እዩ ቅ.ያዕቆብ  “ግብሪ ዘይብላ  እምነት  ልክዕ  ፍረ  ከም  ዘይብላ  ኦም  እያ” ዚብለና። እምነት ካብ ተግባር ኣይኮነትን እትውለድ፣ ተግባር እዩ ካብ እምነት ዝፍልፍል።  ስለዚ ዕላማ እምነትካ  ግብሪ እንተዘየሰንዩዎ  ከንቱ እዩ፣ እምነት ብዘይግብሪ ምውቲ እያ፣ ጠቕሚ የብላን። “እዝግዮ እዝግዮ ኣይትበል እዝጊ ዚፈትዎ ግበር” ይብሉ ኣቦታትና።

ሓንቲ መንእሰይ፣  መሓዛኣ  ሓሚማ ከም ዘላ ሓደ ሰብ ምስ ነገራ  “ኣጆኺ፣ ጸሎት እገብረልኪ  ኣሎኹ” ቢልካ  ንገረለይ በለቶ።  ከም ቃላ’ውን ውዕዉዕ ጸሎት  ስለ  ዘብጸሐትላ   ቀሰነት።   ንኣምላኽ   “ጥዕና  ሃባ፣  ሓግዛ…”  ቢላ ነገረትላ።  ኣምላኽ ከኣ ምእንቲ  መሓዛኣ  ጸሎት ብምግባራ ንኢዱ፣  “ሓግዛ ክትብልኒ ከሎኽስ፣ ኣነ ካብ  ሰማይ ወሪደ  ክሕግዛ  ዲኺ  ትጽበዪ  ዘሎኺ?” ቢሉ   ምስ  ሓተታ   “ኣይኮንኩን  ጐይታይ፣   መሓዘይ’ውን  ንስኻ  ወሪድካ ክትሕግዛ ትጽበ ኣይመስለንን” በለቶ። ኣምላኽ “መሓዛኺ ግን ብስማ እናጸውዔ ዝሕግዛን ዘጸናንዓን ትደሊ ኣላ” ምስ በላ “እወ የድልያ” በለቶ። “እሞ ንመን ደኣ ክልእኽ እየ?” ምስ በላ ብጽሞና ነዊሕ  ምስ ኣስተንተነት “ነኣይ ለኣኸኒ ጐይታይ” በለቶ።

እቲ ቅ.ያዕቆብ  “ኃው ወይ  ኃብቲ   እንተዓረቑ፣    ናይ  ዕለት  መግቢ’ውን እንተሰኣኑ፣ እሞ ሓደ ካባኻትኩም ንሥጋኦም ዜድሊ ከይሃበ ‘ብሰላም ኪዱ፣ ሙቑ፣  ጽገቡ’ እንተበሎም  እንታይ ይጠቅም?” (2፣15-16) ዝበሎ እምነት  ብግብሪ ክትስነ  ከምዘሎዋ ንምሕባር  እዩ። ንዝተጸገመ  ሰብ “ጸሎት ክገብረልካ  እየ”  ምባል  እኹል ኣይኮነን።  ናብ  ኣምላኽ  ምስ  ኣማሕጸናዮ

ቀሲንና  ስቕ  ክንብል  ዘይኮነስ፣  እቲ  ክንገብሮ እንኽእል ዘበለ  ክንገብረሉ ክንጽዕር ኣሎና። ኣብ ጸገም ንዚርከብ ኀውና፣ ምስ ጸለናሉ፣ ዋላ እታ ዝነኣሰት ግብረ  ሠናይ  ክንገብረሉ  ንበገስ።  “ጐይታይ ምሳኻ  ኮይነ  ገለ  ንኽገብረሉ ተሰናድየ ኣሎኹ’ሞ፣ ሃየ ለኣኸኒ” ብምባል ስንድዉነትና ክንገልጽ  ኣሎና። ንሓደ ሕሙም ዋላ እታ ናትና ምብጻሕ ቃንዛኡ ተዝሕለሉ እያ።

