መንፈስ ቅዱስ ከም ወሃብን ውህበት እየሱስ ክርስቶስ


መንፈስ ቅዱስ ከም ወሃብን ውህበት እየሱስ ክርስቶስ

(መንፈስ ቅ. ኣብ ሓዲሽ ኪዳን)

ብእናቴ ለተምህረት ተስፋይ

ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ከም ኣብ ክርስቶስ ዝወረደን፡ ክርስቶስ’ውን ድሕሪ ትንሳኤኡ ከም ዓዳሊ ኮይኑ ኣብ ዝተራእየሉ ዝፈጸመሉን ብሕጽር ዝበለ ኣብ ሽድሽተ ብምኽፋል ክንርእዮ ኢና።

  1. ብቀዳማይ ደረጃ እምበኣር ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምላድ እየሱስ ዝርኢ ኢዩ።

ምልኣት ግዜ ምስ በጽሔ እግዚኣብሔር ንወዱ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ከም ዝውለድ ገበረ (ጋላ 4፡4)፡ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ሓንቲ ጎርዞ ጓል በዓልቲ ናዝሬት ኣትዩ ሰላምታ ምስ ኣቕረበ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኣ ከም ዝወረደን ሓይሊ እቲ ልዑል ከኣ ከጽልላ ከም ዘለዎን ይገልጸላ። በት ዝብላ ዘሎ ንከይትፈርሕ ከኣ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ ጸጋ ዝመልኣኪ ኢኺ’ውን ይብላ።

እቲ ብሰብኣዊ ኣመለኻኽታ ክትርድኦ ዘይትኽእል ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ እቲ ካብኣ ዝውለድ “ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ተባሂሉ ክኣ ይጽዋዕ።” ወንጌል ማቴ 1፡20 እንተ ርኣና’ውን “እቲ ካብኣ ዝውለድ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ” ይብሎ።

መብዛሕትኡ ግዜ ጠቅስታት ከነንብብ እንከለና ንናይ ማርያም ድንግልና ዘተኮረ ገቢርና ንወስዶ- እንተኾነ ኣደ ኣምላኽ ብምዃና ዕብየታ ዚነግር እዩ። ኣደ ጎይታ ናባይ ክትመጽእ ከመይ ኢሉ ይኾነለይ (ሉቃ.1፡43)። እግዚኣብሔር ንማርያም ታቦት መንፈስ ቅዱስን ታቦት ወዳን ከም እትኸውን ገይርዋ ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ ሕይወት ዝህብ ጐይታ ስለ ዝኾነ ነቲ ካብ ዘልዓለም ዝነብር ዝነበረ ውሉድ ሥጋ ከም ዝለብስ ዝገበረ ኢዩ።

ክርስቶስ ኣብ ሓዋርያዊ ሥርሑ፣ ምስ ስድርኡ ኣብ ናዝሬት ሕቡእ ሕይወት ድሕሪ ምሕላፉ (ሉቃ. 2፡51) – ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብምኻድ ኣንነቱ ክገልጽ ይርከብ። ከም ማንም ኮይኑ ከኣ ብዮሓንስ ክጥመቕ ይወርድ። ምስ ጸለየ ሰማያት ይኽፈት መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብኣምሳል ርግቢት ናብኡ ክወርድ ይርኤ። ዮሓንስ ወንጌላዊ ከኣ ኣብኡ’ውን ነበረ/ሓደረ (1፡32) ይብል። መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ርግቢ ከም ኣበሃህላ መማህራን ሕጊ ከም ዝብልዎ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ላዕሊ ሰማያት ይዝንቢ ነበረ – ምስ ሓንቲ ርግቢ ብርእሲ ጨጫውታ – ብዘይ ምትንካፍ እትዝንቢ የመሳስልዎ። – ዋና ሓሳብ ናይ’ዚ ከኣ ሕይወት ምሃብን ምሕላውን ወይ ምሕጋዝን ኢዩ ዘርኢ። ካብ ጥምቀቱ ንደሓር ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ግዜ ምስኡ ከም ዝተረፈን ንሰራሕ ጎይታ ዓይነተይና ከም ዝገበሮን ዝዝከር ኢዩ። በዚ ምራድ መንፈስ ቅዱስ ከኣ እንታይነት ክርስቶስ ተገሊጹ ይርከብ። “ንስኻ እቲ ዝፈትዎ ኢኻ” ዝብል ድምጺ ምስቲ ብኣምሳል ርግቢ ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ ክስማዕ ይርኤ።

