ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ሰበኻ ባረንቱ


ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፣ ነቲ ኣብ ጥሪ ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ፣ ኣብ ለካቲት

ከኣ ኣብ ሰበኻ ከረን ዝገበርዎ ናይ ቀዳማይ ሊቀጳጳስ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምቕጻል፣ ዝሓለፈ ዓርቢ፣

ቀዳመ-ሰንበት ካብ 24 ክሳዕ 26 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ሰበኻ ባረንቱ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም።

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ናብ ሰበኻ ባረንቱ ኣብ ዝነቐልሉ ብክልተ ካህናት ማለት ክቡር ኣባ ተስፋማርያም

ገ/ክርስቶስ ሓለቃ ማሕበር ኮምቦኒን፣ ብክቡር ኣባ ኾኸበ ተወልደ ሊቀ ካህናት ኣሥመራን ተሰንዮም

ኢዮም ነዚ ናይ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝፈጸሙ። ብፁዕ ሊቀጳጳስ፣ ኣብ ሰበኻ

ባረንቱ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፣ ካብ ኣቁርደት ክሳብ ባረንቱ ኣብዘሎ፣ ኣብያተ ጸሎትን ቁምስናታትን

ድሙቅ ኣቀባብላ፣ እናተገብረሎም ኢዮም ናብ ከተማ ባረንቱ በጺሖም። ዓርቢ 24 ሰነ ኣብ ኣቁርደት

ልክዕ ሰዓት ሰለስተ እንኪበጽሑ፣ ካህናት፣ ደናግል ሕዝብን መንእሰያትን ኣብ ቀንዲ ጎደና ናይቲ

ከተማ ወጺኦም ድሙቕ ተቅባል ገይሮምሎም። ብዓጀብ ከኣ ናብቲ ብስም ደብረ ፋጢማ ዝጽዋዕ

ቁምስና ኣምሪሖም፣ ኣብ ቤተክርስትያን ጸሎት ኪዳን ዘሰርክ ድሕሪ ምድጋም፣ ብክቡር ቆሞስ ኣባ

ሃብታይ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ቃል ተዋሂቡ። ቀጺሎም ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ዕላማ ናይዚ

ፍሉይ ምብጻሕ፣ ናብ ሰበኻ ባረንቱ ገሊጾም።

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣብ መግለጺኦም’ኩልና ከም እንፈልጦ፣ ካብ ዝሓለፈ ዕለት 19-ጥሪ-2015 ጀሚርና፣

ብፁዕ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነጳጳስት ፍራንቸስኮ፣ እዛ ኤርትራ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፣ ርእሰ

ዝኸኣለት ወይ ብርእሳ እትመሓደር ቤተክርስትያን ክትከውን ኣዊጆምልና ነዚ ብሓቂ ብዓቢይ ምስጋና

ክንቅበሎ እኳ እንተሎና፤ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፣ ዓቢይ ሓላፍነት ዘሰኽም ኢዩ። ናይዛ ርእሰ ዝኸኣለት

ቤተክርስትያን ቀዳማይ ሊቀጳጳስ፣ ብምሻም እታ ዘለዉዋ ሰበኻ ከኣ ርእሰ ሰበኻታት ክትከውን

ቅድስት ቤተክርስትያን ኣውጃትልና ኣላ እዚ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዝተረኽበ፣ ብዙሕ ጻዕሪ ዝተኻየደሉ

ኮይኑ፤ ብስምረት ቅድስት መንበር ከኣ፣ ብዕለት 19 ጥሪ 2015 ዓ.ም ዝተዋህበና መዝነት ኢዩ

ኢዮም። ንሕዝቢ ቡራኬ ሂቦም ከኣ እቲ ናይ ቤተክርስትያን መደብ ተፈጸመ። ሲዒቡ ድሕሪ ሓጺር

ዕረፍቲ ኣብ ኣዳራሽ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ንሕቶታት ሕዝቢ ምላሽ ሂቦም፣ ኣባታዊ ምኽሮምን ማዕዳኦምን

ለጊሶም፣ ንዕላማን ትሕዝቶን ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ስድራቤት ብሰፊሑ ንተሳተፍቲ ኣኻፊሎም።