ሓደ ኣባ ዳምያን  ዘለፐር   ዝተባህሉ  ካህን  ካብ  ኅብረተ  ሰብ  ንዝተፈልዩ ለምጻማት የገልግሉ  ነበሩ።  ኣብቲ  ገድሎም ከምዚ  ነንብብ፦ እቶም  ብለምጺ ዝተታሕዙ  ምእመናን  ናብ  ኣቡን  መጺኦም  “ዘገልግለና ካህን  ሃቡና” ምስ በሉዎም፣ ኣቡን “ኣነ መስዋዕቲ ኪኸፍል  ንሓደ ካህን’ኳ ኣይግድድን እየ፣ ግን ከኣ  በብተርታ ዜገልግሉኹም ካህናት ክደልየልኩም እየ” ክብሉዎም ምስ ሰምዑ፣ ኣባ ዳሚያን ከምዚ  በሉ፦ “ሓደ ኣብ ማእከሎም ዚነብር፣  ብስሞም ዚጽውዖም፣ ኣምላኽ ከምዘይረስዖም ዚነግሮም ካህን የድልዮም።  ከም’ቲ ኣነ ከይተናዘዝኩ ሰሙን እንተጌረ  ዝሳቐ  ንሳቶም’ውን ብስእነት  ዘናዝዝ  ካህን ዓመታት ከይተናዘዙ፣ ቅዳሴ ከይሰምዑ እናተሳቐዩ  ኪነብሩ የብሎምን። ምስጢራት ከይተቐበለ ዚመውት ኪህሉ የብሉን። ስለ’ዚ ክቡር ጐይታና ኣቡን ንኻልእ  ኬገልግሉዎም ኣይትለምኑ፣ ኣነ ባዕለይ  ካህኖም   ኮይነ  ከገልግሎም እየ” ቢሎም ተወፍዮም  ምርኡይ ኣገልግሎት  እናወፈዩሎም ብለምጺ ተታሒዞም ኣብ ማእከሎም ሞቱ።

እዚ እዩ እምነትካ  ብግብሪ ምግላጽ ዝበሃል።  ኣድላዪነት  ንዘለዎም ኣኅዋትካ ከተገልግል   ምውፋይ።  ብእምነት   ጥራይ ምጽዳቕ  እንተዚኸውንስ   ክርስትና ገፊሕ መንገዲ   መንግሥተ  ሰማይ ምሃለዎ፥   ክርስቶስ   ብዘምሃረና  ግን  እታ መንገዲ እታ ጸባብ እያ። ግብሪ እትሓትት እያ። እቲ ብእምነት ቅ. ቍርባን ዝተቐበለ  ኣማኒ፣  ድኅሪኡ  ንኻልኦት ኬገልግል፣   ሠናይ  ኪገብር፣   ሠናይ ኪዛረብ፣  ሠናይ ኪሓስብ ሓኒኑ ኪነቅል እዩ ዚጽዋዕ። ከም’ዚ ምስ ዚገብር እምነቱ  ምስ ሕይወቱ ዜሳኒ፣ ንእምነቱ ብግብሪ ይነብሮ ኣሎ ማለት እዩ። ኣባ ማቴዎስ ሓጐስ  “ዘየደቅስ ዘረባ፣ ‘ኣኣምን’ እናበልካ፣ ድላይካ  ምግባር… ኣየደቅስን እዩ።  ኣብ ክርስትና በይንካ ኣይብላዕን እዩ፣ ንበይንኻ ኣይህብተምን እዩ። ንበይንኻ  ኣይጽደቕን  እዩ።…   ኵልኻ በብመገድኻ   ጽቡቕ  ምግባር የድሊ።…  ናይ በይንኻ ጣዕሚን ሃብትን  ኣብ ውሽጢ ነፍስኻ ዜሕብጦ ሰንካም ቍስሊ  ኣለዎ።   ኣሚነ  ኣሎኹ  ኢልካ   ኣይዕረፍን እዩ።   ሠይጣውንቲ’ውን የኣምኑ  እዮም።  ግና ዕረፍቲ የብሎምን፣ ምእማን ጥራይ ዘይኮነ እግዚኣብሔር ዚደልዮ  ግብሪ ምግባር የድሊ” ይብሉ (ናይ ሓቂ ክርስትና ገጽ 531።

ብግብረ ሰናይ ጥራይ ድሕነት ከምዘይርከብ፣ ብምእማን ጥራይ ካ ድሕነት ኣይርከብን እዩ። ክልቲኡ ዝተተሓሓዘ እዩ። ብእምነት ከም እንጸድቕ ምስ ኣመንና፣ እታ እምነትና ናብ ግብረ ሰናይ ትስሕበና። ካብዚ ተላዒሉ እዩ ቅ. ጳውሎስ፣ ኣብ ቀዳማይ ክፋል መልእኽቲ ሮሜ ጽድቂ ብእምነት ከም ዝርከብ`ኳ እንተገለጸ(3፡ 21)። ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ሰናይ ተግባራት ማለት ፍቕሪ፡ ኣገልግሎት፡ ተኣዝዞ፡ ንጽሕና፡ ትሕትና ከምዘድሊ ይገልጽ (ምዕራፍ 12 ክሳብ ምዕራፍ 14 ኣንብብ)።

