ምኽፋት ዓመተ ቅዱስ ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ሰበኻ ኣሥመራ


Year of mercy in Asmaraኢዮቤል ዝብል ቃል ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም እነንብቦ ብቋንቋ ግሪኽ ቀርኒ ከብቲ፡ ካብ ዝብል ቃል ዝመጸ ኢዩ። ትርጉሙ ድማ “መለኸት’’ ኢዩ። እዚ ከኣ እስራኤላውያን ኣብቲ ኣብ ሓሓሙሳ ዓመት ዘኽብርዎ በዓላት እቲ ዓመት ዓመት ታሕጓስ ዓመት ዕልልታ ምዃኑ ዘበስረሉ፡ኣዋጅ ዝንገረሉ መሳርሒ ኢዩ። ኢዮቤል ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ቤተክርስትያን ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተመርኩሳ ዓመት ድኅነትን ጸጋን ኪኸውን ብውዕውዕ መንፈሳውነት እተኽብሮ ንመንፈሳዊ ሕይወት ቤተክርስትያን ዝቕስቅስ መጋበሪ ኢዩ።

ሎም ዘመን ከኣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትኣቡነ ፍራንቸስኮስ ካብ 8 ታሕሣሥ 2015 ዓ.ም. ክሳዕ 20 ኅዳር 2016 ዓ.ም ዝጸንሕ፡ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ኣዊጆምልና ኣለዉ። በዚ መሠረት ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብፁዓን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንኣገባብ ኣከፋፍታ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ኣመልኪቶም ብዝሃብዎ መምርሒ መሠረት፡ ካብቲ ኣብ ሮማ ብቅዱስ ኣቦና ማዕጾ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽፋት ዓመት ኢዮቤል ብወግዒ ዝኸፈትሉ ዕለት ማለት 8 ታሕሣሥ ክሳዕ ዓርቢ 11 ታሕሣሥ 2015 ዓ.ም ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ ንዓርባዕተ መዓልቲ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን መደባት ተኻይዱ። ኣብዚ  ቤተክህነትን ምእመናንን ቁምስናታት ኣሥመራ ዝተሳተፍዎ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖ ኣብታ “ገጽ ምሕረትኣምላኽ” እትብል መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ዝተመርኮሰ ኣስተንትኖ ኪወሃብ ከሎ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ  ድሕሪ ምህለላ “ስብሓት ፍቑር’’፡ “ገጽ ምሕረት ኣምላኽ” ብብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎት መቑጸርያ ብኣስትንትኖ “ምሕረቱ ንዘልዓለ

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎት መቑጸርያ ብኣስትንትኖ “ምሕረቱ ንዘልዓለም ይነብር” ብኣባ እስጢፋኖስ ሕላፉ ኮምቦናዊ፡ ሳልሳይ መዓልቲ ድሕሪ ስግደት ኣብ ቅዱስ ቁርባን “መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ” ብኣባ ሰሎሞን ወልዱ ልኡካን፡ ራብዓይ መዓልቲ ድሕሪ ፍኖተ መስቀል “ምሕረትን ፍትሕን” ብኣባ ግርማይ ኣብርሃ ሲታዊ ኣስተምህሮታት ተዋሂቡ። እዚ መደብ እዚ ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ነፍሲወከፍ ቁምስና ናይ መላእ ርእሰ ኤጳርና’ውን ተኻይዱ ኢዩ።
ቀዳም 12 ታሕሣሥ ከኣ እቲ ምስንዳው ክግበረሉ ዝቐነየ መዓልቲ በጺሑ፡ ምእመናን ኩለን ቁምስናታት ኣሥመራ፡ ወከልቲ ቁምስናታት ገጠር፡ ቆሞሳት፡ቤተክህነትን ደናግልን ብዓቢይ ሃንቀውታን መንፈሳዊ ጽምኣትን ወጋሕታ ሰዓት 5፡00 ኣብ ቤተክርስቲያን ቅ.ማርያም ዘቅዱስ ሮዛርዮም ካተድራለ ተኣካኪቡ፡ ድሕሪ ሓጺር ኣስተንትኖን ጸሎትን ብብሕቲ፡  ብፁዕ ሊቀጳጳስ  ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዝመርሕዎ ብሓብር ሊጦን ዘሮቡዕ ተደጊሙ። ሕዝቢ ብዑደት ናይ መካነ መንበር ደብረ ኪዳነ ምሕረት ቅድሚ ምብጋሱ ከኣ “በዚ ናይ ሎሚ መደብ ምኽፋት ብምህለላ፡ ኣብ ሓቐይና ለውጢ ልቢ ዝቐንዐ ዕርቕን ምሕረት ሓድሕድን ክንወሃሃብ ንዕደም ኣሎና። ምኽፋት ማዕጾ ምሕረት ከኣ ምኽፋት ልብና ኢዩ ዘመልክት” ዝብል ሓጺር መግለጺ ዕላማን ኣገባብን መኽፈቲ ዓመት ኢዮቤልን ዑደትን ብመራሒ መደብ ናይቲ ዕለት ሊቀካህናት ኣሥመራ ኣባ ኮኾበ ተወልደ ቀሪቡ።

