መንፈስ ቅዱስ መሪሕ ሕይወትና


መንፈስ ቅዱስ መሪሕ ሕይወትና

  1. ምስትውዓል (Prudence)

“ናይ ሥጋ ነገር ጥራሕ ምሕሳብ ሞት የምጽእ፤ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና ሕይወትን ሰላምን የምጽእ፤ምኽንያቱ እቱ ሓሳብ ሥጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን፦ኪግዝኦ’ውን ኣይክእልን እዩ...እቶም ብሥጋ ዝምርሑ’ውን ንኣምላኽ ከሐጉስዎ ኣይከኣሎምን እዩ’’ (ሮሜ.8:6-8);

ምስትውዓል ሞራላውን መሎኮታውን ህያብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ኮይኑ ኣእምሮና ነቲ ዝጸበቐን ዝበለጸን መሪጹ ንዘለዓለማዊ ድሕነት ከረጋግጽን ባህ ዘብል ሥራሕ ንኽሰርሕ ዘኽእሎን እዩ; ኣብዛ ንነብራ ዓለም ካብ ኣተሓሳስባ ናይ ኣምላኽ ወጻኢ ዘሎዎም ንሕይወቶም ኣብ ሓደ ዕላማ ንምብጻሕ ኣብ ናብራ ዓለም መስተውዓልቲ ኮይኖም ዚረኣዩ ኣሎዉ; ናይዚ መጻኢ ራእይ ዘይብሉ ሥጋዊ ምስትውዓል ግና ንናይ ነፍሲ ነገር ወይ ኣምላኻዊ ኣተሓሳስባ ብቐንዱ ንኸይህልወና ይዕንቕጽ; ክርስትያናዊ ምስትውዓል ዝበሃል መጻኢኻ ብንጹር እናተጸበኻ ንሕይወትካ ምስ ኣምላኽን ንሱ ዝህበካ መምርሒ እንተኸተልካ እትገብሮ ጉዕዞ ንሰማያዊ ናብራ(መንግሥተ ሰማይ) እዩ; ኩሉ ስሚዒታት፦ሓሳባት፦ ቃላት፦መደባት፦ስራሓት፦ ኣብ መዓልታዊ ኣነባብራና እንፍጽሞም ናብ መንግሥተ ሰማይ ወይ ናብቲ ኣምላኽ ንቅድስናና ዝሰናደዎ ከብጹሑና እንተዘይኪኢሎም ኣይተዓወትናን ማለት እዩ; ኣብ ክርስትና ኣስተውዓልቲ ክንከውን ዝድለየሉ ዘሎ ምኽንያት በቶም ናይ ጥንቲ ጸላእትና ዓለም፦ሥጋ፦ ሰይጣን፦ ከይንምንጠል እዩ; ቅዱስ ቶማስ ዘአኩናስ ‘’ሓቀኛ ምስትውዓል ንምኽርን፤ ፍርድን፤ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ፤ ድፍኢት ዝገብር ናይ መወዳእታና ዕላማ ክንጭብት ዝሕግዘና ዘኽእለናን ሕይወት እዩ’’ ይብል; ሓሳባትና ወትሩ ክፍጸም እምነት ዘሰነዮን ብእምነት ዝበርሀን ኪኸውን የድልዮ; ከም ክርስትያን መጠን ነቲ ኩሉ ዝገጥመና ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ መሚና ክንርእን ነቲ ዝሓሸ ክንሕዝን እንተደሊና ነቲ ብዘይ ኣድልዎ ከከም ልመናና ዝህበና እግዚኣብሔር ምስትውዓል ድማ ኪህበና ጸጋታቱ ክንልምን የድሊ; እዚ ሕያብ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ምስትውዓል ዘድልየና ዘሎ ብሓቅን ብመንፈስን ንኣምላኽ ተረዲእና ክነምልኾን ክንእዘዞን፦ ነቲ ዘየርብሓና ናይዚ ዓለም’ዚ ገጻት ሕይወት ድማ ምእንቲ ክንፍንፍኖ ተቢዕና ኪንቃወሞን ኢልና ኢና;

