መንግስቲ ኣምላኽ


ጥዑም ብስራት - ኣምላኽ ምሳና እዩ

Heaven1 . ደቂ ሰብ ሓጎስ ኣብ ምድሪ እንክደልዩ

ነዚ ዜረድኡና ብዙሓት ኣብነታት ኬነምጽእ ንኽእል ኢና። ርሑቕ ከይከድና፡ ገለ ሰብ ጸጋ ወለዲ ንደቆም ብዙሕ ሃብቲ ገዲፎም ኪሓልፉ ከለዉ፡ ደቆም ኣብ ውርሻ ምክፋል ክበኣሱን፡ ኪባልዑን፡ ክጻልኡን፡ ክንደይ ዘይረኣና። ብኣንጻሩ ከኣ ክንደይ ድኻታት ኣብ ሓንቲ ጸባባ ገዛ ተጸፋጺፎም፡ ቆሎ ተደሪሮም ዚስሕቁን ኣብ ምድሪ ብሰላም ደቂሶም ዝሓድሩን ዘይረኣና። እቲ ምሥጢሩ እንታይ እዩ? ገለ ዓበይቲ ሰባት ብዛዕባዚ ነገርዚ ተመራሚሮም መልሲ ይኸውን እዩ ካብ ዝብልዎ ብመልክዕ ሓደ ዛንታ ኬረድኡና ይፍትኑ። ኣነ ነቲ ዚሰማዕኩዎ ዛንታ ምስቲ ኣርእስተይ ኣዛሚደ ኬቕርበልኩም።

ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ዓዲ ክልተ ለመንቲ ኣብ ሓንቲ ብዙሕ ሰብ ዚሓልፈላ መንገዲ ኮፍ ኢሎም እናለመኑ ይነብሩ ነበሩ። በቲ ዚረኸብዎ ከብዶም ይመልኡ ስለ ዝነበሩ፡ ንኣምላኽ የመስግኑን ብሓደ ኣናሰሓቑን ይነብሩ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ወሪዱ ንምድሪ ኪርእያ ይመጽእ። ዘወርወር ክብል ከሎ ከኣ ነዞም ክልተ

ለመንቲ ረኣየ። ካብ ነዊሕ እዋን ከምዚ ኢሎም ይነብሩ ከም ዝነበሩ ርእዩ ደንገጸሎም። ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ዚኸደ ናይ ለመንቲ  ሕይወት ከኣ  ኪልውጦ ደለየ። ናባታቶም ቀሪቡ ድማ “ልብኹም ዝምነዮ ሃብቲ ኪህበኩም እየ፣ ሓዴኹም ዝምነዮ ሃብቲ ይንገረኒ’ሞ፡ ነቲ ካልኣይ ከኣ ናይቲ ቀዳማይ ዕጽፊ ገይረ ኪህቦ እየ” በሎም። ብኡ ንብኡ ክልቲኦም ኣብ ዓቢይ ሓሳባት ተዋሕጡ። “ንስኻ በል” በለ እቲ ቀዳማይ። እቲ ካልኣይ ከኣ “ንስኻ ደኣ በል” በሎ። መን ቀዲሙ ይዛረብ ንርእሳ ዓባይ ጸገም ኮነቶም። እግዚኣብሔር ከኣ ጠጠው ኢሉ መልሲ ይጽበ ስለ ዝነበረ ክምልስሉ ግዲ ኾኖም። ኣብ መጨረሻ እቲ ሓደ ኪዛረብ ከም ዝደለየ ምልክት ሃበ፣ እቲ ካልኣዩ ዕጽፊ ሃብቱ ኪረክብ ምዃኑ ፈሊጡ ብዙሕ ተሓጎሰ። ኣብ ገጽ እቲ ቀዳማይ ለማኒ ግና ፈጺሙ ታሕጓስ ዝብልዎ ጠፍአ። ነቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝነበረ ሓሳባት ኬውጽእ እናተጻዕረ ከኣ ብብሓደ ነተን ቃላት ኣውጽአን። “ኣነ ሓንቲ ዓይነይ ከተዕውረኒ ደልየ ኣለኹ” ከኣ በለ። እተን ቃላት ካብ ኣፉ ኪወጻን እቲ ቀዳማይ ሓንቲ ዓይኑ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ክልተ ኣዕንቱ ክጠፍኣን ሓደ ኮነ። ጽልኢ ስለ ዝወረደ ከኣ ተፈላለዩ። ሰሓቖም’ውን ብኡ ጠፍአ። እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕድል ንጉድኣቶም ከኣ ኣውዓልዎ።