ከም መጠን ክርስቲያን፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኮንና ዝገበርናያ አዳመይቲ መብጽዓ እኣምን ! እትብል እያ። ነዛ ዝኣተናያ መብጽዓ እምነት ኣጸቢቕና ምእንቲ ክንርድኣን ክንነብራን ቤተ ክርስትያን ዓመተ እምነት ኣዊጃትልና ኣላ። ኩልና ብጥምቀትና ደቂ ኣምላኽ ኮይና ኢና ሕማቕ ግብሪ ገዲፍና ሰናይ ነገር ክንገብር ሕራይ ዝብል መብጽዓ ዝገበርና ኢና። ኣብ ክርስትና ሓንሳእ ጥራይ ምስ በልካ ኩሉሳዕ ሕራይ ኮንካ ምንባር እዩ። እዚ ዓመተ እምነት እዚ እምበኣብ፣ ከምቲ ኣብ ግራት ኣቦኡ ክሰርሕ ሕራይ ቢሉ ከይዱስ ዝጠለመ ወዲ ( ማቴ 21፡ 28 ርአ) መሲልና ከይንህሉ ሕልንና እንምርምረሉ እዩ። እወ ነፍሲ ወከፍና ካብ ኣምላኽ ዝነቐለ ትንፋስ ዝተቀበልና ደቂ ኣምላኽ ኢና። ነዚ ሕርየት`ዚ ዝበቅዕ ሕይወት እናነበርና። ንምጽኣት ጐይታ ነቒሕና እናተጸበና ፣ ንኽርስቶስ ምንጪ ትርጉም ሕይወትና ክንገብሮ ክንቃለስስ ዝተጸዋዕና ኢና። ክርስትያን ዋላ ኣብቲ ዝጸንከረ ኩነታት ስቓይ ካልእ ሕሰምን ተጻዊሩ፡ ብዘደንቕ ሓቦን፡ ፍቓድካ ይኹን ዝብል መዝሙር እናዘመረ ሃዲኡ ምስክርነቱ ከወፊ ዝቓለስ እዩ። ብዘይካ እምነት ጉዕዞ ሕይወት ክበዱን ክትጸሮ ዘይትኽእል ጻዕርን እዩ ዝኸውን። ምስ እምነት ግን ንጹር ራእይ ሒዝካ ነቲ ብተስፋ እትጽበዮ ብእምነት ከም እትረኽቦ ኣረጋጊጽካ (ዕብ 11፡ 1)። እዚ ውን ክሓልፍ እዩ እናበልካ ክትነብር ትኽእል።

ስለዚ እምነት ንሓደ ኣማኒ እተብርህ፡ እተምውቕ፡ ተስፋ እትህብ። ርጉእን ሕጉስን ኮንካ ንኽትናበር እተኽእል ጸሓይ እያ። ነዚ ሕያው ኣብነት እትኮነና ምርእይቲ መንእሰይ ዝበለቶን ዝፈጸመቶን ክጥቅስ ፡ –

ሩዋንዳዊት መንእሰይ ኢማኲላታ (Immaculee Ilibagiza) ኣብቲ ንዓለም ዘስካሕክሐ ምጽናት ዓሌት ቱሲ። ን 91 መዓልታት ኣብ ዓይኒ ምድሪ ተሓቢኣ። መቑጸርያኣ እናደገመት ሓልዮት ኣምላኽ ኣሚና ብተስፋ ዝተናበረት መምህር እምነትን ምሕረትን እያ። ንሳ እምነት መዓልቲ መጸ ብጸሎት፡ ብሕያውነት፡ ብተግባራት ፍቕሪ ክምገብ ኣለዎ። ኣብቲ ጸልማት መዓልታት ሕይወትና፣ ወኣላ ኣብቲ ዝጸንከረ ኩነታት ፍቕርን ብርሃንን ከም እንረክብ ትገብረና። “እምነት ንሕወተይ ለዊጡዋ እዩ። እምነት ንናትካ ሕይወት ውን ክልውጦ ይኽእል እዩ። እምነት ምሉእ ዓለም ክልውጥ ዝኽእል ሓይሊ ኣለዎ” ትብል። እምነታ ሓጊዙዋ ዝፈጸመቶ ጅግንነት ከኣ እዚ ዝስዕብ እዩ ፡ –