ሕዝቢ በብቁምስናኡ ተሰሪዑ ብምዕሩግ ሰልፊ ንግደቱ (ዑደት) ናብ ኪዳነ ምሕረት ጀመረ። ብመቁጸርያ መለኮታዊ ምሕረትን ብድሙቕ መዛሙርን ምህለላ “እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ”ን ተሰንዩ ብማእከል ጐደናታት ከተማ ሓሊፉ፡ ርእሰ ኣድባራት  ምሕረት ምስ በጽሐ፡ ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ኣዕርፈ። ኣብኡ ኣብ ኣፍደገ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ጸሎት “ሰኣሊ ለነ ማርያም፣ ምሕረት ወልድኪ ይሓውጸነ እም ኣርኣያም፡ እግዚእትነ ነጽሪ ኃቤነ ለኃጥኣን” ኣብጺሑ። ሲዒቡ “ኣሃዱ” ተባሂሉ ሥርዓት ቡራኬ ማይ ምስ ተገብረ፡ ዲያቆናትን ካህናትን እንተበራረዩ፡“ኣርኅዉ ሆኃተ መኳንንት…መኑ ውእቱ.. ይባእ ንጉሠ ስብሓት፡ ኣምላከ ምሕረት” ብዝብል ሥርዓት ምኽፋት ማዕጾ ምስ ተገብረ፡ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ንማዕጾ ምሕረት (ማእከይ ማዕጾ ቤተክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት) ከፈትዎ እሞ፡ ሕዝቢ ብብፁዕ ሊቀጳጳስን ካልኦት ካህናትን ናይ ምንጻሕን ምሕዳስ ጥምቀትን ምልክት ማይ እናተነጽገሉ፡ “መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ”፡ “መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረክቡ ኢዮም እሞ ብፁዓን ኢዮም”፡ “ምሉእ ዓመተ ምሕረት፡ ምስ ኣደና ኪዳነ ምሕረት” ዝብል ጭርሖታት እናደገመ ንውሽጢ ቤተክርስቲያን ኣተወ።
እዋን መስዋዕተ ቅዳሴ በጺሑ፡ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ፡ ምስ 40 ለባስያን ካህናት እንኪመርሕዎ፡ ርሒብ ቤተክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ነቲ ብንግህኡ ካብየ ቁምስናታቱ ዝወሓዘ ሕዝቢ ስለዝጸበቦ፡ ገሊኡ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን፡ ገሊኡ ከኣ ኣብቲ ቅርዓት ቤተክርስቲያን ዝተሰርሐ ዳስ ኮይኑ ኣቀደሰ።