ስለምንታይ? ከመይ እቲ ሓደ ልዕሊ እቲ ሓደ ኪኸውን ስለ ዝደለየ እዩ። ካብዚ ዛንታ ኣንመሃሮ ትምህርቲ፡ ትዕቢት ወዲ ሰብ፡ ማለት ልዕሊ ካልኦት ክትኸውን ምድላይ፡ ንሓጎስና ዚቐትል መርዚ እዩ። ልዕሊ ካልኦት ምስ ወጻእካ ከኣ ካልኦት ምእንቲ ከይበልጹኻ ብዘሎካ ሓይሊ ትጭፍልቖም። እዚ ግና ሓጎስ ኬምጽኣልና ኣይኽእልን እዩ። “ካብ ሓወይ/ሓፍተይ ዚበልዖ ጓና ይብልዓዮ ወይ ከኣ ይደፋእ!” ሰራም መርሓ-ግብሪ  እዩ። “ትዕቢት ትወልዳ ለእኪት” ከምዝተባህለና፡ ከሉ ክፍኣት ኣብ ዓለምና ዘሎ ስሩ እዚ መርዚ እዚ እዩ። ንሕና ደቂ ሰብ ኩልና በዚ መርዚ ተለኺፍና ኢና። ዘይምሕጓስና ሳዕቤን መርዚ ሓጢኣት እዩ።

ዓለምና ካብዚ መርዚ እዚ ዜድሕና መድኃኒ የድልያ። ንሕና ክርስትያን ከኣ ንከርስቶስ ጐይታ ከም እቲ እንኮ መድኃኒና ንጥምቶ። እቲ ብእምነት ነቲ ስቁል ክርስቶስ ዚጥምት ሰብ ካብቲ መርዚ ተመን ይሓዊ (ዮሓ 3፡14-15፣ ዘጽ 21፡9)።

 

2. ድኅነት ብኢየሱስ እዩ

ኢየሱስ ሒዙልና ዝመጸ ጠዑም ብስራት ከኣ ደቂ መንግሥቲ ኣምላኽ ምዃን እዩ። ደቂ ኣምላኽ ምዃን ብንስሓ እዩ ዚጅምር። ከመይ ኢየሱስ “መንግሥቲ ኣምላኽ ቀረባ እያ’ሞ ተነስሑ” (ዮሓ ማቴ 3፡1-2) እዩ ዚብለና። ቀደም ስብከቱ ኪጅምር ከሎ፡ ነቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ከምኡ’ዩ ዝበሎም፣ ንዓና’ውን እቲ መልእኽቲ ወንጌል ንሱ እዩ።

ሰብ ብባዕሉ ንኣምላኽ ኪፈልጦ ኣይክእልን እዩ። ኣምላኽ እዩ ባዕሉ ገዛእ ርእሱ ንሰብ ዚገለጸ። ንስኻ/ንስኺ ኣነ ብጻዕርና ንኣምላኽ ክንፈልጦን ክንርድኦን ኣይንኽእልን ኢና። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ኣምላኽ ቅድም ነቦና ኣብርሃም ተገልጸሉ፡ ናቱ ሕዝቢ ኪኾኖ ከኣ ኪዳን ኣተወሉ (ዘፍ 12፡2)። ንዘርኡ በነብያት ጓሰዮም፡ ግዜኡ ምስ በጽሐ ድማ ብኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ብግህዶ ንደቂ ሰብ ተገልጸ፡ ካብ ናይ ኃጢኣት ሞት’ውን ኣድኃኖም (ገላ 4፡4-5፣ ገላ 3፡13፣ ዮሓ 1፡14፣ ዕብ 2፡14)።