ንሕና ኩልና ከም ደቂ ኣምላኽ መጠን ናይታ እትመጽእ ኣብ መንጎና ዘላን መንግስቲ ኣምላኽ ሱታፌ ክህልወና ነቲ ዘይሓልፍ ከነናዲ ግቡእ ርድኢት ክህልወና ኢና ንድሊ; ቅዱስ ጳውሎስ ካብ መስቀል ዝረኸብናዮ ድሕነት ምእንቲ ዓቂብና ክንክእልን ብኣኡ ኪንምካሕን ክርስትናና ኪንሕሉን ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ የተምብሃልና’’ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲኣኩም ኢኹም’ሞ ቀልብኹም ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ…ኣእምሮኹም ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቅልብ… ከመይ ሞይትኩም ኢኹም ሕይወትኩም ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ’’ (ቆሎሴ.3:1-3); ሎሚ ዓለምና ብዘይ ኣምላኽ ኪጎዓዝ እኳ እንተመረጸ፤ ንሕና ግና ነቲ ደሙ ኣብ መስቀል ኣፍሲሱ ሓጢኣትና ደምሲሱ ምስ ኣቡኡ ዝዓረቐና ኢየሱስ ክርስቶስ መሪጽና ኣሎና እንብለሉ ምስትውዓል ዝመልኦ ምስክርነታዊ ሕይወት የድልየና ኣሎ; ክርስትና ንቕድሚት ናይ ዝስጉሙ ኣባላት ወይ ኣሕዋት ክርስቶስ ስለዝኾነ ተመሊስካ እትጥምቶ፦ትርእዮ፤ ተማዕድዎ ሕሉፍ ንእግዚኣብሔር ዘየኽበረ ኣነባብራ ክህሉ ኣይግባእን; ፈጣሪ ንዝለዓለ ክብሪ’ዩ ጸዊዑና እዚ ክብሪ እዚ ከኣ ንዘልዓለም ወረስቱ ክንከውን ኣብቲ ንሱ ዘሎዎ ክንቅመጥን እዩ;

ምስትውዓል ኣብ ዝወሓደሉ ጊዜ ከም ደቂ ኣምላኽን ደቂ ቤተክርስቲያንን ክንመላለስን ነቲ መሎኮታዊ መምህርና ክንክተልን ኣዝዩ ጽጉም ነገር እዩ; ህድኣት ዘሎዎ ሕይወት ምስ ፈጣሪና ክህልወና ኣብ እንምነየሉ ጊዜ መጀመርያ ክንርእዮም ክንፈልጦን ዝግብኣና ፈጣሪ እቲ ከም መደቡን ሓሳቡን ኣብ ሕይወትና ልዑል ተራ ብኢየሱስ ወዱ ዝተጻወቶ ክሳዕ መወዳእታ ድማ ኪናብየና ዝነብር ዘሎ ምዃኑ ምእማን እዩ; መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን ነዚ ሓቂ እዚ እንክገልጸልና ‘’ ናብቲ ኅፍረት ዘበለ ንዒቑ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሜኡ ዘሎ ሓጎስ ኢሉ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ ዝተቐመጠ ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት’’ (ዕብ.12:2) ይብል; እዚ ሓሳብ እዚ ዘረድኣና እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምእንቲ ዘልዓለማዊ ታሕጓስን ድኅነትን ኢሉ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ድሕሪ ሕጂ ድማ ዘይከውን ናይ መስቀል ዓቢይ ትርጉም ብምስትውዓል ክንነብሮን ክንፈልጦን እዩ; እቲ መርዓዊ ክንቅበለሉ ዘሎና ዘይጠፍእን ዘይቅህምን ዘይትና ናይቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልናዮ ቅብኣትን ኣዕይንትና ዘብረሀን ኩለንተንና ዝባረኸን ምስትውዓል ስለዝተዋህበና እዩ; እግዚኣብሔር ፈጺሙ ኣብ ዝኾነ ጊዜን ቦታን ኩነትታትን ፍቕሩን ሓልዮቱን ኣይቅይርን እዩ; እዚ ሓቅታት ዘሰፈኖ ምስትውዓል ኣምላኽ ክጠቕመና እንተደሊና ነቲ ዝገበረልና ከይረሳዕና ነቲ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታና ኣስተውዒልና ብግብርን ሓቅን ክንመርሖ እንከሎና ነዚ ዘይነጽፍ ክብሪ ክንወስድ ንኽእል; ኣብ ረዲኤት ኣምላኽ ዘይእመን ኣብ ጸዋዕታኡ ኪዓቢ ኣይክእልን እዩ; እግዚኣብሔር ጸጋታቱ ከይዓደለ ንዝኾነ ኣይጽውዕን እዩ ስለምንታይ ተረዲኡና ክንስዕቦን ክነምልኾን ስለዝደሊ; ናትና ተራ ኣብዚ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ሓቂ እንታይ እዩ እንተደኣ ኢልና ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኽና ኣስተውዓልትን ኣመዛዚኖም ዝኽእሉን ሰባት ምዃን እዩ;