ኣብ ሩዋንዳ ንዓሌታትዘጽነተ፣ ነቦኣን ነዲኣን ክልተ ኣባጽሕ ኣሕዋታን ዝቐተለ፣ ኩሉ ንብረቶም ኮነ መሬቶም ዝገበተ ሰብ ክትርእዮን ክተዋርዶን ናብ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም፣ ነዚ እዚ ኩሉ ዝገበረ(ፈሊክስያን) እናጋፍዑ ናብ ቅድሚ እዛ ንኹሎም ስድርኣ ዝቕተለ ኣምጽእዎ። ንስድራኣ ከመይ ዜርካ ከምዘጽነትካዮም በብሓደ ግለጸላ እኳ እንተበሉዎ፣ ብወቐሳ ሕልናን ብሕፍረትን ዝብሎ ሰኣነ. ንሳ ግን ንኹሉ ኣሸኒፋ፣ ሰላም እናበለት ምሒረካ ኣለኹ በለቶ። እቲ ነታሊ ስድራኣ ከተዋርዶ ዝጽበ ዝነበረ ወዲ ዓሌታ ነቲ ንስድራኺ ቀቲሉ፡ ንብረትኩም፡ መሬትኩም ዝራሰየ ጨካን ሰብኣይ ሰላም ክትብልዮ ቢሉ`ኳ ብሕርቃን እንተኣዋረዳ፣ ንሳ ግን ምሕረት ጥራይ እየ ከወፍየሉ ዝኽእል ብምባል ሓጺር መልሲ ሃበቶ። እዚ እዩ ብግብሪ ዝግለጽ እምነት።

እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ወዱ ብምውፋይ ብሞቱን ብትንሳኤኡን ዝገበረልና ሰናይ እናኣመንናን እናዘከርናን፡ ንሕና ደቁ ከኣ ከምኡ ነሕዋትና ሰናይ እንተገበርናን እንተመሓርናን፡ ምኽንያት ድሕነትና ይኸውን። ነቲ ኩሉ እንገብሮ ሰናይ ነገራት ከኣ ብምኽንያት ትዕቢትን ጸብለልታን ከኮነና እንተተጥንቅቕና፡ ኩሉ ብሳላ ጸጋ ኣምላኽ ዝገበርናዮ ኮይኑ ይስምዓና።

ቅ.ይዕቆብ ብሓይልና ሰናይ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና ቢሉ ኣያምንን እዩ። ነዚ ከረድእ ቢሉ ንእግዚኣብሔር ሰናይ ንኽንገብር ሓይሊ ክህበና ክንልምኖ የተባብዕ።

ሓደ ካባኻትኩም ጥበብ ዝጎደሎ እንተሎ፣ ነቲ ንስኻ ከምዚ እንዲኻ ከይበለ ንኹሉ ብልግሲ ዝህብ ኣምላኽ ይለምኖ። እቲ ዝልምን ግና ከይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን። ከመይ እቲ ዝጠራጠር ከምቲ ንፋስ ንየው ነጀው ዝደፍኦ ማዕበል እዩ ዝመስል (ያዕ 1፡ 5-6)።

ንፉዕ ኣማኒ ምስ ኣምላኽ ጽኑዕ ምሕዝነት መስሪቱ፡ ካብዚ ርክብ እዚ ነቒሉ ንደቂ ሰባት ሓቀኛ መንነቶምን ተልእኮኦምን ዜዘኻኽር ቅሉዕ መልእኽቲ እዩ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሓኒ ፡ – ከም ተማሃራይ ምእንቲ ክሰምዕ ከኣ እዝነይ ክፈተለይ (ኢሳ 50፡ 4) እናበለ ዚዝምር እንተኾይኑ፡ እዚ ኣማኒ`ዚ ኣብቲ ካልኦት ብጸልማትን ተስፋ ቁርጸትን ዝተዓብለለሉ እዋን፡ ንሱ ሓዲሽ ራእይ ዝእምት እዩ። ደቂ ሰባት ተስፋ ቁርጸትን መንፈሳዊ ደርቅን ወሪሩዎም። ክንትንስእ ኣይንኽእልን ኢና ኣብ ዝብሉሉ እዋን ፣ እቲ ጽኑዕ ኣማኒ ግን ፣ ነዚ ሰጊሮም ካልእ ሰናይ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ፣ ብሓቦ ዘጸናንዕ ወኪል ኣምላኽ እዩ።

