ሓጸርቲ ኣስተምህሮታት


እምነት እግዚእትነ ማርያም

“ናይ ማርያም እምነት ካብ ናይ ኩሎም ቅዱሳንን መላእኽትን ዝዓበየ ኢዩ፣ ኢየሱስ ሕጻን ኰይኑ ክውለድ እናረኣየት ዘለዓለማዊ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ምዃኑ ኣመነት። ኢየሱስ ሕጻን ኣብ መብልዕማል ኣብ መንጎ እንስሳ ኰይኑ እናረኣየት ፈጣሪ ዓለም ምዃኑ ኣመነት። ድኻ ኰይኑ ዝተወልደ ሕጻን እናረኣየት ንጉሥ ምዃኑ ኣመነት። ስደተይና ኰይኑ ንግብጺ ክሃድም እናረኣየት ንጉሥ ነገሥታት ምዃኑ ኣመነት። ከም ማንም ሕጻን ክበክን ክነብዕን እናረኣየት ታሕጓስን ደስታን መንግሥተ ሰማያት ምዃኑ ኣመነት። ስቅለቱን ውርደቱን መከራኡን ሞቱን እናረኣየት ከምቀደማ ካብ እምነታ ነቅ ኣይበለትን”።

እናቴ ለተድንግል ዑ/ሚካኤል ማ.ደናግል ኮምቦኒ

ጉዕዞ እምነት

መንፈሳዊ ጉዕዞ ብሕጻናት። ናኣሽቱ ብመን ፈጠረና ይጅመሩ። ቀጺሎም ቅ. ቁርባን ፡ ሜሮን ይቕበሉ። ትምህርቲ ክርስቶስን መዝሙርን ከኣ ይቅጽል። ኣብዚ ጉዕዞ`ዚ ግና ፍልጠት ጥራሕ ዘኮነ እቲ እምነት ውን ክዓቢ ኣለዎ። እቲ ኣብ ጥምቀትና ዝተዘርአ እምነት ምስ ዓበና ናትና ክንገብሮ፡ ነቲ ወለድና ኣቦ/እኖ ልገ (ብልግነት) ዝበልዎ ነቲ ክፋእ “እኽሕድ” ንኣምላኽ “እኣምን” ባዕልና ክንብል ኣሎና።  ጥርጥር ኣወጊድና ከም ቶማስ ሓዋርያ “ጎይታይን ኣምላኸይን” ክንብል ምስ ቅ.ጳውሎስ ኮይና ከኣ “እምነተይ ኣብ መን ኣውዲቐዮ ከምዘለኹ ስለዝፈልጥ ኣይሓፍርን`የ” (2 ጢሞ 1፡ 12) ክንብል ይግባእ።

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

እምነትን ትርጉም ይን

“ስቓይ ብገሊኡ ድሩት ዓቕምና ዚብገስ። ብገሊኡ ድማ ኣብ ዘመናት ካብ ዝተዋህለለን ሎሚ’ውን ከይጐደለ ዚዓቢ ዘሎን ኃጢኣት ዚመጽእ እዩ፣ ብርግጽ ንስቓይ ንኽነጉድል ዝከኣለና ዘበለ ክንገብር ግቡእ እዩ፣ ብዚከኣል መጠን ናይ’ቶም ንጹሓን ስቓይ  ከም  ዚጐድል  ምግባር  ኣድላዩ  እዩ፣  እንተኾነ  ግና ንስቓይን ነቲ ምኽንያት ስቓይን ኮይኑ ዘሎ ክፍኣትን ኃጢኣትን ካብ   መሠረቱ   ምሒና   ንምጥፋኡ   ዓቕሚ   የብልናን፣ ነዚ ንምግባር ምሉእ ዓቕሚ ዘሎዎ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ እዩ”፣