ሰብ ኣብ ሕይወት ኣምላኽ ኪሳተፍ ተፈጥረ; ብሕይወት ምንባር ድማ ጸዋዕታኻ ምንባር ማለት እዩ; ኣብ ሕይወት ኣምላኽ ምስታፍ ኣብ ጸጋ ምንባር ማለት እዩ; ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ሕይወት ምንባር ድማ ነቲ መሠረታዊ ሓቅታት ተገዚእካ ምንባር የስምዕ፣ እምበኣርከስ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብእግዚኣብሔር ዝተሓገገ መደብ ኢና ምስትውዓል የድሊ ኣሎ ንብል ዘሎና; ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ብሓቂ ኣብዚ ምድሪ እዚ ኣስተውዓልቲ ኮይንና ክንነብር ስለዝደለየ ከምዚ ዝስዕብ በለና’’ ሰብ ኩሉ ነገር ረቢሑ ሕይወቱ እንተ ኣጥፈኤ እንታይ ረብሓ ኣሎዎ በጃ ነፍሱ’ኸ እንታይ ዘይምሃበ’’ (ማቴ.16:26); በቲ ዘይጽንቀቕ ትዕግስቱ ፈጣሪ እንደገና ኪሰርሓና ከዐርየና ሓቐኛ መንነትና ከፍልጠና ስለዝደሊ ወትሩ ከነድየና ይርከብ ኣሎ; ምእንትዚ ብምስትውዓል ኩልንትናና ንኣምላኽና ሂብና ብኣተሓሳስባና ተለዊጥና ኣብ መስቀል ምእንታና ዝተገብረ ድማዕ ወይ ሓልዮት ኣስተማቒርና ክሳዕ ዕለተ ሞትና ክንስዕቦ ውሳኔና ዝጽበ ኣቦ ከምዘሎና ንርድኣሉ ጽን ኢልና’ውን ነቲ ኣብ ቃሉን ምሥጢራቱን ዝብለና እንሰምዓሉ እዋን እዩ; ምንባርናን ምንቅስቓስናን ብክርስቶስን ኣብ ክርስቶስን ምስ ክርስቶስን ጥራሕ ምእንቲ ኪኸውን ነቲ ኣምላኽ ዝገለጸልና ሓቂ ብምስትውዓል ከም ናይ ሕይወትና መምርሒ ቅኑዕ ልቦና ነጥሪ;
‘’እምበኣር ተጠንቀቑ እቲ ቅንያቱ ክፉእ እዩ’ሞ
ነቲ ዝተዋህበኩም ጊዜ ብምሉኡ ኣብ ረብሓ
እናውዓልኩም ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት
ንበሩ ምእንት’ዚ እቲ ፍቓድ ጎይታ እንታይ
ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር ዓያሹ ኣይትኹኑ’’
(ኤፌ.5:15-17);