እዚ መንፈስ እዚ ንክርስቶስ ንበረኻ ከም ዝኸይድ ብሰይጣን ከም ዝፍተንን ከም ዘሸንፍን ይገብሮ። (ማቴ./4፡1) ንገሊላ ከኣ ይመልሶ (ሉቃስ 4፡14)። ክርስቶስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ነጋንንቲ የውጽእ ‘ኣነ ንኣጋንንቲ መንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም እንተደኣ ኮይነ ግና እነሀ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም በጺሓ ኣላ (ማቴ 12፡28) – (ሉቃስ በጻብዕ ኣምላኽ 11፡20) – ኢየሱስ ብመንፈስ ሓጎስ ነብኡ በቲ ንሕጻናት ብዝገበረሎም ከመስግኖ ይርከብ (ሉቃስ 4፡18-1ይ) ቀጺሉ ግብሪ ሓዋርያት ‘ኣምላኽ በቲ ጎይታ ኩሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ኢስራኤል ሰላም እንዳኣበሰረ ዝለኣኽ ቃል እዚ ኢዩ:….ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ንኢየሱስ በዓል ናዝሬት ብመንፈስ ቅዱስን ብኃይልን ከም ዝቀብአ ንሱ ከኣ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ኣብ ኩሉ ጽቡቕ ከም ዝገበረ… (10፡36፡38) እዚ ብምግባሩ – መድብ ኣምላኽ እንደገና ኣብቲ ናይ ቀደሙ ክመልሶ ከም ዝደለየ የርኢ።

ክርስቶስ ኣብ ምድራዊ ጉዕዝኡ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ክዛረብ እንከሎ። ንመንፈስ ቅዱስ ከይንጻረር ልብና ከይንዓጹ ሓደራ ይብል፥ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ገለ ቃል ዝተዛረበ ክኅደገሉ ኢዩ፣ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዝተዛረበ ግን ሓጢኣቱ ኣይክሕደገሉን ኢዩ (ማቴ 12፡32)። ምኽንያቱ ብኅይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፍጸም ዘሎ ሥራሕ ብናይ መንፈስ ኣይትሕሰቡዎ ይብሎም።

መንፈስ ቅዱስ ከም ኣካል ቅድስቲ ስላሴ – ህያብ ፍቅሪ ኢዩ ዝግመት። ኣቦ ንወዲ ኣብ ጥምቀት ከምኡ’ውን ንዝለመኖ ዝህብ ዝዓበየ ህያብ ኢዩ። ንስኻትኩ እኳ ክፍኣት ከሎኹም ንደቅኹም ሠናይ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዝልምኑዎ ክንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ‘ሠናይ ነገራት’ ዘይህቦም (ሉቃ 11፡13)። ጠጠው ንምባል ዝኽእሎም ሓይልን ዝህብን ንእምነት ብዘይ ፍርሓት ንምምስካር ዘብቅዖም ምዃኑ ይዛረብ።

ኣብ ወንጌል ዮሓንስ – መንፈስ ቅዱስ ኣብኡ ዝሰርሕ ምዃኑ ንምፍላጥ ቃላተይ መንፈስ ብዘይ ዓቐን ሂብዎ ኢዩ (ዮሓ. 3፡34)። ንሱ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ብጥምቀት ዝቅበልዎ ከም ብሓዲሽ ካብ ላዕሊከም ዝውለዱ ዚገብሮም’ዩ (ዮሓ. 3፡3-8) ዝፍልፍል ማይ ሕይወት’ዩ (ዮሓ. 4፡10)። ነቶም ዝኽተሉዎ ዝነበሩ መንፈስ ቅዱስ ክመልኡ ምዃኖም ስለ’ዚ ከኣ ንሥራሕ ከምቲ ናቱ ገይሮም ክሠርሑሉ ሓደራ ይገድፈሎም። ንሱ መንፈስ ሓቂ ኮይኑ ናብ ኩሉ ሓቂ ክመርሖም፡ ከጽንዕዕምን ምዃኑ ይዛረቦም፡ ምኽንያቱ ነቲ ክርስቶስ ዝበሎ ዝምስክር እዩ። ‘ካብ ኣብ ዝወጽእ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ኪምስክረይ ኢዩ’ (ዮሓ 15፡26)።

