መዓልቲ ሕሙማት- ሰንበት ዘመጻጉዕ


መዓልቲ ሕሙማት- ሰንበት ዘመጻጉዕ

ካብ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዕለት 11 ንሕሙማት ፍሉይ ትኩረት ብምሃብ ብመልእኽቲ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ተሰንያ፡ እትዝከር “መዓልቲ ሕሙማት” ተባሂላ እትስመ ዕለት ምህላዋ ይፍለጥ።

ብሥርዓተ ኣምልኾ ሃገርና ግን ኣብ ጾም ኣርባዓ  “ሰንበት ዘመጻጉዕ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕለት ስለዘሎ ምስቲ ሥርዓት ኣምልኾ ተዋሃሂዱ ምእንቲ ክግበር፡ ኣቐዲሙ ምስ ቆሞሳት ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሠረት፡ ዝሓለፈ “ሰንበት ዘመጻጉዕ” 27 መጋቢት 2016 ዓ.ም ኣብ ነፍሲወከፍ ቁምስና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ገለ ዓበይቲ ቁምስናታት ንሕሙማት ኣብ ቤተክርስትያን ፍሉይ ቦታ ብምስንዳው፡ ዘይንቀሳቐሱ ሕሙማትን ሽማግለታትን ብሰብ መካይን ደቂቁምስና ናብ ቤተክርስቲያን መጺኦም፡ ምእንታኦም ዝተወፈየ መሥዋዕተ ቅዳሴን ጸሎትን ክኻፈሉን፣ ንሕማሞም መንፈሳዊ ትርጉም ክህብዎን፡ ኣምላኽ ከኸእሎምን መጸናነዒ ቃል ቅዱስ ወንጌል ክሰምዑን ቅብኣቅዱስ ዘይቲ ክቕብኡን መስቀል ክሳለሙን ተገይሩ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ብምኽንያት ዓመት ምሕረት  ብኮሚቴ ዓመት ምሕረት ብዝተሰናደወ መደብ መሠረት፡ ምእመናን በብቍምስናኦም ተጠርኒፎም በቲ ዕለት ኣብ ከባቢኦም ዘሎው ሕሙማትን ሽማግለታትን ኣብ ኣባይቶም ብምብጻሕ፡ ኣብ ዘዝተመደበሎም ሆስፒታላት ከም ሐሊበት፡(ቁምስና ደብረ በኣታን ቅዱስ ኣንጠንዮስን) ሆስፒታል ሕክምና ስነኣእምሮ ማይተመናይ(ደብረ ጽንሰታ) ብምኻድ ንሕሙማትናይ ጽሬትን ኣካላቶምን ከባቢኦምን ካልእ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ሞራላውን ንዋታውን ሓገዛትን ብምብርካትን ብምብጻሕን ኣብ መላእ ርእሰ ሰበኻ ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ክምልከት ከሎ ካልኦት ቁምስናታት’ውን ኣብ ዚቕጽል ሰናብቲ ጾመ ኣርብዓ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዘሎ ትካላት ጥዕና ብምኻድ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ከም ዝህቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብዚ ዕለት እዚ ብምኽንያት ዓመት ምሕረት ኣብ ቁምስናታት ኣሥመራ እናበጽሑ፡ ዝቕድሱ ዘለዉ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ደብረ መድኃኔ ዓለም ገጅረት ኣብ ዘዕረጉዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ብዛዕባ በደል ኃውካ ምሕዳግ ዝብል ክፋል ካብ ወንጌል ማቴዎስ ኣንቢቦም፣ ሎሚ  ምእንቲ ሕሙማት እንጽልየሉ ዕለት ኢዩ፣ ሕማም ኮነ ሞት ከኣ መኻይድና ኢዩ። ኣኻእሎ ሃበኒ እምበር ኣይተሕምመኒ ኣይበሃልን ኢዩ ኢሎም። ነቶም ክጽለየሎም ብቅድሚት ተቐሚጦም ዝነበሩ ሕሙማትን ሽማግለታትን ከኣ ብምኽንያት ሕማም ካብ ማሕበር ዝወጻእኩም ኮይኑ ክስመዓኩም የብሉን፣ ስድራኹም ቍምስናኹም ምሳኹም ኣለዉ። ንሕማም ከም መቕጻዕቲ ከም መርገም ኣይንውሰዶ ቢሎም ኣተባቢዖምዎም። ቀጽሎም ከኣ ንዓመተ ምሕረትን ኣብዚ ዓመት እዚ ክግበር ዘለዎ ናይ ምሕረት ስራሓትን ሕይወትን ብዝምልከት ኖላዊ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ዝገብሮ ዝነበረ ርሕራሔን ፈውስን ብምኽታል፣ ንጥዕና ኣብ ማሕበራዊ ትምህርታ ከም ሓደ መሠረታዊ ሓዋርያዊ ስራሐ ብምርኣይ ንሕሙማት ንምእላይ ብሞያ ዘገልግሉ “ውፉያት” ብምውፋር ኣብ ምሉእ ዓለም ብምሉእ ሓይላ እትሰርሓሉ ጉዳይ እዩ።

ይትባርኽ ኢየሱስ ክርስቶስ

ግርማይ ኣስፍሃ