ምስትውዓል ኣብ ብስለት ይምርመር፦ ኣብ ጥበብ ይውሰን፦ ኣብ ተኣማንነት ድማ ሥራሑ ወይ ፍሬኡ ይረአ; ኣብ መጀመርያ ምስትውዓል ነቲ ናይ መጨረሻ ውሳኔ ኣብ ሕይወት እንገብሮ ይምርምሮ; ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ኣቐዲምና ናይ ምስትውዓል ዝርኢ ሓሳባት ዝገለጽናዮ ሓቂ ጊጉይ ርድኢት ኣሎዎም;

ምስትውዓል ኣብ ሰባት ምስ ዝጎድል ደቂ ሰብ ንምንታይ ተፈጢረ? ስለምንታይ እነብር ኣሎኹ? መወዳእታይ ኣይፈልጥን? ንኸንቱ’የ ተፈጢረ ናብዚ ዓለም መጺኤ ዘሎኹ? ዝብሉ ዘይቅኑዕ ዓንቀፍቲ ሕቶታት ንነፍሶምን ንኻልእን ከቕርቡ ይረኣዩ; ነዚ ሕቶታት ንምምላስ ብሱል መስተውዓሊ መርመራ ሕሊና ምግባር ኣገዳሲ እዩ; ሕሉፍ ኩነታትናን ተመክሮናን እንዘከርና ብምግንዛብ ምንባር ልብምና እዩ ስለምንታይ ተመክሮ ኣብ ሕይወት እነልፎ ኩሉ ዓቢ መምህር ስለዝኾነ; ኣብ መዓልታዊ ኣነባብራና ብዛዕባ ዳኻምነትና፤ ብዛዕባ ዓወታትና፤ ሽግራትናን ፤ምጽማምናን፤ንነገራት ምቅዋምናን ብኣታቶም ምሽባርናን ዝኣመሰሉ ብምስትዋል ክንሓስቦም የድሊ;

ካብኡ ተበጊሱ ድማ’ዩ ሓዋርያ ጳውሎስ ቅንያቱ ክፉእዩ’ሞ ተጠንቀቑ ዝበለና; ታሪኽ ክንፍልጥን ክነጽንዕን ካብ ዝግዘና ምኽንያት ሓደ ቅድሜና ዝነበሩ ዝፈጸምዎ ቅኑዕን ጌጋን ተገንዚብና ነቲ ክንኮኖ ዝግብኣና ብምስትውዓል ኣለሊና ምእንቲ ክንነብር ተባሂሉ እዩ; ብተወሳኺ ናይዚ ዘሎናዮ ክንርእን መጻኢ ብንጹር ክንፍልጥን እንተኽኢልና ብመደብ ፈጣሪ ንጉዓዝ ኣሎና ማለት እዩ; መስተውዕሊ ሰብ ኩሉ ግዜ ምኽሪ ይሓትት ንኻልኦት ድማ ካብ ምስትውዓል ተበጊሱ ይመርሕን የሳልን; እዚ ተመኩሮ ዘሎዎም ሰባት ንዘመን ኣንቢቦም ዝኽእሉ ብጥበብ ኣብዚ ዓለም ዚመላለሱ ንእግዚዝሔር ሰንደቕ ዕላማኦም ዚገበሩ እዮም;