ጣዕሚ ብስራት ድኅነት   

ሓዲሽ መኣዝንን ሓዲሽ ኣተሓሳስባን ወንጌል ነዚ ይመስል፦

  • ዝፍፈጠረናን ዝሓልየልናን ዝጓስየናን ኣቦ ከም ዘሎና፣
  • ነቲ መርዚ ኃጢኣትና ዚፍውሰልና ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታን መድኃኒን ከም ዘሎና። “ንሱ ከኣ ንሕዝቡ ካብ ኃጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ” (ማቴ 1፡21)፣ “ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዚኣምኑን ኹሎም ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኑ ሥልጣን ሃቦም” (ዮሓ 1፡12)፣
  • መንፈስ ቅዱስ ቀዳሲን፡ መጽንዒን፡ ናብ ኩሉ ሓቂ ዚመርሓናን ከመ ዘሎና
  • ስድራቤት ኣምላኽ ወይ ሕዝቢ ኣምላኽ ምዃና፣ ኩላትና፡ ማለት ቅዱሳንን፡ ጻድቃንን፡ መላእኽትን ከምኡ’ውን ንሕና ኣብ ምድሪ ዘሎናንን ኣመንትን፡ ሕብረት እሎና፣ እናተደጋገፍና ንምስፋሕ መንግሥቲ ኣምላኽ ንዓዪን፡ ንመንግሥቲ ጸልማት ከኣ ንቃወም።

ንስኻ/ንስኺ ኣነን ምእንቲ ክንሕጐስ እንተኾይኑ፡ ኣምላኽ ኣብ ሕይወትና ክኣቱ ኣለዎ። እዚ ከኣ ንክርስቶስን ንቃሉን ኣብ ሕይወትና ቦታ ክንህቦን

  • ከለና ጥራሕ እዩ። ከመ “ቅድም መንግሥቱን ጽድቑን ድለዩ” (ማቴ 6፡33)፣ “ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ” (ማቴ 6:19)፡ ከመይ “ንክልተ ጎይቶት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደኳ የልቦን” (6፡24) ዚብል ቃል ክርስቶስ ክንኣምኖን ኣብኡ ረጊጽና ክንዓዪን የድልየና፣ ቃሉ “ናባይ ንዑ ኬዕርፈኩም” (ማቴ 11፡25-30) ስለዚብል፡ ብዘይካ ኣብኡ ዕረፍቲ የብልናን፡ ብዘይካኡ ክንሕጐስ ኣይንኽእልን፣
  • ፈውስና ፍቕሪ ኣምላኽን ብጻይን እዩ (ማር 12፡28-34)፣ ከምቲ ንሱ ዜፍቀረና ጌርና ነሓድሕድና እንተ ተፋቒርና (ዮሓ 13፡35) ሰላሙን ሓጎሱን ኣይክፍለየናን እዩ። ኣብ መጨረሻ ፍርዲ ብናይ ፍቕሪ ተግባራትና ከም እንፍረድ ንጊሩና እዩ፣ “ጠምየ ኣብሊዕኩምኒ፡ ጸሚአ ኣስቲኹምኒ፡ ጋሻ ኮይነ መጺአ ተቐቢልኩምኒ፡ ዓሪቐ ኸዲንኩምኒ፡ ሓሚመ በጺሕኩምኒ፡ ተኣሲረ ኣጸናኒዕኩምኒ --“ (ማቴ 25፡35-36) ስለ ዚብለና፡ ንፍቕሪ ክንለብሳ ከሎና ምንጪ ዘይነጽፍ ዘለዓልማዊ ሓጎስ ክትኮነና እያ።

ናይ ወንጌል መንገዲ ካባቲ ናይ ዓለም መንገዲ ዝተፈልየ እዩ። ናይ ዓለም ንርእስኽ ምቕዳምን ልዕል ምባልን፡ ሃብቲ ምድላብን፡ ልዕሊ ካልኦት ምሕዳር ክኸውን ከሎ፣ ናይ ወንጌል መንገዲ ግና ንርእስኻ ትሕት ምባልን፡ እምላኽ ከም ዘድልየካ ምፍላጥን፡ ብኃጢያትካ ምእማንን ምንስሓን፡ ብፍቕሪ ምንባርን እዩ። ናይ ዓለም መንገዲ ናብ ቅድድምን ህልኽን የእትወካ፣ ናይ ወንጌል መንገዲ ግና ናብ ምግልጋል ካልኦትን፡ ናብ ምሕረትን ብሰላም ምንባርን ይመርሓኻ። ዓለም ንገንዘብ ተምልኽ፣ ወንጌል ግና ንፍቕሪ ወይ ዘለዓማዊ ሃብቲ የትኲር። ዓለም ኣብዚ ምድሪ ስጋዊ ሓጎስ ንምርካብ ትደሊ፣ ደቂ ወንጌል ኣብዚ ምድሪዚ ብሰላምን ፍቕርን ብምንባርን፣ ዕድመ ወዲ ሰብ ሓጻር ምዃና ፈሊጦም ኣርሒቖም ናብ ድሕሪ ሞት ዘሎ ሕይወት ይጥምቱ።

3. ስለምንታይ ክርስትያን ከም ቃል ወንጌል ክነብር እንጽገም?