“ኣሃዱ’’ ቢሉ ብኁባሬ ዝጀመረ መስዋዕተ ቅዳሴ ቐጺሉ፡ ድሕሪ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ፡ ነቲ ቃል ኣምላኽ ኪሰምዕ ሆጭ ኢሉ ዝነበረ ሕዝቢ፡ ንሃረታኡ ዘዕግብ፡ ተስፋ ዘስንቕ፡ ንዓመተ ምሕረትን ትርጉም ምኽፋት ማዕጾ ምሕረትን ኣመልኪቶም፡ ኣብቲ ነዚ ዝመረጽወን ኣርባዕተ ንባባት ተመርኩሶም እዚ ዚስዕብ ስብከቶም ኣስምዑ።
ፍቁራን ሕዝበ እግዚኣብሔር ሎሚ ናይ በሓቂ ዓቢይ መዓልቲ ኢዩ። ነቂሕና ሰዓት ኣርባዕተ ሰዓት ሓሙሽተ ካብ ገዛና ወጺእና ሓንቲ ስድራ ኮይና፡ ካህናት ፡ ቆሞሳት ፡ውፉያት፡ ምእመናን ኩሉና ዝከኣለ ምምጽኡ ብሓቂ ዘሐጉስ ኢዩ። እግዚኣብሔር ዝተመስገነ ይኹን። ንብፁዕ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ኣቦና ፍራንቸስኮ ነዚ ዓመት እዚ ዝኣወጁልና ነዚ ዕድል እዚ ዝሃቡና ብሓቂ ብልቢ ከነመስግኖምን ክንጽልየሎምን ይግኣና።

ፍቁራን ሕዝበ ክርስትያን መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም ሓንቲ ስድራ ኮይና ዓመት ምሕረት ጀሚራ። ዓመት ምሕረት ከኣ ይግበረልና። ምሕረት ናይ እግዚኣብሔር ዝዓበየ ህያብ ኢዩ።ሎሚ ዘንበብናዮ ቃል እግዚኣብሔር እቲ ቀዳማይ ንባብ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ ክልተ ዝተወስደ ኢዩ። ኣብኡ ሓንቲ  ነዚ ምሉእ ዓመት ክንዝክራ ዝግብኣና    “እግዚኣብሔር ኩሉ ሰብ ክድኅንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ክመጽእን ኢዩ ዝደሊ” እትብል ቃል ኢያ።

እግዚኣብሔር ነቶም ብኣምሳሉ ዝፈጠሮም ብዘይ ሌላን ጉሌላን ኩሎም  ክድሕኑ ይደልዮም ኢዩ ። ክድኅኑ ከለዉ ግን ክፈልጥዎ’ውን ይደሊ። ከምቲ ኣብ መን ፈጠረና እግዚኣብሔር ንምንታይ ፈጠረና፡  ክንፈልጦ ክንፈትዎ፡ ንሱ ዝኣዘዘና ክንፍጥም፡ በዚ ምክንያት ከኣ መንግሥተ ሰማይ ክንወርስ ንብሎ፡ እግዚኣብሔር ኩሉ ሰብ ክድኅን ከም ዝደሊ እምነትና ምኻኑ ከነረጋግጽ የድሊ እዚ እምነት እዚ ግን ብፍልጠት ዝተደገፈ ኪኸውን ይግባእ። መን ኢዩ እግዚኣብሔር ንኣይ? ክንብል ኣሎና። እግዚኣብሔር መን ምኻኑ ኢየሱስ ሚሂሩና’ዩ። እግዚኣብሔር ለዋህ፡ፈቃር፡ መሓሪ ኣቦኹም’ዩ ኢሉና። ኣቦና ኢዩ። ክትጽልዩ ከለኹም’ውን ድሕሪ ደጊም ኣቦና፡ ኣቦዋ! በልዎ ኢሉ ምሂሩና።እዚ ናይ ፍቕሪ መጸዋዕታ ከምዝኾነ ክንድኅን ከምዝደልየና እግዚኣብሔር ከምዘይጭክነልና ክንኣምን ኣሎና። እናሓንሳብ ንጠራጠር ኢና። እግዚኣብሔር ግን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ “ጸላእቱ ከለና ኢዩ ኣፍቂሩና’ይብል። እግዚኣብሔር ንፉዓት ስለዝኾና፡ ጻድቃን ስለዝኾና ኣይኮነን ኣፍቂሩና። ጸላእቱ ፡ ሓጢኣተይናታት እንከሎና ብሞት ወዱ፡ ብመስቀል ወዱ፡ ተዓረቀና፡ ብሕይወቱ ክንደይ ኣዚና ዘይንድሕን። እዚ ጥራይ ግን ኣይኾነን በቲ ብኡኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይርና  ብኣምላኽ ንምካሕ ኣሎና (5፡10-11) ይብል።