መጽሓፍ ምሳሌ በዚ ሓሳብ እዚ ዝህበና ምኽርታት‘’ወደየ ንትምሀርተይ ኣይትረስዓዮ፤ ንትእዛዛተይ’ውን ዘክሮ፤ እዚ ነዊሕ ዕድመ ኪህበካ ኢዩ። በረኽት ከኣ ከብዝሓልካ ኢዩ። ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፤ ኣብ ክሳድካ እሰረን፤ ኣብ ጽላት ልብኻ’ውን ጽሓፈን; ቨዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞጎስን ጽቡቕ ስምን ክትረክብ ኢኻ; ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብGíር ተኣመን፣ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኩሉ ተግባርካ ንእግዚኣብሔር ሕሰብ፣ ንሱ ከኣ ነታ ቅንዕቲ መገኪ ከርእየካ ኢዩ; “እፈልጥ ኢየ” ኢልካ ኣይትጀሃር ንእግዚኣብሔ ፍራህ፣ ካብ ክፉእ ከኣ ርሓቕ። እዚ ንስጋኻ ፈውሲ; ነዕጽምትኻ’ውን ኣንጉዕ ክኾነካ ኢዩ’’ (ምሳለ 3:1-8) ይብል; ብፍላይ ዝኾነ ውሳኔታት ናይ ሕይወት ክንገብር እንከሎና ኣቐዲምና ንእግዚኣብሔር ብርሃንን ምስትውዓልን ክህበና ኣብ ጸሎት ክንልምኖ ኣገዳሲ እዩ; እዚ ድማ በቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቤተክርስትያን ጸሎት ንዓ መንፈስ ቅዱስ ዝብል ዝተሰነየ ኪኸውን የድልዮ; ከም ክርስትያን ኣብዛ ናይ ጥፍኣት ዓለም እዚኣ ብምስትውዓልን ጥበብን ክንመላለስ ኢና ተጽዊዕና ስለዚ ካብ ሕይወትና ዝኾነ ዓይነት ቅድመ ኩነት ማለት ኣቐዲምካ ምፍራድ፤ ስሚዒታዊ ምዃን፤ ናትካ ድላይ ጥራሕ ምሕሳብ፤ ሓቀኛ ውሳኔ ከይንገብር ይዕንቅጹና; በዚ መሠረት ዝሓይሽ ምእንቲ ክንመርጽ ህዱኣትን መስተውዓልትን ክንከውንን ነዚ ዓቢይን ኣገዳስን ባህርይ ክነጥርን ክንውንንን ከኣ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ምግባር የድሊ; ጥርጣረ ኣብ ሕይወት ኣብ ዝነግሰሉን በዚሑ ኣብ ዝረኣየሉ ግዜ ክነስተውዕል ስለዝጽግመና ነቲ ጽቡቕን ሕማቕን ክነለሊ፦ ኣለሊና ድማ ግቡእ መልሰ ግብሪ ክንፍጽም ኣይንኽእልን; ድላይና ምስ ድላይ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣሰማሚዕና እንተኼድና ግና እቲ ናይ ምስትውዓል ባህሪና ብጸጋ ኣምላኽ እናዓበየ ኣብቲ ግቡእ ናይ ምስትውዓልን ምልላይን ስራሑ ክፍጽም ይርከብ;
ቅዱስ ዳዊት ምስትውዓል ዝጎደሎ ሕዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባኣቶም እንታይ ከምዝበለ እንክናገር ከምዚ ይብል ’’ ንዓኡ ዚደሊ ለባም ሰብ እንተሎ ኢሉ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ኣንቆልቊሉ ጠመተ ኩሎም ተጋግዮም ብዘለዉ ኩላቶም ረኺሶም እዮም ገለ ሰናይ ዚገብር ሰብ ሓደ እኳ የልቦን’’ (መዝ.53:2-3) እናበለ ብፍጽምና ክንነብር ከምዘይንኽል ምስትውዓል ከምዝጎደለን ይዛረብ; እንተኾነ ኣምላኽ መሓርን ፈቃርን ደምሳሲ በደል ስለዝኾነ ኩሉ ክድሕንን ክነጽሕን ይደሊ ንዓኡ ክብል ድማ ነቲ ሓደ ወዱ ኣብ መስቀል ክስውኦ መሪጹ እዩ; ጸጋማትና ተረዲኣና እምበኣር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጸሎትና ከም ዝሕግዘና ኣሚና ሥርዓቱ ዝሓለወ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንጽሊ ብህድኣትን ተስፋን ምስትውዓልን እምነትን ጌርና ልብና ኣብ መወዳእታ ምስ ኣምላኽ እንድሕሪ ተሳንዩ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ ኣብ ሕይወትና ቅኑዕን ስሉጥን ባህ ዘብልን መልሲ ጸሎት ክንረክብ ንኽእል ኢና’’ብእግዚኣብሄር እመን ሠናይ ግበር ኣብታ ሃገር ሃዲእካ ብሰላም ንበር…ብእግዚኣብሔር ተሓጎስ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኪህበካ’ዩ ኣብ እግዚኣብሔር ተማዕቆብ ንእኡ እመን ንሱ’ውን ኬስልጠልካ እዩ’’ (መዝ.37:3-5) ; ሓደ ሓደ ግዜ በቲ ዘሎና መንፈሳዊ ህያባት ከየስተውዓልና ጌጋታት ክንፍጽም ንኽእል ኢና፤ እንተኾነ እግዚኣብሔር ወትሩ ኣብ ጐንና ስለዘሎ ጸጋኡ ብምሃብ የበርትዓናን ነቲ ጽቡቕ ድላይናን ሓሳብናን ይባርኽ እዩ;