ንሕና እዞም ጸጋ እምነት ዝተቀበልና፣ ንደቂ ሰባት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ጸይቂ ናብ ጽድቂ፣ ካብ መዋትነት ናብ ዘይሙማት፣ ካብቲ ሓላፊ ናብቲ ሀይሓልፍ እነሰጋገር ኢና። ሎሚ ኣብዚ ሓዲሽ ስብከተ ወንጌል ኣምላኽ ዝማእከሉ መጻኢ እናተተስፎና ክንቀሳቐስ ንዕደም ኣሎና። ነዛ ስርዓት ቀብሪ ማሕበረ ሰብ ዝረኣያ ዓለምን ተኸተልታን፣ ንሕና መዝሙር ትንሳኤ እናዘመርና ተስፋ ክንከውን ተልእኮና እዩ። ተስፋ ዝመልኦ ሓዲሽ ሕብረተ ሰብ ክንፈጥር፣ ክንደይ ይቓይ ዝመልኦ ጻዕርን ቃንዛን ክሓተና ዝከኣል እዩ`ሞ ከይተሓለልና ብሓቦ ኣብ እምነትና ጸኒዕና ንሰጉም። እምነትና ቀጥ ኣቢልና ሒዝና፡ ኣብ ሕብረተ ሰብ መባዂዕቲ ለውጢ ክንከውን ናይዚ ዓመተ እምነት ፍሉይ ለበዋ እዩ ክበሃል ይከኣል።

ኣማኒ ኣብ ግዜ ግፍዕን ዓመጽን ምስ ቅ.ዳዊት ሕበሩ ኦ ፍትሒ ዝሰራዕካ ጐይታ ንሓገዝ ተበገስ (መዝ 7) እናበለ ዝጽሊ እዩ። በብዓይነቱ ጸገም ተኸቢቡ ንዘሎ ሕዝብና እናዘከርና፥ ኣብቲ ጸልማት ዝረኣየሉ እዋን ከምኡ ኢልካ ክንዝምር ሎሚ ግዴና እዩ።

እምነትና ንኽዓቢ ክንገብሮ ዘሎና።

እታ ኣምላኽና ዝሃበና መሎኮታዊት ህያብ ዝኾነት እምነት ጽርይትን ምርእይትን እኳ እንተኮነት፣ ክንዓቢ ከሎና ዘጥረናዮ ሸለልትነትን ዋሕዲ ኩስኮሳን መንፈሳዊ ታዕሊምን፣ እምነትና ክትዝሕትል ትኽእል እያ። ስለዚ እምነት ክትዓቢ ክትኩስኮስ፡ ክትጻረ ዘለዋ እያ። ነዚ ኣብነት ዝኾነነ ሓደ ካብቶም ኣዕኑድ እምነትና ዝኾነ ጉዕዞ እምነት ቅ. ጴጥሮስ ብሓጺሩ ምዝካር ሓጋዚ ኮይኑ ይስመዓኒ ፡ –

ክርስቶስ ናትቶም ናቱ ተኸተልቲ ጭቡጥ ዝኾነ መልሲ እናተጸበየ ንስኻትኩም መን እዩ ትብሉኒ? ምስ በሎም፣ ጴጥሮስ ንኹሎም ወኪሉ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ`ቲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ በሎ። ብርግጽ ጴጥሮስ ፣ ንክርስቶስ መ ምዃኑ ጽቡቕ ጌሩ ገሊጹዎ እዩ። ብቃላት ብዝርኢ እምነቱ ፍጽምቲ እምነት ኢያ። ሳዕቤን እምነቱ ዝኾነ ተግባር ምስ ተሓተተ ግን ዜሰንብድ ኩነታት እምነቱ እዩ ተጋሂዱ። ኣብቲ ጽንኩር ግዜ ሕማማቱ መምህሩ ምስኡ ክነቅሕ`ኳ እንተሓተቶ፣ ድቃስ መረጸ። ሽዑ ለይቲ ከኣ ንክርስቶስ ኣይፈልጦን እየ ቢሉ ውን ከሓደን መሓለን። ጴጥሮስ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበለ ዝፈጸሞ ሰናይ ነገር ገድሊ ንፈልጦ ኢና። ገድለይን ገድልኹምን ይግበሮ። ርድኢት ዝጎደሎ፣ ብቃል ጥራይ ዝግለጽ እምነት እምበር ከምዚ ናይ መጀመርያ ኩነታት ናይ ጴጥሮስ (ማለት መንፈስ ቅዱስ ከይተቐበለ ከሎ) እዩ። ስለዚ ነቲ ዝኣመናዮ፣ ክንርድኦ ከነዕሙቖ፡ ክንነብሮ፡ ክንምስክሮ ይግባእ።