ስለዚ ፍቕሪ እግዚኣብሔር፡ ምሕረት እግዚኣብሔር፡ ብጻማና ዘጥረናዮ ኣይኮነን። ምሕረት ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ባህሪኡ ኢዩ። ኣብ ወንጌል  ዝሰማዕናዮ ግን ጴጥሮስ ንብጻየይ ክንደይ ግዜ ይቕረ ክብለሉ ይግብኣኒ? ሸውዓተ ግዜ ዶ ይኣኽሎ ኢሉ ይሓትት። ኢየሱስ ከኣ ኣይፋልካን። ሸብዓ ግዜ ሸውዓተ  ኢየ ዝብለካ፡ ሸውዓተ ግዜ ጥራሕ ኣይብለካን’የ። እንታይ ማለቱ ኢዩ? ንብጻይካ ኩሉ ግዜ መሓሮ። ንስኻ ከኣ ምሕረት ክትረክብ ኢኻ ይብሎ። ምሳሌ ከኣ ይነግሮ፡ ሓደ ሃብታም ምስቶም ጊላዎቱ ክጻባጸብ ምስ ደለየ ዕዳ ዝነበሮም ነይሮም። ነቲ ብዙሕ ዓሰርተ ሽሕ  ዝኣክል ዕዳ ዝነበሮ ኣጸዊዑ፡ ሓንቲ ዘይብሉ ምስ ረኣየ በሉ ሕራይ ንእኡ ምስ ስድርኡ ምስ ጥሪቱ ሸጥኩም ገንዘበይ ኣምጽኡለይ ይብል። ንሱ ግን ጎይታይ በጃካ ምሓረኒ፡ ተዓገሰኒ፡ ክከፍለካ’የ ኣይትጨክነለይ ኢልዎ፡ እቲ ጎይታ ከኣ ሕራይ እምብኣር  ክዕገሰካ እየ ኢሉ ይምሕሮ። እቲ ዝተማሕረ ግን ክንዲ ዝምሕር ኣብ ደጌ ውጽእ ኢሉ፡ ነቲ ሚኢቲ ዲናር ዘለቅሖ ብክሳዱ ሓኒቁ ተሎ ትከፍል! እናበለ ኣጨነቆ ። ኣንታ በጃካ ተዓገሰኒ እናበለ፡ ከምታ ንሱ ዝገበራ ጸሎት ገይሩ እንተ ለመኖ፡ ፍጹም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒንዎ። ሽዑ እቶም ዝረኣይዎ ደንጊጾም ክንድዚ ተማሒሩስ ነዘን ቅሩብ ክምሕር፡ ክዕገስ ዘይክእል ከመይ ዝበለ ጨካን ሰብ ኢዩ ኢሎም ነቲ ጎይታ ይነግርዎ’ሞ ፡ንሱ ከኣ ጸውዕዎ ኢሉ ኣንታ ክፉእ ምሕረት ዘይግብኣካ፡ እዚ ኩሉ ገዲፈልካስ እዘን ቅሩብ ምሕዳግ ክትኣቢ እዚ ኩሉ ሓዲገልካስ ነዘን ውሕዳት ክትዕገሶ ኣይከኣልካን እናበለ ብምሳሌ ይምህረና።

