ምስላ ዓሻን ዕሽነትን


ምስላ ዓሻን ዕሽነትን

“ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ: ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍል”  (ምሳሌ 15:2).


1. ዓሻ ለባም እንተወለደ ተቐልተ፡ ለባም ዓሻ እንተወለደ ተዘምተ።
2. ዓሻ ሓውካ መጉሃይኻ፡ ዓሻ ጓናኻ መስሓቒኻ።
3. ዓሻ ሓውካ እንተ ሞተልካ፡ ዳርጋ ሓዳሩ ዝወጸልካ።
4. ዓሻ መሲልካ፡ ድራሮም ወድኣሎም።
5. ዓሻ መርዓዊስ ኣዕርኽቱ እንተ ተኸተሉዎ፡ ጊላውቲ ይመስሉዎ።
6. ዓሻ፡ መዓዲኡ ይጸልእ።
7. ዓሻ፡ ሙውት ይናፍቕ።
8. ዓሻ፡ ምስ መዓዲኡ ይብኣስ።
9. ዓሻ ምስ ኣምረረ፡ በጊዕ ምስ በረረ።
10. ዓሻ ሰራቒ፡ ኣብ እግሪ ቆፎ ይርከብ።
11. ዓሻ ሰኣን ልቡ፡ ይጸድቕ።
12. ዓሻ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ኣቕሪባ ወለዳ ተርሕቕ።
13. ዓሻ ሰበይቲ፡ ወድ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ።
14. ዓሻ ሰብ የለን፡ በበይኑ ብልሓቱ።
15. ዓሻሲ፡ ዳዕሮ ይንቕንቕ።
16. ዓሻስ ስረ ይሓጽሮ፡ ወይ ልቢ ይሓጽሮ።
17. ዓሻስ ስቕ እንተ በለ፡ ለባም ይመስል።
18. ዓሻስ ቅልጽሙ እንተ ሓበጠ፡ ዝሓየለ ይመስሎ።
19. ዓሻስ ኣብ ተስካር ኣዲኡ፡ ይልሀ(ይስዕስዕ)።
20. ዓሻስ ዝኣቱ እምበር፡ ዝወጽእ ኣይ ፈልጥን።
21. ዓሻስ ዝብሎ እምበር፡ ዝበሃሎ ነይፈልጥ።
22. ዓሻስ’ያ፡ ሓደ ደርፉ።
23. ዓሻስ’ያ፡ ጥራጥ ኣድጊ የስሕቖ።
24. ዓሻስ፡ ጎበጣ ክሳዕ ዝውዳእ ይጻወት።
25. ዓሻ ቀሽስ ፍትሓት እንተፈጸመስ፡ ጽድቂ ዝዓድለ ይመስሎ።
26. ዓሻ ቀበጠ፡ ሽራራ ሸጠ።
27. ዓሻ፡ በትሪ ለባም፡ ድኻ ጉልበት ሃብታም።
28. ዓሻ በጊዕ ምስተኹላ ዕርክነት፡ ለመጸ ኢልካ’ዶ ተመን ይቕነት፧
29. ዓሻ ብዕሽነቱ ካብ ዘጓንፈካ፡ ኮራኹራ ዘግደፉዋ ድቢ ተጓንፍካ።
30. ዓሻ ብኸብዱን፡ ዓሻ ብዓዱን የለን።
31. ዓሻ ተታላሊ፡ ሃላይ ሰላሊ(ለማዲ)።
32. ዓሻ ናይ ዕለቱ፡ ለባም ናይ ዓመቱ (ይሓስብ)።
33. ዓሻ ንመኻሪኡ የሕፍር፡ ወደቦኻ ኣብ ጸድፊ የስፍር።
34. ዓሻ ንሱ ዝብሎ’ምበር፡ ንሳቶም ዚብሉዎ ኣይ ፈልጥን።
35. ዓሻን መገሻን፡ መማንይቲ።
36. ዓሻን ወረቐትን፡ ዝሓዞ ኣይ ለቅቕን።
37. ዓሻን ዓርብን፡ ይቀዳደሙ።
38. ዓሻን ጋሻን፡ ድራር ዉሕጅ።
39. ዓሻ ኣምሕለኒ ክብል ከሎ፡ ዘይ መሓለ ይመስሎ።
40. ዓሻ ኣላማይ ፈርጊ(ጋቢ)ሰዲዱ፡ ጣዕዋ ይዓግት።
41. ዓሻ ኣይ መዓድ፡ ሙዉት ኣይ ጽዓድ።
42. ዓሻ ኣይ ብዛሕ፡ ንምንታይ ከይ ባዛሕ።
43. ዓሻ እንተ ለበመስ፡ ዝጸደቐ ይመስሎ።
44. ዓሻ እንተ ፈረድካዮ ኣይ ፈልጥ፡ እንተ ፈረድካሉ ኣይ ፈልጥ።
45. ዓሻ ከመ’የሎ፧ ዓሻ ደኅንኣሎ፡ ዘመድ ዓሻ ከፊኡዎ’ሎ።
46. ዓሻ ከም ልማዱ፡ ኣድጊ ናብ ሓመዱ።
47. ዓሻ ከም ነጋሪኡ፡ መጥሓን ከም ወቓሪኡ።
48. ዓሻ ከዐሽወኒ፡ ጣፍኪ ነቒዙ ይብለኒ።
49. ዓሻ ኪዛረብ፡ ለባም የስተውዕል።
50. ዓሻ፡ ክልተሳዕ ይጽረፍ።
51. ዓሻ ክሳብ ዝግምግም፡ ለባም ይፍጽም።
52. ዓሻ ክጸልእ፡ ሰላም ይኸልእ።
53. ዓሻ ክጸልእ፡ ከመዓልካ ይኸልእ።
54. ዓሻ ወድቐሺስ፡ ኣምላኽ ሓወቡኡ ይመስሎ።
55. ዓሻ ወድቐሺስ፡ ዳዊት ኣቦኡ ሸይጡ ይሰክር።
56. ዓሻ ዘመድ መቃለሊ፡ ሕማቕ ዘመድ መሐከሊ።
57. ዓሻ ዝለኣኾ፡ ለባም ነይመልሶ።
58. ዓሻ ዝተኸሎ፡ ለባም ነይነቕሎ።
59. ዓሻ ዝደረፎ፡ ለባም እነይ ገድፎ።
60. ዓሻያ ዕሽነት፡ ወርቂ መቐነት።
61. ዓሻዶ መሲሉዎም ብለባመየ፡ ክልተ ቘልዑ ወሊደ ደጊም ናበየ።
62. ዓሻ ገረብ፡ እናሞተ የጽልል።
63. ዓሻ ጎርዞ፡ ንጎበዝ ኣብ ማእከል ዓዲ ትሕዞ።
64. ዓሻ ጓል ምስ ጸላእቲ ስድርኣ ተመርዕያ፡ መርቑኒ ትብል።
65. ዓሻ ጓና ምስ ዘመድካ ኣስተኻኽለኒ፡ ዓሻ ዘመድ ምስ ወድኻ ኣማዓራርየኒ።
66. ዓሻ ጠሓኒት፡ ምስ ፈታሊት ተዕልል።
67. ዓሻ ጽንዓደግለታይ ትኽ ከም ቅጫ፡ ለባም ሓደግታይ ዕጽፍ ከም ጣይታ።