ነፍሲ ወከፍና ካብዚ ሕቶዚ ከምልጥ ኣይኽእልን እዩ። ሽሕኳ ሓሓሊፎም ንቃል ወንጌል ብእምነት ተቐቢሎም ዚነብዎ ኣብነታውያን ክርስቲያን እንተለዉ፣ እቶም ዚበዛሕና ግና ኣተሓሳስባ ስጋናን ዓለምን ከይሓደግና

ክርስትያን ክንከውን ኢና እንፍትን ዘሎና። ንክልቲኡ ከነጠዓዕም ስለዘይከኣልና ድማ ኲሉ ግዜ ኣብ ግርጭት ንነብር ወይ ከኣ ናይ ኣምስሉ ሕይወት ነሕልፍ ኣሎና። ክንሕጎስ ከኣ ኣይከኣልናን።

ብሓጺሩ ከምቲ ሓዋርያ ያዕቆብ፡ “እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ ድዩ ዚመጽእ ዘሎ? ካብቲ ኣብ ውሽጥኹም ኮይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም’ዶ ኣይኮነን? ሃረር ትብሉ፣ ስለ ዘይረኸብኩም ከኣ ትቐትሉ፣ ክፉእ ትምነዩ፣ ሓንቲኳ ክትረኽቡ ስለ ዘይከኣልኩም ትበኣሱን ትዋግኡን። ንኣምላኽ ስለ ዘይለመንኩም ድማ የብልኩምን። ንፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኸተርውዩ ብኽፉእ ሓሳባት ስለ እትልምኑ ኣይትቕበሉን። ኣቱም ከሓድቲ! ንዓለም ምፍቓር ንኣምላኽ ምጽላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እቲ ዓርኪ ዓለም ኪኸውን ዚደሊ ሰብ ጸላኢ ኣምላኽ ይኸውን” (ያዕ 4፡1-4) ዝበለና እዩ ኣባና ዝርአ ዘሎ። “ዓለምን ኲሉ ፍትወታን ሓላፋይ እዩ፡ እቲ ፍቕድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለዓለም ይነብር (1 ዮሓ 2፡17)።

ስጋና ጎብለል ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ። መሊኹና ስለ ዘሎ ንዕኡን ነቲ ድሌታቱን ነቐድም ኣሎና። ስጋና ዝበሃጎ ምእንቲ ክነጥሪ ግዜና ኣብ ሃለኽለኽ ነሕልፎ ኣሎና። “ወስኽ፡ ሕጂ ከኣ ወስኽ፣” ስለ ዚብለና ከኣ ብዝረኸብናዮ ዕግበት የብልናን። ብጻዕርና ዝረኸብናዮ ጥራሕ እንተዝኸውን’ዶ ጸሊእኩም? ንወለድኻ ወይ ንሓውኻ/ሓፍትኻ፣ ካብ ንብረት መንግሥትን ካልኦት ሰባትን ብምትላል (ስርቂ፡ ዓመጽ፡ ወይ ጉቦ) ክትምንዝዕ ዚግበር ላዕልን ታሕትን’ከ እንታይ ንበሎ?

ገሌና ከኣ ኣብ ዓለም ተበሃጊ ሕይወት ዝበሃል ወይ ነቶም ዝጠዓሞም ዝመስለና ሰባት ክንመስልን፡ ዘጥርየዎ ሃብትን፡ ህቡብነትን ክህልወናን፡ ኣካያይዳኦም ክንቀድሕን ግዜናን ሓይልናን እንጠፍእ ከኣ ኣሎና።  ርእስና ዘማእከለ ሕይወትን ጣዕምን ክንረክብ ህርድግ እንብል ኣሎና። ኩሉ ሃብቲ ምስ ሓዝና፡ ንነፍስና ከኣ “ደጊም ኣዕርፊ ብልዒ ስተዪ” ክንብላ ምስ በልና ከኣ ሞት ተርክበና ምዃና ንዝንግዕ ብዙሓት ኣሎና፣ ኣምላኽ ግና “ኣታ ዓሻ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ንነፍስኻ ካባኻ ኪወስድዋ እዮም፣ እዚ ዝደለብካዮ ድኣ ንመን ኪኸውን እዩ?” ኪብለና እዩ (ሉቃ 12፡20)።

4. እሞ’ኸ እንታይ ንግበር?