ኣብ መጨረሽትኡ ንስኻትኩም’ውን ንብጻይኩም እንተዘይሚሒርኩም፡ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኩም ክምሕረኩም ከጸግሞ ኢዩ እናበለ መጠንቀቕታ ይህበና። ስለምንታይ ምሕረት ክትረክብ ምሕረት ግበር ኢዩ። እግዚኣብሔር ብርግጽ መሓሪ ኢዩ። ካብተን ኣባጊዕ ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ ጎቦታት ሓዲጉ ነታ ዝጠፍአት ክደሊያ ይኸይድ ። ምስ ረኸባ ከኣ ብኣኣ ኣዝዩ ከምዝሕጎስ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ይብል መድሓኒና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ። ሓንቲ ትእዛዝ’የ ዝህበኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቀሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቐርኩኹም ገይርኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቀሩ  እዚ ኢዩ ድሌተይ፡ እዚ ኢዩ ትእዛዘይ፡ ንዝበደለኩም መሓሩ ምስ ኩሉ ብሰላም ንበሩ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ክምሕረኩም ኢዩ፡ ይቕረ ክብለኩም’ዩ ኢዩ ዝብለና።

ንቅድስና፡ ንዕርቂ፡ ንሕውነት ይግበረልና። ዝሰማዕናዮ ኣብ ልብና የሕድረልና፡ ጸጋኡ ብብዝሒ የፍስሰልና፡ ነቶም ኣብ ርሑቅ ዘለዉ እግዚኣብሔር ይጓስዮም፡ ኣብ ሓደጋ፡ ኣብ ማእሰርቲ፡ ኣብ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ዓመት ምሕረት ይግበረሎም። ንኩልና ዓመት ሕውነት፡ ዓመት ፍትሒ፡ ዓመት ናይ ብሓቂ ዕርቂ ይግበረልና።ቢሎም ስብከቶም ዛዚሞም።
ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ’ውን ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኮሚቴ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ቆይማ ምህላዋ ሓቢሮም፡ ነቲ ብእኣ ዝወሃበና መደባትን መምርሒታን ክንከታተል፡ ብፍላይ ገዳማት ከኣ ነዚ ፍሉይ ዓመት ምሕረት ብፍሉይ ዘገልግሉ ካህናት ከወፍዩ ተማሕጺኖም።
ኣብ ምዝዛም መደባት እዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ሕዝቢ ብሊቀጳጳሱ ተመሪሑ፡ ነታ “ሰኣሊ ለነ ማርያም፣ ምሕረት ወልድኪ ይሓውጸነ እም ኣርኣያም እግዚእትነ ነጽሪ ኃቤነ ለኃጥኣን” እትብል ጸሎት ብሓባር ደጊሙ። ነታ ኣብዚ ዓመት ምሉእ ክትጽለ  ዘለዋ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ናይ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ብቐጻሊ ክጽልያ መዘኻኸሪ ተዋሂቡ፡ ሓዲስ ናይ ዓመተ ምሕረት መዛሙር መንእሰያት ኪዳነ ምሕረት እናተዘመረ፡ብዕልልታን ብሓጎስን፡ ብትስፉው ዓመት ኢዮቤል ምሕረትን፡ ብደረጃ ርእሰ ሰበኻ ኣሥመራ፡ መደብ መኽፈቲ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ብዓወት ተፈጸመ። ንጽባሒቱ ከኣ ኣብ ነፍሲወከፍ ቁምስና ብቆሞሳት ዝተመርሐ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ተኸፊቱ።

ንኣስተንትኖ እዚ ዓመት ዝኸውን ትርጉም፡ እቲ “ገጽ ምሕረት ኣምላኽ” ዝብል ሓዋርያዊ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳጳሳት፡ ካርድ ጸሎት ኢዮቤል ምሕረት፡ ከምኡ’ውን ነዚ ዓመት ምሕረት ዘንጸባርቕ ፖስተራት ብኃልዮት ካቶሊካዊ ቤትጽሕፈት ርእሰ ኤጳርቅና ተሰናድዩ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ይትባረኽ ኢየሱስ ክርስቶስ!!

ግርማይ ኣስፍሃ

ካ.ቤ.ር.ኤ.ኣ