ካብ ሞት ዝተንሰኤ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝለኣኸ

ምስጢር ክርስቶስ ንሓዋርያቱን ንነብያቱን ብመንፈስ ቅዱስ ተገልጸሎም (ኤፈ 3፡5)

ምስጢር ፋሲካ ንክርስቶስ ከም ካልኣይ ጊዜ ከም ዝውለድ ሓዲሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ’ዩ። ወዲ እግዚኣብሄር ሓያል ከም ዝኸውን ይገብሮ-‘ክርስቶስ ካብ ሙታን ብምትንሳኡ ቅዱስ ወይ ብኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ ዝተጋህደ ኢዩ’። ንሱ ምስ ተንስኤ፡ ምስ ከበረ ሕይወት ዝህብ ዝዛሪ ማይ ካብ ከርሱ ክፍልፍል ኢዩ። ዮሓንስ ቀጺሉ ‘እዚ ብዛዕባ’ቲ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ኪቅበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ዝተዘርበ ይብለና።

ሓዋርያ ጴጥሮስ ብወገኑ ሕጂ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ብኽብሪ ምስተቀመጠ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእዩዎን እትሰምዑዎን ዘለኹም ንሱ ኣፍስሶ (ግ.ሓ. 2፡33)። ክርስቶስ እምበኣር ንመንፈስ ካብ ኣቦ ተቐቢሉ ይልእኮ – በዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ናይ ኣቦን ናይ ወልድን ይኸውን። ቀስ ኢሉ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ዝተፈላለየ ህያባት ዓዳሊ ኮይኑ ይረኤ።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ክርስቲያን

ክርስቶስ ኣብ የማን ኣብኡ ድሕሪ ተቐሚጡ ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ሥራሕ ዝቅጽሉ ሰባት ሰሪዑ ስለ ዝኸደ፣ እቲ መንፈስ ኣቦን መንፈሱን ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ  ምስቶም ሰዓብቱ’ውን ጽኑዕ ርክብ ወይ ሕብረት ከም ዝህልዎም ይገብር።

መንፈስ ቅዱስ ተላኢኹ ናብ ልቢ ደቂ ሰብ ይመጽእ ‘ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ነቲ ‘ኣቦ’ ኢሉ ዝጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብኹም ለኣኾ (ጋላ 4፡6)፡ ስለዝተላእከ ንሱ ኣብ ደቂ ሰብ ይወርድ፡ ’በተን መወዳእታ መዓልታት ኪኸውን ኢዩ …. ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሰብ ካብ መንፈሰይ ኪፈስስ ኢዩ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ ኣጓብዝኩም ከኣ ራእይ ከርእዩ ኣረገውትኹም’ውን ሕልሚ ኪሓልሙ ኢዮም…ኣብ ሰብኡትን ኣንስቲን መንፈሰይ ኪፈስስ ኢዩ (ግ.ሓ.2፡17-18)

ንሱ ይዕደል ይወሃብ፡ ‘በቲ ዝተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቅሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝመልአ ኸኣ እታ ተስፋ ኣይትሓፍርን ኢያ (ጋል3፡5፣2 ቆሮንጦስ 5፡5 ወዘተ)።

ብወገን ኣመንቲ ኸኣ ይቕበሉዎ ‘ንስኻትኩም ነቲ ብኣኡ ገይርና ‘ኣባ፡ኣቦ’ ኢልና እንጽዋዓሉ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ተቐቢልኩም እምበር፡ ናብ ፍርሃት ክትምለሱ መንፈስ ባርነት ኣይተቀበልኩምን፡ ስለ ዝተቀበሉዎ ከኣ ብኣኡ መሊኦም፡ ንሱ ኪዛረቡ ከምዝሃቦም’ውን ብካልእ ቋንቋታት ኪዛረቡን ወንጌል ከበስሩን ከኣተረኸቡ (ግ.ሓ. 2፡4 ርኤ)።