ኣባ ዮሴፍ ግርማይ ዘማ.ን.ኣ.ካፑቺኒ

ብርሃን ምነት

“ንሕይወትና ዝጸልዋ ክልተ ሓያላት ቃላት ኣለዋ፣ ድሙቕ ብርሃንን ድቕድቕ ጸልማትን እየን፣ ኣበይ ኣሎና? እቲ ብርሃን እምነት ዘብሎ ዘሎ ምኽንያት እቲ ዝእመን ዘሎ ብርሃን ስለዝኾነ እዩ፣ ጸሓይ ካብ ላዕሊ በሪቑ ክበጽሓና እዩ፣ (ሉቃ።1።67) ግዜ ልደት ግዜ ጸሓይ ብራቕ እዩ። ወላ’ካ ሎሚ ምሸት ምድረ-ሰማይ እንተጸልመተ። ጽባሕ ንጋሆ ምውጋሑ ኣይተርፎን እዩ፣ እተን ዝኸፍኣ ክፍሊ ናይ ጉዕዞ ሕይወትና ከኣ እዘን ዝስዕባ እየን፣ ጸልማት ካባና ምኻድ ክኣብየና እንከሎ ሞት ክትድንጉየና እንከላ በይንኻ ክትተርፍ ከሎኻ ካብ እግዚኣብሔር ተፈሊኻ ብዘይ እምነት ኣምላኽ ብሸለልትነት ክትነብር ከሎኻ እየን፣ እምነት እንተላትና ከኣ ንበይና ከይነትርፋ ምጥንቃቕ፣ ናይ እምነትና ካልኣይ ገጻ ተግባር እዩ፣ (ያዕ. 1።22,2።14-ፍ)፣ እዛ  እምነትና እንታይ ኢያ  ትሓተና? ክንኣምን፡ ክነፍቅር፡ ክንምሕር፡ ፈሪሓ እግዚኣብሔር ክነሕድር፡ እግዚኣብሔር ንዝብሎ  ጽን  ኢልና  ክንሰምዕን  ክንትግብሮን ክንእዘዝን፡ ቅዱሳት ምሥጢራት ክንሳተፍን፡ ንዝጸልመቶ ክነብርህን ነታ ዝተቐበልናያ ብርሃን ናብ  ካልእ ክነባጽሕን (ስብከተ ወንጌል ምፍጻም) እዩ”።

ኣባ ኃይለ ተስፋማርያም ማኅበር ልኡኻን

ኑዛዜ ናይ እምነት ስጉምቲ

“ኣብ’ዚ ጊዜና። ንሓደ ግዙፍ  ‘ሱናሚ’ ዚመስል ‘መንፈሳዊ ሱናሚ’።   ኣብ ውሽጢ ኣልባብ ደቂ ሰባት ተኸሲቱ ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ነውጺ’ዚ በቲ ኅሊና ደቂ ሰባት ትርጉም እናሰኣነ ዝኸይድ ዘሎ “ዝተፈላለየ ኃጢኣት” ዝኽሰት ዘሎ’ዩ፣ ሐደ ካብ ዓመተ እምነት ኣባና ገዲፍዎ ክሓልፍ ዝግብኦ ዘይሃስስ ምልክት እምበኣር። ስንብራት ፍቕሪ ዝውታረ ‘ምሥጢረ ንስሓ’ ክኸውን ይግባእ፣ ምሥጢረ ንስሓ። 1ይ ጀረጃ ጉዕዞ እምነት ኩይኑ ነቲ በብእዋኑ። ብዝበልናዮ ‘መንፈሳዊ ሱናሚ`ዩ ካብ  ኣልባብና  ዚርሕቕ  ጸጋ  መቐረት  ፍቕሪ  ኣምላኽ።  ከም እንደገና። ናብ’ቲ ግቡእ ቦታኡ ንመልሰሉ መጋበሪ’ዩ፣ ጠቕሚ ምሥጢረ ንስሓ። ምስ እግዚኣብሔር ምስ ብጻይናን ይዓርቀና ብኃጢኣትና ከም እንእመን ይገብረና ንቅ.ቍርባን ብብቕዓት ክንቅበሎ የብቅዓና ኣብ ሕይወትና ህላዌ እግዚኣብሔር ከምዝስምዓና ይገብር ንፈተና ዝኾነ ኃጢኣት ተቢዕና ንቃወመሉ ጸጋ የውህበና ሓጐስን ሰላምን ልቢ ከም ነስተማቕር ይገብረና ኣብ ዝተፈላለየ ግብረ ጽድቂ ክንሳተፍ ወኒ የለዓዕለልና ቅንኢ ሓዲሩና ክንሰብኽ ሓላፍነት የልብሰና”።

ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ሥላሴ ዘማ.ን.ኣ.ካፑቺኒ

 

ታቦት

ንሕና እምበኣር ደድሕሪ ኢየሱስ ንኽተል ጥራይ ዘይኮናሲ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና መጺኡ ማዕጾ ልብና ዝኹኩሓና ኢና።

እንተ ከፊትናዮ ከኣ ብዘይ ጥርጥር ታቦት ኢና። ቤት መቕደሱ`ውን ኢና። “ቤተመቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላውን` ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፥ ሓደ`ኳ ነቲ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንተፍረሶ፡ ኣምላኽ ኬፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ። እዛ ቤተመቕደስ እዚኣ`ውን ንስኻትኩም ኢኹም” (1ቆሮ3፡ 16-18)።

ቀሺ መሓሪ ላእከ

 