ኣብ ናይ ምስትውዓል ዓውዲ ክንጎዓዝ እንከሎና ትሕትና ድማ ዕጥቅና ኪገብሮ ይግባእ; ንኹሉ ነገራትን ጸገማትን ፈልና ነቲ ዝጠቕመና ክንሓሊ ስለዘሎና ኣነባብራና ክነተዓራሪ ጥንቁቛት ንኾነሉ ምልክት እዩ; መጽሓፍ ቅዳሴና ናይ ምስትውዓል ክህልወና ሓይሊ ከምዘድልየና እንክገልጸልና ‘’ ኦ ኣምላኽና ወትሩ ፈታኒ ካብ ዝኾነ ናይ ሰይጣን ስርሓት ምእንቲ ክንርሕቕን ክንሃድምን ጥበብን ጽንዓትን ልቦናን(ምስትውዓል) ኣእምሮን ሀበና ...ኩሉ ግዜ ድላይካን ንአኻ ዘሐጉስን ከምንፍጽምን ግበረና’’ ይብል; ኩሎም ኣብ ብሉይ ኮነ ኣብ ሓዲስ ኪዳን እንረኽቦም ዓበይቲ ኣገልገልቲ ከም ድላይን ሓሳብን እግዚኣብሔር ዝኸዱ መስተውዕልቲ ነበሩ፤ኣገልገልቲ ቃል እግዚኣብሔርን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሔርን ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ ነበሩ; ቅዱስ መጽሓፍና ንዓና ከም ኣገልገልቱ መጠን ምስትውዕል ብዝርኢ ዝህበና ምኽርታት’ውን ኣሎ; ኣብራሃም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተኣማንነቱ ብምስትውዓል ዝገለጸ በቲ ዝተዋህቦ መሪሕነት ሕዝቢ እስራኤል እንክኸውን ኣቦ ብዙሓት ከምዝተባህለ ንሕና’ውን እዚ ዓቢ መሎኮታዊ ስም ዘማዕበሉ ንኽብሪ መንግስቲ ኣምላኽ ደው ዝበሉ መስተውዓልቲ ክንከውን ይምረጽ; ካብቶም ኩሎም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እንረኽቦም ኣገልገልትን መራሕትን ብተወሳኺ እሩም ሞራላዊ ሕይወት ዘሎዎም ኣስተውዓልቲ ፍርሓት እግዚኣብሔር ዝተዓጥቁ ዝተመስከረሎም ናይ ኣምላኽ ሰባት ነበሩ; መንፈስ ቅዱስ ከም ቀላሲ መንፈሳዊ ሕይወትና መጠን ንቑሓት ኮይንና ክንርከብ ምእንቲ ንድኻምነትናን ዘይምስትውዓልናን ብርሃንን ሓገዝን እናሃበ ንቕድስና ገዛእ ርእስና ክንሰርሕ ጥጡሕ ባይታ ከፊቱ ኪጓስየና ይርከብ እዩ;

ሰሙናዊ ጥቕሲ

  • መልእኽቲ ያዕቆብ ምዕ.3:1-18 ማቴ.25:1-13
    • ጥበበ ሲራክ 18:19-29 1ነገስት ምዕ.3:3-15

ኣባ ዮናስ (ኣብሳዲ)ዮሓንስ
ጳጳሳዊ ኮሌጅ
ቫቲካን