ንኩሉ ጊዜ ምስኦም ይተርፍን ይነብርን ኣብ ኩሉ ጉዕዞም ከኣ የሰንዮም። ንስኻትኩም መንፈስ እቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ክርስቶስ ሓዲሩኩም እንተደኣ ሃልዩስ ብመንፈስ እምበር ብስጋ ኣይኮንኩምን ዘሎኹም። (ሮሜ. 8፡9 ርኤ)። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ኃዲሩ ምህላውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ (1 ቆሮ. 3፡16 2 ጢሞ 1፡14) ኣመንቲ ብወግኖም ይርድኡን ይፈልጡን ኢዮም። ‘ኣነ’ውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ’ 1 ቆሮ. 7፡40፡ ቀጺሉ ‘ከምቲ ኣመንኩ ተዛረብኩ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ሓደ መንፈስ እምነት ስለ ዘሎና ንሕና ድማ ንኣምን ስለዚ’ውን ንዛረብ (2 ቆሮ 4፡13)፡ እዚ ብጥምቀት ኣብ ኣመንቲ ዝነብር መንፈስ ሓደስቲ ፍጥረት፥ ቤተክርስትያን ኣኅዋት-ደቂ እግዚኣብሄር ሰበኽቲ ወንጌል መልክዕ ቅድስና ኣባና ዝሃንጽ ኮይኑ ይርከብ፡ ካብ እግዚኣብሔር ውሉድነት ነጻን ሰባት ገይሩ ወረስቲን መዋርስቲ ክርስቶስ ከም እንከውን ይገብረና (ጋላ 4፡6-7) ዓይነተይና ሕይወት ከም እነብር ከኣ ይገብረና።

ኣመንቲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብውሽጦም ስለ ዝልወጡ ‘ቤተ መቅደስ መንፈስ ቅዱስ ተባሂሎም ይጽውዑ (1 ቆሮ 6፡19፣ 3፡16)። ብመንፈስ ከኣ ክብሪ ጐይታ የንጸባርቑ፡ እዚ ካብቲ መንፈስ ዝኾነ ጐይታ ዝመጸ ክብሪ ከኣ ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ እንዳ ተለወጡ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ይሓልፍ (ርኤ 2 ቆሮ 3፡18)።

እቲ ዝለዓለን ተሰሚዑ ዘይፈልጥን ከኣ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ሰብ ኣብ ምስጢር ቅድስቲ ስላሴ ሱታፌ ከምዝህልዎ ስለ ዝገበረ ኢዩ። ንሱ ካብ ኣቦ ብክርስትያናዊ መንገዲ ተላኢኹ ኣብ ኣመነቲ ብምሕዳር ኣቦ ኢሉ ዝጪድር ኢዩ። ከም ውሉድ መጠን ሓላፍነት ብምስካም ሓዋርያ ከም ዝኸውን ከኣ ይገብር።

መንፈስ ቅዱስን ቤተ ክርስትያንን

ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውልቀሰብ ዘተኮረ ጥራይ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ሓበራዊ ህያብ ኢዩ። ብመዓልቲ ጰራቅሊጦስ እተራእየ ተኣምራት’ዩ፡ እዚ ሓበራዊ ህያብ እዚ ኣብ ጥንታዊ ኪዳን’ውን ይዝረበሉ’ዩ (ኢዮኤል 3፡1-5) ድሮ ነብያት ኣብ መጨረሻ ክኸውን ዘለዎ ብማለት ኣማዕድዮም ርእዮም ኢዮም። ከም ክርስቶስ ተልእኮኡ ንኽጅምር ኣብ ዮርዳኖስ ብምጥማቕ መንፈስ ቅዱስ ዝወረዶ፣ ከምኡ ስራሕ ክርስቶስ እትቕጽል ቤተክርስትያን ተልእኾኣ ንክትሰናዶን ንክትጅምርን ህላዌ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎኣ ንኽግለጽን ንኽነብርን ኣድለያ። እዚ መንፈስ እዚ’ዩ ኸኣ ክሳብ መጨረሻ ዓለም ንክርስቶስ መሰኻኽሮም ንኽኮኑ ዘብቕዖም።

ብጉጅለ ብጉጅለ ከለዉ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ክወርዶም ንርኢ፡ ነቶም ሾብዓተ ዲያቆናት (ግ.ሓ. 6፡3/10) ግብሪ ሓዋርያት ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ስራሕ ተልእኮ እንክገልጾ ቅ. ጳውሎስ ግን ርክብ ቤተክርስትያን መንፈስ ቅዱስን ይገልጽ።