ወንጌልና ዚህበና ሓጺር መልሲ “ንፍቕሪ” ምሓዝ እዩ። ከመይ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” (1 ዮሓ 4፡8)። ንፍቕሪ ዝሓዘ ንኣምላኽ ይፈልጦ። “ኣምላኽ ቅድም ስለ ዘፍቀረና ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዚረኣዮ ሓዉ ዘየፍቀሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ ኣናጸልኦስ “ንኣምላኽ የፍቅሮ እየ” ዚብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዩ” (1 ዮሓ 4፡19-21)።

እምበኣርከስ፥- ነቲ ዝፈጠረናን ዘፍቅረናን ኣምላኽ ልብና ከፊትና ንቐበሎን፡ ነፍቅሮን። ንሱ ንልብና ኬዕርፍ ዚከኣሎ፡ ካብ ውሽጥና ዚፍልፍል መንፈስ ሓቂ፡ መንሰፈስ ጽድቂ፡ መንፈስ ፍቕሪ ኪመልኣና እዩ። “ዝጸምአ እንተ’ሎ ናባይ ይምጻእ ኣሞ ይስተ። ‘ካብ ውሽጡ ርባታት ማይ ሕይወት ኪውሕዝ እዩ (ውህበት መ- ቅዱስ)” (ዮሓ 7፡37) ኢሉ ከም ዘተስፈወና ኪገብረልና እዩ። ፍቕሪ ፍረ መንፈስ እያ (ገላ 5፡22)። መ- ቅዱስ ጥራሕ እዩ ነዒንትና ኪኸፍቶ ዚኽእል። “ንዓ መ- ቅዱስ ንሕይወተይ ሓድሶ፡ ቀድሶ፡ ናብ ኩሉ ሓቂ ምርሓዮ! ኣሜን!”

ንብጻይና ነፍቅር፡ ንምሓሮ ኣይንቀየመሉ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና ንሓድሕድና ምእንቲ ክንፋቐር (ዮሓ 13፡35) ዜኽእለና ከኣ መንፈስ ኣምላኽ ጥራሕ እዩ። እምበኣር ነስተውዕል፦ “ፍቕሪ ዓቃል እያ፣ ፍቕሪ ለዋህ እያ፣ ፍቕሪ ኣይትቀንእን እያ፣ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን እያ፡ ኣይትዕበን እያ። ፍቕሪ ስዲ ኣይኮነትንምን፣ ንኣይ ይጥዓመኒ ብዚብል ኣይትምራሕን እያ። ፍቕሪ ኣይትቚጣዕን ኣይትቕየምን እያ። ብሓቂ ትሕጐስ እምበር ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ፍቕሪ ንኲሉ ትጸውር፡ ንዂሉ ትኣምን፡ ብዂሉ ድማ ተስፋ ትገርብር፡ ንዂሉ ትዕገስ” (1 ቆሮ 13፡4-7)። ፍቕሪ ብኣምላኽ እምበር ብወገን ወይ ዓሌት ኣይትምራሕን እያ።

ኣካላትና ብቊራስ እንጌራ ኪነብር ይኽእል እዩ። ነፍስና ግና ብኲሉ ጥሪትን ገንዘብ እዛ ዓለም እዚኣ ክትሕጐስ ኣይትኽእልን እያ። “ገንዘብ ምስ ገበርኩ፡ ልበይ ዚምነዮ ኪገብርን ኪሕጐስን እየ” ኢልና ንሓስብ እንተሊና ንጋገ። ከይወዓልና ከይሓደርና ምእንቲ ክንሕጐስ፡ ካብ ሎሚ ጀሚርና ምስ ኣምላኽናን ብጻይናን ንፋቐር። ምስ ኲሉ ብሰላም ንንበር! ኣምላኽ ምሳና ይኹን! ባዕሉ ይርድኣና!

ዶ/ር ክፍለየሱስ ዓንደማርያም