ካብ ኣቁርደት ቀጺሎም ናብ መጎሎ ኣምሪሖም፣ ኣብዚ’ውን ብሓቂ ኣብታ ንእሽቶ ዓዲ፣ ዝርከብ ሕዝቢ

ኩላቶም ኣማሓደርቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስን እስልምናን፣ ምስ ደናግል ደቂ ፍቕሪ ብምዃን

ድምቕ ዝበለ ተቕባል ገይሮምሎም። ብፁዕ ሊቀጳጳስ ብደናግል ደቂ ፍቕሪ ተሰንዮም፣ ነቲ ኣብቲ ዞባ

ዓቢይ ስም ዘለዎ ሆስፒታል ተዓዚቦም፣ ነቶም ኣገልገልቲ ሓካይም ኣተባቢዖም ንኹሎም ሕሙማት

ከኣ በጺሖም። ከማኡ’ውን ነቲ ሆስፒታል ዘካይዳ ደናግል ደቂ ፍቕርን “ኣብዚ ሕክምና እዚ ፍሉይ

መድሓኒት፣ ፍሉይ ዓራት የለን፣ እንተኾነ ግዳ ፍሉይ ተቕባልን ምሕደራን ስለ ዘሎ ካብ መላእ፣ ዞባ

ጋሽ ባርካ ዝመጸ ሕዝቢ ይግልገል ኣሎ” ዚብል  ምስክርነት ኣማሓዳሪ እቲ ንኡስ ዞባን ሰሚዖም።

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ከኣ ብወገኖም “ቤተክርስትያን ወትሩ ምሳኹም ከምዘላ ነረጋግጸልኩም” ቢሎም

ኣተባቢዖም ጉዕዞኦም ንባረንቱ ቀጺሎም።

ልክዕ 6፣00 ድ.ቅ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝኣተወሉ ሕዝቢ ባረንቱ፣ ብዓቢይ ዓጀብ ብብፁዕ ጳጳስ

ኣቡነ ቶማስ ዑስማን ዝተመርሑ ቤተክህነት፣ ደናግል፣ ምእመናን፣ መንእሰያት፣ ሕጻናት ውዕዉዕ

ኣቐባብላ ብምግባር ክሳዕ ቤተክርስትያን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ዓጀብዎም። ኣብ ቤተክርስትያን ጸሎት

ኪዳን ተደጊሙ፣ ብድሕሪ’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ቶማስ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ቃል ኣስሚዖም፣

ቀጺሎም ብፁዕ ሊቀጳጳስ’ውን እንቋዕ ድሓን ጸናሕኩም ብዝገበርኽሙለይ ኣቐባብላ ብልቢ ኣመስግን፣

እዚ ሳልስቲ እዚ ብሓንሳብ ኣሎና ኢሎም።

1

 

ድሕሪ’ዚ ብቤተክህነት ተዓጂቦም ናብ መንበረ ጵጵስና ደብረ መስቀል ከዱ። በዚ ከኣ ናይቲ ዕለት

መደብ ብድራር ምስ ኩሎም ቤተክህነት ሰበኻ ባረንቱ ተዛዘመ።

ቀዳም ብቅዳሴ ዝጀመረ መደብ ብፍላይ ምስ ቤተክህነትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን፣ ክሳብ ፍርቂ

መዓልቲ ቀጺሉ ዊዒሉ። ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣብ ቅዳሴ ዝሃብዎ ቃል እዚ ዕለት እዚ ዓመታዊ ክብረ

በዓል ቅ.ኣቦና ያዕቆብ፣ ናይ መንፈስ ወላዲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገርና ምኻኑ ድሕሪ ገሊጾም፣

ናይ ሎሚ ሰበኽቲ ወንጌል ከኣ ኣብነቶም ተኸቲልና ክንከይድ ይግባእ። ከምቲ ኣዴና  ቅድስቲ

ድንግል ማርያም ንቅድስቲ ኤልሳቤጥ ድሕሪ ብሥራት ከተገልግል ዝኸደት፣ ንሕና ከኣ ብትሕትና

ንክርስቶስ ተሰኪምና ወንጌል ክንሰብኽ ይግብኣና ኢሎም። ድሕሪ ናይ ሓባር ቁርሲ ከኣ ኣብ ኣዳራሽ

መንበረ ጵጵስና ብፁዕ ሊቀጳጳስ ንቤተክህነትን ሰብውፉይ ሕይወትን ክልተ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣስተምህሮ

ሂቦም።

ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ኣስተምህሮኦም ርእሰ ምሕድርቲ ቤተክርስትያን እንታይ ማለት ምዃኑ ከምኡ

ከኣ ሓላፍነትን ጉቡእነትን ናይ ሊቀጳጳስ’ውን በብሓደ ገሊጾም፤ ንዝያዳ ሓበሬታ ከኣ ኣብ ሕገ ቆነና

ምስራቃዊት ቤተክርስትያን ካብ ቁ.155-173 ዘሎ ክንግንዘብ ንክእል ኢሎም፣ ናብቲ ካልኣይ ኣርእስቲ

“ጸዋዕታን ተልእኮን ስድራቤት” ዝብል ሓሊፎም ብዛዕባ ስድራቤት ዝተኻየደ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝሃቦ

መምርሒ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም። ካብኡ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣርእስታት ኣልዒሎም ማለት፦

  1. ኣገልግሎት ካህናት ኣብ ተልእኮ ስድራቤት፣
  2. ኣብ ቃል ኪዳን ናይ ርሑቅ፣ ናይ ማእከልን ናይ ቀረባን ምድላዋት ክግበር ከምዝግባእ፣
  3. ንሓደስቲ ሰብኪዳን እንተወሓደ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ምስናይ ከምዘድሊ፣
  4. ቤተክርስትያን ነቶም ኪዳኖም ኣፍሪሶም ዝርከቡ ምእመናን ብቃል ኣምላኽን ካልእ

ጉስነትን እናሃበት ኣብ ቤተክርስትያን ክሳተፉ ከተተባብዕ ተስፋ ክትህብ ከም ዘለዋ

ዝብል ዓበይቲ ሓሳባት ብዝርዝር ኣካፊሎም።

ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ምስ ብፁዕ ኣቡነ ቶማስ ዑስማንን ምስቶም ካብ ኣሥመራ

ምስኦም ዝኸዱ ክልተ ካህናትን ተማሃሮ ዘርኣክህነትን ብምዃን፣ ካብ ባረንቱ ወጻኢ ኣብ ዘለዋ

ቁምስናታትን ኣብያተ ጸሎትን ናይ ሽድሽተ ዓድታት ማለት ኣጋኒ፣ ፍደ፣ ኩልኩ፣ ኮና፣ ኣጋሙ፣ ኤባሮ

ዝተባህላ ዓድታት በጺሖም። እዚ ጉዕዞ፣ እዚ ናይ 6 ሰዓት ጉዕዞ ኢዩ ነይሩ ብሓቂ ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ

ነዚ ቦታ እዚ ምርኣዮም ኣዝዮም ሕጉስ ምኳኖም ንብፁዕ ኣቡነ ቶማስ ገሊጾምሎም።

ሰንበት ንግሆ ኣብ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ብ10 ካህናት ተሰነዮም ክልቲኦም ጳጳሳት መስዋዕተ ቅዳሴ

ኣዕሪጎም። ድሕሪ ቅዳሴ፣ ኩሎም ቤተክህነትን ሰብውፉይ ሕይወትን ሕዝቢ እታ ቁምስናን

ብምሉኣቶም ናይ ሓባር ቁርሲ ተኻፊሎም፣ ናብ ርክብ ሕዝቢ ተሳጊሮም፣ ኣብዚ’ውን እንተኾነ ብፁዕ

ሊቀጳጳስ ኣብቲ ሳልስቲ ዝተገብረሎም ኣቐባብላ ድሕሪ ኣመስጊኖም፣ ቀንዲ ዕላማ መምጺኦም ገሊጾም፣

ካብ ሕዝቢ ዝመጸ ሓደ ሓደ ሕቶን ለበዋን ተቀቢሎም ብጸሎት ቡራኬ እቲ ናይ ሳልስቲ መደብ

ተዛዚሙ። በዚ ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ሓዋርያዊ ምብጻሖም ፈጺሞም፣ ድሕሪ ቀትሪ ናብ መንበሮም

ተመሊሶም።

 

 

ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ!!

ግርማይ ኣስፍሃ

2