ብቀዳማይ ደረጃ መንፈስ ቅዱስ ንኩላቶም ጥሙቓት ከምዚውሃብ በዚ ኸኣ መሠረት ናይ ሓድነት ቤተክርስትያን ከም ዝኾነ ይገልጽ። ኵልና ብሓደ መንፈስ ቅዱስ ኢና ተጠሚቕና (1 ቆሮ.12፡13) ኣብኡ ናይ ዝኾነ ይኹን ፍልልይ የለን ምኽንያቱ ኩልና ኣብዚ መንፈስ ቅዱስ’ዚ ሱታፌ ኣሎና። ቀጺሉ ነፍስ ወከፍ ኣማኒ፡ ብቐለም ዘይኮነ ብመንፈስ እቲ ሕያው ዝኾነ ኣምላኽ ዝተጻሕፈት፡ ኣብ ቀጸላ እምኒ ዘይኮነ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተቐርጸት መልእኽቲ ኢኹም ይብል (2 ቅሮ 3፡3) ማእሰር ሰላም ኣብ መንፈስ ቅዱስ ንኽህልዎም ይምዕድ (ጎፈ. 4፡3) ንሱ መሰረት ናይ ቀደም ሰብ ናይ ኣንነት ቤተክርስትያን ኢዩ።

ብካልኣይ ደረጃ – እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ ግርማ ዘለዋን ዕውትን ንክትከውን ዝተፈላለየ ንኣገልግሎት ዝውዕል ህያባት ይዕደላ በዚ ህያባቱ ገይሩ ከም ድላዩ ነዛ ቤተክርስትያን ይመርሕ፡ ንሱ ኣብኣ ስለዘሎ ከኣ እቶም ብደገ ዝመጹ ‘ብርግጽ ኣምላኽ ኣብ ማእከሎም ኣሎ’ (1 ቆሮ.14፡25) ንምባል የኽእሎም። ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ኣብ ቤተክርስትያን ሓላፍነቱ ከም ዝሽከም ከኣ ይገብሮ።

ህያብ መንፈስ ቅዱስ ንጥቕሚ ቤተክርስትያን ዝውዕል ኢዩ፡ ስለዚ ወለሓደ ንህያብ መንፈስ ቅዱስ ንምብልሻው ንህያብ ቤተክርስትያን ዝጥቀመሉ ክህሉ ኣይክእልን። ንምዕባሌኣን ንምህናጻን ዝወሃብ ኢዩ (1 ቆሮ. 14፡3-5) ኣብ 2 ቆሮ. 3-8 ነዚ ህያብ ዝዕድል መንፈስ ቅዱስ ከነገልግል ከም ዘሎና ይዛረብ ‘እቲ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ደኣ ከመይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትግለጽ’።

መንፈስ ቅዱስን ተስፋን፣ ቤተ ክርስትያን ንዝመጽእ ጊዜ’ዉን ክፍትቲ ከም እትኸውን ይገብራ። መንፈስ ቅዱስ ውሕስነት ናይ ዝመጽእ ጊዚያት ኢዩ። ‘ፍጥረት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕና ነቲ ቀዳማይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልና’ዉን መሰል ዉልድነት ማለት ንምድሓን ሥጋና እንዳ ተጸበና ብውሽጥና ንጽዕር ኣሎና። (ሮማ 8፡23) ‘ናቱ ከም ዚኮንና ማሕተም መፈለጣ ዝገበረልና ኣብ ልብና ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ዝሃበና ንሱ’ዩ 2 ቆሮ. 1፡22።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ናይ ሥጋና ምልዋጥ’ዉን ሓላፍነት ዘለዎ ኢዩ (ሕዝ 37) መንፈስ ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ ኣባኻትኩም ኃዲሩ እንተደኣ ሃልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹም’ዉን በቲ ኣባኽትኩም ኃዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ ሕያው ኪገብሮ ኢዩ ሮማ 8፡14 1ቆሮ. 15፡44.46። ይብለና።

ንሕያው መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ቦታ ሂብና ብመንገዲ ድሕነት ክንጉዓዝ ንጝደም ኣሎና። እግዚኣብሔር ኣቦና ንመንፈሱ ኣይበቀልናን እዩሞ፣ መንፈስካ ኣፍስሰልና ንበሎ።

ርሑስ በዓል ጳራቅሊጦስ ይግበረልና!