 ብርሃን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንውሽጥና ክመልኦ፣ መንፈስ ኣምላኽ ነታ ንእሽቶ እምነት ኣዕብዩ፣ ፍረ ዝሩብ ከም ዝበለት ኦም ክገብረልና ምልማኑ የድሊ። እምነት ብዘይጸሎት ክትዓብን ክትፈርን ዝምነዩ፣ ልክዕ እቲ ኣብ ካንታላሜሳ ዝበሉዎ ኣብኦም ይፍጸም፥ እቶም ከይጸለዩ ናብ ሓዋርያዊ ስራሕ ዝጐዩ፣ ልክዕ ከምቶም ነጥቢ ማይ ዘይብላ ቦጥ ሒዞም ሓዊ ከጥፍኡ ዝህንደዱ መጥፋእቲ ሓዊ እዮም። ( ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ)

ኣበው ሓደ ክርስትያን ኣብ እምነቱ ንኽዓቢ፡ – ቃል ኣምላኽ ምስትንታን፡ ኣብ ምስጢራት ብብቕዓት ምስታፍ፡ ስሩዕ መደብ ጸሎት ሒዝካ ምጉዓዝ፡ ዕለታዊ መርመራ ሕልና ምዝውታር፡ ስሩዕ ዝኾነ መንፈሳዊ ንብባ ምክያድ፡ ብመንፈስ ታተ ዜብለካ መንፈስዊ መሳርሒ መራሒ ምሓዝ ወዘተ. . . ከም ዘድሊ ይእምቱ። ቅ.በርናርዶስ ንኣመንቲ ክሰብኽ እንከሎ ንሕና ኣብ ግዜ ውግእ ስለዘሎና፣ ኣብታ ናይ ሓላዊ ፍቅያና ( ብርኽ ዝበለ ቦታ ሓለዋ) ጠጠው ኢልና ንሓሉ። ናብ ልብና ተመሊስና፣ ነቲ ክርስቶስ ዝሓድረሉ ሕልናና ኣጽሪና፡ መርሚርና ፡ ልብና ኣዕቢና ብጥበብን ብጽቡቕ ጠባይን ንካየድ። መሰረቱ ድኹም ከይከውን፡ ተስፋ ኣብ ገዛእ ርእስና ኣይነንብሮ ዝበሎ ሎሚ ውን ክንደግሞ ግዚኡ ኮይኑ ይረኣየኒ።

እቲ ብኢሳያስ ነቢይ እዚ ሕዝቢ`ዚ ብኣፉ የምልኸኒ፡ ብኸናፍሩየኽብረኒ፡ ብልቡ ግና ርሑቕ ኢዩ። ነኣይ ከኣ በቲ ዝተማህሩዎ ባህሊ ሰብ ገይሮም እዮም ዘኽብሩኒ ዘለዉ (29፡ 13) እናበለ በቲ ላህመታዊ ኣምልኾኦምን መንፈሳውነቶምን ዝተማህረ፣ ሎሚ ውን ኣባይን ኣባኽትኩምን ንኣኡ ዝመስል መረረ ከይህሉ ብደቂቕ ሕልናና እንምርምረሉ ግዜ ኢዩ።

ንድሕሪት ኣይጥምትን እየ። ብገርህነት፡ ብትሕትና፡ ብጅግንነት ኩነታት ንዘምጽኦ ነገራት ከምቲ ድላይካ ክፍጽሞ እየ። ቀልጢፈ ከኣ ክፍጽሞ ኢየ። ኩሉ ድማ ክገብሮ ኢየ። ጽቡቕ ጌረ ከኣ ክገብሮ እየ። እቲ ንስኻ ክገብሮ ትደልየኒ ተሓጒሰ ድማ ክገብሮ ኢየ።

ክብሪ ንቅድስቲ ሥላሴ !!!

ብኣባ ዘርኣያዕቆብ ዑ/ሚካኤል