ኣብ ክርስቶስ ዝተሠረተ ሕይወት

ኣብ ክርስቶስ ዝተሰረተ ምስኡ ዝጎዓዝ ኣብኡ ዝተሓንጸ ኣመስጋኒ እዩ ዝኸውን። ምስ ዘመስግኑ ምህልው ክንደይ ጽቡቕ እዩ። እንተወዲቖም ተስፋ ኣይቆርጹን እዮም፣ እንተተዓዊቶም ድማ ትዕቢት ዘይኮነስ ምስጋና እዩ ዝስዕሮም፣ ከመይ ሕይወት ህያብ ምዃና ስለ ዝርድኡ። ሕይወት ህያብ ምዃና ምቕባል ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘይተማርር ትኸውን፣ ከመይ ሕይወት መሰል ዘይኮነት ህያብ ምዃና ስለ እትኣምን። ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከኣ እቲ ዝተረኽበ ዘይግባእ ሓለፋ ከም ዝኾነ ትራእ እሞ ፈንጠዝያ ኣይትገብርን።

ኣማኑኤል ኪዳነ

ቅድስቲ ስድራ ኣብነት ናይ ዘመንና ስድራቤት

ኣቦታት ክንምስሉ ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ፡ “ከመይ ኢልኪ ነዚ ሓዳር በተንክዮ፧ ኣዕበድቢደ። ከመይ ኢልኪ’ኸ ኣድሓንክዮ፧ ኣባቢደ።” ይብሉ። እወ፡ ስድራቤታት ወይ ኪዳን ብኸመይ ይዝረግ፡ ብኸመይ’ከ ይዕረ እንተበልና ዝኣባብድ – ልቢ ዘዕበየ፡ ኣርሒቑ ዝርኢ፡ ረብሐ ስድራቤት ዝፈልጥ። ከመይ ወንጌል “በትዕግሥትክሙ ታጠርይዋ ለነፍስክሙ” ኢዩ ዝብል። ስለዚ ከኒና ወይ መርፍእ ወይ መድኃኒት ናይታ ዕውቲ ሥድራቤት ንፈልጦ ኢና። እቲ ጸገምስ ነቲ መድኃኒት ኣብ ጊዜኡ ዘይምውሳድ ኢዩ። ነቲ ጠንቅታት ዘይምልጋስ ኢዩ። ካብቲ ፈተናታት ዘይምርሓቕ ኢዩ፡ ኢታብኣነ እግዚኦ ውስተ መንሱት ዘይምባል ኢዩ።

 ኣባ ሓጎስ ተወልደ

ምስጋና

“እቲ ናትና ምስጋና ንኣምላኽ ሰብ ዕዳኡ ምዃንና ዝገልጽ እዩ፣ ነቲ ዝተገብረልካ ሠናይ ነገር ምምስጋን እቲ ዝቐለለ እዩ፣ እቲ ጽንክር ዝበለ እቲ ንዅሉ ኣብ ሕይወትና ዘጋጥመና ኵነታት ብምስጋና ክንሓልፎ ዝተጸዋዕና ምዃንና እዩ።- ነቲ ሕማቕ ኮነ ነቲ ሠናይ። ነቲ ሓዘን ኮነ ነቲ ሓጎስ። ነቲ ውድቀት ኮነ ነቲ ዓወት ብምስጋና ምቕባሉ ይግባእ፣ ብርግጽ ቀሊል ኣይኮነን፣ ምርኡያት ኣመንቲ እንበሃል ግን ብዅሉ ኣመስገንቲ ምስ እንኸውን ኢና። እቲ ከምኡ ዝበለ ምስጋና ምልስ ቢልና ንዝኅለፈ ምሉእ ሕይወትና በብሓደ ንሓልፎ’ሞ ኣብ ኵሉ መዳይ ሕይወትና ኣምላኽ ከም ዝመርሓና ነስተውዕል፣ እቲ ዘሳቕየና ኵነታት ኮነ እቲ ዝሐገዘና ኵነታት ኪነጸጻል ዘይክእል እዩ፣ ናብ’ዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ደረጃ ንኽንበጽሕ ዝመርሓና ኢድ ኣምላኽ ኣስተውዒልና። “ነዚ ኵሉ ብሳላ ኣምላኸይ እየ ሐሊፈዮ። ነቲ ደበንገረን ጸልማትን ብሳላ ኣምላኸይ ሰጊረዮ። ነቲ ዓቕሊ ዜጽብብ ኵነታት ጉዕዞ ክርስትናይ ብሳላ ኣምላኽ ነቢረዮ”። ብምባል ናብ ምስጋና ንኽንሓልፍ እዚ ዓመተ እምነት መልእኽቲ የመሓላልፈልና ኣሎ”።

ኣባ ዘርኣያዕቆብ ዑ/ሚካኤል ዘማ.ን.ኣ.ካፑቺኒ